Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Saturday, May 31, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ባህልን ያታን»ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 2ይ ክፋል

ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 2ይ ክፋል

1
By Mekonnen T. on July 12, 2014 ባህልን ያታን
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ብሓው ሰለሙን ገብረክርስቶስ

እዚ ጽሑፍ ካብ “ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ” ከም ዘለዎ ዝተወስደ ኢዩ። ብዘይካ ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላትን ስርዓተ-ነጥብን ምቅይያር፡ ዝኾነ ካልእ ለውጢ ኣይተገብሮን። ዝተገብረ ለውጢ ናይ ፊደላትን ጌጋወይ ዝጎደለ ፊደል ዝነበረ እንተ ኾይኑ ብናይ ብርቡዕ ኩርናዕ ሓጹር (ማለት []) ተመልኪትሉ ኣሎ። ጌጋ ዘይነበሮ ግን፡ ብናይ ቅድም ኣጠቓቕማ ዝተጻሕፈ ፊደላት ግን ዝየመልከትናሉን። ንኣብነት፡ “ሠ” ብ “ሰ” ፡ “ኀ” ብ “ሀ”፡ “ፀ” ከኣ ብ “ጸ” ተተኪኦም ኣለዉ። በተመሳሳሊ፡ ናይ ግእዝ ቁጽርታት ናብ ናይ ዓረብ ቁጽርታት

ተቐይሮም ቀሪቦም ኣለዉ። ገለ ገለ ንቃና ናይ’ቲ ጽሑፍ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፊደላትን ኣጸሓሕፋኦምን ግን ዓቂብናዮም ኣሎና። ንኣብነት፡ “ሕዝቢ” ኣብ ክንዲ ብ “ህዝቢ” ምትካእ፡ ከም ዘለዎ “ሕዝቢ” ቀሪቡ ኣሎ። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ነካፍለኩም። ካብ ሰነዳቱ ፈቲሹ ክንጥቀመሉ ዝሃበና መምህር መኮነን ተስፋይ ብዙሕነመስገኖ። መምህር መኮነን ኣብ ማእከልምርምርን ስነዳን ኤርትራ ከም ዝረኸቦ

ሓቢሩና ኣሎ። ብዛዕባ ማእከል ምርምርን ስነዳን ትሕዝቶኡን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ዝስዕብ መርበበ ሓበሬታ

ተወከሱ/ሳ፡-http://www.eritreanarchives.org/.

እዚ ጽሑፍ እዚ ገለ ክፋሉ ስያትል ኣብ እትሕተም ወርሓዊት ጋዜጣ ዳዕሮ ኣብ ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓምዲ ሕጊ ኣብ ትሕቲ ዝብል ብጸሓፊ ኢስያስ የማነ ቀሪቡ ከም ዝነበረ ክሕብር እፈቱ።

2ይ ክፋል

ሕግታት ወይ ከኣ ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ!

ኣብ ሰራየ ካብቶም ካልኦት ክልተ ኣውራጃታት ውሕድ ዝበሉ ስርዓታት እንዳባ ይርከቡ። እቲ ዕዙዝን ዳርጋ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ዝናበርሉን ዝነብርሉን ዘለዉ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዩ። ካልኦት እውን ብቃል ድኣ እምበር ኣብ ቤት ማሕተም ዘይተሓትሙ ወይ ኣብ ደብተር ዘይተደብተሩ ስርዓታት ይርከቡ እዮም። ስለ’ዚ ኣብ ሕዝቢ ሰራየ ጥርኑፍን ስሩዕን ኣገባብ ዝሰፈኖን ዝነባባር ፍትሒ ይርከብ እዩ። እዚ ማለት ድማ መብዛሕትኡ ሕዝቢ ብስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዩ ዚናበር።

