Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናይ ቀደም ኣዕሩኽ

ናይ ቀደም ኣዕሩኽ

2
By Mekonnen T. on October 4, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

የውሃንስ ኣብርሃም

“ምን ልታዘዝ?” ፍሽኽታ ኣሰንዩ ብትሕትና ሓተተ እቲ ኣሳሳዪ።

“እንታይ ኢኻ ትበልዕ?” ነቲ ካልኣዩ ተወከሶ እቲ ረቃቕ ዳቢስታ ዝገበረ ቀይሕ ቀጢን። ብግቡእ ዝተስታረረት ሰማያዊት ካምቻን ባድላ ስረን ወድዩ ነይሩ።

“ዝኾነንዶ ኣዝዝ፣ ንስኻ ኢኻ ትፈልጦ ነዚ ቦታ” መለሰ እቲ እግሩ ኣሳፊሑ የማነይቲ ኢዱ ብልዕሊ እቲ ዝተጸግዖ ናይ ዕንጸይቲ መንበር ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ካልእ።

“ኣንዲ ጎመን በስጋ፣ ኣንዲ ደሞ በየኣይነቱ።”

“እሺ ቦስ” ሕቖኡ ሰይሩ ኢድ ነሲኡ ከደ።

“ኣምሓርኛ ድኣ ካብ መዓስ?”

“ኣብዚ ስደት ብዙሕ ኢኻ ትመሃር፣ በቲ በቲ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ብብዝሒ ኢና ንራኸብ” መለሰ መንበሩ ስሒቡ እናቐረበ።

“በል እስከ የዕልለኒ፣ ካብ እንፈላለ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፉ። ይገርመካ’ዩ!” ሓንሳብ ኣመንግው ኣቢሉ ድሕሪ ምስትንታን “ሂወት ምስ ጎይታ ከመይ ኣሎ?” ኣስዓበ።

“ደሓን’ዩ መስገን” መለሰ እቲ ካልእ ናብ መመገቢ ጣውላ ዓይኑ ተኺሉ። “ናትካ’ምበር ንገረኒ፣ ድሕሪ ሳልሳይ ወራርኮ ኣይተራኸብናን፣ ተኣሲሩ ሰሚዐ ነይረ”

ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ እቲ ቀይሕ ቀጢን። ገጹ ኣብሪሁ ድማ ክምስ በለ።

“ንወንጌል ኢልና እንሓልፎ መከራዶ ጠፊኡካ፣ ግን ንበረኸት’ዩ ዝኸውን ጎይታ ይባረኽ! ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲረን ተሳቕየን ኢየ ብርግጽ፣ ሰይጣን ግን ኣይሰዓረንን!” ኣዒንቱ ብስምዒት ኣጨምቲሉ ናብ በሪኽ ማዕዶ ኣቋመተን።

ካልኣዩ ብዘይ ምቹእ ስምዒት ሓንሳብ ነቲ ወንጨርጨር ዝበለ ዛዕኳር ጸጉሪ ርእሱ እናጠቕለለ እንሓንሳብ ድማ ናብቶም ኣብ ፊቶም ፑል ዝጻወቱ ዝነበሩ ሰሰሪቑ እናጠመተ ብዓቕሊ ጽበት ተኸታተሎ።

“ሽዑ’ኸ?”

“ሽዑ ድኣ እቲ ንናይ ጳውሎስ መቑሕ ዝፈትሐ ጎይታ ንዓይ’ውን ፈቲሑለይ። ኣብ ሱዳን ዓመት ተቐሚጠ ነይረ፣ ኣብዚ ድማ ሕጂ ሸውዓተ ዓመታት ገይረ ኣለኹ። ካብ ዝመጽእ ጀሚረ ድማ ኣብዚ ናይ ካምፓላ ቤተክርስትያን የገልግን ኣለኹ – ከም ፓስተር።”

ኣብ ከናፍሩ ክምስታ ኣብ የዒንቱ ድማ ዕግበት ተነበበ። “ኣላ ኖህ ሓወይ! ስለዝመስከርካለይ ጎይታ መመሊሱ ይባርኽካ! እታ ፈለማ መዓልቲ ዝመስከርካለይ ትዝክራዶ?”

