Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 25, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 101  ክፋል

መቸም ንእሽቶ ኵሉ ግዜ ንእሽቶ’ዩ። ካስትሮ ሰይጣን ኣይስማዕ ሕማም የብሉ መንደፍ የብሉ ሰውራዊ ግቡኡ እናፈጸመ ከሎ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ግን ዕድመ ምድፋእን ጥዕና ምስኣን ከይኣኽለን ሕፍሰት ነፍሲ ተወሲኹወን ደልዓስዓስ ክብላ ጀመራ። ምስቲ ዅሉ ናይ ሓኪም ሓበሬታ ግን ብዛዕባ ጥዕናአን ግቡእ ጥንቃቐ ይገብራ ኣይነበራን። ብቡን ጽልልቲ እየን ነይረን። ኣብቲ ገዛ ሮዛ ኸላ ቡን ክፈልሕ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ። ጽርሃ’ውን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዋ እዩ። ንሰን ግን መታን ቡን ክሰትያ፡ ምኽንያት እናፈጠራ ኣብ እንዳ ፈተውተን ዘወር ይብላ ነይረን። እዚ ድማ ጽቡቕ ኣይሃበንን። ክልተ መዓልቲ ኣብ ሃለፍታ ስለ ዝኣተዋ ብታክሲ ተጸይረን ንሆስፒታል ከይደን’አየን። ብድሕሪኡ ብመምርሒ ሓኪም ካብ ገዛ ከይንቃሳቐሳ ስለ ዝተሓረማ ህይወት ትርጕም ሰኣናላ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ገዛ ደቂሰን ወይ ኮፍ ኢለን ምውዓል ኣጽሊኡወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሳዕቤን ሰብነተን መሊሱ ሓፊሱ ጋሕፈፍ ጋሕፈፍ በላ። ሳሕቲ ገለ መሓዙተን ቅልቅል ኢለን የዕልለአን’ኳ እንተ ነበራ፡ ብጽምዋን ተነጽሎን ግን ክጻወርኦ ኣይከኣለን።

እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ ሮዛ ዓቕማ ዘፍቀዶ ትከታተለን ነይራ። ወልፊ ቡን ክሳዕ ዝርስዖኦ ብሓበሬታ ናይ ገለ ሰባት ስገም እናቘለወት ከተስትየን ጀሚራ። ጽቡቕ’ውን ለሚደንኦ። ብኸም’ዚ ቀትሪ ብጽምዋ ተጠቒዐን ቅጭ መጺኡወን ከም ዘይወዓለ መሬት ምስ መስየ ቡን ስገም ይስትያ’ሞ ተፈሲሁወን የምስያ።

ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ዶክተር ኣብርሃም ሮዛ ካብ ስራሕ ኣትያ ቡን እናቐራረበት ከላ ኤልሳ ኣርከበታ። ወ/ሮ ገብርኤላ ኣብ ዓራት ጎቦ ኮይነን ኣወል ቡን እናሰተያ ከለዋ ሓንቲ ወደን ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሽምግል ዝበላ ቤተሰብ ክበጽሐአን ሕውስ በልአን። ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናአን ሓቲተን ምስ ወድኣ፡ “መዓስ ደኣ ተመሊስኪ ካብ ዓዲ?” ክብላ ሓተትአን ወ/ሮ ገብርኤላ መተርኣሰን እናመቻቺአ እናተጸግዓ።

“ቅድሚ ሳልስቲ’ንድየ መጺአ። ቀልጢፈ ከይርእየኪ ኸኣ ሰብኣይ ካን ጥዕና ስኢኖምኒ ኣብ ሃለኽለኽ’የ ወሪሐ።”

“ከመይ ደኣ ገይሩዎም ጓለይ?

