Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ታሪኽ ህይወት እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ መስራቲ ተጋድሎ ሓርነት፡

ታሪኽ ህይወት እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ መስራቲ ተጋድሎ ሓርነት፡

0
By Mekonnen T. on September 2, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ኣብ ኣርብዓታት ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ወኪል “ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ” ክፍሊ ዓረብ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ኣብ ግዜ ፈደራስዮን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ 1952፡ ንኸባቢ ኣቑርደት ወኪሉ ኣባል ፋልማይ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ። ቀጺሉ፡ ኣብ 1955-56 ኣቦ-መንበር ባይቶ ኤርትራ ዝዀነ፡ ብ1960 ኣብ ግብጺ ቀንዲ መስራቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣብ 1961-70 ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ብ1971-75 ድማ ኣቦ-መንበር ተጋድሎ ሓርነት ብምዃን ዝመርሐ እዩ።

እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ኣብ 1921 ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ምስ ስድራኡ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ። ኣብ ገዳርፍ ሱዳን ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ተማሂሩ። ኣብ 1936 ምስ ስድራኡ ናብ ኣቑርደት ተመሊሱ። ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ግዜያት 1941-51፡ ኣቑርደት ኣብ ዝነበረ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሰሪሑ። ኣብ ጥሪ 1947 ከረን ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር “ራቢጣ ኣልእስላሚያ” ተሳቲፉ። ምስ’ቶም ንኸባቢ ኣቑርደት ዝውክሉ ኣባላት’ቲ ማሕበር ኰይኑ ከኣ ተመሪጹ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደራስዮን ንኽቋረና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ወሰነ፡ ኣብ ዝተኻየደ ፋልማይ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ 1952፡ ንቐቢላ ቤት ማላ ዓድ-ያቆብ፡ ኣልጉዳብ፡ ናብታብ፡ ኢሊት ወኪሉ ተመሪጹ። ኣብ 24 ሓምለ 1955 ኣቦ-መንበር ባይቶ ኤርትራ ዓሊ ረድኣይ ካብ መዝነቱ ብምውራዱ፡ እድሪስ ኣቦ-መንበር ባይቶ ኰይኑ ብ8 ነሓሰ 1955 ተመሪጹ። ስርዓት ሃይለስላሴ ንውዕላት ፈደራስዮን እናጠሓሰ ናብ ሕብረት ዝወስድ መንገድታት ከተኣታቱ ብምጅማሩ ተቓውሞኡ፡ ማለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዱ ኣብ ጕዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከእቱ፡ ምስ ኣስምዐ፡ ኣብ 1956 ካብ ስልጣን ኣቦ-መንበርነት ባይቶ ወሪዱ ብደጃዝማች ሓምድ ፈረጅ ሓምድ ተተክአ። ብ1957’ውን ኣብ ኣቑርደት ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ናይ ገዛ ሕዩር ክኸውን ተወሲኑ።

