Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»’ ብዓል ሻምብቆ’’

’ ብዓል ሻምብቆ’’

0
By Mekonnen T. on March 15, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ጸጋይ መሓሪ
ቀዳመይቲ ዕለታዊ ዝኽረይ ኣብ ቀዳመይቲ ሸላይ
03 መጋቢት 2009 05,09pm
ሸላይ ቁ.65
‘’ብጭንቀት ኣብ ትዋጠረሉ ህሞት ኣብ ቅድሜኻ ዝረኸብካዮ ነገር ስበር ወይ ቅደድ፣ካብኡ ዝተረፈ ግን ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝህውጸካ ዘሎ ስምዒት ብንብዓት ከም ዝወጽእ ግበሮ’’ዝብል ክልሰ- ሓሳብ ስነ ልቦና ኣምቢበ ኔረ። ብግብሪ ከይፍትኖ ግን ክሳብ ክንድኡ ዝበጽሕ ጸቕጢ ጸቒጡኒ ኣይፈልጥን’ዩ። ከም ገለ ሂወት ክትጽወገለይ ከላ ድማ ናብቶም ቋንቋ ልበይ ዝሰምዑ መናብርተይ ከይደ ንሂወት ብፍቕሮም ይስዕራ ነበርኩ። ሎሚ ንግሆ ግን ነዛ ናይ ስነ ልቦና ክልሰ ሓሳብ ብተግባር ክፍትና ተገዲደ። ፈትየ ዘይኮንኩስ ተገዲደ።
ኣብዛ መቓብር ሃብታማት እትመስል ሸላ ንብሕተይ’የ ተኾርምየ ዘለኹ። ኣብዛ ኪኖ ነብሰይ ዝምዘኑ ሕብራውያን ስምዕታተይን ሓሳባተይን፣ መዓልታዊ ዘህለኾም ናይ ስጋ ነገራትን ዝጾረት ጸባብ ገፋሕ ሸላይ።
ኣብዛ ምስሊ ማእከላይ ባስካ ማይ ዝሓዘት ሸላ ካብ ዝኣቱ ዳርጋ ክልተ ሰሙን’የ ኣቑጺረ ዘለኹ። ሎሚ ንግሆ ክህውጸኒ’ዩ ኣርፊዱ። ‘’እንታይ ኣቢስና ‘’ ዝብል መላሲ ዘይብሉ ሕቶ ውሽጢ ይስርንቐኒ’ሎ። ናይ ጥበብ ኣሕዋተይ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ’የ ገዲፈዮም። ኣብዚ ማይስርዋ ‘ውን ክህል ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ግዜ ሽንቲ በብሓደ ስለንወጽእ መን ኣሎ መን የልን ኣይፈልጥን። መንፈሰይ ዝዘርግ ‘ምበር መንፈስይ ዘህድእ ሃዋህው ተሰዊሩኒ። ሽውሃተይ፣ሞራለይ፣ቅሳነተይ፣ ሓርነተይ፣(ትልኽ ዝብል ዝነበረ ሓርነተይ) ኣናረኣኹዎም ሽርብ ኢሎም።
‘’ነዛ ንዘልኣለምክትነብር ዘይተዓደለት ሂወትካ ኣይተጨንቃ’’ ዝብል ጥቕሲ ብልጭ ይብለኒ’ሞ፣ ክጭነቕን ዘይክጭነቕን ካብ ቁጽጽረይ ወጻኢ ስለዝኾነኒ ምስ ጭንቀተይን ናፍቖተይን ይተረፍ። ናፍቖት ዘፍቅሮም ሰባት፣ናፍቖት ሓርነት። ኣዒንተይ ንብዓት ቀምበይበይ ኢሉ ክፍርሻሕ ደለየ። ኣነ ድማ ዓገትኩዎ።
መድብኡኡ ከም ዝወደቐ ሳርማ ጨባዕ በለ። ክዓግቶ ዓቕሚ ሰኣንኩ። ኣብ መንጎ፣ ምስሊ’ቶም ዘፍቅሮም ኣብ ሂወተይ ብፍቕሪ ጥራይ ዝዕቀን ተራ ዘለዎም ስድራቤት ሂወተይ ኣብ ስእለ ኣእምሮይ ቆይሙ፣
‘’ኣጆኻ! ሂወት ብሕብርታት ሓጎስን ሓዘንን እትቕባእ ቅብኣ’ያ።እዚ ገጢሙካ ዘሎ ድማ ሓደ ካብቶም ንቅብኣ ሂወትካ ዘጸብቑ ሕብርታት’ዩ።ሂወት ኮ ቀስተደመና’ያ። ቀስተደመና ሓደ ሕብሪ እንተጎዲልዋ ጽባቐኣ የለን።ቀስተደመና’ውን ኣይትኸውንን። ሂወት ድማ ከምኡ…’’ ይብለኒ ሞ ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ…. ይኾነኒ።
‘’ ኣብዓለም ካብ ትፈትዎ ሰብ
ሃንደበት ምፍልላይ
ኣሕዋተይ ለካ ሕሱም’ዩ
ዘይክኣል ስቓይ’’
ኣስቆርቋሪት ደርፊ ኣብራሃም ገበረመድህን ኣብ ውሽጠይ ተዳሃየትኒ። ጽምዋ ክሳብ ክንድዚ ተባላዒ ምዃኑ ብዙሕ ኣይርድኣንን ኔሩ። ከም ገጣሚ ምስ ነብሰይ ከዕልል ስሕት ኢለ ዕላል ውሽጢ የዘውትር ኣኳ እንተነበርኩ፣ ሽዑስ ብድላየይ ግዲ ኔሩስ ጥዑም’ዩ ዝነበረ፣ ኪኖ’ዚ ግን ካብ ዙርያ ዘፍቅሮም ስድራቤት ሂወተይ ርሒቐ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ብዘይካ እዛ ሰሚዓ ዘይትምልስ ሸላይ ዓይነይ ዘንቁረኒ ፍጡር የለን። ኣብዚ ጎነይ ዘሎ ሸላታት ናይ ስዓል ድምጺ ይሰምዕ ኣለኹ። ትሑት ኣስቆርቋሪ ደርፍን ፋጻን ውን ይሰምዕ ኣለኹ። ከምዚ ከማይ ሓርነቶም ዝተመንዝዑ’ዮም። ምስ ጎርቤትካ ይትረፍ ምዕላል ምርኣይ’ውን ኣይፍቀድን’ዩ። ኣብዚ ስግረይ ግን ገሊኦም ብድላዮም ገሊኦም ድማ ውሽጦም ከም ውሽጦም ንዓና ዝሕልዉ’ዮም።በዛ ክልተ ስድሪ ዝግፍሓ መስኮት ሸላይ ክርእዮም’የ ቀንየ።
ምስቲ ቀምበይበይ እናበለ ዘሸገርኒ ዝንበረ ኣዒንተይ ኣብ ቃልሲ ከለና ሓደ ካብቶም ወትሃዳራት ብተምሳጥ ሻምብቆ ክሃርም ጀመረ። ካብዚ ተኾርምየሉ ዝንበረኩ ተንኮበት ተንሲአ ኣብዚ መስኮት ቆምኩ። ብኡ ንብኡ ንብዓተይ ከም ማይ ሓምለ ንሓሰ ጃሕጃሕ በለ።ሽዑስ ኣነ’ውን ስቕ ኢለ ተዓዛቢ ኮይነ።እንሆ እምብኣር ሕጂ ኣብ ተዛማዲ ሩፍታ ኣለኹ። ነቲ ዝህውጸኒ ዝነበረ ስምዒታት ብንብዓት ኣንፊስዮ። ነቲ ብማዕዶ’ምበር ምስሉ’ኳ ዘይለልዮ ብዓል ሻብቆ በዛ ግጥሚ ኣብ ዛንታ ሂወተይ ሰኒደዮ እንሃለኹ።

