Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ

ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ

0
By Mekonnen T. on November 29, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

ክቡራት ተኸታተልቲ ዛራጥበባት እዚ ጽሑፍ ኣቐዲሙ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብዚ ሰኪዔት ሓበሬታ ቀሪቡ ምንባሩ ከዘኸኻረኩም እፈቱ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ናብ ሃገረ ኢጣልያ (ሮማ፡ ሚላኖ) ገይሸ ነይረ። ንእግረ መንገደይ ብዛዕባ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ይፈልጡ ንዝበሃሉ ሰባት ብኣካል ክሓትት ዕድል ረኺበ። ሰለስተ ተመሳሳሊ ግን ከኣ ብመጠኑ ዝፈላለ ሓበሬታ ድማ ረኺበ። ኣብ ዛራ ጥበባት ብእንግሊዝኛ ቀሪቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዝበዝሑ ሰባት መታን ከንብቡዎ ናብ ትግርኛ ተርጕመ ብኸምዚ ዝስዕብ አቕርቦ ኣለኹ።

ቀዳማይ ክፋል፡

ዘርኣይ ደረስ፡ ብ19934 ኣብ ማሕበር ኣሕዋት ካፑቺኒ ሰገነይቲ ተመሃራይ ነይሩ። ገለ ካብ መማህርቱ ድማ ደግያት ሰለሙን ተኽለ (ኣቦኡ ንጴጥሮስ ሰለሙን) መምህር ኣብርሃም ሓጐስ (ኣብ ስኮላ ቮቶርዮ ሕብረት ነበር) ኣቶ ገብረሂወት ነባራይ (ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓላፊ ነበር) ወዘተ ይርከቡዎም። ዘርኣይ ደረስ ካብ ቤትትምህርቲ ማሕበር ኣሃዉ ካፑቺኒ ወጺኡ ኣብ ራማ ከም ተርጓማይ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይንገር። በዓልቲቤቱ ኣለማሽ እትብሃል ጓል ሰገነይቲ ኮይና ንግርማይ ፊሊፖ (ወዲፊሊፖ) ጓልሓውቱ እያ። ዘርኣይ ብስደት ኣብ ሃዘጋ ዓብዩ’ምበር ዓዱ ኣብ ሰራየ ዓዲይሓይስ ከም ዝኾነ ይንገር። ብመሰረት ቃል ወዲፊሊፖ፡ ዘርኣይ ደረስ ብገለ ኣጋጣሚ ኣብቲ በዓል ፋሺስትነት ዝካየደሉ ዝነበረ ኣደባባይ ተረኺቡ ነይሩ። ሽዑ ሓደ በዓል ስልጣን ኣንጻር ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ናይ ምቍንጻብ ቃላት ክዛረብ ምስ ሰምዖ ደሙ ፈሊሑ።

ሽዑ በታ ናብ ሓደ ኢጣልያዊ ሓላፊ ከብጽሓ ዝተዋህበቶ ጉራዴ ክድብል ጀሚሩ። ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ፈሪሖም ካብኡ ክርሕቁ ከለዉ፡ ገለ ድማ ጽሉል መሲሉዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ካልኣይ ክፋል

ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ። ኣብ መጽናዕቲ ተደጊፉ ዝተሰነደ ንጹር ታሪኽ ግን ዛጊት ኣይተረኽበን ዘሎ። ኵሉ’ቲ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ተረኺቡ ዘሎ ዛንታ ካብ ኣፈታሪክ ዝተረኽበ ጥራይ እዩ። ኩላትና ከም ንግንዘቦ ድማ ኣፈታሪክ ዝበዝሕ ግዜ ናቱ ሃጓፋት ኣለዎ። ምኽንያቱ ነፍስወከፍ ሰብ በብዝጠዕሞ መንገዲ ተጋራጫዊ ዝርዝራት’ዩ ዘቕርብ። ብወገነይ ነቲ ካብ ኣባ ተኸስተብርሃን ገብረመድህን (ኣባ ዶሜኒኮ)፡ ኣብቲ ናይ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰገነይቲ ዝተኸፍተ ናይ ዘርኣ ክህነት ቤትትምህርቲ (1934)፡ ንዘርኣይ ደረስ መማህርቱ ዝነበሩ ካህን ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ዝያዳ ሚዛን እህቦ። ንሶም፡ ዘርኣይ ደረስ ካብ ቤክህነት ምስ ወጽአ ከይተረፈ ቀጻሊ ርክብ ከም ዝነበሮም ገሊጾምለይ። ብዙሓት ሰባት ዘርኣይ ደረስ ዓስከር ጥልያን ከም ዝነበረዮም ዝዛረቡ። ኣባ ዶሜኒኮ ከም ዝበሉዎ ግን ዘርኣይ ደረስ ኣብ ዘርኣክህነት ካፑቺኒ ሰገነይቲ ቋንቋ ጥልያን ተማሂሩ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ሃገረ ኢጣልያ ከም ኣስተርጓማይ ተላኢኹ። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ብኣባ ተውለደ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ ንረኽቦ።

