Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ንስሓ ናይ ብርዒ ስመይ

ንስሓ ናይ ብርዒ ስመይ

1
By Mekonnen T. on August 17, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብመኮነን ተስፋይ

ብዛዕባ ናይ ብርዒ ስም ክለዓል ከሎ ብዙሕ ነገራት’የ ዝዝክር። ኣብ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ኣብ ፈይስ ቡክ ንርእዮ ዘለና ሓደ ሰብ ኪሳብ 20 ወይ ልዕሊኡ ዝውነነሉ ናይ ብርዒ ስም ደኣ ኣይኹን እምበር ጸሓፍቲ ክነቕፉ ከለው ናይ ብርዒ ስም ይጥቀሙ ኢዮም። ተነቀፍቲ ከኣ ዝነቐፎም ሰብ ክፈልጡ እቲ ናይ ብርዒ ስም መን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ህርድግ ይብሉ እዮም። ሓደ እዋን ሓደ ካብቶም ኣዚየ ዝቐርቦም ጸሓፍቲ ን ሌ/ኮ ካልድ ኣበራ ኣብ ጋዜጣ ብናይ ብርዒ ስም ተጠቒሙ ሓመዱ ንላዕሊ ምስ ገበሮ ካልድ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ነቲ ጸሓፋይ ክረኽቦ ኣለኒ ኢሉ ወሰኑ። እቲ ጸሓፋይ እከለ ካብ ራድዮ ማሪናዮ ኢሉ ስለዝጸሓፈ ከኣ ካልድ ብቐጥታ ናብ ራድዮ ማሪናዮ ብምኻድ ስም እዚ ተጠቃሲ ከጣይቕ ወዓለ። እንተኾነ እቶም ኣብ ራድዮ ማሪናዮ ኣብ መዓስከር ዝቕመጡ ተጋደልቲ ነቲ ተጥቃሲ ከም ዘይፈልጥዎን ከምኡ ዝበሃል ሰብ ከም ዘየለን ኣረጋገጽሉ። ካልድ ምስ ድኻሙ ኣንከሎ እዩ ነዚ ዝነቕፎ ዘሎ ጸሓፋይ ምስ ካልኦት ኣብ መንገዲ ዝረኽቦ ዘሎ። ኢሂታ ካልድ ተበሃሂሎም ደሃይ ምስ ተለዋወጡ “ወዲ ሰበይቲ ነዚ ኩስቶ ዝበሃል እንድየ ኣብ ራድዮ ማሪናዮ ክደልዮ ውዒለ፡ ግን ኣብ ራድዮ ማሪናዮ ከምኡ ዝበሃል ሰብ የለን ኢሎምኒ ክብል ነቲ ብናይ ብርዒ ስም ዝነቐፎ ዓርክና ኣብ ኣፉ ነገሮ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝበዝሐ ግዜ ብስመይ እጽሕፍ እኳ እንተነበርኩ ሓደ ሓደ እዋን ምስ ሰብ ንኸይቀያየም ወይ ከኣ ብ ገለ ኣካላት ገለ ሽግር ንኸየጋጥመንን ሓንቲ ናይ ብርዒ ስም ብምጥቃም ሓደ ሓደ ነቐፌታታት እጽሕ ኔረ እየ። እታ ብርዒ ስም ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ካብ 2007 ዓም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተጠቒመላ ስለዘይፈልጥ ዳርጋ ኣብ ኤርትራ’ያ ተቐቢራ ምባል ይቐልል። ብዝኾነ ብስም ባጊር በርሀ ዝጸሓፍ ዘነበረ ሓደ ሓደ ነቐፌታታት ከም መኮነን ኮይነ ምስ ገለ ገለ ሰባት ንባጊር ሓመድ ዝገበርኩሉ ግዜ ኔሩዩ። ቅድሚ ናብቲ ዛንታ ምኻደይ ባጊር በርሀ ንምንታይ ከም ዝመረጽኩዋ ገለ ወስ ከብል። ባጊር ኣብ ከትማ ዓዲ ቐይሕ ዝርከብ ጥንታዊ በዓቲ ኮይኑ ብስም በዓቲ ባጊር ከኣ ይፍለጥ። በርሀ እቲ ለዋህ ፈቃር ተባዕን ኣኮይ ናይ ኣምላኽ ነገር ኮይኑ ውላድ ከይወለደ ኣብ ከባቢ 60 ዓመት ዕድሚኡ ብሞት ዝተፍልየ ኢዩ። ብኸምዚ ድማየ ባጊር በርሀ ዝብል ስም ዝጥቀም ዝነበርኩ። ናብቲ ዛንታ ክምለስ

ቤት ትምህርቲ ፎርቶ መዋዕሎ ሰብ ዶ መዋዕሎ እንስሳ

ነዛ ጽሕፍቲ ኣብ ከባቢ 2004 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ስእሊ ናይታ ዝምህረላ ቤት ትምህርቲ ኣስንየ ዝጸሓፍኩዋ’ያ ። ዕላማ እቲ ጽሑፍ ገለ ኣቓልቦ መንግስታዊ ትካላት እንተረኸበ’ሞ እቲ ቤት ትምህርቲ ቀጽሪ ይኹን ካልእ እንተተሰርሓሉ’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ሓደ ፍርቂ ገጽ ጋዜጣ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ፎርቶ ምስ ወጸ ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ዮሴፍ ኪዳነ ቅልጥፍ ኢሎም ኣይረኣዩዋን። ሓሙስ ዝወጸት ሰኑይ ኣቢሎም’ዮም ርእዮማ። ንሱውን ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ስለዝደወሉሎም’ዮም። ኣነ ሰኑይ ኣብ ስራሕ ኣይነበርኩን ሰሉስ ምስ መጻእኩ ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት እየ ተጸዊዐ። መምህር ዮሴፍ “ኮፍ በል እስከ መምህር ወይ ጉድ” እናበሉ ብኩቱር ሕርቃንዮም ዝዛረቡ ኔሮም። እሂ መምህር እንታይ ተረኽበ᎒ ሓተትኩዎም። ኣብዚ “ጋዜጣ ተጻሒፉ ዘሎ ዶ ርኢኻዮ?” መልሰይ ኣይረኣኹዎን ምስ ኮነ “በል እንካ ኣንብቦ” ክብሉ ነታ ኣብ ገዛ ዝገደፍኩዋ ናይ ሓሙስ ጋዜጣ ኣቐበሉኒ። ነታ ጽሕፍቲ ርእይ ርእይ ኣቢለ ኣንቢበ ከም ዝወዳእኩ ብምምሳል። ኢሂ እሞ መምህር እንታይ እዩ እቲ ጸገም በልኩዎም። “ጸገም ደኣ መሊኡ ነዚ ረሳሕ ክንምልሰሉ ኣለና።” በሉኒ ሕራይ እሞ ክንምልሰሉ ኣንተኾይና እኮ ንምልሰሉ ነጥቢ ክህልወና ኣለዎ። በልኩዎም። ከም ዘይፈለጡኒ ሽዑ ኣረጋገጽኩ። ምምላስ ደኣ ጽቡቕ ጌርና እምበር። በሉ ነጥብታት ንኽምዝግብ ሽዑ ንሽዑ ፒሮን ወረቐትን ሂቦምኒ። ኣነ ን3ይ ግዜ ንምኽምልስ ከም ዝጥዕመኒ ጌረ ክጽሕፍ ጀመርኩ። ንገለ ካብቲ መልስታት ኣብቲ ናይ ፈለማ ጽሑፈይ እቲ ቤት ትምህርቲ ቀጽሪ ስለዘይብሉ እንስሳታት ኣብቲ ቀጽሪ ክውዕሉ ከምኡውን ክሳብ 10 ዝኾነ ማይ ተሰኪመን በቲ ኣፍደገ ክፍልታት ዝሓልፋ ኣንስቲ ነቲ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዕንቅፋት ይኾና ኣለዋ። ንዝብል ነጥቢ “እተን ኣንስቲ ካብ ክልተ ወይ ስለስተ ኣይሓልፋን’የን” ኢልካ መልሰሉ በሉኒ። ብዝኾነ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈ ምእንቲ ከይጠራጠሩ ኣድራሻ ጌረ በሉ ባዕልኹም ኣእትዉዋ ኢለዮም። ንኸይጥርጠር ክብል ብቐደሙውን መምህር ዮሴፍ ሰብ ኣይኣምኑን እዮም ንወላዲየይ ዝኣኽሉ ኣቦ ናብ እንዳ ፖስታ ሰደድኩዎም። እንዳ ፖስታ ከይዶም ሰታሪት ኣእይትዮም ምስ ተመልሱ። ብመኣኪቢ ክፍሊ ናይ መምህራን ጌሮም ስለዝሓለፉ ኣብ ደገ ወጺና ቁሩብ ኣዕለልና። “ኢሂ መምህር በል ኢልናዮ ኢና ነዚ በጊርዶ ባጊር ዝብል ሰብ” ኢሎሞኒ ኣነ ከኣ ከራስኖም ኢለ ኣይገደፍናሉን በልኩዎም ሽዑ ረስኖም ወሲኹ “ወኻርያ፡ ወኻርያ ንወኻርያ ኣየናይ ኤክስፐርት ኮይኑ ድኣሉ መዋዕሎ ሰብዶ መዋዕሎ እንስሳ ዝብል። ደሓር ከኣ ኣየነይ ቤት ትምህርቲ ኣሎ እዩ ኣብ ኤርትራ ቀጽሪ ዘለዎ። ሽዑ መንዩ ግን ጽሒፉዋ በልኩዎም። እዞም ተጋደልቲ እንዳ ኣሎም ዘይስርሖም ዝሰርሑ ኣብዚ እንዶ ከሪሞም ኔሮም ኢዮም እቶም እንዳ ከቢድ ብረት ሓደ ለኽባጥ ካብኣቶም ኢዩ ዝኸውን። በሉኒ። መምህር እታ ጽሕፍቲ ድቃስ ከም ዝኸልኣቶም ካብ ብዙሕ ነገራቶም እየ ክግንዘብ ክኢለ፣ ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ክፍሊ ክምህር እናኣተኹ ሓደ ክልተ ኣእዱግ ኣብቲ ሜዳ ስለዝነበራ ኣቲ ቤት ጽሕፈቶም ከኣ ብርኽ ኢሉ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ስለዝረኣዩወን ውጽእ ኢሎም መምህር ምሕረት ትበሃል ኣብቲ ሜዳ ስለዝነበረት “መምህር ምሕረት ቻ በልየን ኣስኪ እተን ኣእዱግ ነዚ ኤን እናረኣዩ እዮም በዓል በጊር ሰላም ከሊኦምና ዘለው” ክብሉ ኣማረሩ። እታ መልሲ ጽሕፍቲ ወጽያ ግን ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይረኸበትን። እታ ቀዳመይቲ ዝተንከፈቶ ዘረባ ግን ምምሕዳር መጽዮም ነቲ ቤት ትምህርቲ ርእዮም ክግበረሉ ዝግብ ኦ ጽገናታት መዝጊቦም ከይዶም ኣብ መዝገብ ተምዝጊቡ ደኣ ትሪፉ እምበር። መምህር ዮሴፍ ክሳብ ካብ ሃገር ዝወጽእ ባጊር፡ መኮነን ከም ዝኾነ ይፈልጡ ኣይነበሩን።

