Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 3, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒”

“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዪ ቁንቁኛኣ᎒”

0
By Mekonnen T. on January 21, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ዛንታ ቢንያም፡ ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ
ኣብዚ ዓምዲ ዝወጹ ጽሑፋት ብምሉኦም ሓቀኛ ዛንታት’ዮም
3ይ ክፋል
ካብ ኤምባሳኢ ኣሜሪካ ምስ ወጻእና ኣብ እንዳ ቤተሰብ ዝገደፍናዮ ሓደ ሓደ ነገራት ኣልዒልና ሽዑ መዓልቲ ማለት ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሰገነይቲ ክንምለስ ወሰንና። ኣቐዲማ በዓልቲ ቤተይ ናብ ሰገነይቲ ምምላስ ከም ዝሕሸኒ ኣብ ኣውቶቡስ እንከለና ወዲእናዮ ስለዝነበርና። ማለት ሰሉስ ክፍሎምን ሰለሙንን ኣብ እንዳ ኣውቶቡስ ስለዝረኣዩኒ ሓሙስ ናብ ትምህርቲ እንተዘይከደ ገለ ጥርጠራ ከሕድሩ ስለዝኽእሉ ረቡዕ ምሸት ሰገነይቲ ኣትየ ሓዲረ ሓሙስ ኣብ ፒያሳ ከይረተራኣኹ ውዒለ ዓርቢ ንግሆ ናብ ኣስመራ ተመሊሰ ቪዛይ ክወስድ ከም ዘለኒ ተረዳዳእና። በዚ መሰረት ካብቲ እንዳ ቤተሰብ ዝለዓል ንብረት ኣልዒልና ኣውቶቡስ ተሳፊርና ብኡ ንብኡ ናብ ሰገነይቲ ኣምራሕና። ብሎኮ ኣስመራ ሓሊፍና፡ ብሎኮ ደቀምሓረ ሰንጢቕና ማዕረባ ምስ ሓለፍና። ንበዓልቲ ቤተይ ኣነ ኣብዚ ወሪደ ብታሕቲ ታሕቲ ገዛ ክኣቱ እየ ንስኹ ቆልዑ ሒዝኪ ኣብ ፒያስ ውረዲ ኢለያ ኣነ ኣብ መንገዲ ወሪደ ብሩባ ሩባ ናብ ቢባዮ ኣንቃዕሪረ እንዳ ኤልትሪክ ንጸጋመይ ገዲፈ ናብ ገዛ ኣተኹ። በዓልቲ ቤተይ ድሮ ቆልዑ ሒዛ ገዛ ኣትያ ጸንሓትኒ። ንግሆ ምስ ኮነ ከም በዓል ዳሓን ክዳነይ ቀይረ ናብ ስርሐይ ቤት ትምህርቲ ፎርቶ ከድኩ። ቅንኡ ቅነ ፈተና ስለዝነበረ ተማሃሮ ፈተንኦም ወዲኦም ናብ ዕረፍቲ ዝኸድሉ እዋን’ዩ ኔሩ። እቲ ግዜ ስለዘጸበቐለይ ፈተናታት እርም ሓዲረ ናብ መምህራን ዝወሃብ ነጥቢታት ተማሃሮ መሊአ፡ ካብ መምህራን ክቕበሎ ዝነበረኒ ነጥቢ ተማሃሮ’ውን ተቐቢለ ምልእ ውዒለ ብመጠኑ ኣብቲ 1ይ ሰሚስተር ክማላእ ዝነበሮ ነገራት ኩሉ ኣማሊአ። ርእሰ መምህር ማለት መምህር ኪዳነ ዮሴፍ ይኹን ካልእ ፈቲሹ ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ኣብ ናይ ብሕተይ ከብሒ ኣቐሚጠ መፍትሕ ከይዓጸኹ። ውልቃዊ ንብረተይ ዝብሎ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣማስዩ ከባቢ ሰዓት 6:00 