Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, June 18, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on August 16, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 82 ክፋል

መራፊትን ከባቢኡን ብሙቐት ናብ ነበልባል ተቐዪሩ ከሎ፡ ከተማ ኣስመራ ክልተ ሰለስተ ማይ ስለ ዝረኸበት ጠሊ ዘለዎ ኣየር’ዩ ክነፍሳ ቀንዩ። ሮዛ፡ ኣብ ስራሕ ኣምስያ ነቲ ጸጸኒሑ ዝነጕድ ዝነበረ ሰማይ ድሕሪ ምጥማት ማዕጾ ከፊታ ገዛ ኣተወት። ድሮ ካልኣይ ዓመቱ ቀሪቡ ዝነበረ መለስ ወዳ ገልጠም ናይ ማዕጾ ሰሚዑ ሰንደልደል እናበለ ብምጕያይ ደድሕሪ ፍረወይኒ ሓውቱ ሰዓበ። ሮዛ ንመለስ ሓቝፋ ንፍረወይኒ ከኣ ብኢዳ ሒዛታ ንውሽጢ ሳሎን እናኣተወት ከላ ፍረወይኒ፡ “ማማ’ቲ፡ ዓንተቦሲ ሓደ ሽግለታ ዘዊሩ ዝመጽአ ሰብኣይ’ስኒ፡ ‘ማማኹም ኣበይ ኣላ?’ ኢሉናስ፡ ደሓር ‘ንስራሕ ከይዳ’ ምስ በልናዮስ ‘እሞ ምስ መጽአት እዚኣ ንማማኹም ሃቡዋ’ ኢሉ ንጽርሃ ቡስጣ ሂቡዋ፡” በለታ ሓንሳብ ኣንቃዕሪራ ናብ ኣደኣ ሓንሳብ ድማ ንቕድሚኣ እናጠመተት።

“ካበይ ዝመጽአ ደብዳቤ ደኣ ኮይኑ ፍሬታ ጓለይ?”

“ንጽርሃ ክህባ ከሎ’ሲ ናይ ቀበሌ እዩ ኢሉዋ።”

“ሮዛ ኣብ ሶፋ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ሃቢ’ስክቲ ናይ ቀበሌ ደብዳቤ። ማማ ደኣ የላን ድያ?” ክትብል ሓተተታ ናብ ፍሬታ እናጠመተት።

“ንጸበል ከይደ’ለኹ ቀልጢፈ ክምለስ’የ ኢላትና ከይዳ።”

ነቲ ኣብ ሕቝፎኣ ዝነበረ መለስ ኣውሪዳ ነታ ደብዳቤ ከፊታ ክተንብባ ጀመረት። ካብ ዝፈርሓቶ ኣይወጽአትን፡ “ንሰንበት ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ኣጠቓላሊ ናይ ቀበሌ ኣኼባ ስለ ዘሎ ኣብ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለትን ሰዓትን ክትርከባ ንምሕጸን ወዘተ. . .” ዝብል መተሓሳሰቢ ነበረ። ሮዛ፡ ብፍላይ ናብኣ ጥራይ ዝተጻሕፈ መሲሉዋ ኣመና ፈሪሓ ነይራ። ኣኼባ ምስ ኮነ ግን ፍዅስ ኢሉዋ ብመጠኑ ተዛነየት። ‘ጣጣኦም ኣይውዳእን’ዩ እዚኣቶም። ናይ ገንዘብ ውጽኢት ግበራ፡ ህዝቢ ደም ክልግስ ጐስጓስ ኣካይዳ ክብሉ ይኾኑ፡’ በለት ብውሽጣ። እቲ እትካፈሎ በዅሪ ኣኼባ ቀበሌ እንታይ ክብሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ኣእምሮኣ እናተሳእላ ወ/ሮ ገብርኤላ ካብ ጸበል ተመልሳ።

ነጸላአን ኣንቢረን ኣብ ፊታ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ናይ እንዳ መን ቡስጣ እዩ ደኣ ሒዝክዮ ዘለኺ?” ክብላ ሓተታኣ።

