Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on September 10, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

8ይ ክፋል

“ከም ምዕባይ’ኳ ኣብ ኣስመራ እየ ዓብየ። ኣምሓርኛ ግን ኣብ ቤትትምህርቲ ቍሩብ ተማሂርናዮ ኔርና’ንዲና፡ ደሓር ከኣ ኣብ ዝኾነ ቃል ቹቹ እንተ ኣእቲኻሉ ቀሊል’ዩ ኢሉ ኣስሓቓ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ደቂኣንስትዮ’ኳ ከም ባህሪ ቅልጡፍ ምልከት ናይ ቋንቋ ኣለክን’ዩ ዝብሃል። ሮዛ’ውን ጽቡቕ ኣምሓርኛ ኢኺ ትዛረቢ፡፡”

“ኪድ! ክተላግጸለይ ደሊኻ’ምበር ኣነ ደኣ ኣይካብ ኣምሓርኛ፡ ኣይካብ ትግርኛ ፋልሶ’ንድየ ተሪፈ። ከም ገለ ጽግም ክብለኒ ከሎ ወይ ሕርቕ እንተ ኢለ’ሞ ኸኣ ኣኺሉኒ ብጣልያንኛ እየ ዝድርጕሖ። ከም ገለ ዘረባ ጠፊኡኒ ወልደፍደፍ ክብል ዝሰምዓኒ መሳርሕተይ፡ “ናትክስ ንበይኑ እዩ! ኣብ ኣዲስኣበባ ልዕሊ ዓመት ተቐሚጥኪ ክተብቅዒ ክሳብ ሕጂ ኣምሓርኛ ዘየጽረኺ፡” እናበላ ክለግጻለይ’የን ዝውዕላ።

“ዓመት እንተ ኣሕሊፍክስ ትቕድምኒ ኢኺ ማለት’ዩ።”

ርእሳ ነቕኒቓ ብእወታ መለሰት። “ስድራኻ ኣስመራ’ለዉ ማለት ድዩ?”

“ኣብ ኣስመራ እዮም ዝነብሩ። ኣነ’ውን ኣብኡ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ግን ብገለ ኣጋጣሚ ስራሕ ቀዪረ መጺአ። ኣምላኽ ምሳኺ ክላለ ኢሉኒ እዩ’ምበር ኣስመራዶ ትግደፍ ኮይና!” ኢሉ ምዕጕርታ ተንከፋ ክምስታ ወሲኹ።

ቀንጠብጠቡ ደስ ኣይበላን። ቀንዲ ዕላማኣ ብዝከኣላ መጠን ማሕበራዊ ድሕረባይታኡ ምጽራይ ስለ ዝነበረ ግን ነቓዕ ረኺባ፡ “ኣብዚ ዓዲ ደኣ በይንኻ ትነብር ኣለኻ ማለት ድዩ?” ክትብል ተወከሰቶ ሓልዮትን ሻቕሎትን ዘበገሶ ብዝመስል ርግእ ዝበለ ኣወዳድቓ ቃላት።

ሰለሙን ነፍሱ ከፋልጥ ዕድል ብምርካቡ ንሕቶኣ ኣይጸልኦን። ኣብ ሰሙን ካብ ዝተዓዘቦ ባህርያታ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ከም ዘይትግደስ ስለ ዝተገንዘበ፡ ዝዓበየሉ ቦታ፡ ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ስርሑን ኵነታት መነባብሮኡን ከየጋነነ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸላ። ዘይምርዑው ምዃኑ ንገለ ዕቃበታታ’ኳ እንተ ኣወገደላ፡ መኪና ዝውንን ወዲ ሃብታም  ምዃኑ ግን ንቁምነገር ዘይኮነ ግዝያዊ ረብሓኡ ንምርዋይ ዝጓየ ዘሎ ኾይኑ ጥራይ ተሰምዓ። ኣብ ኣእምሮኣ ድማ፡ “ሓደ ወዲዓበይቲ ከመይ ኢሉ ንዓይ ክእክበኒ? ስድርኡ ዘምጽኡሉ ጓል ሃብታማት ክምርዖ ግድነት እዩ፡” ዝብል ሓሳባት ሕምብሊል ክተብል ጀመረት። ብከምዚ ድማ ልባ ኣብ ክልተ ተገዝዐ። ምናልባሽ ንቁምነገር ደልዩዋ እንተ ኾይኑ ድማ ታሪኽ ህይወታ ምስ ፈለጠ ክጥንጥና ከም ዝኽእል ብዘይ ጥርጥር ኣብ መደምደምታ በጽሐት።