ምናልባት ሓማሴን ዚብል ቃል ኣመጻጽኣኡን ከመይ ኮን ይኸውን ቢልና ንጥይቕ ንኸውን። ሓደሓደ ሰባት ሓማሴን እተባህለሉ ምኽንያት እንኪገልጹ ከምዙይ ይብሉ፤ ቀደም ደቂ እስራኤል ኣብ’ዚ ሕጂ በረኻ መታሕት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘሎ ምስ ኣተዉ፡ ንሓደ ቁሩብ እዋን ተቐመጡ፣ ሓደ መዓልቲ ካብኣቶም ከትሪ ኪኸትሩ ምስ ወፈሩ ሰብ ረኺቦም ሓተትዎም። እዚ መኻን እዙይ እንታይ እዩ ሽሙ በልዎም፡ ንሳቶም ድማ፡ ሓማት ሓሸን” ቢሎም መለሱሎም። በዚ ምኽንያት እዙይ ሓማት ሓሸን ዚነበረ ጸኒሑ ሓማሴን ተባህለ። ካልኦት ግን ያያእ፡ ኣይፋሉን፡ ኣይከምኡን ሓማን ሴምን ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ፤ ወዶም ዓቢይ ሰብ ምስ ኮነ ሓማሴን ቢሎም ሰመይዎ፡ ከምዙይ ቢሉ እዩ ሓማሴን እተባህለ ቢሎም የዘንትዉልና። ገለ ካልኦት ሰባት ከኣ ሃም ወሴም፡ ካብ ሴምን ካብ ካምን ዝውለዱ እዮም ዝብሉ ኣለዉ።

(10) እቲ ኮይኑ እዚ ንዓና ዘድልየና ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ብዓሌቶም ኮነ ብልማዶም ዝተፈላለዩ ሕዝቢ ይመጹን ይኸዱን ይጣየሱን ይለቁን፡ ይስልጥኑን ይዓንዉን ከም ዝነበሩ እዩ።

ሕዝቢ ሓማሴን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሕግታትን ስርዓታትን ወግዕታትን እንዳባ ኣለዉዎም። እቲ ምዕሩግ ቦታ ሒዙ ዚርከብ ዚነበረ ስርዓት ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ኪኸውን እንከሎ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ግን ስርዓት ሎጎጭዋ ዓዚዙን ደሪዑን ይርከብ።

ኣከለ ጉዛይ ዚብል መጸዋዕታ ብስም ክልተ ፍሉያ ወለዶ (ኣከለን – ጉዛይን) ዝቖመ ኢዩ፣ ኣብ ኣከለጉዛይ ብደብተር ኮነ ብትውፊት ወይ ብጽናሕ ዝተመሓላለፉ ስርዓታት እንዳባ ብዙሓት እያቶም። በብዘመኑ ከኣ ብዙሕ ምምሕያሽን ምሕዳስን ተገቢሩሎም እዩ። ዳርጋ ኩሎም እውን ብድላይን ብፍታውን ሕዝቢ ዝተሰርዑ እዮም ዝመስሉ። እቲ ጥንታዊ እዩ ተባሂሉ ዚእመነሉ ስርዓት እንዳባ ከኣ ስርዓት ምዔም ምሓዛ እዩ።

ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ (ሰራየ)

ከም ዚትረኽ ኣከለጽዮን ንሽመዲ ጓል ሕመድ ቅኑዕ (ጻዕዳ) ተደረር ምስ ኣእተወ ንኽልተ ኣሓዋት ማናቱ ኣድከመን ምልጋእን ወለደ። እዞም ማናቱ ዝፈረዩዎም ቁጽሮም ኣዚዮም ብዙሓት እያቶም።

(11) ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ዚብል መጸዋዕታ ካብ እዞም ክልተ ማናቱ እዩ ተወስዲኡ። ስለ’ዚ ስጋዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ

ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እናተባህለ ይሕገጎን ይስረዖን ኣሎ። ብዛንታ ከምዚዝንቶ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ብዘመነ መንግስቲ ሃጸይ ብእደማርያም (1467-1477) ካብ 7 (ሸውዓተ) ዓዲ ሕጊ ማለት ካብ ዓዲ መንጎንቲ፡ ካብ ኩዶፈላሲ፡ ካብ ዓዲ ሕይስ፡ ካብ ቤት ገብርኤል (ኣብ ክንዲ ደቂማኡ-ክርስቶስ መዋኢ)፡ ካብ ቅነ ሓየላ (ኣብ ክንዲ ደቂ ምልጋእ)፡ ካብ ዓረዛ፡ ካብ ማይ ለሓም (ኣብ ክንዲ ደቂ