ንመሳርሕተይ ብኣፈይ ብሩኽ ምሸት ብልበይ ከኣ ንሓዋሩ ደሓን ኩኑ ብምባል ነታ ሹዱሽተ ዓመት ምሉእ ዝመሃርኩላ ቤት ትምህርቲ ፎርቶ እንግድዓይ ሂበ ሕማቕ እናተሰማዓኒ ናብ ገዛይ ሃተፍኩ። ገዛ ኣትየ እንድዒ ደኣ ዝፍጠር እምበር ብልበይስ ናይ መወዳእታ ድራር ኣብታ ገዛ፡ ናይ መወደእታ ቡን ምስታይ ኣብታ ገዛ ኮታ ኩሉ ኣብታ ናይ ገዛ ክራየይ ዝካየድ ንጥፈታት ናይ መወዳእታ ምዃኑ ተረደኣኒ፡ እናተደፋነቕኩ ኣስተማቐርኩዎ። ኣማስዩኡ ኣብ ዓራት ግምስስ በልኩ። ንማለቱ እምበር ይትረፍ ክንዲዚ ዓቢ ጉዳይ ሒዘ ንእሽቶ ጉዳይ ኣሊዩኒ’ውን ብዙሕ ዝድቅስ ኣይነበርኩን። ዓርቢ ወጋሕታ ዓባይ መዓልቲ’ያ ኔራ ንዓይ። ኣስመራ ከይደ ቪዛ ዝቕበለላ፡ ነታ ኣመና ዘፍቅራናን ብዙሕ ዓበይቲ ነገራት ዝመሃረትኒ ምጭውቲ ከተማን ሕቖይ ዝሃባ ዕለት’ያ ኔራ። ተፈራራቒ ስምዒት ዓሲሉኒ እንከሎ ነታ ኣብ ኢደይ ሒዘያ ዝነበርኩ ንእሽቶ ቦርሳ ኣብ ትሕቲ እግረይ ጌረ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ናይ ንግሆ ይኸውን ንስገነይቲ ሕቖይ ሂበ ክልተ ፎርቶታት ኣማዕድየ እናጠመትኩ ኣስመራ ኣተኹ። ኣስመራ ኣትየ። ብቐጥታ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ እየ ከምርሕ። እንተሰሊጡኒ ሒዘዮ ኣሜሪካ ዝኣቱ እንትዘይሰሊጡኒ ከኣ ክሳዕ ሂወተይ’ውን ከኽፍለኒ ዝኽእል ደብዳቤን መእተዊ ቪዛ ዝተጠቅዖ ፓስፖርትን ካብቲ ኤምባሲ ንምውሳድ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣትየ ከም ወትሩ ሪጋይ ሒዘ ስመይ ክሳዕ ዝጽዋዕ ተጸብየ ስመይ ምስ ተጸውዐ ናብታ ዝሓለፈ ቃለ መሕትት ዘካየድኩላ መስኮት ቀሪበ ደብዳቤን ፓስፕርተይን ካብ ኢድ እታ ኣሜሪካዊት ቆንስል ተቐበልኩ። እታ ቆንስል ነታ ቢጫ ምሉእ ዶክመንትታተይን ካልእን ዝሓዘት ዓባይ ወረቐት እናቐበለትኒ እንከላ፦
“ነዛ ደብዳቤ እዚኣ ብዝኾነ መንገዲ ከይትኸፍታ ኣዚኣ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኣተኻ ኣብቲ ትኣትወሉ ኤርፖርት ንዝምልከቶ ኣካል ትወሃብ ሰታሪት’ያ ስለዚ ብጥንቃቐ ሓዛ” በለትኒ። መጠንቀቕታኣ ካልእ ጾር’ዩ ኔሩ ንዓይ። ፓስፖርትስ ኣብ ገለ ሓቢእካ ተውጻኣ ነዚ ደብዳቤ ሒዝካ ደኣ በየናይ’ዩ ስግረ ዶብ ዝፍተን። ብመልሲ ዘይብሉ ሕቶ ንግዚኡ ንርእሰይ ኣጨንቕክዎ። ብዝኾነ ጽቡቖ ዕልድ ኢላ ምስ ኣፋንወትኒ። ኣንፈተይ ናበይ ገጽ ከም ዝኾነ ከይፈልጥኩ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጠንጢነዮ ናብ ባር ቶሪኖ ገጽ ቁልቁል ተመርቀፍኩ። ኣብ ኢደይ ረዚን ሰታሪት ኣብ ጅባ ናይ ጃኬተይ ከኣ እታ ብኽንደይ ቃልሲ ዝተረኽበት