Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ንብዓት ዕድመይ!

ንብዓት ዕድመይ!

0
By Mekonnen T. on October 15, 2018 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ንብዓት ተለማኒ! ጽውዕ ኔረካ’ሲ
ግዜኻ ኣኺሉ ሎሚ ከምዛ ጥንሲ
እንከይጸዋዕኩኻ ኣኺሉልካ ሕርሲ፣

ኣኽሊል ሞት ዘሕፍስ ማራቶን ብድዐ
ጸወታ ክጅምር ፊስክኡ ምስወቕዐ
ተጓይና ንሞት ተዳፊርና ምስ ሞት
ሓንቲ ከይፈለጥና እንታይ ከም ንዕወት
(ለካ ተማዊትካስ ሰላም’ዩ ‘ቲ ዓወት)

ሽዑ ክልተ ሞይትና ልብና መቓብር
ሽዑ ክልተ ሞይተን ዝውንጨፋ ሃገር
ሽዑ ኣሽሓት ሞይቶም ምኽንያቶም ሃገር
ሽዑ ብምልዮን ረቢሑ ጸላኢና ሽግር
ሽዑ ዘርኢ ዓለም ኮይንና ኣብቲ ጻዕዳ ዋህራር

ንሕና ብቐረባ ንሕና ኣብ ቀረባ
ኣብ እግርናን ኢድናን ሰንሰለት ላቔባ
ምድሪቤተናን ዶጎልናን ዙርያ ሓጹር ጋባ
ምስ ኮነ ካብ ሩሑቕ ርሒቑና ‘ቲ ቀረባ

ነጋሪትና ጽልኢ ለባምና ቅርሕንቲ
ታቱላና ንሞት ኣካልና ሰላዒ
ሰማይናን ምድርናን እሳት ተባላዒ
ኮይኑ እናሰሰነ
ዘዝኸደ ብጽንዓት እምበር
ብንብዓት ዘይስነ
ሓለፋ ዕሽነት ሞት ብስራት ኮይኑ
ኩርኩማ ዋጣና ሓርኢ ዝብኢ ዕጣኑ
ዜማ ሞሶንቆና ጨና ዕነ ኮይኑ፣
ዕነ ብዕንኡ ኣካል ውዲ መሬት ዝደኮዖ
ዕነ ብዕንኡ ዝዛረየ ደም የሕዋት ዘብኩዖ
ዕነ ብዕንኡ ርእሲ በዓል ትልሚ ዝወደቖ
ዕነ ብዕንኡ ዓጽመ ደም ዕሸላት ዝወረቖ፣

ሽዑ ‘ቶም ሚልዮናት
ፊስካ ዘውፈረና ፊስካ ጥፍኣት
ዘይተቐጽዐ ባህጊ ዘይተገርሐ ትምኒት
ብፍታው ንራርዎ ዘይሱሩት ኩርባታት
ሓሊምካ ዘይመልእ ጠሚትካ ዘይጎድል
ግብሪ ተጸይፍና ተሃንጢና ዕድል፣
ዘይርአ ጸላኢ ክንሕሉ
ምምዋትና ከይትሓበንናሉ
ምስዕዓርና ከይተሸለምናሉ
ዕድመ ጎበዝ ብፍታው ደስኪሉ
ቆራያት ኢድ ናይ ሓዊ ወሓላሉ
ምስ ኮነና፡

ሞት ዝጸየነቶ ካብ ዕርዲ መስዋእቲ
ንሞት ዝጸየነ ካብ ዓዲ ዓመጽቲ
ናብ ዘይፈልጦ ዓለም
ካልእ ገጽ ናይ ሳህራ
እንተሞትካ ሓላል
እንተለኻ መከራ
ብዓይኒ ዘይውዳእ ሰላሙ ምጭካኑ
ክትሰምዮ ዘቖጥዕ ‘ቲ ናይ ሞት ህርፋኑ
ባሕሪ ተቐባሊ ብስቕታ ኣብ ዝፋኑ፣
ተበራርዮምልና ዕድመ ጎበዝ
ዓዱ ዝፈንፈኖ ኸ ብመን ክሕገዝ!

ቀብርናን ሽግርናን ንልብና ኣቑሲሉ
ሞስኮት ዜና ዓለም ብሞትና ምውዓሉ
‘ቲ ቀባሪ ሳህራ ዘይነጋሪ
ጽርየት ኮላሊትና ኮይኑ መመስከሪ
‘ቲ ሰሓቒ ባሕሪ ዘይጠባሪ
ለሚዱልና ኣብ ከብዲ ዓሳ ቀብሪ፣

ናይዚ ኩሉ ከንሰይ ኣነ ውጻእ መዓት
‘ሞ ለሚነካስ ትኣብየኒ ንብዓት?
ሰብኣውነተይ ሸጥካስ ትኸልኣኒ ትብዓት፣
ከምዛ ዘይነብርካስ
ሎሚ ተኸፊትካ ትኣብየኒ ምዕጋት!

ለካ ኣብ መከራስ
ለካ ኣብ ምግደራስ
ለካ ኣብ ዓመጻስ
ለካ ኣብ ምክሳስ
ንብዓት የለን ካብ ልቢ ዝብገስ
ሓቂ የለን ናብ ልቢ ዝፈስስ
ኣብ ሰላም ‘ዩ ንብዓት ልቢ ስፈስስ!

30.07.2018.

ክብሮም ደሞዝ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስርቀት ጸሓይ ወርሒ
Next Article ጦብላሕታይ ምስ ቀሺ መምህር ሙሳ ኣሮን!
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?