Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on September 9, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 88 ክፋል

 

ሮዛ ቦኽሪ ኣኼባ ቀበሌ ካብ እትሳተፍ ካልኣይ ዓመታ’ኳ እንተ ቐረበ ብዘይካ ኣብቲ ጸጸኒሑ ዝዕደም ዝነበረ ናይ ቀይ ኮከብ ሁለገብ ዘመቻ፡ ኣረንጓዴ ዘመቻ፡ ናይ መኢሰማ ኣኼባታት ምስታፍ ሓሊፉ ብንጥፈት ዝተዋስኣቶ ተራ ኣይነበራን። ኣብ ክራማት ሰማንያን ክልተን ኣብ  ዝተዓደመ ኣኼባ ግን ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ ቀበሌ ክግብር’ዩ ስለ ዝተባህለ ከም ህዝባ ብስክፍታ ተሸቝረረት።

ነቲ ፍሉይ ኣኼባ ንምክያድ ካብ ከፍተኛ ዝመጽአ ሓለቓ ሚእቲ ሺፈራው ዝብሃል ሓላፊ በቲ ቅጥን ዝበለ ድምጹ፡ “ኣብዮታዊ ሰራዊት ወላ’ኳ ቍሩብ ባህሪ ይጻብኦ እንተ’ሎ፡ ንተገንጸልቲ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ኣብ ውሱን ቦታ ሓጺሩዎም ስለ ዘሎ ወሳኒ ውግእ ብምክያድ ክድምስሶም እዩ፡” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣካየድቲ ቀበሌ ብዓቢ ኣብዮታዊ ወንን ስነምግባርን ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ፡ ግንከ ህዝቢ ኣብ ምውዳብን ኣብዮታዊ ንቕሓተ ሕሊና ኣብ ምስራጽን ድኻማት ከም ዘርኣዩ፡ ስለዚ ሓዲሽ ምርጫ ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ፡” ወዘተ ለፍሊፉ ኣብ ናይ ምርጫ መስርሕ ኣተወ።

እቲ ብኮሚቴ ዝተኻየደ መስርሕ ምርጫ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደን። ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ውዱእ ጕዳይ’ዩ ነይሩ። ዳርጋ ኩላቶም ሕጹያት ብዘይ ተወዳዳሪ እዮም ተመሪጾም። እቲ ዘገርም ግን ናይ ሮዛ ነይሩ። ኣብ ውዱእ ጕዳይ ኣትያ ከም ተሓዚት ገንዘብ ተመሪጻ። ኣብ መጻወዲያ ከም ዝኣተወት ተረዲኡዋ ጥዕና ከም ዘይብላ ክተመኽኒ ፈተነት። ዘረባኣ ምስ ወድአት፡ ሓለቓ ሚእቲ ሺፈራው ፍሽኽ እናበለ ተስአ። ርእይ ከብላን ኣዒንታ ክወግኦን ሓደ ነይሩ።

“እምበኣርከስ ህዝቢ ንዘሰከመና ሓደራ፡ ሓሚመ ወይ ጸሚመ ከይበልና ብትግሃትን ቈራጽነትን ክንሰርሕ ኣብዮታዊ ግቡእና እዩ። ኣንጻር ኣድሓርሓርትን ተገንጸልትን ክንዕወት እንተዄንና ከኣ ኣቦታትና ብዘውረሱና ኢትዮጵያዊ ወኒ፡ ኣበርቲዕና ክንቃለስን ንመስዋእትነት ድሉዋት ክንከውንን ይግብኣና፡” ኢሉ ድሕሪ ምግዓር፡ ነቶም ዝተመርጹ ሰባት ኣብ መድረኽ ወጺኦም ኣስማቶም ከላልዩ በብሓደ ጸውዖም። ኣብ መወዳእታ፡ ብሶሻሊስታዊ ንቕሓት ክቃለሱ፡ ቀይ ኮከብ ዘመቻ ፈሺሉ’ዩ እናበሉ ወረ ንዘናፍሱ ዘለዉ ጸረ ኣብዮታውያን ከም ጻህያይ በብሓደ ክብንቍስዎም ተላብዩ ኣኼባኡ በቲ ልሙድ ጭርሖታት ደምደሞ።

