Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on July 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

9ይ ምዕራፍ መበል 72 ክፋል

ሮዛ ግዜ ከም ብዕሪር ተመጢጡዋ ስለ ዝጸንሐ፡ “ደሓን እቶ ጫረ፡” ኢላ መረቐቶ ብውሽጣ። ንበይኖም ምስ ተረፉ፡ ቀሪባቶ ዝጸንሐት ጥስቲ ናብ ገዛ ብምእታው፡ “ሃየ በል ሰብነትካ ተሓጸብ፡” በለቶ ሳሙና እናቐረበት።

ክዳውንቱ ክሳብ ዘውጽእ ነቲ ካብ ዘምቢላ ተውጽኦ ዝነበረት ቅያር ዝኾኖ ስረ ውሽጥን ካናቴራን ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስኣበባ ዝኽደኖ ዝነበረ ጃኬትን ስረን ምስ ረኣየ፡ ክሳብ ክንድኡ ተገዲሳ ምዝካራ ብልቦናኣ ተገሪሙ፡ “ናትኪ ነገር ግርም’ዩ ዝብለኒ ሮዚና፡ ከመይ ኢልኪ ነዚ ዅሉ ክተርክብሉ ክኢልኪ?” በላ ክዳኑ ኣውጺኡ ኣብ ጥስቲ ኮፍ እናበለ።

“ነዚ እንተ ዘይዘኪረ ደኣ ኣሚንካ ኣይኮንኩን ማለት እዩ’ኮ ሰሌ። ኣብ በረኻ እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ተሕልፍ ዘይርድኣኒ ድዩ ዝመስለካ? እዚ’ኳ ጾር ከይበዝሓና ፈሪሐ’ምበር ብዙሕ ነገር’የ ክማላእ ሓሲበ ነይረ። ብዝኾነ ንግዜኡ ይኣኽለካ ይኸውን ኢለ እተን ትፈትወን ዝነበርካ ክዳውንቲ ጥራይ ተማሊአልካ ኣለኹ፡” እናበለት ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት ክዳውንቲ ኣብ ንእዲ ደርብያ ሳሙና ድሕሪ ምዕፋር ሕቘኡ ክትማዝዎ ጀመረት።

“ሓልዮትኪ ዝነኣድዩ ሮዛ፡ ምኽንያቱ ኣነ እንተ ዘይተኸደንኩዎ ካባይ ንላዕሊ ዝዓረቑ ብጾት ይኽደኑዎ። ግን ከኣ ክሳብ ክንድዚ ዕርቃንኮ የብልናን።”

ዘረባኡ ምርዳእ ስለ ዝሰኣና፡ “ስለምንታይከ ንስኻ ዘይትኽደኖ? እዚ ዝረኣኹዎ’ንድዩ ክዳንካ፡” በለቶ ብታኪና ዝቐድሓቶ ማይ ሒዛ ደው ብምባል።

“ምኽዳን ደኣ ክኽደኖ እየ’ኮ፡ ቅያር ክሕዝ ግን ካብ ሰውራዊ ስነምግባር ወጻኢ እዩ። ኣብ ሰውራ ሓላፍን ተራን ብማዕርነት ኢና ንመሓደር። ዝጠቅም ንብረት የሎን’ምበር ንዅሉ ብሓባር ኢና ንውንኖ። ንኣብነት ሬድዮ ተማሊእክለይ እንተ ትነብሪ ብሓባር ምተጠቐምናላ ኔርና። ንተጋዳላይ ከም ንብረት ህዝቢ ተረድእዮ፡ ንገዛእ ርእሱ ንብረት ሰውራ ስለ ዝኾነ ንብረት ከጥሪ ኣይክእልን’ዩ። ተረዲኡኪዶ?” ኢሉ ከም ትግረመን በዘራርባኡ ከም ትስሕቕን ገበራ።

በዓልቤታ ሕልፊ ሰብ ክኽደነላ ትብህግ’ኳ እንተ ነበረት ክትቃወሞ ስለ ዘይደፈረት፡ “ተረዲአካ’ለኹ ሰሌ። ልዕሊ ሰብካ ኣይትጥመየንን ኣይትዕረቐንን ደኣ’ምበር እንታይ ገዲሹኒ ባዕልኻ ኣለኻዮ፡” ኢላ ሳሙና ክተዕፍር ጀመረት።

“ካልኣይ ግዜ ዲኺ ሳሙና ተዕፍሪ ዘለኺ?”

