Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብሲስ ማሳዋ

ብሲስ ማሳዋ

0
By Mekonnen T. on August 10, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብሲስ ማሳዋ

“ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ብናተይ ህዋስ” ብሲስ ማሳዋ ብዛዕባ ዘመናዊ ግጥምታት ትግርኛ ክለዓል፡ ዘንበብክዎም ግጥምታት 2 ሰባት ቅጅል ይብሉኒ – በየነ ሃይለማርያምን፣ ዶክ. ርእሶም ሃይለን። ኣብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ገለ ናቶም ፍሉይ ቦታ ዘለወም እመስለኒ። ብዛዕባ ቅድታትን ዓይነታትን ወይ ባህሪ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ከም ዛዕባ ንኸተልዕሎ ‘ውን ግጥምታቶም ከም መወከሲ የውናውኑኻ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዘመናዊ ግጥሚ ትግርኛ ግደ ወይ ጽልዋ ዘለዎም መንእሰያት ገጠምቲ ‘ውን ኣይተሳእኑን ። ሓደ ካብኣቶም፡ ጋዜጠኛን ገጣሚን ’ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ክጠቅስ። ብዛዕባ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ዘሎኒ ትዕዝብቲ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ 1. ቅዲ ግጥሚ፦ ኣብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ፡ ስም ዘለዎ ቅዲ ኣሎ ኣይብልን’የ ኣነ ብዝፈልጦ። ቅዲ ግጥሚ፡ ብ ናዕታ ፥ ስይላብል ፥ ቅርጺ . . . (ናዕታ፡ ረምታ ፡ ሜተር ፡ ስይንታክስ ፡ ሞርፎሎጂ ፡ ካልኦት ናይ ቅርጺ ባእታታትን) . . . ወ.ዘ.ተ. ተሓጊዙ ዘገም እናበለ እዩ ዝምዕብል። ሓደ ኣርቲስት ናቱ ቅዲ ክፈጥር ከሎ’ውን ፥ ኣቐዲሞም ዝተሃንጹ ቅድታት ምርኩስ ብምግባር ወይ ’ውን ከይተረድኦ ውሽጡ ብዝመርሖ’ዩ። ኣብ ትግርኛ ብዘይካ ‘ኣውሎ ፥ ደጕዓ ፥ መልቀስ ፥ ማሰ ፡ ደሓር ዝተፈጥረ ቅዲ ኣይርከብን። ከም ናይ ዶክተር ርእሶምን፣ በየነ ሃይለማርያምን፣ ግጥምታት ፍሉይ ቅዲ ይመስል ኔሩ – ስም ግን ኣይተዋህቦን ዘሎ። ስለዚ ኣብ ናይ ቀሺ ዮናስ ግጥምታት ‘ውን ናቱ ዘተኣታተዎ ፍሉይ ቅዲ ኣሎ ክብል ኣይክእልን። ይኹን ‘ምበር ኣብ ቅርጺ፡ ብትርኢት ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ግንጽል ከተብሎም ከለኻ (at a glance) Shakespearean sonnet (14 lines) ኢዮም ዝመስሉ። መብዛሕትኦም ኣብ ዙርያ 10 ዝተነድቁ’ዮም። ኣብ ሓደ ነግሒ (verse) ድማ ብክልተን ሰለስተን ቃላት ዝቘሙ’ዮም – መብዛሕትኦም። 2. ትሕዝቶ፡ ግጥምታቱ ንስለ ጽባቐ’ምበር ንስለ ስብከት ፥ ጎስጓስ ፥ ወይ መልእኽቲ ተባሂሎም ዝጽሓፉ ኣይኮኑን። ብኩርናዕ ጽባቐ ኣቢሎም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ግን እምብዛ ረዚን’ዩ። ኣብ ፍጻመታት ዘይኮኑ፡ ኣብ ስነ ሓሳብ ዘተኮሩ ብምዃኖም፡ ብመልክዕ ተግሳጽ ወይ ድማ ንልሙድ ኣካይዳ ብምንቃፍ ብኣዝዩ ፍሉይ ኩርናዕ መጺኦም’ዮም “እምባሕ!” ዝብሉኻ። ሽዑ ገሊኦም የሐጉሱኻ ፡ ዝበዝሑ ከኣ ኣሰንቢዶም ይመኽሩኻ ወይ ይእርሙኻ። እቶም ውሑዳት ብመልክዕ ዘረባ ዝተነድፉ ድማ ምስ ካልኣይ ኣካል (“ንስኻ/ንስኹም) እናበሉ ስለ ዝዛረቡ፡ ብቐጥታ ንዓኻ ዝዛረቡኻ ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝስመዓካ፡ ነብስኻ ንኽትፍትሽ ዝድርኹ’ዮም። ንኣብነት እዛ ብ ዓይነት ‘ኤክስፕረሲቨ’ ዝተጻሕፈት ፡- እትብል ግጥሚ ሓንቲ ካብኣቶም ኮይና፡ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ መሲሉካ ነብስኻ ከም ትፍትሽ ትገብረካ። እቲ ዝገርም ግን ዘይ ከም ብዙሓት ገጠምቲ፡ ግጥምታቱ ንጾታዊ ፍቕሪ ብዙሕ ኣድህቦ ዝህቡ ኣይመስሉን። ነታ ’ፍቕሪ’ ትብል ኣምር ዝጎስይ ገጣሚ’ዩ ማለተይ ግን ኣይኮነን። ንኣብነት ንፍቕሪ ባሃርያቱ ኣርእያ፡ መንነቱ እትህቦ ትድነቕ ግጥሙ ምጥቃስ ይከኣል። 3. ሕብሪ ግጥምታቱ፡- ዳርጋ ብርክት ዝበለ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ከተንብቦም ከለኻ ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕብሪ ዝተቐብኡ ይመስሉ። ማለት ምስ ቀሽነቱ ክኸውን ይኽእል፣ ካብ ክቱር ምልከት ቃላትን ኣበሃህላታትን ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ጽልዋኡ ኣብ ግጥሙ ይረኣዩ። እዚ ኽብል ከለኹ ሕብሮም ንምባል ደኣ እምበር እብል ከም ዘየለኹ – የረጋግጽ። 4. ኣመራርጻ ቃላት፡- ኣብ diction እውን እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ባህሪ ብዙሕ ክንጸባረቕ ይርአ። ንኣብነት (ፋሲካ ኣብ ምቕራቡ ፥ ጸሎት ኣቦይ ባሻይ ፥ እንታይ ነገዱ ፥ ወርቂ መስቀል ፥ ኣምጽኡለይ ወይኒ. . .) ኣብ ዝብላ ግጥምታት እዚ ባህሪ ይርአይ። ካብ ዝድነቕ ክእለት ገጣሚ ኣብ ዲክሽን ግን፡ ንቓላት ብቢልዮናት ዝሽምቶም’ዩ ዝመስል – ኣመና ይበቆም። “ግጥሚ ቆጣቢ ቃላት ክኸውን ኣለዎ” ንዝብል ምኽሪ ጥበበይናታት ብዝግባእ ይትርጉሞ። ምቑጣብ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ኣየኖት ቃላት ኣበይ ‘ተተሰዂዖም’ዮም ዘምጽኦም ጌሮም ጽባቐ ዝፈጥሩ ብዝግባእ ፈሊጡ ይጥቀመሎም። ካልእ ብፍሉይ ካብ ዘስተብሃልኩሉ፡ እዚ ገጣማይ ተምሳሌት (simili) ዳርጋ ኣይጥቀምን’ዩ። “ከም” እናበለ ብጽኑሕ ኣገላልጻ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፡ ናቱ ሓድሽ ኣገላልጻ ምዝውታር ዝቐልሎ ይመስል። ባህላዊ ኣገላልጻታት ወይ ሓረጋት ኣይጥቀምን ማለት ግን ኣይኮነን። እዚ ድማ ገለ ካብቲ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ኣብ ግጥምታት ትግርኛ ፍሉይ መለለዪኦም ኮይኑ ይስምዓካ። 5. ኩርናዕ ጠመተ፡- እዚ ገጣማይ፡ “ስነ-ጥበብ መስትያት ሕብረተሰብ’ዩ” ንዝብል ኣበሃህላ ፍጹም ዝቃወሞ ይመስል። ብኣንጻሩ ኣብ ዳርጋ ኩሎም ግጥምታቱ ንብዙሕ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ክግስጽ ይርአ። ብግጥምታቱ ብዘድምጾ ድማ ፥ “ስነ-ጥበብ፡ መስትያት ዘይኮነ – ሞደሻ ሕብረተሰብ’ዩ” ኣብ ዝብል ፍልስፍና ዝኣምን ይመስል። እቲምንታይሲ፡ ከም ሞደሻ ንእምኒ፡ ግጥምታቱ ድማ ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ቅርጺ ከውጽእሉ ይፍትኑ ደኣ’ምበር፡ ከምዘለዎ ከንጸባርቑ ኣይብገሱን። ምሉእ ትብዓት ድማ የንጸባርቑ። ንኣብነት፡- ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ጽባቐ! ንብብ ውዒልካያ ንብብ ሓዲርካያ ’ውን መመሊሳ እያ ትፍተወካ ። ነቲ ”ስነ ጥበብ፡ መስትያት ዘይኮነ ፥ መዶሻ ሕብረተሰብ’ዩ” ዝብል ፍልስፍና ይመስል እምነቱ ክብሎ ዝተደረኽኩ፣ ብምሉእ ትብዓት’ያ ተንጸባርቖ። ኮታ ብመንጽር ጠመተ ኹርናዖም፣ ግጥምታቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ወይ ገዛ ንዘሎ ኣቕሓ ኣብ ፖሎፎን ወይ ትሕቲ ምድሪ ወይ’ውን ኪኖ መንደቕ ኮይኖም ክርእይዎ ‘ውን ኣይጽገሙን። 6. ኣድማሳውነት ግጥምታቱ ፡- ግጥምታቱ መብዛሕትኦም ክነቕፉን ክግስጹን ከለዉ ንሕብረተሰብ ኤርትራ’ምበር ንስነ- ሓሳብ ህዝቢ ዓለም ኣይኮኑን። እዚኣቶም ኣድማሳውነት ኣለዎም ክትብሎም ኣየድፍሩኻን ። ይኹን’ምበር ብሓፈሻ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንዝኾነ ሰብ ዝምልከቱን፣ ንሰብ ዝነቕፉን፣ ’ውን ኣለውዎ። ንኣብነት (ወጥሪ ፡ ግኒ ፡ ሞይተልኩም ሓዲረ ፡ ርስሓት እዝኒ ፡ ዒብን ዑብን ) ምጥቃስ ይከኣል። ካልእ ኣድማስዋነት ዘለዎም ግጥምታት ’ውን መሊኦሞ እዮም ።(ንኣብነት፦ ’ኣልቂስኩም ዶ ኸ’ባ ፥ ’ዘስክሩኒ ዘስክሮም ፡ ብኸይሉ ንሎጥ ፡ . . . ) 7.ግጥምታቱ ብመንጽር ባእታትን ቀመማትን ግጥሚ፦ ግጥምታቱ ከንብቦም ከለኹ ንሓንሳእ ክብል ይማታእ። ብርግጽ ንስለ ጽባቔ ዝጽሓፉ ውሱን ሓሳብ ኣልዒሎም ብውሱና ቃላት ዝገልጹ ፥ መብዛሕትኦም ኣብ ዙርያ 10 መስመር ዝጽሓፉ ብምዃኖም ፣ ምስ ምሕጻሮም ውሑዳት ሓዲግካ(ጸሎት ኣቦይ ባሻይ ፡ እቲ ካልእ ፍቕሪ ፡ ዘስክሩኒ ዘስክሮም ፡ ነገረ ሰሎሞን)፣ ካልኦት ዳርጋ ነቶም ጥምዙሓት ባእታታት ግዲ ዝገብሩሎም ኣይኮኑን። ይኹን’ምበር ብ ዲክሽን ተሓጊዞም ጽቡቕ ሙድ ዘለዎም ጦብላሕታ ዝሓድጉልካ (ዝሓትቱኻ ፥ ዘሰምብዱኻ ፥ ዘስተንትኑኻ ፥ ዝእርሙኻ ፥ ዘገርሙኻ . . .) ግጥምታት ብምዃኖም ናቶም ፍሉይነትን ጽባቐን ኣለዎም። ፠ . ፠ . ፠ መደምደምታ፦ ብሓፈሻ ዘንበብክዎም ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋን ቴክኒካዊ ብቅዓትን ዝንጸባረቐሎም፣ ንጽባቐ ጥበብ ተጻሒፎም ብኩርናዕ ጽባቐኦም ዝመሓላለፍ ረዚን መልእኽቲ ዝሓቖፉ ፡ መብዛሕትኦም ንልሙዳት ግን ከኣ ዘይጥዑያት ንዝብልዎም ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝግስጹ ፥ ገሊኦም ንህሉው ኩነታት ዝገልጹ እዋናውያን ፥ ንሰብ ነብሱ ከም ዝፍትሽ ዝገብሩ ፥ ኣብ ስነ-ሓሳብ ዝግጠሙ ፥ ጓልመገድን ዕንክሊልን ዘይብርሆም፡ ምኡዛትን ግጥምታት’ዮም። ሓንቲ ኩሉ ሳዕ ዘስተውዕላ ግን፡ ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ምስ ዋሕዙ ዝሳነ ’ስርዓተ-ነጥቢ” ዝጥቀም ክንሱ፡ ኣብ መዛዘሚ ግጥምታቱ ምስቲ ትሕዝቶ ዝኸይድ ናይ መዕጸዊ ስርዓተ-ነጥቢ ዘየንጥብ ምዃኑ እዩ። ንምንታይ’ዩ ግን? እዝጊ ዋንኡ። እምበር ( ንኣብነት ፦ ። ወይ ! ወይ ? ወይ .. .) መድለይዎ እመስለኒ። ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ብሓፈሻ ደስ እዮም ዝብሉኒ። ብዘይካ እዝን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ 2ግጥምታት፡ ካብኡ ናብኡ ካልኦት ኣዝየ ዝምሰጠለን ፦ (ምዕሻው’ዩ ከቢድ ፥ ሽግር ከመዓልካ ፥ ኣደይ ሚዛን ፥ ሓጓሚ ፥ ርስሓት እዝኒ) ጠቒሰ፡ በዛ ብዙሕ ብግጥማዊ ጽባቐኣ ተስክረኒ ግጥሚ ክድምድም፦