ብ1958፡ ኣብ ካይሮ ዝነበሩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ተመኵሮ ዘለዎ ዲፕሎማሰኛ ክውክሎምን ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመርሓሎምን ሰብ ክህሉ ኣብ ዝወሰኑሉ፡ ንእድሪስ መሓመድ ኣድም ሓጸዩዎ። መሓመድ ኣድም ኣረይ (ገሲር) ድማ ነቲ መልእኽቲ ሒዙ ካብ ካይሮ ናብ ኣቑርደት ኣትዩ ኣብጸሖ። ኣብ መጋቢት 1959፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም ምስ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብምዃን ፈለማ ናብ ሱዳን፡ ቀጺሉ ናብ ካይሮ (ምስሪ) ተሰዲዱ። ኣብ ሚያዝያ 1959 ኣብ ካይሮ ዝተሰናድአ ኣህጉራዊ ዋዕላ “ኣልናህዳ ኣፍሪቂያ” ተረኺቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንጎኝነት ው/ሕ/ሃገራት ዝኣተዎ ውዕል ፈደራስዮን ብምጥሓሱ ኵነኔኡ ኣስሚዑ። “ጕዳይ ኤርትራ ብህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጥራሕ’ዩ ዝፍታሕ፡” ዝብል መርገጺ ዝነበሮ እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ብሓምለ 1960 ምስ’ቶም ኤርትራውያን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ (ናይ ካይሮ) ብምዃን “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ/ሓ/ኤ)” ከም ዝተመስረተ ኣወጁ። ካብ’ቶም ምስኡ ዝነበሩ ንምጥቃስ፤ እድሪስ ዑስማን ገላውዲዮስ፡ ስዒድ ሑሴን፡ ጣሃ መሓመድ ኑር፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ ኣድም መሓመድ ኣከተ፡ ስዒድ ኣሕመድ መሓመድ ሓሺም፡ መሓመድ ስዒድ ዑመር ይርከቡዎም። ተጋድሎ ሓርነት፡ ነቲ ዘገምታዊ ጕዕዞ ቃልሲ ምንቅስቓስ ማሕበር “ሓራካ” (ማሕበር ሸውዓተ) ኣይተቐበሎን። እድሪስ መሓመድ ኣደም ከም ፕረሲደንት፡ እድሪስ ገላውዲዎስ ከም ምኽትል ፕረሲደንት ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ተመረጹ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልደማርያምን ምስ እድሪስ መሓመድ ኣድም ኣብ ካይሮ ይራኸቡ’ኳ እንተነበሩ፡ “ጕዳይ ኤርትራ ብሰለማዊ መንገዲ፡ ብምትእትታው ው/ሕ/ሃገራትን ሓያላን ሃገራትን ክፍታሕ ኣለዎ፡” ዝብል መርገጺ ነይሩዎም።

ኣብ ታሕሳስ 1960፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም ምስ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ፡ ምስ ወራሲ ዓራት ናይ’ቲ ንግስነት (ፈይሰል) ብጕዳይ ኤርትራ ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም። እንተዀነ፡ እቲ ወራሲ ዓራት፡ ጥርዓኖም ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕርቡ ከም ዘለዎም ነጊሩ ተፋነዎም። ብ20 ታሕሳስ 1960 እድሪስ፡ ሓደ ‘መሞራንዱም’ ወረቐት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ዓብዱራሺድ ዓሊ ሸርማርከ ኣቕሪቡ። ገለ ካብ’ቲ ዘቕረቦ ሓገዝ ዝጠልብ ነጥብታት፤ ኤርትራውያን ኣብ ሞቓዲሾ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ክኸፍቱ፡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ናይ ሶማልያ ፓስፖርት ክወሃቦም፡ ብናይ ሶማልያ መደበር ራድዮ ፈነውኦም ክዝርግሑ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መደበር ታዕሊም ሶማልያ ክዕለሙ… ዝብል ነበረ። ዝበዝሐ ካብ’ዚ ነጥብታት ድማ ብመንግስቲ ሶማልያ ተማሊኡ። እዚ፡ ብ1 ለካቲት 1961 ዝተመስረተ ሕውነታዊ ዝምድና ሶማልያን ኤርትራን፡ በሪ ዝኸፈተ መድረኽ ነበረ።

ኣብ ፋልማይ ኣዋርሕ 1961፡ ካብ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት (ካይሮ) ዝተላእኹ ጣህር ሳልምን መሓመድ ኣድም ገሲርን፡ ነቲ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ መንፈሳዊ መራሒ በኒዓሚር ዝዀነ መሓመድ ኢብን ዳውድ ኢብን ሙስጠፋ (ሰይድና) ብምርካብ፡ ንተ/ሓ/ኤ ዝውክሉ ዋህዮታት ኣብ መንጎ ደቂ በኒዓሚር ክውድብ ሓበሩዎ። መሓመድ ሰይድና ድማ ኣብ ሚያዝያን ሰነን 1961 ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ረኺቡ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኽጅምር ሓተቶ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ሰዓብቱን ብ1 መስከረም 1961 ኣብ ጥቓ ጎቦ ኣዳል ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ኣጥቅዑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ፋልማይ ኣዋጅ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ኰይኑ ተሓበረ።

