Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, May 13, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

0
By Mekonnen T. on July 24, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ብሓው ሰለሙን ገብረክርስቶስ

ስርዓት እንዳ ፈግራይ (ኣከለጉዛይ)

ስርዓት እንዳ ፈግራይ ኣብ እንዳ ፈግራይ ዝተባህለ ብጥንቲ ተፈላጦ መነነን ዝዋቦን (ተቐማጦ እገላ ሓጺን) ዓበይቲ ዓዲ ሰለስተ ደቂ ድራርን (ተቐማጦ ቴድረር) ባይቶ ዝእከቡላ ዝነበሩ ግዚኡን ዘይፍለጥ ብርግጽ ግና ቅድሚ ብዙሓት ዘመናት ተስርዐ። ድሕሪ’ዙይ ተወከልቲ እዞም ዝተጠቕሱ ዓሌታት ሓደ ግዜ ኣብ ገርገራ ዝተባህለ ቦታ ዋዕላ ውዒሎም ነበሩ። እንተኾነ ግና እዋኑ ፍሉጥ ኣይኮነን።ከም ትሕዝቶም መጠን ካብ ልማዳት ወይ ስርዓት እንዳባ ቴድረር (ዓሌት በለው) ዝተጠርነፈ እዩ ዝመስል። ኣቐዲሙ እዙይ ልማድ’ዙይ ኣብ ኩሉ ዘፈር መንገዲ ኮነ ቦታታት ቴድረር ነጊሱን ሰሪጹን ነበረ።

ብብዙሕ ዘይተረጋገጸ ዛንታ ከም ዝዝንቶ ስርዓት እንዳ ፈግራይ ከም ብሓድሽ ንምርኣይን ይቑመልና ንምባልን ብዙሕ ዋዕላታት ተዋዒሎም’ዮም። ድሕሪ’ዙይ ብ1905 ሕዝቢ እገላ ሓጺን (ዓሌት መነነን ዝዋቦን)፡ ከምኡ’ውን ኣሕዋት ዓሌት ሰለስተ ደቂ ድራር ኣብ ዓዲ ጎዶ ባይቶ ተኣኪቦም ስርዓት እንዳፍግራይ ዳግም ኣርግእዎ (15)።

ስርዓት እንዳ ፈግራይ (ስለስተ ደቂ ድራር) እዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ዝጠርነፈ እዩ፡ 1) ሕጸ፡ ስልማት ሕጸ፡ መቕጻዕቲ፡ ኣገባብ ወይ ስርዓት ሕጸ፡ ምቁራጽ ሕጸ፡ 2) መርዓ፡ ዋሕስ፡ ገዝሚ ወዘተ 3) ባእሲ ኣብ መንጎ መርዑት ወይ ኣብ መንጎ ወለዶም 4) ምቅይያር/ምልውዋጥ ህያብ፡ 5) በደል፡ዝሙት፡ ሰይቲ ወሰን ምግባር/ ውሽማ 6) ፍትሕ፡ ምምቃል ንብረት፡ መሰል ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ 7) ወረስቲ፡ መሰል ወረስቲ፡ 8) ዘይንቀሳቐስ ንብረት 9) ግርሁ፡ ግብሪ 10)  እንስሳ፡ ጓሶት፡ ምድራት ሕዛእቲ፡ 11) ዓሰባ 12) ስርቂ፡ ዓመጽ 13) ጸርፍን መጉዳእትን 14) ስጋዊ ዓመጽ፡ዘረፋ፡ 15) ማህረምቲ፡ ጸወታ፡ ቅትለት 16) ፍርድታትን መስከርትን 17) ጎይቶትን ዓበይቲ ዓድን።

ስርዓት ኣርባዕተ በኣልፋን (ኣከለጉዛይ)