ርእሱ ብኣሉታ ነቕነቕ እቲ ካልኣይ።

“ኣብ ታዕሊም ኣብ ሳዋ ኣብታ ወዲ ዓሊ ዝድቅሰላ ዝነበረ ሶሌታ ሰንበት መዓልቲ ኢያ ነይራ።”

ኖህ ናብ ሓደ ናብቲ ቤት መግቢ ዝኣቱ ዝነበረ ጸሊም ክነሱ ፍረገጹ ግን ሓበሻ ምንባሩ ብቐሊል ዝልለ መንእሰይ ኣናኣማዕደወ ኢዱ ንሰላምታ ኣወጣወጠ።

“ሄሎ ኖህ ዓርከይ!” ብዓውታ ኣድሃየ እቲ መንእሰይ።

“ሶሪ ሓንሳብ ሰላም ክብሎ “ ተንሲኡ ከደ። ምስቲ ዓብዪ ፍሽኽታ ለቢሱ ዝተጸበዮ ወዲ ብመንኩብ ተጎናነጹ።

“እሂ ዝዓርከይ! ድሓን ዲኻ ድኣ?” በለ እቲ ጸሊም ወዲ፣ ጉርሒ ብዝነበሮ ቃና እናተዋዘየ።

“እሂ እንታይ ከፊኡካ?”

“ኣይ… ዋላ! ኣነስ ካብ መዓስ ድኣ ካብ ማሕበር ሰኽራማት ደረፍቲ ናብ ማሕበር ቅዱሳት መንፈሳውያን ሰጊርካ ኢለ ኢየ” በለ ሳንቲም ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊታ ናይ ፑል ጠረጴዛ ሪጋ ንመትሓዚ እናኣቐመጣ።

ሓደ ስንኩል ኢዱ ሓበሻን ሓደ ህንዳዊን ይጻወቱ ነይሮም። እቲ ሓበሻ ጸጸኒሑ ነታ ኣብታ ሓላቕ ኢዱ ዝቐርቀራ ሽጋራ እናሰሓበ ቅድሚ ካልእ ኩዕሶ ምህራሙ ነቲ ጠረጴዛን ነተን ኩዓሳሱን ኣብ ከቢድ ሓሳብ እናጠሓለ ብፍልስፍናዊ ዝመስል ኣጣምታ የጽንዖም ነበረ። ብብርቱዕ ጥንቃቐ ድሕሪ ምዕቃን ድማ ንሓንቲ ኣብ ዘይምቹእ ጸግዒ ዝነበረት ኩዕሶ ብፈኩስ ሃሪሙ የእተዋ።

“ብራቮ ግልገለ! ኣስሊ ህራም!” ጨደረ እቲ ምስ ኖህክዛረብ ዝጸንሐ መንእሰይ።

“ምስዚ መንፈስ ድኣ እንታይ ኣራኺቡካ?” ብዘይ ስክፍታ ሓተተ።

“ናይ ቀደም ዓርከይ ኢዩ።”

“ናይዞም ኣብ ካምፓላ ዘለዉ መንፈስ ፓስተር ኢዩ”

“እወ ነጊሩኒ።”

“ዎ! ኣንታይከ ዘሸግር ኣለኒ ‘ዚዓርከይ! ካልእ ሰብ እንተትኸውን ተጠንቀቐሉ ምበልኩኻ፣ ንዓኻ ግን ንሱ ኢዩ ክጥንቀቐልካ ዘለዎ!” ዋዛ ከምዝነገረ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ።

“ሎሚ ምሸትከ’ሞ እታ ናይ ብቐዳማይ ንድገማዶ? ንዓኻ ትኸውን ቦታ ክወስደካ ኢየ! ሺሻ፣ ጫት፣ ሓራሙ፣ ጩርማ..ኩሉ ዘለዋ! ንኣርቲስት ትኸውን ቦታ!”

