Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ታሪኽ ንእስነትካ እናሽረፍካ ንንእስነተይ ኣይትሸራርፈለይ

ታሪኽ ንእስነትካ እናሽረፍካ ንንእስነተይ ኣይትሸራርፈለይ

0
By Mekonnen T. on December 1, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብርሃነ ገብረሂወት

ክመረካ ስለ ዝኽእል፡ ንባብ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ማይ ወይ እቲ ከም መተካእታ ማይ እትመርጾ ፈሳሲ ቀርብ። ዝመስለኒ’የ ክብል። ሓድሽ ሓሳብ ከም ዘይምእመኣካ ኣስተብሂለ ኣለኹ። ዝበልኩዎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ከም ትብል ካብ ነዊሕ ኣስተውዒለ። ብመለክዒ ዕድመ ወላድን ውሉድን ኢና። ንስኻ ካባይ ትልብም ኣነ ድማ ካባኻ እዕሹ። ካብ ልቦናኡ ዘካፍል ወላዲ ምስ ሰኣንኩ ርስቲ ዕሽነት ከም ዝተረከብኩ ኣይጠፍኣካን። ዝመረጽኩዎ ዘይኰነስ ዝመረጽካዮ ከተውርሰኒ ሕጊግ ትብል ኣለኻ። ሕመቐይ ክትጽብጽብ ግን ሕመቕካ ኣየድሃብካሉን። ዘይከማኻ፡ ኣብ ቃልሲ ምስ ሕልና አዕርቦን አውግሖን ምህላወይ ኣበይ ከይተስተውዕለሉ። ደም ስኒ ክትተፍእ እንከለኻ ደም ስነይ እውሕጥ ምህላወይ ኣይበጻሕካዮን። ስለዚ ድማ’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። ንግዚኡ ግን፡ ከምቲ ቀደም ትፈልጠኒ፡ ብነፋጠይ፡ ብዓፋፈይ ከም ዘለኹ ውሰደኒ።

ተዛራቢ ከም ዘይኰንኩ ኢኻ ትፈልጥ። ሓቅኻ ስቕተኛ’የ። ስቕታይ ግን ተዛራቢ ዘይምዃነይ ምሉእ ምስክርነት ክህብ ብቕዓት የብሉን። እነሀኹ’ውን እዛረብ። ኣበይ ኔርካ ዶ በልካኒ? ኣበይ ዝነበርኩ እመስል? ክትምልሰለይ ኣይጽበየካን። ዝነበርኩዎ ስለ ዝፈልጦ ክምልሰልካ። ጠፊኡካ’ውን ኣይብልን። ከተዋስነኒ፡ ከተርሕቐኒ፡ ከተግልለኒ ስለ ዝደለኻ ጥራይ’ዩ እቲ ምኽንያት። ብሓቂ ጠፊኡካ እንተ ዀይኑ ግን ሓዝ ክነግረካ። መጀመርታ፡ ፍርቂ ኣካለይ ኣብ ብርኪ ኣቦይ፡ ፍርቂ ኣካለይ ድማ ኣብ ማህደር እንቋቝሖ ኣደይ ኔሩ። በቲ ኵልና እንፈልጦ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊን መስርሕን፡ በቲ ኵልና እንሓልፎ መስርሕ፡ ማዕዶ ማዕዶ ዝነበረ ኣካላተይ ኣብ ማህጸን ኣደይ ተኣኪቡ፡ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ ሕጽኖት ጻንሖት፡ ካብ ዓለም በይነይ ናብ ዓለም ብዙሓት ብምምጻእ ጸሓይ ርእየ። ካብኡ ኣብ ሕቝፎ ኣደይ፡ ቀጺለ ድማ ኣብ ሓመድ ዓድና ፍሑኽ እብል ኔረ።