ስርዓት ኣርባዕተ በኣልፋን (ኣርባዕተ ደቂ በኣልፋን) ሕዝቢ መረታ ሰበነ ዘጠቓለለ እዩ፡ ከምኡ’ኳ እንተነበረ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ከም ዘሎ ሕዝቢ መረታ ሰበነ ብስርዓት ምዔም ምሓዛ እዩ ዝነበር ዝነበረ (16) ስርዓት ኣርባዕተ በኣልፋን ሓደ ካብ’ቶም ብቃል እምበር ብጽሑፍ ዘይርከቡ ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ኣከለጉዛይ እዩ።

ስርዓት ጸንዓደግለ (ኣከለጉዛይ)

ንሕዝቢ ጸንዓደግለ (ሰገነይቲ፡ ዓደንገፎም፡ደግራልብኤ፡ ሔቦ፡ ኣኹሩር፡ ዓዲፍኒዕ፡ ዓዲቖንጺ፡ ማይዔላ/ሚዔላ) ዚምልከት ብቃል እምበር ብጽሑፍ ዘይተመሓላለፈ ስርዓት እንዳባ ነይሩ እዩ። (17)

ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ (ኣከለጉዛይ)

ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ ከም’ቲ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ ሕዝቢ እንጋናኣ (ኣፈልባ፡ ቀይሕኮር፡ መጻሉ፡ ሰሳሕ፡ ደቂ ናዞ፡ ሃዳሙ/ደቀመሓረ፡ ዓላ) ዚናበርሉ ስርዓት እንዳባ ብቃል እምበር ብጽሑፍ ዘይርከብ ነይሩዎም እዩ (18) ከምዚኣቶም ዚኣመሰሉ ስርዓታት እንዳባ ማለት ብትውፊት ድኣ’ምበር ዘይተደብተሩ ስርዓታት ኣብ ሕዝቢ ኣከለጉዛይ ይርከቡ እዮም።

ስርዓት ኣድግና ተገለባ ( ኣከለጉዛይ )

ቅድሚ ስርዓት ኣድግና ተገለባ ንሕዝቢ ኣከለጉዛይ ዳርጋ ብጥርኑፍ ኣገባብ ዘናብር ዝነበረ ሕጊ- ሽሕ’ኳ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወረዳታት፡ ዓድታት ናይ ባዕላቶም ስርዓት እንዳባ ይስርዑ ድኣ’ምበር- ስርዓት ስርዓት ኣከለጉዛይ፡ ዖጋይን ሌጓይን ወይ ድማ ስርዓት ሚዔም-ምሓዛ ተባሂሉ ይስመ ነበረ። እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ መጀመርታ ስርዓት እንዳባ ሕዝቢ ኣከለጉዛይ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ።

ካብ 23 ታሕሳስ 1937 ዓ-ም- ጀሚሩ ተሓዲሱን ተኣሪሙን ተሓቲሙን ዝርከብ ሕጊ፡ ብዙሕ ዓሌታትን ኣውራጃታትን በብሕጎምን ስርዓቶምን ዝናበሩ ዝነበሩ(ማይ ኣድጊ፡ ዝባን ሰራው፡ እናደቆ፡ እንዳ ፈገራይ፡ ሎጎ ሳርዳ) ምስ ተኸተልቲ ስርዓት ምዔም-ምሓዛ ሓቢሮም ዝሓገጉን ዝደኸሙን፡ ንኹሎም ዘሕብሮምን ዚሕውሶምን ብሓዲሽ ስም፡ ብንቑሕ ሕልና ዝተመርጸ፡ “ስርዓት ኣድግና ተገለባ” (ብስም ኣብ ክልተ ዶብ ኣከለጉዛይ ዚርከቡ ቦታታት) ብዚብል ስም ተሰየመ። (19)

ምስሌነታትን ብሕዝቢ ኣውራጃኦም ዝተመርጹ ወራዙት ዓደቦ ንዓዲቐይሕ-ንሰገነይቲ-ንሰንዓፈ ንዓመትን መንፈቕን ዝኣክል ድሕሪ ተመላሊሶም ስርዓት ኣድግና ተገለባ ንምትካሉን፡ ንምእራሙን ንምጽሓፉን በቕዑ። ዋና ቁምነገር ምጽሓፍን ምሕታምን ሕጊ ስርዓት ኣድግና ተገለባ ከምቱ ብሓገግቱን ሰራዕቱን ተሓሊንዎን ተኣዲኑዎን ዝነበረ እቱ ብሕዝቢ ትፈልጠለይ ተባሂሉ ካብ ብቕያን ብያታን ብይብሉና ጌጋ ምስክር ድሒኑስ ብደብተር ክናበር ብማለት እዩ።

ብ29 ሽማምንትን ከካብ ኣውራጃኦም ብምርጫ ዝተምርጹ 3 ወራዙት ዓደቦን ሕግን ስርዓትን ኣቦታት ሕዝቢ ኣከለጉዛይ ማለት ስርዓት ኣድግና ተገለባ ትፍጻሜቱ ረኸበ። እቶም ኣውራጃታት ሓደግቲ፡ ጽንዓደግለ፡ ደቂ ድግና፡መረታ ሰበነ፡ ቴድረር፡ ደቂ ዘርእሰናይ፡ ደቂ ትሕሽታይ፡ ዓረት፡ ደሪጨን፡ ሃዳድም ጨዓሎ፡ ደጊዔን፡ ወደከለ፡ ኣኽራን፡ወገራ፡ ዝባን፡ ታሕታይ ኣግሩፍ ቀዳማይ፡ ላዕላይ ኣግሩፍ እንዳዳሽም፡ ሎጎሳርዳ፡ ዘርኢሞሲ፡ ዓደጉልቲ፡ ኮሎኒያ ካቶሊካ፡ ታሕታይ ኣግሩፍ ካልኣይ፡ እገላ ሓጺን፡ ኣምበሰት ገለባ እያቶም። መቆምቲ ሕጊ ኣብዚ ሕጊ’ዙይ ዘየሎ ነገር ብዙሕ ተሪፉ ከም ዘሎ ስለዝተኣመኑ፡ ምናልባሽ ሓዲሽ ነገር እንተተረኽበ እሞ ምእንቲ እቲ ዝጎደለ ክምላእ ቢሎም በብዓመቱ ብ24 የካቲት ኣብ ዓዲ ቐይሕ ኣኼባ ሹማምንትን ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ዚእከብሉ መዓልቲ ወሰኑ(20)

ከምቲ ልቦና ብባህርዩ ዚሕብሮ ሓደ ደፍተር/ደብተር ናይ ሕጊ ዓደቦ ኣብ ኣውራጃ ኪቐውን፡ ብኣውራጃኦም ምስ ዝተምርጹ ሽማግሌታት’ውን ኪቕመጥ ካይጠፍእ ከይበላሾ ኪሕልውዎን ነዚ ነገር’ዙይ ሓለፍትን ተተሓዝትን ንሳቶም ኪኾኑ ብዓደቦ ውሱን እዩ።

ስርዓት ኣድግና ተገለባ ኣብ ቤት ማሕተም ጴጥሮስ ሲላ፡ ኣብ ኣስመራ ብ1938 ዓ-ም- ተሓቲሙ ይርከብ። ብዝመስል እዉን ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ተተርጕሙ ኪወጽእ ተሓሲቡ ነይሩ(21)። ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ብዛዕባ ስርዓት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ብምጽናዕ ብፍላይ እኳ ደኣ ስርዓት ኣድግና ተገለባ ዝህቦ ኣገባብ መቕጻዕቲ ምስ ሕጊ ሮማውያን ማሕበራዊ ሕጊን ሰብኣዊ ሕግን ብምንጽጻር ሊቅነቶም ዘመስከሩ ኣለው(22)

