Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on May 29, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

8ይ ምዕራፍ መበል 63 ክፋል

            ፍቕሪ ስድራቤት ዘይብሉ ሰብ ከቶ ፍቕሪ ሃገር ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ፍቕሪ ሃገር ግን መዘና የብሉን፡ ምኽንያቱ ፍቕሪ ሃገር እንተ ዘየሎ ኵሉ የሎን።

                                                     ዘይተፈልጠ

 መደበር ክፍሊ ታዕሊም ማህሚመት፡ (እማህሚመ) ካብ መፋርቕ ሰብዓን ሓሙሽተን ክሳዕ መወዳእታ ሰብዓን ሸሞንተን፡ በሽሓት ንዝቝጸሩ ተጋደልቲ ብሰውራዊ ክልሰሓሳብን ወተሃደራዊ ስልትን ስነ ምግባርን ዝመልመለት ኣብ ጐላጉል ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል እትርከብ ታሪኻዊት ቦታ እያ።

ብየማነ ጸጋም ናይቲ ካብ ደቡብ ንሰሜን ሰንጢቑዋ ዝሓልፍ ገፊሕ ርባ ኣልጌን ዝርከቡ ዓበይቲ ዑበላትን ዕሙራት ዓዳያትን፡ ነቲ ብግዜ ሓጋይ ዝኽሰት ነበልባላዊ ሙቐት ኣብ ዝባን ኣቝጽልቶም ኣዕሪፎም ተዛማዲ ጠሊ ይፈጥሩ። ኣብ ርእስዚ ኣንጻር ደብዳብ ነፋሪት ከም ባህርያዊ ሽፋን ስለ ዘገልግሉ፡ ንማህሚመት ከም መደበር ታዕሊም ተመራጺት ይገብሩዋ። እቲ ሑጻ ዝበዝሖ ርባ ኣብ እዋን ሙቐት ከም ረመጽ ከቃጽል ከሎ፡ ክራማት ከበሳ ኣብ ዝጅምረሉ ወቕቲ ግን ካብቶም በረኽቲ እምባታት ሰሜናዊ ናቕፋ፡ ሕሽክብ፡ ዓንበርበብን ጐላጉል ኣግራዕን ዝተኣኻኸበ ብርቱዕ ውሕጅ ስለ ዝሓልፎ ብሰልሚ ተሸፊኑ ይቕኒ። ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ብዝወርድ ውሕጅ ምኽንያት እቲ መሬት ሰትሪ ስለ ዝፈጥር ድማ ብነፍስወከፍ ሓይሊ ኣብ ወሰናስን ናይቲ ገፊሕ ርባ መሰረት ህይወት ናይቲ መደበር ዝኾና ዳርጋ ንምሉእ ዓመት ከይነጸፋ ዝሓግያ ካብ ሜትሮ ንታሕቲ ዘይዓምቋ ንኣሽቱ ዒላታት ይፈሓራ።

ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ማህሚመት ግን ከም መደበር ታዕሊም ጥራይ ኣይኮነን። ስንቂ ሰራዊት ዝጠሓነላ፡ ነዳዲ ዝኽዘነላ፡ መካይን ውድብ ዝዋፈራላን ዝጽገናላን ኣብ ርእሲ ምዃና ካብ ሱዳን ይኹን ካብ ማርሳ ተኽላይ ከምኡ’ውን ካብ ፍልፍል ሰለሙና ተበጊሱ፡ ነተን ሽዑ ደጀን ሰውራ ዝነበራ ጎረይቶ፡ ፋሕ፡ ብሌቓት፡ ደብዓት፡ ዓገት ዝስንጥቕ ጽርግያ ረጊጹዋ ስለ ዝሓልፍ ከም ኣዝያ ኣገዳሲት ቍጠባዊት ማእከል ክትውሰድ ትኽእል።

እቶም ተዓለምቲ ንማህሚመት ብለይቲ ስለ ዝኣተዉዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብድኻም ተጠቒዖም ስለ ዝነበሩ ከባቢኦም እንታይ ከም ዝመስል ከይፈለጡ ከም ምዉት ነቒጾም ሓደሩ። ኣጋ ወጋሕታ፡ ሰለሙን ገልጠምጠም ዝብል ድምጺ ዝሰምዐ መሲሉዎ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። ሰዓት ሽዱሽተ ኮይኑ መሬት ቀደድ ኢሉ ነይሩ። ብማዕዶ ኣብ ጐድኒ ሓንቲ ዕምርቲ ዓዳይ ብዓበይቲ ገረወይናታት ሻሂ ክፈልሕ ምስ ረኣየ ናብኡ ገጹ ሰጐመ። ነቶም ብደዎም እናዕለሉ ኣመት ሻሂ ዝገብሩ ዝነበሩ ክልተ ጨጐርጐር ዝበሉ ተጋደልቲ፡ “ሰላማት” ድሕሪ ምባል ድማ፡ “ብጾት በየን’ዩ መሻይኖ?” ክብል ተወከሶም።

