Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ተራ ቆልዑ ባልካን ኣብ ምዕሻው ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ

ተራ ቆልዑ ባልካን ኣብ ምዕሻው ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ

0
By Mekonnen T. on December 24, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መኮነን ተስፋይ

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ሓበሬታ፡ ዓለምና ናብ ቁሸት እናተቐየረት’ያ ትኸይድ ዘላ። እዚ ከኣ  ኢንተርነት ዝፈጠሮ ምዕባለን ምስኡ ዝተኣሳሰር ምህዞታትን  ብዙሕ ክንዕዘብ ንኽእል ኣለና።  ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ ሰብ ንሓበሬታ ልዕሊ መግቢ ክሃርፎን ክመገቦን ምርኣይ ልሙድ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ሓበሬታ ምምጋብ ጽቡቕን ሓጋዝን’ዩ፡ ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ከኣ “ሓበሬታ ሓይሊ’ዩ” ከበሃል ንሰምዕ። ይኹን እምበር ኩሉ ሓበሬታት ሓይሊ ኮይኑ ንቕድሚት ይደኣፍካ ማለት ኣይኮነን። ንድሕሪት ዝጎቱ ሽሕን ሓደን ሓበሬታት ከኣ ኣለው። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሕልፊ ኣብ ፌስቡክ ሼር ዝግበሩ ቪድዮታትን ዜናታትን ማእለያ የብሎምን። ዜናታት ተኣመንቲ ክኾኑ፡ ጽሑፋት ተቐባልነት ክህልዎም ብስእሊ ክሰነዩ ናይ ግድን’ዩ። ኣብዚ’ዩ ከኣ ዝመጽእ እቲ ጸገም። ገለ ሰባት መሰነይታ ስእሊ ካብ ዘይምርካብ ኣንባቢ እምንቲ ክቕበሎ ናይ ካልእ ከባቢ ስእሊ ከም መሰነይታ ይቐርብ’ዩ። እቲ ዜና ንግዚኡ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዳሕራይ ምስ ተፈልጠ ግን ዕንወቱ ቀሊል ኣይከውንን። ድሕሪኡ ከኣ ኣንባቢ ነቲ ማዕከን ዜና ክኣምኖ ዘለዎ ተኽእሎ የውሕዶ። “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ነይ ኣምኖ” ድዩ ዝበሃል? ገለ ገለ ሰባት ካብ ኣመና ምግራም ዝተላዕለ ብዝሒ ተዓዘብቲ ክረኽቡ ብምባል ንዝተሰነዐ ቪድዮ ብኣድናቖት ሼር ክብልዎ ትዕዘብ ኢኻ። “ዋው ክንድዚ ዝቑመቱ ገበል ተረኺቡ” “ዋው ኣብ ከምዚ ሃገር ጓል ናብ ገበል ተቐይራ”  እናበሉ ከኣ ኣሚኖም ከድነቑ ትዕዘብ። ሕሉፍ ሓሊፉዎም ኣብ ቻይና ሰባት ተጠቢሖም ከም ስጋ ክሽየጡ ተረኺቦም ተባሂሉ ገለ’ውን ስጋ ሰብ ከም ሰርዲን ኣብ ኣፍሪቃ ይሽየጥ ኣሎ ተባሂሉ ዕዳጋ ብዙሓት ሰባት ኣበላሽዮም’ዮም። ካብዚ ዝጠቐስኩዎ፡ ሓቅነት ዘለው ፍጻሜ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ብቐዳምነት ክንሓትት ዘለና ግን ምንጪ ካበይ’ዩ። ሎሚ ሎሞ ኣብ ኢንተርነት ብፍላይ ኣብ ዊኪፐድያ ኢንሳክሎፐድያ ዝሰፍር ጽሑፋት ከም መበገስን ገለ ነጥቢ መትሓዝን ደኣ ክጠቕም ይኽእል ይኸውን እምበር ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሜሪካ ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ላዕለዋይ  ከም ሓደ ምንጪ ሓበሬታ ክትጠቕሶ ተቐባልነት የበሉን (ምኽንያቱ ዊኪፐድያ ብ ኣማኢት ወለንተኛታት ጸሓፍቲ ዝዳሎ መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ ሓደ ጸሓፊ ነቲ ናይቲ ሓደ ጸሓፊ ክእርም፡ ከጉድልን ክውስኽን መሰል ኣለዎ ብጀካ’ዚ ነቲ ጽሑፋት መሀብተሚ ዝካየድ መጽናዕትታት ድሩት’ዩ)። ብፍላይ ኣብ ዪኒቨርስታት ከኣ እሞ ሎሚ ሎሚ ዋላ እቲ ብ ዶት ኮም ዝውድእ መርበብ ሓበሬታት ከይተረፈ’ዩ ዘይእመንን ብዙሕ ተቐባልነት ዘይህልዎን ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን  ብደቂ ሰባት ከምዚ ዓይነት ምህዞ ተረኺቡ ወይ ከኣ መድሃኒት ናይ ከምዚ ዓይነት ሕማም ተረኺቡ ተባሂሉ ክዘረብ እንከሎ ቀዳምነት ዝሓትዋ ብዛዕብኡ ዝተገብረ መጽናዕቲ ( research)  መወከሲ ሃበኒ’ዮም ዝብሉኻ። ወይ ድማ ኣብ ሓደ እሙን ማዕከን ዜና ተፈንዩ  እንተኾይኑ የረጋግጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ካብቲ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ  ምዕዋት ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ሕጹይ ተዋዳዳራይ ዶንላድ ትራምፕ እዩ። ምስ ምዕዋት ዶናልድ ትራምፕ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ሓያሎ ነጥብታት ሓደ፡ ብዙሓት ናይ ሓሶት ዜናታት ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብቲታት ይዝርጋሕ ምንባሩ’ዩ። እዚ መስርሕ ኮነ ኢልካ ብጋንታ ተወዳዳራይ ዶናልድ ትራምፕ ዝግበር ዝነበረ ዲዩ? ራሻ ኸ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ኣለዎዶ ዝብሉ ሕቶታት ከኣ ኣላዓዒሉ ይርከብ። ብዙኾነ ጉዳይ ምዕዋት ዶላንድ ትራምፕ ንጎኒ ገዲፈ ኣብዚ ኣብጊሰዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ገለ ክብል። ሓያሎ ሰባት ነዚ ብዛዕባ ትራምፕ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓሶት ዜና እሞ ድማ መብዛሕትኡ ኣንጻር ሂላሪ ወይ ድማ ደገፍ ትራምፕ ኮነ ኢልካ ዲዩ ዋላስ ካልኦት ሰባት ነቲ መስርሕ ዜና ዝረብሕሉ ኣለው ብምባል ሕቶ ኣልዒሎም መጽናዕቲ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ባልካን ናይ ቅድም ግዝኣት ዮጎዝላቭያ ዝነበረት መቆደንያ ኣብ ሓንቲ ካብ 50 ሽሕ ዘይበዝሕ ህዝቢ ኣብ ዝርከባ ንእሽቶ ከተማ ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ  ዝዛረባ ልዕሊ 140 መርበብ ሓበሬታታት ክረኽቡ ከኣሉ። እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ዳርጋ ብምሉኦም ወነንቲ እተን መርበብ ሓበሬታታት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኮይኖም’ዮም ጸኒሖም።