ብኮምፑዩተር ዝተጻሕፈ ጥርዓን ጥራሕ ኢና ንቕበል

ዲቪ ምስ በጽሓኒ ፈለማ ዝገበርኩዎ ኮን ደኾን ይሰልጠኒ ብምባል ነታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት ማዓልታ ዘሕለፈት ፓስፖርት ከሐድሳ ብምሕሳብ ናብ ምምሕዳር ከባቢ ቢኢድ ዝተጻሕፈ ጥራዓን ሒዘ እየ ከይደ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝጸንሓትኒ ምክትል ኣማሓዳሪ ጣዕሙ “መምህር እናፈለጥካስ ብኢድካ ጽሒፍካ ተምጽእ” በለትኒ ኣነ ከኣ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብለይ ምስ ሓበርኩዋ “ዋይ ኣበይ ጸኒሕካ ክንደይ እንድዩ ጌሩ ምምሕዳር ከተማ ከምኡ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝህብ” በለትኒ። ኣነስ ደሓን እቲ ካልእ ሰብከ ብምባል ናብ ገዛ ተመሊሰ በታ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ይኹን ካልእ ጽሑፋት ዝጽሕፈላ ዝነበረኩ ኮምፑተር ጌረ ነቲ ጥርዓን ጽሒፈ ፕሪንተር ስለይነበረትኒ ግን ናብ ፍላሽ ኣስጊረ ናይ መሕተሚ ጥራሕ ክኸፍል ናብቲ ጥርዓን ዝጸሓፈሉ ቦታ ከድኩ። ብዙሕ ውን ኣይከፈልኩን ወረቐተይ ሒዘ ናብ ምምሕዳር ተመሊሰ። ከምቲ ጣዕሙ ዝበለትኒ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኣማሓዳሪን ህዝባዊ ርክባትን ከምኡ ዝበል ምልክታ ተጠቂዑ ኔሩ። እዚ ምልክታ ኣብ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ ህዝባዊ ጉዳይ ጸሓፊው’ን ኔሩ ኢዩ። ብዝኾነ ናይ ፓስፓርት ጉዳይ ኣይሰለጠንን። ድቃስ ዝኸልኣኒ ነገር ግን ንሓንቲ ጥርዓን ብሕሳብ 40 ናቕፋ ይጸሓፍ ስለዝነበረ እቲ ጥርዓን ዘለዎ ክኸፍል ዘይክእል ድኻ ሰብከ እንታይ ይግበር ዝብል ነበረ። በዚ ከኣ ሓንቲ ነቐፌታ ናብ ጋዜጣ ክጽሕፍ ወሰነኩ። ኣብቲ ጽሑፍ ከኣ 40 ናቕፋ ንኽልተ ገጽ ከፊልካ ኣጽሒፍካ ምጻእ ምባል ንሓደ ሰብ ሽግሩ ዘይኮንካ ተቃልለሉ ዘለኻ ተወሳኺ ካልእ ዕዳ ኢኻ ትፈጥረሉ ዘለኻ። እቲ ጽሑፍ ዝንበብ ይኹን ካልእ ዘረባ እዩ። ብኮምፑዩተር ጥራሕ ተጻሒፉ ይምጻእ ዝብል ግን ቅቡል ኣይኮነን። ንሓደ 11 ክፍሊ ዝወድ አ ተማሃራይ ታሴራ ከውጽእ ሓቲቱ ኪድ ብኮምፕተር ኣጽሒፍካ ኣምጻኣዮ ምባል ን 11 ዓመት ንኸንቱ ኢኻ ተማሂርካ እዩ ዘስምዕ ዝብልን ካልእን ዘለዎ ጽሑፍ ምስ ወጸ። ሓድሽ ኣማሓዳሪ ክተማ ሰገነይቲ ኣብርሃም ሓጎስ ሽዑ ንሽዑ ኣኼባ ጸዊዑ ነቲ መምርሒ ከትርፎ ወሰነ። በቲ ኣጋጣሚ ከኣ ነቲ መምርሒ ዘወጽአ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣማሓዳሪ ከተማ ሰገነይቲ ደሓር ብሃንደብት ኣብ መገሻ እንከሎ ኣባላት ጸጥታ ዝኣሰርዎ ኣብርሃም መኮነን ስለዝኾነ ስም’ውን ክርኸበላ ደልዩ። በዚ ከኣ ሰብ ጥርዓኑ ብዝደልዮ ጽሒፉ ከምጽእ ጀመረ።