“ኣታ ሰሌ ትሮፖ’ንዲኻ ረሲሕካ ኔርካ። ሰብነትካ ኣይበልዓካን ድዩ? ክንድዚ ዝኣክል ርስሓት ተሰኪምካ ከመይ ኢልካ ትድቅስ ኔርካ? ርስሃትካ’ኮ ከም ስርዓት’ዩ ክቕረፍ ጸኒሑ፡” በለቶ እናተገረመት።

“እሞ ሎምስ ከም ደርሆ ከይትመልጥኒ የፍርሕ’ዩ!”

“ክንደይ ጌርካ’ለኻ ሰብነትካ ካብ ዘይትሕጸብ?”

“ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።”

“ዲዮ ሚዮ! እሞ ኣይትሓምምን? ማይ የብልኩምን ድዩ?” በለቶ ነገራቱ ደንጽዩዋ። ሰብ ንኣዋርሕ ከይተሓጽበ ከም ዝጸንሕ ክትሰምዕ በዅሪ እዝና’ዩ።

“ሽዑ ሳሙና ስለ ዘይነበረና ብእምኒ ሩባ እናፋሕፋሕና ከም ዝተሓጸብና ጽቡቕ ገይረ እየ እዝክሮ፡” በላ ሽዑ ምስኡ ንዝነበረ ስዉእ ብጻዩ እናዘከረ።

“ጸጸኒሕካ’ባ ዝገደደ ኢኻ ትሰምዕ!” እናበለት ሕቘኡ ምድራዝ ቀጸለት። ተሓጺቡ ምስ ወድአ፡ ሮዛ ኣቕሑ ክሳብ ትእርንብ ጸጕሩ ሰንቲሩ ኣብ ንእዲ ደዪቡ ጸንሓ። ገዛ ዓጽያ ኣብ ንእዲ ምስ ኣርከበቶ፡ ፍርቂ ሰብነታ ኣብ ኣንሶላ ኣእትያ ክዳና ክተውጽእ ጀመረት። ሰለሙን ጥንቅልዒት ደቂሱ ከሎ ናብ ኣጡባታ ቍሊሕ በለ። ቍሩብ ሸጥ ኢለን’ምበር ካብ ናይ ቀደም ግዝፈን ዳርጋ ኣይነከያን። ኣብ ውሽጢ ኣንሶላ እናኣተወት፡ “ኣታ ሰሌ ሓወይ፡ እዚ ጭሕምኻስ ኣይበልዓካን ድዩ? ጽባሕስ ላጽዩ በጃኻ፡ ጸላኢና! ዛዕጊፍካ’ንዲኻ፡” በለቶ።

ኢዱ ኣብ ዝባና ኣንቢሩ፡ “ኣብ ሰውራ እንታይ ዘይልመድ ሮዛ፡ ኣብ ታዕሊም ከለኹ ስለ ዘይለመድኩዎ ማራ ጸሊአዮ ነይረ። ድሕሪኡ ግን ፈትየዮ፡ ላጽዮ’ኳ ኣይመጽኣንን፡” ድሕሪ ምባል ከዛርባ ስለ ዝደለየ፡ “ሓቂ ተዛረቢ፡ ናፊቕክኒዶ ኔርኪ?” ክብል ተወከሳ።

