Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብኢድ ዘይተሃንጸ ሓወልቲ

ብኢድ ዘይተሃንጸ ሓወልቲ

0
By Mekonnen T. on February 12, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Efreim Beyene (Asmara)

ካብ 1830ታት ጀሚሩ ክሳብ መጀመርያ 20 ክፍለ ዘመን ስነ-ጽሑፍ ሩስያ ኣገራሚ ምዕባለ ዘርኣየሉ፡ በቲ ህቡብ ጸሓፍን ገጣማይን ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ተጀሚሩ ብልዮ ቶልስቶይን ፊዶር ዶስቶቭስኪይ ዝተዛዘመ  ወርቃዊ መዋእል እዩ ነይሩ። ፑሽኪን ንስነ-ጽሑፋዊ ቋንቋ ሩስያ ብምንጻርን ሓድሽ ጥበብ ኣጸሓሕፋ ብምትእትታውን ዝና ዝረኸበ ጸሓፊ እዩ። እታ ኣዝያ እትፍለጥ ስራሑ Eugene Onegin ዘርእስታ ግጥማዊት ልብወለድ ኮይና ብድሕሪኡ ዝመጹ ከም ሚኻኢል ሌርሞንቶቭ፡ የቭጌኒይ ባራቲንስኪይ፡ ኮንስታንቲን ባትዩሽኮቭ፡ ኒኮላይ ኒክራሶቭ፡ ኣሌክሰይ ኮኒስታንቲኖቪች ቶልስቶይ፡ ፈዶር ትዩቸቭን ኣፋናስይ ፌትን ዝበሉ ወለዶ ገጠምቲ ብእኡ ዝተጸለዉን ኣሰሩ ዝስዓቡን እዮም። እቲ እዋንቲ ግና ብዘይካ ግጥሚ ከም ናይ በዓል ኒኮላይ ጎጎልን ኢቫን ቱርገኔቭን ዝበሉ ዓበይቲ ደረስቲ ስርሓት’ውን ዝዓምበበሉ ብሓቂ ወርቃዊ መዋእል እዩ ነይሩ።

ከም ዝዓበየ ገጣማይን ፈላሚ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ሩስያን ዚፍለጥ ኣሌክሳንደር ሰርጌየቪች ፑሽኪን ኣብ ሰነ 1799 ኣብ ሞስኮ ካብ ልኡላውያን ቤተሰብ ሩስያ ዝተወልደ ኮይኑ ናይ መጀመርይታ ግጥሙ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ከሕትም ዝበቐዐ እዩ። እዚ ብኽብረቱ ንዝመጾ ኣዝዩ ተኣፋፊ ከም ዝነበረ ዚንገረሉ ጸሓፍን ገጣማይን ንስለ ክብረቱ 29 ግዜ ተፋሊሙ እዩ። ምፍላም ኪበሃል እንከሎ ከምዚ ደቂ ሎሚ ኣብ ዓድና “ንዓ ራስ ብራስ ይዋጽኣልና” ዝብልዎ ዓይነት ኮይኑ ብካሶቲን ብቴስታን ዘይኮነ ግና ብሽቶል ወይ ብሽጉጥ ንሞት ወይ ንህዬት ንሓዲኣ እያ። ፑሽኪን ከምታ ዝፈትዋን ብህይወት እናሃለወ ዚደጋግማ ዝነበረ ጥቕሱ “Live by the pen, die by the sword” “ምስ ብርዕኻ ንበር፡ ምስ ሰይፍኻ ከኣ ሙት!” ዓይነት ህይወት እዩ ኣሕሊፉ። ኩሉ መዓልቲ ደሓን ሓንቲ መዓልቲ ዘይደሓን ከም ዝበሃል ከኣ ወዲ 37 ዓመት መንእሰይ እንከሎ ንበዓልቲ ቤቱ ከጋጊ ምስ ዝፈተነ ኣባል ፈረሰኛ ረጅመንት ዝነበረ ጊዮርጒስ ቻርለስ ዲ ሂከርን ዝተባህለ ፈረንሳዊ መኮነን ኪፋለም እንከሎ ብዘጋጠሞ መውጋእቲ ለካቲት 10-1837 ዓ.ም እዛ ዓለም ከይጸገበቶ ተሰናቢትዋ።

