Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ስልጣን፣ ሓይሊ፣ ምልኪ፣ ጭቈና……ወዘተረፈ

ስልጣን፣ ሓይሊ፣ ምልኪ፣ ጭቈና……ወዘተረፈ

0
By Mekonnen T. on September 6, 2014 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቦኽረ ገብረየሱስ

ስልጣን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትጐናጸፎ ወይ ክወሃበካ ይኽእል። ስልጣንን ሓይልን ድማ መኻይዲ እዮም። ንስልጣንን ሓይልን ኣልዚባ ክትኣስር ተኽእል ገመድ-ፎሮ ግን ኣላ። ፈረንጂ ‘ዊዝደም’ ይብሉዋ። ናብ ትግርኛ እንክትመጽእ ብጥበብ/ብልሒ ትትርጐም ይመስለኒ። ብብልሒ ዝሰምር ሓይልን ስልጣንን ደሊኻ ክትረክብ ማለት ሕልሚ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓይልኻን ስልጣንካን ኣርኒብካ ምስካም ትስእኖም። ከም ፍቱሕ ማእዶ ብትንትን ይብሉኻ። እቲ እንኮ ነቓዕ-መውጽኢ ትኪ እምብኣር ምልኪ ጥራይ እዩ። ነንትሕቴኻ፣ ነንተሕምቖ ትመልኽ፣ ጽድህኽ።

ሃገር ዝመርሑ ሰባት መለኽቲ ምዃኖም ንመን’ዩ ዝገርሞ፧ እንታይ ድኣ ክዀኑ- ካበይ ድዮም በቚሎም፧ ካብቲ ዝመልኩዎ ዘለዉ ሕብረተሰብ ዶ ወይስ ካብ ሰማይ ነጢቦም-ከም መላእኽቲ፧ መን እዩ ምልኪ ዘይብህግ፧ ብቘልዑና ንኽንደይ ጸፊዕናን ብኽንደይ ተጸፊዕናን ( ገለ ፍጥር ክብሉ ዝሩጋት ገዲፍካ፧) ሓደ ህጻን ኣብ ግዜ ህጻንነቱ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ድሌታቱ ብምርጫኡ የዕግብ፧ እቲ ዝተረፈ መን ይመርጸሉ፧ ስለምንታይ፧ እዚኣቶምን ካልኦትን ሕቶታት ክርድኡኒ ኣይክእሉን፣ ክርድኡኒ ውን ኣይደልን። ኣብ ሳርማ ርድኢት ዘሎ እልቢ ሓተላ ናይ ምሕጻብ መደብ የብለይን። ከከም ርድኢትና ኢና ንነብር። ኵሉ ነገር እናተረድኣኒ ብዝኸደ መጠን ግን ዝሓስቦን ዝጽሕፎን ውን ክስእን ስለዝኽእል እየ ንዘይርድኣኒ ዝያዳ ክብሪ ክህብ ዝፍትን።

ካብ ዓዲ ቐይሕ ናብ ኣስመራ ክጓዓዝ ለይቲ ምድሪ ትኬት ናይ ኣውቶቡስ ቈሪጸ። ከባቢ ሰዓት 5፡30 ወጋሕታ ድማ ጕዕዞ ተጀሚሩ። ወርሓቱን ዓመቱን ብልክዕ ኣይዝክሮን። 21 ክፍለ-ዘመን ምዃኑ ግን ርግጸኛ እየ። ብዝዀነ ብሓራስ ነብሪ እናተወንጨፍና ንቝርሲ ኣብ ዓዲ ሓዲድ ኣዕሪፍና። ብዘይ ንሱ መንሽማ ውን ምሳይ ስለዝነበረት ብሩኽ መንገዲ እዩ ነይሩ። (ብትሕቲ መልሓስካ ‘መን’ያ’ ትብል ዘሎኻ፣ ‘እንታይ ገደሰካ፣ ወረኛ! ስቕ ኢልካ ንባብካ ዘይትቕጽል’ ከይብለካ መታን ሕቶኻ ሰላሕ ኢልካ ሰሓባ)

ኣብ ውሽጢ ዝተፈቕደልና ግዜ ቈሪስና ቦቦታና ሒዝና። ኣብ ቅድመይ ኮፍ ዝበላ ዓባይ ኣደ ነይረን። ወዲ ወደን ወይ ወዲ ጓለን ዝመስል 10 ዓመት ዘይመልእ ህጻን ውን ምስአን ነይሩ። ምስ ተጓዓዝቲ እና ተዳፍአት ቈሎ ትሸይጥ ቈልዓ ብድሕሪት መጺኣ ክገዝኣላ ተማሕጸነትኒ። ብዘይ ብቂ የውዕለኒ እዩ ዝበልኩዎ ሕፍንቲ ገዛእኩ። ሕሳባ ብዝሃብኩዋ ናብ’ተን ኣደ ኣምርሐት። እቲ ቈልዓ ቈሎ ሃሪፉ ቀባሕባሕ በለ። ንኽገዝኣሉ ድማ ብድፍረት ኣዚዙወን። ንሰን ግን ኵሉ ተሳፋራይ ክሳብ ዝሰምዐን ብዓውታ ከምዚ ክብላ እየን ገሲጸናኦ። “የዋርድካ!!! ሸውዓተ ወለዶና’ኳ ቈሎ በሊዕና ዘይንፈልጥ፤ ኮፍ በል…….ድሁል!” ዝገዛእኩዎ ቈሎ ኣብ ኢደይ ከሎ ደሪቐ። ሞራል ናይ’ታ ርሂጻ ትነብር ህጻን ከሕስበኒ ነይሩዎ። ግን ሕጂ እዩ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ። ሞራለይ ግን ሽዑ እዩ ብቕጽበት ቀምሲሉ። ነቲ ቈሎ በመስኮት ድፍኣዮ መጺኡኒ። ጸኒሐ ድማ ነተን ኣደ (ኣዴኹም ኣይኹና) ብዓይኒ ጽልኢ ተመልኪተየን። ነቲ ቈሎ ገዲፍካ ንዐአን ድፍኣየን ዝብል ፋሽሽታዊ ምጕት ንደቓይቕ ብሒቱኒ። ኵሉ ገዲፈ ግን ዓንጾ-ዓንጾ ንቘሎይ ኣድራጋ እናቘርጠምኩ መንገድና ቀጺልና። ሕነይ ንምፍዳይ ግን ነቲ ንኽብሪ ወለዶኡ ቈሎ ከይበልዕ ዝተዀነነ ህጻን ኣስዲዐ ከርክሶ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ። ዓይነይ ጸቓቒጠ ናባይ ከም ዝመጽእ ብምግባር ከኣ ካብቲ ቈሎ ኣጥዒመዮ። ኣዲኡ ‘ኣዋሪድካኒ’ባ’ ብዘስምዕ ሓንሳብ ኣፍጢጠን ካብ ምጥማት ሓሊፈን ምንም ኣይበላን። መንሽማ ውን ብግዲኣ ንዘቕረብኩላ ናይ ቈሎ ግብጃ ተሓሲማቶ እያ። እቲ ቈልዓ ግን ልዕሊ ዝተጸበኹዎ እዩ ድዒኹዎ-ምጽውዐይ ክሳብ ዘጣዕሰኒ።

