Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ግጥምታት»ሰራሕተኛ ጽሬት

ሰራሕተኛ ጽሬት

1
By Mekonnen T. on July 5, 2014 ግጥምታት
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

እቲ መረጼን…
መስመስ ክብል መታን
ናብ ቤተመንግስቲ ንኸእቱ ብርሃን
ወግሐ-ጸብሐ ትጽመዲ ኣብ ዕዮ
ሓንሳብ ዘይኰነውን ትደጋግምዮ።
እቲ ጐሓፍ
ዘይመስለኪ ጐሓፍ!

ካብቲ መጋረጃ
ካብቲ ጠረጴዛ
ንደሮና ርኢኺ ከም ኣበር
ትነጋግፍዮ ካብቲ መንበር፡
ትደራርዝዮ ንምድሪ-ቤት
ክሳዕ ዘንጸባርቕ ከም መስትያት፡
እቲ ጐሓፍ
ዘይመስለኪ ጐሓፍ!!

ኣብቲ መንበር ተዀዲሙ ዘሎ
እንታይ ከሊልዎ ዓይንኺ ከይርእዮ!
ጐሓፍ’ንዲዩ ጐሓፍ ብዓቢኡ
ጠንቂ ሕማም ንሞት ጸዋዒኡ!

ኣቃጽልዮ ከይብለኪ ነቲ ህንጻ
ስለ ዝረኣኹዎ ረሲሑ ከርሰሖ
‘እንታይ ገበረ ዝባኽን እቲ ጸጋ
ጽባሕ ተመሊሰ ንዝሰርሖ።’
ኢለ ልቢ ኣዕቢየ
ናባኺ ኣውዲቐዮ ናትኪ ተጸብየ።

ሰራሕተኛ ጽሬት ናይ ቤተመንግስቲ
መን’ዩ ዓዲሉኪ ክንድዚ ትዕግስቲ
ኣብ ኢደይ ዘየሎ
ኣብ ኢድኪ እንድዩ ዘሎ!

ሓደው ምስቲ ግዕዘ ጽረግዮ
ሓደው ከኣ ስራሕ ግደፍዮ
ነቲ ጐሓፍ ጐሓፍ ይብለዓዮ።

ብርሃነ ገብረሂወት

12/10/2013

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ ጋሻ ውሕጅ’ዩ
Next Article ደሓን ኩኑ
Mekonnen T.

Related Posts

ኣበሳ ኵናት

November 28, 2020
Read More

ከመዓልካ ፈጣሪ!

November 22, 2020
Read More

“ኣብኡ ‘ሓይሽ”

November 22, 2020
Read More

1 Comment

  1. shishay on July 6, 2014 11:47 pm

    ብርሃነ ከምቲ ልሙድ፡ ደስ ተብል ግጥሚ!!!! እንታይ ክንብል ኴንና!

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?