Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ተወጊዙ” ምባልን “ተገዚቱ” ምባልን ፍልልይ ኣለዎ ዶ ወይስ ሓደ እዩ?

“ተወጊዙ” ምባልን “ተገዚቱ” ምባልን ፍልልይ ኣለዎ ዶ ወይስ ሓደ እዩ?

3
By Mekonnen T. on October 21, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኢለ እንተዝሓተኩም እንታይ ምመለስኩም። እቲ ኣቐዲሙ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ይኹን፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብ”ስምረት ገዳማውያን ኤርትራ ተጻሒፉ” ዝተባህለ ደብዳቤ ይኹን፡ ኣብ ክልቲኡ፡ እቶም ነቲ ጽሑፍ ዘዳለዉ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ “ምውጋዝን” “ምግዛትን” ዘሎ ናይ ትርጉም ፍልልይ፡ ነጺሮም ዝፈለይዎ ኣይመስለንን። ናይ ሎሚ ሕመረት ትሕዝቶ ብርዐይ እምበኣር፡ ንትርጉም እዘን ክልተ ቃላትን ኣብቲ ደብዳቤ ኣስዒበናኦ ዘለዋ ናይ ትርጉም ሃስያን ብዝምልከት እዩ ትንታነ ሓሳብ ከቕርብ።

“ኣቶ ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ብኽሕደት-እምነት ተወጊዞም ዝብል ዜና እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ?” ዝብል ሰለስተ ኣማራጺታት ዝነበሮ ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ብመገዲ ፋይስቡክ ዘርጊሐ ምንባረይ ትዝክርዎ ኢኹም። 58 ሚእታዊት ምውጋዝ ናይዞም ሰባት ዘጕሃዮም ክኾኑ ከለው፡ 42 ሚእታዊት ድማ እዞም ሰባት እዚኦም ምውጋዞም ዘሐጎሶም ኮኑ። ክንድዚ ዝኣክል ናይ ሓሳባት ፍልልይ ምርኣየይ፡ ድቃስ ዝህብ ተረኽቦ ኣይነበረን’ሞ ምስ ገዛእ ርእሰይ ምጕት ገጠምኩ። ሓደ ነገር ከኣ በሪሁ ተራእየኒ። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጠንቂ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ቃላት ዘይምጥቃም እዩ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዝብል ድማ ርዒመ ኣለኹ። ምግዛትን ምውጋዝን ዝብል ቃላት ፈሊኻ ክትርድኦም እንተዘይክኢልካ እትህቦ ውሳነ ብእኡ መጠን ዝተደናገረ ስእሊ ከምዝፈጥር ከብ ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ተራእዩኒ’ሎ።

ዕባይ ገጠር እንተኾንኩም፡ “በዓል ምድሪ ሓሪስኩም?” ኢሎም ኣቦይ ቀሺ ክግዝቱ ሰሚዕኩሞም ኣለኹም። ኣቦይ ቀሺ “ገዚቶም” እምበር ኣይወገዙን። “ገዚተካ ኣለኹ” ምባል፡ ክሳዕ እቲ ዝግብኣካ ጌርካ ኣብ መስመር ትኣቱ፡ ንግዚኡ ናይ ምፍላይ መቕጻዕቲ እዩ። ስርዓት ዝጠሓሰ፡ ሕጊ ዘየኽበረ፡ ስነምግባር ዘበላሸወ ወዘተ፡ ከከም ኣድላይነቱ ይግዘት እዩ። ን 40 መዓልቲ ድዩ ን መንፈቕ ኣብ ምሕረት እቲ ገዛቲ ይውሰን። ተገዛቲ ንስሓኡ ምስ ተቐበለን ምስ ፈጸመን ግና ናብ ንቡር ህይወቱ ይምለስ። ምግዛት ማለት እምበኣር እነሆልኩም ካብዚ ዝሓልፍ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝከኣል ኣይመስለንን። “ምውጋዝ” ግን ካልእ ትርጉም ዘለዎ እዩ’ሞ ምስ እዚ ክንሓናፍጾ ኣይግባእን።

“ምውጋዝ” ዝብል ቃል ክልዓል ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ብቐዳምነት ክሰኣል ዘለዎ፡ “ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ፡” ዝብል ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል እዩ። “ውጉዘ ለይኩን!” እንብሎ ኸኣ ኣብ መሰረተ እምነት ጥርጥር ዘምጽአ፡ ንመሰረታዊ ምህሮ ክርስትና ዘይተቐበለን ዝነጸገን ምስ ዝኸውን እዩ። ከም እኒ ኣርዮስ ከም እኒ መቅደንዮስ ወዘተ… ተማዒዶምን ዕድል ተዋሂቦምን ኣብ መትከሎም ንዝደረቑ፡ እቲ ናይ ውግዘት ፍጻመ ኣብ ከምዚኣቶም ይፍጸም።

