Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 21, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 94 ክፋል

ሮዛ ንኤልሳ ኣደዓዒሳ ናብ ስራሕ ድሕሪ ምውፋር ደሃይ ኣብርሃም ክትሓትት ንሆስፒታል ደወለት። ብዘይካ “ኣብ ቤትጽሕፈቱ የሎን፡” ዝብል መልሲ ግን ካልእ ሓበሬታ ኣይረኸበትን። ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ ኣቐዲማ ስለምንታይ ናብ በላይ ንጉሰ ክትደውል ከም ዘይሓሰበት እናገረማ ናብ ስርሑ ቴለፎን ደወለት። “ድሕሪ ቐትሪ ንስራሕ ኣይኣተወን፡” ብል ሓጺር መልሲ ምስ ረኸበት ኵነታት ዶክተር ኣብርሃም ዝያዳ ስግኣት ፈጠረላ። እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል እናሓሰበት ከላ ቴለፎን ‘ጭርር!’ በለት። ብታህዋኽ መንጢላ ኣልዓለታ። ድምጺ በላይ ንጉሰ ነበረ። “በላይ’የ ሮዛ። ኣብርሃም ኣብ ማርያም ግቢ ኣሲሮሞ ስለ ዘለዉ ደሃዩ ግበሪ።፡ ቻው! ብጽቡቕ የራኽበና፡” ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ምስ ሰምዐት ኣእምሮኣ ተገላበጣ። ሓደ ዓሚል ናብኣ ቀሪቡ ገንዘብ ክሳዕ ዘቐብላ ምስ ቀልባ ኣይነበረትን። ካሳ ከፊታ ማልሱ ሃበቶ። በጋጣሚ ዘይገንዘቡ ዘይደሊ ሰብ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ ግን፡ “ማልሰይ ሰለስተ ቕርሺ ጥራይ እዩ’ዛ ሓውተይ፡” ኢሉ እናሰሓቐ ነቲ ብጌጋ ዝሃበቶ ዝያዳ ገንዘብ መለሰላ።

ናብ ልባ ተመሊሳ፡ ነብርሃም ክትረድእ ቦርሳኣ ብምልዓል ፍቓድ ሓቲታ ናብ ኣቦ ኤልሳ ተበገሰት። ኣብ ጥቓ ዓቢ መስጊድ ኣብ ዝርከብ መሳርሒ ህንጻ ዝሸየጦ ድኳኖም ምስ በጽሐት ዘጋጠመ ነገራት ሓበረቶም።

ገጾም ብቕጽበት ጸልመተ። “ኣብ ኢድ እዞም ኣረሜናትዶ ወዲቑ? እስኪ ኣምላኽ የጸብቆ፡” እናበሉ መሪሖማ ንደገ ብምውጻእ፡ መኪና ኣበጊሶም ጕዕዞኦም ናብ ማርያም ግቢ ገጾም ኣቕንዑ። ብዘይካ መንገዲ ኣምላኽ ሒዝካ ምኻድ ክፉእ ዘይፈልጡ ሄር’ዮም ነይሮም።

ነፍስወከፎም ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ጥሒሎም ዝኾነ ቃል ከየተንፈሱ ኣብ ማርያምግቢ በጽሑ። ንሮዛ ኣብ መኪና ሓዲጎማ ናብቲ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ኣፍደገ ንሓለዋ ደው ኢሉ ዝነበረ ዕጡቕ ወተሃደር ቀሪቦም ሰብ ተኣሲሩዎም ከም ዘሎን ደሃዩ ክገብሩ ከም ዝመጽኡን ሓበሩዎ ።

“መዓስ ተኣሲሩ፡ መንከ ይበሃል?” ክብል ተወከሶም።

“ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ እዩ ተኣሲሩ፡ ዶቶር ኣብርሃም ከኣ ይበሃል፡ ሰብኣይ ጓለይ እዩ’ዚ ወደይ፡” ኢሎም ብምምሽኻን መለሱሉ።

“ሎሚ እንተኾይኑ ተኣሲሩ መርመራ ክውድእ ስለ ዘይክእል፡ ስቕ ኢልኩም ኣይትድከሙ ኣይሰልጠኩምን’ዩ ኣባባ።”

“ቍሩብ’ከ ደኣ እንታይ ተማኽረኒ?”