ስርዓት ኣድግና ተገለባ ብኣከፋፍላ ኣርእስትታቱ ኮነ ኣመቓቕላ ጥቕስታቱ ዳርጋ ምስ ምዕቡል ናይ ዘመና ኣወጻጽኣ ሕጊ ይዳረግ እዩ፡ ኣብ 36 ክፍልታትን ኣብ 313 ጥቕስታትን እተኸፍለ እዩ። ክፍልታት ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣ 1) ሕጻን 2) ወለድን ውሉድን 3) ሕጸ 4) ምፍልላይ ሕጸ 5) መርዓ 6) መርዓ ሓያም 7) እትዋት 8) ቀለብ ቆልዓ 9) ዝኣረጉ ወለዲ 10) ሕርሶት 11) ምጻእ ብርኪ 12) ሓዳሮም ዝወጹን ዘይወጹን ኣከፋፍላ 13) ዋሕስ ጓል 14) ዝሙት 15) ኣወራርሳ ገንዘብ 16) ጸርፊ 17) መውቃዕቲ   18) ዘራይ 19) ከትሪ 20) ቅትለት 21) ስርቂ 22) ምስክርን ማሕላን 23) ኣገባብ ዳይና 24) ከብካብ 25) ቀብሪ 26) ተስካር 27) ኣከፋፍላ ካሕሳ 28) ዓስቢ ግዙእ ወይ ጓሳ 29) ኣናባብር መሬት ርስቲ 30) ኣናባብር መሬት ሽሔና 31) ቤት ዘማስሑ 32) ሓዊ ዘቃጸለ 33) ሓላው እኽልን ሕዛእትን 34) እንስሳ 35) ማእከላይ ዓሌት 36) ኣነባባር ቤተ ክርስትያንን ቤት ትምህርትን።

ጠርናፊ ርእይቶ

ትሕዝቶታት ኣርእስቲ ስርዓት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ ብመስረቱ ዝተኣሳሰሩ እያቶም። ፍልልዮም ግና ከም ኣረኣእያኦምን ኣነባር ፍትሕን ክፍለጥ ይከኣል እዩ። ንኣብነት እኳ ሓደ ስርዓት እንዳባ ካብቲ ሓደ ስርዓት ወይድማ ካብ ሓፈሻዊ ስርዓት ንምፍላይ በብዓይነቶም ኣርእስትታት ምውሳድ እኹል እዩ። ንመላለዩ ኪኾነና እኳ ሓፈሻዊ መምርሒ ከም ስርዓት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ፡ ብጊዜ ፍትሕ ቆልዑ ምስ  ኣዲኦም ክቕመጡ ኣለዎም እዩ ዝብል፡ እንተኾነ ኣሰራርዓ እዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዕድሚኦም እዩ ዝውሰን።

ዕዙዝ ወይ ዓይነተይና ዝኾነ ስርዓት እንዳባ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ሕጊ ሽማምንቲ ከም መጠን ስፍሓት ስርዓት እንዳባ ከምዝነበረ’ውን ግሁድ እዩ። ብሓጺሩ ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ሰለስተ ኣውራጃታት ከፋፊልና እንተተዓዘብናዮም ከምዚ ዚስዕቡ እያቶም። ስርዓት ሰራየ ዳርጋ ኣብ ሓደ ጥርኑፍ ሕዝቢ ምልኪ ዝነበሮ ኣብ ስርዓታት ጉልቲ ዘድህብ እዩ። ኣብ ሕዝቢ ኮነ ኣብ ገዛ እቲ ሓማሴን ግኑን ዝነበረ ሕጊ ሽማምንቲ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም እዩ፡ ከመይ ራእስታት ጸዓዘጋን ሃዘጋን መራሕትን ኣዘዝትን፡ ገበርትን፡ ሓደግትን ኣብ መጠረሽታ ከኣ ኣሰርትን ፈታሕትን ስለዝነበሩ እዩ። ምልስ ቢልና ሕግታት ኣከለጉዛይ እንተተዓዘብና ከኣ ጽፈት ብዝመልኦ ሕዝባዊ ኣገባብ ተሓጊጎምን ተሰሪዖምን ንረኽቦም (24)

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ግጥሚ ቋንቋ ህጻን’ዩ”
Next Article ጸጸር ምውሕሓጥ !!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?