ሓደ ካብኣቶም፡ “ትኽ ኢልካ’ሞ ካብዚ ዓዳያት ውጻእ፡ ቍሩብ ምስ ከድካ ጽርግያ ክትረክብ ኢኻ። ካብኡ ሕልፍ ምስ በልካ ኣብ ስግሩ ኣብ ዝጸንሓካ ዓዳያት ሽን፡” በሎ ብኢዱ ንምብራቕ ገጹ እናመለከተ። ቍሩብ ከይዱ ኣብ ሓደ ክውል ዝበለ ቦታ ድሕሪ ምንፋስ፡ ናብ ምብራቕ ገጹ እንተ ጠመተ ብሸነኽ ሰሜን ዝጀመሩ ሕጽር ዝበሉ ደምዳማት ኰረቢት ንደቡብ እናቐጸሉ ክኸዱ ከለዉ ብራኸኦም ዝያዳ ከም ዝውስኽ ተዓዘበ። ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሳዕርን ቈጥቋጥን እንተ ዘይኮይኑ ኣግራብ ዘይረኣዮ መወዳእታ ዘይብሉ ጐልጎል ተዓዘበ። ብሸነኽ ምዕራብ ናይ ስግር ርባ’ውን ርሕቕ ዝበሉ ኣብ ነንሓድሕዶም ዝተሓናገሩን ዝወራረሱን ሓጸርትን በረኽትን ጎቦታት ተመልከተ። ናብ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ ከሎ ኣንፈት ድምጺ ተኸቲሉ ናብ ደቡብ እናሰረቐ ኣብ ገምገም ርባ በጽሐ።

ኣብ ማእከልቲ ሰጥ ዝበለ ገፊሕ ርባ፡ ብዙሓት ተዓለምቲ በብጋንታ ተሰሪዖም፡ ገለ ካብኣቶም ብረት ገለ ድማ ረጐድቲ ኣባትር ሒዞም፡ ኣእጋሮም ሓፍ ሓፍ ከብሉ፡ ኣብ ቅድሚ ነፍስወከፍ ጋንታ ዝነበሩ ዓለምቲ ድማ ጸጸኒሖም፡ “ጋም! ማን! እግርኻ ሓፍ ኣብሎ፡” እናበሉ ክጭድሩ ሰምዖም። መንፈሳዊ ቅንኢ ሓዲሩዎ ብጕያ ክሕወሶም ኣይጸልአን። ኣተኵሩ ክዕዘቦም ጸኒሑ፡ “ብሰላም ዕረፍ!” ምስ ተባህሉ፡ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት!” ኢሎም ፋሕ ድሕሪ ምባል ብጕያ ናብቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ጽዑቕ ኣግራብ ክስተዩ ተዓዘበ። እንታይ ኢሎም ከም ዝጨርሑ ከይፈለጠ ድማ ታዕሊም ክጅምር እናተሃንጠየ ንቦታኡ ተመልሰ።

ብጾቱ ድሮ ተሲኦምስ ቍርሲ ሒዞም ጸንሑዎ። ከም ሰቡ ግማድ ቅጫን ኩባያ ሻህን ምስ ተዓደለ ኣይጠቐሞን ሽዑ ሽዑ ኣራማሰሶ። ብድሕሪኡ ነፍስወከፍ ሰብ ኦርኒክ ክመልእ በብተራ ክጽዋዕ ጀመረ። ብዝሒ ሰብ ስለ ዝነበረ ስሙ፡ መበቈላዊ ዓዱ፡ ሳጓኡ፡ ዝዓበየሉ ቦታ፡ ደርባዊ መበቈሉ፡ ኣስማት ኣዕሩኽቱ፡ ዝተማሃረሉ ቤትትምህርትታት፡ ውዱብ ነይሩዶ ኣይነበረን ኣበየናይ ውድብከ? ካብ ዝፈልጦም ሰባት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኣለዉ እንተኾይኖም ወዘተ ክሳዕ ዝምዝገብ ዳርጋ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ወሲዱ። እዚ’ውን ኣርባዕተ መዝገብቲ ስለ ዝተመደቡ’ዩ ጽቡቕ ክሰልጥ ዝኸኣለ። ብድሕር’ዚ ንሰዓት ኣቢሎም ድሕሪ ምዕራፍ ኩላቶም ናብ ርባ ክወርዱ ተነግሮም። ወተሃደራዊ ካምቻ ተኸዲኑ ምስ ካልኣዩ ደው ኢሉ ዝነበረ ቍንጹብ፡ ሽጕጥ ዝዓጠቐ ሓላፊ፡ ነቶም ተዓለምቲ ኣስማቶም በብጕጅለ ክጽውዖም ጀመረ። እቶም ዝተጸውዑ ድማ ኣብ መሳርዕ መታን ክምደቡ ካላሽን ዝተሓንገጡ ሰባት መሪሖሞም ናብ ስግር’ቲ ርባ መረሹ።

