Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሳዕቤነ ከበሳ (The Plateau Effect)

ሳዕቤነ ከበሳ (The Plateau Effect)

3
By Mekonnen T. on September 27, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ስለምንታይ ጋም ማን?

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ (ጀርመን)

ሓድሓደ ጊዜ ኣብ ዝቈምናዮ ንሽከል። ብርቱዕ ጽዒትና’ውን ኣብ ውልቃውን ዕላውን ሞያታትናን ዕላማታትናን ኣይንዕወትን። ንሸቶታት ውልቃውን ትካላውን ህይወትና፡ ንሕልምታትና ንድሕሪት ንድርኾም። ዝምድናታትና ምስ ሰባት ልዕሌናን ትሕቴናን ይድስክል። ኣብ ከበሳ ሓይልናን ክእለትናን በጺሕና ኢና። ዘገም ኢልና ከኣ ኣብ ዝቈምናዮ ንብስብስ። ንመውት። ኣዝዩ ዘሕርቕ እዩ ግን ከኣ ንቡር ይብል ጀርመናዊ ስነኣእምሮይና Axel Wolf። ነዚ ተረኽቦ’ዚ፡ L.J. Peterን R. Hullን ኣብ The Peter Principle ኢሎም ዝሰመይዎ መጽሓፎም ኣብ ጽፍሒ ዘይብቕዓትና (Level of incompetence) ስለዝበጻሕና እዩ ይብሉ። ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣምራት ብዙሕ ፍልልይ የሎን።

ደባስ ናብ ቤት ትምህርቱ ጋዜጣ ኣሰናዳኢን ንባዕሉ ጸሓፋይን ነበረ። መማህራኑ ትኵርን መጺጽን ውሩይን ደራሲ ከምዚኸውን ይንበዩ ነበሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ’ውን ስነ ጽሑፍ ተማሂሩ። ሕዚ ናይ ስነጽሑፍ መምህር እዩ። ዕዉታት ደረስቲ የለልን የደንቕን። ብዛዕባ ዕብዬትን ዓወታትን ደረስትን ድርሰታቶምን የምህር። ድርሰታት ይነቅፍ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን እቲ ዝተነበየሉ ዕሉል ደራሲ ኣይኮነን ወርቃዊት ብርዑ ብኣጋኡ ነቒጻ።

ሓጎስን ደስታን ዕዉት ሓባራዊ ናብራ ዝነብሩ ይመስሉ። ክልቲኦም ጽቡቕ ስራሕን ግሩም ቤትን መኪናን ይውንኑ። ብዙሓት ኣዕሩዅቲ’ውን። እቲ ካብ ደገ ዝርእዮም የደንቖምን ይቐንኣሎምን። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጦም እቲ ሓዊ ፍቕሮም ቅሂሙ እዩ። ፍቕርና’ስ ኪውዳእ ድዩ? ኴይኑዎ ኣብ ከበሳ ዕብዬቱ በጺሑ ድዩ ቢሎም ይጠራጠሩን ይፈርሑን። ነቲ ሓዊ መሊሶም ከጕርዎ ክኽእሉ ድዮም ወይ’ስ ናብ ፍትሕ ከንቈልቍሉ እዮም?

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቑዕ ወዳቢ ሓርነታዊ ቃልሲ ምንባሩ እቲ ምዕዋቱ ንባዕሉ ምስክር እዩ። ኣብ ምምስራት ሃገርን መንግስትን ግን ፈሺሉ። እምበኣር ብቕዓቱ ካብ ሳሕል ዝሓልፍ ኣይነበረን ኣብ ሳሕል ከኣ ተቐቢሩ።

ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፎም፡ ሓንቲ ደርፊ ጥራሕ ደሪሶም ዝጠፍኡ ስነ ጠበባውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። በታ ናይ መጀመርያ ዓወት ስለዝሓንቀቑ ድዩ እቲ’ኳ መርገም ቀዳማይ ዓወት ተባሂሉ ዝጽዋዕ? ወይ’ሲ ጉድለተ ነፍሰ-እምነት እዩ? ስእነተ ሓሳባትን ድፍረትን ኒሕን? ደጊሞም ንኽዕወቱ ስለዘይጽዕሩን ዘይጸዓሩን? መብዛሕትኡ ጊዜ እቶም ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ፍሽለት ሸኾርተት ክንብል ዝገብሩና ምኽንያታት እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉድለታት ኣይኮኑን። እኳ ድኣ፡ ብዙሓት፡ እንክፈሽሉ፡ ብብርቱዕ ጻዕርን ሓይልን ካብ ፍሽለቶም ዝወጹ እንዳመሰሎም፡ ንሓንቲ ደቒቕ’ኳ ስለምንታይ ከምዝፈሸሉ ከይሓተቱ፡ ለይትን መዓልን ዓይኒ’ብለይ እዝኒ’ይብለይ ይከታኸቱ። ኣብ እዋን ቍርስን ምሳሕን ከይተረፈ ይሰርሑ። ክሳብ’ውን ነቲ ስራሕ ናብ ቤቶም ይማልእዎ። እንተኾነ ኣይዕወቱን። ኣዝዩ ዘበሳጩ ኵነት እዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ መኻንነት ጻዕሪ እንታይ እዩ?

ንሕና ደቂ ሰባት፡ ብዝለዓለ ደረጃ ዘይድረት፡ ዘይውዳእ ዘይጽንቀቕ ክእለትን ብቕዓትን የብልናን። ውዒልና ሓዲርና ከኣ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ህይወትና፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ኣካላውን መንፈሳውን ብቕዓትና (ንሱ ድማ’ቲ ደረጃ ዘይብቕዓትና’ዩ) ክንበጽሕ ግድን እዩ። ኣንጻር’ዚ ባህርያዊ ደረጃ ዘይብቕዓት’ዚ ክንገብሮ ንኽእል የሎን። ቸርችል፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝተመስከረሎም ብቑዓት መራሕቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ነበረ። ኣብ እዋን ሰላም’ውን መሪሕነታዊ ብቕዓት ኣመስኪሩ እዩ። እንተኾነ ክእለቱን ብቕዓቱን ዝውዳእ ኣይመሰሎን ኣይተቐበሎን ክሳብ ወዲ ሰማንያ ዝኸውን ኪመርሕ ደለየ። ንመጠረስትኡ ከኣ ነታ ናይ ፓርላማ መንበሩ ንመዓልታዊ መታኸስን መደቀስን ጥራሕ ዝቕመጣ መሰለ። እምበኣር፡ ንወርትግ ነባሪ ብቕዓት ከምዘየሎ ፈሊጥካ፡ ኣብ መስጥሕ ዘይብቕዓት ከም ዝበጻሕካ ኣስተውዒልካ ካብ ስራሕን ሓላፍነትን ነፍስኻ ምልጋስ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ብቕዓት ኣይህልውን።

እንተኾነ ኵሉ ፍሽለት፡ ጋም ማን፡ ሸቶኣልቦ ዕንክሊላዊ ሸኾርተት ናብ ባህርያዊ ደረጃ ዘይብቕዓት ምብጻሕ ኣየመልክትን። ብዙሓት፡ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ፍሽለት ጥሒሎም ክንሶም፡ ስለምንታይ ቢሎም ኣይሓቱን። ንዝወደቑ ሓሳባትን ኣተሓሳስባትን ተግባራትን ዓሰርተ ጊዜ እንተደጋገምዎም ብትኣምረ-ምድግጋም ዝዕወቱ ይመስሎም። እዚ ጉድለት’ዚ ንኵሎም መንግስታውን ተቛዉሞኣውን ትካላትና ዝምልከት ሓቂ እዩ። ኣብ’ዚ ኵነት’ዚ እቲ ቀንዲ ሓጋዚ ንዅሉ ሓዲግካ ምሉእ ዕረፍቲ- ማለት- ምሉእ ለውጠ-ምግባር እዩ። ንሱ ከኣ ሓንቲ’ኳ ዘይምግባር እዩ። ዓለምቲ ብቕዓት ነዚ ኵነት’ዚ Phase of the Ultimate Laziness ኢሎም ይጽውዕዎ። ንሱ’ቲ ዝለዓለ ዕረፍቲ እዩ። ኣብ ስፖርትን ፈጣሪ ስራሓውትን ኣዝዩ ዝተፈልጠን ዘዓውትን ፍቱን ሜላ እዩ። ኣካልን ኣእምሮን መንፈስን ዓሚቝ ኣብ ዝተዛነይሉ እዋን ከኣ፡ ብሃንደበት፡ ሓደስቲ ሓሳባትን ተግባራትን ይኽሰቱ። ብዘይካ’ዚ ዕረፍቲ’ዚ ንቕድሚት ኣብ’ቲ ዓቐበ-ዓወት ክንድይብ ኣይንኽእልን። ኣካልን ኣእምሮን መንፈስን ደኺምና እንተይሎም ብዕረፍቲ (ለውጢ) ድኣ’ምበር ብሓይሊ ድልዬት ከነተንስኦም ኣይከኣልን።

