Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሶቅራጦስ ምእንቲ ሓቂ ዝሓለፈ ፈላስፋ

ሶቅራጦስ ምእንቲ ሓቂ ዝሓለፈ ፈላስፋ

0
By Mekonnen T. on July 30, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Mekonnen Beraki

ንዓለምና  ካብ ዝነበረቶ ጸልማት ናይ ድንቁርና መዋእላት ኣውጺኦም ናብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ክትበጽሕ መሰረት ዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ፈላስፋታትን ሰብ በላሕቲ ኣእምሮን ዘይተኣደነ ጻዕርን ጉልበት ኣፍሲሶም’ዮም። ፍልስፍና ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓውድታት ትምህርቲ ኮይኑ ምሕሳብ ደረት ከም ዘይብሉ ዘረድእ ጸላዊ ዓውዲ’ዩ። ፍልስፍና ኣብ ዘለዓለሉ እዋን ስም ሃገረ ግሪኽ ስም ሃገረ ግሪኽ ኣብ ዝጥቀሰሉ እዋን ድማ ሶቅራጦስ ዝብል ስም ቅጅል ክብለና ናይ ግድን’ዩ። ብዛዕባ ሶቅራጦስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንሰምዕ ንኸውን። ንምዃኑ ሶቅራጦስ መን’ዩ። ካብ 469-399 ቅድሚ ልክደተ ክርስቶስ ዝነበረ ሶቅራጦስ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኮይኑ “ኣቦ ፍልስፍና ምዕራባውያን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንሱ ንፈላስፋ ፕላቶ መምህሩ’ዩ ኔሩ። ፕላቶ ንኣሪስቶትል ክምህሮ እንከሎ እቲ ፍልስፍናዊ ምዕባለ እናተኣሳሰረ ከይዱ ናብ ኣሌክሳደር ዓቢ በጽሐ። ፍልስፍና ሶቅራጦስ ናብ ዓለም ዝተዘርግሐ ከኣ ብመንገዲ ኣሌክሳንደር ዓቢ ነበረ።

ሶቅራጦስ ካብ ቀራጻይ ኣቦን መሕረሲት ኣደን’ዩ ተወሊዱ። ኣብ ንእስነቱ ሙዚቃ፡ ትምህርቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ሰዋስውን ኣጽኒዑ (እዘን ዓይነታት ትምህርቲ ዝበዝሑ ግሪኻውያን ዘጽንዕወን ትምህርቲ’የን ኔረን)። ቀጺሉ ከኣ ናይ ኣቡኡ ሞያ ብምሓዝ ቀራጻይ ኮነ። ጥንታውያን ግሪኻውያን ንሶቅራጦስ ከም ሓወልቲ ግሪኽ’ዮም ዝርእዩዎ ዝነበሩ። ከም ሓደ ፍሉይ ስነጥበበኛ ከኣ ይቖጽርዎ ። ኣብ ናይ ሃገሩ ሰራዊት ተጸንቢሩ’ውን ኣብ ኩናት ተሳቲፉ ነበረ። ኣብ ዓውደ ውግእ ፓተዲያ ክሳተፍ እንከሎ ንህይወት ጀነራል ኣልኪብያደስ ከም ዘድሓነ ይንገረሉ።

ማእክለኣይ ዕድመ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ ኣብቲ ከበባኡ ይኹን ኣብ ሃገሩ ካብኡ ዝለበመን ዝበለሐን ሰብ ከም ዘየሎ ክእመነሉ ጀመረ። ፊሎዞፊ ማለት ብቋንቋ ግሪኽ ፊሎ ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ ዞፊ ወይ ከኣ ሶፊያ ልቦና ኢዩ። በዚ መሰረት ንሶቅራጦስን ኣካይዱን ንመንእሰያት ዝመህሮም ዝነበረ ትምህርትታትን ከም ፍቕሪ ልቦና ተቖጽረ። ሓያሎ መንእሰያት ሰዓብቲ ከኣ ኣጥረየ። ኣተሓሳስቡኡ ኣብ ዕዳጋታት ግሪኽን ፎቖዶ ቦታታትን ተዘርግሐ። ካብ መንጎ እቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ መንእሰያት ንፕላቶ ወሲኽካ ገለ ጸሓፍቲ ገለ ተመራመርቲ ክኾኑ ዝበቕዑን ድሒሮም ኣብያተ ትምህርቲ ዝመስረቱን ነበሩ። እተን ኩለን ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝተመስረታ ናይ ፍልስፍና ኣብያተ ትምህርቲ ከኣ ብሰዓብቲ ሶቅራጦስ ዝተኸፍታ ነበራ።

ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኣጠቓሊልካ ክረአ እንከሎ ከመይ ጌርካ ዕዉት ሂወት ትምርሕን ብጽቡቕ ትነብርን ዝብል ነበረ። ንሱ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ፈላስፋታት ማለት ኣብ ኣካላዊ ሳይንስ ( physical science) ዘተኩሩ ብምስዓር ቀንዲ ትምህርቱ ኣብ ስነምግባር ማለት ( moral and ethics) ኣተኮረ። ዝበዝሐ ካብ ትምህርትታቱ ብመንገዲ ፕላቶ ዝተነገረ ይኹን እምበር ካልኦት ተማሃሩኡ’ውን ጽሒፎን መዲሮምን’ዮም ብዛዕባ ሶቅራጦስ። እቲ ቀንዲ ዝተዓወተሉ ትምህርቲ ከኣ ነቶም ሰዓብቱ ኣብ ክንዲ በቲ ሕብረተሰብ ተዓብሊሎም ሕብረተሰብ ዘዝበሎም ዝገበሩ ነቲ ንሳቶም ዝብልዎ ትምህርትታትን ኣማልኽትን ዝኽተሉን ንነብሶም ክሓስቡን ዝስምዖም ክትግብሩን ክሰርሑን ከም ዘለዎም ምእማኑ ነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ ግሪኽ ሓያሎ ደርብታት ዝነበሮ ሕብተሰብ’ዩ ኔሩዋ። እቲ ንቡር ዝበሃል መምስ ደርብኻ ምዕላልን ምዝማድን ክኸውን እንከሎ ሶቅራጦስ ግን ነቲ ደርቢ ግዲ ዝገብረሉ ሰብ ኣይነበረን። ከም ደስ ዝበሎ ከኣ ምስ ኣንስቲ፡ ቆልዑ፡ ኣገልገልትን ባራዩን የዕልልን ይዛረብን ነበረ። በዚ መሰረት ከኣ እቶም ሃብታማትን ላዕለዎት ደርብን ኢና በሃልቲ ግሪኻውያን ብተግባራቱ ተቖጥዑን ጸል እዎን። በቲ ተግራቱ  ባህሎምን ክብርታቶምን ከም ዘጠሓሶ  ተሰማሚዖም  ድማ ሕጊ ኣየኽበረን ወይ ከኣ ሕጊ ጥሒሱ ብምባል ከሰሰዎ።

ኣብ 399 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሶቅራጦስ ብገጣሚ መለቱስ፡ ብኣልፋዓይ ቆርበት ኣኒታስን ብመዳሪ ሊይኮንን ናይ ሞት ፍርዲ ከውህቦ ዝኽእል ክሲ ተኸሰሰ። እቲ ክሲ እዚ ዝስዕብ ከም ዝኾነ ንሶቅራጦስ ተነበበሉ

“ሶቅራጦስ ነቶም በታ ሃገር ዝተፈልጡ ኣማልኽቲ ክሒዱ ሓድሽ እምነት ከተኣተቱ ብምፍታኑ፡ ካላኣይ ከኣ ንመንእሰያት ብልሹዋት ከም ዝኾኑ ጌሩ” እቲ እዋን’ቲ ኣቴንስ እቶም 30 ውልቀ መለኽቲ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ሰባት ዝኣለየትሉን ተረፈ መረፍ እቲ ምንቅስቓስ እንተልዮም’ውንን ንምጽራዮም ላዕልን ታሕትን ትብለሉ ዝነበረ’ዩ ኔሩ። ትምህርቲ ሰቆራጦስ ብውልቃውን ፓለቲካዊን ድፊኢት ዝመጸ’ዩ ዝብል ሓሳብ ከኣ ተዋህቦ። ስቅራጦስ ዝምድንኡ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝተኣልዩ 30 ውልቀ መለኽቲ ብመንገዲ ተማሃራዩ ዝነበረ ክሪታስ ዝበሃል ሰብ’ዩ። ንሱ ከኣ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ 30 ውልቀ መለኽትን ብሶቅራጦስ ዝተበላሸወን ሰብ ተባሂሉ ተኣመነሉ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ገጣሚ ኣኒታስ “ሶቅራጦስ ንወደይ ኣባላሽይዎ ወደይ ክሳብ ንሶቅራጦስ ዝፈልጦ ብፓለቲካ ተሃኒጹ ዝዓቢ ቆልዓ’ዩ ኔሩ። ንሶቕራጦስ ምስ ረኸበ ግን ንኹሉ’ቲ ብፓለቲካ ክርከብ ዝኽእል ዓወታት ነጺጉዎ።” ክብል ከሰሶ። ከሰስቲ ሶቅራጦስ ዘቕረብዎ ጭብጢ’ኳ እንተዘይነበረ ክሶም ግን በቲ ቤት ፍርዲ ቅቡል ኮይኑ ተረኽበ።