እድሪስ መሓመድ ኣድም ኣብ ካልኣይ እግሩ ናብ ስዑዲ ዓረብ (መጀመርያ ወርሓት 1961)፡ ምስ’ቲ ኣብ መጻኢ ጕዕዞ ሰውራ ኤርትራ (ብፍላይ ካብ 1961 ክሳዕ ‘76፡ ብሓፈሻ ድማ ካብ 1961 ክሳዕ ‘87) ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበረ ዑስማን ሳልሕ ሳበ፡ ብመንገዲ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ሪያድ ዝገበሩሉ ዕድመ መሰረት ክረኽቦ ክኢሉ። ብድሕሪ’ዚ እምበኣር፡ እድሪስ ከም ኣቦ-መንበር ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ግብጺ፡ ሳበ ድማ ወኪል መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሶማልያ ኰይኖም ስርሖም ጀሚሮም። እድሪስን ሳበን ናብ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን እናኸዱ፡ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ብወተሃደራዊ ትምህርቲ ናይ’ተን ሃገራት ክስልጥኑ፡ ናይ ኣጽዋር ሓገዛት ክህበኦም ጽዒሮም። ኣብ ከተማታት ደማስቆ፡ ዓማን፡ ባቕዳድ፡ ሪያድ፡ ጀዳ፡ ዓደን፡ ትርቡሊ፡ ኣልጀርስ፡ ሞቓድሾ፡ ካይሮ፡ ኻርቱም፡ ከሰላ፡ ፖርት ሱዳን፡ መደኒ፡ ገዳርፍ፡ ኣጥባራ፡ ኩወይት፡ ሞሮኮ፡ ጅቡቲ… ንተ/ሓ/ኤ ዝውክል ኣብያተ ጽሕፈት ከም ዝኽፈት’ውን ገይሮም።

ካብ 1961 ክሳዕ መወዳእታ 1969 ከም ኣካል ላዕለዋይ መሪሕነት ተ/ሓ/ኤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብምዃን፡ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሓገዛት ገበሩ። ኣካል ላዕለዋይ መሪሕነት (መጅሊስ ኣልኣዕላ)፤ እድሪስ መሓመድ ኣድም (ኣቦ-መንበር)፡ እድሪስ ዑስማን ገላውዲዎስ (ጸሓፊ ጕዳይ ሰውራ)፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ (ጸሓፊ ጕዳይ ወጻኢ) ነይሮም። ድሕሪ 1967 ዝተወሰኹ ድማ፡ ተድላ ባይሩ፡ ጣሃ መሓመድ ኑር፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ ሰይድ ኣሕመድ መሓመድ ሃሽም፡ ዑስማን እድሪስ ኽያር ነበሩ። ካልእ፡ ብሰውራዊ ባይቶ (መጅልስ ኣልሰውሪያ) ዝጽዋዕ ድማ ኣብ ከሰላ ሱዳን ነበረ። ኣብ’ቲ ብዘመነ ክፍልታት ዝጽዋዕ መዋእል ተ.ሓ.ኤ. (1965-69)፡ ድሕሪ ጉባኤ ዓንሰባ (09/1968)፡ ኣብ መንጎ’ዞም ላዕለዋይ መሪሕነት ፍልልያት ክገሃድ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ባርካ ዝነበረት ብማሕሙድ ዲናይ እትምራሕ ቀዳመይቲ ክፍሊ ከም ውክልና እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ኣብ ሰንሒት ዝነበረት ብዑመር እዛዝ እትምራሕ ካልኣይቲ ክፍሊ ከም ውክልና እድሪስ ገላውዲዎስ፡ ንደቂ ሰምሃር ዝሓዘት ብመሓመድ ዓሊ ዑማሮ እትምራሕ ራብዓይቲ ክፍሊ ድማ ከም ውክልና ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኰይነን ይረኣያ ነበራ።