ኣደይ፡ ሕቝፎ ኣደይ፡ ኣቦይ ክብል ጸኒሐ ዓድና ምባለይ፡ ክትከንብ እንተ ዘይደሊኻ ትርጕሙ ትስሕቶ ኣይብልን። ንዓኻ ንፖለቲከኛ ዶ መብርሂ ምሃብ ተደልዩ? ንዝያዳ ንጹርነት ግን ደሓን ኣይጽላእን። ኣቦይ ናይ ስጋ ኣቦኻ ከም ዘይኰነ፡ ኣደይ’ውን ናይ ስጋ ኣደኻ ከም ዘይኰነት ኣዳዕዲዐ እፈልጥ። እታ ክልቴና ዓደይ እንብላ ዓዲ ግን ዓድና ትኸውን ኣላ። ዓደይን ዓድኻን ከይብለካስ ደቂ ዓዲ ኴንና። ዘይከምቲ ከተዋስነኒ እትፍትኖ፡ ከዋስነካ ወይ ከርሕቐካ ዘይመምረጺየይ ተገንዚብካዮ ትኸውን። ከምኡ ክብል’ውን ኣየምሕረለይን። ንስኻ ስለ ዘዋሰንካኒ ዶ ከዋስነካ ደሊኻ! ምኽኣል እንተ ዘይስኢነዮስ ኣይውዕሎን። ንስኻ፡ ምስ ጸላኢናን ኣሕዋትናን [ጸላኢየይ፡ ኣሕዋተይ እብል ከም ዘየለኹ አስምረሉ] ክትቃተል ከለኻ ኣነ እፍጠር ኔረ። ንስኻ ክትጋደል ከለኻ ኣነ እውለድ ኔረ። ንስኻ ካብ ጎቦ ናብ ጎቦ ክትናጠር፡ ኣብ ጐልጐል ክትጐዪ ከለኻ ኣነ እግሪ ተኽሊ ኔረ። ኣበይ ከም ዝነበርኩ መሊሰልካ ክኸውን ተስፋ እገብር። ዘረባ እጅምር’ምበር እዛዝም ስለ ዘየለኹ ድማ ንቐጽል።

ህጻንን ጻዕዳ ወረቐትን ኣቐዲምካ ዘቐመጥካሎም’ዮም ዝሕዙ። ኣብ ህጻንነተይ ኣብ ኣእምሮይ ዝተሰነደ ስእልኻ ከይተበላሸወ ክነብረለይ ማዕረ እቲ ዝተጋደልካዮ ተጋዲለ። ፍጹም ትመስለኒ ስለ ዝነበርካ ምስ ፍጹምነትካ ክትነብረለይ ክንደይ ግዜ ጽዒረ። ንበይንኻ ዘይኰነስ፡ ብዘይካይ ኵሉ ፍጹም ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ ኔሩ። ዓለም ህጻን ብመነጸር ንጽህና ጥራይ’ያ እተርእይ። በዛ መነጸር እዚኣ ንነዊሕ እዋን ርእየካ። በቲ ዝቐርጸካ ዝነበርኩ፡ እዱብን ሓላይን፡ ዕጉስን መስተውዓልን ኔርካ። ገዛና ከምቲ ትፈልጦ፡ ገዛ ኣጋይሽ ኔሩ። ቀትሪ ንጸላእቲ፡ ለይቲ ድማ ንፈተውቲ’ዩ ተተቐቢሉ ዘፋኑ ዝነበረ። ጸላእቲ ብሓይሎም ፈተውቲ ድማ ብፍታው ብዓል ኣቦይ ትኣትዉን ትወጹን ኔርኩም። እቶም ፈተውቲ እትበሃሉ’ውን ክልተ ጕጅለ ኢኹም ዝነበርኩም። ገስጋስሲ ዶ ኣድሓርሓሪ ዝብል መፈላለዪ ድዩ መጸውዒ ኔሩኩም። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ከም ትጥቀሙሉን እትወናጀልሉን’ውን እፈልጥ። ምስቲ ናይ ጸላኢ ጕጅለ ሰለስተ ምንባርኩም’ዩ። ኵሉኹም ሰብ ብረት ኢኹም ዝነበርኩም። ኣብቶም ብቐትሪ ዝመጹ፡ ዕቱብነትን ጽዋገን ምስ ክቱር ጽልእን ምጕብዕባዕን፡ ኣብቶም ብለይቲ ትመጹ ድማ ፍሽኽታን ምቕሉልነትን እዕዘብ ኔረ። ብኸምዚታት እፈላልየኩም። ካብኡ ንላዕሊ መለክዒ ኣይነበረንን። ገጽ ኣቦይን ኣደይን ከኣ፡ ምስቶም ብቐትሪ ዝኣትዉና እሱር፡ ምስቶም ብለይቲ ትመጹና ድማ ፍቱሕ ምንባሩ እዝክር። ፍርሕን ስክፍታን በቲ ሓደ፡ ተስፋን ምዝናይን ድማ በቲ ኻልእ የሰንዮ ኔሩ። ፍርሒ ይዕብልሎ ምንባሩ ግን ኣይክሕዶን። እንድዒ ኸኣ ሚዛን ንባበይ ናብኡ ኣቢሉ ዝዘበለ ኔሩ ከይከውን። ፍርሒ እሕውሰሉ እንተ ኔረ ከኣ እንድዒ።

