Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 3ይ ክፋል

ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 3ይ ክፋል

0
By Mekonnen T. on July 16, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብሓው ሰለሙን ገብረክርስቶስ

እዚ ጽሑፍ ካብ “ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ” ከም ዘለዎ ዝተወስደ ኢዩ። ብዘይካ ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላትን ስርዓተ-ነጥብን ምቅይያር፡ ዝኾነ ካልእ ለውጢ ኣይተገብሮን። ዝተገብረ ለውጢ ናይ ፊደላትን ጌጋወይ ዝጎደለ ፊደል ዝነበረ እንተ ኾይኑ ብናይ ብርቡዕ ኩርናዕ ሓጹር (ማለት []) ተመልኪትሉ ኣሎ። ጌጋ ዘይነበሮ ግን፡ ብናይ ቅድም ኣጠቓቕማ ዝተጻሕፈ ፊደላት ግን ዝየመልከትናሉን። ንኣብነት፡ “ሠ” ብ “ሰ” ፡ “ኀ” ብ “ሀ”፡ “ፀ” ከኣ ብ “ጸ” ተተኪኦም ኣለዉ። በተመሳሳሊ፡ ናይ ግእዝ ቁጽርታት ናብ ናይ ዓረብ ቁጽርታት

ተቐይሮም ቀሪቦም ኣለዉ። ገለ ገለ ንቃና ናይ’ቲ ጽሑፍ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፊደላትን ኣጸሓሕፋኦምን ግን ዓቂብናዮም ኣሎና። ንኣብነት፡ “ሕዝቢ” ኣብ ክንዲ ብ “ህዝቢ” ምትካእ፡ ከም ዘለዎ “ሕዝቢ” ቀሪቡ ኣሎ።

3ይ ክፋል

ሰዓብቲ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ተኸለ ዓገባን ሚናቤ ዘርኣይን ደምበዛን እያቶም፡ ብመፈለምታ ግና ሕጊ ደቀተሽም እዩ ዝነበረ። ሓድሓደ ሰባት(ከምኒ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ዝኣመሰሉ) ብግብሪ ክውዕል ዝጀመረሉ እዋን ድሕሪ እዞም ክልተ ሰበ ስልጣን ብ 17 ክፍለ ዘመን ከም ዋና ዕርዶም ኣብ ሃዘጋ ጸዓዘጋ ምስ ዓረዱን ምስ ተቐመጡን ብሓይሊ ድሕሪ ኣገዲዶምን ምስ ተወከልቲ ደቀተሽም ድሕሪ ተሰማሚዖምን እዩ ይብሉ።

(25) ካልኦት ድማ ድሕሪ ሞቶም እዩ ተጻሒፉ ይብሉ። ይኹን ድኣ’ምበር ብትሕዝቶኡን ብኣቀራርባኡን ካብ’ቶም ብቓል ዝተመሓላለፉ ስርዓታት እንዳባ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን። ብፍላይ እኳ ድኣ ብጥንታዊ ኣገባቡን፡ ብኣቀራርባ ነገራቱን ብኣጸሓሕፋ ትግርኛኡን ልክዕ ከም ስርዓት ሎጎሳርዳ ይሰማማዕ እዩ። ዚተጻሕፈሉ ዕለት ኣይፈለጥ ድኣ እምበር ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ጽሑፋት ስርዓት እንዳባ እዩ።

ብጎይትነት ድግያት ሃይሉ (1805-1876)፡ ውሩይ ተወላዲ ካብ’ታ ታሪኻዊት ገዛ ጸዓጸጋ፡ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ከም ብሓዲሽ ንምርኣይን ንምሕጋግን ኣብ ማይ ጓይላ ጥቓ ጸዓጸጋ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ሓማሴን ሓደ ሽማግለ ተኣከቡ። ድሕሪ እዙይ ኣብ ሓማሴን ዝቕመጡ ዝነበሩ ካልኦት ዓሌታት ብኣኡ ምእንቲ ክናበሩ ብዙሕ ጸዓትን ሓይልን ተገቢሩሉ እዩ።