ኣቦ ፑሽኪን ሰርጌ ሊቮቪች ፑሽኪን መቦቆሉ ካብቶም ቦያር ዝበሃሉ ናይ ሩስያ ሉዑላውያን ወለዶ ዝምዘዝ ኮይኑ፡ ስራሕ ዘይፈቱ መዝረምበጢ ከም ዝነበረ ተጻሒፉ ኣሎ። ኮይኑ ግና ቋንቋ ፈረንሳ ኣጽርዩ ዚዛረብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ገዚፍ ናይ ፈረንሳ ስነ ጽሑፍን ፍልስፍናን ቤተ መጻሕፍቲ ስለ ዝነበሮ እዚ ትሕዝቶኡ ድሒሩ ፑሽኪን ኣብ ትምህርቱ ንኺደፍእ ዱልዱል መሰረት ኮይንዎ እዩ። ኣደ ፑሽኪን ናዴዝዳ ኦሲፖቭና ጋኒባል ከኣ ብኖኣ ካብ ሉዑላን ቤተሰብ ስካንዲኒቭያ እትውለድ ኮይና ኣቦኣ ከኣ ኦሲፕ ኣብራሞቪች ጋኒባል እዩ።

እቲ ድሒሩ ጀነራል ናይ ፒተር ዓቢ ኪኸውን ዝበቐዐ ኣባሓጉኡ ንፑሽኪን ኣብራም ፔትሮቪች ጋኒባል ናብ ጓል ፒተር ዓቢ እቴጌ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣብ “Logon” ዝተባህለ ዓዲ ምውላዱ ተጠቒሱ ይርከብ። ከም ኣገላልጻ ቀዳማይ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወቱን ሰብኣይ ጓሉን፡ ኣብራም ወይ ኢብራሂም ወዲ ሓደ መራሒ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ምባልባት ኣቢስንያ ወይ ጫድ ኮይኑ ብቖልዓኡ እንከሎ ተጨውዩ ወይ ተላኢኹ ኣብ ቁስጥንጥንያ መጋባእያ ሱልጣን ቱርኪ ምስ ጸንሐ ካብኡ ተዓዲጉ ናብ ሩስያ መጸ’ሞ ሃጸይ ፒተር ዓቢ ዓይኒ ስለ ዘውደቐሉ ኣበሊጋኡ ኮይኑ ከም ዚጥመቕ ገበሮ።  ኣብ 1717 ዓ.ም ፒተር ዓቢ ኣብ ፈረንሳ ምብጻሕ ገይሩ ስለ ዝነበረ ንኣብራም ኣብ ፈረንሳ ኪመሃር ሰደዶ። ኣብራም ፔትሮቪች ጋኒባል ኣብ ፈረንሳ ወትሃደራዊ ምህንድስና ተማሂሩ ናብ ሩስያ ምስ ተመልሰ ናይዛ ናይ ሎሚ ኢስቶንያ መዲና ሪቫ ወይ ታሊን ኣማሓዳሪ ኮይኑ ተሸመ። ክሳብ ዘመን ካተሪን ዓባይ ከኣ ዝለዓለ ወትሃደራዊ ማዕረግ ብምልባስ ንኹሉ እቲ ኣብ ሩስያ ዚህነጽ ዝነበረ  ዕርዲታትን ካናለታትን ብሓላፍነት ዘተግበረ ሰብ ንምዃን በቕዐ። ኣቐዲሞም ሩስያውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ ህይወቱ እዚ ኣብ ደብዳቤኡ  Logon ተባሂሉ ዝተጠቐሰ ቦታ ኣብ ኣቢሲንያ ከምዝኾነ ደምዲሞም እዮም ጸኒሖም።

ቭላድሚር ናቡኮቭ ዝተባህለ ካብ 1899-1977 ዝነበረ ጸሓፊ ኣብ ልዕሊ እታ Eugene Onegin ዝተባህለት ውርይቲ ስራሕ ፑሽኪን ድሕሪ ዝገበሮ መጽናዕቲ ግና ነቲ መቦቆላዊ ዓዲ ኣብራም ጋኒባል ኣብ ኣቢስንያ ናይ ምዃኑ መደምደምታ ኣጠራጣሪ ገበሮ።