ሶቅራጦስ ንምኽሪ ኣዕሩኽቱ ብምንጻግ በቲ ፍሉጥ ጸሓፊ መደረ ዝነበረ ላይሲያስ ሓሳቡ ጽሒፉ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከቕርበሉ ንዝሃቦ ሓለፋ ዕሽሽ ኢሉ ባዕሉ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክምጉት ወሰነ። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኣቴንስ ጠበቓ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ሓደ ክሱስ ጸሓፊ መደረ ክቖጽርን ነቲ ቃላቱ ከኣ በቲ ጸሓፊ ተጸባቢቑ ክቐርብን ይግበር ነበረ። እቲ ንሶቅራጦስ ክሕግዞ ዝሓተቶ ጸሓፊ መደረ ኣብታ ከተማ ዝለዓለ ካብ ዝኽፈሉ ሰባት ነበረ።

ሰለስተ ከሰስቲ ሶቅራጦስ ነፍሲ ወከፎም ሓሓደ ሰዓት ዝወሰደ ክሲ ከቕርቡ እንከለው ወዲ 70 ዓመት ሶቅራጦስ ግን ቅኑዕ ከም ዝኾነ ንኸረድእ ሰለስተ ሰዓት መደረ። ኣብ መወዳእታ እቶም ክፈርዱ ተቐሪቦም ዝነበሩ 500 ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኡ ሰባት ( jury) ከምቲ ልሙድ ብዘይ ዋላ ሓደ ዘተን ምዝርራብን” ገበኛ ኢዩ ወይ ኣይኮነን” ዝብል ድምጺ ከም ዝህቡ ድሕሪ ምግባር 280 ሰባት “ገበኛ’ዩ” ክብሉ እንከለው እቶም 220 ግን “ገበን የብሉን” ኢሎም። ድምጺ ሶቅራጦስ ገበኛ’ዩ ዝብል ስለዝዓብለለ ከኣ ቤት ፍርዲ ንሶቅራጦስ ገበነኛ ከም ዝኾነ ወሰነ። ድሕሪ’ዚ ሶቅራጦስ ክልተ ምርጫ ተዋህቦ ወይ ናብ ስደት ከምርሕ ወይ ከኣ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ። ሶቕራጦስ ብሕጫጨ ካብ ኣቴንስ ብስደት ካብ ዝወጽእ ባዕሉ መርዚ ሰትዮ ከመውት ከም ዝመርጽ ሓበሮም። ሆምሎክ ዝተሰምየ መርዚ ናብቲ ሶቅራጦስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ተላእከ። ሶቅራጦስ ከኣ ምስ ተማሃሩኡን ኣዕሩኽቱን ሓደ ካብኦም ፕላቶ ብምዃን ንሶም ብሻቕሎትን ድንጋጸን እናዕለበጡ ነቲ መርዚ ሒዙ ዝመጸ መንእሰይ ተቐቢሉ ነቲ ኣብ ኩባያ ዝነበረ መርዚ ሓንቲ ንጣብ ከየትረፈ ሰተዮ።  ንሱ “ሞት” ዝመረጸሉ ምኽንያት ብዝቀረበሉ ፍርዲ ስለ ዘይኣመነ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ” ምእንቲ እምነቱ ማለት ሓቕነት” ወይ Principle ሞት መረጸ። ብሓጺሩ ከም ኣተሓሳስብኡ “ሞት” ሓላፋይ ኢዩ፡ ሓቅነት ወይ ፍትሒ ግን ነባሪ ኢዩ። ስለዚ ሶቕራስ “ጌጋ” ከይፍጽም ኢዩ ዘፍርሖ ዝነበረ። ሞት ግና ይፍራሕ ኣይፍራሕ ምምጽኡ ኣይተርፍን ኢዩ። ብትግርኛ “ሞት ከም ኣዳም” ውን ንብል ኢና። ስለዚ እምበኣር ሶቕራጥስ ሙሉእ ህይወቱ ስለ “ሕልና/conscience” ተጣቢቁ፡ ኣብ መዋዳእትኡ ከእ ምእንቲ “ሕልንኡ” ህይወቱ ሰዊኡ።