(26) ብፍላይ እኳ ደኣ ብኣድርባን፡ ብደብረሲናን ብደቂ ዓንዱን ውዕውዕ እዩ ዝነበረ። ብግዜ ምምሕዳር መንግስቲ ጣልያን’ውን ሕጊ እንዳባ ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ብዕሊ ተፈላጥነት ምእንቲ ኪረክብ ተፈላጦ ደቂተሽም፡ ተኸለ ዓገባን፡ ሚናበ ዘርኣይን ዋዕላ ውዒሎም ኣሐደስዎ። ከምኡ’ውን ብርእሶም ሕዱራት ዝነበሩ ዓድታት ከም ዓድብርሃን ዓዲ ኣብየቶ፡ ዓዲ ንፋስ፡ ኣስመራ፡ ቤትመኻእ፡ ጊንዳዕ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ይኽተሉ ነበሩ።

እዚ ስርዓት እዙይ ብ1901 ዓ-ም-ፈ- ብቫሌረ ኦሎሪ ኮሚሳርዮ ሓማሴን፡ ደጀዝማት ጉብሳ ገረማርያም ከኣ ምስለኔ ናይ ተኸለ ዓገባን፡ ሚናበ ዘርኣይን ናይ ሸውዓተ ዓንሰባን እንከለዉ፡ ነዚ ስርዓት እዙይ ንኽጽሕፉ ሽማግለታት ናይ ደቀተሽም ቀዳማይ ዋዕላ ገበሩ።

(27) ኣብ’ቲ ቀዳማይ ዋዕላ ዓሰርተ ሽማግለታት ነበሩ። እቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ ሽማግለታት ግና ብኡ ንብኡ ስለ ዝዓረፉ ኣብ ክንዲኦም ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ተክእዎም። ኣብ’ቲ ዋዕላ ኩሉ ሳዕ ጸሓፊ ዝነበሩ ቀሺ ገረማርያም ወልደጊዮርጊስ በዓል ዓዲ ቆንጺ እዮም።

ደብተር ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ኣብ ጥቓ ቤተክርስትያን ዓዲ ቆንጺ( ተኸላ ዓገባ) ተዓቂቡ ይርከብ። ኣብ ቤት ማሕትም’ውን እንተ ብኸፊል፡ እንተ ብጥቕሲ እንተ ብምሉእ ተሓቲሙ ይርከብ።

(28) እቶም  ካልኦት ካብ ሓማሴን ዝርከቡ ስርዓታት እንዳባ ምስ’ዚ ስርዓት እዙይ ብዙሕ ርክብ ኣለዎም።

(29) ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ነዞም ዝስዕቡ ስርዓታት ይጥርንፍ፡ ስርዓት ብዛዕባ ሕጹያት፡ ዋሕስ፡ ዘይመሰለት ጓል፡ ከይተወከሰ ነሕዋቱ ጓል ዝመርዑ፡ መጸለልን ካሕሳን።

ስርዓት ዘማት (ሓማሴን)

ሕዝቢ ደምበዛን (30) ብጥንቲ ሓደ ፍሉይ ስርዓት ዘማት ዝተባህለ ብኸንቲባ ዘማት በዓል ዓድሓንስ (ኣብ ሸውዓተ ዓንሰባ ዝርከብ) ዝተሰርዐን፡ ብዛዕባ ኣገባብ መርዓ ዱሞዝ ዓይነተይና ኣረኣእያ ዝነበሮን ነበረ። ብመርዓ ዱሞዝ-ብሓደ ናይ ምንባር ውዕሊ-ሰብ ኣይ ንሰበይቱ ሓላፍነት ብምውሳድ ብሓደ ንኽነበሩን ኣብ ሓደ ንኽመጡን ውዕሊ ይወዓዓለላ፡ እዞም ዝስዕቡ ንኽገብረላ’ውን ቃል ይ ኣትወላ።

1ይ ኣብ ቅድሚ ተዋሓስትን መስከርትን እቲ ሰብ ኣይ ነታ ሰበይቲ ንንብረታን ንስንቃን ዝኸውን እሞ ከኣ ወርቃን ጨርቃን ክኾና ዓመታዊ ገንዘብ ክህባ ከም ዝግብ ኦ ይውስን።

