Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒” 4ይ ክፋል

“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒” 4ይ ክፋል

0
By Mekonnen T. on January 26, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዛንታ ቢንያም፡ ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ
ኣብዚ ዓምዲ ዝወጹ ጽሑፋት ብምሉኦም ሓቀኛ ዛንታት’ዮም
16
“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒”
4ይ ክፋል
ሰለሙን ረዘነ ማለት ሓላፊ ህግደፍ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ስለምንታይ “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታ’ዩ ቁንቁኛኣ” ዝብል ሕቶ ከም ዝሓተተ ብግምታተይ ሰለሙንን ክፍሎምን ናብቲ ሕቶ ዘብጸሖም ጉዳይ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ። ዲቪ ካብ ዝበጽሓኒ ዕለት ሓያሎ መዓልታት ክገይሽ ተራእየ እየ። እቲ መገሻ ብዙሕ ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ ቅድም ዝበዝሐ ግዜ ናብ ኣስመራ ጥራሕ ዝነበረ ድሕሪ ናይ ዲቪ ምብጻሕ ግን ሓንሳብ ናብ ዓዲ ቐይሕ ሓንሳብ ናብ …ጸሮናን ካልእን ገይሸ ኔረ። ብጀካ’ዚ ሰለሙን ሓላፊ ህግደፍ ሰገነይቲ ዝወለደላ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ ድያ ዘላ ኣይኮነትን ኣይፈልጥኩን ፍዮሪ ዝስማ ሓላፊት ትካል ልቓሕን ውህለላን ኣኮርድ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ብሓደ ጉዳይ ከይደያ ስለዝነበርኩ ከም ዕላል ከተዕልሎ ትኽእል’ያ ዝብል ግምት ኣለኒ። ናብ ፍዮሪ ዘኼደኒ ምኽንያት እዛ ናይ ዲቪ ዕድል ካብ መጸት ብምሉእ ዓቕመይ ተጣፊአ ክዕወተላ ኣለኒ ዝብል ኒሕ ስለዝሓዘኒ ኩሉ ንኽሰልጠኒ ዘይፈንቀልኩዎ እምኒ፡ ዘይኳዓትኩዎ ጉድጓድ ኣይነበረን። ሓደ ካብዚ ክግበሮ ዝነበረኒ ነገር። ምናልባት ገም ገለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንተወጻኹ ንበዓልቲ ቤተይ ከይኣስሩዋ በቲ ሓደ በቲ ካልእ ከኣ ኮን ዶኾን ብሕጋዊ መንገዲ እንተሰለጠኒ። ነባርነት ናብ ኣስመራ ቀይረ ክጸንሕ ብምባል ገና ካብ ከተማ ሰገነይቲ ናይ ነባርነት ስርዝ ወሲደ ኣብ ኣስመራ ክምዝገብ ዝግባእ መስርሕ ከጻፍፍ ነበረኒ። በዚ መሰረት ናብ ሓይሊ ኤሌትሪክ፡ ክፍሊ ሃብቲ ማይ፡ ትካል ውህለላን ልቓሕን ኣኮርድ ዝኣመሰላ ትካላት ከይደ ዝኾነ ዝእዉዱኒ ዕዳ ከም ዘይብለይ ናጻ ምዃነይ ዘረጋገጽ ወረቓቕቲ ኣፈሪመ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክወስድ ኔሩኒ። ናብ ፊዮሪ እምበኣር ካብ ዕዳ ናጻ ዝብል ወረቐት ክትጽሕፈለይ እየ ከይደያ።