ተስፉ)፡ ብሓፈሻኡ ካብ 7 (ሸውዓተ) ዓዲ ደቀድከመን፡ ካብ 2 (ክልተ) ዓዲ ናይ ደቂ ምልጋእን ዓበይቲ ዓድን ለባማትን ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዚተባህለ ቦታ (ኣብ ተኸላ) መጠን ንሓደ ቕነ፡ ንኽልተ ቕነ ዚኣክል ንቑጽ ቅጫ ብማይ ኣኻፊዮም እናተመገቡ፡ ኣብ ጽላል መሞና እናጽለሉ እግዚኣብሔር ግለጸልና ቢሎም እናለመኑ ዋዕላኦም ውዒሎም ስርዓት ኣድከመ ምልጋእሰርዑ።

(12) ኣቦታት ከም ዘዘንትውዎ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ ጽሑፍ እዩ ዚነበረ፡ ምቕማጡ ድማ ኣብ ደብረ ኣቡነ ዮናስ እዩ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ኲናትን ዕግርግርን ህውከትን ግና ጠፊኡ ይብሃል።

ሰብ ያታ ከምዘዘንትዉዎ እቲ ጽሑፍ (ደብተር) ዝነበረ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ምስ ጠፍአ፡ ነቲ ኣብ ቃል ዝነበረ ሕጊ ምእንቲ ከይርሳዕ በብሰለስተ ዓመት ከም ዝኾነሎም ገቢሮም ደጊሞም ከምቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ኣገባብ ምእዋጅ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ብቃል ረቢቦም ብስርዓቱ ንዝናበሩ ሕዝቢ ወትሩ ኣብ ማይ ጊፍ የፍልጥዎ ነበሩ። በዚ ምኽንያት’ዙይ ሰዓብቲ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ክምጒቱ እንከለዉ “ንጉስ ኣብ ስቐላኦም፡ ኣቦታትና ኣድከመ ምልጋእ ኣብ መሞናኦም ዝሓገጉዎ፡ ሓጸረ ቢልካ ኣይትለቅመሉ፡ ነውሐ ቢልካ ኣይተሕጽረሉ” እናበሉ ይምጒቱ።

በዚ ኣገባብ እዙይ ካብ ምምስራት ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ክሳብ ሃጸይ ዮውሓንስ (1872-1889) ድሕሪ ተኻይዱ፡ ብዘመነ መንግስቲ ሃጸይ ዮውሓንስ እቱ ልሙድ ምቛም ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ማለት ኣብ ሸውዓተ ዓዲ ሕጊ ለባማትን ዓበይትን ኣብ ማይ ጊፍ ተኣኪቦም ነቲ ጥንታዊ መሰረት ብምግባር እናደላደሉን እናሰላሰሉን ከስፍሕዎን ሓደስቲ ሕግታት ክውስኹሉን ባይቶኦም ዝእከብሉ ዚነበረ ኢድ ንጉስ ኪኣትዎ ተረኽበ፤ ከሐድስዎን ከማዕብልዎን እኳ እንተጸዓሩ ኣብ መዓላ ግና ኣይወዓለን። ብ1873 ኣይቴ ስብሓት ኣቦ ደጊያት ተፈሪ ከም ፈላጢ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ወይ ድማ ደጋፊ ሓሳባት ሓጸይ ዮውሓንስ ከምቲ ዝውቱር ዋዕላ ተዋዕለ፡ ኣብዚ ዋዕላ እዙይ’ውን እቶም ሽማግለ ኣይተ ኣኪላስ በዓል ዓዲ ዓጎጋ ኣብቲ ቅድሚ ሽዑ ዚተገብረ ዋዕላ ዝተሓገጉ ሕግታት ንኪገልጹ ተዓደሙን ተሳተፉን። ኣብ’ዚ ዋዕላ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸዓታት ንጉስ ንሰራቒ ከብቲ ዚወሃብ ዚነበረ መቕጻዕቲ ኣዚዩ ኪብርትዕን ኪዓብን እዩ ዝነበረ። በዚ ጊዜ እዙይ እቲ ተሓዲሱ ዝነበረ ስርዓት ብሰብ ምድሪ ፈላሲ፡ ምድሪ ወድ ስበራእ፡ ደቂ ኣይተሕስ፡ ደቂ ሽባት ደቡብ፡ ጉሕጭዓ፡ ተኸላ፡ ሓርፈጉረቶ (ብዓሌቶም ምስ መራጉዝ ዝራኸቡ)፡ ጉንደት፡ ቆሓይን፡ ደቂ ገደና ተመጻ፡ ዓዲ ጉዕቦ፡ ዛይድ ኣኮሎም ይናበር ነበረ።