መእተዊ ኣሜርካ ዘላዋ ፓስፓርት ሒዘ ንግዚኡ ዋላ ይኹን ሻቕሎተይ ክፍውስ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ሻሂ ንምስታይ ናብ ኤርትሮ ጀርመን ኣበልኩ። ኣብ ኤርትሮ ጀርመን ኣጋጣሚ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ረኺበ ብሓንሳብ ሻሂ ሰተና። እቲ ሰብ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ይደሊ’ዩ ተባሂሉ ካብ ዝዕለሉ ጥራሕ ብውሑዱ ሰለስተ ዓመት ዝገብርረ ኮይኑ ንኽውስን ኣብ ነግ ፈረግ ዘዕረቦ መንእስይ’ዩ ኔሩ። ዕድሉ ጸቢቑ ኣብ መወዳእታ ጨኪኑ ወጽዩ ሕጂ ኣብ ስዊዝ ዝነበር ዘሎ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዑን’ዩ። እቲ ዕድል ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ ኔሩ። ብውሕዱ ብዕላል ኣምሲለ ሓሳባቱ ክምዝምዞ ክኽእል’የ። ሻሂ እናሰተና ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ብዕላል ዕላል ሓሳባቱ መዝሚዘዮ እንተኾነ ንጉዕዞም ሓጋዚ’ዪ ዝበልኩዎ ነገር ብዙሕ ከይረኸብኩ ንዝኾነ ንገር ግን እንተጨኒቑኒ ንኺድ ምሳይ ንዓይናይ ክብሎ ዝኽእል ሰብ ከም ዘሎ ብልበይ ትሑዝ ወሲደ ቁጽሪ ስልኩ ተቐቢለ ተፋነኹዎ።
እዚ ዛንታ’ዚ ኣንባቢ ክርድኦ ዘለዎ ኣነ ስለዝሓናጥጥን ብመጠኑ ድማ እቲ ዘጋጠመኒ ብጽሑፍ ክገልጾ ዓቕሚ ስለዘለኒን ደኣ የዘንትዎ ኣለኹ እምበር ከምዚ ናይተይ ዛንታ ልክዕ ከም ብዝሒ መንእሰይ ኤርትራ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ብፍላይ እቲ ናብ ስደት ዘምርሐ ርእሱ ዝኸኣለ ዛንታ’ዩ ዘለዎ። ክንደይ ካብቲ ኣሽሓት ዛንታት እዩ ክጸሓፍ ግን ብቐሊሉ ዝምለስ ሕቶ ኣይኮነን። ስለዚ ኣንባቢ እዚ ጽሑፍ ኣነ እዚ ጌረ እዚ ፈጢረ ክብል ይጽሕፎ ከም ዘየለኹ። ዝኾነ ኤርትራ ስደተኛ ናብዛ ዘለዋ ቦታ ንኽበጽሕ ዝሓለፎ ገድሊ ክሳብ ክንደይ ውረድ ደይብ ከም ዝኾነ ንምግላጽ ዘዘንትዎ ዘለኹ ከም ዝኾነ ኣንባቢ ክርዳኣለይ ኣምሕጸን።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ነታ ብዓባያ ኤርትራ ደኣለይ ዘይተሰናበትኩዋ እምበር ነታ ካብ 2001-ክሳዕ 2007 ዝመሃርኩላ ከተማስ ሕቖይ ሂበያ ጨኪነ ሓዲጋ’የ ወጽየ ዘለኹ። ንኽንደይ መዓልታት ወይ ሰሙናት’ዩ ክኸውን ዝፍለጥ የለን እምበር ናብራ ናይ ውሽጢ ሃገር ስደተኛ ኣብ ውሽጢ ሕምብርቲ ኣስመራ ፈሊመዮ’የ። ኩቡራት ኣንበብቲ እቲ ዛንታ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ሓንሳብ ሓንሳብ ናብ ድሕሪት እናተመለስኩ ከዘንትወልኩም’የ ። ንዝያዳ ምክትታል’ውን ንኡስ ኣርእስቲ እናሃብኩ ክገልጾ ክፍትን’የ