________________________________

ብዛዕባ ዘመናዊ ግጥምታት ትግርኛ ክለዓል፡ ዘንበብክዎም ግጥምታት 2 ሰባት ቅጅል ይብሉኒ – በየነ ሃይለማርያምን፣ ዶክ. ርእሶም ሃይለን።

ኣብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ገለ ናቶም ፍሉይ ቦታ ዘለወም እመስለኒ። ብዛዕባ ቅድታትን ዓይነታትን ወይ ባህሪ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ከም ዛዕባ ንኸተልዕሎ ‘ውን ግጥምታቶም ከም መወከሲ የውናውኑኻ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዘመናዊ ግጥሚ ትግርኛ ግደ ወይ ጽልዋ ዘለዎም መንእሰያት ገጠምቲ ‘ውን ኣይተሳእኑን ።

ሓደ ካብኣቶም፡ ጋዜጠኛን ገጣሚን ’ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ክጠቅስ።

ብዛዕባ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ዘሎኒ ትዕዝብቲ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦

1. ቅዲ ግጥሚ፦ ኣብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ፡ ስም ዘለዎ ቅዲ ኣሎ ኣይብልን’የ ኣነ ብዝፈልጦ። ቅዲ ግጥሚ፡ ብ ናዕታ ፥ ስይላብል ፥ ቅርጺ . . . (ናዕታ፡ ረምታ ፡ ሜተር ፡ ስይንታክስ ፡ ሞርፎሎጂ ፡ ካልኦት ናይ ቅርጺ ባእታታትን) . . . ወ.ዘ.ተ. ተሓጊዙ ዘገም እናበለ እዩ ዝምዕብል። ሓደ ኣርቲስት ናቱ ቅዲ ክፈጥር ከሎ’ውን ፥ ኣቐዲሞም ዝተሃንጹ ቅድታት ምርኩስ ብምግባር ወይ ’ውን ከይተረድኦ ውሽጡ ብዝመርሖ’ዩ። ኣብ ትግርኛ ብዘይካ ‘ኣውሎ ፥ ደጕዓ ፥ መልቀስ ፥ ማሰ ፡ ደሓር ዝተፈጥረ ቅዲ ኣይርከብን። ከም ናይ ዶክተር ርእሶምን፣ በየነ ሃይለማርያምን፣ ግጥምታት ፍሉይ ቅዲ ይመስል ኔሩ – ስም ግን ኣይተዋህቦን ዘሎ። ስለዚ ኣብ ናይ ቀሺ ዮናስ ግጥምታት ‘ውን ናቱ ዘተኣታተዎ ፍሉይ ቅዲ ኣሎ ክብል ኣይክእልን። ይኹን ‘ምበር ኣብ ቅርጺ፡ ብትርኢት ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ግንጽል ከተብሎም ከለኻ (at a glance) Shakespearean sonnet (14 lines) ኢዮም ዝመስሉ። መብዛሕትኦም ኣብ ዙርያ 10 ዝተነድቁ’ዮም። ኣብ ሓደ ነግሒ (verse) ድማ ብክልተን ሰለስተን ቃላት ዝቘሙ’ዮም – መብዛሕትኦም።

