Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል

ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ቀዳማይ ክፋል

0
By Mekonnen T. on July 10, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ

ብኢሳያስ የማነ

* እዚ ጽሑፍ ኣቐዲሙ ኣብ ጋዜጣ ዳዕሮ ናይ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2014 ሕታም ወጽዩ ከም ዝነበረ ክሕብር እፈቱ::

እዚ ጽሑፍ ካብ “ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ” ከም ዘለዎ ዝተወስደ ኢዩ። ብዘይካ ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላትን ስርዓተ-ነጥብን ምቅይያር፡ ዝኾነ ካልእ ለውጢ ኣይተገብሮን። ዝተገብረ ለውጢ ናይ ፊደላትን ጌጋ ወይ ዝጎደለ ፊደል ዝነበረ እንተ ኾይኑ ብናይ ብርቡዕ ኩርናዕ ሓጹር (ማለት []) ተመልኪትሉ ኣሎ። ጌጋ ዘይነበሮ ግን፡ ብናይ ቅድም ኣጠቓቕማ ዝተጻሕፈ ፊደላት ግን ዝየመልከትናሉን። ንኣብነት፡ “ሠ” ብ “ሰ” ፡ “ኀ” ብ “ሀ”፡ “ፀ” ከኣ ብ “ጸ” ተተኪኦም ኣለዉ። በተመሳሳሊ፡ ናይ ግእዝ ቁጽርታት ናብ ናይ ዓረብ ቁጽርታት ተቐይሮም ቀሪቦም ኣለዉ። ገለ ገለ ንቃና ናይ’ቲ ጽሑፍ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፊደላትን ኣጸሓሕፋኦምን ግን ዓቂብናዮም ኣሎና። ንኣብነት፡ “ሕዝቢ” ኣብ ክንዲ ብ “ህዝቢ” ምትካእ፡ ከም ዘለዎ “ሕዝቢ” ቀሪቡ ኣሎ። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ነካፍለኩም። ካብ ሰነዳቱ ፈቲሹ ክንጥቀመሉ ዝሃበና መምህር መኮነን ተስፋይ ብዙሕነመስገኖ። መምህር መኮነን ኣብ ማእከልምርምርን ስነዳን ኤርትራ ከም ዝረኸቦ ሓቢሩና ኣሎ። ብዛዕባ ማእከል ምርምርን ስነዳን ትሕዝቶኡን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ዝስዕብ መርበበ ሓበሬታ ተወከሱ/ሳ፡-http://www.eritreanarchives.org/.

ቀዳማይ ክፋል

መባእታ፡ ባህላዊ ፍትሒ ብመሰረቱ ዋና ጸግዑ ስርዓታትን ቀግዕታትን እንዳባ እዮም። ኣቦ ዝሓዞ ውሉድ ይወርሶ፡ ኢድ ዝሓዞ ኣፍ ይጎርሶ ስለዝኾነ፡ ሓቀይና ኣሰር ኣቦታቶም ብምኽታል ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ስርዓታት እንዳቦኦም ባይቶ ብምእካብን ዋዕላ ብምውዓልን ካብ ዓመታት ናብ ዓመታት ካብ ዘመናት ናብ ዘመናት ከደልድልዎን ከሓድስዎን ከማዕብልዎም ተረኺቦም እዮም። ቅድሚ ኣብ ዝርዝር ኩነተ ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ምእታውና ግና እንታይነት ስርዓት እንዳባ (ባህላዊ ሕጊ) ክንምልከት ኢና። ኣስዒብና ከኣ ስርዓታት እንዳባ ገለጽቲ ባህልን ልምድን፡ ወግዕን ያታን ስለ ዝኾኑ ከም መተኣታተዊ መጠን ኣብ ሰለስተ ኣውራጃታት ብምኽፋል መበቆሎምን፡ ኣወጻጽኣ ኣስማቶምን ብመነመንን ኣበይን መኣስ ከምዝተሰርዑን እተደብተሩን፡ ንመነመን ከም ዘናብሩን ፍሉይ ምልክቶምን፡ ኣብ ዕቑባ (ኢድ) መን ከም ዝርከቡን ብማሕተም መኣስ ከም እተሓትሙን፡ ኣንጉዕ ትሕዝትኦምን ኣሕጽር ኣቢልና ክንርእዮም ኢና።እንታይነት ስርዓት እንዳባ (ባህላዊ ሕጊ)፡ብመሰረቱ ባህሊ-ልማድ፡ ሕጊ፡ ስርዓት ዝብሉ ቃላት ብልፍንቲ ዚካየዱ እያቶም፡ ከመይ ኣብ ባህሊ ልማድ ኣሎ ኣብ ሕጊ ከኣ ስርዓት ኣሎ።

