Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ ንውላደይ ሃይማኖቱ ባዕለይ’የ ዘፍልጦ”

“ ንውላደይ ሃይማኖቱ ባዕለይ’የ ዘፍልጦ”

1
By Mekonnen T. on October 5, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2006 ዓም እዩ። ናይ ዲቪ ሎቶሪ ስለዝበጽሓኒ ምስ ስድራይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንምኻድ ወረቓቕቲ ብሕቡእ ኣብ ዘሳልጠሉ ዝነበርኩ ግዜ ዘጋጠመኒ ፍጻሜ’ዩ። ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ብስራሕ ምምህርና ተመዲበ ይሰርሕ ስለዝነበርኩ ናይ ደቀይ ናይ ዕለተ ልደቶም ወረቐት ካብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ’የ ከውጽእ ኔሩኒ። ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝኾነ ሕጋዊ ወረቐት ምሕታት ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ብዝኾነ ናተይ፡ ናይ በዓልቲ ቤተይን ናይ ክልተ ደቀይን ወረቐት ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ስለዘውጻኩዎ ተሪፉኒ ዝነበረ ወረቐት ናይቲ ሽዑ ዝተወልደ ህጻን ወደይ ነበረ። እዚ 3ይ ህጻን ቅድሚ ወርሒ ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቆጸራና ስለዝተወልደ ኩሉ ወረቓቓቲ ከም ሓድሽ ክምላእ ከም ዘለዎ ኣቐዲሞም ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ተወኪሰዮም ሓቢሮምኒ ኔሮም። ሓደ ካብ’ቲ ክማላእ ዘለዎ ከኣ ናይ ዕለተ ልደቱ ወረቐት ነበረ። ነዚ ንምስላጥ ናብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ክሓትት ኣለኒ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ናይ ክፍሊ መዝገብ ሓላፍን ሰራሕተኛን ርእሶም ገብረሃወርያት እዩ። ኣብ ሰገነይቲ ዝነብር ንርእሶም ዳርጋ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ርእሶም ዝያዳ በታ ባእባእታ ትብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ኣብቲ ምምሕዳር ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ተጋዳላይ’ዩ። ምስ ርእሶም ናይ ሓያሎ ዓመታት ሌላ ስለዝነበረና ነዚ ናይ ውላደይ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ኣብ ምስላጥ ዕንቅፋት ክገብረለይ’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣይነበረንን። ሓደ መዓልቲ ኣብ ፒያሳ ምስ ረኸብኩዎ መታን ተዳልዩ ክጸንሕ ናብ ቤት ጽሕፈትኩም ከኣ ክመጽእ እየ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ደልየ ኔረ በልክዎ፡ ርእሶም ከኣ “ጸገም የለን ምጻእ ጥራሕ በለኒ” ናይ ፈለማ ቆጸራ ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዕለት 30 ሕዳር ብምንባሩ ኣቐዲመ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኸይድ ኔሩኒ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ማመልከቻይ ጽሒፈ ወረቐተይ ሒዘ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣምራሕኩ። ብቐጥታ ከኣ ናብ ክፍሊ መዝገብ ናብ ርእሶም ኣበልኩ። እትው ምስ በልኩ ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ወረቐተይ ኣረከብኩዎ። ርእሶም ሓደ ዓቢ መዝገብ ስሒቡ ክጽሕፍ ጅምር ከበል እንከሎ።

“ስማዕ እስከ መምህር ወድኻ ደኣ ክንደይ ዲዩ ጌሩ ካብ ዝውለድ?” ሓተተኒ

ሕጂ ደኣ ክልተ ሰሙኑ ኣሕሊፉ ኣሎ። መለስኩሉ። “እምባእ፡ እሞ ኣይተጠመቐን ማለት እዩ?” ሓተተኒ። መኣስ ክጥመቕ ደኣ ሓዳስ ሓራስ እንድያ ዘላ በዓልቲ ቤተይ። ብውሽጠይ ከኣ ገለ ሰበብ ደኣ ኣየምጻኣለይ እናበልኩ መለስኩ።

“እሞ ዘይተጠመቐ እንተኾይኑ ደኣ፡ ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ምስከር ወረቐት ዘይንህብ” ምጽሓፉ ኣቋሪጹ መዝገቡ ዓጻጸፎ። እንታይ ዓይነት ዘረባ ትዛረብ ኣለኻ? ጥምቀትን ናይ ዕለተ ልደት ወረቐትን እንታይ ኣራኸቦም? ዕለት ክንደይ ከም ዝተወልደ መረጋገጺ እንተደሊኻ ካብ ሓኪም ወረቐት ከምጻእልካ ይኽእል እየ፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ኣይንህብን ዝበሃል ነገር ንዓይ ኣይረደኣንን እዩ በልክዎ።

“እሞ መምህር ኣነ ኣብዚ ስራሕ 10 ዓመት ሰሪሐ እየ፡ ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ከኣ ወረቐት ሂብና ኣይንፈልጥን ኢና።” ዘረባና ናብ ናህሪ ገጹ እናኸደ’ዩ። ስማዕ እንዶ ርእሶም እዚ ኩሉ ዓመታት ንፉዕ ንፉዕ ትብለኒ ዝነበርካስ (ኣከፋፋሊ ጋዜጣ ብምንባሩ ወትሩ ንጽሑፋተይ ይከታተሎን ኣድናቖቱ ይገልጸለይን ብምንባሩ) ነዚኣ ንእሽቶ ነገር ከተስልጥ ንዘይትኽእል ኢኻ።

“እዚ እኮ ብእንጀራይ ኢኻ ትመጻኒ ዘለኻ፡ ስራሕን ሌላን ካልእ እዩ” መለሰ ህድእ ኢሉ። ንዓኻ ንርእሶምስ ንወዲ መምህር መኮነን ዘይተጠመቐ ቆልዓ ናይ ዕለተ ልደት ምስክር ወረቐት ሂብካ ኢሉ ዝሓተካስ መን’ዩ።

“እሞ መምህር ምስቶም ኣቕሽቲ ዘይትረዳዳእ፡ ማለት ከም ዝተጠመቐ ጌሮም ወረቕት ክህቡኻ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ሽዑ ንሕና ንህበካ” ብውሽጡ መኣስ ኢዩ ዝወጸለይ እዩ ዝብል ኔሩ ዝኸውን። እዋን እንታይ ዓይነት ዘረባ ትዛረብ ኣለኻ ርእሶም “ላምስ ብኢዳ ክቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ብግቡእ ኣብዚ መጽየ እናሓተትኩኻስ ዘይግቡእ ግበር ትብለኒ። ኣዚየ ነዲረ እየ ዝዛረብ ኔረ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ከም ተሓጋገዝቲ ዝተመደባ ክልተ ኣዋልድ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ገለ ዝጻፈፍ ስራሕ ግዲ ኔሩዎ ክልቲአን ኣቡኡ ይሰርሓ ነበራ። ሓደስቲ ተዓለምቲ ደቂ ሰገነይቲ ኮይነን ካብ ሳዋ እየን ተመዲበን መጽየን።

“ስማዕ እንዶ መምህር ትደፍረኒ እኳ ኢኻ ዘለኻ፥ ኣነ ኢለካ ኣለኹ ዘይተጠመቐ ቆልዓ ወረቐት ኣይንህብን ኢና። ግን ንምታይ ኢኻ ደሊኻዮ?” ሓተተኒ። ግቡአይ ምሕታት ምድፋር ኣይኮነን ንምንታይ ከም ዝደልኹዎ ከኣ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ስራሕካ ምሃብን ዘይምሃብን እምበር ንምንታይ ደልየዮ ንዓኻ ኣይምልከትን ኣዩ። ኣፍልጠኒ ጥራሕ ትህበኒ ዲኻ ኣይትህበንን? ሓተትኩዎ

“እሞ ኣነ ኢለካ እየ ናይ ጥምቀት ወረቐት ኣምጽእ” ኣብኣ ነቐጸ።

ንክርስትያን ናይ ጥምቀት ወረቐት ትብሎም ንኣመንቲ ምስልምና እንተሓቲቶም ከ እንታይ ትብሎም ሓተትኩዎ

ን ኣመንቲ ምስልምና ደኣ እንታይ ክንብሎም ከም ዝሓተትዎ ይወሃቡ። መለሰ

“ወደይ ኣየጥምቖን እየ እንተኢለካ ኸ? ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ክወስድ ግድን ከጠምቖ ኣለኒ? ኣብ 30 ዓመቶም ዝጥመቑ ሰባት ከም ዘለዉኸ ትፈልጥ ዶ? በል ክትፈልጥ ሃይማኖት ውላደ ባዕለይ እየ ዘፍልጦ ክርስትያን ዲዩ ክኸውን ካልእ ከኣ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን” ሕርቃነይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን።