ድሕሪ ናይ ሰዓትን ፈረቓን ዕላል ሰዓታ ክትርኢ ተዓዚቡ፡ “ንኺድዶ ሮዚና?” በላ። ብእወታ መሊሳትሉ ብድድ ምስ በለት፡ ተተሓሒዞም ብምውጻእ ኣብቲ ዓቢ ጐደና ተጸንበሩ። ድሮ ዓይኒ ክሕዝ ቀሪቡ ነይሩ። ከም ገለ ኮርያ ፈጨው ኢላ ከይትሃድሞ ስክፍታ ስለ ዝነበሮ፡ ክሳብ ትለዝበሉ ኵሉ ብፍቓዳ ክከውን ይሓይሽ ኣብ ዝብል ኣማራጺ ብምውዳቕ፡ “እሞ ኣብዚዶ ታክሲ ክንጽበ?” ኢሉ ታክሲ ክኰናተር ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው በለ። ክልተ ሰለስተ ናይ ኵንትራት ዝመስላ ታክስታት ብናህሪ ጥሒሰንኦም ክዕዘራ ረኣዩወን።

ሮዛ ኣብ ታክሲ ምስ ደየበት ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ከይወስዳ ሰጊኣ ብእግራ ምጕዓዝ ስለ ዘይደለየት፡ “ቀረባ’ንድዩ፡ እናዕለልና ብእግርና ዘይንኸይድ፡” በለቶ።

በቲ ዘይተጸበዮ መልሳ ተተባቢዑ ኢዱ ናብ ጐድና ኣሕሊፉ ሓቘፋ’ሞ፡ ከይተዘራረቡ ንሓጺር መንገዲ ሰጐሙ። በዅሪ ተመክሮኣ ብምንባሩ ልባ ህርመት ወሲኻ ዲጕ! ዲጕ! ክትብል ከላ ተሰምዓታ። ምሉእ ሰብነታ ረመጽ ተኻዕዩዎ ሰብነታ ረስኒ ንሰለሙን ከይተረፈ ኣብ ቀላጽሙ ተፈለጦ። እቲ ነገር ሃንደበት’ዩ ኮይኑዋ። እንተ ገደደ ብኢዳ ሒዙዋ ክጐዓዝ’ምበር ክሓቝፋ ፍጹም ኣይተጸበየቶን። በቲ ሓደ ኣብ ማእከል ጽርግያ ብፈንወኒ ኣይፍንወክን ከይጐናፈጡ’ሞ ሰብ ከይእከብ፡ በቲ ካልእ ድማ ፍሉይ ናይ ባህታ ስምዒት ስለ ዝፈጠረላ፡ ብዘይ ተጕላባ ትም ኢላ ካብ ምካድ ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበራ ጕዕዞኣ ቀጸለት።

ህርምት ልባን ሙቐት ሰብነታን ደፍእ ኢሉ ናብ ንቡር ምስ ተመልሰ፡ ላውራ መሓዛኣ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘዕለለታ ነገር ዘኪራ ብፍርሒ ተዋሕጠት። ንሓጺር መንገዲ ዘረባ ከየምለቝ ብስቕታ ምስ ተጓዕዙ፡ ሰለሙን ብግደኡ ኵነታት መነባብሮኣ መታን ክፈልጥ፡ “ኣብዚ ደኣ ምስ መን ትነብሪ ኣለኺ፡” ክብል ሓተታ።

ብሓሳብ ኰብሊላ ጸኒሓ፡ “ምስ መን ትነብሪ ዲኻ ዝበልካ?” በለቶ በተን ፍሩያት ኣዒንታ ኣንቃዕሪራ እናጠመተቶ። ስክፍታኣ ገና ኣይነከየን ነይሩ።

