Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 3, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on August 26, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 86 ክፋል

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ መራፊት ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ዩ ካብ ሲንካት ዝበሃል መደበር ፖሊስ ንመራፊት ተቐይሩ። ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዓጊግ ዘሎ መዘናኡ ዕድመ ስለ ዝገበረሉ ኸኣ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ ካብ መራፊት ንዓጊግ ተበገሰ። ምስ መራሕ መኪና ብዛዕባ ብድሮኡ ኣብ ዜና ዝተፈነወ ዑደት መንግስቱ ሃይለማርያም ንካርቱምን፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን እናዕለሉ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ተጓዕዙ። ንዓጊግ ዘጥዊ መንገዲ ሒዞም ቍሩብ ምስ ከዱ ሓለቓ ሚእቲ ሰብ ዝመስል ነገር ተራእዩዎ፡ “ኣጊፍ! ኣጊፍ!” በሎ ንመራሕ መኪናኡ። ካብ መኪና ወሪዱ ንጸጋም ገጹ ክስጕም ከሎ መራሕ መኪና ደድሕሪኡ ሰዓበ። ሓለቓ ሚእቲ ኣብ ልዕል’ቲ ዝወደቐ ሰብ ድንን ኢሉ ድሕሪ ምጥማት፡ ብህይወት ዘሎን ዘየሎን ንኸረጋግጽ ንጐድኒ ገምጢሉ ጥንቅልዒት ከም ዝኸውን ገበሮ። ብስንባደ፡ “ቢስሚላሂ ኣልራሕማን ኣልራሒም” በለ። ከንፈሩ ደሪቑ፡ ሽሾን ጻጸን ክሻመዉሉ ምስ ርኣየ ተስፋ ቈሪጹ መንነቱ ከረጋግጽ ንጁባታቱ ሃሰስ ክብል ሓሰበ። ዳግም ሕስብ ኣቢሉ ኢዱ ኣብ ኣፍልቡ እንተ’ንበረ ግን ኣዝዩ ድኹም ህርመት ልቢ ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።

ካብ ድቃሱ ከም ዝተበራበረ ሰብ ንእለቱ ብምንጣፍ፡ “ያላ ኣርፋዕ መዓየ፡’ በሎ ንመራሕ መኪናኡ። ሳምቦ ሳምቦ ተሰኪሞም ኣብ ልዕል’ታ ሓመዳዊት ላንድሮቨር ኣደየቡዎ። ኮቦርታ ኣንጺፎም ምስ ኣደቀሱዎ ብማይ እናኣጠልቀዩ ኣፉ ከተርክሱሉ ጀመሩ። ርእሱ’ውን ብጨርቂ ብትርኵስ ጨርቂ ሸፈኑዎ። ኣንፈት ህይወት ከርኢ ምስ  ጀመረ መንገዶም ቀጸሉ። ነቲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን መንገዲ ወዲኦም ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዓጊግ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ውጹዕ ንሓኪም ኣረኪቦም ውራይ ዕላሎምን ጸወታኦምን ገበሩ።

ካስትሮ ብዝተገብረሉ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ ቀልቡ ክፈልጥ  ጀመረ። ኣብ ከባቢኡ ዝሰምዖ ዝነበረ ናይቶም ወተሃደራት ሰሓቕን ወኻዕካዕን ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዖ። ኣዒንቱ ከፊቱ ቍሊሕ እንተ በለ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ፡ ኣብ መንጎ ዘይፈልጦም ሰባት ከም ዘሎ ተረድኦ። ብካምሲን ክልብለባ ዝሓደራ ኣዒንቱ እናሕመምኦ ሰምሰም ብምባል ንከባቢኡ እንተ ዀለሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ከም ዘሎ ተዓዘበ። ከመይ ኢሉ ናብቲ ቦታ ክመጽእ ከም ዝኸኣለ ምርዳእ ሓርቢቱዎ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምሕሳብ ብድሮኡ ዘጋጠሞ ኵነታት ከገናዝብ ፈተነ። ንርሂጸበላዕ ምስ ዘከራ ደቂሱዎ ካብ ዝነበረ ዓንገሪብ ሓፍ ክብል እንተ ፈተነ ግን መላግቦታት ሰብነቱ ብምሉኡ ተኸራቲሙ ቃንዛ ስለ ዝገበረሉ፡ “ኣ. . .ይ!” ዝብል ድምጺ ኣስምዐ።