“ናይ’ዞም ቀበሌ’ዩ። እንታይ ፈሊጠሎም፡ ንሰንበት ኣኼባ ስለ ዘሎ ክትርከቢ ኣለኪ ይብሉኒ’ለው፡” ኢላ ነታ ሰታሪት ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ሰንደወታ።

“እሞ ሎምስ ወሰን ኢሎም’ዮም ነዚ ሰብ ተኣከብ ተሰብሰብ ዝብሉዎ ዘለዉ። ኣብዚ ዝጸናሕኩዎ ጸበል ከኣ ኣርባዕተ ኣንስቲ ንሰንበት ኣብ ቀበሌ ተጸዊዕና’ለና ክብላ ሰሚዐየን። ናይ ኵሉ ሰብ እንተኾይኑስ ዘሰክፍ የብልክን ደሓን” በላኣ። ብዙሓት ዝፈልጥኦም ሰባት ተገዲዶም ኣባላት ቀበሌ ከም ዝኾኑ ስለ ዝፈልጣ ነቲ ጕዳይ ክንድ’ቲ ሚዛን ኣይሃብኦን። ሮዛ’ውን ብዙሕ ኣይተሻቐለትን። እንተኾነ፡ ድምጺ ሓፋሽ ‘ኣብ እከለ ዓዲ ዝነበረ ቀበሌ ፈሪሱ፡ ኣባላቱ ኸኣ ንኣድላዪ ትምህርቲ ኣብ ኢድ ሰውራ ኣለዉ፡’ ዝብል ዜና ትሰምዕ ስለ ዝነበረት ምሉእ ብምሉእ ኣይቀሰነትን። መሬት ከይጸልመተ ምስ ኣብርሃም ክትመያየጥ ብምሕሳብ ድማ ነጻላኣ ኣልዒላ ተበገሰት።

ኣብርሃም ቈጸራ ነይሩዎ ክወጽእ እናተበገሰ ከሎ ኣርከበቶ። ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣልዒላ ስግኣታ ኣብ ቀበሌ ከይመርጹዋ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓሚመ ዝብል ምኽንያት ሂባ ክትተርፍ’ሞ፡ ንሱ ድማ ሕምምቲ እያ ዝብል ናይ ሓኪም ምስክርነት ክጽሕፈላ ከም ዝሓሰበት ነገረቶ።

ኣብርሃም ጽን ኢሉ ክሰምዓ ጸኒሑ፡ “እንተኾነ ከም ሰብኪ ኣብ ኣኼባ ተሳቲፍኪ ትምለሲ ትኾኒ፡ ካብኡ ተረፈ እንተ መረጹኺ’ውን ኣይትጽልእዮ። ብዝያዳ’ኳ ደኣ ኣብ ውሽጢ ቀበሌ ብዙሕ ዝስራሕ ነገራት ክህሉ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣባል ቀበሌ ምዃን ከኣ ኣንጻር ሰውራ ምስላፍ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣይትዓሽዊ። ዓወትና ዝቀላጠፍ ነፍስወከፍና በብዓቕሙ ንረብሓ ሰውራ እንተ ሰሪሑ እዩ። ንኤርትራውያን ግን ሓደ ዝሃስየና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ግርህነትና እዩ። ብሓጺሩ፡ ስራሕ’ምበር ፖለቲካ ኣይለመድናን። ከም ጸላእትና ለመጫት ኣይኮንናን። ባህርና ዓው ኢልካ ምዝራብ ጥራይ’ዩ። መታን ክንዕወት ግን ናይ ውሽጥና ኣብ ከብድና ጌርና ጸላእትና ዝጨርሑዎ ጭርሖ ኣብ ምድጋም ክንሓምቕ የብልናን። ነዚኣ ግን ኣይንኽእላን ኢና። ሕጂ ግን ሰብ ብተግባሩ ስለ ዝምዘን ብዙሕ ዘሻቕል የብልክን፡” ኢሉ ኣቕሰና።

ንጽባሒቱ ንቀበሌ እናኸደት ከላ ኣብ መንገዲ ክልተ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣጓነፋኣ። ብማዕዶ ጽቡቕ ፍልጠት ስለ ዝነበረን ሰላምታ ተለዋወጣ። “ቀበሌና ደኣ ትፈልጥዮ ዲኺ ሮዛ?” ሓተተት ሓንቲአን።

“እንታይ ክገብር ኢልክኒ፡ ኣብ ገዛ’ንድዮም ደብዳቤ ኣጽኒሖምለይ። ከይተርፍ ከኣ መቕጻዕቲ ፈሪሐ። ናይ ደሓን ድዮም’ከ እዚ ዅሉ ተብተብ?”

