Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ስርቀት ጸሓይ ወርሒ

ስርቀት ጸሓይ ወርሒ

0
By Mekonnen T. on October 15, 2018 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 ኣን’ቲ ጸሓይ ብርቒ ጊሓት ትጭጭሒ

 ብቒርኒብ ዓይንኺ የዒንቲ ትወግኢ

 ኣብ ዝባን ገምሃሎ ኩሉ ዝረኣኺ

 ደሮና እናልዓለ መንጠሎስ በቛጺ

ነቲ ኣባ-ኮበራ ዝሓዘለ ትኪ

 ኪደናይ እናበለ ንሰማይ መትጎጊ

 ምስሊ’ሎ ምሳኺ እንኪ’ቲ ሃበኪ

 ዕጣን ጽንሓ ጌረ ዕጥን ክዓጥነኪ

 ገንጽልለይ ድኣ ደለኽዎ ሕጂ

 ንስለ’ዛ መነን ኤረይ ቤተ ሰማእቲ፣

 ኣቲ ጸሓይ። ሞዉቂ ናይ ዛብያ

 መታብርኪ ኣብ ሩባ በለሳ

‘ቶም ኣባጽሕ ሒደት ብቑጽሪ’ታ

 አእያሞም ሓደ ነቶም ሓምሳ

 ሬሳ ብቁልሉ ቅሚጦ ረበባ

 ምድሪ ጉትን ኢላ ዝኾነት ዝጋፍያ

 ካብ ሩባ-ጽሮና ናብ ሩባ በለሳ

 ምስሊ ኣልዒልኪ’ንዲኺ ዘይወጻ ብዕብጣ

 ዕጣን ከህግገልኪ ብዕጣነ-ጽንሓ

 ግንጽል ኣብልለይ ውሻጠኺ ሓንሳእ ሕልፍ ክብላ

 ምእንቲ እዛ መነን ኤረይ ኣልማዝ ምድራ፣

 ኣቲ ጸሓይ ወርወር ኣቲ ጸሓይ ጻንያ

 ህንኪያ ሃብያ ኣጻምእ ደንካልያ

 መዳፍዕ ሃሩሩ ሕንቆ ብዘይ ድብያ

 ምስሊ ሒዝኪ’ለኺ ናይ’ቲ ንኡስ ኣያ

 ኣእማን እናነደደ ምድሪ ክዳንያ

 ሳንቡእ ተለቂሑ ተማዕዚቡ ዓሳ

 ስብሓቱ የዕሪቡ ብሓበን ብተድላ

 ባሕሩ ተመሊሱ ተወንጀረ ድኣ

 ኣቲ ጸሓይ ወርወር ኣቲ ጸሓይ-ጻንያ፣

 ምስሊ ሒዝኺ’ለኺ ግንጽል ኣብልለይ

 ዕጣን ጽንሓ ጌረ ክዓጥነኪ ባዕለይ

 ሃሰስ ዝብሎ’ለኒ ዝባቑጥ ንዳሕራይ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረይ ናሕሳ ሰማይ፣

 ኣቲ ጸሓይ ወልወል ጸሓይ መረብ ሰቲት

 ትንግርቲያ ጎልጎል ዘመራ ክሃምም ህጠር ከይትህመል

 ነዲ ና’ቶም ኣግራብ ስጋ ሰብ ከብስል

 መንድሽ ልዕሊ እሳት ቃጸሎት ክዘልል

 ምስሊ ሒዝኪ ‘ለኺ ጸሓይ ናይ ወላውል

 ዕጣን ከህግገልኪ ኣብልለይ ግንጽል

 ንዳሕራይ ዝኸውን ደብተር ክንወራርቕ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረይ መወናውን፣

 ኣቲ ጸሓይ ዕርቢ ፈኸም-ገሃጽ ትብሊ

 ኣብ’ቲ ግርሁ ስርናይ ዘስፈልክዮ ልቢ

 ደም በጨቕ ኢሉ ዝኾነኪ ዘግሒ

 እወ’ቲ ደም ዘግሒ ቦርቦር እንተኾንክስ

 ቅይሒ ድኣ ቕይሒ ግንጽልጽል በልለይ

 ዕጣን ከህግገልኪ

 ክውከስ’የ ደልየ ጽባሕ ዘድልየኒ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረየ ጓል ዓይኒ፣