“ዋእ ኣንታ መምህር ክትገድፈና” በለትኒ ፍዮሪ “ከላ ምግዳፍ ደኣ ኣበይ ጠቕሊልና ክንገድፈኩም ስድራ ደኣ ካብ ኣብ ሰገነይቲ ኣብ ኣስመራ ይሕሾም ኢልና እምበር” መለስኩላ።
ከምኡ እንተኾይኑስ ደሓን” ብምባል ፋይላት ገናጺላ። ዕዳ ከም ዘይብለይ ግን ኣብ ጉጅለይ ዕድኡ ከፊሉ ዘይወደአ ሰብ ስለዘሎ ካብ ዕዳ ናጻ ዝብል ወረቐት ከም ዘይትጽሕፈለይ ሓበረትኒ። ካብ ትካል ውህለላን ልቓሕን ሰለስተ መምህራን ከም ሓንቲ ጉጅለ ኮይንና ነናይ 3፣000 ናቕፋ ተለቂሕና ኔርና። ኣነን ካላኣየይን ኣይደንጎናን ቀልጢፍና ከፊልናዮ ነበርና። ሳልሳይና ግን ናይ 1500 ናቕፋ ተረፍ ነበሮ። ነዛ ማሕለኻ እዚኣ ክሰግራ እንተኾይነ ነቲ ሳልሳይና መምህር ረኺበ ነተን ዕድኡ ክሽፍን ካብ ዘምጻእኹ ኣምጺኤ ከም ዝኸፍለን ክገብር ኔሩኒ። በዚ መሰረት ነቲ ዓርከይ መምህር ረኺበ “ካብ ዕዳ ናጻ ዝብል ወረቐት ሓቲተስ ናትካ ዋሕስ ስለዝኾንኩ ከልኪሎሙኒ ኣለው ስለዚ ኣብ ኢድካ ገንዘብ እንተዘይብልካ ኣነ ክህበካ እሞ ክትከፍሎ ሽዑ ንስኻ ንዓይ ቀስ ኢልካ ትህበኒ” በምባል ኣረዲኤዮ 1፣500 ናቕፋ ኣምጺኤሉ ከፊሉ ወደኣ። ሽዑ ኣብ ሳልስቲ ከይደ ካብ ፍዮሪ ካብ ዕዳ ናጻ ዝብል ወረቐት ተቐቢለ ናይ ካልኦት ትካላት ፌርማ ወሳሲኸ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ናይ ስርዝ ወይ ስንብታ ወረቐት ወሰድኩ። ናብቲ ኣብ ኣስመራ ክምዝገቦ ዝሓሰብኩ ቦታ ከይደ ከኣ ከም ነባራይ ስርሐይ ግን መምህር ዘይኮነ ነጋዳይ ቀይረ ተመዝገብኩ። እዚ ቅድሚ ቃለ መሕተት ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኮይኑ ናብቲ ኤምባሲ ክኸይድ እንከለኹ ኣዋርሕ ጌረ ኣለኹ። ስለዚ ካብቲ ብዙሕ ሓደ፡ ፍዮሪ ነባርነት ከም ዝቐየርኩ ንሰለሙን እንተኣዕሊላቶ ዝኾነ ክጥርጥር ይኽእል’ዩ። ከም ሽፋን ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ምኽንያት ግን “ኣስመራ ናብ እንዳ ዜና ተሳሒበ ኣለኹ” ዝብል ዘረባ ነበረ። ምምሕዳር ከተማ “እንታይ ተረኽበ ደኣ ነባርነት ናብ ኣስመራ ምቕያር᎒” ክብሉኒ እንከለው
“ኣንዳ ዜና ከይሰሓቡኒ ኣይተርፉን’ዮም” ዝብል መልሲ ሂበዮም ነበርኩ። በቲ ኮይኑ በቲ ሃንደፍ ኢሎም ደኣ ክሕዙኒ ኣይደፈሩን እምበር ዘይንቡር ምንቕስቓስስ ርእዮም ኔሮም’ዮም።
ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተዋህበትኒ ሰታሪት ኣብ እንዳ ቤተሰብ ኣብ ጽኑዕ ቦታ ኣቐሚጠ ናብ ኣሜሪካ መእተዊ ቪዛ ዝተጠቃዓ ፓስፓርተይ ድማ ኣብ ጁባ ጃኬተይ ኣቐሚጠ። እታ ፈለማ ክፍትና ዝመደብኩዋ ምሕታት መውጽኢ ቪዛ ካብ ሃገር ንምጅማር ናይ ጥርዓን ወረቐት ናብቲ ምምሕዳር ኣቕሪብኩ። ኣብቲ ምምሕዳር ሓንቲ ክትዕንቅጸኒ ትኽእል ጉዳይ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ስለምንታይ ካብዚ ምምሕዳር መውጺኢ ትሓትት ኣለኻ᎒ ኣብቲ ናይ ቅድም ምምሕዳርካ ዘይሓተትካ᎒” ትብል ሕቶ’ያ ኔራ ንዓኣ ከይትመጻኒ ኣፍ ሓደ ሰብ ክዓጹ ነበረኒ። እዚ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ነዊሕ መስርሕ’ዩ ኔሩ። ንግዚኡ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣይመረጽኩዎን። ብዝኾነ ሰለስተ መሰኻኽር ኣምጺኤ ነጋዳይ ከም ዝኾንኩ ንብረት ካብ ዱባይ ከምጽእ ከም ዝደለኹ። ፍቓድ ክወሃብኒ ዝብል ጥርዓን’የ ኣቕሪበ ኔረ። ምስቲ ጥርዓን ክልተ ናይ ሓርበኛ ወረቐት ቅዳሕ ኣሰንየ ሂበዮም ስለዝነበርኩ ክልተ ግዜ ዝተጣየሰ ሰብ እንድሕሪ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዘይኮይኑ ካብ ሃገር ክወጽእ ጸገም ስለዘይነበረ እዚታት ኣማሊኤ ደብዳቤ ናብ ኢምግሬሽን ተጻሒፉለይ ሰታሪተይ ሒዘ ናብ ኢምግረሽን ኣምራሕኩ። ብድሕሪ’ዚ ፓስፓርተይ፡ መንነት ወረቐተይ፡ ክልተ መጣየሲ ካርድ ቅዳሕ ጌረ ኣብ ሓደ ፋይል ኣተሓሒዘ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣብቲ ሽዑ ኣብ ኮንተይነር ኢዩ ኔሩ ፈለማ ዝቕበለካ ሰብ፡ ናብቲ ኣብታ ኮንተይነር ዝነበረ ሰብ ከይደ ወረቐተይ ኣረከብኩ። ወዲ ነታ መሰነይታ ደብዳቤ ፈለማ ማህተም ኣብ ልዕሊ ፖስታ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ ገላቢጡ ምስ ረኣየ ቀጺሉ ነቲ ቅዳሕ ዝሃብኩዎ ምስ ኦሪጂናል ወረቓቕቲ እናወዳደረ መርመሮ። ኩሉ መርሚሩ ወዲኡ ከኣ
“ጽባሕ ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ መጺኻ ቪዛ ውሰድ” በለኒ። ይሓልም ከይህሉ ተጠራጠርኩ። ግን ጋህዲ ነበረ። ካብቲ ኢሚግሬሽን ከባቢ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣቢለ’የ ውጺኤ። ፓስፖርት ኣብ ጅባይ እያ ዘላ። ሓደ ካብ ዘይተኣማመነኒ ነገር ድማ ንሱ ነበረ። ዝኾነ እንተኾነ ፓስፓርተይ ኣብ ጅባይ ኣሎ ብምባል በቲ ሓደ እናተሓጎስኩ በቲ ካልእ ከኣ እንታይ ኮን’ዩ ክፍጠር ጽባሕ እናበልኩ። ኣብ ዘምሰኹ ኣምስየ ናብታ ጎቦ ክኾነላ እምበር ክድቅሰላ ዘይተዓደለትኒ ዓራተይ ተገምሰስኩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብውሕዱ ኣብ ለይቲ ልዕሊ 50 ግዜ ይኸውን ይግልበጥ ኔረ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ድቃስ ብዝኾነ ተኣምር ኣይወስደንን ዝነበረ። የዕልብጥ ጥራሕ። እታ ለይቲ ንባዕላ ክትብል ወጊሓ ንግሆ ተንሲኤ ሓደ ውዱእ ነገር ክሕዝ ኣውቶቡስ ከተማ ወሲደ ኣብ ከባቢ ሲቲ ፓርክ ብምውራድ ናብ እንዳ ኢምግሬሽ ኣምሪሐ ኣብ ኮረዲዩ ኣብ ዝተቐረበ ተገዳሚ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢለ ስመይ ክጽዋዕ ክሰምዕ ተጸበኹ። ካብ ተጸበቲ ሓደ ውዲ ኣነ ጥራሕ ነበርኩ። ካብ 8 ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ጸሊም ዕባያ ዘይገብራ ክልተ ወል ሰልስተ ነበራ። ካል ኦት ዝበዝሓ ጸሊም ዕባያ ጌረን ኔረን። ኣስማት ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝጽውዕ ዝነበረ ወዲ በቢሓደ እናጸውዐ ዝተሓደሰ ፓስፖርት ክወስዳ ኣብ ክፍሊ ሕሳብ ክኸፍላ ከም ዘለወን እናሓበረ የማሓድር ነበረ። ገንዘብ ክፊለን ዝወዳኣ ደቂ ኣንስትዮ እናተሓጎሳ መውጽ ኢ ቪዘአን ሒዘን ክኸዳ ረኣኹወን። ኣብ ጎነይ ዝነበራ ተጸበይቲ ከኣ እናወሓዳ እናወሓዳ ንበይነይ ተረፍኩ።
“እዋን በዚኣ ጌረ ዶ ምሉቕ ኢለ ክኸውይድ ዋላ ክሓቶ᎒ ገለዶ ደኣ መምህር ከም ዝኾንኩ ፈሊጦም ᎒ እሞ እንተፈለጡ ዘይ ኣይንህበካን ኢና እዮም ዝብሉኒ እንታይ መዓቱ’ዩ ወደይ” ፍርሕ ፍርሕ በልኩ። ሓዲኡ ክውስን ስለዘለኒ ግን ካብ ኮፍ መበልየየ ሓፍ ኢለ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚቲ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ዘሳልጥ ዝነበረ መን ስምካ ኣነ ኣይተጸዋዕኩን ትማሊ ን ሎሚ ቆጺርኩምኒ ኔርኩም ሰዓት 8 መጺኻ ቪዛ ውሰድ ተባሂለ ኔረ። ሓተትኩዎ። መን’ዩ ስምካ ሓተተኒ ስመይ ምስ ነገርኩዎ እስኪ ጽናሕ ኢሉ ሒዙኒ ናብ ቤት መዝገብ ከደ ቤት መዝገብ መኮነን ተስፋይ ትብል ፋይል ሒዞም እንተኾይኖም ተሓቲቶም የላን ኣብዚ በሉ። እቲ ወዲ ድሮ ነቶም እንዳ መዝገብ ኣረኪቡኒ ስለዝኸደ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ክፍሊ መዝገብ ገለ ሓላፍነት ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ህስስ ዝበለ ወታሃደራዊ ካምቻ ምስ ካኪ ዝለበሰ ኣዚዩ ቆማት ምቾት ኣብ ገጹ ይንበብ። ኣካይዱ ኡ ይኹን ኣዘራርብ ኡ ወዲ ገጠር’ዩ ዝመስል። እስኪ ንዓ ብምባል ቀቅድመይ መሪሑኒ ናብ ድሕሪት ወገን ናይ’ቲ ህንጻ ሒዙኒ ወጸ ኩነታት እቲ ወዲ ተፈራረቐኒ ግዱስ ኮይኑ ድዩ ወይስ ሓዞ ናባና ኣምጻ ኣዮ ተባሂሉ’ዩ መሪሑኒ ዝኸይድ ዘሎ ጋን ኮንኩ። ኣብቲ እዋን ህደም ህደም ዝብል ሓሳብ መጸኒ። ብዝኾነ ናይ ህድማ ውሳነይ ከይወዳእኩ ናብቲ ኣብ ድሕሪት ናይ’ቲ ህንጻ ዝነበረት ናይ ኮንተይነር ቤት ጽሕፈት ወሰደኒ። እታ ኮንተይነር ድኳን እምበር ቤት ጽሕፈት ኣይትመስልን’ያ።