ከም ዝኾነ ካልእ ነገራዊ/መንፈሳዊ ተረክቦ፡ ከበሳዊ ዛህሚ (ዓንኬላዊ ሾኾርተት፡ ጋም ማን) ምስ ባህርያዊ ሕጊ ምንቅስቓስ ተኣሳሲሩ እዩ ዝኽሰት። ኵሉም ሰብኣዊ ምዕብልናታትን ተሞኵሮታትን፣ ኵሎም ውልቃውን ማሕበራውን መደባታትናን ቀጥታዊ መስመር ሒዞም ፈጺሞም ኣይጎዓዙን። እቲ መገዲ ምዕብልና፡ መገዲ ንቕድሚት፣ ጥውይዋያትን ጸድፍታትን ሰልምታትን ዝመልኦ ጽንኩር እዩ። እቲ እንክንሽከል፡ እቲ እንክንጠፍእ፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ቅልውላውን ረዚን ድስከላን ምንቍልቋልን ዝኣቶና ኴይኑ ይስምዓና እሞ ካብ’ዚ ዓዘቕቲ’ዚ ንምውጻእ ሃንደፍደፍ ንብል። ኣብ ትርጕመኣልቦ ሃንደፍደፋዊ ምንቅስቓስ ረጊእካ ምሕሳብን ምፍጣርን ኪህልዉ ኣይክእሉን። እወ፡ ዘይተንቀሳቐሰ ይምርት፡ ይፈርስ እዩ’ሞ ግድን ክንንቀሳቐስ ንደሊ። እንተኾነ ንቕድሚት ኣይንምርሽን። ንመጠረስትኡ ከኣ ባዕሉ እቲ ትርጕመኣልቦ ምንቅስቓስ ይቐትለና። እቲ ዝኸፍአ ሸነኽ ናይ’ዚ ሽግር’ዚ ከኣ ነዚ ኵነታትና’ዚ ምልማዱ እዩ። ከይተንቀሳቐስና ንንቀሳቐስ ከምዘሎና ኴይኑ ይስምዓና እሞ ኣብ ዘይምንቅስቓስና ንዓግብ ንነፍስና ንሽፍጥ። ህድኣት ናይ ዘይምንቅስስና ስምዒት ድሕንነትን ቀዋምነትን ይፈጥሩልና’ሞ ሓደስቲ ሓሳባትን መንገድታትን ህድኣትና ከይብትኑልና ንፈርትሕ። ንቕድሚትን ድሕሪትን ተወጢጥና ድማ ኣብ ሓንቲ ቦታ ጋም ማን ንብል። እዚ’ቲ ካልኣይ ሕዱር ሕማም መንግስትናን ተቛዋሚ ውድባትናን’ዩ። መራሕቲ ናይ’ዞም ክልተ ትካላትና ቀደም ብዘመን እኒ እኒ ኣብ ደረጃ ኵሉ ሸነኻዊ ፖለቲካዊ ደረጃ ዘይብዓቶም በጺሖም ክነሶም ሓደ’ኳ ናብ ደረጃ ዘይብቕዓተይ በጺሐ እዬ ኢሉ ካብ’ቲ መሳልል ሓላፍነት ነፍሱ ዝኣገደ የብሎምን። ሓደ’ኳ ስለምንታይ ፈሺልና ኢሉ ዝተንተነን፡ ሓዲስ መገዲ ዓወት ዝሃንደሰን የብሎምን። ብዙሓት፡ ከምቲ ኪዳነ ሓጎስ ሓደ እዋን ዝበሎ፡ ኣብ ካልእ ዓውደ ሞያ ኪቑጸሩ ዘይክእሉ ጽግዐኛታት ገድሊ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ ንዝሓዝኩዎ ኣይንሰድድን ኢሎም ክሳብ መቓብር ይከታኸቱ። ንስልጣን ከምዘላታ ንምርካብ ድኣ’ምበር ንባህርዪ ስልጣን ናይ ምቕያር ሓሳባት የብሎምን። ስለ’ዚ ንዘየሎ ስልጣን ይከታኸቱን ይፈናጨሉን። እዚ ከኣ ናብ ሓደ ፍሽለቱ ናብ’ቲ ሓደ እንዳደርበየ ፍሽለት ሕድሕዱ እንዳተመገበ ዝነብር ሃገረ ፍሽለት ቀይሩና። መንግስትናን ተቛወምቲ ሓይልታትናን መንጸብረቕታ ህዝባዊ ንቕሓትና እዮም። እሞ ኴይኑዎ እዚ ድዩ ንቕሓትና? እዚ ከኣ ናብ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣሰካፍን ሕቶ ይመርሓና። እምበርዶ ንሕና ኤርትራውያን ከም ሓደ ሃገር ክንቀዉም ብቑዓት ኢና? መልሰይ፡ ብሓጺሩ፡ ክሳብ ሕዚ’ስ ኣይበቓዕናን እዩ።

