Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ተኽሊ ቘልቋል

ተኽሊ ቘልቋል

0
By Mekonnen T. on January 15, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ፡ ኦ ሄንሪ
ተረርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ
ግዜ ተዛማዲ እዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ዝዝውተር፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ፍጻመ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተዘኪሩ ክትንተን ስለ ዝኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ኢዱ ንዝወደዮ ጓንቲ ኣውጺኡ እንከቕምጥ ሕሉፍ ታሪኹ ኽቕጀሎ ይኽእል እዩ።
ትሪስደለ ከምዚ ዓይነት ኵነት ኣጋጠሞ። ንሱ፡ ኣብታ ከም መጠን ነጨበረር ንበይኑ ዝነብረላ ቤቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ተኽሊ ዝበቘላ፡ ብቀይሕ ካይላ እተሰርሐት ዕትሮ ተገቲሩ፡ ሕሉፍ ፍጻመ እናዘከረ ኣስተንተነ።
እታ ተኽሊ ሓንቲ ካብ ዓሌታት ቈልቋል እያ። ንሳ፡ ከምቶም ዘስፋሕፍሕ መሓውር ዝውንኑ እንስሳታት ተጋሕቲና ከም ዘላ ረኣየ። ኣቝጽልታ’ውን እናተነነዉ፡ ‘ንዓ ናብዚ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ኽመስሉ ተንቀሳቐሱ።
ኣብኡ ዝተረኽበ ዓርኪ ትሪስደለን ሓዋ ነታ መርዓቱ ክትከውን ሓሲቡዋ ዝነበረት ጐርዞን፡ ንበይኑ ይሰቲ ብምህላዉ፡ ኣብ ኵርናዕ ጣውላ ዀይኑ ቅሬታኡ ኣስምዐ። ክልተ ኣዕሩኽ ክዳን ኣጋ ምሸቶም ለቢሶም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጁባኦም ዘለዋ መላጕም ከም ከዋኽብቲ ኣብለጨለጫ።
ትሪስደለ፡ ጓንቲኡ እናውጽአ፡ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ንዝተፈጸመ ሓደ ዘርዕድ ርእዮተ-ሕሉፍ ብሓንጐሉ ኣቢሉ ብፍጥነት ሓለፈ። ፈለማ፡ ኣፍንጫኡ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተነስኒሱ ንዝነበረ ምኡዝ ጨና ዕንባባታት ዘሸተታ ዀይኑ ተሰምዖ።
ኣእዛኑ’ውን ዜማ ኻህናትን ሓሸሽታ ቐሚሾምን ዝሰምዓ ዘለዋ መሰሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ድምጺ ሓደ ንዘረባኡ እናጐተት ዘቃልሕ ካህን ውትፍ በሎ። ኣብቲ ህሞትቲ ዝኸፍአ ስእሊ ኣብ ሓንጐሉ ተሳእለ። እቲ ስእሊ መርዓቱ ኽትከውን ዝሓሰባ ጐርዞ ብኻልእ ሰብኣይ እናተወስደት ከላ ኣርኣዮ።