“ሎምዘበን እፈርሕ ኣለኹ፡ ጥዕና ኣይረኸቡን እፈርሕ ኣለኹ።”

“ምሕረት የውርደሎም በሊ። ጕዳይ ገዛኸ እንታይ ገበርኪ፡ ተወዲኡዶ?” ሓተታ ወ/ሮ ገብርኤላ፡ ኣብ ዓዲ ዝተጀመረ ገዛ ከም ዝነበረን ስለ ዝፈልጣ።

“ገዛ ኣብ ምውድኡ’ዩ ጣጣኡ ዝበዝሓካ ገብርኤላ። ሕጂ ግን ተመስገን ኣምላኽ ወዳዲአ መጺአ’ለኹ። ኣብርሃም ወድኺ ቅድሚ ምእሳሩ’ንድዩ ተጀሚሩ። ንዑኡ ከሳልጥ እንታይ ተረኽበ ስለ ዘይበልኩኺ ወሪሐ. . .” ኢለን ዘረባአን ከይወድኣ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ብስንባደ ልበን ጠሊማተን ካብ ዓራተን ክወድቃን ሓደ ኮነ። ሮዛ ቡን ሰኽቲታ ጸኒሓ ብድድ ብምባል ናይ ጐረቤቶም መኪና ለሚና ንሆስፒታል ኢናይል ተጓየየት። ኣብ ሕክምና ከይበጽሓ ስለ ዝዓረፋ ግን ዝግበር ነገር ኣይነበረን። ሓኪም ርእይ ምስ ኣበለን ከም ዝሞታ ስለ ዝፈለጠ፡ ንሓደ ካብቶም ምስ ሮዛ ንመሰነይታ ዝመጽኡ ሰባት ጸዊዑ ሞተን ኣርድኦ።

ሞት ወ/ሮ ገብርኤላ ብፍላይ ንሮዛ ዓቢ ጕድኣት ነይሩ። ኣዲኣ፡ መሓዛኣ፡ ሓውታ፡ መማኽርታ ኵሉ እየን ነይረን። ስለዝኾነ፡ ሓዘና ብሓቂ መሪር ነይሩ። ደም ከኣ ነቢዓትለን። በጻሒ ዝኾነ፡ “እምበርዶ ብድሕሪአን ሰብ ክትከውን’ያ” ክብል ቀነየ። ብዙሓት ቀደም ብወሰን ወሊዳ ኢሎም ዝሓምዩዋ ዝነበሩ ድሒሮም ግን ብዛዕባ’ቲ ምስጢር ዝፈለጡ ሰባት ከይተረፉ ኣዝዮም ደንገጹላ። ዳስ ፈሪሱ ሓዘን ብወግዒ’ኳ እንተ ተዓጽወ፡ ሮዛ ግን ሓዘና ብኣጋ ክትርስዖ ኣይከኣለትን። ምእባድ ኣብያ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ጸሊም ተኸድነት። ኣብ መበል ራብዓይ ወርሒ ኤልሳን ካልኦት መሓዙታን ኮይነን ኣለዉ ዝብሃሉ መላእኽቲ ብምጽዋዕ ኣብ ብርካ ወዲቐን ለመናኣ። ንዓታተን ደስ ክተብል ከኣ ነቲ ጸሊም ክዳና ደርብያ ሒና ክትወብእን ክትምሸጥን ተገደደት።

ሮዛ፡ ማእሰርቲ ኣብርሃም ከይኣክል ሞት ወ/ሮ ገብርኤላ ተወሲኹዋ ንበይና ተረፈት። ኤልሳ ንባዕላ ዘተባብዓን ኣብ ጐድና ደው ዝብልን ሰብ ትደሊ ነይራ። ሮዛ ሓዘና ምስ ረስዐት፡ ተስፋ ከይቈረጸት ነብርሃም ብመንገዲ ሺፈራው ክተፍትሖ ዝጀመረቶ ጕዳይ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ንምፍላጥ ሓደ ንግሆ ናብ ሓሙሻይ መደበር ተበገሰት። ክትረኽቦ ግን ኣይከኣለትን። ኣበይ ክትረኽቦ ከም ትኽእል ምስ ሓተተት፡ ኣብ ኣፍደገ ንሓለዋ ዝቘመ ወተሃደር፡ “ሻምበል ንባረንቱ ስለ ዝተቐየሩ ክትረኽብኦም ኣይትኽእላን ኢኽን፡” በላ። በቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ እናሓዘነት ገጻ ክትግልብጥ ከላ፡ “ጽንሒ በላ ነታ ሰበይቲ፡” በለ ሓደ ወተሃደር ካብ ገበላ ናይቲ መደበር። ብቕልጣፈ እናሰጐመ ናብኣ ብምቕራብ ድማ፡ “ሻምበል ንባረንቱ ቅድሚ ምኻዶም ዝገደፉልክን’ያ፡” ኢሉ ሓንቲ ደብዳቤ ኣቐበላ።

