Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 14, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 92 ክፋል

ኤልሳ በዓልቤታ ምስ ደንጐያ እናናሳዕ ሰዓታ እናረኣየት ንገለ ደቓይቕ ኣብ ኣፍደገ ባንክ ተጠው ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሓደ ባር ኣትያ ናብ ሆስፒታል ስልኪ ደወለት። ምስ ቀበጸት ድማ ኣውቶቡስ ደዪባ ንገዛኣ ተበገሰት።

ሮዛ ብግደኣ ክልቲኦም ምስ ደንጐዩዋ ኣብ ካቴድራለ ኣውቶቡስ ክትጽበ ተገደደት። ንኤልሳ ኣብ ኣውቶቡስ ምስ ረኸበታ፡ “ኣብርሃም ደኣ ናይ ደሓን ድዩ ጠፊኡ?” ተባሃሃላ። ዘይመጽአን እንተኾይኑ ብቴለፎን ይሕብረን ስለ ዝነበረ ኣዝየን ተሻቐላ፡ ዝያዳ ግን ኤልሳ። ጽቕጥቅጥ ኢላ ዝነበረት ኣውቶቡስ ሰብ እናውረደትን እናደየበትን ቲራቮሎ በጽሐት። እንዳ ኣብርሃም ካብ ቀንዲ ጽርግያ ቍሩብ ምሕድግ ስለ ዝብልን ሓዲጉወን ንገዛ ክኸይድ ከም ዘይክእልን ስለ ዝገመታ ናብ እንዳ ሮዛ ኣምርሓ። ወ/ሮ ገብርኤላ ዘይትተርፍ ናይ ዓጽመ ስጋ ቀብሪ ረኺበን ኣብ ገዛ ኣይጸንሓን። ሮዛ፡ ደቃ ስዒማ ጕዳይ ምሳሕ ክሳዕ ትገብር፡ ኤልሳ ደሃይ ክትፈልጥ ናብ ገዛኣ ቴሌፎን ደወለት። “እዛ ቴለፎን ክሳዕ ሎሚ ንግሆ ደሓንዶ ኣይነበረትን? ሕጂ ደኣ እንታይ ረኺቡዋ እዩ?” እናበለት ጥርጣረ ሓዊሳ ካልኣይ ግዜ ክትድውል ፈተነት። ሕጂ’ውን ድምጺ ኣይረኸበትን።

ሮዛ ምሳሕ ቀሪባ፡ “ኤልሳ፡ ንዒንዶ ቅድም ተመስሒ። ቀሰ ኢልኪ ዘይትድውሊ፡ እንታይ ኣህዊኹኪ እዩ?” በለታ።

ኤልሳ ግን ገምራዊ ስምዒታ ግዲ ነጊሩዋ ክትቀስን ኣይከኣለትን። ንሆስፒታል ደዊላ ደሃይ ኣብርሃም ክትገብር ቴለፎን ኣልዓለት። ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ዝኣተወት ኦፐሬተር፡ “ኣብ መስመር ጽንሕኒ፡ ኣብ O.R (ክፍሊ መጥባሕቲ) እንተ’ልዩ ክሓተልኪ፡” ድሕሪ ምባል ከም ዘይረከበቶ ገለጸትላ።

“ኣብርሃም ገለ ረኺቡዎ ኣሎ’ምበር ማዕረ ክንድ’ዚ ደሃይ ኣይመጥፍአን ነይሩ። ዋይ ኣነ ተካል! ናይ ደሓን ጥራይ ይግበረለይ፡” እናበለት ኣእዳዋ ቈራዕራዕ ድሕሪ ምባል ብጎቦ ልባ ኣብ መኣዲ ቀረበት። ድሮ ልባ ኣብ ዝባና ስለ ዝተሰቕለ  ግን ሸውሃት ዝብሃል ኣይነበራን።

“ስቕ በሊ በጃኺ! እንታይ ኴንኪ ደኣ ሕማቕ ትምነዪሉ? ሰብኣይ’ንድዩ! ገለ ኣዕሩኽቱ ሃንደበት ምሳሕ ኢሎም ክወስዱዎ ይኽእሉ፡ ወይ ናብ ገለ ቦታ ብህጹጽ ስራሕ ተጸዊዑ ይኸውን። ደሓር ከኣ እንታይ ናብ ከምኡ ዘብጽሕ ምኽንያት ኣሎ? ብሓደ ኣፊቱ!” ክትብል ገንሓታ ሮዛ።

ኣብ መንጎ ቴለፎን ብብርቱዕ ድምጺ፡ “ጭርር!” በለት። ኤልሳ ብድድ ኢላ፡ “ሃለው ኣብርሃም ዲኻ?” ሓተተት ብታህዋኽ።

እታ ሰራሕተኛ ሮዛ ዝተቐበለታ መሲሉዋ፡ “ኣብሻይ ሮዛ፡ ወይ ኤልሳ ወይ ኣቦይ ኣብርሃም እንተ’ለው ቀልጢፎም ይምጽኡኒ፡” ዝብል ብብኽያት ዝተሓንቀ ድምጺ ሰምዐት። ሓዳስ ሰራሕተኛ እያ ነይራ። ኣፋ ኣብ መዛረቢ ቴለፎን ስለ ዘልገበቶ ድማ ብዘይካ ብኽያታ ካልእ ቁምነገራ ብንጹር ይስማዕ ኣይነበረን።