ሓደ መዓልቲ ናብቶም ዓርከይን ኣቦ ዓርከይን ዝኾኑ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም መምህር ተኽለ ዑቕቡ ሰላም ክብሎም ናብ ስርሖም ምስ ተኣለኹ ስራሕ ቁሩብ ዝሕል ኢሉ ጸንሓኒ። ንዕላል እየ ሓቲተዮም ስራሕ ከመይ ኣሎ መምህር በልኩዎም። እቲ ብኮምፑተር ዝጸሓፍ ዝነበረ ጽሑፍ ንሶምን ጸሓፊቶምን እዮም ዝጽሕፍዎ ኔሮም። ማለት መምህር ተኽለ ህዝባዊ ጉዳይ ጸሓፊ ኢዮም ኔሮም። “ሽዑ ከላ መምህር ወደይ ስራሕ ደሓን እዩ ግን ቁሩብ ዝሕል ኢሉ ኣሎ እዚ ሓድሽ መጽዩ ዘሎ ኣማሓዳሪ ሰብ ጥርዓኑ ብድላዩ የምጽእ ስለዝበለ ሓያሎ ሰባት ብኮምፒተር ኣየጽሕፉን ዘለው። ኣስዒበ ድሕሪ እቲ ናይ ጋዜጣ ማለት ድዩ᎒ በልክዎም። “ እወ ብድሕሪኡ እዩ፡ ዘይስርሑ ዝሰርሕ ወዲ ኣሎ ኣብዚኣ ፍጉር” በሉ። መንዩ ንሱ ክብል ምስ ተወከስክዎም። “ኣብዚ ኣለካ ወዲ ኩስቶ ክብሉ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝጀመረ ሓድሽ ልኡኽ ዜና ናይ’ታ ከተማ ስሙ ጠቒሶም ሓበሩኒ። እቲ ሰብ እታ ጽሕፍቲ ምስ ወጸት ጽንሕ ኢሉ ናብቲ ትካል መጽዩ ስራሕ ከመይ ኣሎ ምስ በሎም ስራሕ ክዝሕል ጀሚሩ ኣሎ ምስ በልዎ ዋእ ብቐደሙ ኣገባብ ኣይኮነን ዝግበር ኔሩ ኢሉዎም ከይዱ ኔሩ። በቲ ኣጋጣሚ ነታ ነቐፌታ ስም ክረኽበላ ባጊር ንሱ ክመስል ደልዩ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ጠባዩ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሓደ መዓልቲውን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ክህሉ ከሎ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝኾና ትካላት ይዕጸዋ ስለዝነበራ ትካላት ክዕጸዋ የብለንን ሕሙም ኣይተሓከም ጥሙይ ኣይተዓንገል ዝብል ኣኼባ እንታይ ኣኼብኡ ኢዩ። ብምባል ነቒፈዮም ስለዝነበርኩ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ዝነበረ ኪዳነ ፍሩይ (ወዲ ፍሩይ) ሓደ መዓልቲ ሓደ ሓደ ሕቶታት ኔሩኒ ምስ በልክዎ “ከምዚ በጊር ዶ ባጊር ኢሉ ዝጽሕፍ ዘሎ ከይትጽሕፍ እምበር ሕቶታትስ ንምልስ” ኢሉኒ ኔሩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ ሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. munir sedig on September 1, 2014 2:30 pm

    ናይ ብርዒ ስም ከምዚ ሎሚ ንክፍኣት ዚውዕል ጎዲም ሴፍ ከይኮነ ከሎ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?