ከም ቈልዓ መጠን ድቃስ የሰንፈኒ ኣይነበረን። ወዛል’ምበር ገርሂ’ውን ኣይነበርኩን። ከምኡ እንተ ዝነብር፡ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ቀትሪ ናብ ገዛና ዝመጹ ዝነግረካ ዝነበርኩ፡ ንዓኣቶም ድማ ብዛዕባኻን ብጾትካን ምነገርኩዎም። ስጋ ሕስምቲ ትቕንጥወኒ ስለ ዝነበረት ናይ ስጋ እገብራ ኔረ። ነዚ ትርስዖ ኣይብልን። ኣይዝክሮን እንተ ኢልካኒ ንምስክርነት ስለ ዘይደልዮ ብዝረሳዕካዮ ይረሳዕ። እታ ናይ ሓደ ኣጋ ምሸት ኣጋጣሚ እንተ ረሲዕካያ ግን ሞት ትረስዓካ። ምዃን ዘይ ሞትን ወዲ ሞትን ክርሕቀልካ፡ ስልጣንን ሹመትን ክቐርበልካ ኢኻ ትደሊ። ንሱ ጥራይ’ዩ ሕማምካ። ሕጂ’ውን ደሓን ሞት ይረስዕካ። ከም ርድኢተይ መርገም፡ ከም ድሌትካ ግን ምርቓ’ዩ። ቅድሚ ሞት እርጋን ስለ ዘሎ፡ ሞት ዝረሓቖ እርጋን ምብልሻው ምዃኑ ክንደየናይ ከይተስተውዕለሉ። ናብታ ፍልይቲ ኣጋ ምሸት እቲኣ ግዳ ብዝኽሪ ንኺድ። ኣደይ፡ እታ ዝርካባ ትሕዝቶኣ ብማዕረ ንኣይን ንኣኻን ክትከፍለና ትዝክሮ ትኸውን። ሓዊ ዝሸልበባ፡ ፍርቃ ሕራር ረቃቕ ቅጫ መቝሎ ትርስዓ ኣይብልን። ብውዕይታ ብብራሕ ኣኻፊና ክንዕንገል ሕጂ ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣነ፡ ካብታ ኣደይ ዝሃበትኒ እጃም ዘካፈልኩዎ ኣይነበረን። ንስኻ ግን ነቲ ካባኻ ቍሩብ ድሕር ኢሉ ዝመጸ ብጻይካ መቒልካዮስ እናተቐባበልኩም’ውን ትሰትዩ ኔርኩም። ካብ ኩርምትኹም ከም ዘይትሓልፍ ዝተገንዘበት ኣደይ፡ ይብሰል ኣይብሰል ኣብ መቝሎ ዝነበረ ኣምጺኣ ወሲኻትኩም። ጽምእኻ እትእብደሉ ፈሳሲ ካብ ማይ ናብ ዊስኪ ኣሰጋጊርካዮ ስለ ዘለኻ ግን ክንደየናይ ከይትዝክሮ። ሽግር መምስ ሓለፈ’ዩ ዝርሳዕ። ደሓን ግን ኣነ ጽቡቕ ጌረ ከዘኻኽረካ ሕጂ’ውን ንቐጽል።

