Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’

ብረባሕታ ግሲ ‘ምዃን’

0
By Mekonnen T. on October 4, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

መም ኣማረ ወልደስላሴ

                     መምርሒታት ምክዋን

                           ምዕራፍ ክልተ            

                       ቅኑዕ ረባሕታ ግሲ ኣየናይ’ዩ፧

ብኣባ ዮሃንስ ገብረየሱስ፡ ጆን ማሶንን ካልኦትን ዝውከሉ ጸሓፍቲ ንመሰረተ ግሲ ‘ምዃን’ በዚ ዝስዕብ መገዲ የራብሑዎ፦ ኣነ ኢየ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ንስኺ ኢኺ፡ ንሱ ኢዩ፡ ንሳ ኢያ፡ ንሕና ኢና፡ ንስኹም ኢኹም፡ ንስኽን ኢኽን፡ ንሶም ኢዮም፡ ንሳተን ኢየን።

ብኻልእ ወገን፡ ብፕሮፈሰር ስብሃቱ ገብረእግዝኣብሄር ኵፍሉን ካልኦት ብዙሓትን ዝውከሉ ጸሓፍቲ ግን ኣነ እየ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ንስኺ ኢኺ፡ ንሱ እዩ፡ ንሳ እያ፡ ንሕና ኢና፡ ንስኹም ኢኹም፡ ንስኽን ኢኽን፡ ንሶም እዮም፡ ንሳተን እየን እናበሉ የራብሑዎ። እስኪ ነቲ ፍልልይ ብዕምቈት ነስተብህለሉ።

እምብኣር፡ ቅድሚ ዅሉ፡ ፈለማ፡ ብመርትዖ ብዝተደገፈ መገዲ ነቲ ቅኑዕ ኣማራጺ ንምድህሳስ ይፈተን። ብሓጺሩ፡ ረባሕታ ‘ምዃን’ 1. ብ‘ኢ’ ሳልስ ጥራይዶ፡ 2. እንዳ ‘የ’ ኣብ ዘለዉዎ ብ ‘እ’፡ ካልኦት ኣብ ዘለዉዎ ግን ብ ‘ኢ’ ብምርባሕ ይፈጸም፧ ዝብል ሕቶ እስኪ ንርአ።

እዚ ክትዕዚ፡ ንገለ ነበብቲ ሓዲሽ ኣይኰነን። ‘ካብ ኢዩ ወይ እዩ እቲ ቅኑዕ ኣየናይ’ዩ፡’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዙሕ ትንታነ ተኻይዱሉ’ዩ። ብመስረቱ፡ እዚ መልሰ እንፉት ሕቶ ተባሂሉ ዝጥቀስ ዓይነት እንክኸውን ካብቶም ክልተ ኣማራጺታት ነቲ ቅኑዕ ንምሕራይ ዝቐረበ ሕቶ’ዩ።

መርትዖ ምቕራብ እንክበሃል መጻሕፍቲ እዮም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ። ካብ ሕጊ ለጎ ሰርዳ፡ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ንዘለዉ ዕዮታት እንክንድህስስ፡ እንዳ ‘የ’ ኣብ ዘለውዎ፡ ብ‘እ’ ሳድስ፡ ካልኦት ኣብ ዘለዉዎ ግን ብ‘ኢ’ ሳልስ ዘካውኑ ንዕዮኦም፡ ብውጹእ መገዲ ይዛዝሙዎ እዮም። (ወንጌል ቅዱስ 1875፡ እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ 1887፡ ሓደ ዛንታ 1926፡ ወርቁሃ 1956)

 

ንኣብነት፡. ወንጌል ቅዱስ   1875 ዓም ብደብተራ ማትዮስ

እንካ መንፈስ ቅዱስ እዩ         ገጽ 3.

ትወልድ እያ                       3.

እዚው እዩ                         9.

ፍጹም እዩ                       17.

ናትካማ እያ                       18.

ክፉእ   እዩ                       20.

መንኪ እዩ                       29.

መንፈስ ደኣ እዩ                   34.