ብማዕዶ ክከታተሎ ዝጸንሐ ወተሃደር ናብኡ ቀሪቡ፡ “ኣብሽር! እንታ ፊ መዓስከር፡ ኣግዑድ ሽወያ፡” ኢሉ ደጊፉ ኮፍ ከም ዝብል ገበሮ። ተቐላጢፉ ሽኮር ዝበዝሓ ኩባያ ሻሂ ኣቐበሎ። ካስትሮ ነታ ሓፋስ ሻሂ ብዘይ ድምጺ ኣቃበጻ። ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ብመረቕ ዝተፈትፈተ መግቢ ተቐሪቡሉ በልዐ። በቲ ዝረኸቦ ምጡን ጸዓት ተደጊፉ ካብ ዓራት ብምትሳእ ሓንከስከስ እናበለ ናብ’ቶም ከቢቦም ዘዕልሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ገጹ ሰጐመ። ሰብነቱ መጢጉ፡ መልኣከ ሞት ዝወረሶ እዩ ዝመስል ነይሩ። ነተን ዝፈልጠን በጻብዕ ዝቝጸራ ቃላት ተጠቒሙ ብስብርባር ዓረብኛ፡ “ኣና ሙናድል  ጀብሃ ሻዕብያ፡ ቶዮታ ሓገይ ከስራን ፊ ጠሪግ፡ ሓሳ ጠዋሊ ነምሺ መራፊት፡” በሎም ምንቅስቓስ ኣእዳዉ እናሓወሰ።

እቶም ወተሃደራት ብዘረባኡ እናሰሓቑ፡ “ኮይስ! ኮይስ! በስ ኣንተዝር ሽወያ፡” ኢሎም ብዙሕ ኣይተገደሱሉን ውራይ ዕላሎም ጥራይ ገበሩ። ምስ ብጻዩ ኣብ በረንዳ እናዕለለ ኵነታቱ ብማዕዶ ክዕዘብ ዝጸንሐ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ ነቲ መጀመርያ ሻሂ ዘቐበሎ ከሳሲ ዝወዓለ ወተሃደር ብስሙ ጸዊዑ፡ “ነዚ ጋሻ ሰብነቱ መታን ክሕጸብ ሳሙና ሂብካ ባኞ ኣርእዮ፡ ምግቢ’ውን ሃቦ ኢኻ” በሎ። ካስትሮ ክትስእ ከሎ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ ኣብ ውሽጢ ገዛ ምስ ዓርኩ የዕልል ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ ከም ዝበልዐ ኣይፈለጠን።

እቲ ወተሃደር ሳሙና ሒዙ ብምምላስ፡ ንካስትሮ ብጉምቦ ኢዱ ሒዙ ናብ ባኞ መሪሑዎ ከደ። ብኢዱ ናይ ምሕጻብ ምልክት እናርኣየ፡ “ሓማም፡” በሎ።

 

ሓሳብ ካስትሮ ንርሂጸበላዕ ክረድእ ጥራይ ስለ ዝነበረ ግን፡ “ላእ! ኣና ዓውዝ የምሺ መራፊት፡ ዓረቢያ ሓገይ ከስራን ፊ ጠሪግ፡” ክብሎ  ጀመረ።

 