ምሕዳስ ፓስፓርት
ዲቪ ምስ በጽሓኒ ቀዳማይቲ ክገብራ ዝተበኩስኩላ ጉዳይ እንተኔራ ምሓዳስ ፓስፖርት እያ ኔራ። ንነገለ ሕማቕ እዋን ትጠቅም’ያ ኢለ ኣብ 1999 ዘውጽእኩዋ ፓስፕርት ካብ ትወድቕ ዓመታት ኣሕሊፋ ነበረት። ግደ ሓቂ ከመይ ጌራ ዘይጠፍአት’ውን ይገርመኒ’ዩ። ንልዕሊ 7 ዓመት ኣብታ ሰማያዊ ቦያ ዝለኸኹዋ ወታህደራዊት ሳንዱቕ ምስ መጻሕፍተይ ተሸኩዓ ከርተት’ያ ትብል ኔራ። ፖስፖርት ከሐድስ ምስ ሓሰብኩ ፈለማ ናብ ምምሕዳር ከባቢየይ ከይደ ካብ ኣማሓዳሪት እቲ ምምሕዳር ከባቢ ታጋዳሊት ጣዕሙ ኣብዚ ግን ጣዕሙ እንድሕሪ ምኽትል ኣማሓዳሪት ኮይና ኣማሕዳሪ እስቲፋኖስ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ብዝኾነ ኣማሓዳሪ ከተማ ደኣ ብህዝቢ ኣይምረጽን ነበረ እምበር ኣማሓደርቲ ከባቢስ ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም ኔሮም። በዚ ከኣ ጣዕሙን እስቲፋኖስን ናይቲ ዝነብረሉ ምምሕዳር ከባቢ ማይ ሰገን ኣማሓደርቲ’ዮም ኔሮም። ሓደ እዋን ንስሓ ናይ ብርዒ ስመይ ብዝብል ዓንቀጽ ኣብ ዝጸሕፍኩሉ እዋን እታ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጥርዓን ኣይንቕበልን ትብል ሕጊ ምምሕዳር ሰገነይቲ ኣብዚ መስርሕ ምሕዳስ ናይ ፓስፖርት’የ ዝረኽባ ዘለኹ። ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ከድኩ ጣዕሙ ነቲ ብኢደይ ጽሒፈዮ ዝነበርኩ ጥርዓን ርእያ “ዋይ ኣበይ ኣለኻ መምህር ብኢድ ዝተጻሕፈ ጥርዓን ምቕባል ካብ ንገድፎ ክንደይ እንዲና ጌርና” በለትኒ። እቲ ምኽንያት ቅቡል እኳ እንተዘይኮነ ካብ ኣማሓዳሪ ከተማ ዝተዋህቦም መምርሒ ከም ዝኾነ ምስ ተረዳዳእና ሕጂ እሞ ጉዳይ ምሕዳስ ፓስፓርተይ ክግበር ናይ ብናይ ብርዒ ስም ጌር ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክንቕፎም’የ ብምባል ናብ ገዛ ተመሊሰ። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ገዛይ ንጽሕፈት ጥራሕ ዝጥቀመላ ንእሽቶ ዴል ዝዓይነታ ላፕቶፕ ስለዝነበረትኒ ጽሒፈ ኣብ ፍላሽ ድራይቭ ኣስጊረ ኣብቲ ብዓማዊል ጸምዩ ዘይፈልጥ ጸሓፊ ህዝባዊ ጉዳያት ከይደ ንመሕተሚ ጥራሕ ንኽልተ ቅዳሕ ከኽፍሉኒ ምጽሓፍ ግን ባዕለይ ኣብ ገዛ ጽሒፈዮ መጽየ ስለዘለኹ ናይ መጽሓፊ ከጉዱሉለይ ሓቲተ እቶም ኣቦ ንብሶም ይምሓር ዓርከይ ስለዝነበሩ ተሰማሚዖምኒ ወረቐተይ ሒዘ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ጣዕሙ ተመለስኩ። ጣዕሙ ብዛዕባ ምሕዳስን ካእልን ስልጣና ኣይነበረ ንሳ ናይ ጽሬት ዓመታዊ ዝኽፈል ከፊልካዶ ኣብ ኣኼባ እንተዘይተረኺባ ዝነበረካ መቕጻዕቲ ከፊልእካ ወዲእካዶ ዝዓይነቱ መባእታ ምቁጽጻር ጌራ’ያ ናብ ምምሕዳር ከተማ ተሕልፈካ። በዚ መሰረት ይተሓደሰሉ ብምባል ወረቐት ጽሒፋትለይ ነታ ወረቐት ሒዘ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ንተሓዚት መዝገብ ምስ ኣርኣኹዋ ናብ ወልዱ ክፍለ መርሓትኒ። ወልዱ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጾሮና ኔሩ ናብ ሰገነይቲ ዝተቐየረ ተጋዳላይ’ዩ። ብዙሕ ሰብ ዘየምርሮ ህድእ ኢሉ ዝረዳድእ ግቡእ ክብሪ ዘውህብ ልቦና ዝተዓደለ ሰብ’ዩ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትየ ነታ ሒዘያ ዝመጻኹ ደብዳቤ ሂበ ኮፍ በልኩ። ወልዱ ነታ ወረቐት ኣንቢቡ ምስ ወደአ
ህድእ ኢሉ “መምህር ኣነ ፓስፓርት ክሕደሰልካ ኣይጽሕፍልካን’የ። ሰራሕተኛ መንግስቲ ስለዝኾንካ እሞ ድማ መምህር ስለዝኾንካ ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ዩ ዝፍርመልካ በለኒ።” ግደ ሓቂ ብዙሕ ኣይሓረቕኩን ወይ ኣይሰንበድኩን። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ፓስፖርት ዝተሓደሰ ይኹን ኣይኹን ፓስፓርት እዩ ዝብል እምነት’ዩ ኔሩኒ። ከሕድሶ ዝወስንኩ’ውን ገለ ናይ ምውጽእ ዕድል መንገዲ ንምፍታሽ’ዩ ኔሩ። ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምኻደይ እሞ ድማ እታ ቆንስል ዘይተሓደሰ ፓስፖርት ብምዝኾነ መንገዲ ኣይንቕበልን ኢና። ፓስፕርት ከተሐድስ ዘይትኽእል እንተኾይናካ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታትና ቃለ መሕትት ክትግበር ትኽእል ኢኻ ኣብዚ ግን ዝተሓደሰ ፓስፓርት ከተምጽእ ክትግደድ ኢኻ ክሳብ ዝትብለኒ ኣገዳስነት ምሕዳስ ፓስፖርት ኣይስተሰወጠንን ዝነበረ። ብዝኾነ “ጸገም የብሉን ወልዱ የቐንየለይ” ኢለ ቤት ጽሕፈቱ ገዲፈ ምስ ወጻእኩ ቁልቁል ናብ ከተማ ክኸይድ ብግስ ክብል ሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይ ናብቲ ምምሕዳር ገለ ነገር ከሳልጥ እናመጸ ጎፍ በለኒ። ወዲ ሰገነይቲ’ዩ። ሕድ ሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ኣለና፡ ኣመና ቅኑዕ፡ እንተ ኣምጺኡ ከኣ ሓራቕን ወስ ክብል ድማ ዘይድንጉን ሰብ።
“መምህር እንታይ ደኣ ብደሓን ዲኻ” ክብል ሓተትኒ። እንዳ ምምሕዳር ዳርጋ ቤት ፍርዲ’ዩ ካብ ምምሕዳር ክወርድ ዝረኣኻዮ ቀረቢኻ ደሓኑ ምሕታት ከኣ ኣገዳሲ ነበረ ኣብቲ እዋን።