ለዋህ ሰብ ግዲ ነይሩ፡ ወይ ዓቢ ኢሉ ኣኽቢሩዎም እዝጊሄር ዋናኡ፡ “መርማሪኡ ሓለቓ ሓምሳ ኣስናቀ እዮም፡ ሕጂ ግን የለዉን። ስለዚ ቅንይ ኢልኩም ተመለሱዎም፡” ክብል ብትሕትና መለሰሎም።

ፍሕሹው ኣቀባብልኡ ኣተባቢዑዎም፡ “ቍሩብከ እንታይ ኣቢስካ ኢሎም እዮም ኣሲሮሞ ዘለዉ?” ክብሉ ደጊሞም ሓተቱዎ።

ብግርህነቶም ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ኣየ ኣባባ! ናብዚ ቦታዚ ዝመጽእ ሰብ’ኮ ሌባ ወይ ቀታፊፊ ዘይኮነ ተሓባባሪ ወንበዴ ወይ ጸረ ኣብዮተኛ ዝብሃል ጥራይ’ዩ። ስለዚ ብስርቂ ከም ዘይተኣስረ ፍለጡ፡” ኢሉ መለሰሎም።

ኣብ መኪናኦም ተመሊሶም ኮፍ ብምባል፡ እንታይ ከም ዝሓይሽ ምስ ሮዛ ተመያየጡ። ጕዳይ ኤልሳ ብዙሕ ኣይምጸገመን። ወ/ሮ ገብርኤላ ግን ምስ ኵነታት ጥዕናአን ማእሰርቲ ኣብርሃም ጽቡቕ ከም ዘይህበን ርዱእ ነይሩ። ሮዛ ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ፡ “ካብ ኵሉ ንማማ ክንጥንቀቐላ ኣለና። ቅድሚ ወርሒ ልባ ተላዒላታ ኣብ ኣፍሞት’ያ በጺሓ ነይራ። ስለዚ ክሳዕ ብዋሕስ ነውጽኦ ብስራሕ ገይሹ ከም ዘሎ እንተ ሓበርናያ ይሓይሽ፡” ዝብል ምኽሪ ኣቕረበት።

“ጽቡቕ’ምበር ሮዛ ጓለይ፡ ከመይ’ሉኸ መጽኣልኪ እቲ ሓሳብ፡ እንታይ ገበረት ኣብ ክንደይ ጥዕናኣ ተወሳኺ ጓሂ ንውስኸላ። ኣዝጊሄር እንተ ገበረ ቅንይ ኢሎም ብዋሕስ ክነውጽኦ የፍቅዱልና ይኾኑ፡” ብምባል ንሓሳባ ደገፉዎ። ኣብ እንዳ ጓሎም ምስ በጽሑ ኤልሳ ኣብ ዓራት ተደርብያ፡ ኣዒንታ ብብኽያት ደም መሲሉ ጸንሓቶም። ገጻ ቃህሚቱ ጸጕራ ወንጨርጨር ኢሉ ነበረ። ከም ኣቦ መጠን ኵነታታ ኣደንገጾም። ብዘይካ ክልተ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደቆም ሓንቲ ጓሎም’ያ። ክትርመስ ስለ ዘይደለዩዋ ስምዒቶም ሓቢኦም፡ “ኣቲ ኤልሳ ጓለይ፡ እንታይ ደኣ ረኺቡኪ? ደሃይ ኣብርሃም’ንዲና ሒዝናልኪ መጺእና። ንመን ክሕሾ ኢኺ ደኣ ክንድዚ ትበኽዪ? ሓፍ በሊ’ስኪ ደስ ክብለና። ወይለ’ቦኺ ከም ቈልዓ!” ኢሎም ጠጥዑሙ ብምስማዕ ፍናና ክብ ከብሉ ፈተኑ።

“ወረኻ ትጥዓም ኣታ’ቦ፡ ደሃይ ኣብርሃም ኣምጺእካለይ! እዋይ ደሓን እቶ። ኣምላኽ ጥዑም! ኣውጺኦሞ ድዮም? ኣበይ ደኣ’ሎ? ምሳኻትኩም ዘይመጽአ ደኣ እንታይ ኮይኑ?” ብምባል ሕቶታት እናወሓዘትሎም ካብ ዓራት ተሰአት። ኣብ ገጻ ናይ ተስፋ ምክልት ይንበብ ነበረ።

“ኤልሳ ጓለይ ኣይትትሃወኺ’ሞ፡ ሃየ ቅድም ቡን ግበርልና ናይ ደስደስ። ቀሰ ኢልና ክነዕልለኪ ኢና፡” ኢሎም መሪሖማ ናብ ሳሎን ሰጐሙ። ሮዛ በቀራርባኦም እናተገረመት ኣብ ጐድኒ ኤልሳ ኮፍ ብምባል፡ “ኣነ’የ ቡን ዘፍልሓ” ኢላ ናውቲ ቡን ብምቕራብ ቡን ሻሕሳሕ ክተብል ጀመረት። ቡን ክሳዕ ትፈልሕ ድማ ኣብርሃም ተኣሲሩ ከም ዘሎ፡ ጕዳዩ ቀሊል ስለ ዝኾነ ግን እንተ ብመንገዲ ቤትፍርዲ፡ እንተ ብማልዶ ቅንይ ኢሉ ክወጽእ ምዃኑ ገለጹላ።

“ዋይ ኣነ ተካል! ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን። እንታይ መዓት ኮን’ዩ ወሪዱኒ?” ኢላ ክተጕረምርም ጀመረት።

“ዘፍርሕ ነገር የብልክን ኤልሳ ጓለይ፡ ክንደይ ዘይተኣስሩ፡ ክንደይ ከኣ ዘይተፈትሑ። ደሓር ከኣ ሰብኣይ እንደኣሉ ዝእሰር፡ ትም ኢልኪ ነፍስኺ ኣይትድቈሲ። ኣምላኽ ሒዝና ንኾኖ የብልናን፡” ብምባል ልቢ ዝመልእ ዘረባ ኣስምዑዋ።  ብዕላል ዕላል፡ ብዙሓት ምስ ተኣስሩ ከም ዝተሸርቡን ዝተረሸኑን ስለ ትፈልጥ፡ ኣብርሃም’ውን ኣሰሮም ከይስዕብ ብውሽጣ ትጭነቕ ነበረት። ነቦኣ ኣዝያ ስለ ተኽብሮም ግን ተወሳኺ ዘረባ ኣየስዓበትን። ዕላል ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰጊሩ ቡን ክሳዕ ትውዳእ ብመጠኑ ተዛነየት። ነቦኣ ምሒር’ያ ትፈትዎም፡ ብዝከኣሎም መጠን ከኣ ኣደዓዒሶማ። ብፍላይ ሮዛ፡ በቀራርባኦምን ክእለት ዘረባኦምን ኣዝያ ተገሪማ። ክንድኡ ክኢላ ምዃኖም ትፈልጥ ኣይነበረትን።

በረካ ተሰትያ ናውቲ ቡን ክለዓል ምስ ረኣዩ ካብ ኵርሶም እናተንስኡ፡ “ቤትበረካ ቤትሽሻይ ይግበሮ፡ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ዓይኒ ቐናእ ድፈነልና፡ ካብ ጸበባ ኣድሕነና፡ ካብ ክፉእ ሰውረና፡” ኢሎም መረቑ። ንኤልሳ ብመንኩባ ሒዞማ እናወጽኡ ድማ “ኤልሳ ጓለይ፡ ጸላኢና ባህ ኣይበሎ ኢልኪ ርእስኺ ኣቕኒዕኪ ደኣ ኪዲ። ከሎ ገና ነፍስኺ ኣይተሕስሚ። ሮዛ ኸኣ ኣይትሕመቒ ደኣ፡ ሃየ ኣይተጸምውያ፡” ኢሎም ተፋነውወን።