“ምስዚ ዓርከይ ምስወዳእኩ ክድውለልካ’የ” በለ ህውኽ እናበለ።

ምስተመልሰ ሻሽ ዝመስል እንጀራ ዝተነጸፎ መሰጣሕ ኣብቲ ጣውላ ተነቢሩ ጸንሖ። ኣብ ማእከል ብሓምሊ ዝተሰርሐ ስጋ፣ ኣብቲ ወሰናወሰን ድማ በዓል ሽሮ ዓደስን ኣልጫን ከቢቦም ነበሩ።

“ካብዞም ናይ ኣስመራ የዕሩኽትና ኢዩ፣ ውዕይ ኢሉ’ዩ”

“ምሽ?” በለ እቲ ሓደ ናይ ጥርጣረ ደመና ኣብተን ትኩራት የዒንቱ እናዓሰለ።

“ክሓተካ ኖህ ሓወይ፣ ክርስትያናዊ ሂወትካ ከመይ ኣሎ? ከምቀደምካ ትብርትዕዶ ኣለኻ?”

“ድሓን’የ። ኣይገርመካን ዴቭ እቲ ፈለማ ዝኣተኹሉ ነዚ እንጀራ ጻዕዳ ጣፍ ኢዩ ኢለን ሰሙን ሙሉእ ኣብሊዐናኒ ኣይፈለጥክዎን…ጻዕዳ ጣፍ መዓስ ምስረኣናዮ ከነለልዮ! ጻዕዳ ጣፍ ጻዕዳ ኣይኮነን ደባን ኢዩ – ሓመኹስታይ።”

“ተዓንቂፍካ ዲኻ ኖህ ሓወይ? ኣብ ክርስትና ምዕንቃፍ፣ ምውዳቕ፣ ምትንሳእ መናብርትና ኢዩ፣ ንገረኒ”

“ሕራይ ከዕልለካ ኢየ፣ ድሕሪ መኣዲ ይኹነልና”

ዳዊት ኣዒንቱ ከዲኑ ንጸሎት ደነነ።

“እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፣ ነዛ ዕለትን ደቒቕን ስለዝሓሎኻና ተመስገን። ብምሕረትካ ንኣገልግሎትካን ጸጋኻን ስለዝመረጽካና ተመስገን። ካብ ውዲት ሓይልታት ጸላም ከተድሕነና እጽሊ ኣለኹ። ስለዚ መኣዲ ነመስግነካ ኣሎና። ብስም የሱስ ኣሜን።”

ንነዊሕ ካልኢታት ብዘይካ’ቲ ጦቕማዕታ ናይ ዝሕየኽ ዝነበረ ኮላሶታት ካልእ ኣይተሰምዐን።

“ይርግኣለምከ? ደሃያ የብልካን? እቲ ንስኻ ዝተኣሰርካሉ ወርሓት ኢያ ንሳ’ውን ተኣሲራ” በለ ኖህኣብ መንጎኦም ክሰፍን ጀሚሩ ንዝነበረ ዘይቅዱው ውጥረት ንምፍዃስ።

ዳዊት ነዊሕ እህህታ ንደገ ሰደደ።

“ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲረ ከለኹ ክንሸይን ምስወጻእና ስሕት ኢለ  እርእያ ኔረ። ብድሕሪኡ ኣነ ንዊዓ ተወሲደ፣ ንሳ ግን ኣብኡ ነይራ። ብድሕሪኡ ኣብዚ ምስመጻእኩ ሓሚማ ንሕክምና ሓንሳብ ምስወጸት ገለ ሰባት ከምዝረኣይዋ ሰሚዐ። ይርግኣለም ኣምላኽ ንፈተና ዝሓረያ ናይ እምነት ጅግና ኢያ!” መትንታት ግንባሩ ብመጠኑ ተራእዩ።

ናብቲ መኣዲ ኢዱ ክሰድድ እንከሎ እንከሎ ነቲ ልምሉም ቆርበቱ ጨማዲዶም ዝተሳእሉ በሰላታት ኣብ ዝባን ኢዱን ጉንቦ ኢዱን ይርኣዩ  ነይሮም።

“ናይ ፌሮ?”

“እወ” ብሓጺር መሊሱ ዝን በለ።

“ሓንቲ ሕቶ ጥራሕ ኢዮም እኮ ዘቕርቡልካ፣ ኣይኣምንን ኢየ በል – ሕጂ ገዛኻ ክትምለስ። የሱስ ኣብ ልዕሊ ማእሰርትን ሞትን ጎይታ ምዃኑ ኣይርድኦምን’ዩ። ኣይገርመካን ግን ናይ ክርስትና ነገር!”