እዛ ካብ ኣሜሪካ ልዕሊ 10 ሽሕ ኪሜ ርሒቓ ትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቨለን በዞም ናይ ፓለቲካ መርበብ ሓበሬታ ዘካይዱ መንእሰናት ምዕልቕላቓ ዘየገርም ኣይኮነን። ኣብ ሓንቲ worldPoliticus.com  ዝስማ መርበብ ሓበሬታ  ንኣብነት

“ጸሎትኩም ሰሚሩልኩም’ዩ!”  ዝብል ኣርእስተ ዜና ሒዛ ካብ ዝወጸት ጽሕፍቲ

“እዚ ናይ መዋእልና ዝዓበየ ዜና’ዩ እቲ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኣባል ኤፍቢኣይ  ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2017 ዓም በቲ ዝገበረቶ ናይ ኢመይል ገበን ክትእሰር ከም ዝኾነት ሓቢሩ።  ዝብል ዜና ምስ ኣቕረበት እቶም ነዚን ወዲ ከምዚን ሓቂ ክኾነሎም ዝምነዩ ዝነበሩ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ሓጎሶም ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት ከኣ ነቶም መሰረት ዘይብሉ ዜና ምሂዞም ዘቕርቡ ዝነበሩ ቆልዑ ባልካን ሽሻያም ክኸፍቱሎም ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 140,000 ሼር ብምባል ካብኡ ዘይውሕድ ከኣ ርእይቶታትን ላይክን ኣውሓዙ። እዚ ሼርን ላይክን ናይ ደገፍቲ ትራምፕ ንቖልዑ ባልካን ኣብ ሕዛእቲ ከም ዘእተኻዮ ብዕራይ’ዩ ኮይኑሎም። እተን worldPolitics.com : USConservativetoday.com : DonaldTrumpNews.co : USAdailyPolitics.com. ዝብላን ካልኦትን መርበብ ሓበሬታትን ናብቶም ዓቃባውያንን ደገፍቲ ትራምፕን ዝዓለመ ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ጽዑቕ ስራሕ ረኺበን ነበራ።