  1. ትሕዝቶ፡ ግጥምታቱ ንስለ ጽባቐ’ምበር ንስለ ስብከት ፥ ጎስጓስ ፥ ወይ መልእኽቲ ተባሂሎም ዝጽሓፉ ኣይኮኑን። ብኩርናዕ ጽባቐ ኣቢሎም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ግን እምብዛ ረዚን’ዩ። ኣብ ፍጻመታት ዘይኮኑ፡ ኣብ ስነ ሓሳብ ዘተኮሩ ብምዃኖም፡ ብመልክዕ ተግሳጽ ወይ ድማ ንልሙድ ኣካይዳ ብምንቃፍ ብኣዝዩ ፍሉይ ኩርናዕ መጺኦም’ዮም “እምባሕ!” ዝብሉኻ። ሽዑ ገሊኦም የሐጉሱኻ ፡ ዝበዝሑ ከኣ ኣሰንቢዶም ይመኽሩኻ ወይ ይእርሙኻ። እቶም ውሑዳት ብመልክዕ ዘረባ ዝተነድፉ ድማ ምስ ካልኣይ ኣካል (“ንስኻ/ንስኹም) እናበሉ ስለ ዝዛረቡ፡ ብቐጥታ ንዓኻ ዝዛረቡኻ ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝስመዓካ፡ ነብስኻ ንኽትፍትሽ ዝድርኹ’ዮም። ንኣብነት እዛ ብ ዓይነት ‘ኤክስፕረሲቨ’ ዝተጻሕፈት ፡-

እትብል ግጥሚ ሓንቲ ካብኣቶም ኮይና፡ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ መሲሉካ ነብስኻ ከም ትፍትሽ ትገብረካ።

እቲ ዝገርም ግን ዘይ ከም ብዙሓት ገጠምቲ፡ ግጥምታቱ ንጾታዊ ፍቕሪ ብዙሕ ኣድህቦ ዝህቡ ኣይመስሉን። ነታ ’ፍቕሪ’ ትብል ኣምር ዝጎስይ ገጣሚ’ዩ ማለተይ ግን ኣይኮነን። ንኣብነት ንፍቕሪ ባሃርያቱ ኣርእያ፡ መንነቱ እትህቦ ትድነቕ ግጥሙ <እቲ ካልእ ፍቕሪ> ምጥቃስ ይከኣል።

  1. ሕብሪ ግጥምታቱ፡- ዳርጋ ብርክት ዝበለ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ከተንብቦም ከለኻ ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕብሪ ዝተቐብኡ ይመስሉ። ማለት ምስ ቀሽነቱ ክኸውን ይኽእል፣ ካብ ክቱር ምልከት ቃላትን ኣበሃህላታትን ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ጽልዋኡ ኣብ ግጥሙ ይረኣዩ።

እዚ ኽብል ከለኹ ሕብሮም ንምባል ደኣ እምበር <ካብ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ሓሳባት ዝተወስዱ ፥ መበቆላውነት(ፈጠራ) ዘይብሎም ግጥምታት እዮም> እብል ከም ዘየለኹ – የረጋግጽ።

