Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, May 13, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናተይ

ናተይ

0
By Mekonnen T. on February 11, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ናተይ ኢኺ ናተይ ትልሚ
ናተይ ጣኦት ናተይ ፍልሚ
ናተይ ሰብ ናተይ ዓሚ
ናተይ ፍቕሪ ናተይ ሎሚ!!
ኣንቲ ናተይ መዓር
ናተይ ጠስሚ
ይመስለኪዶ ኣነ ብዘይ ብኣኺ ከራሚ?
ይመስለኪዶ ብዘይብኣኺ ዝቕኒ?

ኣንቲ ናተይ ጋህዲ ናተይ ሕልሚ
ኣንቲ ሱረይ ናይ ደመይ ማይ
ናይ ሕልናይ ፈውሲ ሳርማ ልበይ፡
ኣንቲ ዝሕንብሳ ናተይ ባሕሪ
ናተይ ምጽምጸ ናተይ ፍቅሪ
ኣንቲ ናተይ ናተይ
ኩሉምላ ናተይ!!
መዓንጣይ ምናተይ!!!

ክወስደኪ ደሞ ኮይነ ከም ሰራቂ
ዘኪረኪ ኮይነ ምስ ኣረቂ!!
ኣረቂ ድማ እዚ ዘይሰርናቂ
መላስ ሃዋሃዋ ጽማቅ ሓቂ
ገጣሚዶ ይዛረብ ዘይሓቂ
ንዓኺ እንተጸሊመ በዛ ጸላም ለይቲ
ሸለው የብለኒ በዚ ጸድፊ
ሴፍ ይቑረጸኒ ሴፍ በዓል ክንፊ
ፈረስ ሰሪሩ ዘይነሓፊ
ናይዞም ዳዕሽወ ናይዞም ከይሲ!!

ንዓኺ እንተበዲለ ይውሰደኒ ውሕጅ
ካባኺ ካብ ዝፍለስ ብእዋኑ ይካረጅ!!
እንታይ ዝዓብስ ዓለም እንታይ ዝዓብስ ጁጅማጁጅ!!
ይውሰዱኒ እምበሪ ሓራጅ ይተሓረጅ
ይሽጡኒ እምበሪ ብዕላጅምላጅ!
ኣነ ኣብ ቅድሜኺ ብላሽየ ሕንጀምንጃጅ!!

“እንታይ’ዩኸ ሕንጀምንጃጅ?” ኣይትበልኒ ኣንቲ ብርስን
እንተዘኪረኪ እንታይከ ዘይብል እንታይከ ዘይውስን?
ሃተፍተፍ የብዝሕ ጽቡሕን ዘይጽብሑን!
ኣፈይ ዝተዛረቦ ልበይ ኣይውሕጦን!?
እንታይ ምዃኑ ኣነ’ውን ኣይፈልጦን።
ንሱዩ ግን መስለኒ፡
እቲ’ኳ ዘይፍለጥ ቁጡን ዋጢጡን
ቃንዝኡን ሕበጡን
ማድኡን ብሮቱን
ጥቃ መዓር ጠስሚ ዝተኣስረ ጥሑን
ኣብ እንዳ ክልተ ኣፉ ይርከብ ይኸውን፡

እወ እቲ ሕንጀምንጃጅ
ኣነን ንስኽን እንፈልጦ ወጃብመጃብ
ከምዚ ጾግረይ ጁብጁብ ጀብጃብ
ምስ ኮረሪማ ምስ ጅንጅብል ዝተኣልከ ኩርማጅ!
ምስ ልሕቲት ምስ ከርበ ምስ ሳዕሮሳዕሮ ቁጽርጻር
ምስኦም ኣይስኣንን’ዩ ሕንጀምንጃጅ
እሞ ክልምነኪዶ ብሕንጀምንጃጅ?
ኣዝግንኒ በሊ ብሕንጀምንጃጅ
እንታይ ኣለካ በሊ በዓል ሕንጀምንጃጅ
ንስኺ ሚስጥር ኣነ ኣዋጅ ንስኺ ለባም ኣነ ዕንጃጅ
ንስኺ ፍቅሪ ኣነ ሕንጅብጃብ!

*
መ.ን.

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዋላ ድሕሪ ሞቱ’ውን ዝናፈቕ ስብሓት ገብረእዝጋብሄር
Next Article ብኢድ ዘይተሃንጸ ሓወልቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?