Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሳዋን ኣብርሂሞን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት

ሳዋን ኣብርሂሞን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት

0
By Mekonnen T. on October 7, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቦኽረ ገብረየሱስ

ዓሰርተ ዓመት መጻወቲ ኰይኑ ስጋ ቐላቲ! ናይ ካምፓስ ትምህርተይ ዛዚመ ምምህርና ሳዋ ካብ ዝምደብ ዓስራይ ዓመተይ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ካብ ዝመውት ዓስራይ ዓመቱ፡፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ከምዚ ቅነ፡፡ ሓደ ከቢድ መርድእ ኣብ እዝነይ ‘ዱብ!’ ክብል ተፈሊጡኒ፡፡ ንሓደ ዝፈትዎ ሓወይን ገዲም መማህርተይን ኣቦኡ ዓሪፉ፡፡ ዓለም ምምህርና ካብ ንጅምር ወርሒ ንግበር ኣይንግበር፡ ኣብ ሳዋ ምሳይ ኣሎ፡፡ ይትረፍ ንሱ ወላዲኡ ውን ብንኡሱ እዩ፡፡ ሽዓ ግዜ ሓምሳ እንተረጊጹ መን ከምኡ፡፡ መርድእ ኣብ ኢደይ ብምምጻኣ ሕርብት ኢላትኒ፡፡ ኣብ ውሽጠይ ዝሓዝኩዎ ንገር ንሰብ ከካፍል ግዴታ ነይሩ፡፡ ፈለማ ንሓደ ካብ መዳቕስተይ ሕሹኽ ኢለዮ፡፡ ብቐረባ ክፈልጦ ዝኽእልን ማይ ዝሰተየን ሰብ ከናዲ ከም ዘለኒ ሓሳብ ወሲኹኒ፡፡ ከምቲ ዝበሎ ንስድራቤት መሳርሕትና ብንዳ’ዲኡ ብቐረባ ዝፈልጥ መሳርሕቲ ረኺብና፡፡ ከይደ ዘሎ ነገር ሓቢረዮ፡፡ ሰምቢዱ፡፡
ጸኒሑ፡ ፈኸም ክብል ዝቐነየ ብስራት ጋህዲ ኰይኑ። ኣብርሃም ኣፈወርቂ ሳዋ ከም ዝኣተወ ብጋህዲ ተዘሪቡ፡፡ ንዓይ ግን ካልእ መርድእ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡፡ ስምዒተይ ብትንትን ኢሉ፡፡ ስለምንታይ’ስከ? እቲ ሞት ኣቡኡ ሓቢእናሉ ዘለና መሳርሕቲ ነብርሂሞ ክፈትዎ መዓት’ዩ፡ በቃ፡፡ ኣነ ውን ከምኡ ወይ ልዕሊኡ ብደርፍታት ኣብርሂሞ ጽሉል ነይረ (ዋላ ሕጂ! ሙድ ናይ ሽዑ ግን ሎሚ ምሳይ የሎን፡ ፍቕሪ መዛሙሩ ሒዝካ ዘዘው’ዩ በስ፡፡)
ሽዑ ምሸት እንዳ’ዋልድ፡ ንጽባሒቲ ነወዳት (ኣብ ‘ስቴጅ)፡ ቀጺሉ ሰንበት ንመኰንናት ኣጸልል ቀንዩዎም፡፡ ኣነ ግን ከም ሰበይ ክጽለል ኣይከኣልኩን፡፡ ኣብ ህይወተይ ካብ ዝኸሰርኩዎም ዓበይቲ ነገራት ሓደ፡፡ ኣነ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ወላዲኡ ከም ዝዓረፈ ዘይፈለጠ ዓርከይ ካብ ምርኢት ኣብርሃም ከታርፎ ብዙሕ ተጋዲለ፡፡ ኣይሰመረለይን፡፡ ኣብ ሞንጎ ኣብርሂሞን ተማሃሮን፡ “ንስኹም ሓላለይ!! “ንስኻ’ባ!!” ክባሃል ከሎ ኣብኡ – ኣብ ‘ስተኤጅ ነይሩ፡፡ (ዶናታት ዕስራ ዙር “ፍሽኽታ ኣመለይ” ብዝብል ደርፊ ክምጅንና ከለዋ ኣብቲ ከባቢ ነይረ፡፡ ምስ ሓደ ዝፈልጦ ኣባል (ዓላማይ) ተመሳጢረ ዝኸድኩዎ ሓውሲ ብልሽውና እዩ። ቀልጢፈ ግን ናብ ቦታይ ተመሊሰ፡፡ መርድእ ዝኣክል ንብረት ተሰኪመ ምንባረይ ግዲ ኰይኑ እቲ ሙድ ኬፍ ኣይሃበንን፡፡)
