Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ተባዕ ፍርሒ

ተባዕ ፍርሒ

0
By Mekonnen T. on June 18, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ይውሕዝ ኣሎ ንብዓት
ካብ ኩሉ ኩርናዓት፡
ፍጡር ይጽውዕ ኣሎ ንፍትሒ
ዓይበቱ ቀዲዱ፡ ይልምን ብጥፍሒ።
ይጋዋሕ ኣሎ ኣውያት – ካብ ክልተ ልብታት
ኣዴታት ክእውያ፡ ይዕልሉ ኣቦታት
ኣቦታት ክጭበጡ፡ ይድብላ ኣዴታት
ዘይጥመር ድምጽታት – ንዝጥመር ጊሓት!
(ኪዲ’ንዶ ንስኺ ከኣ ኣልግሲ – ደጉዓ’ለኒ፡ ደጉዓ ስለ ነፍሲ!)
ይውቃዕ ኣሎ መጥቅዕ
ክበቅዕ ከይበቅዕ
ገለ ካብ ቤት ጸሎት
ገለ ካብ ሰፈር መናኽዕ፡
ዓባይቶ ክትውርወር ናብ’ቲ “ልክዕ”
ዝተረፈ ኣጻብዕቲ፡ ንኸብዲ ኢድ የጥቅዕ።
ይንፋሕ ኣሎ ታቱላን እምብልታን
ጻውዒት፡ ፍትሕን ጸረ-ፍትሕን
እዝኒ ሓንቲ ኮይና፡ ተደሪበን ልሳን
እዝንኻ ሓቲምካ፡ ክትስማዕ ምምሕጻን
ህዳ ካብ’ቲ ምዕራብ፡ ጫውጫው ካብ ቤት ከንኣን።
ቀለም ዘዝሓዘ በብናቱ ይጭርሕ
ከልቢ እናጓዘመ፡ ኣንበሳ ይጎርሕ
ምጉዛም ኢሎሞ፡ ወግሐ ጸብሐ ዉሕ ዉሕ
ርእሲ ተቖሪጹስ፡ መሓውር ይመርሕ።
(ርሓቕለይ’ባ ተለመኒ ኣልግሲ – ደጉዓ’ለኒ፡ ደጉዓ ስለ ነፍሲ።)
ሸናዕ ክንብለሉ እተፈጥረ መገዲ
ቀለም ለለኺኻስ ናይ መስርዕ መኣዲ
ዕዳኻ ሓቢእካ፡ ክትከውን ኣዋዲ
“እተመረቐት” ልሳን፡ ቅልጽም ኮይና ሕጂ።
ኣቤት ጓይላ፡ እዝም! እዝም! እዝም!
ኣንበሳ ‘ተስቀጠስ ከልቢ “ይጓዝም”።
(ንዒባ በጃኺ ኣልግሲ – ደጉዓ’ለኒ፡ ደጉዓ ስለ ነፍሲ።)
ኣእዳውን ክሳድን ሰማይ ከየንቃዕርራ
ንቡር ተመንይወን ሓድሕድ ይፈኻኸራ
ፈጣሪ ረሲዐን፡ ፈጠርቲ ክመስላ
በቲ ይትዕነና፡ በቲ ይጭሕግራ
ርግቢት ደም እናነብዐት፡ ይምርቕ ኣሞራ።
(ግደፍኒ’ባ ንዒ ኣልግሲ- ደጉዓ’ለኒ ደጕዓ ስለ ነፍሲ።)
ቆቓሕ ምስ’ታ ዛግራ ሓድሕድ ክካሰሳ
ወኻርያ ትዳኒ፡ ብድቅሱ ኣንበሳ
በ’ናፍራ ብርኒህጎ ዝበርገገት ነብሲ
ጽላል ትሓትት ኣላ፡ ኣብ ናይ ኣባጉንባሕ “ጋዕሲ”።
ቀይሕ ምንጻፍ፡ ተቐይሩ ወለንሳ
ጣዕሳ ኸኣ ይተኻኻእ ብ”ጣዕሳ”
በቑባቝ ከብዲ መሓውር ዘፍለሳ
“ንርኢ” መቸም ትፈጥሮ መለሳ።
(ኣይሰምዓክን’የ ኪዲ ግዳ ኣልግሲ – ደጕዓ’ለኒ – ደጕዓ ስለ ነፍሲ።)
እዚ ዘመን ንባዕሉ’ውን ሽሉ
ፍጡራት ኣብዚሑ ሽሉ ምሉ