“ይገርመኒ’ምበር፣ ኣዝዩ ይገርመኒ” መለሰ ኖህ ነታ ቤት መግቢ ብኣዒንቱ እናኾለላ። ኣብ ካምፓላ ዝበለጸት ናይ ሓበሻ ቤት መግቢ ስለዝኾነት ኢዮም ኣብኣ ተቛጺሮም። ኩላቶም ኣብኣ ዝነበሩ ግን ሓበሻ ጥራይ ኣይነበሩን። ካብኣቶም ፍንትት ኢላ ኣብ ዝነበረት ጣውላ ክልተ ቻይናውያን ዝመስሉ ነይሮም። እቲ ሓደ እንጀራ ምስ ዝግኒ ኢዩ ኣዚዙ። ድሕሪ ኣብታ ብያቱ ነቲ እንጀራን ጸብሕን ኣጸቢቑ ምቁምጣዕ፣ ዳርጋ ሓሓፊሱ ይኹልስ ነበረ። ኣብ ስግሮም ዝነበረ ኩርናዕ ድማ ማይ ጋዝ እናሰተዩ፣ ነቲ ምስቲ ስንኩል ኢዱ ሓበሻ ዝጻወት ዝነበረ ወዲ ዓዶም ዝከታተሉ ሰለስተ ህንዳውያን ነይሮም።

“እዚ ገዛ ሓበሻ ድዩ ዋናኡ?” ሓተተ ኖህ።

“እወ፣ ሰበይቱ ግን ኢትዮጵያዊት ኢያ” ነታ ዝሓይካ ዝነበረ ውሒጡ መለሰ።

“ቤት መግቢ ኦክላ? ኦክላ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን?”

“እንድዒ፣ ኣነ’ውን ቅድሚ ሕጂ ኣይሓሰብኩላን፣ ብሉጋንዳ ኢዩ ዝኸውን”

“ኣብዚ ከባቢ ብዙሓት ሃብታማት ኤርትራውያን ኣለዉ ሰሚዐ”

እቲ ሓደ ዘባል ክምስታ ክምስ ድሕሪ ምባል መለሰ።

“ርብዒ ናይቲ ኣብ ቤት ጎይታ ጥራሕ ጁባኡ ዝማላለስ ዕጋበት ዘለዎም ግን ኣይመስለንን። ኣምላኽ ይባረኽ!”

ኖህ ደጊሙ ነቲ ቦታ ብዓይኑ ዞሮ። እቲ ጠዋሉን ሰድያታትን ኩሉ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ’ዩ ነይሩ። ደሓር’ውን ናብ ናሕሲ እቲ ኣጽሊሉሎም ዝነበረ ዳስ ሓረግ ኣንቃዕረረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቆላሕታኡ ብመንጎ’ቲ መካበብያ ልኢኹ ንነዊሕ ካልኢታት ናብቲ ነዋሕቲ ህንጻታት ተጨቓጪቖሙሉ ዝነበሩ ማእከል ከተማ ጠመተ። እታ ዝነበርዋ ቤት መግቢ ኣብ ጎቦ ዝተደኮነት ስለዝነበረት እቲ ኣብ ካምፓላ ካብቶም ነዋሕቲ ዝበሃል ብዓቢ ናይ እንግሊኣዝኛ ፊደላት ‘ኪንግ ፉሃድ’ ዝተጻሕፎ ሰማያዊ ፓላሶ’ውን ኣብ ትሕቲኦም ኢዩ ነይሩ።

“እዞም ዓዲ ጽቡቕ ህንጻታት ኣለዎም ጎደናታቶም ግን ኣይግድን! ማርቻፔዲ ዳርጋ የብሎምን!”

“መንፈስ ቅዱስ ግን ብብርቱዕ ይዓየሎም ኣሎ! ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዚኣቶምን ከም ኬንያውያንን ብኣገልግሎት ጎይታ ዝሰጎመ የልቦን”

ብኢዱ እቲ ኣሳሳዪ ንኽመጽእ ኣመልከተሉ። ንሱ’ውን ጠበቕ በለ።

“ለኔ ኣንድ ውሃ” ናብ ኖህ ተጠውዩ፣ “እንታይ ኢኻ ትሰቲ?”