ለ. እንካብ ጦብያ ንኢጣልያ     1887 ዓም ብፍስሃ ግዮርጊስ

ሐ. ሓደ ዛንታ               1926–ዓም ዶ’ር ኣባ ገብረእየሱስ ሃይሉ

‘… ሓደ ወዶም ንሱ እዩ።              ገጽ     3

‘…ክመውት ቅሩብ ተሪፉዎ እዩ             ገጽ     3

‘…ኢየሱስ ተዂቡለይ እዩ።               ገጽ       3

‘…ኢየሱስ ዝደቐለለይ ቈልዓ እዩ።’           ገጽ       3

‘…ብዝከኣሎ ስም ክጐርድ እዩ።’             ገጽ       3

‘…ብጠባዩ ፈታው ሰብ እዩ።’              ገጽ       3

‘…ጭክጭክ ምስ በሎ እዩ።’                 ገጽ     10

‘…እንተወደቐ ከልዕሉ ንማለት እዩ።’         ገጽ     16

‘…ወዲ ባሕሩስ ኣይድፈርን እዩ።’             ገጽ     59

‘… ኵሉ ጽቡቕ እዩ ብለ ሓደ’                 ገጽ     65”

’

ብኣንጻሩ፡ ንዅሉ ብ ‘ኢ’ ዘካውኑ ግን፡ ሸታሕታ ከጓንፎም ከሎ ይረአ እዩ። ኣብ ትግርኛ፡ ኣነ ኢየ፡ ንሳተን ኢየን፡ ንሱ ኢዩ፡ ንሳ ኢያ፡ ንሶም ኢዮም፡ ክብሉ ዝፍትኑ ባህሪ ትግርኛ እናሓንኰሎም ኣብ ጽሑፎም እየ፡ እዩ፡ እያ፡ እዮም፡ እየን፡ ክርከባ ግድን’ዩ።

(ዓቢዱዶ ትብሉዎ 1965/2003)፡ ጋዜጣ ደሃይ ኤርትራ፡ 13 ግንቦት 1946.)

ኣብነት፡ ‘ዓቢዱዶ ትብሉዎ፧’ ብኣገባብ ኢዩ’ያ ተኻዊና። እዞም ቀጺሎም ዝቐርቡ መራጐዲታት ነዚ   የብርሁ።

‘…እምበአርከስ መጽሐፍ ወንኻ ዳርጋ ምውጻእ ኢዩ።’

‘…ዝተመዝገበ መጽሓፍ ስእሊ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ።’

‘…ካብ ናይ አርትስ ቅርንጫፍ ኢዩ።’

‘…አርት ስራሕ ክኸውን ቀዳምነቱ ኢዩ።’

እዞም መራጐዲታት ኣብ መእተዊ፡ ኣብቲ መቕድም ዝበሃል ክፋል እዮም ዝርከቡ። ኣብ ማእከልን መደምደምታን እቲ መጽሓፍ ግና ካልእ ኣገባብ ብብዝሒ ይርከብ።

‘… ኣብዚኣ ቁሩብተለይ ተጋግየ እዩ ዝብል ዝነበረ’ ገጽ 49

‘… ብዙሕ ሕንጻጻት ምስ አርአየና እዩ።’         ገጽ 49

‘… ኣብቲ ዛይድ እንታይ እዩ…..’             ገጽ 49

‘…ዘረባኣ … ድማ ቅኑዕ እዩ።’                   ገጽ 81

‘… ከም ናታ ገይሩ ደስ ክብለካ ኣይክእልን እዩ።’   ገጽ 81

‘… መዝገበ’ውን አዐርዩ ተሓጒሱ እዩ።   ገጽ 103

‘…መዝገበ ዝሐዘነሉ እዋን ሒዶት ኢዩ።’           ገጽ 103

‘…ጨጉሪ ርእሳ ደው ቢሉ እንከሎ ዘርእይ ኢዩ።’   ገጽ 103

እዚ ኣገዳሲ መርትዖ እዩ። ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ሰዓትዚ፡ ካብዚ ዝበረኸ ጭብጢ ክቐርብ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ብደረጃ ዝበረኸ ኰይኑ ዝርከብ ጭብጢ ኣመላኻቲ ኣገባብ ዝበሃል ኰይኑ ኣቕራቢኡ ድማ፡ ኣቶ ትካቦ ኣረስዕ ይበሃሉ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናይ ቀደም ኣዕሩኽ
Next Article “ ንውላደይ ሃይማኖቱ ባዕለይ’የ ዘፍልጦ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?