Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on June 17, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል  (ሃንችባክ)

9ይ ምዕራፍ መበል 69 ክፋል

ሮዛ ካብ ከረን ካብ ትምለስ ኣትሒዛ ኣይቀሰነትን ነይራ። ንወ/ሮ ገብርኤላ፡ “ኣንቲ ማማ፡ በጃኺ ሓንቲ መዓልቲ ናብዛ ግንባር ደቀምሓረ ትብሃል ቦታ ንብጻሕ፡” እናበለት ካብ ምጭቕጫቐን ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን። ንሰን ግን ብዛዕባ’ቲ ቦታ ጽቡቕ ኣፍልጦ ስለ ዝነበረን፡ “ኣንቲ ሮዛ ጓለይ፡ ሰለሙን ዘለዎ ቦታ ከየጻረና’ሞ ናበይ ኢና ንኸዶ? ደሓር ከኣ ሰብ መሪሑና ክኸይድ እንተ ዘይኮይኑ ንበይንና ናበይ ኢና ክነብል? ከምዚ ናይ ከረን በተግ ኢልና እንተ ኼድና ኣደዳ ድኻም ከይንኸውን እዩ ስግኣተይ። ስለዚ፡ ገለ ፍንጪ ክሳብ ንረክብ ቍሩብ ዓቕሊ ግበሪ፡” እናበላ ምስ ኣደዓዕሳኣን፡ ኣብርሃም ወደን ግንባር ደቀምሓረ ክብሃል ከሎ ሰፊሕ ቦታ ምዃኑ ምስ ኣረድኣን ንገለ ሰሙናት ተዓገሰት።

ብኸምዚ ሰሙን ብሰሙናት ወርሒ ድማ ብኣዋርሕ እናተተክአ ብዝኸደ መጠን፡ ሮዛ ተስፋ ክትቈርጽ ጀመረት። ለይቲ ንሰለሙን ክትዝክሮ ከላ ዝተሰውአ’ምበር ብህይወት ዘሎ ስለ ዘይመስላ ንብዓታ ጀረብረብ ተብሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ተመዛዚ ኣውጺኣ ብምንባብ ነፍሳ ኣጸናኒዓ ክትድቅስ ትፍትን። ሓደ ሰንበት ረፋድ ቡን እናሰተያ ከለዋ ግን ሃንደበት ደወል ማዕጾ ጭር. . .! በለት’ሞ ነዊሕ ጠፊአን ዝነበራ ጋሻ ተቐልቀልአን።

“ሰብ ቤት ኣለኽንዶ?” ኢለን ኣደይ መብራት ተሓወስአን።

“ሓማትክን ክንደይ ይፈትዋኽን፡ ኣብዛ ኣወል ቡን ኣርኪብክናና፡” ኢለን ሰዓምአን ወ/ሮ ገብርኤላ። “ኮፍ በላ’ስኪ፡ ናይ ደሓን ደኣ ህልም ኢልክን ቀኒኽን? ኣብ ቤተክርስትያን ምስ ሰኣንኩኽንስ፡ ‘መብራት መሓዛይ ደኣ ተጸሊኡወንዶ ኾይኑ ኢለ ተሻቒለ ቀንየ፡” እናበላ ኣወል ቡን ቀድሓለን።

ሮዛ ናይ ኣዝግሄር ሰላምታ ሂባተን ውራይ ቡና ጥራይ ገበረት። ንሰለሙን ዘኪራ ክትጭነቕ ስለ ዝሓደረት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓለም እያ ነይራ። ወ/ሮ መብራት፡ “ምጽላእ ነይበለይ ጓልገብረኣብ፡ ወረ ክንህበክን ግዳ ጽን በላ። ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ሃንደበት ደሃይ ወደይ ምስ ረኸብኩ ንሰብ ከይነገርኩ ብቍጽ ኢለ ናብ ደቀምሓረ ከይደልክን። ቅድሚ ትማሊ ድማ ካብኡ ተመሊሰ።