  1. ኣመራርጻ ቃላት፡- ኣብ diction እውን እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ባህሪ ብዙሕ ክንጸባረቕ ይርአ። ንኣብነት (ፋሲካ ኣብ ምቕራቡ ፥ ጸሎት ኣቦይ ባሻይ ፥ እንታይ ነገዱ ፥ ወርቂ መስቀል ፥ ኣምጽኡለይ ወይኒ. . .) ኣብ ዝብላ ግጥምታት እዚ ባህሪ ይርአይ። ካብ ዝድነቕ ክእለት ገጣሚ ኣብ ዲክሽን ግን፡ ንቓላት ብቢልዮናት ዝሽምቶም’ዩ ዝመስል – ኣመና ይበቆም። “ግጥሚ ቆጣቢ ቃላት ክኸውን ኣለዎ” ንዝብል ምኽሪ ጥበበይናታት ብዝግባእ ይትርጉሞ። ምቑጣብ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ኣየኖት ቃላት ኣበይ ‘ተተሰዂዖም’ዮም ዘምጽኦም ጌሮም ጽባቐ ዝፈጥሩ ብዝግባእ ፈሊጡ ይጥቀመሎም። ካልእ ብፍሉይ ካብ ዘስተብሃልኩሉ፡ እዚ ገጣማይ ተምሳሌት (simili) ዳርጋ ኣይጥቀምን’ዩ። “ከም” እናበለ ብጽኑሕ ኣገላልጻ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፡ ናቱ ሓድሽ ኣገላልጻ ምዝውታር ዝቐልሎ ይመስል። ባህላዊ ኣገላልጻታት ወይ ሓረጋት ኣይጥቀምን ማለት ግን ኣይኮነን። እዚ ድማ ገለ ካብቲ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ኣብ ግጥምታት ትግርኛ ፍሉይ መለለዪኦም ኮይኑ ይስምዓካ።5. ኩርናዕ ጠመተ፡- እዚ ገጣማይ፡ “ስነ-ጥበብ መስትያት ሕብረተሰብ’ዩ” ንዝብል ኣበሃህላ ፍጹም ዝቃወሞ ይመስል። ብኣንጻሩ ኣብ ዳርጋ ኩሎም ግጥምታቱ ንብዙሕ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ክግስጽ ይርአ። ብግጥምታቱ ብዘድምጾ ድማ ፥ “ስነ-ጥበብ፡ መስትያት ዘይኮነ – ሞደሻ ሕብረተሰብ’ዩ” ኣብ ዝብል ፍልስፍና ዝኣምን ይመስል። እቲምንታይሲ፡ ከም ሞደሻ ንእምኒ፡ ግጥምታቱ ድማ ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ቅርጺ ከውጽእሉ ይፍትኑ ደኣ’ምበር፡ ከምዘለዎ ከንጸባርቑ ኣይብገሱን። ምሉእ ትብዓት ድማ የንጸባርቑ። ንኣብነት፡-

ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ጽባቐ! ንብብ ውዒልካያ ንብብ ሓዲርካያ ’ውን መመሊሳ እያ ትፍተወካ ። ነቲ ”ስነ ጥበብ፡ መስትያት ዘይኮነ ፥ መዶሻ ሕብረተሰብ’ዩ” ዝብል ፍልስፍና ይመስል እምነቱ ክብሎ ዝተደረኽኩ፣ ብምሉእ ትብዓት’ያ ተንጸባርቖ።

ኮታ ብመንጽር ጠመተ ኹርናዖም፣ ግጥምታቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ ወይ ገዛ ንዘሎ ኣቕሓ ኣብ ፖሎፎን ወይ ትሕቲ ምድሪ ወይ’ውን ኪኖ መንደቕ ኮይኖም ክርእይዎ ‘ውን ኣይጽገሙን።

  1. ኣድማሳውነት ግጥምታቱ ፡- ግጥምታቱ መብዛሕትኦም ክነቕፉን ክግስጹን ከለዉ ንሕብረተሰብ ኤርትራ’ምበር ንስነ- ሓሳብ ህዝቢ ዓለም ኣይኮኑን። እዚኣቶም ኣድማሳውነት ኣለዎም ክትብሎም ኣየድፍሩኻን ። ይኹን’ምበር ብሓፈሻ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንዝኾነ ሰብ ዝምልከቱን፣ ንሰብ ዝነቕፉን፣ ’ውን ኣለውዎ። ንኣብነት (ወጥሪ ፡ ግኒ ፡ ሞይተልኩም ሓዲረ ፡ ርስሓት እዝኒ ፡ ዒብን ዑብን ) ምጥቃስ ይከኣል። ካልእ ኣድማስዋነት ዘለዎም ግጥምታት ’ውን መሊኦሞ እዮም ።(ንኣብነት፦ ’ኣልቂስኩም ዶ ኸ’ባ ፥ ’ዘስክሩኒ ዘስክሮም ፡ ብኸይሉ ንሎጥ ፡ . . . )

