Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ንበሃሃል ሕራይ

ንበሃሃል ሕራይ

0
By Mekonnen T. on March 25, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
Tesfu Hagos
17-03-2018
“ንብሃሃል” ካብ ተባህለ፡ ንብሃሃል ሕራይ እየ ዝብል ኣነ። ምብህሃል ጽቡቕ፡ ምብህሃል እኮ ካብ ምቅርራብ’ዩ ዝመጽእ። ንብህሃል ሕራይ፡ ንጥበብ ድኣ ከመይ ከ ዘይንብሃሃለሉ፣ ጥበብ ርእሲ ኹሉ፡ ንካልእ’ኳ ትብሃሃለሉ። ኣብ ምብህሃል ምርድዳእ ኣሎ፡ ኣብ ምርድዳእ ዕቤት ኣሎ። ምብህሃል ማለት ንምሃብን ንምቕባልን ዘተኣናግድ ቤት እንድዩ፡ ንብህሃል ሕራይ … ንጥበብ ብጥበብ ንበሃሃል፡ ምብህሃል’ዩ ዘኽስብ። ዘዝተሰምዓና ከም ምራቕና ውሒጥናዮ ወይ ደርቢናዮ ምኻድ ከ እንታይ ክንረኽበሉ ኢልና። ንብህሃል ድኣ ከምቲ ዝግብኦ። ኣብ ምብህሃል ሰማዕን ኣስማዕን ኣሎ። ኣብ ምብህሃል ምሕሳብን ምትሕስሳብን ኣሎ። ኣብ ምብህሃል ብዙሕ ነገር ኣሎ፣ ንብህሃል ጥራይ፡ ምብህሃል ግርም፣ ዘሎና ፍልጠት ብስምዒትና በጽቢጽና ኣብ ዝዓለበ ይዕለብ እናበልና ካብ ምንጻግ ኳ የድሕነና፡፡ ምብህሃል ብቀሊል መዓስ ይርከብ፣ ፍልጠት ካልኦት መሚና ናብ ጋብላ ፍልጠትና ክንጽንብር’ኳ ይሕግዘና። ጋብላ ፍልጠትና እንተበርኪቱ ድማ ኣብ ገጽ ፍጹም ሓቂ ወላ እንተ ዘይጸንበረና ኣብ ጥቓኡስ የብጽሓና ይኸውን። ኣብ ጥቓኡ ድማ ሽታ ሓቅን ወዝ ጽባቐን ኣሎ። ኣብኡን ካብኡን ድማ ምርድዳእን ምምልላእን ክንረክብ ኢና። ስነ-ጥበብን ውድድር ኣብ ስነ-ጥበብን ስነ-ጥበብ ፍሉይ እዩ። ንስነ-ጥበብ ብናይ ውልቀይ ርእይቶ ይኹን ብዝሕዞ ናይ ሓባራዊ ሓቂ፡ ንውድድር ትምነዮን ንውድድር ኢልካ ትሰርሖን ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ብገንዘብን ነገርን ዘይትትምኖ ማለት እዩ። እንታይ ድኣ ስነ-ጥበብ ብመሰረቱ፣ ንፍቕሪን ንዕግበትን ኢልካ እትሰርሖ መንፈሳዊ ስራሕ እዩ። ግጥሚ ኣካል ስነ-ጥበብ ብምዃኑ ድማ ከምኡ። ስለዚ ቅድሚ ኣሰራርሓን ውጽኢትን ውድድር፡ ዕላማ ኣብ ግጥሚ ንወዳደርን ነወዳደርን ዘለና ምኽንያት ንምንታይ’ዩ? እንታይ’ዩ ኣገዳስነቱ? እንታይ ኢና ንረብሓሉ? ንዝብል ሕቶታት ክንሓስበሉን መልሲ ክነዳልወሉን እንተ ክኢልና ሰፊሕ ግንዛበ ክንረኽበሉ ንኽእል ይመስለኒ። ብወገነይ ኣብ ዕቤት ስለ ዘለና፡ እቲ ውድድር ከም መነሃሪ እቲ ጉዕዞ ዕቤትናን መበረኺ ንቕሓትናን ወሲድና ተመኩሮ ሓድሕድና ንኸስበሉ ክዀነና ብምባል ንገብሮ ኣለና ብሃሊ እየ። ከምዚ እንተ ኰይኑ ድማ ክብርን ፍቕርን እናሃብና ብዓሚቚ ምብህሃል ክንሰርሐሉ ከም ዘለና እየ ዝምሕጸንን ዝላቦን። እሞ’ኸ ድኣ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ድማ ግጥሚ ከመይ ገይርና ኢና ክንፈርዶን ሓደ ምስቲ ካልእ ክነወዳድሮ ንኽእል? ስነ-ጥበብ ብባህሪኡ ትፍንያታዊ (subjective) ብምዃኑ መዚንና ሓደ ካብቲ ካልእ ክነበላልጽ ቀሊል ከምዘይ ከውን ክንግንዘቦ ዘለና ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። እዚ ማለት ብቐጥታ ምስ ባዕላዊ ስምዒት ዝተሓሓዝ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሓደ ዝስምዖን ዝርድኦን ካብቲ ካልእ ዝስምዖን ዝርድኦን ክፋለለ ባህርያዊ ስለ ዝኸውን እዩ። ማዕረ’ቲ ንኽትርድኦን ክትርእዮን ዝፈላለ ከኣ ክትፈርዶን ክትገልጾን ውን ክፈላለዩ። ኣብ ምፍልላይ ድማ’ዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ማለት ግን ሓደ መለክዒ ወሲድና ከም ውሱን ሜላ ወይ ኣገባብ ክንዕቅኖ ኣይንኽእልን ማለት ኣይኰነን። ዛጊት ግን ዝተቐራረበ ድኣ ምበር ፍጹም ልክዕነት ክህበና ወይ ክንረክብ ክንጽበስ የብልናን። እቲ ፍልልይ ዝጸበበን ፍትሓውን ርትዓውን ውጽኢት ዝህበና ድማ እቲ እንወስዶ መዐቀኒ ሓደ ካብቲ ካልእ ምስ ዘይፈላለ እዩ። ኣነ ክብደቱ እናዓቀንኩ፡ እቲ ካልእ ንውሓቱ ዝዕቅን ‘ንተዀይኑ ግን ዘቀራርብ ክህልወና ኣይክእልን። ገለና ብመለሊኽ ገለና ብምሸ ሰፊርና እንረኽቦ ቁጽሪ ውን መወዳድርቲ ስለ ዘይኰነ ፍትሓዊ ኣይኸውንን፣ ስለ ዘይራኸብ፡ ክራኸብስ ይረፍ ሰማይን ምድርን ርሕቀት ዘለዎ ክኸውን ውን ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ተወዳደርቲ ነዚ ተገንዚቦም ንዝተዋህበ ውጽኢት ክቕበሉን ንደያኑ ከይረገሙ ናብ ግጥሞምን ናብ ልዙብ ምብህሃልን ክምለሱ፣ ደያኑ ብወገኖም ነዚ ፈሊጦም፣ ንኽብሪ ስሞምን ንኽብሪ ጥበብን፡ ብፍልጠትን ብዕምቈትን ተመኩሮ ብምድላብ ዓቲቦም ክሰርሑ’ዩ ዝድለ ዘሎ።
Tesfu Hagos Abera