“ንዓይ’ውን ማይ፣ ካምፓላ ቁሩብ ሙቕት ኣለዋ”

“ሁለት ውሃ”

ናይ ኩሉ ጠቕሊሉ ሕሳቡ ሃቦ።ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ክልተ ጎማ ማይን ማልሶምን ሒዙ ተመልሶም። ዳዊት ነታ ደብተር ሕሳብ ከፊቱ ነታ ቅርሺ ድሕሪ ምውሳብ ነተን ሰናቲም ገደፈሉ።

“ኣመሰግናለሁ!”፣ ዝተጋነነ ፍሽኽታ ኣርእዩ ናብ ካልኡ ከደ።

“በል ሕጂ ኣዕልለኒ፣ መንፈሳዊ ሂወትካ ከመይ ኣሎ?”

ነታ ማይ ፍርቃ ሰትዩ ኣፉ ድሕሪ ምጽራግ ገጹ ኣዕቲቡ ተጸበዮ።

ኖህ ቅንዕ ኢሉ ጠመቶ።

“መንፈሳዊ ሂወት የብለይን” ነዚኣ ኢሉ ኣቋረጸ።

“ዓለማዊ ኮይነ ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ?” በለ እቲ ካልእ ስንባደኡ ክቆጻጸር እናፈተነ።

“እወ።”

ንነዊሕ ካልኢታት ኣብ መንጎኦም ከቢድ ስቕታ ሰፈነ። ኖህ ናብቶም ፑል ዝጻወቱ ዝነበሩ ዳዊት ድማ ናብ ኪንግ ፉሃድ ገጾም ኣዒንቶም ተኸሉ።

“ንስኻ እኮ ኢኻ ንዓይ ነቲ ኣብ መስተን ሽጋራን ተኣሊኹ ዝውዕል ዝነበረ ሰብ መስኪርካ ለዊጥካኒ! ንስኻ እኮ ኢኻ ምስ ጎይታ ኣፋሊጥካኒ፣ ዓቢ ውህበት ቃል ዝነበረካ ሰባኺ ዝነበርካ! ከመይ ጌርካ ወዲቐ ትብለኒ!”

እቲ ሓደ ኣይመለሰን።

“ደሓን ኖህ ሓወይ፣ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ምውዳቕን ምትንሳእን ዘሎ ኢዩ፣ ኤርትራ ድማ ንእምነት ብጽኑዕ ትፈታተን ግዝኣት ኢያ፣ ኣብዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምስቆምካ ክትትንስእ ኢኻ!” በለ ካብቲ ዝጸንሖ ስምዒት ረጊኡ።

“ኣይትሓዘለይ፣ ግን ክነግረካ ኣለኒ። ኣነ ኣይወደቕኩን፣ ጥራሕ ተለዊጠ ኢየ። ንሱ ድማ ምርጫይ ኢዩ ነይሩ።”

“ናብ ዓለም ምምላስ?” ሓተተ ግንባሩ ሰብሲቡ።

“እወ፣ ንዓለም ክጸልኣ ኣይከኣልኩን። እቲ ምግልጋል ግን ኣይገደፍክዎን።”

“ኣይተረዳኣንን።”

“ንዓለም ብደርፊ የገልግላ ኣለኹ”

“ደራፋይ?”

“ኣይሰማዕካየንን ኢኻ ትኸውን ድኣ’ምበር ብዙሓት ንጽል ደርፍታት ዘርጊሐ ነይረ። ንብዙሓት ካልኦት ድማ ደርፍታት ይሰርሓሎም ነይረ። እመስገኖ ጽቡቕ ኢየ ከይደ።”

ዳዊት ኖህ ይብሎ ንዝነበረ ኣየናዓረሉን። እቲ ናይ ቀደም ዓርኩ ኣዒንቱ ብስምዒት እናበርሃ ዝተዛረበሎም ዕዮታት ንኣዑ ትርጉም ከምዘይነበሮም ኣብ ገጹ ብንጹር ተመልኪቱ ነይሩ። መመልከቲቶኡ  ኣብ ምዕጉርቱ ኣደጊፉ ዝን ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት፣