“እቲ ጕዳይ’ኳ ክንድ’ዚ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ሓደስቲ ሓለፍቲ ቀበሌ ንምምራጽዩ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኔርና።”

“እዛ ጥቈማ ትብሃል ነገር ከላዶ ሰብ ከይቀስን! በሊ ንዓኽስ መን ይፈልጠኪ ሕጂ? በቲ ሓደ ካብ ገዛ ወጺእኪ ዘይትፈልጢ ኣደ ቘልዓ ኢኺ፡ በቲ ካልእ ከኣ ሰራሕተና መንግስቲ ኣይኮንክን። ኣወጣሽ ትብሃል ሰብ’ኮ በንቋሲታ  ትምጻ’እምበር ንሰብ ድቃስ ከሊኣቶ፡” ወሰኸት እታ ካልኣይቲ።

“ከመይ ዝበለት ኣወጣሽ እያ’ዚኣኸ?” ሓተተት ሮዛ።

“እንታይ ኣደኣ ፈሊጥናላ ኢልክና ሓንቲ ወንጫር’ያ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ንስኺ ዘለኽየን ንብዙሓት ክትጥቍም ውዒላ ነይራ። ክንዮ ገዛውትኹም እትቕመጥ ኣብ ኢዲዲሲ እትሰርሕ ሰይቲ ሓደ ኣምሓራይ’ያ።”

ሮዛ ብዘይካ ንጐረባብታን ኣዝማድ ሰብኣያን ካልእ ሰብ ስለ ዘይትፈልጥ፡ “ኣይፈለጥኩዋን ዘለኹ፡” ክትብል መለሰትለን።

“ሓንቲ ጸላም፡ ሓጺር ጸጕራ ኮይና ጥፍንቕ ኢላ እያ። ከም ገለ ንስራሕ ክትወፍር ከላ እንተ ኣጋጠመትኪ’ምበር ኣበይ ክትራኸባ ኢልክን። ብዝኾነ ኣብዚ ቀበሌና ናይ ሴቶች ማሕበር ጸሓፊት’ያ።”

“ኣ. .ሃ. . .! ፈሊጠያ’ለኹ። ሰብኣያ ኣብ ክፍለ ሃገር ዝሰርሕ ነዊሕ ድዩ?”

“በቃ ፈሊጥክያ’ለኺ፡ ንሳ እያ፡”

“ንሳ ደኣ ኣይ ሓንቲ ነግራም’ንድያ። ብዙሕ ግዜ እያ ምስ ሰብኣያ ንስራሕ ክትከይድ ተጓንፈኒ። ሓደ መዓልቲ’ኳ ኣብ ድኳን ክትቋየቝ ከላ ርእየያ ነይረ።”

“ሓንቲ ተወልጀ እያ። ናይ ንግርምናኣ ባዕላ ምፈለጠት። ‘ጸረ ኣብዮት እየን’ባ፡ ንኣብዮት ሓምየን’ባ’ እናበለት ንብዙሓት ኣሕዋትና ምብስባሳ እዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።” ከምዚ እናተባሃሃላ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቀበሌ ክልተ ሰብ ደው ኢሎም ሽጋራ ክሰትዩ ስለ ዝረኣያ ዕላለን ኣቋሪጸን ንውሽጢ ኣተዋ።