ሸውዓተ ወለዶ ነቓኒቑ ዘገንፍል ጣቋ ናይ’ተን ሰበይቲ ግን ዕረፍቲ ኣይሃበንን። ትርኢተን ብዙሕ ዘመክሕ ይመስል ኣይነበረን። ንኣብነት ሽፎነን ብቕናተን ተሳሒቡ፣ ብታሕቲ ክልተ በበይኑ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ውሽጠን እርእዮ ነይረ። ብመሰረት ኣዘራርባአን ግን ፍልጠት ከም ዝሓጽረን ተገንዚበ። ርእሰን ሓፊስ ልኻይ ካብ ምልሕጓጽ ሓሊፉ፣ ሓንቲ ንጣብ መረቕ ኣፍልጦ ጥብ ኢላታ ከም ዘይትፈልጥ ውን ኣብ ምርድዳእ በጻሕኩ። ፍጥር ካብ ዝብላ ጀሚረን፣ ብወለዶታተን ዝጀመረ ቃልሲ ኣበርቲዐን ብምቕጻል፣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፍልጠት ምሉእ ብምሉእ ሓርነተን ዝተጐናጸፋ መሲለን ተራእየናኒ። ከምኡ ገይሩ ብድፍረት ዘዛርብ ግን ገለ ዝተኸወለኒ ምስጢር ከይህልወን ኣፈናዊ ተፍትሽ ኣካየድኩ። ከምዚ ከማይ ጓል ሸውዓተ’ቕሽቲ ዘይኰነስ፣ ጓል ሸውዓተ መሳፍንትን ነገስታትን ክዀና ከም ዝኽእላ፤ እዚ ማለት ድማ ኣጐስማ ንጉስ ሰሎሞን፣ ኣብ ሻሙናይ ወለዶ ውን ጓል ሓትንኡ ንክርስቶስ ምዃነን ገመትኩ። ድሕሪ’ዚ ኵሉ ኲናት ግን ንሰን ዘዕበያኦ ውላድ ገለ ትካል ወይ ቤት ጽሕፈት ይመርሕ ከይህሉን እቲ ምስአን ዝነበረ ቈልዓ ዝተባህሎ ዘይሰምዕ ሕንጊድ ክኸውንን ናብ ፈጣሪ ብልቢ ጸሎተይ ኣዕሪገ ተዓረቕኩወን።

ናይ ሓይልን ምልክን መንጸሮር ኣብ ሃገርና ዘይኰነስ ኣብ ውሻጠና እዩ ክህሉ ዘለዎ። በብዓቕሙ ንሓይሉ ዘይጥቀመላ ሰባ ኣሎ ምባል ሓጥያት’ዩ። ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትን ናይ ግሊ ትካላትን ንረኽቦም ሰባት ንጋሻ ከመይ የአንግዱዎ፧ ብገለ ስራሕ ንሓደ ሓላፊ ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ፣ ብጠባይ ናይ ስርሑ ድዩ ዝሰምዓካ ብውልቃዊ ጠባዩ፧ ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ተቘጺረን ዝሰርሓ ኣሳሰይቲ፤ ምቕልል ኢለን ‘እንታይ ክእዘዝ’ን ተገቲረን ‘እንታይ ክሰምዓካ’ን ምባል መኣስን ንመንን ከም ዝጥቀማሉ ኣንዳዕዲዐን ኢየን ዝፈልጣ። ኣብ ሳዋን ካልኦት መደበራትን ክንደይ ኣእዛን ተዓለምቲ ብጽፍዒት ተቐዲዱ፣ ክንደይ ኣእጋር ተሰይሩ፣ ኣብ ዝባንና ክንደይ ጊንድዐ ተኸርቲሙ፧ (ብወገነይ ኣብ ሓንቲ ቅጽበት ሰለስተ ጊንድዐ ሰቢረ-ኣብ እዋን ስራሕ (ጸጸር ምእራይ) ማይ ክሰቲ ስለዝተረኸብኩ) ነዚ ኵሉ በደል ዘውርድ ጠባይ ናይ ታዕሊም ድዩ ወይስ ሰናይ ተበግሶ ናይ’ቲ ዓላማይ እዩ፧ ኣፍልጦ የለን ምባል እኹል ምኽንያት ኣይመስለንን። ሰብ ኣፍልጦ ኸ ጥዕናኦም ምሉእ ድዩ፧

ካምፓስ ምስ ኣቶና ኣብ ፍረሽማን ‘ኬምስትሪ’ ዝሓዘና መምህር ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ፣ ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ሓደ ካባና ሕቶ ክሓትት ደልዩ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ። ነገር ፍረሽ ደምባር ከኣ “ትቸር” ኢሉ ምስ ጀመረ መምህረይ ኰሊፉዎ። “ኣነ ናይ ሻሙናይ ክፍሊ መምህርካ መሲሉካ ‘ትቸር’ ትብለኒ፧! ካበይ እዮም መጺኦምና በጃኻ! ቀጽል ሕጂ ሕቶ’ንተ’ለካ።” ድሕሪት ኮፍ ኢለ ስለዝነበርኩ ንማንም ከይሓተትኩ እታ ክፍለ-ግዜ ምስ ተዛዘመት ምሉቕ ኢለ ተዓዘርኩ። ንኽኢላታት ድማ ተወከስኩ (ንሲኔርስ።) ‘ሰር’ ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ድማ ተነግረኒ። ዶክተር ውይ ልዕሊኡ እንተዀይኖም ውን ከከም ማዕርጎም። ንፕሮፈሰር ‘ዶክተር’ ኢልካ እንተ ጸዊዕካ፣ ወይ ድማ ንዶክተር ‘ሰር’ እንተ’ልካ ውን ናቱ መዘዝ ኣለዎ። ብደረጃ ተርእዮታት እዩ ግን ኵሉ።