ነፍስወከፍ ኣኼበኛ ከካብ ዝነበሮ ተሲኡ ንደገ ክወጽእ ከሎ፡ ሓደስቲ ሓለፍቲ ቀበሌን ነባራት ሓለፍትን ስራሕ ክረኻኸቡን ክፈራረሙን ንፍርቂ ሰዓት ኣቢሎም ተደናጐዩ። ሮዛ በቲ ዘጋጠማ ሓድሽ ኵነታት ሕርቕ መጺኡዋ ካብኣቶም ተፈልያ ንደገ እናወጽአት ከላ፡ ሓለቓ ሚእቲ ሺፈራው ኣብ ኣፍደገ ጸኒሑ፡ “ሓንሳብ ደልየኪ ኣለኹ፡” ኢሉ ክትስዕቦ ኣመልከተላ። እናተሻቐለት ደድሕሪኡ ብምስዓብ ናብታ ጠረጴዛን ከብሕን ገለ ጭርሖታትን ዝነበራ ጽብብ ኢላ ክፍሊ ኣተወት። ምስ ዝኾነ ሰብኣይ ንበይና ኮፍ ኢላ ስለ ዘይትፈልጥ ትርግታ ልባ እምብዛ ናህሪ ወሰኸ። ፈጥፈጥ ክብላ ዝጀመራ ኣእዳዋ ኣብ ልዕሊ ሰለፋ ኣንቢራ ድማ ርእሳ ብምቕናዕ ሰሰሪቓ ትጥምቶ ጀመረት።

ሺፈራው ሽጋራ ክውልዕ ጸኒሑ ገበታ ትኪ ካብ ኣፉ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ዝነበረት መጽሔት እናገላበጠ፡ “ብቐዳምነት እንቋዕ ናብዚ ቀበሌና ብደሓን መጻእኪ፡ እንቋዕ ከኣ ደስ በለኪ። ኣቐዲመ’ኳ ስመይ ከላሊ እዩ ነይሩኒ፡ “ሓለቓ ሚእቲ ሺፈራው ታከለ እብሃል፡” ብምባል ብፍሽኽታ ኢዱ ዘርግሐላ። መዋጽኦ ስለ ዘይነበራ ቅጭ እናመጽኣ ግብረ መልሲ ሃበቶ። “ነዚ ሓላፍነት’ዚ ምብቃዕኪ ብዘይ መጠን ዕድለኛ ኢኺ። እዚ ቀበሌ’ዚ ድማ ከማኺ ዓይነት ምኵራት ተሓዝቲ ገንዘብ’ዩ ስኢኑ ጸኒሑ። እዛ ቅድመኺ ዝነበረት ሰብ ንኣብነት ብቕዓት ዝጐድላ እያ ነይራ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ቀበሌ’ዚ ንፋዓት ኣካየድቲ’ውን ኣይረኸበን ነይሩ። ሕጂ ግን መሰረታዊ ትንሳኤ ገይሩ ብንጥፈት ክንቀሳቐስ ዓቢ ተስፋ ኣሎኒ፡” ብምባል ዓዶኽዶኽ በለላ።

መልሲ ከይሃበቶ ትም ምስ በለት፡ ኣብ ስራሕ ዝኾነ ሽግር ከጋጥማ ከሎ ብዘይ ስክፍታ ምስኡ ክትመያየጥ ከም ትኽእል ተላብዩ ዘረባኡ ወድአ።

ሮዛ፡ “እሺ፡” እትብል ሓጻር መልሲ ጥራይ ሂባ ካብታ ብትኪ ተዓፊና ዓቕላ ኣጽቢባትላ ዝነበረት ክፍሊ ብውሽጣ፡ “ተመስገን፡” እናበለት ወጽአት።

ሓለቓ ሚእቲ ደድሕሪኣ ብምስዓብ፡ ኣብ ኣፍደገ ክትበጽሕ ከላ፡ “ንእግረ መንገደይ ከብጽሓኪ፡” በላ ኣብ ስግር ጽርግያ ናብ ዝነበረት ደባን ዝሕብራ ፊያት 124 ዝዓይነታ መኪና እናሰጐመ።

ሸብዳዕዳዑ ሕርቕ ኣምጺኡላ፡ “ደሓን ቀረባ’ዩ ገዛይ። ኣይትሸገሩ፡” ኢላ ንድሕሪት ግልጽ ከይበለት መንገዳ ቀጸለት።

ገጹ ኣዚሩ፡ “ግድ የሎን ኣይትሰከፊ፡” በላ።

“ኣብ እንዳ መሓዛይ ስለ ዝእለ’ምበር ብኻልእ መዓስ ኮይነ፡” ኢላ ኣቕቢጻቶ ስጕምታ ኣቐልጠፈት። እናረሓቐቶ ምስ ከደት ኩርናዕ ክሳብ ትጥወ ኣብ ዝባና ዓሊቡ ዝነበረ ጸጕራን ዳናጉኣን ክርኢ ፈዚዙ ደው በለ። ብደቂ ኣንስትዮ ዝመጽአ ልቡ ቀልጢፉ ስለ ዝስለብ፡ “እዚኣ ትመስል ሚለን ትመስል ሰብ ግድነት ክላለያ ኣለኒ፡” እናበለ ብውሽጡ ናብ ቤትጽሕፈቱ ኣተወ።