እቲ ኣቐዲሙ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተጻሕፈ ይኹን እዚ ሕጂ ብስምረት ገዳማውያን ተጻሒፉ ተባሂሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ጽሑፍ ግን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይዘን ሎሚ ንዛረበለን ዘለና ቃላት ዝተጠንቀቑ ኣይመስሉን። ኣበሃህላይ ንምብራህ ምእንቲ ክጥዕመኒ፡ ካብቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቐዲሞም ዘዝርግሕዎ መልእኽቲ ነቲ ዘድልየና ክፋል ጥራይ ምስቲ ክኸውን ኔርዎ ዝብሎ መአረምታ ኣብ ሓጹር ጌረ ክደግሞ፡-

“ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አወግዝ ኣለኹ፡(እግዝት ኣለኹ ክኸውን ኔርዎ)። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊ’ዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ አፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኢለ ኣሎኹ (ግዙት ይኹን ክኸውን ኔርዎ) ።

“ከምኡውን ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ ዕለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹን ብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ (ገዚተካ ኣለኹ ክኸውን ኔርዎ)።

ናብቲ ብ”ስምረት ገዳማውያን” ተጻሒፉ ዝተባህለ ደብዳቤ ምስ እንምለስ ድማ፡ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሸብዓተ ገበናት፡ ብርግጽ በቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ትርጉም ናይዘን ንዛረበለን ዘለና ክልተ ቃላት፡ እቲ ገበን ንምውጋዝ ዘብቅዕ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣዕማደ ምስጢር (መሰረት እምነት) በተደጋጋሚ ጥሒስኩምን ከምዝጠሓስ ጌርኩምን፡ ተማዒድኩም ኣይሰማዕኩምን ወዘተ ዝብል ክሲ ነዚ ንብሎ ዘለና ከራጕደልና ዝኽእል ይመስል። እንተኾነ ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ከምዘሎ ግን፡ እቲ ገበናት “መነስሒ ክኾነኩም” ተባሂሉ ይዝርዘር ስለዘሎ፡ ክልተ ተገራጫዊ ነገር ይገብሮ። ብንስሓ ክዕረ ዝኽእል ነገር፡ “ምግዛት” እምበር “ምውጋዝ” ክስዕቦ ኣይግባእን። ስለዚ እምበኣር እቶም ጸሓፍቲ ከየስተብሃሉሉ፡ እቲ ትሕዝቶ ካብ “ምውጋዝ” ናብ “ምግዛት” ክሰጋገር ከሎ ንዕዘብ። እምበርከስ፡ እቲ ብቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተጻሕፈ ይኹን እዚ ሕጂ ብስምረት ገዳማውያን ተጻሒፉ ዝበሃል ዘሎን፡ ብናይ ውግዘት ደብዳቤ ዲና ክንርድኦስ ወይስ ብናይ ምግዛት ኢና ክንርድኦ??፡ እቲ ዕዮ ገዛ ንኹላትና ዝምልከት ይመስለኒ። ሓሳብኩም ብቕንዕናን ብነጻነትን ከተካፍሉና ግን እንሆ ሜዳ እንሆ ኸኣ ፈረስ!

እግዚኣብሄር ይባርኽኩምን ይሓሉኹምን!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደግፍ ወይ ተቓወም!
Next Article ኪኖ ጽቡቕን ሕማቕን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

3 Comments

  1. Anonymous on October 29, 2014 4:37 am

    እቲ ትኽክል ትርጉም ናይዘን ቃላት ከምቲ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝበሎ ይመስለኒ።

  2. Anonymous on November 25, 2014 10:33 am

    ቀሺ ዮናስ ካህን ኢዮም፡ከምዚ ክኸውን ነይርዋዶ ኣይነበሮን ክብሉ ስልጣኖም ዝዘንግዑ ይመስለኒ፡ንምንታይ ፓትሪያርክ ኣምሳል ክርስቶስ ኢዩ፡፡ተወሳኺ እውን ሓደ ሰብ ንከምኡ ዝበለ ሰብ ከምዚ ኢኻ ክትብል ዝግበአካ ክብል፡ኣነ ኢየ ፈላጥ ይብል ኣሎ፡ ርእሲ የብልካን እሞ ብርእሰይ ኪድ ኢዩ፡ዘስምዕ ከምዚ ምድማፅ ትዕቢት ኢዩ፡፡ ዘገርመኒ እዛ በሎግ ክንደይ ጠቃምን ኣገዳስን መንፈሳዊ ጽሑፋት ዘየቅረበትሲ ከመይ ኢላ ኢያ ነዚ ሃጠው ቀጠው ፅሑፍ መሪፃ፡ዶ ዋላ ኣሳናዳኢ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳሳትን ይፍታሀን ዝተወስደ ስለዘሕዘኖ ከም ድላዮም ስለዘይከዱ ኢዩ፡፡

  3. Anonymous on December 31, 2014 7:29 am

    መሰረታዊ ሽግር፡ ኣብ ግእዝን ትግርኛን ከይ ፈለይኩም ትጽሕፉ ወይ ትዛረቡ ሰባት ዘሎ ዪመስል፡፡ ቀዲመን ዚተጥቕሳ ክልተ ቃላት፡ ትርጉመን ጥራሕ ጠቒስኩም እንተ ትእርሙወን፡ ኣይምጸገመን፡፡ ካልእ ስርጢጥ መልእኽቲ ስለ ዝተወሰኸ ግን፡ ተወሰኽቲ ጌጋታት በዚሖም፡።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?