ካብዚ ተስፋ ዘቝርጽ ስእለ ኣእምሮ ዘስረጸትሉ መኣዝን ተበጊሱ፡ ኵነታት እናገጣጠም ክግምግም ጀመረ። ፈለማ፡ ሓቂ’ዩ ዝበሎ ሓደ ኽስተት ህሩግ በሎ። ብመሰረት፡ እዚ ሃንደበት ዝተቐጀሎ ሓሳብ ንውሽጡ መርመረ።
ንውሽጡ መርሚሩ፡ ንስብእናኡ ኣቃልዓ። ብኡንብኡ ኸኣ ኣቃለላ። ባዶነት ተሰምዖ። ብዅሉ ምሉ ምስሉይነት ተጐልቢቡ ዝንቀሳቐስ እምበር ሓቀኛ መለለዪ ዘለዎ ፍጥረት ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ባእታታት ህይወቱ ዝዀና ትዕቢትን ጃህራን ቐንዲ ምኽኒት ውድቀቱ ምዃነን ገምገመ።
ንሳ እዚ ዅሉ ኣሉታዊ ባህሪ የባላን። ግን ስለ ምንታይ ነጺጋቶ፧ ካብ ምምርማር ዓዲ ኣይወዓለን። ካብቲ ምእመናን ጠጠው ዝብሉሉ ስፍራ ተበጊሶም ብመተሓላለፊ መረባ ኣቢሎም፡ ኣብቲ መንበረ ታቦት ዝርከበሉ በሪኽ ስፍራ እንክበጽሑ ንዝነበረ ቕዙን ኣጠማምታኣ ዘከሮ።
ሽዑኡ፡ ፈሳምን ጽምሉውን ገጽ ከም ዝረአየላ ተዘከሮ። ድሕሪኡ ንዝሰዓበ ምልውዋጥ እናገምገመ ድማ ትርጕም ሃቦ። ካብኡ ተበጊሱ ድማ ብዛዕባይ ትሓስብ ስለ ዘላ እያ ክትፍስምን፡ ክትጽምልውን ክኢላ ክብል ደምደመ።
ኣብ መወዳእታ፡ እናዘከራ ምእንቲ ኽነብር መደዓዓሲ ዝኸውን ብሩህ ገጽ ዝኸልአቶ ዀይኑ ተሰምዖ። ከምኡ ኽብል ዝኸኣለ፡ ንሳ ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ተረኺቡ ከም ዘሎ ርእያ ኽንሳ፡ ብቘላሕታ ርእይ ኣቢላ፡ ንጠመተኣ ካብኡ ስለ ዝኣለየቶ እዩ።
በዚ ተግባራ ብዙሕ ከይደንጐየት፡ ክትርስዖ ከም እትኽእል ገይሩ ወሰዶ። እዚ ናይ መወዳእታ ሓሳብ ነቲ ከም ደጋፊኡ ዀይኑ ዘንብሮ ሕሉፍ ነፍሰ ምትእምማኑ ሓማሸሾ። ገረሞ ግን። ስለ ምንታይ እያ ክትነጽጎ ወሲና። ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዝበሃል ኣይተኸስተን።
ከምቲ ዝፈለሞ፡ ካብ ምምርማር ዓዲ ኣይወዓለን። ንመበል ሓደ ሽሕ ግዜ ኽበሃል ብዝኽእል መገዲ ድማ፡ እዚ ማዕበል መጺኡ ኽሳዕ ዝገማጥሎም ንዝነበረ ርክቦም መሊሱ ፈተሾ። ብመሰረቱ፡ ከም ጣኦት ተኽብሮ ከም ዝነበረት ኣይረስዖን።
ንሱ፡ ትሕትናኣ ምስሉይ መሰረት ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ከምኡ እንክትገብር ከመይ ጽቡቕ ይስምዖ ነይሩ! ምቕሉልነት ዝመልኦ ኣተሓሕዛኣ ማሪኹዎ እዩ። ብኣቀራርባኣ’ውን ብዙሕ ተመሲጡ ነይሩ እዩ።
ንሳ፡ ከም ፈላጥ ክኢላን ጥበበኛን እናሓሰበት፡ ካብ ልባ ኣኽቢራቶ እያ። ንሱ ግን ልክዕ ከምቲ ማእለያ ዘይብሉ ዝናብ ረኺቡ ፍረ ዘይህብ ምድረ-በዳ፡ ነቲ ኵሉ ናእዳኣ ተተቐቢሉ ዘምከኖ ዀይኑ እዩ ቈጺሩዎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ትርስደለ፡ ነቲ ጓንቲኡ ብትሪ ጐቲቱ ካብ ኢዱ እናፈላለዮ ኸሎ፡ ፍትወተ-ነፍሱ ኸም ብሓዲሽ ብንጹር ተቐጀሎ። ብኡንብኡ ሓደ ምሸት ንዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ ምግምጋም ኣተወ። ፈለማ ንዘረባኣ ዘከሮ።