“ኣታ ኩስቶ መኮነን ተስፋይ ትብል ፋይል ሒዝኩም ኣለኹም ዲኹም ኣብዚ᎒” ብምባል እቲ መሪሑኒ ዝኸደ ነቲ ኣብታ ኮይንተይነር ዝነበረ ኣባል ኢሚግረሽን ሓተቶ።
“እስከ ጽናሕ” ኢሉ ኣብ የማን ጸጋም ዝነበረ ፋይላት ፈታቲሹ መኮነን ተስፋይ ዝብል ከም ዝይረከበ ሓበሮ። እቲ ዘምጻኣኒ ወዲ ኣብ ቤት መዝገብ ካብ ዘይተረኽበት ኣብዚ’ያ ክትህሉ ትኽእል ፈትሻ ደኣ ስለዝበሎ ላዕን ታሕትን ኢሉ ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ወረቓቕቲ ተኾሚሩሉ ዝነበረ ቦታ ነታ ፋይለይ ረኸባ፦
“ኦኬ ረኺበያ፡ መኮነን ተስፋይ ብምንታይ ዲኻ ተጣይስካ᎒ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዲኻ᎒” ሓተተኒ
“ኣነ ብጸገም ስድራቤት እየ ተጣይሰ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣይኮንኩን” ይሕሱ‘የ ኔረ ከምዚታት ዓይነት ሓሶት ግን ጽቡቕ ሓሶት’ዩ። እታ ኣብ ድሕሪ ኩናት ኢትዮኤርትራ ዝተዋህበትና ናይ መጣየሲ ካርድ። መንግስቲ ኤርትራ ክንድዚ ዝኸውን ሰራዊት ኣጣይሰ ኢሉ ንውዱብ ሕቡራትን ካልኦት ዓለማዊ ግብረሰናይ ትካላትን ከእምንን ብኡ መጠን ከኣ ገንዝብ ክወስድ ስለዝደለየ ናይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ካልእ ዝኾነ መጣየሲ ካርድ ዝሓዘ ሰብ ብዓይንኻ ርኢኻ ኣይፍለጥን’ዩ ኔሩ። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ቢጫ ምዕሩግ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ መጣየሲ ካርድ’ዩ ሒዙ ኔሩ። ነዚኣ ጉዳይ ከጻሪ ንባዕላ ካልእ ስራሕ’ያ ኔራ። ማለት ኢሚግረሽን እንተ ደኣ በታ መጣየሲ ካርድ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምዃነይ ክፈልጡሉ ዝኽእልሉ መንገዲ ሃልዩ ምድካመይ ፋይዳ ኣይነበሮን። ናብቲ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ንናይ ኮምፑዩተር ጽገና ዝመላለሱ ሰባት ሓቲተ ከም ዘረጋገጽኩዎ ኮምሽን ምጥያስ ጥራሕ’ዩ ነቲ ካርድ ኣብ ኮምዩተር ስላይድ ጌሩ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዲኻ ኣይኮንካን ሓበሬታ ክረክብ ዝኽእል።
ብዝኾነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ከም ዘይኮንኩ ሓበርኩዎ
“ብምንታይ ተጣይሰ ኢልካኒ᎒” ደጊሙ ሓተተኒ