ናይ ዓምና ሰር እያ ነይራ። ንሳ ውን እንድዕላ። ካብኡ ንላዕሊ እቶም ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ ኬምስትሪ ዝመሃሩኒ ኳዕናን መምህረይ ይነፍዑ-ብኽልተ ኢድ። ንሱ ግን ክሳብ ዘቋርረና እዩ ድሂሉና። ምልኪ።

በዚ ኰነ በቲ ናይ ስራሕ ዕድሉ ዘውሓሰ በዓል ጸጋ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ይቘጽር – ደቁን ሰበይቱን ሃፈጽታ ሓውን ጐንፊ ክሽነን ከይለኽየን መታን። ምዝመዛ ዕሱል’ዩ። ስማ ድማ ‘ሰራሕተኛ’ ዘይኰነስ ‘ሸቃሊት’ እዩ። ክልቲኡ ትርጉሙ ሓደ እዩ፣ ቅኒቱ ግን በበይኑ።

ኣብ ኣሃዱታት ምክልኻል ተቘጺራ ንትሰርሕ ጻዕራም ዜጋ ውን እዚ ‘ሰራሕተኛ’ ዝብል ክብሪ ይንፈጋ። እቲ ናብ ኲናትን ጕዕዞን ካልእን ወፊሩ ዘይክእል ስኑፍ፣ ፈላጺ ዕንጸይቲ ከይተረፈ ብልዑል ሓበን ‘መጋቢት’ ኢሉ እዩ ዝጠቕሳ። እዘን ሰባት እዚኣተን ግን ብረሃጸን ምስ ክብረን ዝነብራ ለዋሃትን ፈቃራትን እየን። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 2007፤ ኣብ ሳዋ፣ ፍትሒ ሴፋ መዚዛትሉ ንዝተጐድአ መሳርሕትና (መምህር) ካብ ማህጸነን ዝወጸ ብዝመስል ኣዝዩ ንቡር ወግዒ ዝቐበራኦ ንሳተን ነይረን። እተን ማንም ብዝኽእላ ብደዐ መጋቦ ተባሂለን ዝጽዋዓ ንጹሃት ኢርትራውያን። (ኣዴታትና ንምንታይ ዲና ሕልፊ ነፍቅረንን ንጸውየለንን – ኣብ መልሓስና ተሰትዩ እናተረፈ’ምበር!!!) እቲ ካልእ ግን ንፍርህን ቃልዓለምን ምስሉይነትን ዝተኣከበ እዩ ነይሩ። መምህራን ኢድና ጠዊና፣ ፈዚዝና። እቶም ፍትሒ ነፊጎም ንሞት ዘብቅዑዎ ድማ ሓመድ ምስ ለበሰ ኣኽሊል ዕምባባ ኣቐሚጦምሉ። ኣብ’ታ ህሞት ድማ ኵሉ መምህር፣ ብዘይ ትእዛዝ ንብዓቱ ክዕዩዎ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ፐሮፈሰር መስፍን ወልደ ማርያም ምስ መኣዛ ብሩ (ትጥቀስ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ) ዝገበሩዎ ሰፊሕ ቃል መሕትት ልቢ ሂበ ተኸታቲለዮ። “ሕጂ ኸ ጭቈና ተሪፉ ዶ ትብሉ ፐሮፈሰር፧” ንዝመስል ሕቶ ዝሃቡዎ መልሲ ብሓርፋፍ ትርጉም ከም’ዚ ነይሩ። “ከመይ ቢሉ ክተርፍ ኢልኪዮ። ጨቋንን ተጨቋንን ከይተፋትሑ ጭቈና ክተርፍ ኣይክእልን እዩ። እዚ ሕብረተ-ሰብ ድማ ኵሉ ጨቋኒ እዩ። ኣብ ደገ ክጭቍኖ ዝኽእል ዕድል እንተ ስኢኑ ኣብ ገዛ ንሰበይቱ እናጨቈነ ይነብር። ስለዚ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኰነ፣ እቲ ጭቈና ዝለመደ ከፋል እውን ኣተሓሳስባኡ ክልውጥ ኣለዎ።” ኣኸለ። ብዛዕባ ጭቈና ልዕሊ’ዚ ምዝራብ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን።