“ካፒታኖ ካሩዘርስ፡ እስፓኒኛ ልክዕ ከም ቋንቋ ኣደኻ ከም እትዛረበሉ ሓቢሩኒ። ስለ ምንታይ ደኣልካ ነዚ ኽእለትካ ሓቢእካለይ። ንምዃኑ ንስኻ ዘይትፈልጦ ነገር ኣሎ ድዩ፧” ኢላ ሓተተቶ።
ነዚ ነጥቢዚ እንከልዕል ካሩዘርስ ዳንደ ኽኸውን ኣለዎ ኽብል ሓሰበ። ብመሰረቱ፡ ካራቲዘርስ፡ ትሪዳለ ሓደ ኽልተ ዝተሓናፈጻ ቓላት ብምዝራቡ እስፓኒኛ ዝፈልጥ መሲሉዎ እዩ ተጋግዩ። ተጋግዩ ኸኣ ነታ ጐርዞ ኣጋግዩዋ።
ብዝዀነ፡ ሓቂ መሲሉዋ ኣድነቐቶ። ንሱ’ውን ነቲ ስምዕታኣ ብዘይ ዕሚምታ ተቐበሎ። እዚ ሓቂ ናይ ምኽዋል ተግባሩ፡ ድሕሪ ቝሩብ እሾኽ ኰይኑ ከም ዝወግኦ ኣይተሰቈሮን። ብዝዀነ ኣብቲ ህሞትቲ ምዩቕ እናበለትን እናሓፈረትን ከም ዘዘራረበቶ ተፈለጦ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ እግራ ተደፊኡ ‘ትምርዐውኒዶ፧’ ክብላ ኸሎ፡ ንዝነበረ ኵነታት ዘከረ። ሽዑ ንሳ፡ ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣተወት ጭሩ ኣንገፍገፈት። ወላ’ኳ ኣብ ዓይና መልሲ እወታ እንተ ተነብበ፡ ብሕፍረት ተጐቢኣ ትኽ ዝበለ መልሲ ክትህቦ ኣይከኣለትን።
“ደሓን፡ ንሕቶኻ ጽባሕ ክምልሶ እየ።” ስለ ዝበለቶ ኸኣ፡ እሺታ ከም ዘይትነፍጎ ከይተጠራጠረ፡ እናኽመስመሰ ተሰናበታ። ሽዑ፡ ቃላ ኽሳዕ ዝረክብ ብተስፋ ተጸበየ። ነቲ ተስፋ ዝገበረሉ መልሲ ኽጽበ ጥራይ ግን ሓደ መዓልቲ ኣሕለፈ።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ካብ ቤቱ ኸይወጸ ብልዑል ሃንቀውታ መልሲ ኽመጾ ተጸበየ። ኣብ ግዜ ፋዱስ፡ ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ ኣፍራሳ ዝዀነ ኣገልጋሊኣ፡ ብዘይ ዘረባ ናብ ክፍሉ ኣትዩ ነዛ ኣብ ቀዪሕ ካይላ ዝበቘለት ተኽሊ ቘልቋል ኣቐሚጡ ኸደ።
ምስታ ተኽሊ ዝተላእከ መልእኽቲ ዀነ ኻልእ መዘኻኸሪ የለን። ንመንነት እታ ቝልቋል ዝገልጽ ስነ ኣታኽልታዊ መጸውዒ ግን ከም ላቔባ ኣብ ጫፍ እታ ኻይላ ተጻሒፉ ነበረ። ብኡንብኡ ኽሳዕ ምሸት ካብ ገዛኡ ከይወጸ ንመልሳ ኽጽበ ወዓለ።
መልሲ ዝበሃል ግን ፈጺማ ኣይለኣኸትሉን። ብሰንኪ ኵርዕ ባህሪኡን ዝተጐድአ ትምክሕቱን ኣብ ልዕለኣ ዘለዎ ባህጊ ጐደለ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ስነ ኣእምሮኣዊ ዅነት ኣብ ርእሱ ሰፊሩ እናሃለወ ኸኣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ናይ ድራር ስፍራ ተራኸቡ።