ናብራ ቈልዓ ሃገረ ሰብ ጽፉፍ ኣይነበርኩን። ምስቲ ዝነበረኒ ልዛይን ወዛል ኣባልዓን፡ ከናፍረይ፡ ምዕጕርተይ፡ መንከሰይን ኣፍልበይን ተጸያዪቐ፡ ዕስለ ሃመማ ዓሲሎምኒ፡ ናብ ዝሰትዮ ዝነበርኩ ብራሕ ጠብሎቝ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቶም ዝኣተዉ ኣኣውጺአ ብራሐይ ክትልሕፎ ርኢኻ ትፍንፍነኒ ኣይነበርካን። ከምዚ ሕጂ ትጽየነኒ ዘለኻ ሽዑስ ኣይተጸየንካንን። ከምቲ ደሓር ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመሃርኩዎ፡ ሃመማ ደቀቕቲ ታህዋስያን ማለት ጀርምታት ስለ ዝስከም፡ ጠንቂ ብዙሓት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምስ ምዃኑ ክሓምም ዘይምኽኣለይ እገርመኒ። ጣንጡ ኢደን ኣይስኣና፡ ሓደ ክረምቲ ደኾን ዓሶ ፈፎው ኣቢላትኒ ኔራ እምበር ካብ ውጽኣትን መሰልቱንስ ደሓን ኔረ። ሃመማ፡ ምስ ጸባን ውጽኢቱን ዘለዎም ልዑል ፍቕሪ ከርእዩ፡ ኣብ ኢደይ ንዝነበረ ገዲፎም ኣብ ደረት ከናፍረይ ንዝነበረ ተረፍ ዝሰተኹዎ ጠምጠም ይብሉዎ ኔሮም። ምስቲ ካብ ኣፍንጫይ ዝፍልፍል ንፋጥ ሓዋዊሶም የረማስሱዎ ምንባሮም ኣይርስዖን። ብዘይ ስረ ምንባረይ እዝክር። ሕፍረተይ ይዅን መቐመጫይ ብሓመድን ጭቃን ተሸፊኖም ኔሮም። ምስ ሓመደይን ሓርአ-ሽንተይን፡ ምስዚ ኣቐዲመ ዘርዚረልካ ዘለኹ ኣበራተይን፡ ክትሓቝፈንን ከተሰራስረንን ግን ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን ዘሎ። ክሳዕ ክንደይ ባህጊ ውላድ ከም ዝነበረካ ከም ዘርእይ በቲ ዝተሓተ ዓቕመይ እግምግም። ክቱር ፍቕሪ ሰብ ከም ዝነበረካ’ውን እናሓደረ ክርደኣኒ ጀሚሩ ኔሩ። ድሒርካ ግን፡ ዓዲ ዲኻ ኣርሒቕካ ልቢ፡ እዝጊ ዋናኻ እግሪ ኣሕጺርካ። ክንድኡ ዝኣክል ፍቕሪ ከመይ ኢሉ ኣብ ሓጺር እዋን ነጺፉ ኣይፈልጥን።

ቅድሚ’ዛ ዝጠቐስኩልካ ኣጋጣሚ’ውን፡ ሓደ ምሸት ምስ ኣቦይ ተዕልሉ ኔርኩም። ኣብቲ ምድሪ ቤት ዕንክይክይ ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ፡ “’እዚ ገድሊ ንብዓል እዝስ ኣየርክበሎምን ይኸውን፡ ደጊም ቀሪብና ኢና ዝተረፈና የለን።’ ‘የርክበሎም’ባ፡ ኣበይ ተበጺሑ ገና ‘ንድዩ ዘሎ።’” ክትበሃሃሉ ከለኹም ዝሰረቕኩዎ ዘረባ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኣእምሮይ ኣሎ። ክሳዕ ሎሚ ዘገርመኒ ነገር፡ “የርክበሎም’ባ። ገና እንድዩ ዘሎ ኣበይ ተበጺሑ።” ዝብል፡ ኣቦይ ዝሃበካ መልሲ’ዩ። ክሳዕ ክንድኡ ንመጻኢ ከንብብ ምኽኣሉ፡ ነታ ህሞት ኣብ ዝዝክረሉ ወትሩ እድነቕ። ከምቲ ዝበሎ ኣርኪቡለይን ኣረኻኺቡለይንስ እነሆ’ኳ ምሳኻ እዛረበሉ። መልክዑ ዝቐየረ ዝሓየለ ገድሊ’ኳ ደኣ። ንኣይ ጥራይ ዘይኰነ ድሕረይ ንዝተወልዱ ብዙሓት’ውን ኣርኪቡሎም።

ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ንሃገራዊ ሓርነት ብዘይምንባረይ፡ ‘ኣበይ ዝነበረ’ዩ እዚ? እንታይ ጌሩላ ነዛ ሃገር?’ ዝብል ናይ ብደዐ ኣዘራርባኻ ንምምላስ፡ ምስቲ ዝነበርኩዎ ከላልየካ ኣብ ዝፈተንኩሉ፡ ምስ ጸላኢናን ኣሕዋትናን ትቃተል ከም ዝነበርካ ገሊጸ ኣለኹ። ኣብቲ ምስ ጸላኢና እተካይዶ ዝነበርካ ግጥም ዝብሎ የብለይን። ዝሞተ ጉዳይ ብምዃኑ’ውን ተዛሪበ ዘድመዓሉ ኣይኰነን። ምስ ኣሕዋትና ትቃተል ምንባርካ ግን ክዛረበሉ። እቲ ምቅትታል እቲ ኣብ ዝፈጠሮ ሰልሚ ክተስጥመኒ ትልህልህ ምህላውካ ከዘኻኽረካ ከለኹ ኣይትጽለኣኒ። ካብቲ ትጸልኣኒ ንላዕሊ ከይትጸልኣኒ ስለ ዝፈራሕኩ እላበወካ ኣለኹ። ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ዝኸደ ነገር ይኽሕንን ይቕርዕንን’ዩ። ንገዛእ ርእሱ ተበላሽዩ ድማ ንተሓዚኡ የበላሹ።

ሓደ ነገር ከነጽረልካ። ኣብ ልበይን መዝገብ ሃገርናን ከም ሓርበኛ ስምካ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ልበይ ብፍቓደይ፡ ኣብ መዝገብ ሃገርና ድማ ብኣበርክቶኻ። ነዚ ክምንዘዓካ ዝኽእል ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ዝተፈተነ ይፈተን ክሕከኽ ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብ ጕዕዞ ሃገርን ሃገራውነትን ቃልስኻ ኣሎ። ብወገነይ፡ ክንዮ’ዚ እትእውደኒ ነገር የለን። ከም መፍደዪ ሕነኻ ወይ መሳልል ስልጣንካ ክኸውን ኣይደልን። ወለዶታት ኣኣብ መድረኹ ነናቶም ዕማምን ተልእኾን ኣለዎም። በቲ ዝጥዕሞም ድማ ክገጥምዎ ይፍትኑ። ንምንታይ ግን ኣብ መድረኸይ ንበር ትብለኒ? ከምቲ ብለዛየይ እትፈልጠኒ ዘለኹ ዶ ይመስለካ ይህሉ? ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ’ውን ከምቲ ቀደም እትፈልጠኒ ጌርካ ውሰደኒ ኢለ ኣለኹ። ሕጂ ግን ይኣኽለካ። ልዛየይ ከም ዝሓበስኩዎ፡ ንፋጠይ ከም ዝጸገርኩዎ ንኸረጋግጸልካ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ልዛዩ ዝጸረገ ድማ ክንደየናይ ከይትፈቱ።

ከም ዜጋ፡ ሓሳበይ ናይ ምግላጽ መሰለይ ክንፈገኒ ስለ ዘይብሉ፡ ርድኢተይን እምነተይን ከካፍለካ ኣይጸልእን። ንስኻ፡ ንሱ፡ ንሳ፡ ንሳቶምን ኣነን ተደማሚርና፡ ንሕና ንኸውን። ናይ ሓባር ዕድል፡ ናይ ሓባር መጻኢ፡ ናይ ሓባር ስግኣት፡ ናይ ሓባር ተስፋ ክህልወና ድማ ንግደድ። ነዚ ትቃወሞ ኣይብልን። ንሕናን ንሳቶምን ዝብል ክልተ ኣንጻራዊ ኣምር ንናይ ሓባር ተስፋታት የጸልምቶም፡ ነቶም ናይ ሓባር ስግኣታት ድማ የጐልብቶም። ብኣንጻሩ፡ እቲ ንሕና ዝብል ስሙር ኣምር፡ ነቲ ናይ ሓባር ተስፋ የድምቖ፡ ነቲ ናይ ሓባር ስግኣት ድማ የልምሶ። ድልየታትና ከገራጭዉና ስለ ዝኽእሉ ድማ ልዕልና ሕጊ ዝለዓለ ስልጣን ይሕዝ። ግቡእናን መሰልናን ዘመልክት ደረት’ውን ብንጹር የቐምጥ። በዛ ሓጻር ሕጡበ ጽሑፍ እዚኣ፡ ናብራ ንሕናን ንሳቶምን ከም ዘይቅበሎ፡ ኣብ ሽሕጣንን ሕማም ስልጣንን ከም ዘየለኹ ተረዲእካ ክትከውን ተስፋ ኣለኒ።