ኣብ 1995 ዓ.ም ዲዮዶነ ናማንኩ ዝተባህለ ጸሓፊ “Lagon” ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክሊ ካሜሩን ኣብ ዚርከብ ደቡባዊ ወሰን ናይ ቀላይ ጫድ ዘላ Lagone-Birni ምዃና፡ ኣብራም ከኣ ምናልባት ተወላዲ ናይቲ ጥንታዊ ንግስነት ኮቶኮ ወይ ግዝኣት ቃነም-ቦርኑ ነይሩ ኪኸውን ከም ዝኽእል ዚሕብር መግለጽታት ሂቡ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ንሱ ዘቕረቦ ክልሰ-ሓሳብውን ኪረጋገጽ ኣይተኻእለን።

በዚ ኾነ በቲ ኣቦ ዘመናዊ ስነ-ጹሕፍ ሩስያ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ሕብሪ ቆርበቱ ንባራክ ኦባማ ዚመስል ሓንፈጽ ምዃኑ ርጉጽ እኳ እንተኾነ ኣከራኻርነት መበቆላዊ ዓዱ ግና ገና መዕለቢ ኣይረኸበን።

ፑሽኪን ኣብ ሃገሩ ሩስያ ኣብ ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ንዝኽሩ ሓወልቲታት ቆይሙሉ እዩ። ጎደናታትን ኣብያተ ትምህርትን ብሽሙ ተጸዊዑ እዩ። ብስሙ ዝተጸወዐት መርከብውን ኣላ። መንግስቲ ኤርትራ ፑሽኪን ኣብ “ላቘን” እዩ ተወሊዱ ብምባል ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ሓወልቲ ተኺሉሉ ኣሎ። ኣቐዲሙ መንግስቲ ኢትዮጵያውን መበቆል ፑሽኪን ኢትዮጵያዊ ምዃኑ እናሞጎተ ከም ኣዳራሽ ፑሽኪን ዝበሉ ዝተፈላለየ መዘከርታታት ኪገብረሉ ጸኒሑ እይ።

ፖለቲካውያን መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንስነ-ጽሑፍ ካብ ዘለዎም ኣኽብሮትዶ ይኸውን ብዛዕባ ፑሽኪን ክንድዚ ተገዲሶም “ይብጽሓና” ኢሎም ዝዋጠጡሉ ዘለዉ? ርግጽ እዩ እንተላይ ስነ-ጽሑፍ ወሲኽካ ረቂቕ ጥበባት ኣብ ምዕባለን ምምእዛንን ሕብረተሰብ ዓቢ እጃም ዘለዎ ጸላዊ ዓውዲ ብምዃኑ መንግስታት እንተ ተገደሱሉ ዚገርም  ኣይኮነን። ይኹን እምበር ስነ-ጥበብ ዕምቢቡ ሰሲኑን ሕብረተሰብ ናይ ምድራኽ ተራኡ ምእንቲ ኪጻወት ናጽነት ይደሊ። ዛጊት ግና እቲ ሩስያ ብሃጸያት እናተመርሐት እንከላ ዝነበረ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ጥበብን ናጽነት ሎሚ ድሕሪ 200 ዓመታትውን ገና ዝበጻሕናዮ ኣይመስልን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መመረቕታ ኣልበም ቴዲ ኣፍሮ ዘጋጠመ ምትዕንቓፋት ብምጥቃስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ፡ ፍቅር እስከ መቃብር ክትሕተም እንከላ ዝነበረ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ይሓይሽ ኢሎም ዝምጉቱ ወገናት ኣለዉ።

ናይ ኤርትራ ግና መነጻጸሪውን ዝርከቦ ኣይኮነን። ብተኸታታሊ ን? ዓመታት ብዓፈና ሚድያን ሓሳብካ ምግላጽን ረከርድ ሒዙ ዘሎ፡ ኣብ 20?? ዓ.ም ብዘይ ቅንጣብ ምኽንያት ልዕሊ ሰላሳ ንዝኾኑ ጸሓፍቲ፡ ገጠምቲን ጋዜጠኛታትን ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣሲሩ ንዕኦምን ስድራኦምን ዘሳቐየን ዝደሃለን መንግስቲ ኣድናቒን ሓብሓብን ስነ-ጥበብ ኪመስል እንተፈቲኑ ንርእሱ ጥራይ እዩ ዝቕሽሽ። ሎሚ ስነ-ጥበብ ኣብ ኤርትራ ጨሪሱ እንተዘይሞይቱ ይስሓግ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ የለን።