ፕላቶ ድሕሪ ሞት ሶቅራጦስ “ኣብ ህይወተይ እቲ ዝለበመን ቅኑዕን ሰብ ስኢነ” ክብል ተዛረበ።

ጽልዋ ሶቅራጦስ ሽዑ ንሽዑ’ዩ ሰማይ ዓሪጉ። ብዛዕባ ኣመሃህርኡ፡ ህይወቱን ኣማውቱኡ ዝገልጹን ንፍልስፍናታቱ ዘቃልሑን ኣብያተ ትምህርቲ ፍልስፍና ፎቖዱኡ ተኸፍቱ። ተማሃሩኡ ከኣ መምህራን ኮይኖም ብዙሕ ጸሓፉ። ሶቅራጦስ ዝኾነ ጽሑፍ ከይገደፈ’ዩ ሞይቱ። ብዛዕቡኡ ካብቲ ፡ ፕላቶ፡ ዜኖፎን ዝጸሓፉዎ ከምኡ ድማ ኮሜድያዊ ስእልታት ኣሪስቶፋነስን ድሒሩ ድማ ብኣሪስቶትል ዝተጻሕፈን ጥራሕ’ዩ ዝፍለጥ። ሶቅራጦስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣይረኸብ እምበር እቶም ንሓቂ ዘቃልሑን ንሓቂ ዝሕልውዋን ዝከላኸሉላን ቃላቱን ተግባራቱን ንዓለምና ቀይሮማ’ዮም። ክሳዕ ሕጂ ከኣ ከም ሓደ ኣብነታዊ ፈላስፋ ህይወት ብዙሓት ክጸሉ ንዕዘብ ኣለና።

ማዕዳ ሶቅራጦስ ብዛዕባ ዓወት

ሓደ እዋን ሓደ መንእሰይ ናብ ገዛ ሶቅራጦስ ብምኻድ ምስጢር ዓወት እንታይ ከም ዝኾነ ክሕብሮን መንገዲ ከርእዮን ኣጥቢቑ ሓተቶ።

ሶቅራጦስ ከኣ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብቲ ገምገም ቀላይ ክራኸቡ ሓቢሩ ነቲ መንእሰይ ኣፋነዎ። ንጽባሒቱ ክልቲኦም ሸናቕ እናበሉ ናብቲ ቃላይ ኣተው። እቲ መንእሰይ ናብቲ ማይ እናቐረብ ምስ ከደ ፍርሕ ፍርሕ በለ። እቲ ማይ ክልዕ ኣብ ማዕረ ክሳዶም ክበጽሕ እንከሎ  ነቲ መንእሰይ ጎቲቱ ብርእሱ ሒዙ ናብቲ ማይ ኣጥለቖ። እቲ መንእሰይ ሽሕ’ኳ ካብቲ ማይ ክወጽእ ብዙሕ እንተተቓለሰ ብጉልበትን ሓይልን ካብ ሶቅራጦስ ድኽም ስለዝበለ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ገጽ እቲ መንእሰይ ናብ ሰማዊ ሕብሪ ክቕየር ምስ ጀመረ  ፈነዎ። ዝምነዮ ዝነበረ ኣየር ናብ ውሽጢ ስሒቡ ምስ ኣእከለ ድማ ሶቅራጦስ ከምዚ ክብል ሕቶ ኣቕረበሉ ነቲ መንእሰይ “ንምዃኑ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማይ እንከለኻ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣድሊዩካ ዝነበረ እንታይ ኔሩ?” ክብል ሓተቶ