እቲ ንኣኼባ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣደራሽ ብኵርስታት መሊኡ፡ መናድቑ ብዘብለጭልጭ ጭርሖታት ተሸሊሙ ነበረ። ሮዛን መማጽእታን ተመራሪሐን ብድሕሪት ኣብ ዝነበረ ኵርስታት ኮፍ በላ። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣብ ነንሓድሕዱ ጕጅምጅም ክብል ዝጸንሐ ኣኼበኛ፡ “ሓንሳብ! ንሰማማዕ” ዝብል ናይ ኣቦ መንበር ድምጺ ምስ ሰምዐ ጸጥ በለ።

ኣቦ መንበር፡ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፡” ብምባል መደረኡ ጀመረ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ኣብዮትና ካብ ዝትኰስ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ክጻብኡዎ ዝጸንሑ ናይ የማን ይኹን ናይ ጸጋም ጸላእቱ ክብ ዝበለ ዓወት ተጓናጺፉ እዩ። ናይ ኣዕራብ ፔትሮዶላር ዝዋፈሩዎም ተገልጸልቲ ጕጅለታት እንተኾኑ’ውን፡ ኣብዮታዊ ሰራዊትና ካብ መላእ ኤርትራ ቀፍቂፉ ኣብ ጸቢብ ቦታ ከም ዝጽፍጸፉ ብምግባር ኣብ ክሳዶም ዘላ መሸንቈቓ መመሊሱ የጽብባ ኣሎ። ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ዓወት ናይ ጅግና ሰራዊትና ክትብሰሩ ምዃንኩም ክገልጸልኩም ከለኹ ደስ ይብለኒ። ስለዚ፡ ሰራዊትና ዝተጐናጸፎ ዓወት ንምድልዳል፡ ንኣብዮታዊ መራሒና ብምኽታል ኣብ ጐድኒ ጅግና ኣብዮታዊ ሰራዊትና ክንስለፍን ብዓቢ ኢትዮጵያዊ ወኒ ክንቃለስን ይግብኣና። ምስዚ ጐድኒ ጐድኒ ድማ ኣብ ሓምላይ ወፍሪ እጃምና ክነበርክት ኣብዮታዊ ግዴታና እዩ. . .” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሕርሻን፡ ኢንዱስትሪን ትምህርትን ዝተኻየደ ቃልስን ዝተሓፍሰ ዓወታትን ዘርዘረ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ምርጫ ዕዉት ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ምስ ገለጸ ደሞክራስያውነት ናይቲ ምርጫ ንኸእምን መድረኽ ንኮሚቴ ምርጫ ኣረከበ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ምምራጽ ስነስርዓት፡ እቶም ንይምሰል ዝተረቝሑ ሕጹያት ዝበዝሑ ብዘይ ተወዳዳሪ፡ ገለ ድማ ነቲ ጕዳይ መልክዕ ንምሃብ ተባሂሉ ብውድድር ተመርጹ። ኣቦ መንበር ንተመረጽቲ ናይ ለበዋ መደረ ድሕሪ ምስምዑ ናይ ከፍተኛ ሓላፊ ተሲኡ፡ “ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ካባኻትኩም ዝለዓለ ትግሃት፡ ተወፋይነትን እምነትን ትጽበ። እዚ ሓላፍነትዚ ኸኣ ዓቢ ሓደራ የሰክመኩም ከም ዘሎ ክትግንዘቡ ኣለኩም። ከም ተቓለስቲ መጠን ኣብ ጕዕዞ ኣብዮት ንዘጋጥመና መሰናኽል ብሳይንሳዊ ብልሓት እናፈታሕና ንቕድሚት ክንግስግስ ኣለና። ልዕሊ ኵሉ ግን ብኣብዮትና ዝመጽኣና ቀናኣትን ሸለልትነት ዘይነርእን ተቓለስቲ ክንከውን ይግብኣና። ኣብ ዝጽበየኩም ዘሎ ጽንኵር ኣብዮታዊ ቃልሲ ዓወት እምነየልኩም። የቐንየለይ!” ኢሉ ነቲ ዘቝጸልጽል መደረኡ በቲ ልሙድ ጭርሖታት ደምደሞ።

ይቕጽል

መበል 83 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጐስዒ ባሕሪ
Next Article ተኻሊኻ/ነቓሊኻ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?