“ብጸገም ስድራቤት” መለስኩሉ ዕትብ ኢለ
“እሞ ብጸገም ስድራቤት እንተተጣይስካ ካብ በለዛ ዝተወሃበትካ ስብሓት ኤፍሬም ዝፈረመላ ጻዕዳ ወረቐት ኣቤላ᎒” ሓተተኒ
“ኣብ ገዛ ኣላ” መለስኩ
“ኦኬ እሞ ንሳ ኣምጻኣያ ብዘይ ብኣኣ ግን ቪዛ ኣይንህበካን ኢና”
“ጸገም የለን ካብ ገዛ ከምጻኣ እየ” ኣረጋገጽኩሉ ። ብድሕሪዚ ፋይለይ ሂቡ ኣፋነወኒ። ሒዙኒ ዝመጸ ወዲ እታ ፋይል ምስ ተረኽበት ናብ ስርሑ’ዩ ተመሊሱ።
ሰማይ ደይቡ ዝነበረ ተስፋይ ብሓንሳብ መሬት ዘበጠ። ዝረግጾ ዝነበርኩ ጽርግያ ድዩ ሓመድ ክሳብ ዘይዝክር ኮንኩ። ናበይ ገጸይ ይኸይድ ኣለኹ’ውን ምርዳእ ኣበየኒ። ንዝተወሰን ደቓይቕ ክረጋግእ ኣለኒ ብምባል ኣብ ሓደ ጸግዒ ደው ኢለ የማነ ጸጋም ጠመትኩ። ምናልባት’ውን ዝስዕቡኒ ሰባት ከይህልው ከረጋግጽ ደለኹ። ዝኾነ ናባይ ዝመጸ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ተመሊሰ ናብቲ ዝተበገስኩሉ ገዛ ክኸይድ እሞ ወረቓቕተይን ፓስፓርተይ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐሚጠ ናብ ከተማ ክምለስ ብምባል ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ወሲደ ናብቲ ዝተበገስኩሉ ገዛውቲ ከድኩ። ኣነን ኣውቲስታን ምናልባት ሓደ ክልተ ሰብ ጽዒና ገረውረው እናበለት ትኸድይ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኮፍ መበሊታት መሊኡ ተረፉዋ እናሃለወ ካብ ምሒር ጭንቀት ዝተበገሰ ኣብ ማዕከል እታ ኣውቶቡስ ሓጺን ሒዘ’የ ደው ኢለ ኩሉ ፌርማታታት ዝሓለፍኩዎ። ምናልባት ሓንቲ ፌርማታ ምስ ተረፈትኒ’ዩ ዝኸውን ጥርሑ ኮፍ መበሊ እናሃለወ ሰለምንታይ ደው ኢለ መጽየ ዝብል ሓሳብ ዝመጸኒ። ኣውቲስታ ብኹነታተይ ተገሪሙ ይኸውን። ወይ’ውን ደው ምባል ደስ ዝበለኒ መሲሊዎ ይኸውን። እዝጊ ዋንኡ። ብዝኾነ ኣውቶቡስ ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ኣብጺሓትኒ ናብ ገዛ ኣትየ ንብረተይ ኣማሓዲረ ጭንቀተይ ከፋኹስ እቲ ኣዋርሕ ዝጸዓርኩሉ መስርሕ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምውጻእ መደብ ገዚፍ ማዕጾ ኣብ እዝነይ ገም ኢሉ ከም ዝተዓጽወኒ ጌረ’የ ወሲደዮ። ብሕጂ ብጸገም ስድራቤት እየ ተጣየሲ ዝብል ወረቐት ካብ ዘየሎ ከምጽእ ስለዝይክእል። ጉዳይ መውጽኢ ቪዛ ከም ዘኽተመ ተረዳእኩ።
ሽዑ መዓልቲ ጭንቀተይ ጥራሕ’የ ክርስዕ ዘለኒ። ገለ ሰባት ጭንቀቶም መስተ ብምስታይ ከፋኹሱ ዝደልዩ ኣለው፡ ገለ ሰባት ሽጋራ ብምስታይ ገለ ሰባት ተጨቢጥካ ብምድቃስን ካልእ ዝተፈላለየ መንገዲ ይጥቀሙ። ኣነ ክጭነቕ ከለኹ ጽምው ኣብ ዝበለ ቦታ ኮፍ ኢልካ ቡን ብምስታይ ሕርቃነይ ክርስዕ’የ ዝፍትን። ነዛ ናይ ሎሚ ጓሂ መጸናንዒት ትኾነኒ ቦታ ርግእ ኢለ ዘዕልለላ ብዙሕ ረባሺ ሕቶታት ዘይሕተተላ ገዛ እንዳ ዓርከይ ስለዝነበረት ሽሕ’ኳዓርከይ ኣብ ስራሕ ይሃሉ በዓልቲ ቤቱ ሓዳስ ሓራስ ስለዝነበረት ካብ ገዛ ከም ዘይትወጽእ እፈልጥ ኔረ’የ። ስለዚ ናብኣ ክኸይድ ኣለኒ ብምባል ካልእ ኣውቶቡስ ወሲደ ናብ እንዳ ዓርከይ ተመርቀፍኩ። እንዳ ዓርከይ ከይደ ኣብታ ንጋሻ መደቂስ ዝጥቀሙላ ንእሽጦ ዓራት ሓውሲ ጎቦ ኮይነ እታ ንምጽሓፍን ንዲቪዲ መርኣይን ዝጥቀምላ ንእሽቶ ላፕቶፕ ኣብ ጣውላ ጌረ ናይ በዓል ሃይልየ፡ ማህሌት ገብረገርግሽን ካልኦት ድምጻውያን ሒዛ ዝነበረት ቪሲዲ ወሊዐ ንሰይቲ ዓርከይ ጋበዝኩዋ። በዓልቲ ቤት ዓርከይ ተቓባሊት ጋሻ’ያ፡ ፈታዊት ሰብ ከኣ። ስለዚ ከም ቀደማ ቡን ሻሕ ሻሕ ኣቢላ ናብ ምፍላሕ ኣተወት። ቡን ኣብ መንጎ እቲ ክልተ ዓራት ኣብ ዝርከብ ከፋት ቦታ ትፈልሕ ስለዝነበረት ሕርቃነይ ክሓብእ ገጸይ ጽቡቕ ጌራ መእንቲ ከይትርእየኒ ሓውሲ ሕቆይ ሂበ’የ ጎቦ ኮይነ’የ ነትቲ ደርፍታት ዝርእዮ ዝነበረኩ። ሓቂ ይሓሽ እንተስ ተረዲኣትኒ እንተስ እቲ ደርፊ ስሒቡዋ። ንዝኾነ ዕላል ኣይዓደምትንን። ኣወል ፈሊሓ ጥዑም ብምባል ሰተየ ፍንጃል ኣብ ቢያቲ ኣነብርኩዋ። ካልእይቲ ፈሊሓ ሞኬ ሓዝ ኢላ ጋብዚትኒ ተቐቢለ ሰተኹዋ። ሳልሰይቲ’ውን ከምኡ። ሽዑ ንማለቱ ደኣ ቡን ይሰቲ ነበርኩ እምበር ሓሳበይስ ኣብ ካልእ’ዩ ኔሩ። ዓይነይ ናብ ስክሪን ናይታ ላፕቶፕ ይጠም እምበር ሓሳባይስ በየን ጌርካ’ዩ ካብዛ ሃገር ሸተት ዝበሃሎ ብምባል ኣብ ውረድ ደይብ ነበርኩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለኹ ሞባይለይ ደወለት። እታ ቁጽሪ ዝፈልጣ ቁጽሪ ኣይኮነትን ሱቕዶ ክብል ከልዕላዶ ነግ ፈረግ በልኩ። ሓዲኡ ክፈልጥ ስለዝደለኹ ግን ኣልዓልኩዋ
“መኮነን ተስፋይ ዲኻ᎒” ሓተተኒ ደዋላይ እቲ ድምጺ ናይ ዝፈልጦ ሰብ ኣይኮነን
“እወ ኣነ፡ መን ክብል᎒” ውሽጠይ ማይ ኮነ ብፍርሒ፡ ከምዚ እንዳ ኢሚግረሽን ኣበይ ከም ዘለኹ ፈሊጦም ዝደወሉ ጥራሕ ኮይኑ ተሰመዓኒ።
“መልእኽቲ ስለዘላካ ኣብ ፒያሳ ሚኪኤለ ድኳን ቁጽሪ ክንዲዚ ምጻእ” ብምባል ቁጽሪ ድኳን ሓቢሩ ሞባይል ዓጸዋ።
ቡን ተሰትያ’ያ፡ ኣብ ፒያሳ ሚኪኤለ ዝጽበየኒ መልእኽቲ ክፈልጥ ንበዓልቲ ቤት ዓርከይ ተሰናቢተያ ናብ ፒያሳ ሚኪኤል ከምርሕ ቁጽሪ 4 ኣውቶቡስ ትሰቐልኩ።
ይቕጽል . . . . .
5ይ ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 27 ጥሪ
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒” 5ይ ክፋል
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?