2ይ ንኽልቲኦም ዝኾኑ ነገራት ክሕሉ፡ እታ ብመርዓ ዱሞዝ ዚተመርዓወት መርዓት ብወገና ድማ ሓዳር ገዛ ክት ኣልን፡ ምግቢ ሰሪሓ ክትቅርበሉን ክትቅልቦን ግድድትን ትሕዝትን እያ። እቶም ካልኦት ኣድለይቲ  ነገራት በቶም ተወዓዓልቲ ክውሰኑ ይከኣሉ ኢያቶም። እዚ መርዓ’ዙይ ከም ፍቓድ መርዑት ክብተን ይከኣል እዩ። ከም ኡውን እቲ ሓደ ኣይፍለይን እንተበለ፡ ንሳ ክትቃወሞ ኣይትኽእልን እያ። ከም ኡ ከኣ ንሱ ኩሉ ፍሩስ እዩ። ኣብ’ዚ ኩነታት እዙይ ክርከቡ እንከለዉ እቲ መርዓዊ ካብ’ቲ ኣብ ዓመት ዚህባ ዝነበረ ገንዘብ ሓደ ዓሰርተ ክልታዊት ኣፍ ብወርሓቱ ቆጺሩ ኪህባ ይግብኦ።

(31) እዚ ጥንታዊ ስርዓት እንዳባ ክለተ ዘፈር ዘማት ይናበርዎ ነበሩ፡ ዘማት ላዕይ ብተቐማጦ ድምበዛን፡ ዘማት ታሕታይ በቶም ካል ኦት ሸውዓተ ዓንሰባ ዝውከሉን እያቶም። ሸውዓተ ዓንሰባ ግና መርዓ ብርኪ ስለዝተኸሉ ካብ ምንብባሩ ተገለሉ።

ሕዝቢ ደምበዛን ንመቕጻዕቲ ዝምልከቱ ኣናባባር ፍትሒ ብስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም እዩ ዚናበር ዝነበረ። ስርዓት ዘማት ብቃል ደኣ እምበር ብጽሑፍ ኣይርከብን እዩ።

ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ (ሓማሴን)

ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ ኣብ ዓውዲ ብርሃነ ብ 6 ነሓሰ (ታሕሳስ) 1900ዓ-ም ብዘመነ የውሃንስ ወንጌላዊ ተጻሕፈ፡ ስራዕቱ ከኣ ተወከልቲ ላመ ጨሊ ታሕታይን የውሃንስ ሰመረ ላዕላይን እያቶም። እዚ ስርዓት እዚ ንተቐማጦ ሸውዓተ ዓንሰባ( ደቂ ዳሽም) ዓድ ሓንስ፡ ደቂ ሸሓይ፡ መለዛናይ፡ ደቂ ነኣምን፡ ደርሰናይ፡ ደቂ ዓንዱ ዝጥርንፍ እዩ።

(32) ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ ምስ ድምበዛን ማለት ምስ ስርዓት ዘማት ብዙሕ ርክብ ኣለዎ፡ እንተኾነ ሕዝቢ ሸውዓተ ዓንሰባ መርዓ ብርኪ ስለዘቖሙ ካብ ኣገባብ ስርዓት ዘማት ምስዓብ ኣቋረጹ።ሓድሓደ ሰባት ከምዝብልዎ እዉን ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ ካብ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ዚተወስደ እዩ። ምስ ሎጎሳርዳ’ውን ብዙሕ ርክብ ኣለዎ።

ደብተር ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ ኣብ ዓድሓንስ እዩ ዝርከብ። ስርዓት ሸውዓተ ዓንሰባ “ዋዕላ ሸውዓተ ዓንሰባ” ብዚብል ኣርእስቲ ኣብ ኣስመራ ብ1910 ተሓቲሙ ይርከብ፡ ብ 1939 እዉን ብካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ናብ ቋንቋ ጥልያን ተተርጕሙ ኣብ ሓደ መጽሔት ተሓቲሙ ኣሎ።

(33) ትሕዝቶ ዓንቀጻቱ ከኣ ካብቶም ካልኦት ስርዓታት እንዳባ ኣውራጃ ሓማሴን፡ ብዙሕ ፍልልይ የብሉን።

ሕጊ ሰሓርትን ላምዛን ወቀርትን ደምባን (ሓማሴን)

እዚ ስርዓት ወይ ሕጊ እዙይ ንሕዝቢ ላምዛን(ዓድ ብዘማት፡ ዓድ ሃከፋ፡ ዓድ ቐይሕ፡ ዓዲ ቐሺ፡ ዓዲቀ፡ ጎርባዕቲ፡ ዓዲ ላምዛ፡ መርሓኖ፡ዓጸናፍ፡ ኣዛይሔ) ንሕዝቢ ሰሓርትን (ዓዲ ኣሕደሮም፡ ዓዲ ርዓዳ፡ ዓድሓውሻ፡ ጎኮደዱ፡እምበይቶ፡ዝግብ፡ጸሎት) ንሕዝቢ ሰልስተ ወቐርትን(ዓድዛምር፡ወቐርቲ፡ዝንባን ኣንግቦ) ንዳምባን ዜናብር እዩ። ቅድም ግና ብስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም እዮም ዝምርሑ ዝነበሩ።