ብውሽጣዊ ቀዝሒ ዘሕገብግብ ሰብ፣ ካቦት ዕስለን ጕጅለን ክድርብ ባህርያዊ እዩ። ዕስለን ጕጅለን ክሳብ ዘሎ ድማ ወትሩ ሓይልን ግጭትን ኣሎ። ዝዀነ ዓይነት ጕጅለ መሳርሕን መተግበርን ረብሓ ናይ መሕገብገብቲ እዩ። እሞ ድማ ኣሚንካ ትቕበሎ ምዃኑ ተሪፉ፤ ተማሂርካ፣ ተመኺርካ፣ ተሰቢኽካን ተደሊልካን። ህዝቢ ዓለም ተላዚቡን ተወሃሂዱን ክነብር ስለዘይከኣለ’ኮ ጐጐጆኡ-ሃሃገሩ ሓንጺጹ ጸኒሑና። ንሕና ውን ዋላ ንደንጒ’ምበር ከም ሰብና ብጽሒትና ሒዝና። ስድራ-ቤት ትባሃል ንእስቲ ጕጅለ’ላ ሃገር ድማ ዓባይ ጕጅለ። ክልቲአን ኣዝየን ኣገደስቲ። እቲ ኣብ ሞንጎ ዘሎ፣ ንኻልእ ቅዱስ ዕላማታት ዝተሃንጸ ኣጓዱ ናብ ድፋዓት ቀይርካ ኣብ ዘይመዓላኡ ምውዓል ግን ጣቋ የብሉን። ሃገርና ብዘይ ንሱ ሓንቲ ቃጽዖ እያ፤ ህዝብና ድማ ቍንጣሮ።

ክበልዑኻ ብዝደለዩ እዮም ‘ናተይ’ ዝብሉኻ። ከም ርስቶም ድማ ይውንኑኻ። ሓንሳብ ይቐልዉኻ ጸኒሖም ይጥጥቑኻ። ናይ ማንም ዘይምዃንካን ምስ ኵሉ ምዃንካን ዝነበረካ ባህጊ ኣብ ኢድካ ይመውት። እቶም ‘ናተይ’ ዝበሉኻ ሸቶኦም ምስ ወቕዑ ‘ነዴኻ ማይ ውረደላ’ ይደግሙኻ። ዕሽነትካ ንጹህ ስለዘይገብረካ ተጻባእቲ ተብዝሕ፣ እና ተሸቝረርካ ትነብር። ሰብ ምእማን ትስእን። ከልቢ ተጥሪ።

ድሙን ከልብን እንስሳ ዘቤት ክዀኑ ኣይነበሮምን። ድሙ ሕማቕ ካብ ምርኣይ ምተገላገለ፣ ከልቢ ድማ መግዛእቲ ናይ ሰብ ኣይመረኻኸበሉን። ድሙ ናቱ ዓለም ኣለዎ። ኣንጭዋ እያ ተገድሶ’ምበር ብሓደራ ዝሕልዎ ገዛን ጥሪትን የብሉን። ዶብ የብሉ ባርነት ኣይኣምን። ኣብ እግሪ መኣዶም ደጋጊሙ ኛም…..ምባሉ ፍቕሪ እዩ ለሚኑ’ምበር ጭራም እንጀራ ብሂጉ ኣይመስለንን። ካብ ሰብ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣብ ዓራት ምድቃስ ጥራይ እያ። ካብኣ ውን ብኽሳዱ ሓኒቖም ክሽንጕጉዎ ከለዉ ይምለስ እምበር ኣይቍጣዕን። ንሰብን ከልብን ዘመሳስሎም ነገራት ግን መቝጸሪ የብሉን። ሊቃውንቲ ንሰብ መልክዑ ርእዮም ‘ዓሌት ህበይ’ዩ’ ኢሎሞ’ምበር ኣነስ ሰብ ናይ ከልቢ ዘርኢ ከይህልዎ ምሒር እጠራጠር። “ጭብጢ ኣቕርብ” ከይበሃል ግን ካብ ዘመሳስሎም ውሑድ ክጠቅስ።