“ዶ ትብላኒ! መብራት’ኳ ብፍጥረትክን ዕውትቲ’ንዲኽን። እንታይ ደኣ ዘይሓበርክናኒ ጓለይ? ምሳኽን ምኸድኩ ነይረንድየ፡”

“ውድኽን ኣብ ዘለዎ ከይፈለጥክን’ሞ ናበይ ኢልክን ክትከዳ? ናይ ከረን ኣይኣኽለክንንዶ? ደሓር ከኣ ጠፊኡክንዶ፡ እናኣወጅካ መዓስ ይኽየድ ኮይኑ።”

“ንሱስ ጽቡቕ ኣለኽን። መገሻ’ሞ ከመይ ነይሩ?”

ወ/ሮ መብራት፡ “ድኻም’ኳ በሎ እዩ ገብርኤላ ሓውተይ። ትማሊ ሰብነተይ ተኸራቲሙ ፈለኽ ምባል ስኢነ’የ ውዒለ። ሎሚ ግን ኣንጊሀ ብምትሳእ ንገብርኤላ መሓዛይ ብስራተን ከየስማዕኩወን ኣይውዕልን’የ ኢለ እነኹልክን ብስነይ መጺአ። በላ ክትሕጐሳ ሰለሙን ወድኽን ኣብ ዝግብ ረኺበዮ፡” ክብላ ኣበሰርአን።

ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “እዋይ ብስራትክን ይጥዓም! ንሰለሙን ረኺብክንኦ?” ኢለን ብታሕጓስ ብድድ በላ። ሮዛ ሕልሚ ኮይኑ እናተሰምዓ ኣብ ዝነበረቶ ቀዚዛ ተረፈት። ወ/ሮ ገብርኤላ ኣእዳወን ዘርጊሐን፡ “ኣንታ ሚኪኤል ሊቀመላእክቲ ጸሎተይ ሰሚዕካኒ! ሰለሙን ወደይስ ብሓቂ ብህይወትካ ኣለኻ? ደጊም ሞት ከም ኣዳም!” ክብላ ምስ ሰምዓተን ናይ ምድፍናቕ ንብዓት ጸረር ኣበለት።

ኣደይ መብራት ከም ዝነብዐት ምስ ረኣይኣ፡ “ዋይ ጓልገብረኣብ! ነዚ ክርኢ ድየ መጺአ? ዘይወዓለ! ኣብ ክንዲ ሰሓቕን ዕልልታን’ሲ ንብዓት! እንቋዕኳ ከም’ዚኣ በለት’የ! ከም’ዚኣ በለት! እናበልኪ ኣዅድዲ’ምበር፡” እናበላ መንኵበን ሰቐጥ ሰቐጥ ኣበላ ናይ ሳዕስዒት ምልክት ብምርኣይ።

“በቝባቝ ኮይና’ንደኣላ መብራተይ፡ ፈትያ መዓስ ኮይና፡” መለሳ ወ/ሮ ገብርኤላ ኵርሰን ኣጣጢሐን ኣብ ፊት ኣደይ መብራት ኮፍ እናበላ።

“ኣበይ ደኣ ረኸብክንኦ? ጥዕናኡኸ ከመይ ኣሎ?”

“ኣጋጣሚ ዕድልክን ገይሩዎ’ምበር ኣይምተራኸብናን ኔርና። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ግን ንወዲ’ተን መኻይድተይ ክንረክብ ካብ ደቀምሓረ እዛ ሓሮሮ ቡን ጥራይ ጥዒምና ምስ ተበገስና፡ መስኪነይቲ ጥዕና ስለ ዘይነበረን ኣብ ዓደርዓዳ ንውዓል ኢለን ወጠጥ ኢለናኒ። ክንረኽቦ ግዲ ኢሉና፡ ንኺድ ደኣ ቀሪብና ኢና ሓቦ ግበራ ኢለ ኣቕቢጸየን። ኣደንጊጸናኒ’ኳ ደሓርስ። ብዝኾነ ገፈፍ እናበልና ናብ ዝግብ እትው ክንብል፡ ወድኽን ከኣ ምስ ሓደ ንእሽቶ ተጋዳላይ ናብቲ ድፋዕ ዝብሉዎ ክኸይድ ጐፍ ንጐፍ ትርኽብ ኣቢልና። ዋእ! ምስ ገበታ ጭሕሙ’ሞ ከመይ’ለ ከለልዮ። ቍምጣ ስረኡን ዕጥቁን ምስ ረኣኹ ካን ሃነን ኢለልክን። ክንሓቶም ደው ምስ ኣበልናዮም ግን ብኣዘራርባኡን ብመኻፍቲ ኣፉን ቆብ ኣቢለዮ፡” ብምባል ኣብ መገሻአን ዘጋጠመን ኵነታት ዘርዘራለን።