እዚ ሕጂ በዝን በትን ፈንጢሱ ኪወጽእ እንርእዮ ኩሉ ዓይነት ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝተሰርሐ፡ ወይ ከኣ ክትገልጾ ዘስደምም ዕንቅፋትን መመያን ሰጊሩ ዝወጸ እዩ። ጸገም ናይ መንግስቲ ኤርትራ ንጥበብ ከም ደራኺ ምዕባለ ዘይኮነ ሎሚ ኣብ እዋን ናጽነት እውን ከምቲ ኣብ ዓንበርበብ ዚገብሮ ዝነበረ ከም  መጋበርያ ጥራይ ኪጥቀመሉ ምድላዩ እዩ። ናጽነት ዘይብሉ ጥበብ ከኣ ኣብ ጸልማት ከም ዝበቖለ ተኽሊ እዩ።

ኣብ ከምዚ ሃዋሁ ኣብ ዘላ ኤርትራ ሓወልቲ ናይቲ ዘይጸዓድ ኣፍቃሪ ናጽነት ዝኾነ ተቐናዪ ሓውልቲ ምትካል ኣብ ጉሓፍ ከም እተደርበየ  መጽሓፍ ክትሪኦ ባህ ዘብል ኣይኮነን። ብዓቢኡ ግና ፑሽኪን ከምቲ ኣብ ሓንቲ ካብ ግጥምታቱ ዝበሎ ሳላ ዘመናት ዘየህስሶ ስርሑ ስሙ ኣብ ኣንበብቲ ከም ዘይሃስስ ኮይኑ ተወቂጡ ተሪፉ እዩ።

“ሓወልቲ ኣቚመ ንባዕለይ ንዝኽረይ

ካብ ናይ ኣሌክሳንደር ዓንዲውን ዝፍለይ

ኩዕንን ውጥሕ ኢሉ ብወጅሂ ዘጌጸ

እሞ ብኢደ-ሰብ ከኣ ዘይተሃንጸ

ንቕያ ዘበለ ቀው ኢልካ ዝጥመት

ሰባት ዝነግድዎ ወትሩ ዘንትእለት

ፈራሲ ኣካለይ እንተ ሰፈረ ኣብ መሬት

ክሳብ ዘይተረፈ ተቐናያይ ማለት

ዜማ ግጥምታተይ ከም ናይ ክራር ህርመት

ወርትግ ክነብር እዩ ከይሞተ ብህየት

. . . .

ንዝተበደሉ ሓልፋይ ንዘይብሎም

ስለ ዝሞጎትኩ ኮይነ ኣብ ክንዳኦም

ሞያይ ከፍቅርዎ ክነብሩ ኢዮም ገና

ስለ ዘሕደርኩሎም ናይ ናጽነት ቃና።

ጻማ እንታይኢለዮ ሞሳ እንታይለሉ

ሕሜታ ወቐሳ ታይ ክዝከረሉ

ኣምላኽ ዝፈቐዶ ግና ክንዲኹሉ

ስመይ ክትከል እዩ ትኽ ኢሉ ቀጥ ኢሉ!

ከም ዝበሎ ፑሽኪን ኣብ ልቢ ኣንበብቲ ወሎዶታት ዓለም ዝተኸሎ ሓወልቲ ስለዘለዎ ከይሞተ እንከሎ ነዞም ግቡዛት ፖለቲከኛታት “ኣይትድከሙ” ኢሉ ተላብይዎም እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ፑሽኪን ሓወልቲ ኣብ ኣስመራ ብምትካል ኣብ መጋባእያ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክንዮ ናይ ሩስያ ምድንጋጽ ምኽሳብ ኣድናቒ ስነ-ጥበብ መሲሉ ኪርአ እንተሓሲቡ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል” ዝብል ምስላ ንምዝኽኻር ጥራይ እዩ።

ብኣንጻር’ዚ ብሰሪ እቲ ኣብ ባህልን ስነ-ጥበን ኤርትራ ዝገበሮ ግህሰት ንዝመጽእ ወልዶታት “ኣቦይ ወይ ኣባሓጎይ በዓል ስልጣን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ” ንኽትብል ዘነውር ብኢድ ዘይተሰርሐ ሓወልቲ ንርእሱ ኣህኒጹ እዩ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናተይ
Next Article “ኰንቱነት ናይ ኰንቱነታት፡ ኩሉ ኰንቱነት እዩ!”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?