“ኣነ ኣብ 30 ዓመቶም ዝጥመቑ ከም ዘለው ኣይፈልጥን እየ። ግድን እንተ ኢልካ ግን ወረቐትካ ናብ ኣማሓዳሪ ክሓልፍ ክሓተልካ”

ነገር ክትሸናኸር’ያ ኣኺሉዋ ብምባል ናብ ኣማሓዳሪ ደኣ ክትሕሱ እምበር እንታይ ክትሓትት? ንስኻ’ኳ 10 ዓመት ዝሰራሕካሉ ስራሕ ኣይህበካን እናበልካኒስ ኣማሓዳሪ ወሪድዎ ሕጂ ዝመጸ ሰብ ኣንታይ ክብለካ ክትሓቶ? ንስኻ ኪድ ሕተቶ ነዛ ወረቐት ግን ቤት ፍርዲ ደቀምሓረ ከይዲ ድየ ዋላ ኣብ ካልእ ኣትየ ክረኽባ ከም ዝኾንኩ ፍለጥ” እተን ሓገዝቱ ኣዋልድ ጭንቕ በላ። ርእሶም ከኣ ሓይሉ የርእየኒ ስለዝነበረ ብዙሕ ከይሓረቐ “መምህር ሕጂውን ኢለካ እየ እዚ እንጀራይ እዩ ብእንጀራይ ኢኻ ትመጻኒ ዘለኻ ስለዚ ንስኻ ድላይካ በል ኣነ ግን ንኣብርሃም ሓጎስ ክሓቶ እየ” ኢሉ ነታ ወረቐት ሒዙ ናብ ኣማሓዳሪ ከደ። ኣነን እተን ክልተ ኣዋልድን ኣብታ ቤት ጽሕፈት ተረፍና። “መምህር ክሰልጠኩም ዓቕሊ ግበሩ፡ እውይ በጃኹም እዚ ኣይሰምዕን’ዩ” መሳኪን ኣዋልድ ክሰጠኒ እንተኾይኑ ክለማለሞ ከም ዘለኒ መኻራኒ። ኣነ ግን ምስ ርእሶም ከመይ ይዋጽኦ ኣጸቢቐ ይፈልጥ ኔረ’የ። ርእሶም ናብቲ ሓድሽ ኣማሓዳሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብርሃም ሓጎስ ማለት ንኣብርሃም መኮነን ዝተከኣ፡ ኣብቲ ስራሕ ኣዋርሕ ጥራሕ ጌሩ ዝነበረ ካብ መንደፈራ ተቐይሩ ዝመጸ ብምእትው “መምህር መኮነን ከምዚ ይብል ኣሎ” ክብል ሓተቶ። ኣብርሃም ሓጎስ ኣቐዲሙ ኣማሓዳሪ ክተማ መንደፈራ ኮይኑ ዘገልገለ ህድእ ኢሉ ዝዛረብ ካብ እንዳ ከቢድ ብረት ናብ ምምሕዳር ዝተሳሕበ ተጋዳላይ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ናይ ወታሃደር ጠባይ ኣይትርእየሉን ኢኻ። ኣብርሃም ነታ ወረቐት ርእዩ ናብ ወዲ ዓንደ ማለት ኣቐዲሙ ኣብ ኮምሽን ረዲኤትን ስደተኛታትን ጨንፈር ሰገነይቲ ከም ሓላፊ ዝሰርሕ ዝነበረ እሞ ኣብቲ ቀረባ ግዜ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምምሕዳር ጌሮም ዝመደብዎ ናብኡ መርሓ። ወዲ ዓንደ ድማ ንርእሶም ጽቡቕ ጌሩ እዩ ዝፈልጦ “እዚ ደኣ እሞ መሰሉ እንድዩ ዘጠራጥር ነገር ኣንተልዩ ኣቦን ኣደን ይቕረቡ ግን ከኣ ሓራስ ኢያ ኢኻ ትብላ ዘለኻ በዓልቲ ቤቱ ስለዚ ብዛዕባ ምጥማቕ ንዕኡ ይምልከት ሃቦ” ክብል ኣብታ ዝጸሓፍኩዋ ጥርዓን ፈሪሙ ሃቦ። ርእሶም ዝብሎ ጠፍኦ። ነገራት ፍታሕ ክረኽቡ ድዩ ናብ ልዕሊኡ ከይዱ ዋላ ክሸናኽር እዝጊ ዋንኡ። ብዝኾነ ይወሃቦ ተባሂሉ ወረቐት ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተመልሰ።