ኣብ ሳልስቲ ድሕሪ ሞት ወ/ሮ ገብርኤላ ዝተጻሕፈት ኮይና፡ ኣዝያ መራር ናይ ፍቕሪ ደብዳቤ’ያ ነይራ። ሮዛ ግን ንዑኡ ሓዲጋ ናብቲ ዘገድስ መልእኽቲ ሰገረት። እታ ደብዳቤ፡ ሺፈራው መዓርግ ወሲኹን ኣባል ኢሰፓ ኮይኑን ንባረንቱ ከም ዝተቐየረ፡ ጕዳይ ኣብርሃም ተወዲኡ ከም ዘሎ፡ ኣብ ባረንቱ ኮይኑ ድማ ምክትታሉ ከም ዘየቋርጽ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብመንገዱ ከም ዘጻረዮ ግን በዓል ኣስናቀ፡ ዶክተር ኣብርሃም ሓሙታ ምዃኑ፡ ቀንዲ በዓልቤታ ወንበዴ ከም ዝኾነ፡ በላይ ከኣ ከም ዝወለደላ ስለ ዝፈልጡ፡ ብዛዕባ ዶክተር ኣብርሃም ክትሓትት ኢላ ናብ ማርያምግቢ ምኻድ ንዓኣ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ወዘተ ዝብል ሓበሬታ ነይሩዋ። ብምሉኡ እቲ ሓበሬታ ባዕሉ ዝኣከቦ ኮይኑ፡ ሮዛ ካብ ቍጽጽሩ መታን ከይትወጽእ ተጠቒሙሉ’ምበር ኣስናቀ ብዛዕባኣ ብደቂቕ ዝፈልጦ ጕዳይ ከም ዘየሎ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነይሩ። ሮዛ ነቲ መልእኽቲ ብድርብ ስምዒት’ያ ኣንቢባቶ። ብጕዳይ ኣብርሃም ተስፋ ኣብ ምቝራጽ ደረጃ በጽሐት። ካብ ኤልሳ ሰቲራቶ ድሕሪ ምቕናይ ድማ ኣብ ሰሙኑ ከይፈተወት ክትነግራ ተገደደት።

ኤልሳ፡ ጕዳይ ሰብኣያ ኣብ ዕጹው መንገዲ ዝበጽሐ ኮይኑ ተሰምዓ። “ብዓንተቦ’ውን ተስፋ ሂቡኒ’ሎ ስለ ዝበልክኒ’ምበር፡ ኣብዚ ዓዲ ገንዘብ ከየውጻእካ ዝሰልጥ ነገር የሎን። ኣነ ኸኣ ኣብዛ ጨካን ዓለም ብዘይካ ኣብርሃም መን ኣሎኒ? ቈልዓ የብለይ ቍልዒት የብለይ። ካባይ ዝጽበዩ ስድራ’ውን የብለይን። ዝኸፈልኩ ከፊለ፡ መሬት በንቊረ ነብርሃም ከውጽኦ’ለኒ፡” በለታ እናስቈርቈረት።

“ሮዛ ብኵነታታ ሓዘነት። ትህወኽ ዘላ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ “ሓንትስ ኣብርሃም ካብ ማእሰርቲ ዝወጽኣሉ ይኹን’ምበር ገንዘብ ምኽፋል ብዙሕ ጸገም ኣይምኾነን ነይሩ። ብገንዘብ ክትፍትን ከለኻ ግን ንዝፈልጡ ሰባት ሓቲትካን ጥንቅቕ ኢልካን ኣጽኒዕካን ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ገንዘብካ በሊዖም ብጥራጥካ ዘይስሕቁ’ውን ኣለዉ፡” በለታ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብወረ ዝሰምዓቶ ጕዳይ ዘኪራ።