“ዓቢሩዶ፡ ቍሩብ ደኣ እንታይ በለክን?”

“ካበይ ዝመጽአ ምዕባር፡ ዘይንሕና ኢና ናይ ወለዲ ነገር ኮይኑ ዝፈለጥና ዘይብልና ጥሜትን ጽምእን ተወዲኦም ይህልዉ፡ ዓሪቖም ይኾኑ፡ እናበልና ነፍሰ ስጋና ንውድእ ዘለና’ምበር ንሳቶምስ ፍጹም ቅጭጭ’ኳ ኣይብሎምን። ግርም ክብለክንሲ፡ እቶም ጦር ሰራዊት ኣብዛ ጥቓኦም ከለዉ፡ ‘ኣይግዳዱ፡ ኦሆይ፡ ኣይግዳዱ ሳሕል ዝዓዱ፡’ ኣናበሉን ክደርፉን ክስዕስዑን ካን ሰለም ከየበሉና ሓዲሮም። ሰለሙን ወድኽን’ሞ ዓይኒ ጸላኢኡ ይደፈን ከክንዲ ፈልጺ ይኸውን ዳናጉኡ ጽቡቕ ኣሎ። ከረን ከም ዝበጻሕክን ከኣ ሓቢረዮ እየ። ኣደኻን ሰበይትኻን ጽቡቕ ኣለዋ፡ ሕጂ ግን ከይወዓላ ከይሓደራ ክመጽኣኻ’የን ኢለዮ ስለ ዘለኹ፡ ከይወዓልክን ከይሓደርክን ከም ትብገሳ ግበራ።

“መብራት ብቐደምክን ቁምነገረኛ ኢኽን። ንዓናስ’ምበር ኣብዛ ጥቓና ከሎ ተሓቢኡና እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ግን ናብታ ዘለዋ መሪሑ ወሲዱክን። ብዓንተቦ ኣምላኽ ዘይሓሰቦ ኣይከውንን’ዩ።”

“ሳላ ዕድልክን’ምበር ወሪዱኒ ኣነ እንታይ ገይረ? በላ ክኸይድ ሕጅስ፡” ኢለን ብድድ በላ ኣደይ መብራት።

ዕላለን ክትጸግቦ ዘይከኣለት ሮዛ፡ “ኣደይ መብራት በጃኽን ቍሩብ ኣዕልላ፡ ናበይ ተሃዊኽክን?” እናበለት ብጕምቦ ኢደን ሒዛ ምኻድ ከልኣተን።

ንዋዛ ውዒለን ስለ ዝሓድራሉ፡ “ሕጅስ ግደፍኒ ሮዛ ጓለይ፡ ሳዕስዕ’ሞ ሓዳርካ ኣይትረስዕ ተባሂሉ’ንድዩ። ሕጂ ግን ናይ ገድሊ ነገር ስለ ዘይፍለጥ፡ ተቘኒንኪ፡ ሕናኺ በዊእኪ፡ ንሰብኣይ የድልዮ ዝበልክዮ ነገር ከኣ ተማሊእኪ ከይረሓቐ ከሎ ቀርቀብ ኣብልዮ። ከይደ ሕጂ ደሓን ወዓላ፡” ኢለን ኣስሓቕአን።

9ይ ምዕራፍ መበል 70 ክፋል

ይቕጽል .. . . ..

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቆፋፉ -በዚሑና !
Next Article ዉስጠ ዘ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?