“እቲ ምርጫ ናትካ ኢዩ ዝብለካ የብለይን፣ ግን ስለምንታይ?” ሓተተ።

ኖህ ሓንሳብ ርእሱ ሓኺኹ ናብ ደገ ድሕሪ ምጥማት እንደገና ናብ ዳዊት ተጠውዩ መለሰ።

“ንስኻ እምነትካ ነቕ ኣይበለን፣ ንሕቶታትካ ዝኸውን መልሲ ኣብ እምነትካ ስለዝረኸብካ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ኣለኻ፣ ኣነ ግን ንሕቶታተይ ዝኸውን መልሲ ኣይረኸብኩሉን፣ እምነት’ውን ሰፈሩ ዝኾኖ ግርህነት ኣባይ ኣይረኸበን። ደድሕሪ ሕቶታተይ ስዒበ። ተፈላሊና። ኣብ መንገደይ ምስ ደርፊ ተላሊና፣ ተፋቲና። ምድራፍ ኢየ ዘፍቅር፣ ክደርፍ ኢየ ዝደሊ ሕጂ”

“ናይ ሙዚቃ ድልየት እንተሃልዩካ እምነት ኣይምኸልከለካን፣ ተውህቦኻ ግን ንኽብሪ ኣምላኽ ክትጥቀመሉ ኣለካ፣ ዘማራይ ክትከውን ምኸኣልካ”

“ምናልባት። ውሽጠይ ግን ኣይፈቐዶን”

“ንሱ’ዩ ድማ ንውድቀትካ ኮይኑ” ኣጻብዕቱ ኣወጣዊጡ መለሰ ዳዊት።

“ኣየናይ?”

“ንውሽጥኻ ምእዛዝካ፣ ኣብ ክንዲ ንቃል ኣምላኽ ንውሽጥኻ ምስማዕካ።”

ካልእ ሰብ ብምስሊ እቲ ናይ ቀደም ዓርኩን፣ መንፈሳዊ ሓዉን ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኢሉ ዘደናግሮ ዝነበረ ኮይኑ ዝተሰምዖ ይመስል ብኣግሞት ተዓኒዱ ጠመቶ።

“ገላትያ ምዕራፍ ሓሙሽተ፣ ጳውሎስ፣ ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና’ዩሞ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቆረኑ ይብለና” ኣሰረት ሕርቃን ዝነበረን የዒንቱ ተኺሉ ክምልሰሉ ተጸበዮ።

“ንስኻ ብእምነት ሓራ ኣለኻ ኣነ ድማ ካብ እምነት ሓራ ኣለኹ። ዳዊት ሓወይ ከምቲ ኣነ ንምርጫኻ ዘኽብሮ ንስኻ’ውን ንናተይ ….” ሓሳባቱ ኣብ መንጎ ገደፎ። ኣዕሚቚ ድሕሪ ምስትንፋስ ገጹ ናብቶም ፑል ዝጻወቱ ዝነበሩ ኣዞረ።

ዳዊት ቅሬታኡ ብግሁድ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ቃል ከየተንፈሰ ነታ ኣብ ጎድኑ ኣብ ዝነበረት ሰድያ ኣቐሚጥዋ ዝነበረት ማህደር ኣልዒሉ ሓንቲ ጸላም መጽሓፍ ኣውጽአ። ከፊቱ ንኖህ ከንብበሉ ንዝደለየ ክረክብ ገጻት ገማጠለ። ኣብቲ ገጻት ኣገደስቲ ምዃኖም ንምምልካት ብዙሓት መስመራት ሃሳስ ቀይሕ ሃሳስ ብጫን ሃሳስ ቀጠልያን ሕብርታት “ሃይላይተር” ተደሪብዎም ነይሩ። ዳርጋ  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝገንጸላ ገጽ ገለ ሕብሪ ይርኣ ነይሩ።

ኣብ መጠረሽታ መመልከቲቶኡ ኣብ ሓንቲ ገጽ ኣቐሚጡ ዝያዳ ናብ ኖህ ድሕሪ ምውራም፣  ኣንበበ።

“ጠበብ ጠቢባን ከጥፍእ ኢየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ ውን ከፍርስ ኢየ…ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት ኢዩ፣ ነዓና ነቶን እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ….” ቀጸለ።