ኤልሳ ግን፡ “ደሓን ኵሉ ናባይ ግደፍዮ ሮዛ ሓውተይ። ንስኺ ዓቕምኺ ጌርኪ ኣለኺ። ኣነ ግን ነብርሃም ካብ ማእሰርቲ ከየውጻእኩዎ ከም ዘይድቅስ ፍለጢ፡” በለታ ከንፈራ እናነኸሰትን እናስተማሰለትን።

ኣቦኣ ብመንገዲ ዝፈልጡዎም ሰበስልጣን ኣቢሎም ኣብርሃም ዝወጽኣሉ መንገዲ ሃሰስ እናበሉ ከለዉ ኤልሳ ብወገና ዝኾነ ሰብ ከይፈለጠ ብብላዕ ክተውጽኦ ፈቐዶ ቤትጽሕፈት ድህንነት፡ ፓሊስ፡ ኢሰፓን ክፍለሃገርን ኰለል ክትብል ድከታ ሰተየት። ኣብ ኢዳ ዝነበረ ገንዘብ ወዲኣ ክተብቅዕ ስልማታ ሸጠት። ቍሩብ ጸኒሓ ካብ ስራሓ ለቓሕ ሓቲታ። ፍርቂ ደሞዛ ጥራይ ትወስድ ከም ዘላ መሳርሕታ ነቦኣ ምስ ሓበሩዎም ንቲራቮሎ ጐየዩ። ምስ ሮዛ ኮይኖም ከረድኡዋ ፈቲኖም። ክትሰምዖም ግን ኣይከኣለትን። በንጻሩ ኣብ ተስፋ ከም ዘላ፡ ሓደ ሰብ ከኣ ምስ ኣስናቀ ዝበሃል መርማሪኡ ከራኽባ ተስፋ ሂቡዋ ከም ዘሎ ሓበረቶም። ኣማራጺ ኣይነበሮምን ኣብ ኢዶም ዝነበረ ገንዘብ ኣስኒቖማ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። ብህይወት ዘየሎ ሰብ ክምለስ ስለ ዘይክእል ግን እቲ ኵሉ ገንዘብ ብኣባይ ተበሊዑ ተረፈ። ዝኾነላ መሲሉዋ ዘረባ ሰብ ኣይሰምዐትን ነቲ ጕዳይ ኣትያቶ። ክትዕወት ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ዘይተጸበየቶ ምምርሳሕ ኣስዒቡላ።

ድሕሪ ሰሙን፡ ኣብርሃም ምስ ተኣስረ ኣብ ዓመቱ ምዃኑ እዩ፡ ኤልሳ ሰብኣያ ድሕሪ ሳልስቲ ክፍታሕ ምዃኑ ንሮዛ ኣበሰረታ። ሮዛ ሓጐሳ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። ንጽባሒቱ ተሓጋጊዘን ገዛ ከጽርያን ክዳውንቲ ክሓጽባን ድሕሪ ምውዓል ለይቲ ምውጋሕ ኣብዩወን ጕጅም ክብላ ሓደራ። ሮዛ ደሃይ ቈልዑ ገይረ ክመጽእ ኢላ ንገዛኣ ምስ ከደት፡ እግሪ እግራ ኣቦ ኤልሳ ካልእ ወረ ሒዞም ምስ ሓደ ካልኣዮም ኣብ እንዳ ጓሎም ኣተዉ።