ኣካየድቲ ውድድርን ተወዳደርትን * * * ንቐጽል ሕራይ ምብህሃልና። መቸም ኣብ ዛራ ገጠምቲ ብዛራውያን፡ ውድድር ተዳልዩን ተኻይዱን ክብሃል ከሎ፡ ተመኩሮ ወሲኹ ካብቲ ዝሓለፈ ኩሉ ብዓይነቱን ጽፉፍነቱን ዝበለጸን ዝማዕበልን ክኸውን ትጽቢት ኩሉ ተሳታፍን ተዓዛብን እዩ። እዚ ንኽኸውን ድማ ተራ ኣድሚናት ብፍላይ ድማ ተራ ኣካይድቲ ውድድር መሰረቱ ምዃኑ ዘወላውል የብሉን። እሞኸ ድኣ ከመይ ነበረ? ኣድሚናት ዛራ፣ Tsegay Mehari Kokob Tesfaldet Azmarino Hope Kibrom Demoz Tesfu Hagos ኣካይድቲ ውድድር ብዓል መን ነበሩ? * ኮኾብ ተስፋልደት * ጸጋይ መሓሪ ሕራይ ግርም ከመይ ከ ገበሩ? ኣካየድቲ ውድድር ካብቶም ሓሙሽተ ኣድሚናት ዛራ ክዀኑ ስለ ዝነበሮም። ኮኾብን ጸጋይን ክልቲኦም ብገዛእ ፍቓዶም ንስለ ፍቕርን ክብርን ስነ-ጥበብ ግዜኦም ወፍዮም ድሌቶም ጓዕጺጾም (ናይ ምውድዳር) ንሓላፍነቶም ንምውጻእ ብሓያል ወኒ ተበጊሶም። ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን፡ ክዳንዩ ዝኽእሉ ደሊኻ ቅሩባት ዘይኰኑ ለሚንካን ክተርግጽ፡ ንውድድር ዘሰኒ ነገራት ከይጐድለካ ክትሓስብ . … ክትግምቶ ጥራይ ክብደቱ ይርኣየካ። ብዝበለ ኢሉ ውድድር ተኻይዱ ተፈጺሙ ድማ። ንተበግሶኦምን ዝከኣሎም ብምግባሮምን ቅድሚ ዝኣገረ ክብርን ምስጋናን ይግብኦም። ግን ካብ ሳዕሳዕካስ ተቘጻጸ እንድዩ፡ እሞ ኣከይድቲ ውድድርናኸ ተዓጢቖም ስለ ዝሳዕስዑስ ኣጣቒዕናን ደሪፍናን እኳ ግን “ተቘጻጽዮምዶ?” ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምብህሃልና እስኪ ንፈትፍቶ፡ ከም ኣካየድቲ ውድድር ምእካብ ግጥምታትን ኣኪብካ ንደያኑ ምርካብን ካብ ደያኑ ዝመጸ ውጽኢት ተቐቢልካ ናብ ቅርዓት ዛራ ምቅላሕን ድዩ ክኸውን ዘለዎ ወይ ነይርዎ? ኣካየድቲ ውድድር ካልእ ክገብሩ የብሎምን ድዮም? ምናልባት ካልእ ዝገበርዎ እንተ ነይሩ ግን ኣየቕረቡልናን። ኣነ ዝብሎ፡ ካልእ ኣገዳሲ ስራሕ ዝተረፎም እንተልዩ ‘ምበኣር ንደያኑ ሓደ ቅውም ሃብታም መስርሒ ቅጥዒ ምሃብን፡ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነ ደያኑ በቲ ዝተዋህቦም ቅጥዒ ተቐይዶም ከም ዝሰርሑ ምግባርን ውን እዩ። ወግዓዊ ጽማቕ ጸብጻብ ናይ ደያኑ ተቐቢሎም ድማ ናብ ዛራ የቕርቡ። በዝን ከምዝን ድማ’ዮም ውድድርን ኣካይዳኡን እናተቛጸጸሩ ብሓላፍነት ክመርሕዎን ከጸብቕዎን ዝኽእሉ። ኣቐዲሙ ብኣድሚናት ንውድድር ክግበር ዝነበሮ ምድላው እንተ ነይሩ፡ ከም ኣባል ኣድሚን ብዘይ ገለመለ እጃም ርእሰ ነቐፌታይ ኣብ ርእሰይ ክስከሞ ድልው እየ። ተወዳደርቲ ዛራ * * * እቲ ብቐታ ኣብ ሜዳ ዝዕዘቡ ጥራይ ልዕሊ 16 ሽሕ ዝውንን ዘሎ ዛራ ገጠምቲ፣ “ዛራ ሊግ” ካብ ዝጅምር ክሳዕ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደሽቲ ተጻወትቲ እናተጸንበሩ ተሳትፍኦም ኣብ ሜዳ ካብ ምርኣይ ዓዲ ኣይውዓልናን። እንተዀነ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ክብ ክብል ኣይንርእዮን። እዚ ዝዀነሉ ድማ እቶም ዝሳተፉ ዝነበሩ (ፍሉጣት ኣጥቃዕትን ተኸላኸልትን ዝርከብዎም ከም እኒ ብዓል ቦኽረ ገብረየሱስ፡ ሳባ ኪዳነ፡ ማኮ ተኽለ፡ ግርማይ ምሑር፡ ብርሃነ ገብረህይወት፡ በላይ ንጉሰ፡ ውቅያኖስ ጉዑሽ፡ ፍሻለ ተስፋይ፡ ታደሰ ተስፋይ … ብዙሓት ብሑሓት ክንደይ ክብሃሉ ) ማዕረ ወይ ልዕሊ ‘ቶም ሓደስቲ ዝውሰኹ ስለ ዝጐድሉ እዩ። (ደገፍትን ኣድነቕትን ከኣ በቲ ሓደ ከም ተሪ ሄንሪ ዝናፈቑ ደገፍቲ ኣርሰናል ይሓሩ፡ በቲ ካልእ ይሻቐሉን ይጭነቑን “ንምንታይ ኢናባ ኣብ ሜዳ ዘይንሪኦም?” ኢልም ውን ይሓቱ። “ብዘይካ’ቶም ፍርዲ ዳያኑን ኣሰራርሓኡን ኣበሳጭይዎም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ፣ እቶም ካልኦት ምናልባት ዶ … ንዝልዓለ ክፍሊት ናብ ካልእ ተሰጋጊሮም ይዀኑ? ወይስ ብርዖም እናሰቐሉ እዮም? ካልእ ድኣ እንታይ? ክብሮም ንምዕቃብን ንምሕላውን ኣብ ፈተነ ንዘይምእታው” ወዘተ እናበሉ ኣብ ጠልጠል ይንጥልጠሉ ኣለው) ድሓን ጸገም የለን፡ ዕድመን ምስጋናን ነቶም ኣሪግናን ሃብቲምናን ከይበሉ፡ ብዘይካ ኣብ ባዕሎም ኣብ ካልእ ዘይርከብ ተኣምራታዊ ውልቃዊ ክእለቶም ከይበቐቑ፡ ከይተሰቀቑ፡ ዓመት መጽአ ኣብ ሜዳ ዘንጸባርቑን ዘለዉን፣ ንዕኦም እናርኣዩ ኢዶም ሰብሲቦም ብርዖም ጸሪቦም ናብ ጸወታ ዝጽንበሩን። ሎም ዓመት ካብተን ንውድድር ዝቐረባ 29 ግጥምታት ኣብ ውሽጢ እተን ዝተረቚሓ 10 ብሉጻት፣ “ካብ መቓብር” “ረኺበዮ’ባ በሊ” “እምፐርቶ ወዲ ኮምሽታቶ” ብተኸታተሊ ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ተዓዊተን። (ደጊመ እንቋዕ ኣሐጐሰኩም ዕውታት) ነስተውዕል፣ ካባይ ጀሚርካ ተወዳደርቲ፡ ግጥሚ ክነወዳድር ክንሓስብ ከለና ክትዕወተልና ብምሕሳብ ምዃንና ንሰርሕ ርዱእ እንድዩ፣ ክትዕወት ግን ክንግደሰላን ግዜናን ጸዓትናን ከጥፍኣላን የድልየና እዩ። (ደያኑ እኮ ነበሳጩ ኣለና ቧእ! . … ምናልባት ውን “ብርዕኻ ትዕወር!” ኣብ ዝብል ርግማን ክበጽሑ ስለ ዝኽእሉ ሓደገኛ እዩ ንጠንቀቕ) ናብ ውድድር ምስ ኣረከብናያ ግን ንዝመጽእ ውጽኢት ደያኑ ቀዳመይቲ ትኹን ዳሕረወይቲ ክንቅበሎ ትብዓት ክህልወና ኣለዎ። እዚ ማለት ገጣሚ ዓቕሙን ዝከኣሎን ሰሪሑ ኣሎ። ደያኑ ድማ ዝከኣሎምን ዝመስሎምን ሰሪሖም ኣለዉ ማለት ስለ ዝዀነ። ምናልባት እቲ ውጽኢት ናይቲ ስራሕ ዘይማጣጠን ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ተወዳደርቲ፣ “ግጥመይ ዘይግብኣ ብልጫ ተዋሂባ ኣላ” ዝብልኳ ብዙሕ ኣይክህሉን፡ “ግጥመይ ከምቲ ዝድለ ብልጫ ኣይረኸበትን” ዝብል ግን ካብ ኣብ ትሕቲ መልሓስ ዝተርፍ ክሳብ መቓልሕ ዘለዎ ድምጺ ኣይስኣንን። ካብ ተዓዘብቲ ውን ከምኡ። ስለዚ ክልተ ነገር ምፍላጥ ወይ ምስትብሃል የድሊ። ቀዳማይ ዝተራእየካን ዘይዕግበትካን ብርትዓዊ መገዲ ምግላጽ (ብካልእ ኣዘራርባ ናጻ ኰንካ ምብህሃል) ካልኣይ፣ ኪኖ ምስ ነብስኻን ግጥምኻን ምዝራብ፡ ደያኑ፣ ልኡኻት መላእኽቲ ከም ዘይኰኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ።
Tesfu Hagos Abera
ዳያኑ ውድድር ዛራ ገጠምቲ 2018 * * * ፈረድቲ፡ ንውድድር ዝቐረበ ግጥምታት ብዓል መን ነበሩ? ያሬድ ደጀን ግርማይ ዮሃንስ ዮሃንስ ኣብርሃም ኣብርሃም የማነ ንምምማይ ዝተጠቐምሉ ኣሰራርሓ ከ እንታይን ከመይን ነበረ? … ኣቐዲመ ንኹሎም ዳያኑ፣ ብሓፈሻ ስለ’ቲ ሰናይ ድሌት ወሲዶም፡ ንዝቐረበሎም ግጥምታት ክመምዩ ግዜኦምን ጸዓቶምን ዘወፈዩ፡ ብስም ‘ዛራ’ አመስግኖም። ቀጺለ ብፍሉይ ን Ghirmay Yohannes ስለ’ቲ ተገዳስነቱን ኣብ ምብህሃል ኣሚኑ፡ ንምብህሃል ዝዕድም ክፉት ሓሳብ ምቕራቡን ክብሪ ክህቦ ደስ ይብለኒ። ዝገብርካ ገይርካ “ኣይብል፡ ኣይብሃል” ብዘስምዕ ትም – ሕትም ውን’ኮ ኣሎ። እንተ’ቲ ዝተረፈ ጉድለታትን ጸገማትን ካብ ምብህሃልና ዝምላእን ዝፍታሕን ነገር እዩ። እዚ ማለት ግን ካብቲ ንዳያኑ ዝወርድ ነቐፌታ ሓራ ይገብሮ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ዝስዕብ ነቐፌታን ንዳኝነት ሓላፍነት ብግቡእ ንዘይምስካምን (ብብቕዓት ይኹን ብሞራል) ዘይምውጻእን ሲ ምስ ብጾቱ ኰይኑ’ዩ ክቕበሎ። ዳያኑና፥ እዞም ኣቐዲምና፣ ገሊኦም ከም ንፉዓት ገጠምቲ፣ ገሊኦም ከም ንፉዓት ጸሓፍቲ፣ ንፈልጦም ሰባት፣ ኣብ ዳኝነት ድማ ዝከኣሎም ገይሮሙልና ኣለዉ። ንሕና ውን ካብቲ ዝሰርሕዎ ተበጊስና ዝከኣለና ክንብል ትዕዝብታዊ ግዴታ ኣለና። ( ኣነ ስለ ዝነቐፍኩ “ኣይትሓዙለይ” ምባል ኣየድልየንን፣ ንሳቶም ውን ሰለ ዝተነቐፉ ቅር ዝብሎም ኣይመስለንን፣ ‘ዝስጉም ይዕንቀፍ፡ ዝሰርሕ ይንቀፍ’ ስለ ዝዀነ።) ዳያኑ፣ ነተን ናብ ውድድር ዝቐረባ ግጥምታት መወከሲ ፍርዶም ዝተጠቐሙለን ሓሙሽተ ነጥብታት ነይረን፣ ወይ ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝጠቓለላ እየን። ንሳተን ድማ፥ 1- መልእኽቲ 2- ምልከት ቋንቋ 3- ፈጠራ 4- ባእታታት ግጥሚ 5- ገለጻን ቅርጽን ዝብላ እየን። ሕራይ ጽቡቕ … ዳኛ ኴንካ፣ ሓደ ስራሕ ብስምካ ሒዝካ፣ ሓላፍነቱ ኣብ ርእስኻ ተሰኪምካ፣ እሞ ከኣ ስነጥበብ ዝኣክል፡ እንታይ እዩ ዘድልየካ? … ምፍላጥ የድልየካ፡ ፈሊጥካ ድማ ተራኻ ምጽዋት። ዕቱብነት ርትዓውነት ሒዝካ ብትግሃትን ምዕያይ። ኣብ ርእሲኡ ግን ብሓደ ዘስርሓካ ኣጋባብ ምሓዝን ኣብኡ ምውህሃድን የድሊ። እዚ ማለት ካብ ‘ንግበሮሞ ኣይነጸብቆ’ ንምግልጋል ጥራይ ዘይኰነ፡ ሞራላዊ ግዴታ ውን ስለ ዘለካ እዩ። እሞኸ ድኣ ደያኑ ኣብዚአን ከመይ ጸኒሖምና? … ብወገነይ’ኳ ኣይግድንን። ንዓይ’ኳ ከምቲ ናይ ምግጣምን ምጽሓፍን ንፍዓቶም ዳኝነት ኣይጸንሑንን። ምናልባት ዶ ድኣ ምግጣም ካልእ፡ ዳኝነት ካልእ ኰይኑዎም ይኸውን? እተን ዝዳነዩለን ነጥብታት፡ ምናልባት ክውሰኸን ውን ዝክኣል’ኳ እንተ ዀነ፣ ብዘይ ወሰኽ ንሳተን ውን ከስርሓኦም እኹላት ነይረን፣ ግን ብዝግባእ ኣይተጠቐሙለንን። “ኣይተጠቀሙለንን” ክብል ግድን ምስኦም ምንባር ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እተን ከስርሓኦም ዝተጠቕሳ መወከሲ ምስቲ ውጽኢት ሓቢረን ኣብ ቅድሜና ስለ ዘለዋ። ካብ መንጐኦም ዝሰርሑለን እንተ ነይሮም ውን ብጐደሎ ዝተሰርሐስ ጐደሎ’ዩ ዝመጽእ። ስለዚ ብኣጠቓላሊ ብምልኣትን ብውህደትን ዝተሰርሐ ኣይነበረን ብሃሊ እየ ኣነ። እንታይ ድኣ ስምዒት ዝዓብለሎ፡ ከከም ዝመስለካ ገይርካ ኣብ መወዳእታ ብስምዒት “ንሰማማዕ” ምባል ከም ዝነበረ እየ ክርዳእ ክኢለ። ስምዒት ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ ብቐሊሉ ከኣ ይርከብ። ስምዒት ጥራይ እንተ ዀይኑ ድኣ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ’ሞ? ጻዕሪ ዘድልዮ ውን ኣይኰነን። ስምዒት ብጥረኡ እንተ ኰይኑ መጋገዪ እዩ። ስምዒት ልጓም ‘ንተዘይገይርካሉ ናብ ዘይትፈልጦ ገደል ክኸተካ ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ። ስምዒት ጥበብ እንተ ተሓዊስዎ፣ ስምዒት ልቦና እንተ ሓዚልዎ፣ ስምዒት ስርዓት እንተ ለቢስዎ ግን ኣካይዳኻ ሚዛኑ ይሕሉ። ጥበብ፡ ልቦናን ስርዓትን ከኣ ናይ ሕልምኻ ምስ ናይ ጋህድኻ እናወሓሓጥካ ዝመጽኡ ድኣ ‘ምበር ነጻጺልካ ዝርከብስ ኣይኰነን። እንተ ኰይኑ ግን ዝንቡዕ ውጽኢት ምዃኑ ኣይተርፎን። ሓንቲ ግጥሚ ክትፍረድ ወይ ክትስፈር ከላ ኣብ ፈጠራ ክንድዚ ነጥቢ፡ ኣብ ምልከት ቋንቋ ክንዲዝን ፈረቓን፣ ኣብ መልእኽቲ፥ ኣብ ኣድማሳውነት፣ ኣብ ስርዓተ ነጥብን ቅርጽን ወዘተ እዚን ከምዝን ” እናተባህለ ዶ ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ? ግድን ከምኡ’ዩ ክኸውን ከኣ ‘ምብር፡ ከምኡ ገርካ እኳ ንጋዶ፡ እዚ ነጥብታት እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዳኛ ተጠራቒሙ ምስ መጽአ ድምር ናይ ኩሎም ድማ’ዩ ነታ ግጥሚ ካብ ካልእ ግጥሚ፡ ከቐድማን ከድሕራን ዝግብኦ። እሞ ከምኡ ዶ ነይሩ? ከምኡ ከም ዘይነበረስ ዘይነበረ ዝምልሶ ሕቶ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። ብኣንጻሩ ዳያኑ፣ ካብተን ዝተጠቕሳ ሓሙሽተ ነጥብታት ወጻኢ ከም “ዛዕባ” ወይ ካልእ ዝብል ስዉር ሻዱሻይ ወይ ሻብዓይ ነጥቢ ዶ ድኣ ተጠቒሞም ኰይኖም እዩ ዘብለካ። ሕጂ ነተን ዝቐረባ ግጥምታት ሓደ ብሓደ ተርታ ክሰርዕ ኣይኰንኩን። (ዳኛ ስለ ዘይኰንኩ ወይ ስልጣን ስለ ዘይብለይ) ንሓሳበይ መራጐዲ ክዀነኒ ግን ንሓንቲ ግጥሚ ከም ኣብነት ክጠቕስ እየ። “ድልያ ሓንቲ ግጥሚ” ከም ግጥሚ ናታ ሕጽረታትን ሃጓፋትን ኣይነበራን ክብል ኣይክእልን። ካብ ፈጠራ – ፈጠራ፣ ካብ ምልከት ቋንቛ – ምልከት ቋንቛ … ወዘተ ግን ካብተን ዝወረዳ ግጥምታት ኣወዳዲርካ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ቀዳሞት ዘይትስርዓሉ ምኽንያት ንዓይ ወላ ሓንቲ ኣይርኣየንን። እቲ ፍርዲ ከምቲ ዝግባእ ኣገባብ ስለ ዘይተኸተለ ግን ከምኡ ኰይኑ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ዝነብር ሓደ ሰብ ሳልሰይቲ ዝሰርዓ ግጥሚ፣ እቲ ካልእ ብሕልናኡ ካብ 10 ብሉጻት ክግልፋ ኣይክእልን። እቲ ሓደ ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ዘየቐመጣ ግጥሚ፡ እቲ ካልእ ኣብ ቅድሚት ብሉጻት ከምጽኣ ኣይክእልን እዩ። በየናይ መስፈሪ ክኸውን ኩሎም በዘን ውሱናት መስፈሪታት ዶ ኣይኰኑን ዝጥቀሙ! … በየናይ መርትዖ ክኸውን? ምኽንያቱ ክውንነት ሓንቲ እያ። ንዓኣ ድማ ክትቀራረበላ እዩ ዘለካ። ሓደ ካብዛ ክውንነት እንተ ርሒቑ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግር’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሓቢርካ ብሓደ ውሱን ኣገባብን መስፈርን ተጠቂምካ ምስ ዘይትሰርሕ ጥራይ ድማ’ዩ ከምዚ ክኸውን ዝኽእል። ጐሊሑ ዝተራእየኒ ጸገም ድማ እዚ’ዩ። ደረት ስልጣንካ ዘይምፍላጥ፡ ንሓንቲ ግጥሚ ክሳብ ብሓንቲ ካብተን መዐቀኒታት ጥራይ ገይርካ ሓፍ ወይ ሮሞቕ ምባል፣ ኣብ ስራሕካ ሓደ ዓይነት መዐቀኒ ዘይምህላው ወይ ነቲ ዘለካ ዘይምጥቃም። እዚ ድማ ንልክዕነት ሕቖኻ ከም ትህባ ይገብረካ። ልክዕነት ክበካስ ይትረፍ፡ ተቐራረበ ምስሊ ከሊኡ ምስ መካይድትኻ ከም ዘይተለሊ እዩ ዝገብረካ። ስለዚ ደያኑ ነተን ከም መዐቀኒ ወይ መፍረዲ ዝተቐመጣ ነጥብታት ብግቡእ ክጥቀሙለንን ክቕየዱለንን ኣይክኣሉን። እንታይ ድኣ ልክዕ ከም ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ፣ ንምልክት እናጠቐሱን እናሰመዩን ብኸፊል ከኣ’ባ እናተጠቐሙ ኣብ’ቲ ዝበዝሐ ግብሪ ግን ከከም ዝመሰሎም ኣካዊኖም። እዚ ማለት ኣይሰርሑን ኣየስምዕን፣ ግን ሲ ካብቲ ዝመዘንዎ እቲ ዝምዘንዎ ንኽዓቢ ግዳይ ገይርዎም። እዚ ጽሑፍ ናብ’ቲ ደፍደፍ ሓባራዊ ተመኩሮ ጭላፍ ጥቕሚ ክህልዎ ተስፋ እገብር። ንሰብ ከም ሰብ፣ ሓደ ካብቲ ስልጡንን ለባምን ዘብሎ፣ ካብ ባዕላዊ ይኹን ሕድሕዳዊ ምብህሃል ኣዋህሊሉ ምስ ዝኸስብ እዩ’ሞ፣ ኣብ ገዛእ ርእስናን ሕድሕድናን ንብህሃል እስኪ ዝተረፈ ዘበለ እናተበሃሃልና ንመልኣዮ። ዕቤት ንኹሉ፣ ኣብ ኩሉን ምስ ኩሉን! ስነ-ጥበብ ይዓንብብ!! የቐንየለይ!!!
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleወግዒ ዛራ-ገጠምቲ ምስ ዝተፈላለዩ ገጠምቲ (3ይ)
Next Article እኽሊ ብገበታ ሰብ ብያታ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?