ብእወታ ምስ መለሰላ፡ “ኣብ ቄራ ከለኹ ምስ ሰብየ ተጸጊዐ ነይረ። ሕጂ ግን ኣብ ሓንቲ ክሽነ ትመስል ጸባብ ገዛ ተኻርየ እነብር ኣለኹ። ቍሩብ ግፍሕ ዝበለ ገዛ እየ ደልየ ነይረ፡ ክሰልጠኒ ግን ኣይከኣለን። እዞም ደላሎ ከኣ ክረግሙ ጕድ’ዮም! ብሎሚ ጽባሕን ብሕራይን ኣሕርር ኣቢሎም። ቅድሚ ሰሙን ግን ደሓን ይእቶ ሃደ መሳርሕትና ኣብ ናይ ሃዉ ፋርማችያ ክሰርሕ ናዝሬት ናብ ዝብሃል ዓዲ ክኸይድ ስለ ዝኾነ ኣብ ጉለሌ ዝብሃል ቦታ ዘሎ ገዝኡ ክገድፈለይ ተስፋ ሂቡኒ’ሎ። ከም ዝበለኒ እቲ ክራይ መጡን ኮይኑ፡ እቲ ገዛ’ውን ግፍሕ ኢሉ እዩ፡” ክትብል መለሰትሉ።

ብኵነታታ ደንጊጹ፡ “ደሓን ካብኡ ዝብ ዝቕረበ ቦታ ባዕለይ ገዛ ክደልየልኪ እየ። ጉለሌ ምስ ዘለዎ ራሕቂ ንዓኺ ዝኸውን ቦታ ኣይኮነን፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስድራኺ ኣብ ኣስመራ ኣለዉ ማለት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበላ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ምስ ዝበለቶ ዘረባ ተጋራጫዊ ኮይኑዎ።

ሕቶኡ ንዓመታት ንድሕሪት መለሳ። “ናይ ስድራ ነገር ነዊሕ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ሕጂ ዝለዓል ኣይኮነን። ብቐዳማይ ዝምልሰልካ ምስ ጠፍኣኒ ምስ ስድራይ ከም ዝነብር ገሊጸልካ ነይረ ኣይትሓዘለይ፡” ኢላ መንዲላ ኣውጺኣ ተናፈጠት። ብወዝቢ ዘውጽኣታ ቀላል ጕዳይ ክነሳ ንዓኣ ግን ክትሓቕያ ቀንያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሰንበቱ ናብ ቤተክርስትያን ከይዳ ክትናዘዝ ግድነት ኮይኑዋ እዩ።

ሰለሙን ኣዒንታ ማይ ምዒጕን ከም ዝነበራ ኣየስተውዓለላን። “ምስ ስድራኣ ተባኢሳ ዝመጽአትዶ ኮይና? ኣቦኣ ምስ ሞቱዋ ኣብ ሽግር ዝወደቐት ሰብ ደኣ ክትከውን? ሓደ ዘፍቀረቶ ጠሊሙዋ እንተ ኾነኸ? ምናልባት ሓደ ዓመጸኛ ምስ ኣሕሰማ ካብ ስድራኣ ሃዲማ ዝመጽአት’ውን ትኸውን . . .፡” ዝብል እንተታት ኣብ ኣእምሮኡ ዕንክሊል ኣበለ። ኣብ መወዳእታ ግን ከም ባህሪ ምስ ደቂተባዕትዮ ክትቀርብ ዘይምድላያ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መደምደምታኡ ናብቲ ናይ መጨረሽታ ግምቱ ከዕልቦ ተገደደ።

ሰለሙን እናዕለሉ ብእግሮም ክክቕጽሉ ኣይጸልአን። መሬት ክጽልምት ስለ ዝጀመረ ግን ንዶሮማነቅያ ብእግሮም ክሰግሩዋ ኣይደፈረን። ስለዝኾነ፡ ታክሲ ክወስድ ብምውሳን እቲ ከባቢ ብጸልማት ክትከዶ ሓደገኛ ምዃኑ ምስ ገለጸላ ንርእይቶኡ ሓንጎፋይ ኢላ ተቐቢላቶ።

ታክሲ ኣብ መጥወዪ ገዛኣ ምስ ኣውረደቶም ክትፋነዎ ደው በለት። ንበይና ትነብር ካብ ኮነት በቲ ሓደ ገዛኣ ክርእዮ፡ በቲ ካልእ ድማ ከዕልላ ከምሲ ብምሕሳብ፡ “ኣብ ገዛኺ ከብጽሓኪ እየ፡” ስለ ዝበላ ከም ዝንብድ ኢላ፡ “ገዛይ በጺሐ’ንድየ፡ ኣፍደገኣ’ኮ እዛ ትርኣየና ዘላ ማዕጾ እያ፡” በለቶ ኣብ ማዕዶኣ ናብ ዝነበረ ብዚንጎ ዝተሰርሐ ማዕጾ እናኣመልከተት።

