Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኑዛዜ ፍቕሪ

ኑዛዜ ፍቕሪ

0
By Mekonnen T. on April 23, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ምስለይ ተወጂሁ ብጸብሪ ሓሙኽሽታይ
ሳንጃ ኣእትያ ኣብ ኣምዑተይ የላን ምሳይ
ዕፋፎተይ ርእያ እንተመጸት፡ ኣሰር ኣንብርሉ ሬሳይ!

ከምዘይ መባህልቲ ኢሂን ሚሂን
ከምዘይ መሳግርቲ ደገን ውሽጥን
እዋን ፈላላዪ እዋን’ዩ ፍቕሪ
ድላዩ ገባሪ ቀታሊ መሓሪ
ልቢ ኣይኰነን ፍቕሪ
ልቦና ኣይኰነን ሰታሪ
እዋን’ዩ ኲሉ
እዋን’ዩ ከዋኒ
ሰብ ድማ እዋን ተመሓዝዩ
ልብን ኩላሊትን ጎስዩ
ንዂሉ ሒዙ ንዂሉ ኣቢሱ
ኣርኪብላ’ኳ ነዛ ዑንቂ
ነዛ ሓንቲ ኣፋ
ገፈል ወዲ ገፈል ጌሩ ክውትፋ።
ንሳ ድማ፥
ኣይ ብኢዳ ኣይ ብኣፋ
ንእዋን ደጊፋ!

ሞይቱ ምስ በልዋ ብፍቕራ ማሲኑ
ይሙት ኢላ መሊሳ ክዱን ብኽዱኑ!
ብኻ ሰሚዐያ “ይሙት” ኣብ ትብለሉ
እቲ ምቁር ድምጻ እኳ ምዓገብኩሉ፡
ደጊማ ኢሎሙኒ እታ ጓህሪ ዓይና
ጥልመት ድሕሪ ሞተይ ክትቅጽል ምዃና!

ውዒላቶ! ነገረ ስግንጢር
ድራር ኣየድርር ድቓስ ኣይፈጥር
ከመይ ዘየተክዝ ከመይ ዘየባህርር
“ክስዕስዕ’የ!” እኮ’ያ ኢላ ኣብ ናተይ መቓብር።

ኣብ ጐና ሰፊሩ፡ ሰይጣንወ ባዓል ሕማቕ ዛንታ
ልባ ደፊኑ ሸፊኑ ኣዒንታ
ገደል ኣዳልዩላ ንዕርበተ ሞታ!
ኣነኸሞ ነቲ ሰይጣን ክስዕሮ
ፈውሲ ሓሳድ ሱር ሳዕሮሳዕሮ
ብእምነተይ እምነቱ ከዕርቦ
ሞይተ ድየ ሞተይ ዝህቦ!?
ንሱ ደኣ ከምኡ እንድዩ ደልዩ
ፍቅረይ ኣላሕሊሑ ንእምነተይ ኣብልዩ
ፍቑራት ኣጥፊኡ ክነብር ፈርዩ፡

ሽዑ ኢለ ኔረየሞ፡
“ሬሳይ ቅበርዎ ኣብ ባሕሪ
ክትስዕስዕ እንከላ ከጥሕላ ፈጣሪ”
እዚ ግን ኣይበቕዖን ንተግባር መሓሪ
ሞት ብሞት ኣይክሓስን’ዩ
ነውሪ’ዩ ነውሪ!
ምሒረያ’ለኹ መሓሪ’ዩ ፍቕሪ!!

እምበር ከምቲ ግብራስ
ይትረፍዶ ኣነ ፍቅሪ ዝጽበ
ድበት ተደብ’ዩ ብኽሕደት ዝሞተ
እዮብ’ኳ እንተዀነ እዮብ እቲ ዘይክማህ
ንእምነት ዝመውት ጸሓይ ትብራህ ኣይትብራህ
ክሕደት ኣፍቃሪቱ እንተዝሰምዕ ኔሩ
ጋሊዶ መስርሐ ዓጽማ ሰባቢሩ!
ብኡ ጌሩ ድማ መቃበጻ ኔሩ!
እምነቱ ኣብ ልቡ መቆምያ ሓቂ ሒዙ
ካብ ሰማየሰማይ ሴፍ በርቂ መዚዙ
ምስቶም ሕንዘምንዚ ምስ ተመን ሓዊሱ
ምቖራረጻ መስለኒ ረጊጹ በፍራሱ!
ሰይጣን ድማ እልል ምበለ ሽዑ
ደም ፍቑራት ንብላሽ ኪዑ
እሞ ኣነስ ዓሻዶ
ነቲ መንገዱኸ እኸዶዶ?

በሉ ኣቱም ቀባሮ!
ትም ኢልኩም ኣይትቕበሩ ሬሳ ኣብ ጐዳጒዲ
ጽን ኢልኩም ስምዕዎ ድሌት እቲ መዋቲ።
እወ ስምዑ ምሕረት ዝፈልጥ’የ ምሕረት ነፍቃሪቱ
ሕማቕ ንዓርሱ ሕማቕ ንዝፈቱ
ሰኣን ዓቅሊ ሰኣን እቲ ብልሓቱ
ሰኣን’ቲ ትዕግስቲ ሰኣን’ቲ ፍልጠቱ
እንድኣሉ ሰብ ዝጋገ ኣብ ገደል ዝኣቱ
እሞ ኣነዶ ክስራዕ ምስኡ
ብተግባሩ ጸላም መጋብኡ
ንሳ ድማ ሓሪቓ እንድኣላ ሰይጣን’ውን ኣብጐና
ማቕ ሕሰም ጭካነ ተጎምጒማ
ንሳ ኣይነበረትን ንሳ
ኣኴስ ኔሩ ኣብ ትርኣሳ
እምበር ሞት ዶ ምወጸ ካብ ኣፋ
ንዓይዶ ምሃበት ኣሕሊፋ
ኣብ ጸገማ ዝድግፋ
ነታ ሞታ ባዕለይ ዝሓልፋ

እሞ ሕጂዶ ሰብ ምኳን ገዲፈ
ነታ ፍቕረይ ክህባ ኣሕሊፈ?
ይዝክሮ’የ ይዝክሮ
ነቲ ዝቐሰምክዎ ቅምሶ ፍቕሪ
ነቲ ናታ ጥዑም ነቲ ናታ ክብሪ
ንልስሉስ ምዕጉርታ ንኸንፈራ ሃሪ
ንውዑይ ኣካላ ወላህታዊ ጓህሪ።

ስለዚ ሬሳይ ኣይትቕበርዎ ኣብ ባሕሪ
ጽሓፍሉ ድማ ሞይቱ ኢልኩም ብፍቕሪ
ምልክት ኣንብርሉ ነዊሕ በትሪ
ኣብ ልዕሊ መቓብር ወጻኢ ካብ ባሕሪ!

ክትመጽእ’ያ ሽዑ ዑንቀይ እዛ ጽብቕቲ
መኽበሪት ቃላ ጸናዒት ኣብ ሓንቲ
ቃላ ከተኽብር ኮይና ምስ ‘ቶም ዛርቲ
ሬሳይ ኣይትቕበርዎ ኣብ ባሕሪ ኣብ ታሕቲ
ክትስዕስዕ እንከላ ከይትጥሕል ምእንቲ!!

መለስ ንጉሰ

Like
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ሓደ ስነ ጥበበኛ፡….
Next Article ዓደየ ዓደይየ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?