ቀዳም ለማናይ ማዕጥቖኡ ከይፈትሐ ሸበድበድ ኰይኑ፡፡ ንመሳርሕትና ዓዲ ዘብጽሕ መንቀሳቐሲ ክንልምነሉ ነይሩና፡፡ ወዲ ጉዑሽ ዝባሃል ካብ ስታፍ ምምሕዳር መምህራን እቲ ነገር ምስ ሰምዖ ሓዚኑን ርዒሙን፡፡ ዝኸበደ ጉዳይ መንቀሳቐሲ ዘይኰነስ መጕዓዝያ ምዃኑ ብግልጺ ሓቢሩና፡፡ ሰንበት በሎ ሰኑይ፡ እታ እንኮ ካብ ሳዋ ናብ ኣቝርደት/ከረን ትኸይድ መኪና፡ እዛ ንበዓል ኣብርሃም ትወስድ ንእሽተይ መኪና ጥራይ ምህላዋ ነጊሩና። ብዝኾነ ወዲ ጉዕሽ ብዝመርሓና መሰረት ንመሳርሕትና መንቀሳቐሲኡ ኣውጺእና ኣብ ኢድና ሒዝናዮ። ወዲ ጉዕሽ ብመሰረት ዝኣተወልና ቃል ድማ ምስ ነጸርኣብ ሻውል ምሕዝነት ብምህላዉ፡ እቲ ኣቦኡ ዝንገር መምህር ምስታ ጉጅለ ባህሊ ንኽሳፈር ባይታ ባይታ ኣጣጢሑ፡፡ ከምኡ ድማ ከይኑ፡፡
ኣብርሂሞ ሰለስተ መዓልቲ መመላእታ ንሳዋ ኣመጅንን ቀንዩዋ ( ብዘይ ንሱ እቶም ናይ ሽዑ ዕስራ ዙር ዝባሃሉ ተማሃሮ ጃናታት ዝበዝሑዎም እዮም ዝነበሩ – ግን ድማ ፍቕሪ ብኣካሎም!) ሰኑይ ወጋሕታ ንቐል ኰነ፡፡ ንዓና ድማ ጐኒ ጐኑ ካልእ ስራሕ ነይሩና፡፡ ንመሳርሕትና ገዝኡ ክሳብ ዝበጽሕ እንታይ ኢልና ከም ነርድኦ ጨኒቑና፡፡ እንተዀነ ነዲኡ ዝወለዳ ዓባዩ ብሂወት ምህላወን በጺሕናዮ፡፡ ኣብ ዘይመዓልተን ቀቲልናየን፡፡ ኣብርሂሞን ወዲ ሻውልን ውን እቲ ምስኦም ዝጓዓዝ መምህር መዋቲ ኣቦኡ ምዃኑን ብዓባዩ ተነጊሩ ምህላዉን ተሓቢሩዎም።
ምስቲ ለባም ካልኣየይ ኴንና ሰኑይ ጋሕጋሕ ካድ ድቃሱ ኣተሲእናዮ፡፡ ናይ ድሓን ዘይምዃንና ነቢቡና፡፡ ከየሻቐልና ደርጒሕናሉ፡፡ ዓባዩ ከም ዝዓረፋን ሓዘን ኣመኽንዩ ኣዕሪፉ ክምለስ መንቀሳቐሲ ከም እተሰርሓሉን ምስዛ ናይ ብዓል ኣብርሃም መኪና ክኸይድ ምዃኑን ድቦላ ወዲቕናዮ፡፡ ብሞት ዓባዩ ጉህይ ኢሉ፡፡ “እዋይ ዛ ዓባየይ!! ኪሎ ቡን ኳ ከይገዛእኩላ!!!” ብምባል ኣማሪሩ፡፡ ንዓባዩ ዘለዎ ሕልምን ፍቕርን ክንድዚ ካብ ኰነ ኣቡኡ ምዃኑ ምስ ፈለጠ እንታይ ከም ዝኸውን ገሚተ ተደፋነቕኩ፡፡ ኪሎ ቡን ክብል ሓቁ እዩ። ስራሕ ካብ ንጅምር ክልተ ወርሒ ዘይመላእና ዩኒቨርሲቲ ሰርቪስ ኢና – ደሞዝና 441 ናቕፋ፡፡ ገንዘብ ዝባሃል ነገር ግን ኣይጠዓምናን ኔርና ክሳብ ኣብርሃም ናብ ሳዋ ዝወርድ፡፡
ኣብ መንገዲ ሳዋ-ኣስመራ፡ ኣብርሂሞ ንመሳርሕትና
“ድራር ኣይሰኣንኩን ኣይጠመየን ከብደይ
ኣይዓረቐን ዝባነይ
ናብራ ኣየድክመንን’ዩ
ክስከም’የ ሽግረይ ከም ዓቕመይ እዩ ባህገይ
ፍቕሪ ‘ንተ ጎደሎ’ዩ
ዘይማሙቕ ልበይ ዘይረግእ መንፈሰይ”
ብምባል ሞት ጥራይ ዘይኰነ ፍቕሪ ከይከስር፡ ፍቕሪ ከይጐድሎ እናተሻቐለ ግን ካኣ ሞራል እናሃበ፡ እናመኸረ ዘሳለዮ መሲሉኒ፡፡