ንሱ ከኣ ከይተወላወለ “ዘተንፍሶ ኣየር” ክብል መለሰሉ

ሪኢኻ “ምስጢር ዓወት እዚ’ዩ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ኮይንካ ንኣየር ዝደለኻዮን ዝባሃግካዮን ንዓወት’ውን ካብ ልብኻ ድለያ’ሞ ክትረኽባ ኢኻ፡ ካልእ ዝተፈልየ ምስጢር የብላን” በሎ።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ኣስዒበ ንገለ ካብቲ ሓይሎን ፍሉጥን ጥቕስታቱ ክጋብዘኩም’የ።

ቁጠዐ ዘሰንፈካ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ቁኑዕ ሓሳብካ ለዊጡ፡ ናይ ርእሱ ተኸታልን ተገዛኣይን ክትከውን ማሪኹካ ኢዩ’ሞ ንርስኻ ምስ ሰብ ኣይትቑጸሮ ሰብ እየ ከኣ ኣይትበል።

ናይ ሞት ዓይነት ክልተ ወገን’ዩ። ሓደ ባህሪያዊ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእ ከኣ ብፍቓድካ እትሞቶ ሞት ኢዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ህይወቱ ብገዛእ ርእሱ ንዘሕልፍ ሰብ እቲ ብፍቓዱ ዝሞቶ ሞት ፡ ንዕ ኡ መደበኛ ናይ ባህሪ ሞት ኢዩ ዝኾነሉ።

ኣነ ሓንቲ ነገር’የ ዝፈልጥ ንሳ ከኣ ሓንቲ ከም ዘይፈልጥ።

1.ብዛዕባ ህይወት፡ ገዛእ ርእስናን ከባቢና ዘለና ኣፍልጦ ክሳዕ ክንደይ ውሑድ ምዃኑ ምስ ንርዳእ እቲ ዝዓበየ ልቦና ኣብ ነብስና ይዓስል።