ኮን ደኾን ምኽንያታት ጋም ማን

  1. መርገም ፈለማዊ ዓወት

ቀዳማይ ዓወት ኣጋጣሚ፡ ካልኣይ ዓወት ዕድል፡ ሳልሳይ ዓወት ክእለት ይበሃል። ንዝኸኣለሉ፡ ቀዳማይ ዓወት መፈለምታ ናይ ሓያሎ ተኸታተልቲ ዓወታት ክኸውን ይኽእል። ብዙሕ እዋናት ግን ኣይኸውንን። ነታ ቀዳመይቲ ዓወት ዘገልገሉ ሜላታት ብጥሬኦም ንጥቀመሎም እሞ ኣብ ምፍታሕ ሓደስቲ ግድላት ኣይሰርሑን። ምድግጋም ሜላ ከኣ ነቲ ሜላ ኣየብልሖን። ኣብ’ዚ ነጥቢ’ዚ ሓዲስ ሜላ ክፈጥር ዘይከኣለ ኣብ ጫፍ ከበስኡ ዝበጽሐ እዩ። ሰውራ ኤርትራ ናይ’ዚ መርገም’ዚ እቲ ዝበቕዐ ኣብነት እዩ። እወ፡ እታ ዕንጭቝሊት ሃገር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ግዙፋን ሓያላት ዓለም- ኢትዮጽያን ተሓባበርታ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭዬትን ተዋዲቓ ተዓዊታ እያ። እዚ ዓወት’ዚ ግን ናብ መርገም ተቐይሩና። እቲ ነጻነት ዘዓወተ ሜላ ኣብ ምምስራት ሃገር ኣይሰርሐን። ኣብ ክንዲ ስለምንታይ ኢልና ንሓትትን ንምልስን ከኣ፡ ክሳብ ሕዚ፡ ነዚ ዓወት’ዚ ከም መሸፈኒ ናይ’ቲ ደጋጊሙ ዝሰዓበ ፍሽለታትና ንጥቀመሉ። ክሳብ ሕዚ ከኣ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት፡ ነዚ ዓወት’ዚ እንዳተመገብና ንነብር። ንዓወትና ናብ ፍሽለት ለዊጥናዮ። ክሳብ እውን ንገለ ሕፍረተኣልቦ ተበለጽቲ እቲ ሰውራ ብመሰረቱ ግጉይ እዩ ነቢሩ ንኪብሉ መገዲ ኣጥዒምናሎም።

  1. ጣዕሚ (Decadence)