እቲ ፍጻሜ ብዕለት 21 ግንቦት 1937ኣብ ፒያዛ ደዪ ቺንኵወቼንቶ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ባቡርምድሪ ቴርሚኒ፡ ሮማ ኣጋጢሙ። ሽዑ መበል ራብዓይ ዓመት ምእዋጅ ግዝኣት ጥልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝብዓለሉ ዝነበረ መዓልቲ እዩ ነይሩ። እቲ ብወተሃደራዊ ምረሻ ዝተሰነየ በዓል ሞሶሊኒ ተኻፊሉዎ ነይሩ፡ (ሂትለር’ውን ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ)። ዘርኣይ ደረስ ኣብ ውሽጢ ካቦቱ፡ ኣብ ናፖሊ ዝነብር ሓለቃኡ ናብ ሮማ ከብጽሓ ዝተዋህበቶ ሴፍ ሒዙ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣደባባይ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ሓላፊ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝትሕዝቶኡ መደረ ከስምዕ ጸኒሑዎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ ዘርኣይ ደረስ ሕርቃኑ ክጻወር ስለ ዘይከኣለ፡ ነታ ሴፍ ኣውጺኡ ብደምፍልሓት ክድብለላ ጀሚሩ። ኣብቲ ዝሰዓበ ዕግርግር ገለ ሰባት ቈሲሎም ዘርኣይ ድማ ብኡንብኡ ተኣሲሩ። ንጽባሒቱ ኣብ ዝተሓትመ ጋዜጣ እቲ ንእሽቶ ፍጻሜ ናብ ሓደ ዓቢ “ደማዊ ቅዝፈት” ህዝቢ ኣጋጢሙ ብዝብል ዜና ተቐዪሩ ተዘርጊሑ። ብኸምዚ ድማ ዘርኣይ ደረስ፡ ንውርደት ኢትዮጵያ ዝተኸላኸለ ጅግና ናብ ዝብል ባሃር ተቐዪሩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ካብ ኣባ ዶሜኒኮ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኮይኑ፡ እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ንኡስ ጕዳይ ከም ዝነበረ፡ ጋዜጣታት ኢጣልያ ኣጋኒነን ምስ ዘርግሖኦ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ኣፈታሪክ ተዘርጊሑ ክብሉ ኣረጋጊጾምለይ።

ሳልሳይ ክፋል፡

ሓደ ሽምግል ዝበሉ ብዛዕባ ታሪኽ ብዙሕ ዝፈልጡ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ታሪኽ የዘንትዉ። ሞሶሊኒ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ በዓል መደረ እናስምዐ ከሎ፡ ዘርኣይ ኣብቲ በዓል ተረኺቡ ነይሩ። ሽዑ ነቲ ኣብቲ ኣደባባይ ዝነበረ ካብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ሓወልቲ ኣንበሳ ምስ ተዓዘበ፡ ስምዒቱ ተቐስቂሱ ናብቲ ሓወልቲ ብምኻድ ተወጥሖ’ሞ፡ ስላዕ ሒዙ ድማ፡ “ሱ! ኪድ ናብ ዓድኻ፡ እንታይ ትገብር ኣብዚ?” ክብሎ ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ኣብ ኣደባባይ ዝነበረ ህዝቢ ብኣንክሮ ክጥምቶ ከሎ ካራቢኔሪ ጽሉል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከውዕሉዎ ክኢሎም። እንተኾነ፡ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምብጋሱ ሕማም ዘለዎ መርፍእ ስለ ዝወግኡዎ ኣብ ሃገሩ ከይበጽሐ ከሎ ዓሪፉ።

መደምደምታ፡

ዘርኣይ ናብ ሃገረ ኢጣልያ ከም ዓስከር ዘይኮነ ከም ተርጓማይ ከም ዝኸደ፡ ሓራቕ ካብ ምንባሩ ዝተበገሰ ድማ ዓሌታዊ ዘረባ ምስ ሰምዐ ከም ጸሊም መጠን ኣዝዩ ከም ዝተሰምዖን ጐነጽ ክጥቀም ከም ዝፈተነን ይፍለጥ። እቲ ፍጻሜ ድማ በተን ሽዑ ዝነበራ ጋዜጣታት መሰረተ ዘይነበሮ ዜና ብምትሕልላፍ፡ ዘርኣይ ብዙሓት ሰባት ቀቲሉ ብምባል ነቲ ጕዳይ ዘይመልክዑ ሂበን ስለ ዘቕረቦኦ ድማ ናይቲ ኢትዮጵያውያን ዘርኣይ ደረስ ጅግና ነይሩ ዝብል ኣፈታሪክ ምንጪ ክኸውን ክኢሉ። ኣብ ሓደ ኣማኢት ካራቢኔሪ (ፖሊስ ጥልያን) ኣብ ዝነበሩሉ ኣደባባይ ንሓደ ጸሊም ሰብ ሴፍ ተጠቒሙ ፍርቂ ደርዘን ዝኣኽሉ ዝዓጠቑ ጸዓዱ ክቐትል ኣዝዩ ከቢድ ነገር’ዩ። እቲ ቁምነገር፡ ዘርኣይ ደረስ ጅግና ነይሩዶ ኣይነበረን ዘይኮነ፡ እዚ ዝብሃል ዘሎ ፍጻሜ ብልክዕ ኣጋጢሙ ድዩ ኣየጋጠመን እዩ። ዘርኣይ ደረስ ፍርቂ ደርዘን ሰባት ከም ዝቐተለ ዝገልጽ ስኑድ ነገር ግን ዛጊት ኣይተረኽበን።

ዘርኣይ ደረስ ምስ መማህርቱ ብዕለት 06.11.1934 ኣብ ሰገነይቲ ዝተሳእሎ። ገለ ካብ መማህርቱ ኣቶ ገብረሂወት ነባራይ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ነበር፡ ደግያት ሰለሙን ተኽለ (ኣቦኡ ንጴጥሮስ ሰለሙን፡ መምህር ኣብርሃም ሓጐስ ኣብ ስኮላ ቪቶርዮ መምህር ዝነበሩ ወዘተ ይርከቡዎም። ኩላቶም ካህናት ንክኾኑ ዝመሃሩ ዝነበሩ እዮም። ናይቶም ካልኦት መንነት ዝፈልጡ ሰባት ክገልጹ ይዕደሙ።

10660741_719561198131281_577389462_n[1]

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleካልአይቲ ደብዳበ ናብ ፈጣሪ !
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?