ኣብርሃም ከም ዝሞተ ካብ ዝሰምዑ ሓሙሻይ መዓልቶም ነይሩ። ምስ ሰብ ክመኽሩ ቀንዮም ከኣ ክነግሩዋ ወሲኖም። ሽዑ መዓልቲ ክመጽእ’ዩ ኢላ ዘድሊ ምድላዋት ከም ዘይገበረት፡ ሞት ኣብርሃም ምስማዕ ዓቢ ረጽሚ ኮና። ሰብ ምሓዝ ክሳዕ ዝስእና ጸጒራ ነጽያ፡ ብኣውያት መሬት ነቕኒቓ፡ ኣዒንታ’ውን ከም ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ማይ ንብዓት ዛርየን። ሮዛ ሰዓት ትሽዓተ ናብ ኤልሳ እንተ ተመልሰት ሰብ ተኣኪቡ ምስ ረኣየት ብኽያታ ዳሕድሓቶ። ሞት ኣብርሃም ብወግዒ ስለ ዘይተነግረ ካልእ ሳዕቤን ከይመጽኦም ዝፈርሑ ኣቦ ኤልሳን ሰባትን ግን ስቕ ከም ትብል ገበሩዋ። ንኤልሳ ድሮ ብኽያት ከም ተቋርጽ ገይሮማ’ዮም። ወለደኛ ዝኾነ ድማ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኮይኑዎ ብሰላሕ መላሕ ክበጽሕ ቀነየ።

ኤልሳ፡ እኽለማይ ተሓሲማ ምቕናያ ከይኣክል ዝረባ’ውን ፈጺማ ኣቋረጸት። ሮዛ ይኹን ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናብ ነፍሳ ክመልሱዋ ዝገበሩዎ ፈተነ ኣይተዓወተን። ገጻ ጸሎሎ መሲሉ ናብ ኣስከሬን ተቐየረት። ብዘይካ ሓሮሮ ቡን ካልእ ነገር ምልካፍ ስለ ዝኣበየት፡ ኣካላታ ብድኻም ተሰኒፋ ሽንቲ ማያ ክትደፍእ ምኽኣል ሰኣነት። ከም ሳዕቤን ከኣ ንሮዛ ጾር ኮነታ። ኣብ ሰሙና ቍሩብ እንጌራ ክትለክፍ’ኳ እንተ ጀመረት፡ ኣብ ጽላለ ኣድሂቡላ በይና ክትዛረብ ጀመረት። ኣብ መንደቕ ንዝነበረ ስእሊ ኣብርሃም ኣንቃዕሪራ እናጠመተት፡ “ኣንታ ብሩኽ ኣሚነይ! ክትጥለም ዘይግብኣካ ጠሊመካ! ዝኾነለይ መሲሉኒ ምእንታኻ ነፍሰይ ኣራኺሰ፡” ትብሎ ነይራ። ሰብነታ ምሕጻብ ኣብያ ክዳና’ውን ምቕያር ኣበየት። ነፍሳ ኣብ ዘይትኣልየሉ ኵነታት ምስ በጽሐት፡ ኣቦኣ ኣብ ጀርመን ናብ ዝነበረ ወዶም ሒዞማ ተበገሱ። እታ ቀትሪ ኣብ ስራሕ፡ ለይቲ ድማ ንዓኣ ክትሕልዉ መስተርሆት ስኢና ዝነበረት ሮዛ ድማ ትንፋስ ረኸበት።

ዓለም መደቀሲ የብላን ክብሃል ግን ሓቂ እዩ። ንሮዛ ዝኸውን ሓድሽ ሕማም ርእሲ ኣይተሳእነን። ፍረወይኒ ድሮ ጓል ዓሰርተ ኣርባዕተ ቀሪባ ጕብዝና ክስምዓ ጀሚሩ ነበረ። ብፍላይ ሮዛ፡ ንኤልሳ ክትሕሉ ደቃ ሓዲጋ ምስኣ ትሓድረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ቍሊሕ ዝብላ ስኢና ቀይዲ በተኽ ክትከውን ዕድል ስለ ዝረኸበት፡ ኣብ ዝወዓለት ውዒላ፡ ኣብ ዘምሰየት ከኣ ኣምስያ ምሕዳራ ንገዛኣ ትኣቱ። ቀቅድሚ ምድቃሳ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢ መስትያት ዝነበሮ ከብሒ ደው ብምባል ሙዚቃ ወሊዓ ሓድሽ ዝረኣየቶ ሳዕስዒት ክትለማመድ ተምሲ። ክትድቅስ ክዳውንታ ምስ ኣውጽአት፡ ዒራ ቀደም ዝደቀሰ መለስ ሓዋ ስለ ዘይርእያ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዓቢ ምስትያት ደው ኢላ ንቕርጺ ኣካላታ ትዕዘብ። ሓንሳብ ንእግራን ንሰለፋን፡ ገጻ ጠውያ ንመቐመጫኣ፡ ጸኒሓ ድማ ነተን ከክንዲ ኵዕሶ ተኒስ ዝኣኸላ ኣጡባታ ትዕዘበን። ምስ ዕድመኣ ክርአ ከሎ ጽቡቕ ምዕባለ’ኳ እንተ ነበረን፡ ኣጸቢቐን ኣይዓበያን ዝብል ግምት ስለ ዝነበራ፡ ብኽልተ ኣእዳዋ ደጊፋ ብምዕታር ንላዕሊ ሓፍ ኣቢላ ትመዝነንሞ ብኣሉታ ርእሳ ትንቕንቕ። ብጸጕራ ዝመጽአ ከም ንውሓቱ ይኹን ምልስላሱ ዕግብቲ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ካብቲ መስትያት ርሕቕ ኢላ ገጻ ጠውያ ንደሶኣ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ንምሉእ ቅርጺ ኣካላታ ትዕዘብ።