ንሱ ግን፡ “ምሳኺ እንተ ዘይከድኩ፡” ኢሉ ድርቕ በለ። ስክፍታኣ ገለ ጐረባብቲ ከይርእያኣ እዩ ነይሩ። ቍሩብ ሕስብ ኣቢላ፡ “ሕጂ እንተ መለስኩዎ ጽባሕውን ከምኡ ክብለኒ እዩ። ስለዚ፡ ሰላም ክረክብ እንተ ኾይነ ክቐብጽ ክሓድጐ ይሕሸኒ። እንታይ ዓይነት ገዛን እንታይ ከመይ ዝኣመሰለ መነባብሮን ከም ዘሎኒ ምስ ፈለጠ ሰላሕ ኢሉ ክወጽኣለይ እዩ፡” ኣብ ዝብል ውሳኔ በጽሐት። ዘረባ ከይወሰኸት ድማ መሪሓቶ ዓሰርተ ስጕምቲ ኣቢላ ምስ ከደት ንጸጋም ተጠውያ ኣብታ ንጐድኒ ጽብብ ዝበለ ቀጽሪ ዝነበራ ኣፍደገ ኣተወት።

*             *             *

ብሸነኽ የማን ተር ኢሉ ኣብ ዝርአ ገዛውቲ ጕጅም ናይ ዝብሉ ስድራቤታት ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። ካብ ውሽጢ ገዛውቲ ናብቲ ቀጽሪ ናይ ዝሰለዅ ደብዛዝ ብርሃን ተሓጊዝካ  ኣብ ቅድሚ ነፍስወከፍ ገዛ ዝተዀመረ ኣዕጫውን ሕብሩ ከም ዝቐየረ ክትፈልዮ ዘጸግም ኣረገውቲ ፊስቶታት ማይ፡ ጥፋእ ፈሓም ወዘተ ትዕዘብ። ደርገፍገፍ እናበሉ ተመራሪሖም ነታ ከም ናይ ሓባር ዓይኒምድሪ እተገልግል ንእሽቶ ማዕጾ ንጸጋም ሓዲጐም ደው በሉ። ሮዛ ቦርሳኣ ሃሰስ ኢላ መፍትሕ ድሕሪ ምውጻእ ሊኬቶ ከፊታ ናብታ ከም በዓቲ ጸልሚታ ዝነበረት ገዛኣ ኣተወት። ናብ ሸነኽ ዓራት ብምስጓም ኢዳ ናብ ልዕሊ መተርኣስ ሰዲዳ መብራህቲ ክሳብ ትውልዕ ኣብ ልዳት ተጸበያ። ብርሃን ቅድድ ምስ በለ ምስጢር ናይታ ሰለስተ ብሰለስተ ሜትሮ ዝስፍሓታ ገዛ ተጋህደሉ። እታ ክፍሊ ጽሬታ ዝተሓለወ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብዘይካ ሓንቲ ጽብብ ዝበለት ዓራት፡ ካብ እንዳ ሓራጅ ዝተዓደገ ዝመስል እርግ ኢሉ ከብሒ፡ ብድስቲ ኵስኵስትን ጠራሙዝን ዝተሰለመት ጠረጴዛን፡ ኣብቲ ሃሳስ ሰማያዊ ዝሕብሩ መንደቕ ዝተንጠልጠለት ስእሊ እግዝእትነ ማርያምን ካልእ ዝጠቅም ኣቕሓ ኣይነበራን።  ብሸነኽ መተርኣስ ናይታ ደባን ኮቦርታ ዝነበራ ዓራት’ውን ምስሊ ናይ ጐይታና እየሱስ ክርስቶስን እትበርሕ መቝጸርያን ጐሊሐን ይረኣያ። ምድሪቤት ናይቲ ገዛ ስሚንቶ ዝተለበተ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ሓሓሊፉ ምቅልላጡ ጽፍሑ ስለ ዘይሓለወ ኣብ ጸግዒ መንደቕ ዘላ ጠረጴዛ ሰንከልከል መታን ከይትብል ብውሻል ዝተደገፈት ነይራ።

ሮዛ ንሓንቲ ካብተን ኮፍ ክትብለን ከለኻ ዓጠጥ ዓጠጥ ዝብላ ተዓጸፍቲ ኵርስታት ዘርጊሓ፡ “ኣብዚኣዶ ኮፍ ክትብል፡” ኢላቶ ንሳ ኣብ ዓራት ኮፍ በለት።

