Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብዛዕባ ብርዐይን ልሳነይን

ብዛዕባ ብርዐይን ልሳነይን

0
By Mekonnen T. on August 3, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ደሳለ በረኸ፡ ሳባ ኪዳነ፡ መኮንን ተስፋይ፣ ሰላም።

ፈለማ፡ ካብ’ቲ ዘይተኣርነበ ሃተፍተፈይ (ዕላል ምስ ስነጠበበኛታት) ቍምነገር ጸሚቝኩም ብምቕራብኩም ምስጋናይ ዳርጋ ወሰን የብሉን። ብርዒ ዓደቦኹም የጣጥዓያ። እቲ “ሓይሊ ኣጠቓቕማ ቋንቋ’ ናይ’ቲ ጸሓፊ ዳኒኤል’ስ ኣብ’ቲ ተዛራቢ ዳኒኤል ኣይርከብን!” ዝበልኩሞ እውን ሓቂ። ብመሰረቱ ካብ ንዘረባ ንጽሕፈት

ዝተወሃብኩ እመስለኒ። ከም ቈልዓ ኣዝየ ደንጕየ እዬ ኣፍ ኣጽሬ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ኣብ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ዓመተይ ን’ረ’ ኣጽሬያ። እቲ ምጽያፈይ ንዓበይቲ የስሕቖም ነበረ’ሞ ካብ ዘረባ ክቑጠብን ክሓፍርን ጀሚረ። ን’ረ’ ምሰሸነፍኩ ግን ንዘረባ እንዳደፈርኩዎን፡ ንሕፍረት እንዳተቘጻጸርኩዎ ከይደ። ንመጠረስትኡ ከኣ ንዘረባን ሕፍረትን ረጊጸየ ሓሊፈ ክሳብ ዓይኒ ከውጽእ በጺሐ።

መጀመርያ ዓመት ዩኒቨርሲቲ፡ ነቶም ሽዑ መንእሰያት ዝነበርና፡ ካብ መዓልታዊ ኣካላውን መንፈሳውን ምቍጽጻር ወለዲ ፍጹም ሓራ ወጺና፡ ንፈለማ እዋን፡ ንበይንና ብዛዕባ ነፍስና ምሉእን ነጻን ሓላፍነት ዝወሰድናሉ፣ ሓቀኛ ጠባያትና ዘጻጣሕናሉን ሓደ ዓይነት መጣውዮ ህይወት ነበረ። ነቲ ቤት ትምህርቲ ከም ብገዛእ ተሞኵሮ ናብ ምሉእ ሰብኣይነት ነፍሰ ሓርነትን ዘሳግረና ድልድል ኢና ተገንዚብናዮ። ስድራ ቤት ንባዕሉ ሓደ መልክዕ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ሽዑ ተረዲኡኒ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብዅሉ ሸነኻት ትርጕም ናይ’ቲ ቃል ሸፊተ። ዓቢደ። ዓንዲረ። ንልበይ፡ ንርእሰይ፡ ንመንፈሰይ ክሳብ ልዕሊ ዓቕሞም ደፊኤዮም ንመጠረስትኡ ከኣ ዓቐነይ ገምጊመ። ዓቐነይ ከኣ ዓቐነኣልቦ እዩ። ከም ዓቐን ኵሉ ሰብ። ነቲ ክሳብ ሽዑ ዝፈልጦን ዝኣምኖን ኵሉ ደጊመ ክሓቶን፡ ገማጢለ ክርእዮን፡ በብዕለታዊ ሓዲስ ዓይኒ ክጥምቶን ድማ ክኢለ። እቲ ነፍሰንቕሓት ነፍሰእምነት ፈጢሩ ከኣ ኣብ ገድሊ ንእኩብ ህዝቢ ክዛረብ ጀመርኩ። ክሳብ እውን ንባይቶ ከየሰልቸኹ ንነዊሕ ጊዜ ክምድር ከምዝኽእል ክሳብ ተዘሪቡለይ። ኣሰር ናይ’ቲ መሰረታዊ ፍርሒ ዘረባ ግን ገና ኣሎኒ።