7.ግጥምታቱ ብመንጽር ባእታትን ቀመማትን ግጥሚ፦ ግጥምታቱ ከንብቦም ከለኹ ንሓንሳእ <ባእታታትን ቀመማትን ግጥሚ ዝብሃሉ ክንዮ ሓጹር ይደርበዩ > ክብል ይማታእ። ብርግጽ ንስለ ጽባቔ ዝጽሓፉ ውሱን ሓሳብ ኣልዒሎም ብውሱና ቃላት ዝገልጹ ፥ መብዛሕትኦም ኣብ ዙርያ 10 መስመር ዝጽሓፉ ብምዃኖም ፣ ምስ ምሕጻሮም ውሑዳት ሓዲግካ(ጸሎት ኣቦይ ባሻይ ፡ እቲ ካልእ ፍቕሪ ፡ ዘስክሩኒ ዘስክሮም ፡ ነገረ ሰሎሞን)፣ ካልኦት ዳርጋ ነቶም ጥምዙሓት ባእታታት ግዲ ዝገብሩሎም ኣይኮኑን። ይኹን’ምበር ብ ዲክሽን ተሓጊዞም ጽቡቕ ሙድ ዘለዎም ጦብላሕታ ዝሓድጉልካ (ዝሓትቱኻ ፥ ዘሰምብዱኻ ፥ ዘስተንትኑኻ ፥ ዝእርሙኻ ፥ ዘገርሙኻ . . .) ግጥምታት ብምዃኖም ናቶም ፍሉይነትን ጽባቐን ኣለዎም።

፠ . ፠ . ፠
መደምደምታ፦ ብሓፈሻ ዘንበብክዎም ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋን ቴክኒካዊ ብቅዓትን ዝንጸባረቐሎም፣ ንጽባቐ ጥበብ ተጻሒፎም ብኩርናዕ ጽባቐኦም ዝመሓላለፍ ረዚን መልእኽቲ ዝሓቖፉ ፡ መብዛሕትኦም ንልሙዳት ግን ከኣ ዘይጥዑያት ንዝብልዎም ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝግስጹ ፥ ገሊኦም ንህሉው ኩነታት ዝገልጹ እዋናውያን ፥ ንሰብ ነብሱ ከም ዝፍትሽ ዝገብሩ ፥ ኣብ ስነ-ሓሳብ ዝግጠሙ ፥ ጓልመገድን ዕንክሊልን ዘይብርሆም፡ ምኡዛትን ግጥምታት’ዮም።

ሓንቲ ኩሉ ሳዕ ዘስተውዕላ ግን፡ ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ምስ ዋሕዙ ዝሳነ ’ስርዓተ-ነጥቢ” ዝጥቀም ክንሱ፡ ኣብ መዛዘሚ ግጥምታቱ ምስቲ ትሕዝቶ ዝኸይድ ናይ መዕጸዊ ስርዓተ-ነጥቢ ዘየንጥብ ምዃኑ እዩ። ንምንታይ’ዩ ግን? እዝጊ ዋንኡ። እምበር ( ንኣብነት ፦ ። ወይ ! ወይ ? ወይ .. .) መድለይዎ እመስለኒ።

ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ብሓፈሻ ደስ እዮም ዝብሉኒ። ብዘይካ እዝን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ 2ግጥምታት፡ ካብኡ ናብኡ ካልኦት ኣዝየ ዝምሰጠለን ፦ (ምዕሻው’ዩ ከቢድ ፥ ሽግር ከመዓልካ ፥ ኣደይ ሚዛን ፥ ሓጓሚ ፥ ርስሓት እዝኒ) ጠቒሰ፡ በዛ ብዙሕ ብግጥማዊ ጽባቐኣ ተስክረኒ ግጥሚ ክድምድም፦

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleታሪኽ ክደጋገም ይነብር፡ ነቲ ዘይነበሮ ግን ሓድሽ ይመስሎ!
Next Article ከሲርና እምበር
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?