Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ንምንታይ ትገጥም?

ንምንታይ ትገጥም?

2
By Mekonnen T. on March 27, 2015 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

(ሕቶታት ካብ ኣማኑኤል በርሀ)
ገጣማይ ዲኻ? ወይ’ውን ቃላትን ሓሳባትን እናጋጣጠምካ ግጥሚ ትጽሕፍዶ? ንምንታይ ኢኻ ግን ግጥሚ እትጽሕፍ? ቃንዛ ውሽጥኻ ብግጥሚ ስለዝፍወስ ድዩ? ገጢምካን ኣጋጣጢምካን ከምትኽእል ንምርኣይ ድዩ? ንሕብረተሰብ ገለ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ ስለ ዝደለኻ? ሞያኻ ስለዝኾነ’ሞ፡ ከም ኩሎም ሞያተኛታት ክትሰርሕ ስለዘለካ? ንገረኒ’ስከ ንምንታይ ኢኻ ትገጥም? ንግጥሚኸ ትጽወዖ ዲኻ ይጽወዓካ? ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ፡ “ተለመን ንፋስ ኣዱንያ ኣውቀዓኒ” ስለዝበለካዶ ወይሲ፡ “ግጥሚ ክጽሕፍ ኣለኒ ስለዝበልካ? ቅድም ብርዒ ዲኻ እተውጽእ ወይሲ እቲ ግጥሚ ካብ ውሽጥኻ ምስ ወጽአ ኢኻ ንኽትጽሕፎ ኢልካ ድሒርካ ብርዒ እተውጽእ? ንገረኒ’ስከ፡ ንምንታይ ኢኻ እትገጥም? “እዚ ሓሳብን ቅርጽን ንዓይ ደስ ኢሉኒ’ሞ፡ እስከ ፈትንዎ ደስ እንተበለኩም” ቢልካ ዲኻ እትገጥም?
ቃንዛ ውሽጥኻ ብግጥሚ ንምፍዋስ ወይ’ውን ተሃን ስምዒታትካ ንምንጽብራቕ እንተኾንካ እትገጥም፡ ስለምንታይ ደኣ’ሞ ብቕጥዕን ኣገባባትን ክትምራሕ ይድለ? ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ፡ በቲ ንዓኻ ባህ ዝበለካ መንገዲ እንተቕረብካዮ፡ ንምንታይ ደኣ ወሃብቲ ርእይቶ፡ “ከም’ዚ ክኸውን ኔርዎዶ፡ ከም’ዚ ክኸውን ኣይነበሮን” እናበሉ ከስተምህሩኻ ዝፍትኑ? ንስምዒታትካ ልዕሌኻ ዝፈልጦም ክሳብ ዘይሃለወ፡ ብደስ ዝበለካ ዓይነት መጓዓዝያ (ኣበሃህላ) ተጠቒምካ ካብ ውሽጥኻ ንደገ እንተ’ጓዓዓዝካዮ መን ይእውደካ? እምበርከ ብሓቂ ተሃን ውሽጥኻ በጨቕ ንምባል እንተኾንካ እትገጥም፣ ንምንታይ ደኣ ነታ ፈለማ ብሙድ ዝመጽኣትካ ግጥሚ እንደገና ምምዕርራያ የድልየካ? እቲ ናይ ብሓቂ ስምዒት፡ ኣብ’ታ ፈለማ ክትጽሕፍ ከለኻዶ ኣይኮነን ዝንጸባረቕ? ምስ’ዞም ጉጅለ (ውሽጦም ‘ገለ በል’ ቢሉ ኣዚዝዎም ዝጽሕፉ) እንተዄንካ፡ተለመን’ባ መልሰለይ ነዘን ሕቶታተይ።
ንምንታይ ኢኻ ግጥሚ እትጽሕፍ? ግጥሚ ክትጽሕፍ ከምትኽእል ጥበብካ ንኻልኦት ንምርኣይ ድዩ? ብመንገዲ ግጥሚ ኣቢልካ፡ “ጥበበይና” ምእንቲ ክትስመ ድዩ? ጥበብካ ንኻልኦት ብምክፋል ዕግበት ስለ ትረክብዶ ይኸውን? ንምንታይ ኢኻ ትጽሕፍ’ባ ገለ ሓብረኒ?