ሓደ፦ ክልቲኦም (ከልብን ሰብን) ብነብሶም ስለዘይተኣማመኑ ብዕስለ ምንቅስቓስ የዘውትሩ። ጥርናፈኦም ግን ቀጻልነት የብሉን። ገለ ውዳቕ እንተ ረኺቦም ብስስዕትን ረብሓን ሓድሕድ ይናኸሱ። ድሙ ግን ብብዝሒ ንበይኑ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ክልተ፦ ሰብን ከልብን ዋናኦም ዝበሎም ሰላሕ ኢሎም ይፍጽሙ። ዕጥይጥይ እንተይሎም ከኣ ይስለቑ። ድሙ ግን ኣብ ትእዛዝ ኣይኣምንን።

ሰለስተ፦ ምስ ሰብን ከልብን ንብረት ብሓደራ ምስ ተቐምጥ፣ ብጥዕናኡ ክጸንሓካ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ድሙ ግን ንዝጠፍእ ንብረት ተሓታቲ ከም ዘይከውን ኣቐዲሙ እዩ ዝሕብር።

ኣርባዕተ፦ ሰብን ከልብን ኣብ ህዝባዊ መንገድታትን መናድቕ እንዳማቶምን፤ እግሮም ጢል ኣቢሎምን ተጋሕቲኖምን ይሸኑ። ድሙ ግን ከም’ዚ ዓይነት ጽዩፍ ልማድ የብሉን።

ሓሙሽተ፦ ከልቢ ኣብ ዝተአስሮ ገዛ፣ ካንቸሎ ምስ ትዅሕኵሕ ከልብን ሰብን በብተራ ‘ዉሕ: መን: ዉሕ-ዉሕ: መን ኢኻ’ ብምባል ዓቕልኻ የጽብቡልካ። ድሙ ግን ኣብ በሪኽ ተሰቒሉ ነቲ ድራማ ብኣንክሮ ይዕዘቦ።

ሽዱሽተ፦ ሰብን ከልብን እንክድቅሱ ምዅርማይ የዘውትሩ። ድሙ ግን ኣርባዕተ መሓውሩ ዘርጊሑ፣ ብዘይ ራዕዲ ኣብ ዝተበረሆ ሜዳ ለጥ ይብል።

ሸውዓተ፦ ሰብን ከልብን ምስጢር ዘይዕቅቡ ፈስፋሳት ፍጡራት እዮም። ድሙ ግን ከም’ዚ ዓይነት ሕሱር ባህርይ ኣይተዓደለን።

ትሽዓተ፦ ሰብን ከልብን፣ ክጸግቡን ክጠምዩን ፍልልይ የብሎምን። ምስ ጸገቡ’ኳ ይኸፍኡ፤ ኵሉ ክጥርፉ ሃረምረም ይብሉ። ድሙ ሓንሳብ እንተጸጊቡ ግን ምስ ዝሓለፈት ኣንጭዋ ክጋደል ዘባኽኖ ሓይሊ የብሉን።

ኣሰርተ፦ እዚ ኵሉ ኰይኑ ከብቅዕ ከልቢ ንሰብ ካብ ኣራዊት ኣይከላኸለሉን። ንርእሱ ስለዝፈርህ ኣብ ቀምሽ ክኣቱ ንእሽቶ ትተርፎ። ሰብ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ስእሊ መላእኽቲ ዘርጊሑ ይናዘዝ። ካብ መላእኽቲ ቀጥታዊ ምላሽ ከይበጽሖ ግን ድሙ ነቲ ተመን ድዩ ገበል ብቕርጡዋት ኣጽፋሩ ዘልዚሉ፣ ተበጥሪሙ ሓዘግ የብሎ።