ንገለ ደቓይቕ ድሕሪ ምንባብ ቀኒዑ ጠመቶ፣ ኣብ ገጽ ኖህ ግን ዝኾነ ለውጢ ወይ ተመስጦ ወይ’ውን ስምዒት ኣይነበረን። እንደገና ደነነ፣ ንሱ ምስ ደነነ ኖህኣቓልቦኡ እንደገና ናብቶም ኣብ ፊቶም ፑል ዝጻወቱ ዝነበሩ ሰባት ኣዞረ። እቲ ሓበሻ ምስ ካልእ ህንዳዊ ይጻወት ነይሩ። ተበሊጹ ግዲ ኮይኑ ግን ዓውዓውታኡ ኣቃሪጹ ተኣማማንነቱ ዘጥፍአ ይመስል ነይሩ። ድምጺ ንባብ ዳዊት ምስ ኣቋረጸ ክሳዱ መለሰ’ሞ ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጠሙ።

ዳዊት ኣዒንቱ ሰይሩ ሰዓቱ ረኣየ።

“ንስኻ ዝበልካ በል፣ ጎይታ ንውሽጥኻ ሓንቲ መዓልቲ ከምዝረትዖ ግን ርግጸኛ ኢየ” ድምጹ ድኻም ነይርዎ፣ ውዕውዕ ኣይነበረን።

እቲ ሓደ ኣይመለሰን።

“ሎሚ ሓዳሪ ጸሎት ኣለና። ክገድፈካ ኢየ…” በሎ ነቲ ዝገደፎ ናይ ፈለማ ሰባኺኡ።

“ሕራይ ዴቭ፣ ንደዋወል” በለ ካልኣዩ ክምስታ እናፈተነ።

“ካብ ሎሚ ጀሚረ ክጽልየልካ ኢየ። ኩልና ኣሕዋት ክንጽልየልካ ኢና”

ነታ ጸላም መጽሓፉ ጥራይ ዝሓዘለት ማህደሩ ኣብ መንኮቡ ሰቒሉ ሰጎመ። ኖህ ክልተ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝባን ዝባኑ እናጠመተ ኣሰነዮ። ናብ ድሕሪት ናብ ጎድኒ ወይ’ውን ናብቶም ኣብ ፊቱ ኣብታ ፑል ሃንደበት ብርቱዕ ያዕያዕታ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ንሓንሳብ’ውን ትኹን ኣቓልቦኡ ሂቡ ግልጽ  ኣይበለን። ታህዋኽ ነይርዎ። ብፍጡን ስጉምቲ በቲ ኣስካላ-ኣስካላ ወሪዱ ተኸወለ።  ምስተኸወለ’ውን ኣዒንቲ  ኖህ ኣብቲ ኣፍ ደገ ቀው ኢለን ደሪቐን ነዊሕ ጸንሓ። ብርቱዕ ቃንዛ፣ ወይ ናፍቖት፣ ወይ ጽምዋ ወይ ገለ ንኣዑ ዝመስል ስምዒት ይንበበን ነይሩ። ብርግጽ ግን ቁጽርጽር ኢለን ነይረን።

 

ሓምለ 2013

ናይሮቢ

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእንዳ ‘ቱፍ-ቱፍና’
Next Article ብረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

2 Comments

  1. Kibrom Demoz on October 5, 2014 5:01 pm

    John arkey, wahzi hasabatkan ab Bible zeleka afliton adnikeka.kemti geliatom zhatwo hoto gin ayhateksnie.”amani kienka deka” ezia bitaemi zexela hito eya.gin haylikan wahizkan ab tibeb nitarik bzeykiwilin zemakilin meazinu azye fetyeyo.kab EIT tewesida nihayalo ametat zteasret habtey niera.ab zantaka gezana mintea zehlefnayo geltemtem enda zekerku anbibeya.bitaemi kea astentine.bzikone keep going and going.

  2. Hade Wedi on October 9, 2014 2:52 am

    Nice story. This is the story of me ,the story of a guy who has struggled for years, to finally come in peace with the idea that; he is no more the spiritual or “brutue menfesawi” some use to call him. I don’t hate the path I was following , nor did I hate my ‘menfesawyan brothers and sisters’ ,but one by one questions pile up , and also u found your self living day-in-day-out a life that is totally opposite to what you are preaching ,and at the end u just leave the path. but when I left ,I leave with all the good things I learned there ,and I have become a better person because of my past. Thanks you Yohannes Abraham for the story. It seems you wrote it from experience or may be you are a good observer.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?