(13)ድሕሪ’ዙይ እቲ ዓቢይ ኣቓልቦ ዚተገብረሉን፡ ብዙሕ’ውን እተጻሕፈሉን ብወርሒ ግንቦት 1936 ዓ.ም. ሸውዓተ (7) ዓዲ ሕጊ ምስ ሰየምቲ ኣድከመ ምልጋእ ተሓጋጊዞም ነቲ ጥንታዊ ሕጊ ተኸቲሎም ኣብ ዓዲ ወግሪ (መንደፈራ) ዘቖሙዎ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዙይ ኣብ ርእሲ እቶም እተሰምዩ ዓድታት ደቂ ቦኽሪ፡ እንዳ ኣዝማች ዑቕቢት ዓይላ፡ ኲኖ ረዳእ፡ ዓናግር፡ ኣፈልባ፡ ቆላ ሰራየ

ይውሰኹዎም እዮም። (14) ኣቦታት ከም ዘዘንትዉዎ’ውን ናይ ጥንቲ ዶብ ኣድከመ ምልጋእ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዝነበረ።

1. ብምብራቕ (ብምሥራቕ) ዝነበረ ገፊሕ እዩ፡ ጻዕዳ ሓርማዝ ገረዞ ይብሃል ነበረ፤ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ግና መረብ ምላሽ ወይ መረብ ተባህለ።

2. ብምዕራብ ምስ በንዓምር ምስ ባዜን እናተዳወበ መረብ ይወግእ፡ ሎሚ’ውን ብምዕራብ ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ።

3. ብሰሜን ወገን መረብ፡ ድባርዋን ክሳድ ዘረባን ምላሽ እዩ።

4. ብደቡብ መረብ ጉንደት ምላሽ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተባህለ ዶብ ግን በብዓይነቶም ብዙሓት ዓሌታትን፡ ብርእሶም ዝሓድሩ ዓድታትን (ንኣብነት ከም ታኺታ፡ ጒላ፡ ዝኣመሰሉ) ይርከቡ። (15) ገሊኣቶም ቅድሚ ኣድከመ ምልጋእ ዝመጹ፡ ገሊኣቶም ከኣ ድሕሪ ኣድከመ ምልጋእ ዝተጣየሱ እያቶም፤ ብኣከያይዳ ስርዓት ግና እንትርፊ ሓደ ሓደ ብስርዓት ሎጎጭዋን ብናይ ባዕላቶም ሕጊ ዝናባበሩን እንተዘይኮይኑ መብዛሕትኦም ብስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዮም ዝስርዑ። እቱ ናይ መጨረሽታ ተጸሪቡን ተሓዲሱን ሰልጢኑን ሰፊሑን ዝቖመ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ምስ ምስላ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት ማሕተም ጴጥርሶን ሲላ ብ1936 ዓ.ም. ተሓትመ። ብኽቡር ሊቅ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ መሪሕነት’ውን ብ1948ን 1953ን ራሰኛ ዲ ስቱዲ ኢትዮፒቺ ኣብ ዚብል መጽሔት ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ብቋንቋ ትግርኛን ጣልያንን ተሓቲሙ ይርከብ። ዋና ትሕዝቶ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዞም ዝስዕቡ እያቶም፤ ኣነባባር ቤተሰብን-ሓዳርን- ሓላፍነት ደቅን፣ ብዛዕባ ኣነባባር መሬትን ንንብረት ዝርእዩ ነገራትን፣ ብዛዕባ ሃይማኖትን፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ናብራ (ንኣብነት ከም ቅትለት፡ ስርቂ፡ ምስክር፡ ምሕላ፡ ዓመጽ ወዘተ …) ዝኣመሰሉ እያቶም።

ስርዓት ኣውሊዕ ጽምሮ (ሰራየ)