(1) ባህሊ ነገር፡ ክርክር፡ ኣበሃህላ፡ ኣዘራርባ፡ ብልሓት ነገር፡ ትርጉም ምስጢር፡ ድርሳን፡ ልማድ፡ ሕጊ፡ ስርዓት፡ ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ቃል ድምጺ የመልክት። ልማድ እውን ኣመላ፡ ዝውቱር ግብሪ፡ ትምህርቲ ሕጊ፡ ስርዓት፡ እንኬመልክት፡ ሕጊ ግን ዝተወሰነን ዚተጻሕፈን ስርዓት፡ ርቱዕ ፍርዲ፡ ባህሊ ሃገር፡ ንምግባር ዝእዝዝ፡ ንከይግበር ዝኽልክል፡ ግበሩ ኣይትግበሩ ዝብል እዩ። ስርዓት ምስ ሕጊ ብምስምማዕ ከኣ ኣገባብ፡ ሕጊ፡ ትእዛዝ፡ ኣዋጅ፡ ፍርዲ፡ ልማድ፡ ምመምርሒ ነገራት ይገልጽ። ስለ’ዚ ኣርባዕቲኦም ቃላት ዝተተሓሓዘ ትርጉም ኣለዎም። ይኹን ድኣ እምበር ሕጊ ኮነ እቶም ካልኦት ቃላት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ … ናብ ጠባይ፡ ኣመላ፡ ዝውቱር ግብሪ፡ እንታይነት ሓደ ሓደ ፍሉያት ዓድታትን፡ ቦታታትን፡ ትውልድታትን ወይ ድማ ስርዓት ወይ ሕጊ እንዳባ እዩ ዚዝንብል። ስርዓት ወይ ሕጊ እንዳባ ማለትከ እንታይማለት እዩ?

ስርዓት ወይ ሕጊ እንዳባ (ከም ኣገላልጻ ሕጊ ሎጎጭዋ) ዚብሃል ኣሕዋት ምሉእ ኣውራጃ (ሎጎጭዋ) ዘለዉ እንዳባ ከካብ ዓሌት ተመሪጾም ናብ ሓደ ባይቶ ተኣኪቦም ዘስምርዎን ዘቑሙዎን እዩ እምበር፡ ሓደ ዓዲ ንበይኑ፡ ወይ ሓደ ዓሌት ንበይኑ፡ ወይ ሓደ ማይ ቤት ንበይኑ ዘቖሞ ሕጊ ኪብሃል ወይ ኬቕውም ኣከኣልን እዩ።

(2) ስለ’ዚ ከም ኣገላልጻ ሕጊ እንዳባ ሎጎጭዋ ብዝኾነ ምኽንያት ብቕዋም ዓዲ፡ ወይ ብቕዋም ማይቤት ወይ ብቕውማ ዓሌት ክምጒት ወይ ክቕወም ኣይከኣልን ኢዩ።

እዚ ኣገባብ’ዙይ ጥንታውን ዝውቱርን እዩ ዝነበረ፡ ንኣብነት’ኳ ኣገባብ ምእዋጅ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ንመልከት። ካብ ነፍስወከፍ ትውልዲ ዓበይትን ለባማትን ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዝተባህለ ቦታ (ኣብ ተኹላ ዚርከብ) ምስ ቃንዳ መለኸቶም (ብኾቦሮን ብመለኸትን ሕዝቢ ኣድከመ ምልጋእ በብጋንታኡ ተሰሊፉ) ተኣኪቦም መጠን ሰሙን፡ ክልተ ቕነ ዚኣክል ንቑጽ እንጌራ እናተመገቡ፡ ማይ ጥራሕ ካብ ሩባ እናሰተዩ ኣብ ጽላል መሞና እናጽለሉ እግዚኣብሔር ግለጸልና ቢሎም እናለመኑ የሓድስዎ ነበሩ።

(3)“ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፡ ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ” ከም ዚብሃል ስርዓት እንዳባ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኪመሓየሽን ጊዜኡን ኩነታቱን ተራእዩ ኪሕደስን ኪምዕብልን ይርአ። ብርግጽ’ውን ታሪኽ እቶም ብጥንቲ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብዛንታ ኮነ ብያታ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርት ኣብ ደብተር (ደፍተር) ተደብቲሮም ወይ ተጻሒፎም ኣብ ማሕተም ክሕተሙ ካብ ዝጅመሩ ብዙሕ እዋናት ኣይሓለፉን።