እምብኣር ኣብ ዕስለ ወዲ ዕስለ ምእማን ጸኒሑ ናብ ከልቢ ክቕይረካ ይኽእል እዩ። ካብ ስድራ-ቤት ዝጥዕም ጥርናፈ ዘሎ ኣይመስለንን። ምስ ግዜን ስልጣኔን ድማ ንሃገር ናብ ቤተሰባዊ ጥምረት ምምጻእ ይካኣል። ሓድነት ይሰብኽ የለኹን። ካብ ዝጸልኦም ስነ-ሓሳባውያን ጽባቐታት ሓደ፣ ሓድነት ዝባሃል ዘረባ እዩ። ኣባላት ሓንቲ ስድራ’ኳ ‘ሓደ’ ክዀኑ ንጋዶ። ሓንቲ ነብሲ ግን ምስ ገዛእ ርእሳ ሓድነት የድልያ እዩ። ነብሰይ ዘፍቅር እንተዀይነ ውሽጣዊ ናጽነተይን ሓድነተይን ተጐናጺፈ ኣለኹ ንምባል ክደፍር እኽእል። ሽዑ ሓድነት ምስ ሓድነት ኣዋሲብካ ወሰን ዘይዓግቶ ፍቕሪ/ሓልዮት ተፍሪ። እናተመላላእካን እናተኸባበርካን ድማ ኣብ ማንም ምስ ማንም ትነብር። ሰብ ምስ ሰብ ብጥሪኦም ምስ ዝዋሰቡ/ዝድመሩ ግን እቲ ውጽኢት ዕስለን በለጽን ተንኰልን ዕንወትን ጥራይ እዩ። ተሰማሚዕካን ተወሓሒጥካን ዳኣ ትነብር እምበር ምስ ካልእ ሰብ ሓደ ዝገብረካ ሓሳብን መንገድን ፈጺሙ የሎን። ሕሰም ዝነግስን ለውጢ ዝምህምንን፣ ነብሱ ዘፍቅር’ምበር ዝጥርነፍ ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኰነን (ብናተይ ርድኢት።) “ናትካ እየ፣ ናተይ ኢኻ፣ ተኣንጐት፣ ተሰብሰብ” እናበለ ድቃስ ንዝኸልኣካ፤ እታ ዝበለጸት መልሲ “እዚኣ ትእተወካ” ምባል ኰይና ትስማዓኒ (ምላቝ’ያ።) “ኣይንጻወት ኣይንማወት” ማለት’ዩ።

ምስ ቅዙፍካ “ደጊም ሓደ ኢኹም” እንተ’ይሎምኻ (ብመንጽር ደቂ-ተባዕትዮ ማለተይ’የ) ወይ ውን ባዕላ “ናትካ እየ፣ ልበይ ውሰዳ፣ ማዕተበይ ተቐነታ” ምስ ትብለካ ግን ልባ መታን ክመልኣላን ሕጕስ ኢላ ክትቅንን ኣሕጽር ኣቢልካ “ሐራይ” ክትብላ ይሓይሽ። ድሕሪኡ ከም ምትዕጽጻፍካ ትገብር። “ሕመመለይ” እንተይላትካ ከም ቅንያት ፋሲካ ሕማማት ትእውጅ። ኣብ ደገ ፋታ ብሓሙሽተ ባኒ ደኪርካ፣ ኣፍካ ጐጻጒጽካ ትኣቱ። ቅድሚ ምድቃስኩም ድማ ኣብ እዝና ልግብ ኢልካ “ምብላዕ ምስታይ ስኢነ፣ ብጐረሮይ ሒዙኒ…..” ተዚመላ። ነውጺ ዘይጽላኣ እንተዀይኑ ድማ ብደርፊ ሎም-ዘበን “ናተይ ኩሕለይቲ፣ ሕብራ ከደረይቲ፣ ኣነ ብፍቕራ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፣ ሰይ…..ሰይ-ሰይ፣ ቸይ…..ቸይ-ቸይ” እናበልካ ተናውጻ። እናተነዋወጽካ ትነብር። “ሓደ ኣይኰንኩምን” ኢሉ ዝምጕተካ የሎን። “ሓደ ኢና፣ ማራ እያ ትፈትወኒ” እናበልካ ሸረኽረኽ እንተ’ብዚሕካ ግን ገለ ውዑያት ዘይክጽመሙኻ ይኽእሉ እዮም።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጥረ ምረ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?