ኣራእስ ኣጽቢቦም ከብዶም እናግፍሑ
ኣብ ሓንጎል ሰብ እግሮም ዘሳፍሑ
ኣብ ጨው ቀትሪ በይኖም ዘንፋሕዅ
ሰብ ክህርህር ንሶም ይሕርንኹ
ሰብ ክድቅስ ወንጌል ኣስቆሮት ይሰብኩ።
ተለኻኸም ኮይኑ ናብ ናብ ጸሓይ ናብ ቀላይ
ተሳሓሓብ ኮይኑ ናብ ቀይሕ ናብ ሓምላይ
ብጽጋቦም ኣብታይ እንተዓንደሩ
ዝበልዐት ዘይብላ ትኽተሎም ዒሉ
ጡብ ኣደ ነኺስካዶ፡ ጥበብ ተፈጢሩ!?
እናተሳሕገት ዝረገጽካያ ነፍሲ
ኣውያት ምስ ተሰምዐስ፡ ቋሬጣ ኣብ ርእሲ ርእሲ
ንሓቂ ረጊጽካ፡ ፍትሒ ከተሳሲ
‘ጽላል ዳዕሮ’ ክንሳ፡ ‘ታ ደም ዘዕበያ ፈልሲ።
(ኪዲ ከኣ’ቲ ንስኺ ኣልግሲ – ደጉዓ ኣለኒ፡ ደጉዓ ስለ ነፍሲ።)
ውሻጠ ከም ዝጸበበ መቐመጥ ስፈታት
ይምሃዝ ኣሎ – ላዕልን ታሕትን ቅርጫት፡
ህድሞ ብሰፊሑ – ከብቲ እናሳፍሑ
መጉስዕ እናመለሱ፡ ከብቲ እቶም ዘይጎረሑ
ላዕልን ታሕትን ንእዲ መን’ዩ ሰራሒኡ
ንዘይድቅሰሉ፡ ሰብ’ምበር “በሊሑ”
“ፍትሒ” ይጽውዕ ኣሎ፡ ቁልፉ ፈፈቲሑ።
(ግድፈኒ’ንዶ ኣልግሲ – ደጉዓ’ለኒ፡ ደጉዓ ስለ ነፍሲ።)
ዓሳ-ወርቂ ክንዲ ምዃን ኣብ ማዕበላት ሓዊ
እናተቐበርካስ ስለ ዕሩፍ ተአዊ
ኣብ ዓዲ ህሉዋት፡ ምህላውካ ብህይወት
“ኣለኹ” እናበልካ፡ ትረግጻ ንመሬት
ምርቓ ትረክብ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት።
(ግደፍኒ’ንዶ ፍርሒ ኣልግሲ – ዋዛ ኣይኮነን ደጕዓ ስለ ነፍሲ።)
ክላ. . . ካላ. . . ክላ
ሓርገጽ ጀበብ እናበለ’ንድሞ
ርግቢት ስቕ ኢላ።
***

ወረግ ኣነ እንታይ ገደሰኒ
ቅናት ኣደይ ማርያም ቁልፍታት ከለኒ
ከዋኽብቲ ዛዕጎል ዝኾኑኒ
ወርሒ’ሞ ከውርዳ ነደይ ክትኮና ስተሊኒ
ፈጣሪ ከሎዶ ጽልግልግ ከይብለኒ
ኣይፈርሕን “ፈራሕ” ከይትብሉኒ
ንሱዶ ንስኻ ከይተዕቁበኒ
ከይደ ግዳ፡ ዝምርቕ ኣይደሊ ዝረግመኒ
ኣብ ዝኸድኩዎ ማይራም ኣላትኒ፣
ተባዕ’የ ኣነ ኣብ ቤት ጸሎት ዘሳፍሕ
ምስኡ ኣይጓዝም፡ ምሳኻ ኣይነብሕ።

ኣማኑኤል በርሀ
18 ሰነ 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ
Next Article ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ስነ-ጥበበኛ ኣቦና ትካቦ ወልደማርያም
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?