ሰለሙን ኣብ ልዕሊ’ታ ነቀይ ነቀይ ትብል ኵርሲ ኮይኑ ነታ ብኵለንትናኣ ዝገረመቶ ክፍሊ በዒንቱ ክዀላ ጀመረ። ከም ክሽነ ክተገልግል ጸኒሓ ከም መንበሪ ገዛ ንኽተገልግል ከም ብሓድሽ ከም ዝተዓራረየት ብዙሕ ምልክታት ተዓዘበ። ናብ ናሕሲ ገጹ ምስ ጠመተ፡ እቲ ሓሓሊፉ ነዃል ዝረኣዮ ዝነበረ ዚንጎ ተሰኪሙዎ ዝነበረ ጠቐር ኖራ ምስ ተለኽየ፡ ቡናዊ ዝመስል ሕብሪ ከም ዝተፍአ ከስተውዕል ከኣለ። ድኻታት ካብኡ ኣብ ዝገድድ መኦቀሊ ጓሶት ዝመስል ኣባይቲ ከም ዝነብሩ ይርድኦ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብግብሪ ከጋጥሞ ግን ናይ መጀመርያ ግዜኡ ነይሩ። ኵሉ ነገር ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ “እዚኣ ትመስል ሰብ ኣብዚ ክትነብር ሃየንታ እዩ!” ብምባል ኣስተንተነ። ከም ባህሪ ርህሩህ ስለ ዝነበረ ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱዎ ኵነታት ከብዱ በልዖ። ድንጋጸን ፍቕርን ተደራሪቡዎ ድማ ንገለ ካልኢታት ርእሱ ደፊኡ ዝን በለ።

“ኣብዚ ኢኺ ትነብሪ?” በላ ድሕሪ ነዊሕ ስቕታ። ብሕቶኡ እናተገረመት ርእሳ ነቕኒቓ ብእወታ መለስትሉ። ኣብ ገጹ ናይ ድንጋጸ ስምዒት ይንበብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃሳብ ጥሒላ ስለ ዝነበረት ክተስተውዕለሉ ኣይከኣለትን። ክሳብ ክንድኡ ዝድንጕ ስለ ዘይመሰላ ቀልጢፉ ክወጽኣላ ብዓቕሊ ተጸበየት። ዝምረር ሃሩር’ኳ እንተ ዘይነበረ መንዲሉ ኣውጺኡ ንግንባሩ ታህ ታህ ኣቢሉ ዝነበረ ረሃጽ ክደርዝ ምስ ተዓዘበት እናተሰከፈት፡ “ሃሩር ኮይኑካ ድዩ ሰለሙን?” ኢላ መስኮት ክትከፍተሉ ብድድ ኢላ ሰጐመት።

ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ጥሒሉ መንፈሱ ተረቢሹ ስለ ዝነበረ፡ “ኮፍ በሊ ጽቡቕ ኣለኹ፡” ኢሉ ብኢዱ ኮፍ ክትብል ኣመልከተላ።

ኣብታ ክፍሊ ከም ብሓድሽ ህድኣት ሰፈነ። ሮዛ ኵነታቱ ከቢዱዋ፡ “እሞ መዕለሊ ክኾነና ሻሂዶ ከፍልሕ?” ኢላ ከም ትስእ በለት ንቃልዓለም።

“ኣይሰትን’የ፡ ኮፍ ጥራይ በሊ ሮዛ፡” መለሰላ ናብኣ ገጹ ቍሊሕ ከይበለ። ኣብታ ቍሩብ ነቕ እንተ በለ ንየው ነጀው ተብሎ ዝነበረት ዘይምችእቲ ኵርሲ ኮፍ ኢሊ፡ ዓለም ብሓቂ መዳለዊት’ያ! ሕጂ እዛ መስኪነይቲ ፍጥረት እንታይ ስለ ዝበደለት’ያ ኣብዚ ተደርብያ ዘላ? እዚ ቦታኣ ኣይኮነን። ኣብዛ ጨካን ዓለም ካልእ ካብዚ ዝበልጽ ኣዝዩ ምሩጽ ህይወት ከም ዘሎ ትፈልጥዶ ትኸውን? ክንደየናይ ክትፈልጥ፡ ትፈልጥ እንተ ትኸውን ነዚ ከርፋሕ ህይወት’ዚ ጠንጢና ምስቶም ሉል ዝመስላ መካይን ሒዞም ቀንፈዘው ክብሉላ ዝውዕሉ ዝነበሩ ደቂተባዕትዮ ምተኣከበት ነይራ’ምበር፡ መንፈሳ ተረጋጊኡ ተመስገን ኢላ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛ ከርፋሕ ናብራ ኣይመሕለፈትን ነይራ። ናይ ኣግዝኣብሄር ሰብ ክትከውን ግን ኣለዋ፡” ክብል ጸኒሑ፡ ንሓጺር ህሞት ደኒኑ ትም ድሕሪ ምባል ርእሱ ኣቕኒዑ ጠመታ።