ሓሓደ ጊዜ እቲ ኣብ ሰልሚ ሸኺሉ ዘቐምጠና ምኽንያት ጣዕሚ፡ ጽጋብ፡ ኵሉ ሸነኻዊ ልዕለ ርውየት እዩ። ብዙሕ ካብ ኵሉ ዝወነነ ሰብ ኣብ ነፍሰ ፍትወትን ኵሉ ዓይነታት ስንፍናን ይኣቱ። በብመዓልቱ ኣብ ልሙዳት ወግዕታትን ኣገባባትን ይጥሕል። ነቲ ልሙድ ብሓዲስ ፈጠራታት ኪትክኦን ሓደስቲን መገድታትን ኪህንድስን ኣይፍትንን። ንመጠረስትኡ ከኣ ይብስብስ። ኵሎም ዓበይቲ ጥንታዊ ስልጣኔታት ከኣ በዚ ሓጢኣት መጠነኣልቦ ጽጋብ እዮም ወዲቖም። ስጋ ምስ እትጸግብ ኣእምሮን መንፈስን ይጠምዩ። እቲ ስጋ ከኣ ኣብ ገዛእ ነፍሱ ጥሒሉ ንመጠረስትኡ ይመውት። ካብ መንግስቲ ኤርትራን ተቓዉሞኡን ዝበቕዑ ኣብነታት ናይ’ዚ ብስበሳ’ዚ ኣይርከቡን።

  1. ዕውረት ጭብጥታት

ንሕና ሰባት ሕማቓት ኣመሓደርቲ ውድቀት ኢና። ካብ ደቂቕ ዕድል ሓደጋ ዘሎዎ ንጥፈት ንፈርሕ። ንሕልሚ ፈሪሕና ኣይንድቅስን። ንጭብጥታት ብባህግታትናን፡ ስምዒት ድሕንነትናን ንትርጕሞም። ንኪሳራታት ከኣ በታ ሓንቲ ዝለመድናያ መገዲ ጥራሕ ንከላኸል። ኣብ ኵሉ ውሳኔታትና ብፍርሒ፡ ጉርሒ፡ ስስዐ፡ በለጽ … ዝኣመሰሉ ስነኣምሮኣዊ ልጓማት ንጽሎ።

  1. ስንፍና ወሳኔ

ብዝኾነ ኣብ ህይወትና ንወስዶ ውሳኔ ንካልኦት ምርጫታት ንሓጽር። ገዛ ክዕድግ እንተወሲነ ንካልኦት ዓሰርተ ወይ ዕስራ ምርጫታት ኣጊደ ኣሎኻ። ንባህጉ ክምርዖ እንተወሲነ ንኣዜብ ንሳባ … ኣይክምርዖን እዬ። ስለ’ዚ ኣብ ውሳኔይ ኣዝየ ክጥንቀቕ ኣሎኒ። እንተኾነ፡ ብዙሕ እዋን ብብዙሓት ዘየገደስቲ ረቛሒታት ተጸልየ ኣፍንጫይ እሰብር። ካብ ምስባር ኣፍንጫ ክመሃር እኽእል እዬ። ካብ’ዚ ዝኸፍአ ግን ናብ ቈላ ከንቆልቍል እውን እኽእል። እዚ ዋሕዲ ፋንጣዝያን(Phantasie) ትዅረትን ዝፈጠርዎ ደረጃ ዘይብቕዓት ወዲቐ ንኻልኦት እንዳረገምኩ ክነብር እኽእል ወይ ከኣ ኵነታተይ መምየ፡ መንገደይ ኣጻጽየ ክትንስእን ናብ ላዕለዋይ ከበሳ ክድይብን እኽእል። ክሓስብ ኣሎኒ። ተግባርን ጊዜን ከመዓሪ ኣሎኒ። ነቲ ሓጺን ብርስኑ ክዘብጦ ኣሎኒ። ፍሽልቲ ህይወት ብሓያሎ ኣብ ጊዜኦም ዘይተመንዝዑ ዕድላት ዝቈመት እያ። መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ኪወድቕ እዩ ዝተባህለሉ ጊዜ ምንባሩ እዝክር። ነቲ ጊዜ ኣይተጠቐምናሉን።