ብዓል ሻምብቆ

…ትሰምዓኒ ዶ ለኻ
የንብዓኒ ሎ !
ድምጺ ሻምብቆኻ
ግደፎ በጃኻ።
ብዘይብእኡ ከይተጸውዑ
ቅድሚት ዝተሰርዑ
ዝኽርታት ዮም ዘለውኒ
ምስልን ግብርን ዘፍቅሮም
‘ናምጽኡ ዝነዋኑውኒ።

ምዓስ መግቢ’ለዎ ውሽጠይ
ዝኽሪ ኮ ዩ መሊኡ
ዝኽሪ ብድምሮም ኣፍቀርቲ ሂወተይ።
ንስኻ ድማ፡
በዛ ሻምብቆ
ኣይትነቓንቆ።
እንተኽኢልካ ንነበሪ ጸውዓዮ
ናብራና ብርእዮ ክርእዮ
ሰብ ውን ኣብ ጉድጓድ ከምዝሰፍር
ክንኮኖ ምስክር።
ካብኡ ዝጨከኑ
ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ
ክፈልጥ….ተድሃዮ።
እምበር ዜማ ሻምብቆኻ’ኮ ብኡነት
ዋዜማ መዘመራን ናይ ቅዱሳን ማህሌት
ሰንጣቒ ልቢ በገና ዳዊት
እንታይ ሞ ፡ ስምዒተይ እንዶ’ናቐስቀሰ
ብእምባ ናፍቖት ንልበይ ‘ናጽደፈ።
ብዓል ሻምብቆ በጻሒ ልቢ
ቀስቃሲ ዝኽር ኣዘማሪ ውሽጢ
ሓዲኡ ክገብረኒ’ዚ ትዝታ
ዳሓን ኣይተቋርጽ ዜማታትካ
ኣስምዓኒ ብተርታ
እንተ ኣንብዐ ከኣ የንብዓኒ
እንተነባዕኩ’ዩ ንዓይ ውን ዝፈኹሰኒ።

ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous ArticlePrevious Post
Next Article ኣጉዲልካ ምምላእ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?