መንከሳ ኣብ ጉምቦ ኢዳ ኣመርኵሳ፡ “ብሓቂ ደስ ኢሉዎ ድዩ ኮፍ ኢሉ ዘሎ?” በለት ብውሽጣ ከመይ ኢሉ ዓቕሊ ገይሩ ከም ዘሎ እናገረማ። ኵነታቱ ፍጹም ክርድኣ ኣይከኣለን። ሰለሙን ኣብ ገጻ ብዘይካ ናይ ቅሳነትን መንፈሳዊ ዕግበትን ናይ ጭንቀት ወይ ናይ ምርባሽ ምልክት ኣይተዓዘበን።

“እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃና ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ሕሱም መነባብሮ እናሕለፈት ከላ ቅስንትን ሕጕስትን ትመስል ኣላ። በንጻሩ ኣነ ንወዲሰብ ኣብ ህይወቱ ዘድልዩዎ ነገራት ተማሊኦምለይ ክነሶም ሰለምንታይ እየ ዝሻቐል? ምስጢር ናይ ህይወት እንታይ’ዩ? ወዲሰብ ቀሲኑ ንኽነብር እንታይ’ዩ ክገብር ዘለዎ? ርግጽ’ዩ ሰብ ኮይኑ ንሰናይ ትገባር እንተ ዘይኮይኑ ንክፉእ ነገር ክዕጠቕ የብሉን። ሕጕስ ኮይኑ ንኽነብር ግን ንሱ ጥራይ እኹል ድዩ? ኖ! ካልእ ምስጢር ናይ ህይወት ክህሉ ኣለዎ፡” ብምባል ምስ ሕልናኡ ክምልሶ ኣብ ዘይክእል ዲቕ ዝበለ ክትዕ ተጸምደ።

ትም ምባሉ ምጽዋር ስለ ዝሰኣነቶ ክተዕርፍ ከኣ ስለ ዝደለየት፡ “ሰለሙን! ገዛይ ዘብጻሕካኒ ግራሴ፡ ሕጂ ግን ገዛኻ እንተ ኸድካ ይሓይሽ። እዘን ጐረባብቲኸ እንታይ ክብላኒ? በጃኻ ሰለሙን ሓወይ፡” በለቶ ብሓውሲ ኵራን ልማኖን።

ንሕቶኣ መልሲ ከይሃበ፡ “እዚ ገዛ’ዚ ንዓኺ ዝኸውን ኣይኮነን ሮዛ፡ ካልእ ገዛ ክደለየልኪ ምዃነይ ፍለጢ፡” ክሳዱ ብምቕናዕ ኣዒንቱ ተኺሉ እናጠመታ።

ከምኡ ምባሉ ክርድኣ ስለ ዘይከኣለ፡ “ስለምንታይ ግን ከምኡ ትብል ኣለኻ? ክትብል ርእሳ ከየቕንዐት ተወከሰቶ።

“ስለ ዘፍቅረኪ፡ ብኵነታትኪ ከኣ ልሰ ዝደንገጽኩ።”

“ስለ ዘፍቅረኪ፡” ዝብላ ቃላት ምስ ሰምዐት ሓጐሳ ሰማይ ዓረገ። ከም እተፍቅሮ ግን ከመይ ኢላ ክትዛረብ? እንታይ ከም ትምልሰሉ ከይተረድኣ፡ “ዋእ! ብሃቂ ዲካ ደንጊጽካለይ?” በለቶ ደርጊ ስና ጋሊሃ ብክምስታ።

ይቕጽል

9ይ ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 14 መስከረም

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝተመሳቐለ ቃላት ቁ 2
Next Article መንጉዳይ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?