“ ኣንታ ደሓን’የ ሓንቲ ዕለታ ዝወደቐ ፓስፖርት ኔራ ከሐድሳ ኢለስ እዚኦም ከኣ ንሀለውኻ ምሕዳስ ኣብዮሙኒ።” በልክዎ
“ከላ ንዓይ ዘይትነግረኒ ዝነበርካ !” ሓውሲ ሕርቕ ኢሉ
ኣንታ ኩስቶ ንዓ ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓልፈፎን እንታይ ክትሕግዘኒ ትኽእል”᎒” ብምባል ብኢዱ ሒዘ ናብቲ ምምሕዳር ዘኺዶ ዝነበረ ጉዳይ ከም ዘወንዝፎ ጌረ ናብ ፒያሲ ሒዘዮ ወረድኩ። ሻሂ ሰቲና ቁርብ ድሕሪ ምዕላል
“እዛ ፓስፓርትኻ ንኣገዳሲ ጉዳይ ትደልያ እንተሊኻ ደሓን ዘሐድሰልና ሰብ ክንረክብ ኢና” በለኒ። ኣነውን ዲቪ በጺሑኒ ናብ ኣሜሪካ ክኸድይ ይሓስብ ኣለኹ ደኣ ኣይበልኩዎን እምበር ኣገዳሲ ከም ዝኾነስ ዘጥራጥር ከም ዘይብሉ ሓበርኩዎ። ብመሰረት ቃሉ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ብሓንሳብ ጌሽና፡ ናብ ካልእ ከተማ ብምኻድ ነቲ ሰብ ፓስፓርት ከሐድስ ከም ዝኾንኩን፡ ምምሕዳር ከተማ ድጋፍ ከም ዝኸልኡንን እንተኾነ ክልተ ሓርበኛ ማለት ክልተ መጣየሲ ካርድ ከም ዘለኒ ኣብቲ እዋን ተጣየሰ ከም ዘለኹ ሓቢሩ ነታ ድጋፍ ካብ ምምሓዳር ከተማ ትብል ሸለል ኢሉ ናብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓላፊ ከሕልፋ ሓተቶ። በዚ መሰረት ድማ ነቲ ፋይል ኣራጉዱ ማለት ቅዳሕ ፓስፓርት፡ ቅዳሕ ናይ ቴስዓ ሓርበኛ፡ ቅዳሕ ናይ ድሕሪ ወራራት መጣየሲ ካርድ፡ ቅዳሕ መንነት ወረቐት ጌሩ ኣራጉዱ ነታ ኦሪጂናል ናይ ቴስዓ ናይ ሓርበኛ ወረቐት ተጋዳላይ ዝነበረ እዩ ኣስልጠሉ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ዘለዋ ትምስል ብላዕሊ ጌሩ ነታ ፋይል ናብቲ ልዕሊኡ ዝርከብ ሓላፊ ሒዘያ ከም ዝኸይድ ገበረ። እቲ ሓላፊ ነታ ፋይል ገንጺሉ ሓደ ክልተ ገጽ ርእይ ርእይ ኣቢሉ ናይ ምምሕዳር ከተማ ድጋፍ ወረቐት ምህላዋን ዘይምህላዋን ከይረጋገጸ 250 ናቕፋ ከፊልካ ምጻእ ብምባል ናብ ቤት መዝገብ ሰደደኒ። ኣብ ቤት መዝገብ 250 ከፊለ ምስ መጻኹ ነታ ቅብሊት ርእዩ ነታ ፓስፓርተይ ገንጺሉ ማህተም ድሕሪ ምህራም፡ ፈሪሙ ክሳብ 2012 ከም ዝተሓደሰ ገሊጹ ኣፋነወኒ። ምሕዳስ ፓስፖርት ብዋዛ ዋዛ ሰሊጡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጕመ ንኻልእ መስርሕ ምጻፋፍ ወረቐት ድሉው ኮንኩ።
ይቕጽል
4ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደሃይ ቻርሊታት ኤርትራና ኸ፧
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?