ሺፈራው፡ ማእከላይ ዝቝመቱ በዓል ግርማ መንእሰይ ኮይኑ፡ ካብ ሃብታማት ስድራቤት ኣብ ሻሸመኔ ተወሊዱ። ኣቦሓጎኡ ካብ ኣውራጃ መንዝ ሽዋ ዝውለዱ ኮይኖም፡ ዳግማዊ ምንሊክ ንደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣቱ ክጽንብሮ ከሎ፡ ከም ነፍጠኛ ዝመጽኡ ነይሮም። ከም ዋጋ ጻማኦም ከኣ ካብ ደቀባት ሲዳሞ ዝተገበተ ኣዝዩ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ተዋህቦም። ወዶም ኣቶ ታከለ ካብ ኣቦኦም ዝወረሱዎ መሬት ሳላ ለቓሕ መንግስቲ ናብ ምዕቡል ናይ ቡን ሕርሻ ከማዕብሉዎ ዕድል ረኺቦም። ስርዓት ሃይለስላሴ ካብ ስልጣን ተኣልዩ፡ ኣብ ሰብዓን ሓሙሽተን፡ ደርግ ብጸቕጢ ተመሃሮ መሬት ንሓራሲኡ ምስ ኣወጀ፡ ሺፈራው ኣብ ከባቢ ወረሂመኑ ወሎ ዘሚቱ ከሎ፡ ብዘማች ተመሃሮ ዝተተባብዑ ጭቁናት ተወፋሮ ሲዳሞ ሓያል ናዕቢ ኣልዒሎም። ኣቦኡን ኣደኡን ምንኣሱ ሓውቱን ከኣ ኣብቲ ብዙሓት ወነንቲ መሬት ምስ ስድራቤታቶም ዝሞቱሉ ዕግርግር ብካራን ብጋሌዶን ብጭካኔ ተቐቲሎም።

ሺፈራው ነቲ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምስ ሰምዐ፡ ደሙ ፈሊሑ ንሻሸመኔ ተበገሰ። ሓወቦኡ ግን ሻሸመኔ እንተ ኸይዱ ንሱ’ውን ኣሰር ስድርኡ ክስዕብ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ፡ ምኽሪ ወላዲ ሂቦም ኣዕገሱዎ። ምስ ስድርኡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ ብጓሂ ሳልስቲ እንጌራ ከይለኸፈ ገጹ ጠቐር መሲሉ ቀንዩ። ሓዘን ድሕሪ ምዕጻው እንታይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ምስ ሓወቦኡ ተማኸረ። ጭው ዝበሉ ደጋፊ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ኮይኖም፡ ምስ ዝመስሉዎም ሰባት ንደርግ ክሓምዩ ዝውዕሉ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ግዮርጊስ ቢራ እዮም ነይሮም። ካብዚ ዝተበገሰ ሺፈራው ሕነ ስድራኡ ክፈዲ ምሕሳቡ ኣዝዩ ኣሐጐሶም።

“ንሞት ታከለ ሓወይ ጠንቂ ዝኾነ ደርግ’ዩ። ስለዚ ንስኻ ሓንቲ ንዘይፈልጡ መሃይማት ተወፋሮ ኣይትጠምት። ንላዕሊ ኢኻ ክትጥምት ዘለካ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ኣብ ኢህኣፓ ምጽጋዕ ኣየድልየካን’ዩ። ንሳቶም ከም ዕላማ ካብ ደርግ ዝፍለዩ ኣይኮኑን፡ ስልጣን’ዩ ዘባእሶም ዘሎ። ንደርግ ድማ ብደገ ተቓሊስካ ኣይትዕወተሉን ኢኻ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ስርዓት ኣቲኻ ንዑኡ ክትመስል ኣለካ። ነዚ ንምግባር ድማ ወላ እይትእመነሉ፡ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ናይቲ ስርዓት ክገብሮ ዝግብኦ ዘበለ ነገራት ኵሉ ክትገብር ኣለካ። ተኣሚንካ ኣብ ክብ ዝበለ ስልጣን ምስ ደየብካን ገባርን ሓዳግን ምስ ኮንካን ድማ ብዘይ ገለ ጸገም ሕነ ኣቦኻ ክትፈዲ ከም ትኽእል ፍለጥ። ከምዚ እንተ ጌርካ ጥራይ ኢኻ ኣብ ዕላማኻ እትዕወት። እግዚኣብሄር ክሕግዘካ ተስፋ እገብር። ናይ ወትሩ ጸሎተይ ከኣ ኣይፍለየካን’ዩ፡” ብምባል ናይ ነዊሕ መደብ ክሕንጽጽ ከም ዘለዎ መዓዱ ዎ ።