ነዘን መርበብ ሓበሬታት ዘካይዱ ቆልዑ ባልካን ከም ዝበልዎ ብዛዕባ ዶናልድ ትራምፕ ዘገድሶም ኣይኮነን። ንሶም ዘገድሶም ቁጠባዊ ረብሐኦም’ዩ። ናይ ስታስቲክስ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ  ፌስቡክ ተጠቒሞም ናብ ርኦም ዝመርሑ ሰባት እቶም ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ዝነብሩ ምስ’ቶም ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ዝነበሩ ከተወዳደሮም እንከለኻ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይበዝሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምጥዋቕ ናይ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ዕዳጋ መወዓውዒ እትርከብ ሓንቲ ሳንቲም ነዞም ቆልዑ ባልካን ብዝሒ በጻሕቲ ረኺቦም ብርክት ዝበለ ገንዘብ ንኸኻዕብቱ ቀንዲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ነቲ ዝፈብረኽዎ  ዜና ኣብ ፌስቡክ ምጥቃዕ ነበረ። ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ቆልዑ ባልካን ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ስሙ ክዕቀበሉ ድሕሪ ምሕታት ከምዚ ይብል

“እወ፡ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ነውጽኦ ዜና ሕማቕ’ዩ፡ ሓሶት’ዩ፡ ግሩሃት ሰባት’ውን ናብ ጌጋ ክመርሖም ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ ሰባት ነቲ ነዳልዎ ዜናታት ክጥውቕዎ ኪኢሎም ክንጥቀመሉ ከኣ ኣለና”

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ካብ ኣሜሪካ ሼር ዝበልዋ በዞም ቆልዑ ባልካን ዝተዳለወት ዜና ንኣብነት

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2013  “ከም በዓል ዶናልድ ትራም ፕ ዝኣመሰሉ ሰባት ንፕረዚደንት ኣሜርካ ክወዳደሩ ኣለዎም እብል ምኽንያቱ ቁኑዓትን ብገንዘብ ዘይድለሉን’ዮም” ከም ዝበለት ዝጠቅስ ነበረ። እዛ ዜና እዚኣ ጥራሕ ብ480,000 ሰባት ሼር ከም ዝተባህለት ይፍለጥ። ካልእ ካብተን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሼር ዝረኸባ ዓበይቲ ዜናታት ኩለን ሓሶት ኮይነን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሶት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዶናልድ ትራምፕ ከም ዝድግፉ፡ ምክትል ዶናልድ ትራምብ ንሚሸል ኦባማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እታ ዝኸፈት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ከም ዝበሉ፡ ዝብሉ ዜናታትን ካልእን ነበረ። እዚ ናይ ሓሶት ዜናታት ንደገፍቲ ትራምፕ ብምዕሻፍ ምንጪ መኻበዕቲ እቶም ቆልዑ ባልካን ኮነ።

እዞም ቆልዑ ድሕሪ ምዕዋት ዶናልድ ትራምፕ ገና ሕጂውን ስራሕ ዘይዘሓሎም እንተኾነ ግን ብዙሓት ተቓጸጽቲ ዝረኸቡ ይሕብሩ። ነቲ ካብ ጉጊል ኣድሰንስ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ገንዘብ ኣብ ምቕጻሉ’ኳ ስክፍታ እንተለዎም ኣብቲ ውዕውዕ ዜናታት ዘቕርቡሉ ዝነበሩ ግዜ ሓደ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ክሳብ 3 ሽሕ ዶላር ኣብ መዓልቲ የእትው ምንባሮም እቲ ኣብ ላዕሊ ቃለ መሕትት ዘካየደ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ተማሃራይ ዩንቨርስቲ ሃገረ መቆንደንያ ከተማ ቨለን ይጠቅስ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሂወት ከም ጸወታ ዳማ!
Next Article እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?