“ኣንኮራ ትሓተኒለኻ? ብናፍቖትካ ኣይብላዕ ኣይስተ ኮይነ ነይረስ! ስቕ በል ደኣ ናይ ሽዑስ ኣይትዘክረለይ። ናቱ ገዲፍና ጠጥዑሙ ነዕልል ሰሌ ሓወይ፡” ኢላ ሓቝፋ ኣብ ከንፈሩ ሰዓመቶ። ኣፍኵሶም ክሰዓዓሙ ጀመሩ። በብቝሩብ ሙቐት ሰብነቶም ወሰኸ። ክሳብ ዝልህልሁ ምስ ተሰዓዓሙን ኣካላቶም ምስ ተደራረዙን ወሲብ ኣብ ምፍጻም ኣተዉ። “እዋይ ሰሌ ሓወይ፡ ብፍቕርኻ ክጽልለየ ኣነስ! . . .” ዝብላ ቃላት ብፍኑው መልክዕ ተድምጸን ነበረት። ብኡንብኡ ስምዒቶም ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምስ በጽሐ ተሓቛቚፎም ጸጥ በሉ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ ሰለሙን ዛሕሊ ተሰሚዑዎ ስለ ዝተበራበረ፡ “እሂ ሰሌ ቈሪርካዶ ጸኒሕካ?” በለቶ ፍሕትሕት እናበለት።

“እወ፡ ተቐሊዕና ስለ ዝጸናሕና ቈሪረ፡” እናበለ ኣብ ፍርቂ ነፍሶም በጺሑ ዝነበረ ኣንሶላን ኮቦርታን ስሒቡ ከደና። ከም ብሓድሽ ድማ ተሓቛቒፎም ደቀሱ። ትኽስ ክሳብ ዝብሉ ናፍቖቶም ክገላለጹ ጸኒሖም ብዙሕ ከይደንጐዩ ዳግማይ ወሲብ ፈጸሙ። ሰዓት ዓሰርተ ምስ ኣኸለ ድማ በጥ ኢሎም ደቀሱ።

ቤተክርስትያን ዝግብ ክድወል ከሎ ሰለሙን ሽንቲ ማይ ክደፍእ ተስአ። መሬት ብግመ ተሸፊኑ ምእመናን ዝግብ ጋብታቶም ተጐምጊሞም ናብ ኣምላኾም ጸሎት ከብጽሑ ወረር ወረር ክብሉ ተዓዘበ። ነቶም ኣብቲ ገፊሕ ደምበ ዒሞም፡ ዒፍዒፍታ ባሕሪ ከይገደሶም ብቕሳነት መጕስዕ ዝመልሱ ዝነበሩ ክልተ ኣብዑር ሰጊሩ ኣብ እግር’ቲ ሓጹር ሸይኑ ተመልሰ። ደርገፍ ክብል ምስ ሰምዓቶ ካብ ድቃሳ ተበራበረት። ኣብ ንእዲ እናደየበ ከሎ፡ “ሰሌ ሓወይ ሽንቲ’ንድዩ መጺኡኒ፡” በለቶ።

“ከመይ ኢልና ረሲዕናዮ ጓለይ? ባዞ ክንቅርብ እዩ’ኮ ነይሩና። እሞ ኣብ ደገ ሼንኪዶ ክትመጽኢ? ዳርጋ ወጊሑ እዩ’ኮ፡” በላ።

“እዋይ! ንበይነይ ደኣ ክፈርሕ’ንድየ፡”

“እንታይ ከይመጽኣኪ ፈሪሕኪ?” ድሕሪ ምባል፡ “በሊ ንዕናይ ከሰንየኪ፡ ክዳን ግን ደርቢ፡” ኢሉ ብኢዳ ሒዙዋ ኣብ ጫፍ ናይቲ ሓጹር በጽሐ።

“ሔው! ቍሪ’ሎ” እናበለት ሽንቲ ማያ ደፊኣ ምስ ወድአት ገዛ ኣተዉ። ኣብ ንእዲ ደዪቦም ኮቦርታ ድሕሪ ምኽዳኖም፡ “ኣብቲ ድፋዕ ትብሉዎ ከምዚ እዋን ዲኹም ትትስኡ?” በለቶ ብመጠኑ ተበራቢራ።

“ኣብኡ ደኣ ከይደቀስካ ምሕዳር’ውን ኣሎ። ሕጂ ንደቅስ ጥራይ፡ ጽባሕ ብዛዕባ ኵሉ ክነዕልል ኢና፡” ኢሉ ኣብ ግንባራ ስዒሙዋ ደቀሰ።

“ሕራይ ሰሌ ሓወይ፡” ኢላ ኣብ ደረቱ ተሸኵዐት።

ይቕጽል

መበል 73 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 5 ሓምለ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሰብ’የ
Next Article ኣሎና ከኣ ንብል
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?