ሰላምታኦም ካብቲ ልሙድ ኣይሓለፈን። ንሳ፡ ካብኡ ብሃንቀውታ ብዙሕ ተጸበየት። ንሱ ብወገኑ ተመቕሊሉ፡ ግን ከኣ ደሪቑ ቐረባ። ኣብቲ ህሞትቲ፡ ንሳ ኣይተረደኣን እምበር፡ ነቲ ኽነግረካ እየ ዝበለቶ መልሳ ኣብ ምጽባይ እዩ ተጸሚዱ ዝነበረ።
ንሳ ብወገና በቲ ዝሑል ስምዒቱ ተመሪሓ፡ ከም መጠን ጓል ኣንስተይቲ፡ ብቕልጡፍ ከም በረድ ዘሓለት። ድሕሪ እዚ ህሞትዚ እዩ እምበኣር፡ ኣብ መንጎኦም፡ ብጋህዲ ነቓዕ ዝተፈጥረ። እናተቐራረቡ ኽንዲ ዝኸዱ ደማ ተረሓሓቑ።
ኣበይ እዩ እቲ ጌጋ፧ መን እዩ በቲ ጌጋ ዝውቀስ፧ ርግእ ኢሉን ተመቕሊሉን እንክሓስቦ፡ ኣቲ ጌጋ ትዕቢተኛነቱ ዘምጽኦ ምዃኑ ተፈለጦ። ኣብ ውሽጢ ኽፍሉ ኰይኑ ነዚ እናሓሰበ ኸሎ፡ ሓደ ሃዋኺ ድምጺ ውትፍ በሎ። ብኡንብኡ ሓሳብ ትረስዳለ በቲ ጋሻ ድምጺ ተበቲኑ፡ ኣቓልቦኡ ተቐየረ።
“ስማዕ እስከ፡ ትሪስደለ፡ እንታይ ሰይጣኑ እዩ ሰሪሩካ ዘሎ፧ ፍጺምካ ዝተሓጐስካ ኣይትመስልን ዘለኻ! ኣብ ቦታይ ኰይንካ እስከ ረኣዮ። ኣነ ንዓኻ ከደዓዕስ፡ ነቲ ኵሉ ሽጕርቲን ሙዝን ጠንጢነ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ መጺአ። ሕጂ ንዓ ተዛነ።”
“ኣነስ ፈጹመ ኣይሰቲን እየ። ሕጂ መስተ ዝበሃል ደስ ኣይበለንን ዘሎ።” ሓሳብ ኣቕረበ ትሪስደለ።
“እንሀ ብራንዲኻ!” ናብኡ ገጹ እናቐረበ ኸኣ “ስማዕ እዚ ንስኻ እትመርጾ መስተ የጽልእ እዩ። ንዓንዶ ግዳ እንሓንሳዕ ንዓይ ክትርኢ ኢልካ ናብ ፑንታ ረዶንዳ እተባህለ ስፍራ ምጻእ። ኣብኡ፡ ሽማግለ ጋርሽያ ኣስቲዅ ዘእትዎ ዘይሕጋዊ መስተ ምስ ረኸብካ ኽትሕጐስ ኢኻ።” ድሕሪ ምባል ቍሩብ ኣስተንፈሰ’ሞ ዘረባኡ ብምቕጻል።
“ስማዕስከ ነዚ ተኽሊ ቝልቋልዚ ኻበይ ኣምጺእካዮ፧” ክብል ሓተተ።
“ካብ ዓርከይ፡ ህያብ እዩ።” በለ ትሪስደለ፡ ኣስዒቡ ድማ “ብዛዕባ ዓሌት እዚ ተኽሊ ትፈልጥ ዲኻ፧”
“ከመይ ደኣ፡ ትሮፒካዊ ተኽሊ እዩ። ኣብዚ ፑንታ ዝበልኩኻ ስፍራ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዓሌት ኣለዎ። እንሀልካ መጸውዒኡ። ትሪስደለ፡ ንምዃኑ ቋንቋ እስፓኛ ትዛረብ ዲኻ፧”
“ብፍጹም!” በለ ትሪስደለ ብምረት ግን እናኽመስመስመሰ። “እምበኣር እስፓኒሻዊ ተኽሊ እዩ፧”
“እወ፡ ብኣተሓሳስባ ተወለድቲ ስፓኛ፡ ኣቝጽልቱ፡ ኢዳ ኸም ዝዘርግሐት ዓዳሚት እዮም ዝቘጸሩዎ። ጸዋዒት እያ ትበሃል። ስሙ ቨንቶማርመ፡ እዩ። እንክትርጐም “ንዓ’ሞ ውሰደኒ ማለት እዩ።’” ክብል ዘጣዕሶ ሓበሬታ ነገሮ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቃንዛኻ ኣልምደኒ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?