 ኣቲ ወርሒ ፍልም ወርሒ ናይ ዋግ ዋጎ

 ቅጥንጥን ተበልኪ ከም ቅሩብ ቅራቦ

 እዚኳ ንስኺ ኣብ ዓዲ በጊዖ

 ብኣፍን ብኢድን ቡምባ እንካ ሃቦ

 ጸጉሪ ርእሲ መጺኦም ዘይወጹ ስልዖ

 ኣርሓ ተፊን ክትፍነን ኣብ ጎቦ

 ግንጽል ኣብልለይ ኣሎ ‘ቲ ዝደልዮ

 ዕጣን እናኣትክኽኩ ብደምቢ ክዓጥኖ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረይ ዓደቦ፣

 ኣቲ ሒለል ወርሒ ምስላ ማዓጺደ

 ዑና-ሸሓቕ ኮንኪ ትብል ንየ-ነጀ

 ኣብ ዝባን ‘ቲ ሶይራ ዓይንኺ እንታይ ርአ

 ምስሊ’ሎ ምሳኺ ምስሊ ልቢ ኣንደደ

 ገንጽልለይ ሓንሳእ ምድሪ ከይረፈደ

 ጽባሕ ዘይርከብ ዝደልዮ’ሎ ኣነ

 ዕጥን ከብለኪ ዕጣነይ የህጊገ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረይ ምደረ ሰብ’የ

 ኣቲ ጎጎብ ወርሒ ዝባን ዛላምበሳ

 ርእሲ ዕዝር ትብል ክሳድ ተኾልዒሳ

 ሞትን ስረትን ኣብኡ ዝቃላሳ

 ረዳኢ ዘይብሉ ኣልቦ መንገፍ-ዥጋ

 ከም ሰናየ ስርናይ ውላዳ ሰዉይላ

 ኤረይ ቅዳውላ ስዑም’ዩ ግምባራ

 ክዓጥነኪ ደልየ ብዕጣነ ጽንሃ

 ግንጽል ኣብልለይ ሓንሳእ ንወኸሳ

 ምእንቲ’ዛ መነን ኤረይ ሰታ-ጋሳ፣

 ኣቲ ብሳል ወርሒ ዓውዲ ማይ ዝምስላ

 ቅርኒብ ዓይና ሕጻር ብገበላ

 እንዳ’ባ ምናሴ ክሳብ ጫፍ ባድማ

 መቕይሖ ኮንኪ ሰርቢ ደም ዘገጋ

 ኣብቲ ኣጫፋላቕ ኣብ’ቲ ሃባ በላ

 ክንደይ ዝሰኣልኪ ክንደይ ኣሳእላ

 ምስሊ ሕዝኪ’ለኺ ዝነበረት ኩላ

 ግንጽል ኣብልለይ ወሽጥኺ ክዓጥና

 ዝደልዮ ኣለኒ ዝኾነኒ ዋካ

 ኣቲ ጸሓይ ወርሒ ናይ ምልእቲ ምድራ

 ምስሊ ዝቛጸርክን ስእሊ በብሕዝላ፣

 መቓን ኣርሕዋለይ ብቐደም ቀዳድም

 ዕጣን ከትክኸልክን ከም መዓረ ገዳም

 ሰንካላይ ታሪኸ’የ ክኾነና ጉዝጓዝ

 ንኣይቲ ገጽ ኢና ፍኖትና ክጸሓር፣

 ምእንቲ’ዛ መነን ስንቱር ቅርኒብ ዓይና

 ከብዲ ትገላብጥ ስምዒት ጻሕቲራ

 መሰስ ትብል ዓቐብ ሪማ ተሰኪማ

 ከምሮት ተሰኪማ ኤረየ ኤረና፣

ወዲ ዃዳ 2001

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከሲርና እምበር
Next Article ንብዓት ዕድመይ!
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?