ኣገባብ ስርዓት ኣውሊዕ ጽምሮ ኣብ ሞንጎ ሕዝቢ ተመጻ ዝውቱር እዩ። ሕዝቢ ተመጻ መበቆሎም ካብ ገናሕቲ (ዓጋመ፡ ኮሚሳርያቶ ዓድግራት ዝነበረ) እዩ ንሳቶም ብስርዓት ኣድከመ ምልጋእ እዮም ዝናበሩ፣ እንተኾነ ግና ብዛዕባ ኣገባብ መርዓ ብርእሶም ሕዱራት እያቶም። ኣብ ጊዜ መርዓ ባህሊ ወይ ስርዓት ኣውሊዕ ጽምሮ እዮም ዝኽተሉ። እዚ ኣገባብ እዙይ ብስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ቅቡል ድኣ ኣይኮነን እምበር ዕጉስ ወይ ጽዉር እዩ። ስርዓት ኣውሊዕ ጽምሮ ካብቶም ብቃል እምበር ብጽሑፍ ዘይርከቡ ስርዓታት እንዳባ ሓደ እዩ። (16)

ሕጊ ዓውደ ዓለ (ሰራየ)

ብ1922 ሕዝቢ ጉሕጭዓ – በቲ እዋን እቲ ዝተፈላለየ መበቆል ዝነበሮም ኣስታት ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን (1525) ኣቢሎም ይኾኑ ነበሩ – ሕጊ ዓውደ ዓለ (ብስም እቲ ንጉሕጭዓ ተርቲርዎ ዚሓልፍ ሩባ) ዚብል ስም ሰምዮም ናይ ባዕላቶም ሕጊ ከቑሙ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ መንግስቲ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውጣኔታት ምእንቲ ኣብ ርእሲ ኣድከመ ምልጋእ ሕማቕ ጽልኢ ከይለዓል ብማለትን ኣብ ልዕሊ ቀዳሞት ደቀባት ጉሕጭዓ ድማ ቅርሕንትን ዘይምቅዳውን ከይትንስእ ቢሉ ይነጽጎምን ይጉልብቦምን እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ግን ሕዝቢ ጉሕጭዓ ንስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ይሰምርዎምን ይስዕብዎን እዮም።

(17) እዚ ሕጊ’ዙይ እውን ብያታ ድኣ እምበር ብጽሑፍ ኣይርከብን እዩ።

ስርዓት ሎጎጭዋ (ሓማሴን)

ሕዝቢ ሎጎን (ብዚመስል ዓቀይቶት ንጉስ እዮም ዝነበሩ) ጭዋን (ሸም ሓደ ሰብ ወይ ዓሌት ዘይኮነስ ሽም ሕዝቢ ወይ ሽም ጭፍራ ዓቀይቶት ንጉስ እዩ ዘመልክት) ካልኦት ዓሌታትን ደቂ ሓንቲ ሕግን ስምረትን ኮይኖም ብዘመን መንግስቲ ሓጸይ እስክንድር ብ1282 ሕጊ ጽሒፎም መጸውዒ ደብተሮም “ሎጎን ጭዋን” ቢሎም ሰመይዎ።

(18)ንኻልኣይ ጊዜ ብሓጸይ ፋሲል ዘመን ብ1650 – 1657 ተሓደሰ። ንሳልሳይ ጊዜ ብመንግስቲ ጣልያን ብ1882 ዓ.ም. ከም ብሓዲሽ ተሓደሰ። ንራብዓይ ጊዜ ከኣ ብመንግስቲ እንግሊዝ ብ1935 ዓ.ም. ተሓደሰ። እቲ ናይ መወዳእታ ምምሕያሽ እተገብረሉ ሕጊ ማለት ብ1935 ዓ.ም. ካህናትን መኳንንትን እንዳባ ሎጎጭዋን ከበሳ ጭዋን ስርዓቶምን ሕጎምን መታን ንዘልዓለም ክጸንዓሎም ቢሎም ኣብ’ቲ ኩሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኾም ተጸጊዕም ነቲ ጥንታዊ ሕጎም እናተኸተሉ ዘቖምዎም ስርዓተ ሎጎጭዋ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ኣስመራ ብማሕተም ጴጥሮስ ሲላ ብ1938 ዓ.ም. ተሓቲሙ ይርከብ።