 

ይርደኣካ ድዩ ኣይርደኣካን ኣይፈልጥን። ቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ትምክሕቲ፡ ቂምን በቐልን ከተውርሰኒ ህርዲግ ትብል ምህላውካ ግን ክነግረካ። ናይ ቤትናን ብዛዕባ ቤትናን እየ ዘዋግዓካ ዘለኹ። ናይ ቤትና ኣጻፊፍና ንቤት ጐረቤት ከነርክበሉ ኢና እየ ዝብል። ካባኻ ክወርሶ ዝደልይ፡ ተመኩሮ ውረድ ደይብ ቃልስኻ ኰይኑ፡ ጉድለታትካ ንኸይደግሞም ንድኻመይ ዘሕይል ክኸውን ኔሩዎ። መሳርሒ ቂምካ፡ መፍደዪ ሕነኻ፡ መሳልል ስልጣንካ ክኸውን ግን ኣይጽበዮን። ታሪኽ ንእስነትካ እናሽረፍካ ንንእስነተይ ትሸራርፎ ኣለኻ። ክትገብሮ ዝነበረካ’ሞ ዘይገበርካዮ ከም ዘሎ’የ ዝሕብረካ ዘለኹ። ኣብ ዘይፈልጦን ዘይነበርኩዎን ነቲሕ ቅርሕቲ ክሕንብስ ኣይትደፋፍኣኒ። ብሕድገት ድዩ ብምቕባል ስዕረት ንዘይዓጸኻዮ ደብተር ኣይትገንጽለለይ። ብብርከይ ክትጐዮ እትደሊ ዘለኻ ጐልጐል፡ ብብርከይ ክትወጾ እትደሊ ዘለኻ ዓቐብ፡ ብማእገረይ እተማዕድዎ ዘለኻ እምባ ስልጣን ልጓም ግበረሉ። ሸውሃት ኣይተግፍሕ። ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን ናይታ ብሓባር እንጽወዓን እንጽውዓላን ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኩነታት ኣለኹ። ንጽቡቓ ምስ ዝሰርሕ ኣካል ኢደይ ንምሕዋስ ኣይክግበዝን’የ። ባይታ ስልጣንካ ከተጣጥሕ ትሸጣ ከይትህሉ ግን ስግኣት ኣለኒ። ኣብ ኣካይዳኻ፡ ብዙሕ ዘዋህለልኩዎ ትዕዝብቲ ኣሎ። ነገር ዓቕሊ ጽበት፡ ሓንሳብ ምስ ታሪኻዊ ጸላእየይ እትብሎ ዝነበርካ ትቀራረብ፡ ሓንሳብ እውን ኣንጻር ናይቲ እጋደለሉ ኔረ እትብሎ ክትዕጠቕ እርእየካ’የ። እዚ ዅሉ ዝብለካ ዘለኹ፡ ነቲ ሰናይን ዕዙዝን ኣበርክቶኻ ክብሪ ብምሃብን ብዘይምዝንጣልን እዩ። ምትዕጽጻፍ ኣብ ዘድልየሉ እዋን፡ ተዓጻጺፍካ ምትዕጽጻፍ እውን ክትምህረኒ እደሊ ኣለኹ። ኣብ ጌጋኻ ክነብር ግን ኣይትደፋፋኣንን ኣይትፍረደንን።

ጥቅምቲ 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓጺር ታሪኽ ተርጓሚን ደራሲን ኣቶ መለስ ቀሺ ወልደስላሴ ክፍሉ
Next Article ህንዲ፡ “ሳቲ” ምቅጻል ወይ ርእሰ ቅትለት መበለት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?