(4) ብዝበዝሕ ኣብ መባእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ክፈል ዘመን ነዞም ልምዳውያን ሕግታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ተጻሒፎምን ተጸኒዖምን እቶም ክሕተሙ ዝጀመሩ። (ገጽ 2፡ የማናይ መስመር) እዚ ርእይቶ እዙይ ብላዕሊ ላዕሊ እኳ ቅኑዕ እንተኾነ፡ ኣዕሚቕና እንተረኣናዮ ግና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ስርዓታት እንዳባ ኣብ ደብተር ተጻሒፎም ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኢድ ገዛኢ ሃገር ተዓቒቦም ወይ ከኣ ዓበይቲ ዓድታት ኣብ ዝመረጽዎም ሰባትን ዝወሰንዎም ዓድታትን ከይጠፍኡ ከይበላሸዉ ክሕልዉዎም ሓለፍትን ተተሓዝትን ንሳቶም ክኾኑ ብዓደቦ ውሱን እዩ ዝነበረ። ዚበዝሐ ሓይሊ ነገሮም ናብ ጠባይ ኣመል ሽሕ’ኳ መፈለምታት ስርዓታት እንዳባ ብርግጽ ዕላታቶምን ኣዋርሖምን ዓመታቶምን ፈርፊርካ ፈራፊርካ ክፍለጡ እንተዘይተኻእሉ፡ ክቡራን ሊቃውንቲ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒን ፈሊቸ ኦስቲን[ን] ከም ዘረጋግጽዎ ቀዳሞት ስርዓታት እንዳባ “ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ፡ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ስርዓት ምዔም ምሓዛ” (ካብ 15 ክፍለ ዘመን ክሳብ 18 ክፍለ ዘመን) እያቶም።

(5) ብዛንታ ከምዚዝንቶን ብቋንቋ ትግርኛ እተጻሕፉ ካልኦት ምንጭታት

(6) ከምዝገልጽዎ ግና (ንኣብነት ብዛዕባ ምምስራት ሕጊ ሎጎጭዋ — ብ1484 ዓ.ም.) ምስ ሓሳባቶም ዝገራጨውን ዘደናግሩን መባእታ ዓመታት የብራህርሁልና። እቶም ብኣጋ እንረኽቦም ስርዓታት እንዳባ ግና መብዛሕትኦም ኣብ መጠረሽታ 19 ክፍለ ዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ዝተሓገጉን ዝተሰርዑን ዝተሓደሱን እያቶም።

ብተወሳኺ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝንን ዝሓገግዎም ሕግታት ከም ዓንጎዞርዛሮ ሓሓሉፎም ዉር ሰዲዶም ይርከቡ እዮም። ብዝበለጸ ግና ብዛዕባ ግፍዐይታትን፡ ነገድትን፡ ኣነባባር ፍትሕን ኢዮም ዝምልከቱ። ቅድሚ ምስ ሕግታት መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝን ግና ስርዓታት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ ካብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳንን፡ ካብ መጻሕፍቲ ሕገቀኖናን፡ ካብ ድርሳን ኣበውን (ሲኖዶስ ዲዳስቅ ሊያን)፡ ካብ ሕጋጋት ነገስታትን ካብ ስርዓት መንግስትን ምስ እተወጻጽኡን ንስጋውን መንፈሳውን ብፍትሒ ዘነባብሩ ፈውሰ መንፈስውን ፍትሒ ነገስትን ዝተባህሉ መጻሕፍቲ ፍርዲ ብዙሕ ርክብ ኣለዎም።

(7) ፈውሰ መንፈሳዊ ብፍላይ ንቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዚምልከት ኪኸውን እንከሎ፡ ፍትሓ ነገስት ግን ኣብ ክልተ ክፍሊ ዝተኸፍለ ማለት 22 (ዕስራን ክልተን) ዓንቀጻት ንመንፈሳዊ ፍርዲ፡ 29 (ዕስራን ትሽዓተን) ዓንቀጻት ከኣ ንስጋዊ ፍርዲ ዝጠርነፈ እዩ። እዚ ኣገባብ’ዙይ ብምኽታል ስርዓት እንዳባ ዝቖመ ንምፍላጥ” ምቛ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ምርቋሕ ብቑዕ እዩ።

