Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, June 16, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ልበ ወልድ»Books»ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

0
By Mekonnen T. on November 13, 2020 Books
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ
ብጀራልድ ሀርበርት ፖርታል
ትርጉም ብ ነጋሽ ኣስፍሃ

መእተዊ

መጽሓፍ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ”: ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ግዝኣት ሕጋዊ ንምግባሩ ኣብ በርሊን (15.11.1884 – 26.2.1885) ዘካየደኦ ኣኼባ ተጻሕፈት። ኣብ ኣኼባ በርሊን:እተን ኤውሮጳውያን ሃገራት ይግባኣኒ ኢዩ ዝብላኦ ግዝኣታት ኣፍሪቃ: ብሰራዊት:ልኡኻት ወንጌል ብምስዳድ: ብነጋዶ ክቆጻጸርኦ ወሰና።ብዘይካዚ ኣብተን ግዝኣታት መንገዲ ባቡር: ዕርድታትን ህንጻታትን ክተኽላ ተሰማምዓ። ኣብቲ እዋን እቲ ደራሲ ሀርበርት ፖርታል ነቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ንጉስ የውሃንስን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ግዝኣታት ናይ ሎሚ ኤርትራ ንምፍታሕ ካብ ንግስቲ ቪክቶሪያ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተላእከ።

ኢጣልያ ድሮ ሰራዊታን ኣጽዋራን ኣብ ምጽዋዕ ኣራጊፋ: ናብ ከበሳታት ኤርትራ ትመጣጠር ነበረት። ብምዕራብ ድማ ሓይልታት ማህዲ ግዝኣቶምን ሃይማኖት ምስልምና ንምስፍሕፋሕን ደም ደም ዝሸትሉ ጊዘ ነበረ። ንጉስ የውሃንስ ብምብራቕ ብኢጣልያውያን: ብምዕራብ ብማህዳውያን ተቐርቂሩ ከይኣክል ኣብ ውሽጢ እውን እቶም መሳፍንቲ ዘቕስንዎ ኣይነበሩን። ስለዚ እምበኣር እንግሊዝ በቲ ሓደ ወገን ግዝኣት ኢጣልያ ዝረግኣሉ ባይታ ንምጥጣሕ: በቲ ሓደ ድማ ንጉስ የውሃንስ ነቶም ኣብ ሱዳን ብማህዳውያን ተኸቢቦም ዝነበሩ ወተሃደራታ ንምጽዋዕ ብሰላም ስለ ዘእተዎም ሞሳኡ ንምኽፋል ኣበርቲዓ ተንቀሳቐሰት።

ፖርታል ነቲ ዝተዋህቦ ገዚፍ ተልእኾ ሽምግልና ንምፍጻም: ካብ ምጽዋዕ ብእግርን መጽዓኛን ንደብረ ታቦር በጺሑ ምስ ንጉስ የውሃንስ ተራኺቡ። ኣብቲ ኣጻድፍን ጎላጉልን ዘጋጠሞ ጽምኢን ድኻምን ብስእላዊ መልክዕ ሰኒዱ ኣቕሪብዎ። ንሱ ባህርያዊ ተጻብኦታት ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ ብራእስታት ዘጋጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋታት ማዕረ ሂወቱ ንምጥፋእ ዝተኣልመ ውዲት ብጥበብን ብጽንዓትን ሰጊርዎ።

ሀርበርት ፖርታል ንባህልን ልምድን ኣቢሲንያ: ንትብዓት: ጭካነ: ክፍኣትን ቅንእን ገዛእቲ ብዓይኑ ካብ ዝረኣዮን ብእዝኑ ካብ ዝሰምዖን ኣስፊሩ። ደራሲ ናይዛ መጽሓፍ: ነቲ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ህልኽን ምውድዳርን በቲ ሓደ: በቲ ሓደ ድማ ገላዩ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዝነበሮምቦታን ኣተሓሕዛን መብርሂ ሂቡ። ሀርበርት ፖርታል በቲ ብሸፋቱን ብኣራዊትን እተጎብአ ዱር ክስንጥቕ ከሎ: መንፈሱ ኣርጊኡ ንባህርያዊ ትዕድልቲ እቲ ከባቢ: ሩባ: ገረብ: እንስሳ ዘገዳምን ኣዕዋፍን ዘሕደረሉ ስምዒት ላዛ ብዝመልኦ ኣገባብ ምቕራቡ: ንጽሑፉ ተነባቢ ኣብ ምግባር ብሉጽ ስርሓት ኣበርኪቱ።

እዛ ”ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ” ዘርእስታ መጽሓፍ: መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ቅድሚ ምእዋጁ ንዝነበረ ፖለቲካዊ:ቁጠባዊ:ማሕበራውን ባህላውን ኩነታት ስለ እትገልጽ: ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ሃገርነት ኤርትራን ዝምድናኣ ምስ ኢትዮጵያን መሰረት ከጨብጥ ዝኽእል ሓያሎይ ኣገደስቲ ነጥብታት ሒዛ ኣላ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሃገረሰብ ዓደይ!
Next Article ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን
Mekonnen T.

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?