ብመንግስቲ ጣልያን ራእሲ በራኺ ገዛኢ ሓማሴን ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ንሕዝቢ ላምዛ-ሰሓርቲ-ሰለስተ ወቐርቲ -ዳምባ ካብ ርሑቕ ዓድታት መጺእኩም (ናብ ሃዘጋ ጸዓዘጋ ማለት እዩ) ክትሽገሩ ኣይግበኣኩምን እዩ’ሞ እንተደለኹም ካብ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ገልቢጥኩም ኣብ ዓድኹም ከም ስርዓት እንዳቦኹም ተፋረዱ በልዎም። ውላድ ካብ ብርኪ ወላዲ ይወጽእ ከም ዝበሃል ምቛም ሕጊ ሰሓርትን ላምዛን ወቐርትን ዳምባን ዳርጋ ከምኡ ኮነ። ድሕሪ’ዙይ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ( 1899-1900) ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ስለስተ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ምትሓዝ ርእሶም ዋዕላ ውዒሎም ሕጊ ሰሓርትን ላምዛን ወቐርትን ዳምባን ሓገግዎ። (34)

ቅድሚ ኣብ ምትሓዝ ርእሶም ዋዕላ ምውዓሎም ግና ብቃል ከም ዝንገር ብጥንቲ ካብ ጉዋ ንዝግብ ገጽካ ውጽእ ምስ በልካ ዘሎ ቦታ ኣብኡ ባይቶ ይእከቡ ነበሩ። ድሕሪኡ ግና ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ መሪጾም ኣብ ምድሪ እምበይቶ ዓቐብ ደረባ ኣብ ዝተባህለ ሻኻ ኣብ ዓመት ዓመት ሰልስተ ሰባት ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ተዋጺ ኦም ዋዕላ ይውዕሉ’ሞ፡ ሓድሽ ነገር እንተተረኽበ እሞ ከኣ ነቐፈታ እንተዘይብሉ ብኩሎም’ውን እንተተፈትወ ይሕግግዎን ይስምርዎን፡ ኣይፋልናን ኣይንቕበልን እንተበሎን እንተበሉ ግና ትሩፍ እዩ ዝነበረ። ከም’ዚ ገቢሮም ሕጊ እንዳቦኦም የሐድስዎ ነበሩ።

ብመጀመርታ እቲ ደብተር ኣብ እምበይቶ ኢዩ ዝተሓዝ ዝነበረ። ደሓር ግን ናብ ዓዲ ላምዛ ሓለፈ። ድሕሪ’ዙይ ስለስተ ወቐርቲ ታራና ክንሕዝ ይግብኣና እዩ ቢሎም ካብ ላምዛ ወሲዶም ንቐሺ ጸጋይ በዓል ዝባን ኣንግብ ሓዘልና በልዎም። ሕጂ ምስ ወዲ ቐሺ ጸጋይ ኣብ ዝባን ኣንግብ ይርከብ ኣሎ።

ሕጊ ሰሓርትን ላምዛን ወቐርትን ዳምባን ኣብ ኣስመራ ብ1910 ተሓቲሙ ይርከብ። ሊቅ ኤርኮለ ፐተጺ’ውን ሓደሓደ ንቕጽዓት ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብቋንቋ ጣልያን ኣሕቲሞም ኣለው። ሕጊ ሰሓርትን ላምዛን ወቐርትን ዳምባን ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ብሰፊሑ ከመይ ኮይኖም ክስርዑ ከምዘለዎም የረድ ኣና ቤተክርስትያን፡ ስርዓት ሓዳርን ፍትሕን፡ ሓላፍነት ወለዲድን ውሉድን ሕዝብን። ግፍዕን ጸርፍን መቕጻዕቱን፡ ኣነባባር መሬትን ጥሪትን፡ ኣቀባብላ ጋሻን ዘኽታምን ስኡንን።

ስርዓት ካርነሽም (ሓማሴን)