እቲ ወተሃደር ኣብ ጐድኑ ደው ብምባል፡ “ሓማም! ሓማም!” ኢሉ ስለ ዝደረቐ ግን ከይፈተወ ኣብ ባኞ ክኣቱ ተገደደ።

 

ሰብነቱ ምስ ተሓጽበ ኣዝዩ ፈዀሶ። ወኻዕካዕን ሰሓቕን ናይቶም ወተሃደራት ግን ቅጭ ኣምጸኣሉ። ዓቕሊ ምግባር ስኢኑ ድማ ከም ብሓድሽ ናብኣቶም ብምቕራብ፡ “ነምሺ!” እናበለ ክህውኾም  ጀመረ።

ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ፡ “ነምሺ ያ ሙናድል፡” ኢሉ፡ መሪሑዎ ኣብ ላንድሮቨር ደየበ። መንገዶም እናቐጸሉ ከለዉ ዘጋጠሞ ኵነታት ሓተቱዎ። ክምልሰሎም ግን ጸገም ኮኖ። ብእንግሊዝኛ ክምልሰሎም ፈተነ። ሓለቓ ሚእቲ ዝተረድኦ ክመስል ርእሱ እናነቕነቐ፡ “የስ፡ የስ፡” ጥራይ ክብል ምስ ሰምዖ፡ ይርድኦ ከም ዘየሎ ፈሊጡ ዓረብኛ ክድርጕስ ብምጅማር፡ “ኣና የጂ ምን ፖርትሱዳን፡ መዓየ ከማን ዋህድ ቢንት ቢንት ሙናድል ፊ። ሳጃ ከቲር ወባዕዴን ቶዮታ ሓገይ ከስራን ሻፍት። ታዕርፍ ሻፍት?” በሎ።

“ላሓውሊላህ! ቢንት ከማን መዓሁ! ሸይ ቐሪብ!” በለ መራሕ መኪና፡ መሪሕ መኪና ፈንዩ ብስንባደ ርእሱ እናሓዘ።

“ባዕደን ኣና የጂ መራፊት፡ ላኪን ጠሪግ ማያዕርፍ። ሞያ ማፊ፡ ዒሽ ማፊ። ኣልቢንት ከማን ማራ ዋሕድ ታዕባን። ከማን ሙ ጀርሕ ሂና፡” ብምባል ናብ ብርኪ እግሩ ምልክት እናገበረ ብዝከኣሎ መጠን ከረድኦም ፈተነ። ኣብ ገጽ ክልቲኦም ናይ ስንባደ ምልክት ምስ ተዓዘበ ይርድኡዎ  ከም ዘለዉ ተገንዘበ።

“ሓሳ ኣልቢንት ተውጀድ ልዋሕዳ ፊ ታዮታ?” ሓተተ መራሕ መኪና።

ሕቶኡ ተረዲኡ ዎ፡ “ኣይዋ!” በሎ ብዓውታ።

“ኣዑዝቢላህ ምን ኣሸይጣን ኣረጂም! ላዝም ነውሰል ሰሪዕ፡” እናበለ ንላንድሮቨር ዋሕዚ ነዳዲ ወሰኸላ። ነዚ ዝተዓዘበ ካስትሮ ብመጠኑ ቀሰነ። ላንድ ሮቨር ነቲ ዘይጥጡሕ መንገዲ ከም ማይ እናሰተየቶ ብናህሪ ተወንጨፈት።