ምስ ሓወቦኡ ምስ ተፈላለየ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ንሰሙን ክሓስብ ቀንዩ ናብቲ ዝፈንፈኖ ስርዓት ክጽንበር ወሰነ። ኣብ ዓመቱ መማህርቱ ኣብ ናይ ሃረር ጦር ኣካደሚ ኮርስ ክካፈሉ ምስ ረኣየ ንሱ’ውን ፎርም ክመልእ ወሰነ። ዳግም ሓሲቡ ኣብ ኤርትራ እንተ ተመዲቡ ኣብ ኵሉ ከይበጽሐ ከም ዝቐደሙ ደቂ ዓዱ ናይ ኣሞራ ሽሻይ ኮይኑ ከይተርፍ ስለ ዝሰግአ፡ ነቲ ጕዳይ ሸለል ኢሉ ሓለፎ። ብዙሕ ከይደንጐየ ግን ናብ ኣባዲና ፖሊስ ኮለጅ ዘእቱ ኮርስ ከም ዝመጽአ ምስ ተገልጸ፡ መርመራ ተኻፊሉ ብዝነኣድ ነጥቢ ሓለፈ።

ኣብ ኣባዲና ኮለጅ ዝነበረለን ዓመታት ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ዝነበሮ ሚዛንን ኣረኣእያን ዘይብሱልን ኣብ የዋህነት ዝተመርኰሰን ከም ዝነበረ ተረድኦ። ሓወቦኡ ከም ዝበሉዎ መደቡ ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ’ምበር ኣብ ሓጺር ግዜ ክትግበር ከም ዘይክእል ከም ጸሓይ ቀትሪ በርሃሉ። ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ኣብ ናይ ስለያን ውዳበን ትምህርቲ ልዑል ነጥቢ ስለ ዘምጽአ ምስ ካልኦት ሰለስተ ብጾቱ ኣብ ክፍለ ሃገር ኤርትራ ተመደበ። ኣዝዩ በሊሕን መስተውዓልን ብምንባሩ ግን ሜላ ወሲኹ ስልጣን ክውስኽን ናብ ኣዲስኣበባ ክቕየር ከም ዝኽእልን ገመተ። ኣብ ኤርትራ ምምዳቡ ድማ ከም ሓደ ግዝያዊ ዕንቅፋት ጥራይ ወሰዶ።

 

ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስርዓት ደርግ ክእለት ወይ ብልሒ ዘይኮነ ተኣማንነት፡ ሕቶን ርእይቶን ዘይምብዛሕ ልዕሊ ዅሉ ከም ዝስራዕ፡ እሺ በሃላይ ምዃንን ንሓለፍቲ ጥልዕ ጕንብሕ ምባልን ከኣ ተወሳኺ ብልጫታት ምዃኑ ተጋህደሉ። ስለዝኾነ፡ ብምሉእ ሕልናኡ እናሰርሐ ከሎ፡ ምስኡ ዝመጽኡ ደቂ ኮርሱ ናይ ሻምበልነት መዓርግ ክወሃቦም ከሎ፡ ንሱ ግን መዓርግ ከይወሰኸ ካብ ስለያ ናብ ናይ ቀበሌን ከፍተኛን ወዳቢ፡ ጸኒሖም ከኣ ናብ ሓላፊ መደበር ኣናጠሩዎ። ብንጹር’ኳ እንተ ዘይፈለጦ፡ ንዕብየቱ ዝዕንቅፍ ዘይተጋህደሉ ምስጢርር ከም ዘሎ ካብ ምጥርጣር ዓዲ ኣይወዓለን።

ሺፈራው ጠንቂ ናይቲ ጕዳይ ንሓለፍቲ ስለ ዘይለቕለቐ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦ፡ ንናይ ቀረባ ሓለፍቱ ከስትን ቀብጠርጠር ክብለሎምን ጀመረ። ፋይዳ ግን ኣይረኸበሉን። ምኽንያቱ ንሱ ከይፈለጠ ደድሕሪኡ ትስዕብ ምስጢራዊት ፋይል ነይራ። ኣብ ኮለጅ ክኣቱ ከሎ ስራሕ ኣቦኡ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ቢራ ኢሉ’ዩ ኣመዝጊቡዎ ነይሩ። ካብ ትካላት ጸጥታ ደርግ ዝሕባእ ምስጢር ስለ ዘይነበረ ግን ወዲ ከበርቴ ምዃኑ፡ ስድርኡ ብተወፋሮ ከም ዝተቐትሉ ወዘተ ተረጋጊጹ። ከም ሳዕቤን ከኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ። ብዘይካ’ዚ ከም ባህሪ ሓያል ናይ መስተ ግዙእ ኮይኑ፡ ጽቡቓት ደቂኣንስትዮ’ውን ኣየኽእሎኦንን ነይረን።

ይቕጽል

መበል 89 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article መስለውለዊት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?