ዝውቱር ምቛምን ምእዋጅን ስርዓት እንዳባ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረአናዮ ካብ ነፍስ ወከፍ ዓሌትን ዓደቦን ሽማግሌታት ተመሪጾም ንብዙሕ ዓመታትን ኣዋርሕን ባይቶ ተኣኪቦም ወይ ድማ ኣብ ማይ ዋዕላ ብምውዓል መብዛሕትኡ ጊዜ ብሽም እቱ ስርዓት ዝቖመሉ ዓዲ ወይ ብሽም ዓሌት ወይ ከኣ ብሽም ገዛእቲ ብምስያም ይስራዕን ንሕዝቢ ይእወጅን።

(8) እዚ ከኣ “ልቢ ዓዲ ወዓለ፡ ቆፎ ዋዕላ ወዓለ” ብዚብል መምርሒ ዘይኮነስ “ለባም ተወከስ ባላ ተመርኮስ” ቢሎም እዮም ብዕሎኦም ዝውዕሉ ወይ ባይቶኦም ዝእከቡ ዝነበሩ። ኣብ ሓድሓደ ብፍላይ’ኳ ድኣ ኣብ ምእዋጅ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ምስ ቃንዲ መለኸቶም ማለት ብኾቦሮን ብመለኸትን ሕዝቢ ኣድከመ ምልጋእ በብጋንታኡ ተሰሊፉ ከብቅዕ ስማዕ ስማዕ እናበሉ፡ ካብ ታሕታይ ሰልፊ ንላዕላይ፡ ካብ ላዕላይ ድማ ንታሕታይ ሰልፊ በርበረ ዚመስል ዘንጊ ሒዞም እናዞሩ፡ ስምዑ ዓደቦና እዚ ሓጊግና ኣለና፡ ኣብ ልብኹም የሕድሮ እናበሉ፡ ብምሳር መላእኽቲ ዚተጸርበ መልሓሶም ገቢሮም የስምዕዎን የውርስዎን ነበሩ፡ ሕዝቢ ድማ ይሰምሩዎ እናበለ ብደስታ እናተፋነወ ነንዓዱ ይኸይድ ነበረ።

ልዕሊ’ዙይ ግና ምስላታት ናይ ሃገር ጠቕላሊ ሕግን ወግዕን ታሪኽን ቋንቋ ከይተረፈ ሒዞም ዝርከቡ መሰረት ባህሊ ስለ ዝኾኑ፡ ዝርዓት እንዳባን ምስላን ክልተ ኣዝማድ ከይተፈላለዩ ብሓደ ተጣሚሮም ዝናበሩ እዮም፣ “ነገር ብምሳሌ፡ መዝሙር ብሃሌ፣ ዘየኾምስዕ ኣድጊ፡ ዘይምስል ኣብዲ፣ ለባም ይሕረድካ፡ ዋዕላ ይፍረድካ”እኳ ዚበሃል። በዚ ምኽንያት እዙይ ምሳሌ ንዝኾነ ነገር መኽፈቲኡን ንምዕራፍ ወይ ክፍሊ ወይ ዓንቀጽ ስርዓት እንዳባ መፍለጢኡን መዘኻኸሪኡን እዩ። ስለ’ዚ ጭውነት ዝመልኦ ፍትሒ ብምሳሌታት ብምድጋፍ ኢዩ ፈጺሙ (!ፈጽሚ!) ዝረክብን ዝረግእን ዝነበረ። ቁጽሪ ዝተደብተሩን ብያታ ዝንገሩን ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ብኣሰራርዓኦምን፡ ምስ ካልኦት ጽሑፋት ብዘለዎም ርክብን፡ ብትርጉም ትሕዝቶኦም ንኡስ ፍልልይ እኳ እንተተረኽቦም ብሓቂ ብሓቂ ብዙሓት እያቶም። ብትውፊትን ብጽሑፍን ከም ዚርከብ እዞም ስ ርዓታት እዚኣቶም ሽሕ’ኳ ኣብ ስግር ዶብ እዘን ኣውራጃታት እዚኣተን ስርዓታት እንዳባ ንኣብነት “ፍትሓ መሓሪ፡ ፍትሓ መጋርሕ፡ ፍትሓ ኢብራሂም” ዝኣመሰሉ እንተለዉ (9) ኣብ ሰራየ፡ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ዝተጠቓለሉ እያቶም።

2ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 12 ሓምለ ክቐርብ’ዩ::

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ እቶም ገጠምቲ
Next Article ሰዓት!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?