ካስትሮ መራፊት ብማዕዶ ክሳዕ ትርኣዮም ብዛዕባ ርሂጸበላዕ ጥራይ ይሓስብ ነበረ። ‘እተን ዝገደፍኩላ ውሑዳት ማይ ክመጽኣኒ እዩ ኢላ ብዘይ ቍጠባ ሰትያ እንተ ዘይወዲኣተን’ኳ ብህይወት ክትተርፍ ትኽእል’ያ። ከይመጻእኩ ምስ ሓደርኩ ጥራይ ዓቕሊ ኣጽቢባ ተንቀሳቒሳ ከይትኸውን። ተስፋ’ገብር ኣብታ ዝገደፍኩዋ ቦታ ኮፍ ኢላ ክትጸንሕ። ምናልባሽ ንቶከር ክትምለስ ከይትፍትን ከኣ!’ እናበለ ኣብ ክስዕብ ዝኽእል ክዉንነታት ኣትዩ ሃውተተ። ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ላንድሮቨር ገልጠምጠም እናበለት ኣብ ኣፍደገ መዓስከር መራፊት በጺሓ ደው በለት። ሓለቓ ሚእቲ ኣጠይብ ብወሰን ኮፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ መጀመርያ ወረደ። ካስትሮ ደድሕሪኡ ምስ ሰዓበ ብማዕዶ ዝረኣዮ ሓደ ተጋዳላይ፡ “እውይ ካስትሮ መጺኡ!” ኢሉ ወጨጨ። ኣብ ምሉእ’ቲ መዓስከር፡ “ካስትሮ መጺኡ! ካስትሮ መጺኡ!” ዝብል ድምጺ ኣቃልሐ። ኣባላት መዓስከር ሓሓኒቖም ክስዕሙዎ ጀመሩ። ሓለቓ ሚእቲ ደሃዩ ዝገብር ሰብ ምስ ሰኣነ፡ በቲ ዝረኣዮ ፍጻሜ እናተገረመ ኣብ መኪናኡ ደይቡ ንከተማ ቀጸለ።

ካስትሮ ናብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ መዓስከር ምስ ኣተወ ከቢቦሞ ዝነበሩ ብጾት በብወገኖም፡ “እዞም ሱዳን ደኣ ኣበይ ረኺቦምኻ? ተሰዊኡ ኢልና ቀቢጽናካ’ንዲና ኔርና፡” እናበሉ ብዛዕባ ርሂጸበላዕ ንኽሓቶም ዕድል ነፈጉዎ።

ንሕቶታቶም ብዓቕሊ ክምልስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ቶዮታኸ መጺኣዶ?” ክብል ፍርሒ ብዝዓብለሎ ቃና ተወከሶም።

“ቶዮታ ደኣ ሰዓት ሰለስተ’ንድያ መጺኣ፡” ክብሉ መለሱሉ።

“እሞ ሓንቲ ተጋዳሊት ምስኣ ኣይመጽአትን?”

“እታ ጠረው እግራ ድያ? ንሳ ደኣ ምስ ሰብ ሎሪ’ንድያ መጺኣ። እወ ኣባል ማሕበራዊ ጕዳይ’ንድያ። እወ፡ እታ ሰይቲ ወዲመሓመድ ጠፊኣትካ?” ተባሃሃሉ ኣብ ነንሓድሕዶም። ካስትሮ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ከም ሽዑ ተሓጒሱ ኣይፈልጥን። ንርሂጸበላዕ መታን ክረኽባ ድማ ናብ ወዲሸቃ ቅድሚ ምኻዱ፡ ኣበይ ከም ዘላ ሓቲቱ ኣብ ማእከል’ቲ መዓስከር ናብ ዝነበረ ክሊኒክ ኣምርሐ።

ርሂጸበላዕ፡ “ካስትሮ!” ኢላ ኣብ ኣፍደገ ተቐበለቶ። ንዓመታት ዝተፈላለዩ ሰባት’ውን ከምኡ ኣይሰዓዓሙን። ኣብኡ ከለው ወዲሸቃ ኣርከቦም። እግሪ እግሩ ኣቦይ ተኽለን ኣቦይ ሳልሕን ተሓወሱዎም። መሬት ክሳዕ ዝጽልምት ድማ ዕላል’ቲ   መዓስከር ብዛዕባ ካስትሮን ርሂጸበላዕን ጥራይ ኮነ።

ይቕጽል

መበል 87 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ክንዮ’ቲ ስደት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?