  1. ቅኑዕ ብቕዓት ኣብ ጉጉይ ቦታ ምቕማጥ

ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ልቡ ክገብሮ ደስ ዝብሎን ነዚ ዘተግብር ክእለትን ይውንን። ብዙሕ ጊዜ ግን ልብናን ክእለትናን ዘይበቕዕዎ ሞያን ሓላፍነትን ንመርጽ። ብቁዕ ወትሃደር ግድን ብቑዕ ኣማሓዳሪ ኣይኮነን። እቲ ግምጣሉ’ውን ግድን ሓቂ ኣይኮነን። ማክበዝ ዕዉት መራሕ ውግእ ነቢሩ። ከም ንጉስ ግን ፈሺሉ። ሶቕራጠስ መወዳድርቲ ዘይነበሮ መምህር ነቢሩ። ከም ጠበቓ ግን ፈሺሉ። ማራዶና ንፉዕ ተጻዋቲ ኵዕሶ ነቢሩ። ከም ዓላሚ ግን ፈሺሉ። ኣብ ውልቃውን ትካላውን ህይወትና ብቕዓታትና መሚና ፈሊጥና ኣብ’ቲ ብዝለዓለ ከፍርየሉ ዝኽእል ቦታ ከነውዕሎ ይግብኣና።

 

  1. ንቡር ናይ ምዃን ድልዬት

ሓያሎ ንቡራት ጠባያት ስለዘማዕበልና ከም’ቲ ዝበዝሐ ንቡር ኵሉ ክንከውንን መታን ምስ’ቲ ኵሉ ንሰማማዕ። ፍሉያት መታን ከይንኸውን ንዕቝር ዓቕምና ኣይንጥቀመሉን። ኣብ ህግሓኤ፡ ፍልጠትካ ሓቢእካ ዘይፈላጥ ምምሳል ሓደ ሜላ ስረት ምንባሩ ንፈልጥ። ምስ’ቲ ዝወሓዞ ምውሓዝ፡ ናብ’ቲ ዝበዝሐ ምጽጋዕ፡ ምስምማዕ፡ ዘይወሃብ ምሃብ … – ምቹእ መገዲ’ዩ። ብርግጽ ግን መገዲ ምህዞን ፍታሕን ኣይኮነን። ሕዚ ፍሽለት ናብ ንቡር ዝኾነና ሓደገኛ ኵነት ኣቲና ብዛዕብኡ እኳ ኣይንሓፍርን። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ምሕዝነት፣ ድሓር እቲ ብዙሕ ዝተዋጠየሉ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እቲ ዝዓበየ ፍሽለት ዲሞክራስያዊ ተቛዉሞ። ብተግባር ዘየሎ ክነሱ፡ ፍሽለቱ ኣብ ግንባሩ ከም ስልማት ወቂጡ ገና ኣሎኹ ይብል።

ለውጥን ጊዜን

ሓደ ግርቢጣዊ ኵነት’ዩ፡ ሓድሓደ እዋን፡ ኣብ ከበሳ ብቅዓትና ምስ በጻሕና፡ በቲ ካብ’ኡ ንምውጻእ እንገበሮ ጻዕሪ መጠን ናብ’ቲ ሰልሚ ንሽረብ። ኣብ’ቲ ክዉን ሰልሚ እውን ከምኡ እዩ። እቲ ካብ ሰልሚ ክወጽእ ላዕልን ታሕትን ዝበለ ንሱ ቀልጢፉ ይድፈን። እቲ ዝያዳ እንዳጸዓርና ዘይምዕዋትና ኵሉ ሸነኻዊ ቀውሲ ይፈጥረልና። ሸቶኣልቦ ከኣ ንሰርሕ። ክሳብ ሕዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓደ ቅጥዐኣልቦ ዲክታቶር ምዃኑ ከረድኡኒ ዝጽሕፉን ዝግዕሩን የደንግጹኒ ነዚ ድኣ እፈልጦ እንድዬ! ንሳቶም ግን ዝቃለሱ ዘሎዉ እንዳመሰሎም እዩ። ንዓይ ዘድልየኒ ግን ፍታሕ እዩ። እዚ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ከመይ ይወድቕ? ከመይ’ከኣ ይትካእ? ንዝብሉ ሕቶታት ብብቕዓት ክንምልሶም ከነተኵር ይግባእ። እዚ እንተዘይገቢርና ንህዝብና “ኣንታ እቲ ኢሳያስ እኳ ምሐሸና! ንሱ’ስ ነዚ ገሪፉ ነቲ ኣሲሩ ሕድሕድና ከይተፋለስና ገጥ ኣቢሉ ሒዙና ነቢሩ … !” ናብ ዝብለሉ ኵነት ከይነእዎ እፈርሕ።