ኣብ ትውፊትን ኣብ ሓድሓደ ጽሑፋትን ከም ዚርከብ ሕጊ ሎጎጭዋ ብጥንቲ ኣቦታት ጽሒፎምን ደብቲሮምን እዮም ዜናብርዎ ዝነበሩ። እተን ደባትር ከኣ ክልተ (2) እየን ዝነበራ፤ ክልተ ደባትር ምጽሓፎም ምናልባት ሰብ ሳሓቲ እዩ’ሞ እታ ሓንቲ ብገቢር ወይ ብብላዕ እቲ ተሓዚኣ እንተሰሓተ፡ እታ ሓንቲ ንኽትዕቀብ ብማለት እዩ ዚመስል። እዝን ክልተ ደባትር ሽማገሌታት እንዳባ ናብ ዝኣመኑዎን ዝመረጽዎን በዓል ዓቢይ ዓዲ ኮነ በዓል ቁሸት ዓዲ እናዞራ እየን ዝቕመጣ ዝነበራ። ካብ’ዚ እተላዕለ ኣብ ሞንጎ ዓሌታት ሎጎጭዋ ዓዲ ሕግን ወግዕን ዚብሃል ብፍላይ የልቦን፣ ከመይ ሕጎምን ወግዕምን ምሉእ ብምልኡ እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ሕጊ ሎጎጭዋ ተጠርኒፉ ይርከብ እዩ።(19) ኣብ ምትካል ሕጎም’ውን መንፈስ ሕዝባዊነት ዝዓብለሎ እዩ ዝነበረ። ዛጊት ግና ካብ’ቲ ገዛእቲ ጣልያን ብ19 ክፍለ ዘመን መጺኦም ብቋንቋኦምን ብቋንቋ ትግርኛን ብኻልኦት ቋንቋታትን ክጽሕፉን ከሕትሙን ካብ ዝጅምሩ ንደሓር እምበር ቅድሚኡ ሕጊ ሎጎጭዋ ብኩልንተናኡ ተሓቲሙ ኣይንረኽቦን። ሕጊ ለጎን ጭዋን ካብ’ቲ ብጥንቲ ዝነበረ እተሓደሰ ኣብ ዋዕላ ማይ ላሓም ብግቡእ ስምምዕ እተደፍተረን ካብ’ቲ ጥንታዊ ዘሎ ቃል ንቃል ብትግሃት ካቫሌሪ ኤማኪያ ናይ ግዝኣት ሓማሴን ኮሚሳርዮእተገልበጠን ኣብ ኣስመራ ብማሕተም ካቶሊካውያን ብ1917 ዓ.ም. ተሓቲሙ ይርከብ። ብ1917 ዓ.ም.ፈ (ፈረንጂ) ኣቢሉ ኣፈጻሚ ስርዓት ኣይተ ገብረመድህን ብርሃነ እዮም ዝነበሩ።

ኣብ ላዕሊ ከም እተገልጸ ባህሊ ይረኸብ ድኣ እምበር ኣብ መንጎ ዓድታት ሰዓብቲ ስርዓት ሎጎጭዋ ፍልልይ ኣሎ።(20) ዛውል – ከልከልትን ጽልማን (ዓዲ ባሮ፡ ዓዲ በዛሓንስ) “ዓዲ ሕጊ” እዮም ዝብሃሉ፣ እዙይ ማለት ከኣ ቅሙጥ ደፍተር ሕጊ (ius scriptum) ዝነበሮም እዩ ዘመልክት፤ ሕምብርቲ ወቐርካ (ዓዲ ወገሪቶ)፡ ዓዲ ገብራይ፡ ዓዲ ፈለስቲ፡ እምኒ ጸሊም፡ ሽከቲ፡ ባርዳ (ኣባርዳእ)፡ ክትሞውሊዕ፡ ዓዲ ራእሲ፡ ጎባይ ምስ ቶራት “ዓዲ ወግዒ” ማለት ብዛዕባ ሕጊ ዝፈልጡ ሽማግለታት (ዓበይቲ) ዓዲ ዘለዉዎም (ius non scriptum) እዮም፤ እዞም 12 (ዓሰርተ ክልተ) ዓድታት እዚኣቶም ብጥቕላል ከኣ “ዓዲ ሕግን ወግዕን” ይበሃሉ። እዞም እተሰምዩ ዓድታት ሕጎምን ስርዓቶምን ወግዖምን ልማዶምን ንምሕዳስን ንምምላእን ኣብ ማይ ላሓም ዋዕላ ይውዕሉ ነበሩ። ሊቅ ኤርኮለ ፐታጻ ከም ዝብልዎ እዚ ስርዓት እዙይ ብደገፍ ራእሲ ሓደራው በዓል ሽከቲ ብዘመነ መንግስቲ ንጉስ ኢያሱ 2ይ (1729 – 1743፡ ከም ኣበሃህላ ሳልትን፡ ብሩስን) ዓበይቲ ዓዲ ሎጎጭዋን፡ ከበሳ ጭዋን፡ ጽልማን ኣብ ማይ ላሓም ጥቓ ዛውል ባይቶ ተኣኪቦም ሓገግዎ። ይኹን ደኣ እምበር ደጊያት ሃይሉ (1805-76) ገዛኢ ሓማሴን ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ሎጎን ከበሳ ጭዋን ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ክኽተሉ ተገደዱ፣ እንተኾነ ደጊያት ምስ ተሳዕሩ ሕጊ ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽምኣይተኸተሉዎን።

(21) ስርዓት ሎጎጭዋ ብጥንቲ ኣብ ጽልማን፡ ሰፍኣን፡ ሊባንን፡ ኣብ ላዕላይ ሎጎጭዋን ከበሳጭዋን ዝነበሩ ሕዝቢ ዓሌቶምን ትውልዶምን ዝጥርንፍ ዝነበረ፡ ንራብዓይ ጊዜ ተሃዲሱን ተደልዲሉን ካብ ዚወጽእ ንደሓር ግና ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሓማሴን ዓቢይ ክብሪ ረኺቡ ይርኤ።

(22)ጥንታዊ ዶብ ሎጎጭዋ

(23) ከም’ዚ ዚስዕብ እዩ ዝነበረ፡-

1. ብምስራቕ (ምብራቕ) ዓዲ ራእሲ- ጎባይ-ቶራት እዩ፤

2. ብምዕራብ ወገን ክሳዕ ምሉእ ምድሪ ሊባንን ማየልቦን ምስ በንዓምር ይዳወብ፤

3. ብሰሜን ሓበላ ምስጓግ እዩ ዶቡ፡ ምስ ደቀተሽም ዓዲ ጓዕዳድ፤

4. ብደቡብ ምኽዓው ቆሎ ምላሽ እምኒ ጸሊም ጽንዕቶ ምስ ኣድከመ ምልጋእ (ሰራየ) ይዳወብ።

ከም’ቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ብዘበን መንግስቲ እንግሊዝ ሕጊ ሎጎጭዋ ንምሕዳስን ንምሕጋግን ምስ ተፈቕደሉ ምሉኣት እንዳባ ብ1935 ዓ.ም. ብ7 (ሸውዓተ) ሰነ ናብ ማይ ላሓም ተኣኪቦም፡ ለባማትን ምሁራትን ካብ መኳንንትን ሽማግለ ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ድሕሪ ተመሪጾም ብፍቕርን ብስምምዕን ን2 (ክልተ) ዓመት ምሉእ ብምጽዓርን ብምድካምን ሕጊ እንዳቦኦም ብሰላም ጨረሱዎ። ስርዓት ሎጎጭዋ ኣስፊሑ ብዛዕባ ደምን ማሕበራዊ ግፍዕን መቕጻዕትን፡ መውስቦን ሳዕቤኑን ኣነባብራ መሬትን ንኣኡ ዝምልከቱ ነገራትን ጥሪትን ይትንትነልና። ከምኡ’ውን መሰል ሃይማኖትን ቤተክርስትያንን ኣነባባር ፍትሕን ፍርድን ብግሩህ ኣገባብ ተንቲኑ የረድኣና።

ይቕጽል . . . . . . .

3ይ ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 16 ሓምለ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሰዓት!
Next Article ግጥሚ ዝገጥመለይ
Mekonnen T.

Related Posts

መጽሓፍ፡ ሕጊ እንጋንኣ፡ ስርዓት ዓጽሚ ሓርማዝ

November 26, 2020
Read More

እቲ ብሕጊ እንዳባ ዝምካሕ ነቲ ዓንቀጻቱ’ውን ከኽብሮን ክስረዓሉን ይግባእ

October 9, 2017
Read More

እንዳ ደጊያት ባህታ ሓጎስ በዓል ሰገነይቲ

September 20, 2014
Read More

1 Comment

  1. Abdu Esmail Ali on May 26, 2015 7:30 pm

    good job

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?