“ዘመስግን’ዩ ሕጉስ
ዝዕገስ’ዩ ለባም
ዘዋህልል’ዩ ሓያል…” እናበለ ተስፋ ንኸይቈርጽ ብርትዐ ዘስነቖ ክኸውን ተመንየ – ኣብርሂሞ ንመሳርሕትና፡፡
“ምሳይ የለኽን
ዝብሎ ክትሰምዒ ሓልዮተይ ክትቀስሚ
ለካ ከምዚ እዩ
ጽባሕ ክንብል ዘምልጠና ሎሚ”
ብምባል ኣቦኡ ንሓዋሩ ምስንባቱን ኦሮማይ ንጽባሕ ብሞራልን ሓይልን ክጋፈጣ ከም ዘለዎን፡ እናደዓዓሶ ዝተጓዕዘ መሲሉ ተሰሚዑኒ፡፡
ብሓቂ ብዙሕ ኣይተጋገኹን፡፡ ካብ ሳዋ ምስ ተበገሱ ሰላም ተጓዒዞም (መሳርሕትና ገዛ በጺሑ ምስ ተመልሰ ብዘዘንትዎ መሰረት።) ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ከረን በጺሖም፡፡ ንምሳሕ ካብ መኪና ወሪዶም፡፡ ኩሎም ኣባላት እታ ጉጅለ፡ ብፍሉይ ድማ ኣብርሂሞን ነጸርኣብን ንመሳርሕትና ፍሉይ ክንክን ይገብሩሉ፡፡ ዘብልዑዎን ዘስትዩዎን ጠፊኡዎም። ኣብ ጁባኡ ብሓይሊ፡ ገንዘብ ወታቲፎምሉ፡፡ ብዝድብሱዎ ጠፊኡዎም፡፡ ብዝዀነ ቈራሪሶም ጉዕዞ ናበስመራ ቀጺሎም፡፡ ብሰላም ኣትዮም፡፡ ካብ ኣስመራ ውን ከይሓደረ ክቕጽል ስለዝነበሮ ብናቶም መኪና ገዝኡ ከብጽሑዎ ብፍቕሪ ተማሕጺኖሞ፡፡ ተሰኻኺፉ ይመስል፡ ኣቕቢጹዎም፡፡ ምስ ተመልሰ ከይረኸቦም ናብ ሳዋ ንኸይወርድ ናይ ቁጽሪ ቴለፎኖም ሂቦሞ ተሰናቢቶም፡፡ ሓዘን ወላዲኡ እናሰላሰለ ውዑይ ዜና ኣብ እዝኑ መጺኡ፡፡ ቅድሚ መዓልታት “ኣስመራ ምስ ተመለስካ፡ ከይረኸብካኒ ሳዋ ከይትኸይድ” ኢሉ ዝተማሕጸነ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ቆጸርኡ ረሲዑ ንሓዋሩ ገይሹ፡፡
“…ዘይፍለየኒ ሰብ ዘኪረ
ሎሚ ምሳና ዘየለ
ክምህር ኢሉ ከም ዝተፈጥረ
ትርጉም ኣዊጃ ሂወቱ
ኣብ ክንዲ ሂወት ጥበብ ምስ ኣፍቀረ”
ኢሉ ምንባሩ ይድንጽወኒ ጥራይ፡፡ ንገለ ጥበባዊ ተልእኾ ከይዱ ከይከውን እሓስብ ሓንሳብስ! ኣብዚ ሰሙናት ሳዋ ሕምስ ኢላ ቀንያ፡፡ ናይ ሳዕስዒት ድኻሞም ከይወጸ፡ ዕላሎምን ዝኽሮምን ከይሃሰሰ፡ ትዝታ ከይተባህለ፡ ዝቐነዩ ተማሃሮ ሕቖኦም ተሰይሩ፡፡ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ገለስ ዳርጋ ሰሙን ንስሙ ክላስ ኣቲኻ ምውጻእ ኰይኑ፡፡ “ኣነ ኣምላኽ እንቃዕ ኣይኰንኩ፡ ኣብርሃም ኣፈወርቂ እናሞተ ኢደይ ኣጣሚረ ኣይምረኣኹዎን” ኢለ ሽዑ ብልበይ፡፡ ሰብ ምዃን እናኸበደንስ ካልእ ምምጥጣረይ፡ ከይተወልዱ ዝተኾልፉ ኣእላፍ ሕልምታት ኣብርሂሞ ምንባሮም ርግጸኛ ምዃነይ ዘልዕሎ ጣዕሳን ብስጭትን እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን፡፡
6/10/2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleእተን ጠያይት መስከረም
Next Article ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?