  1. ሓቂ ኣብ ኩሉ ድልዩዋ።
  2. ንደቂ ሰባት ዋላ ሓንቲ ክምህሮም ኣይክእልን’የ። ሓንቲ ክገብራ ዝኽእል ከም ዝሓስቡ ጥራሕ’የ ዝገብሮም::
  3. ሓመይቲ ኣይጎድኡንን’ዮም ምኽንያቱ ስለዘይሃርሙኒ።
  4. ነብስኻ ክትረኽባ ብዛዕባኻ ሕሰብ።
  5. ሓደ ሓደ ግዜ ኣዝየ እፈርሕ እቶም ብዓይነይ ዝርእዮም ነገራት ምስ ካልኦት ስምዒት ህዋሳተይ ኣወሃሂደ ትርጉም ክረኽበሎም ክብል ነቶም ካልኦት ስምዒት ህዋሳተይ ከየዕውሮም።
  6. ጸሎትና ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ባረኸትና ክኸውን ኣለዎ። እቲ ካልእ ፈጣሪ ዘድልየና ጽቡቕ ነገር ባዕሉ ይፈልጦ’ዩ።
  7. ውዑይ ፍቕሪ ዝሑል መወዳእታ’ዩ ዘለዎ።
  8. ጥዕይቲ ሰበይቲ እንተተመርዒኻ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ፡ ርግምቲ ሰበይቲ እንተተመርዒኻ ድማ ፈላስፋ ትኸውን።
  9. ተፈጥሮ ክልተ ዓይኒ፡ ክልተ እዝኒ፡ ሓንቲ መልሓስ ዝዓደለኒ ብዙሕ ንኽሰምዕን ንኽርእን ውሑድ ንኽዛረብን’ዩ።
  10. ሞት ካብቲ ኩሉ ዝበለጸ ንወዲ ሰብ ዝተዓደሎ ጸጋ’ዩ።
  11. ንዓለም ከመሓዳር ዝደሊ ፈለማ ነብስኻ ኣማሓድር በልዎ።
  12. ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝምርዖ ሕጉስ ኣይኮነን ኣይትበልዎ።
  13. ኣነ ወዲ ኣቴንስ ኣይኮንኩን ወይ ግሪኻዊ ኣይኮንኩን ኣነ ዜጋ ናይ ዓለም’የ።
  14. እቲ ዝበለጸ ጽቡቕ ነገር ፍልጠት ክኸውን እንከሎ እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ነገር ከኣ ድንቁርና’ዩ።
  15. ዕርክነት ንምምስራት ቁልጡፍ ኣይትኹን ምስ ጀመርካዮ ግን ቀጥ ኣቢልካ ሓዞ ቀጽሎ ከኣ።
  16. ዘይረብሑ ሰባት ንኽበልዑን ንኽሰትዩን’ዮም ዝነበሩ። ዋጋ ዘለዎም ሰባት ግን ንኽነብሩ’ዮም ዝበልዑን ዝሰትዩን።
  17. ኣዚዩ ኣዕናዊ ጽልኢ ካብ ክቱር ህንጡይነት’ዩ ዝብገስ።
  18. ናይ ሓሶት ቃላት ንገዛእ ጥራሕ ኣይኮኑን ኩፋት ንመንፈስካ’ውን ብኽፋት ይብክልዎ’ዮም።
  19. እታ ናይ ስንብታ ሰዓት ኣኺላ’ላ በቢ መንገድና ክንከይድ ኢና፡ ኣነ ክመውት’የ ንስኻ ክትነብር ኢኻ። ኣየናይ ይጽብቕ ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ዝፈልጥ።
  20. ዕግበት ባህሪያዊ ሃብቲ ክኸውን እንከሎ፡ መጋየጺ ከኣ ኣርቲፊሻል ድኽነት’ዩ።
  21. እቲ ቅኑዕ ልቦና ሓንቲ ዘይትፈልጥ ምዃንካ ምፍላጥ’ዩ።
  22. ምግራም ናይ ጥበብ መጀምርያ ኢያ።
  23. ከምቲ ኣብ ካል ኦት ክትርእዮ እትደልዮ ኩን።
  24. ምስጢር ለውጢ ኣብ ዑቕር ሓይልኻ ኣተኩሮ ብምግባር ን ኣረጊት ከይተቓለስካ ሓድሽ ምህናጽ’ዩ።
  25. በላሕቲ ሰባት ካብ ኩሉ ነገርን ካብ ኩሉ ሰብን ይመሃሩ። ማእከሎት ሰባት ካብ ተሞኩሮኦም ይመሃሩ። ደናቑር ናይ ኩሉ ሕቶ መልሲ ኣለዎም።
  26. እቲ ክርክር ምስ ተዛዘመ፡ ጸለመ መሳርሒ ስዑር ይኸውን።
  27. ውሑድ ድልየታት ምህላው ዳርጋ ፈጣሪ’ዩ ዝገብረካ።
  28. ምውዳቕ ስዕረት ኣይኮነን፡ ስዕረት ዝበሃል ኣብቲ ዝወደቕካዮ ኮፍ ምስ ትብል’ዩ።
  29. ንሕቶ ምርዳእ ፍርቂ መልሲ’ዩ::
  30. ምንጪ Joshua J. Mark ካብ ዝጸሓፎ ጽሑፍን eyewitness.com ካብ ዝበል መርበብ ሓበሬታን ዝተተርጎመ

ንሶቅራጦሳዊ

ተጸሊሉ ’ብሉኻ

ጸለሎ ዝቐብኡ

ጨርቅኻ እንተ ደርበኻ

ውሽጥኻ ዘይገልሁ።

ሓሳባትካ ብዝሒ ኸዋኽብቲ

ጾር ይኸብደካ ትስእነሉ ፍቕዲ

ጽላሎትካ እንኮ መሰነይታ

ንሱ’ኳ ’ጠልመካ ንምሸታ።

ዕላል ውሽጥኻ

መወዳእታ ኣልቦ

ማሕዩር በቲኹሉ

ጸሓይ ንኽወቕዖ።

መን’ሞ ከንብቦ፡

ምስሉ ኸይርኢ ሰብ

መስትያቱ ይሰብር

ውሽጡ ’ናሃደኖ

ተሓቢኡ ’ነብር።

ግርማይ ኣብርሃም

2017

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Next Article ፍረ ናይ’ቲ ኮኾብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?