ስርዓት ካርነሽም ተፈላጦ ሕዝቢ ካርነሽም (ዓዲ ኣረጊት፡ እምባደርሆ፡ በለዛ፡ዃዜን፡ ደቂ ጴጥሮስ፡ ገረሚ፡ምድሪ ዛውል፡ መስፍንቶ፡ ጸሓፍላም፡ ዓደንጎዳ፡ ዓድጊም፡ ዓዲ ሻኻ፡ ምድርዜን፡ ደቅሰብ ደፈራ፡ ኳንደባ፡ ወኪ፡ ዛግር፡ ዓድዜን) ኣብ ሕርም ዛግር እተባህለ ቦታ ባይቶ ተኣኪቦም ሰርዕዎ(35)

ኣብ ሳልሳይ ገጽ ስርዓት ካርነሽም “ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ” ዚብል ምስላ ይርከብ። እዚ ማለት ድማ ስርዓት ዳይና ንእዋኑ ከም እተገልጸሉ ዚሰርዖ ወይ ሕልናዊ ፍርዲ እዩ። እንተኾነ ግን እተጻሕፈ ሕጊ ዓደቦ ቆይሙእዩ ዝነብር፡ ከመይ ኣነባባር ፍትሒ ብሻዑ ስለዝምራሕ እዩ። ስለዚ ዓበይቲ ዓዲ  ካርነሽም ነቲ ሕጊ እኳ ካብ ሱሩ ኪነቕልዎ እንተዘይሃቀኑ ስርዓት ኣቦታቶም ንምሕዳስ፡ ንሓደስቲ ኩነታት ግቡእ መስርዕ ንምትሓዝን ይፈልጠለይ ካብ ምባል ምእንቲ ክድሕኑን ዋዕላ ይውዕሉን የደብትሩዎን ነበሩ።

ስርዓት ካርነሽም ኣብ 16 ክፍልታት ዝተኸፍለ ካቫሌረ ኤ ማኪያ ናይ ግዛኣት ሓማሴን ኮሚሳርዮ ካብ’ቲ ጥንታዊ ዘሎ ቃል ንቃል ብትግሃቶም ዝገልበጥዎ ኣብ ኣስመራ ብማሕተም ካቶሊካውያን ኣብ 1910 ዓ-ም- ተሓቲሙ ይርከብ። ከምኡ’ውን ሊቅ ኤርኮለ ፐታጺ ብዛዕባ ስርዓት ካርነሽም ካብ ከንቲባ ወልደየሱስ ሞባእ በዓል እምባደርሆ ምስ ፈለጡ ከም ኣገላልጻ ብላታ ሓጎስ ተኸስተ ንመቕጻዕቲ ዝምልከቱ ዓንቀጻት ናብ ቋንቋ ጣልያን ኣተርጉሞም ኣሕቲሞም ኣለው።

(36)

ኣብዚ ቀረባ ግዜ  ስርዓት ካርነሽም ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ዋዕላ ተዋዒሉሉ ኣሎ። ኣብ’ዚ ውዕሎ’ዙይ ክልተ ክፍልታት (ናይ ሞትን ተስካርን፡ ናይ ቅትለት ጋርን) ተወሲኽዎ ኣሎ። ዛጊት ግና ኣብ ቤት ማሕተም ኣይተሓትመን። ብጉሁድ ኣገባብ ስርዓት ካርነሽም ደምን ጸርፍን፡ መቕጻዕትን፡ መሬት ሓለዋኡን ኣነባብራኡን፡ ሓዳር ናብራኡን ዕድሎትን፡ ኣገባቡን ፍርያቱን ብኸመይ ስርዓት ክምርዓዉ ከም ዘለዎም ይገልጸልና።

ስርዓት ሊባን (ሓማሴን)

ስርዓት ሊባን ብሽማግለታት ዓዲ ሊባን ብ 19 ክፍለ ዘመን ኣቢሉ ዚተሰርዐ እዩ። (37) ስርዓት ሊባን ብቓል እምበር ምሉእ ብምሉኡ ካብ’ቶም ኣብ ደብተር ዘይተደብተሩ ወይ ድማ ኣብ ቤት ማሐትም ዘይተሓትሙ ስርዓታት እንዳባ ሓደ እዩ።

ይቕጽል

4ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 19 ሓምለ ክቐርብ’ዩ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቅብኣ
Next Article ግጥሚ ንምስትምቓር..
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?