ኣብ ቃልሲ ሜዳ ኤርትራ ዝነበራ ሓሙሽተ ክፍልታት፡ ንሓድሕደን ዘይተሓጋገዛ፡ ኣብ ጕዳይ ኣተሓሕዛ ሓደስቲ ተጋደልቲን ማእከላይ መሪሕነትን፡ ገንዘባዊን ወተሃደራዊ ቀረባትን ንምዝታይ ከምኡ’ውን ልፍንታዊ ሓይሊ (ምትሕንፋጽ ተጋደልቲ) ንምፍጣር ወዘተ. ዝዓለመ ጉባኤ ክካየድ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ክልተኦም እድሪስ ዝድግፉወን ቀዳመይቲን ካልኣይቲን ክፍልታት ኣይተሳተፋን። ስሉሳዊ ሓድነት ድማ ኣብ መንጎ 3ይቲ፡ 4ይቲን 5ይቲን ኣብ ጉባኤ ዓረዳይብን ዓንሰባን (ሰነን መስከረምን 1968) ተኻየዱ። ዑስማን ሳልሕ ሳበ ጸግዒ’ዚ ስሉሳዊ ሓድነት ኰይኑ። ክልተኦም እድሪስ፡ ማለት እድሪስ መሓመድ ኣድምን እድሪስ ዑስማን ገላውዲዎስን ነዚ ስሉሳዊ ሓድነት ኣይተቐበሉዎን። ሳበ ድማ ከም መልሰ ተግባር፡ ንሰውራዊ መሪሕነት (ሱዳን)፡ ንላዕለዋይ ባይቶ (ግብጺ)ን ንኽልተአን ዘይተጸንበራ ክፍልታትን ዝገብሮ ዝነበረ ገንዘባዊን ወተሃደራዊ ቀረባትን ደው ኣቢሉ፡ ናብተን ስሉሳዊ ሓድነት ዝፈጠራ ጥራሕ ኣተኲሩ።

ኣብ ነሓሰ 1969 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ 38 ዝኣባላታ ሓዳስ ጠቕላሊት መሪሕነት፡ ማለት ቅያዳ ኣልዓማ ተፈጢራ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረት ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. በኣኣ ክቕየድ ሓበረት። ክልተኦም እድሪስ ብቕያዳ ኣልዓማ ከም ዝቅየዱ ክሕብሩ ከለዉ፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ግን ኣይተቐበሎን። ብሕዳር 1969 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዓማን፡ ቅያዳ ኣልዓማ ምስ ክልተኦም ወገናት ላዕለዋይ ባይቶ ዝነበሮ ምትሕሓዝ በተኹ። ኣብ መጀመርያን መፋርቕን 1970፡ ሳበ፡ ነቶም ኣብ ሱዳንን ሶርያን ዝነበሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ሒዙ ተፈንጪሉ።

እድሪስ፡ ኣብ 1971 ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ተሳቲፉ፡ ኣብ’ታ 16 ዝኣባላታ መሪሕነት ባይቶ፡ ኣቦ-መንበር ኰይኑ ብዓብላሊ ድምጺ ተመሪጹ። ኣብ’ቲ ኣብ 1975 ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ተ/ሓ/ኤ ግን፡ ብድልየቱ ካብ ስልጣን ወሪዱ። ኣቦ-መንበርነት ድማ ናብ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ተሰጋጊሩ። ጠቕሊሉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸደ እድሪስ፡ ኣብ ረፈረንደም 1993 ከም ዘድመጸ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ይጠቅስ። ብ28 ነሓሰ 2003 ኣብ ሆስፒታል ጀዳ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ 82 ዓመቱ ዓሪፉ፣ ኣብ’ታ ሃገር ድማ ተቐቢሩ።

 

ምንጪ ጽሑፍ፡

መጽሓፍ ኢንሳይክሎፐድያ ኤርትራና ብኣማን ተኸስተ፡ 2020

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ
Next Article ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?