ንሕብረተሰብ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቢልካ ዲኻ እትጽሕፍ? ገጣማይከ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ስርሑ ድዩ? ንመልእኽቲ ቢልካ ዲኻ እትጽሕፍ ንጽባቐ? መልእኽትስ ንእግረ መንገዱ እንተተመሓላለፈ ኣይኣክልንዶ? ንሰባት መልእኽቲ ምስናቕከ ጾር ናይ ገጣማይ ድዩ? ገለ መልሲ’ባ ርኸበለይ።
ንምንታይ ኢኻ ግጥሚ እትጽሕፍ ኢዩ ዝብል ዘሎ ሕቶይ። ንነገራት ብሓድሽ ኩርናዕ ክትርእዮም ስለዝኸኣልካ’ሞ፡ ገለ ሓድሽ ፍልስፍናዊ ኣበርክቶ እንተገበርኩ ቢልካ ዶ ትኸውን ግጥሚ እትጽሕፍ? ናዕታ ክሃርሙልካ ዝኽእሉ ቃላት ስለዝተኾመሩኻ ጥራይ ግጥሚ ትሽርጥጥ ዲኻ? ሓንቲ “ድኽምቲ” ዝበልካያ ግጥሚ ምስኣንበብካ፡ “ካብ’ዚዶ ከይሓምቕ” ቢልካ ዲኻ ግጥምኻ ትሸራጥጦ ወይሲ “ብልጽቲ” ዝበልካያ ግጥሚ ምስረኣኻ፡ ቅዱስ ቅንኢ ሒዙካ፡ “ልዕሊ’ዚኣ ከበርክት ኣለኒ” ቢልካ ኢኻ ናብ ምጽሓፍ ግጥሚ እትኣቱ? ምስ ኣየኖት ኢኻ?
ገለ ቃላትን ሓሳባትን፡ ቀዳማይ መስመር ከይተወደአ ካልኣይ መስመር ስለዝጅምሩ ጥራይ “ግጥሚ” እንተተሰምዮም፡ ገለ ድማ እንታይ ምዃኑ ሓይሎም ምልላይ ክሳብ ትስእኖ ኣብ’ዚ ውሽጥኻ ኣትዮም እናሰራሰሩኻ፡ ንሳቶም’ውን ከም ሰቦም “ግጥሚ” እንተኾይኖም ዝስመዩ፡ ገጣማይ ደኣ’ሞ ንምንታይ’ዩ ዝጽሕፍ?
ነቲ ካብ’ዛ ዓለም ብብኽያትን ዋጭዋጭታን እናተፋነወ ናብ ጉድጓዱ ዝኣቱ ዘሎ ሬሳ፡ ኣብ ቦታኡ ኣቲኻ ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ? ነቲ ብኽያትን ዋጭዋጭታን ብኸመይ ይጥምቶ? ሰባት እናከልቅስሉ ቅጭዶ ይመጽኦ ይኸውን ወይሲ ብብዝሒ ቀባሮኡ እናተሓበነ’ዩ ሓመድ ኣዳም ዝለብስ? ካብ ክንዳኡን ካብ ክንዲ ኩሎም ግኡዛትን ኮንካ ነዛ ዓለም ገለ ክትብላ ቢልካ ዲኻ ግጥሚ እትጽሕፍ? ንገረኒ’ባ።
ገጣማይ ዲኻ? ወይ’ውን ብውሕዱ ግጥሚ ትጽሕፍዶ? ንገረኒ’ባ በይዛኻ ንምንታይ ኢኻ ግጥሚ እትጽሕፍ? ክሳብ መልሲ እትረኽበለይ ግን፡ ተለመን ፊን ክብለካ ከሎስ ግጥሚ ምጽሓፍ ኣይተቋርጽ። ግጥምኻ ከንብብ እጽበ’የ ዘለኹ። መልሲ ምስ ሃብካኒ፡ ኣነ’ውን ንምንታይ ግጥምታት ከምዘንብብ ከዋግዓካ’የ። ብሩኽ ቅነ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

2 Comments

  1. winta teckle on April 3, 2015 4:45 pm

    Hto tray koynu, medakeriyu nbailu!!!!!!!!!

  2. mikelina on May 14, 2015 10:26 pm

    ኡፍ ! ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እኮ ኾይና ! ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘንበብናዮ ፡ ንምንታይ ኣድለየ ፡ ኣብዚ ጸሓፍትን ጽሑፍን ዝበዝሓሉ ዘመን ፡ ካብ ጋዜጣ ናብ መኣዲ ዛራ ጥበባ፡ ካብ ዛራ ጥበባ ናብ ኤረና ‘ ስለችዩና

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?