ክሳብ ሕዚ ተቓውሞ ኣብ ሰልሚ ተሸኺሉ ዘልዕሎን ዘንብሮን ከይፈለጠ ፈንጠርጠር ክብል እዩ ጸኒሑ። ንሱ’ስ፡ እዋእ’ዩ፡ ገለ ክህብ እዩ ክፍትን ጸኒሑ። እቲ ዝወሃብ ግን ኣይነበሮን ወይ ከኣ ተወዲኡዎ እዩ። እቲ ዝተወድኦ ከኣ ክወስድ ክጅምር ኣሎዎ። ብዘይ ምውሳድ ምሃብ የሎን። [No output without input!] እቲ ንህቦ እንተተወዲኡ፡ ክንወስድ፡ ክንመሃር ነፍስና ደጊምና ክንመልእ የድልየና። ንክንወስድ ድማ ነቲ ምሃብ ከነዕርፎ ኣሎና። እቶም ኵሉ ሂቦም ሕዚ ዝወሃብ ዘይብሎም መራሕቲ ከዕርፉ ይግብኦም። እተን ንዓሰርተታት ዓመታት ጽዒረን ዘይተዓወታ ውድባት ብወግዒ ነፍሰን ፈንጢሐን ከዕርፋ ይግብአን። ከይሞትካ ምትንሳእ የሎን። ንወርትግ ዘገልግል ትካልን ሜላን የሎን። መድሃኒት እውን ድሕሪ እዋን መድሃኒትነቱ የጥፍእ እዩ። ሓደ ዝዓይነቶም ተደጋገምቲ ሜላታትን ተግባራትን ንኣካላውን መንፈሳውን ብቅዓትናን ዓወትናን ዝሕግዙ ኣይኮኑን። እቲ ክሳብ ሕዚ ዝኸድናዮ መገዲ ኣየዓወተን። እቲ ፍታሕ እምበኣር ለውጢ እዩ። [Variations of methods] ካብ ኵሉ ድማ ንብቑዕ ሜላ ኣብ ልክዕ ጊዜኡ ክትጥቀም ምኽኣል። ንጊዜ ክትጭብጣ ምብቃዕ። ነዚ እንተበቒዕና፡ ዓቐብ ድሕሪ ዓቐብ እንዳሰዓርና ካብ ከበሳ ናብ ከበሳ ክንዓርግ ክንክእል ኢና።

28.08.2014

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝባን ሽፍትነት!
Next Article ምዕሻው’ዩ ከቢድ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

3 Comments

  1. ዛዕጐል on October 1, 2014 1:03 am

    Excellent

  2. shishay gebrehans on October 9, 2014 11:44 am

    ካብ’ቲ ዝቐነኹዎ ሃለኽለኽ ቁሩብ ዝግ ምስ በልኩ ከንብባ ዕድል ረኺበ። ከም’ቲ ልሙድ ብዙሕ መድሃኒት ረኺበላ፡፡ ምንዋሓን ምስፋሓን ኣይሰልከየንን፡ እተን ኣብ መንጎ ብንኡሳት ኣርእስቲታት ቀሪበን ዘለዋ ግና፡ ርእሰን ክኢለን ነዋሕቲ ትንታነታት ክኾና እንተዝኽእላ ምበለጸ እብል፡ ምኽንያቱ ካብ’ቲ ዘበገሰኒ ኣርእስቲ ቁሩብ ዝተፈንተታ ኮይነን ተሰሚዐናኒ።

  3. daniel tesfai on October 9, 2014 1:32 pm

    memo to me

    hi danny, you are good. really good. but your readers are even better. see, they dont read you or comment on you. they already know what you’re trying to tell them. so what is the use of overfilling theirs heads. you just wasting your time.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?