ንእሽቶ ምዃን ጥዑም’ዩ። ንኽልተ ወርሒ ናጻ ኮይና፡ ኣሎ ኣብ ዝብሃል ቦታታት ብምኻድ ናይ ንእስነት ህይወት ኣሕሊፋ። ምስ መሓዙታ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ስሒቓ፡ ተጻዊታ፡ ኮታ ዝኣኽላ ዓንዲራ። ናይ ሸብዳዕዳዕ ግዜ ተወዲኡ ናብ ስሩዕ ህይወት ምእታው ምስ ኮነ ግን ኣብ መንጎ ኣደን ጓልን ብቐሊል ዘይግመት ምፍሕፋሕ ተጀመረ።

ሮዛ፡ ጓላ ከም ዝጐበዘት ከይፈለጠት ከም ቈልዓ ክትእዘዛ ክትደሊ ከላ፡ ፍረወይኒ ግን በቲ ሓደ ዕድመኣ ስለ ዝእዝዛ፡ በቲ ኻልእ ድማ ብሓደ ተሞክሮ ስለ ዝሓለፈት ምጽዓድ ክትኣብያ ጀመረት። ኣብ መጀመርያ ብቐሊል ነገራት ጀሚሩ ከይዓበየ ይፍታሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ጸጸኒሑ ግን ኣብ ምንህሃር የብጽሐን ነይሩ። ከም ሚዛን ክርአ ኸሎ፡ ሮዛ ነቲ ጕዳይ ብልዝብ ክትኣልዮ ክትጽዕር ከላ ፍረወይኒ ግን ናይ ዘይምቅዳውን መን ይእውደኒ ጠባይን ተርኢ ነይራ። ንሮዛ ከምኡ ዘግብራ ዝነበረ ምኽንያት፡ ከም ወላዲት መጠን ጓላ ንሜዳ ሃጽ ከይትብላ ስቱር ስክፍታ ስለ ዝነበራ’ዩ። ልክዕ ኣብቲ እዋን’ቲ ምስጢራዊት ኣባል ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኮይና ንኣሽቱ ስርሓት ትፍጽም’ኳ እንተ ነበረት፡ ደረጃ ንቕሓታ ግን በቲ ዝድለ መጠን ሰጒሙ ነይሩ ክብሃል ኣይክእልን። ነቲ ምውዳብ ጥራይ ከም ዝዓበየ ስራሕ ህይወታ ቈጺራ እያ ትጐዓዝ  ነይራ። ንጓላ ብዝነበራ ፍቕርን ሓልዮትን ተዓብሊሉ ክቕጽል ከሎ፡ ምስ ጓላ ዝነበራ ዝምድና ሰዓርን ተሰዓርን ዘይብሉ ኮይኑ ቀጺሉ።

ይቕጽል

መበል 102  ክፋል ዝመጽእ    ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleስኣን ጸሎት
Next Article ሕምምቲ መዓኰር
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?