“እንታይ ኢኺ ኴንኪ? ቀስ ኢልኪ’ስኪ ንገርኒ፡ ኣነስ ዘይረኽቦ የብለይን!” በለት ኤልሳ እናንጸርጸረት። ኣብ ጐረቤታ ምስ ኣዝማዱ ተጸጊዑ ምስ ዝነብር ትግራዋይ መንእሰይ ዲዕዲዕ ክትብል ስለ ዝቐነየት፡ ዓሚጹኒ ትብላ ጥራይ’ዩ መሲሉዋ ነይሩ። ሰራሕተኛ ሕጂ’ውን ብኽያታ ከየቋረጸት ነቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ምግላጽ ቀጸለት። ክትውድእ ኣይተጸበየታን ብስንባደ ቴለፎን ካብ ኢዳ ወደቐት። ብኡ ንብኡ ኣብራኻ ጠሊመናኣ ኣብ ስሚንቶ ረፈጥ በለት።

ሮዛ ነገሩ ሃንደበት ኮይኑዋ፡ “ዋይ ኤልሳ ሓውተይ! እንታይ ረኺቡኪ? እንታይ ኢኺ ሰሚዕኪ?” እናበለት ካብ ዝነበረቶ ኣልዒላ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኣበለታ። ኤልሳ፡ እናተነኽነኸት ዝሰምዓቶ ዘበለ ምስ ገለጸትላ፡ ፍረወይንን መለስን ብፍርሒ ተዋሒጦም ቀባሕባሕ በሉ። ሮዛ’ውን ዘይሰንበደት ኣይኮነትን። ክትእብዳ ስለ ዘለዋ ግን፡ “በጃኺ ስቕ በሊ። ገዛ ፈቲሾም ኢልክስ ክንድዚ ብኽያት፡ ሰብ’ኳ ከይሰምዓኪ፡” ብምባል ብዓቕማ ክተደዓዕሳ ፈተነት።

ንሳ ግን፡ “ዋይ ኣነስ ዘይረኽቦ ዘይብለይ! እዋይ!” ኣናበለት ኣብ ምቝዛም ኣተወት። ነፍሳ ግዲ ነጊሩዋ ነቲ ኵነታት ፈጺማ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን።

“ኣንቲ ኤልሳ እንታይ ኢኺ ዄንኪ? ካብኡ እንቋዕ ኣይሓለፉ። ተስኢ’ሞ ገዛ ኬድና ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ክንፈልጥ ንፈትን። ብኽያት ዝዓብሰልኪ የብሉን፡” እናበለት ነጸላኣ ኣልዒላ ኣበገሰታ።

ኤልሳ፡ “ኣብርሃም ሎሚ ገለ ኮይኑ’ሎ። ኣንታ መድሃኔኣለም ኣቦይ ክፉእ ኣይተሰምዓኒ፡” እናበለት ብምትሳእ ደድሕሪኣ ሰዓበት። ብቕልጣፈ እናሰጐማ ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ገዛኣ በጽሓ። ኤልሳ እቲ ብጽፈቱን ኣቀማምጣ ኣቕሑቱን ትምክሓሉ ዝነበረት ገዛኣ ጽሉላት ዝወዓሉሉ መሲሉ፡ እቶም ንርኣዪኦም ሃነን ዘብሉ ንባህሪ ዘንጸባርቑ ስነጥበባዊ ስእልታት ኣብ ምድሪቤት ፋሕ ጨንገራሕ ኢሎም፡ ናይ ቃልኪዳኖምን ኣብርሃም ክምረቕ ከሎ ዝተሳእሎን ዓበይቲ ኣሳእል ካብ መቓኑ ወጺኡ ፈቐዶኡ ዛሕ ኢሉ፡ ኣብ መደርደሪ መጻሕፍቲ ዝነበረ መጽሔታትን መጻሕፍትን ኣብ ምድሪቤት ተበታቲኑ ምስ ረኣየት፡ ብጓሂ ሕርር ኢላ ኣውያት ፈነወቶ። ገዛኣ ካብ ተደፍረ ህይወት ኣብርሃም ኣብ ሓደጋ’ሎ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ያ በጺሓ።

ሮዛ፡ እቲ ዝረኣየቶ ጠሪሹ ኣርመማ። “ዲዮ ሚዮ!” ኢላ ርእሳ ሓዘት። እንዳ እገለ ተፈቲሹ ክትሰምዕ ከላ ከምኡ ይመስላ ኣይነበረን። ጓል በረኻ’ምበር ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ወዲኣዳም ከምኡ ዓይነት ጸይቂ ይገብር’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። ግፍዒ ጸላኢ ብወረ ክትሰምዖን ብዓይኒ ክትርእዮን ፍልልዩ ናይ ሰማይን ምድርን ኮና። ብኽያት ግን ኣይተራእያን። ኣብ ከብዱ ሓዊ ከም ዝተኣጒዶ ሰብ ብውሽጣ ጥራይ ሓረረት። ንገለ ካልኢታት ኣብ ደው ዝበለቶ ተዓኒዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኤልሳ ኣባቢዳ ምስታ ኣእምሮኣ ተረቢሻ ኣብ ሓደ ጸግዒ ተዀርምያ ዝነበረት ሰራሕተኛ ብምትሕግጋዝ ገዛ ክትውግንን ክተጻፍፍን ጀመረት።

ይቕጽል  . . . . . .

መበል 93 ክፋል  ዝመጽእ  ሰንበት

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ረቡዕ ምስ ህየሳ ግጥሚ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?