“ሕራይ መምህር፡ ወዲ ዓንደ ኣፍቂዱልካ’ሎ 100 ናቕፋ ሃባ ወረቐትካ ክስራሓልካ” በለኒ። 100 ናቕፋ ክኸፍል ከም ዘለኒ ኣይፈልጥኩን ብምንባረይ በቲ ሓደ በቲ ካልእ ከኣ ካባኻስ ተሪፈ ኔረ ንምባል። እቲ ኣሰራርሓ እኮ ይፈልጦ እየ ናብ ክፍሊ ፋይናንስ ከፊለ ቅብሊት የምጽ ኣልካ እምበር ኣንተይ ክገብር እየ ንዓኻ 100 ናቕፋ ዝህበካ? በልኩዎ

“መምህር ኣነ እኮ ክፈል እየ ኢለካ እምበር ኣብ ኢደይ ሃበኒ ኣይበልኩኻን” በለኒ። ንግስቲ እያ ትበሃል ዝነበረት ተሓዚት ገንዘብ ሽዑ፡ ሕጂ ትሃሉ ኣይትሃሉ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ናብ ንግስቲ ከይደ፡ ንግስቲ ናይ 100 ናቕፋ ቅብሊት ጽሓፍለይ ኢኺ ጽባሕ ንግሆ 100 ናቕፋ ተማሃሮ ጌረ ክሰደልኪ እየ በልኩዋ። ምስ ንግስቲ ጽቡቕ ሰላምታ ስለዝነበረና “ንዓኻ ዘይኮነ ንመን መምህረይ” ኢላ ናይ 100 ናቕፋ ቅብሊት ጸሓፈትለይ። ቅብሊት ሒዘ ናብ ርእሶም ምስ ተመለስኩ፡ ርእሶም ኣብ መዝገብ ክጽሕፍ ጸንሓኒ፡ ቅብሊት ሂበ፡ እሞ ርእሶም ናይ ኢድ ጽሕፈትካ ይፈልጦ እንድየ ኣብቲ መዝገብ ደሓን እዛ ምስክር ወረቐት ግን ባዕለይዶ ክጽሕፋ? ሓተትኩዎ

“እዚ እኮ ስርሐይ እዩ ባዕለይ እየ ዝጽሕፎ” ክብል ተገሪጩ መለሰለይ። እንቋዕ ጥራሕ ሕጋዊ ማሕተም ሃለዎ እምበር ናይ ኢድ ጽሕፈት ሓሚቑ ኢሎምዶ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከይመልሱኒ ብምባል ነቲ ከክንዲ ፍረ ዕፉን ዝመስል ፊደላት ዝሓዘ ወረቐት ዕለት ልደት ወደይ ሒዘ ኣማስይኡ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን ካብቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ናብ ገዛይ ኣንቆልቆልኩ። ኣብ ኤምባሲ ብዛዕባ’ቲ ወረቐት ዘጋጠመኒ ጸገም ኣይነበረን። ጥምቀት ወደይ ድሕሪ ኢንተርቪው ዝነበረ ግዜ ኣሕሊፈ ዳርጋ ኣብ ክልተ ወርሐይ’የ ካብ ሃገር ወጽየ።   ርእሶም ካብ ሃገር ምውጸኣይ ምስ ሰምዐ “ዓሕ እዚ ወዲ ተጻዊቱለይ ኢሉ ይኸውን”

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleብረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’
Next Article መጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. abraham on October 5, 2014 10:53 am

    Mokie aboy shifrahans Adikuta eu eko akaydaka.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?