ሮዛ፡ ምስ ኤልሳ ኣዕልል ኣምስያ መሬት ከይጸልመተ ንገዛኣ ተመልሰት። ካብ ስራሕ ወጺኣ ትኽ ኢላ ንገዛኣ ትመጽእ ስለ ዝነበረት ወ/ሮ ገብርኤላ ደንጒያተን ተሻቒለን ጸንሓኣ። እትው ክትብል፡ “ደሓን ዲኺ ኣንቲ ሮዛ! ካልእ እንተ ተረፈ ቴለፎን’ኳ ኣይትድውልን፡” በላኣ። ሰራቒ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍ ከም ዝብሃል ብዘረባአን ተሰከፈት። ንደቃ ሓቲተን ሓበሬታ ዝረኸባ ኮይኑ እናተሰምዓ፡ “ምስ ኤልሳ’ንድየ ኣምስየ፡ ቴለፎን ከይገብር ከኣ መስመር ተባላሽዩ፡” ኢላ ናብ መደቀሲ ክፍላ ብምሕላፍ ቦርሳኣ ኣቐሚጣ ተመልሰተን።

“ምስ ኤልሳ ደኣ ክሳዕ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ደሓን?”

“ብዛዕባ ደሓንስ ናይ ደሓን’ዩ። ኣብርሃም ስለ ዝገሸስ ብሓባር ኢና መጺእና። ከይጽምወኒ በጃኺ ቍሩብ ኣዕልልኒ ምስ በለትኒ ኸኣ ከይፈለጥኩዎ መስዩ፡” በለተን ብዝከኣላ መጠን ተዛንያ።

“ኣብርሃም ወደይ ደኣ ናበይ ከይዱ? ከይደ ዘይብልከ እንታይ ረኺቡዎ?’ ሓተታኣ በቲ ዘይልሙድ ኵነታት እናተገረማ።

“ድምጺ ሓፋሽ ኣይሰማዕክን ዲኺ! ደርጊ ንባረንቱ ከምልሳ ኢሉ ይዋጋእ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ውጉኣት ምስ በዝሑዎም ምስ ክልተ ብጾቱ ብህጹጽ ተበገሱ ኢሎም ብሄሊኮፕተር ነቝርደት ወሲዶሞ።”

“ሰይጣን ደኣ ይውሰዶም እዚኣቶምስ! እሞ ውጉኣት እንተ በዝሑዎምስ ሓካይም ካብ ኣስመራ ክወስዱ ቍሩብ ሕፍር ኣይብሉን! ዒራ ዘይህዝቦም ኮይኑ ሓቃቶም!” ኢለን ብምስትንታን ርእሰን ነቕነቓ።

“መስኪናይ ህዝቢ ደኣ ቅድሚ ሕጅስ ሓኪሞሞ ድዮም? ሆስፒታል ብውጉኣት ጦር መሊኡ ኣሎ’ንድዩ ዝብሃል ዘሎ።”

“ድሁላት! እዚ’ኳ ክውሕዶም፡ ኮስታሪቶም ትምጻእ!” ድሕሪ ምባል፡ “እሞ ንደረርዶ ሮዛ፡ እዛ ናይ ሎሚ ቀብሪ ቀቲላትኒ’ያ ውዒላ። ልበይ ካን ጥልም ክተብለኒ ቀሪባ ነይራ፡” ኢለን ካብ ሳሎን ተሲአን ናብ ክሽነ ኣምርሓ። ድኻም ከም ዝነበረን ኣብ ገጸን ይንበብ ነይሩ።

ወ/ሮ ገብርኤላ ድሕሪ ድራር ብቐጥታ ክድቅሳ ከለዋ፡ ሮዛ ኣብ መደቀሲኣ ኮፍ ኢላ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነበረት። ፍረወይኒ ኣብ ሳሎን ኮይና ዕዮ ገዛኣ ክትሰርሕን ክተጽንዕን ኣምስያ። ጸጸኒሓ፡ “ማማ እዚኣ’ባ ኣረድእኒ፡” እናበለት ንሮዛ ካብ ንባባ ክተቋርጻ ከላ፡ መለስ ግን ዘጻውቶ ስኢኑ ኣብ ጐድኒ ሮዛ ንገለ ደቓይቕ ምስ ኣዕገርገረ፡ ቴለቪዥን እናረኣየ ኣብ ጐድኒ ኣደኡ በጥ ኢሉ ደቀሰ።

ይቕጽል

መበል 95 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleትርጓሜ ምስላታትናን ብሂላታትናን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ እንተዝኽዉን
Next Article ዝኽሪ ዜማ : ሓይሊ ዜማ መለይ ኣብ ክውንነት !
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?