ምስ ጽሑፍ ግን ብባእሲ ኣይጀመርኩን። ብዛዕባ ምጽሓፍ ዝኾነ ሽግር ኣየጋጠመንን። እኳ’ድኣ ጽቡቕ እጽሕፍ ናይ ጽሑፋት ፍርሒ ኣይነበረንን። ምንባብ’ውን ፈተኹ ንነፍሰይ ስለዘይጽይፈላ። ንመጠረስትኡ፡ መጽሓፍቲ፡ ብተግባር፡ ደብረይን ዕርደይን ኮኑ። መዕቈቢየይ፡ መባሕተዊየይ፡ መደሰትየይ፡ መሕለሚየይ፡ ሓባሪየይ። ብጽሑፍ ከኣ፡ ኵሉ’ቲ ክብሎ ዝደለኹዎ ብንጹርን፡ መሳጥን፡ ኮርኳርን፡ ኣስሓቕን’ውን ክብል ከምዝኽእል ኣውተውዒለ። ኣዕሩዅተይ ዝጸሓፍኩሎም ደብዳቤታይ ይዓቝሩዎ ነቢሮም እዮም።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝሓደረኒ መፈለምታዊ ፍርሒ ዘረባ፡ መደረ ንዓርሱ ሓደ ረዚን ተውህቦን ክእለትን እዩ። ኣብ ጽሑፍ ሓሳባት ክትእክብን፡ ከተነጽርን ከተብስልን ጥራሕ ዘይኮነስ ከተጸብቕን እውን የኽእል። ኣብ መደረ ግን እቲ ቅኑዕ ቃል ኣብ ቅኑዕ እዋን ክመጽእ ኣሎዎ። እቲ ምሉእ መደረን ስነሞገቱን ክወሃሃዱን ክውሕዙን ኣሎዎም። እቲ መደረ ክማርኽን ክምስጥን ምእንታን ረምታ ዘረባ ይሰርዕ። ክሳብ ናብ ትያትራዊ እውን ይበጽሕ። ሂትለር፡ ኣብ መደርኡ ዝጥቀመሎም ምውስዋስ ኣካላትን ምቅይያር ገጽን ድምጽን ካብ ቴክኒክ ትያትር ዝተቐድሑ እዮም። ኣብ ልዕሊ’ዚ መዳሪ ነዊሕ ክሳድ የድልዮ ንጉጉይ ዘረባ ኣብ መገዲ ምእንታን ክዓግት። ከም’ቲ ኣነ ዝጋገዮ ከኣ ክንደይ ሜትሮ ክሳድ ከድልየኒ’ዩ ገምቱ ክሳድ ሰገን እኳ ኣይኣኽለኒ። ስለ’ዚ ድማ ይኸውን ካብ ምምዳር ምጽሓፍ ዝብርሃኒ። ኣብ ጸቢብ ‘ጋዕዳታት’ ግን ኣዕሩዅተይ ጽቡቕ ከምዘዕልል ይብሉ። ኣብ’ዚ ዓይነት ዕላል’ዚ እንታይ ዓይነት ቋንቋ እጥቀም ኣይስከፍን ንሓሳበይ ዘመሓላልፍ ቋንቋ እጥቀም። ብዝበለጸ ድማ ብዋዛን ስሓቕን ክገልጾ ደስ ይብለኒ። ኣብ ምምሕዳር ቋንቋታት ገለ ሽግር ኣሎኒ ከም’ቲ ገብረኤል’ውን ዘሎዎ። ላእ! ኣይቲመልኣኽን። ገብረኤል ኣብ’ዚ ኣብ ባድ ቪልዱንገን ዝቕመጥ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኤርትራዊ ቈልዓ እዩ። ኣብ መገዲ ስደት እዩ ተወሊዱ። ካብ ሊብያ ገለ ዓረብኛ ለቂሙ። ኣብ ኢጣልያ ዝነውሐ ስለዝተቐመጠ ገለ ኢጣልያንኛ እውን ለቂቡ። ምስ ሓንቲ ኣምሓርኛ ተዛራቢት መሓዛ ኣዲኡ ብዙሕ ስለዝተዛመደ ከኣ ኣብ መኽዘን ቋንቋታቱ ኣምሓርኛ ወሲኹ። ናብ ጀርመን ኣትዮም ድማ ጀርመንኛ ጀሚሩ። እቲ ቈልዓ፡ ካብ’ቶም ኵሎም ኣብ እግረ መገዱ ዝለቓቐሞም ቃላት ሓዋዊሱ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋ ሰሪሑ ኣሎ። ሓሳባቱን ድልዬቱን ንጓና ከረድእ የሸግሮ። ኣነ’ውን ከም’ኡ ዝኣመሰለ ሽግር የጓንፈኒ እዩ። ኣብ’ቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንቋንቋታት ዝምልከት ስርዓተትምህርቲ ኣዝዩ ተቐያያሪ እዩ ነቢሩ። ድሒርና ዘይንከታተሎም፡ ዘይተኸታተልናዮም ሓያሎ ቋንቋታት ክንምሃር ተገዲድና ኢና ። ፊደል ኣብ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ቈጺረ መባእታዊ ጣልያንኛ ተማሂረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ ሲታውያን ጣልያንኛን ትግርኛን እንግልዚኛን ተማሂረ። ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ጣልያንኛ ተሪፉ ኣምሓርኛ ከም ሓዲስ ቋንቋ ክመሃር ጀሚረ። ኣብ ሻዱሻይ ክፍሊ ትግርኛ ተሪፉ ኣብ ኣምሓርኛ እንግሊዝኛን ኣጽዕቐ። ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ሓዲስ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ተወሲኹኒ። ኣነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከም ‘ሕጋዊ ፈረንሳይኛ’ ንክልተ ዓመታት ቀጺለዮ ንብዙሓት ግን ዕድሜኡ ኣብ’ቲ ኣፍደገ ዩኒቨርሲቲ ኣብቂዑ። ኣብ ገድሊ ዓረብኛ ኣብ’ቲ መኽዘን ቋንቋታት ከም ገለ ኢሉ ተጻበበ። ኣብ ስደት ከኣ ጀርመንኛ ነቲ ምሉእ መኽዘን ንበይነይ ዘይመላእኩ በለ። በዚ ባቤላዊ ምዝብራቕ ቋንቋታት ዝሓለፈ ቃላት ክተሓዋወስዎ ቀዲሙ ዝተመደበ እዩ። ብፍላይ እንግልዝኛን ጀርመንኛን፡ ትግርኛን ኣምሓርኛን ተዛመድትን ተቐያየርትን ኴይኖም እናሻዕ ከይተፈለጠኒ እቐያይሮም። ወረ ዓለም ብጀርመንኛ’ዶ ብእንግሊዝኛ እዬ ዝሰምዕ ዘሎኹ ክሳብ ዝፈልጥ ጊዜ እወስድ። ኣብ ጽሑፍ ግን ዝኣመሰሉ ሽግራት የብለይን። ብትግርኛ እጽሕፍ። ንሓሳባተይ ሃዲአ እሰርዕ። ቃላተይ እመርጽ። ኣብ ጻዕረ ሞት ንዝርከቡ ቃላት የሕዊ፡ ንዝሞቱ የተንስእ፡ ንዝዓወሉ ናብ ቤቶም እመልስ። ንዘየሎዉ እምህዝ፡ የርዕም። ካብ ኵሉ ድማ እድምስስ። ኣብ ጽሑፈይ፡ ኣነ ንበይነይ ፈጣርን ቀታልን እዬ። ኣምላኽ ማለት። እዚ ድማ ክሳደይ ከንውሕ ከየድለየኒ። እዚ ወድሓንኩም።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

8.05.2014

ባድ ቪልዱንገን/ጀርመን

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደጉዓ ህልው
Next Article ዛንታ ዱባለን ጅግንነት ኣቶ ስብሃቱን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?