ሰለሙን ታሽዓይ ርእሱ ኣብ ቀዳማይ ሓይሊ፡ ሳልሳይ ጋንታ ካልኣይ መስርዕ ክውዛዕ ከሎ፡ ሓደ ከደራይ፡ ጐታን ጸጕሩ መራሕ መስርዕ መሪሑዎም ብትሕቲ ዑበላት ናብ መስርዖም ቀጸሉ። ኣብ እግሪ ሓንቲ ዓባይ ዑበል ብርክት ዝበሉ ተዓለምቲ ብክቢ ኣብ ዝተረበ ጸፋሕቲ ኣእማን ኮፍ ኢሎም ምስ ረኣዩ ቦታኦም ምዃኑ ተረድኦም። መራሕ መስርዕ፡ “ኮፍ ኣብሉዎም’ስኪ፡” ምስ በሎም ተጸጋጊዖም ተቐመጡ። ሰማይ ደበና ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ ገለ ዘርቀቑ ሕቕብቅብ ክብሉ ይረኣዩ ነበሩ። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ሓደ ጕልቡት፡ ካኪ ካምቻ ዝተኸድነ፡ ኣብ ውሽጥ’ቲ ዑበላት ጸኒሑ ናብ ጽላሎም ገጹ ክመጽእ ብማዕዶ ኣስተብሃሉሉ። ኣዒንቲ ኩላቶም ናብ ኣፍደገ’ቲ ጽላል ቀንዓ። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም መራሒ ጋንታኦም ከገልግል ዝተመዘዘ ሰብ ከም ዝኾነ ግን ድሒሮም’ዮም ክፈልጡ።

“ከመይ ሓዲርኩም ብጾት?” ኢሉ ሰላምታ ድሕሪ ምቕዳም፡ “በሉ ሕጂ ወተሃደራዊ ሕግታት ክሳዕ ዝንበበልኩም ነፍስወከፍኩም ክፈልጦ ዝግብኦ ነገራት ስለ ዘሎ ጽን ኢልኩም ስምዑ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። ኣወዳድቓ ቃላቱ ተሪር፡ ገጹ ዕቱብ ነይሩ። ሰለሙንን ብጾቱን ሓድሽ ነገር ክሰምዑ ተሃንጥዮም ኮፍ መበሊኦም ከጣጥሑ ፍሕትሕት በሉ። መራሕ ጋንታ በተን ድቕ ዝበላ ኣዒንቱ ንኹላቶም ድሕሪ ምዅላል፡ “ብቐዳምነት ካብ ሕጂ ንንየው ወተሃደራት ስለ ዝኾንኩም ጥንቁቓት ክትኮኑ ይግባኣኩም። ዝኾነ ሰብ ኣብ ጽላሉ ኮፍ ክብል ኣለዎ። ብፍላይ ‘ኣብ ዘዘለኻዮ!’ ዝብል ድምጺ እንተ ሰሚዕኩም ነፋሪት ትመጽእ ኣላ ማለት ስለ ዝኾነ ኣብ ጐዳጕድኹም ትኣትዉ። ነዚ መታን ክጥዕም ኣብ ጥቓ ነፍስወከፍ ጽላል ጕድጓድ ኣሎ። ክሸይን ዝደሊ ሰብ ፍቓድ ይሓትት፡ ካብ መስርዕካ ወጻኢ ናብ ካልእ መስርዕ ምንቅስቓስ ክልኩል ምዃኑ ድማ ትፈልጡ። ካብ ሕጂ ንንየው ተጋደልቲ ኢኹም። ብዘይካ’ዚ ሓሓሊፉ ማእቶት ከጋጥም ከሎ ብእንግድዓ ብጾትና ከይተበለጽና ዓቕምና ክነወፊ ይግብኣና። ካብኡ ተረፈ ዲሲፕሊን ሓሊኹም፡ መምርሒ ሓለፍትኹም ኣኽቢርኩም ብስነስርዓት ክትጐዓዙ ተስፋ እገብር። ዝኾነ ሽግር ከጋጥመኩም ከሎ ኸኣ ንመራሕ መስርዕኩም ወዲዓስቡ ክትሓቱ ከም ትኽእሉ ፍለጡ፡” ድሕሪ ምባል ምራቑ ውሒጡ፡ “በሪሁልኩምዶ?” በሎም ድምጹ ክብ ኣቢሉ። ኩላቶም ብሓባር ናይ እወታ መልሲ ሃቡዎ።

“ኮይሶም፡ ወዲእና’ለና፡” ኢሉ ምስ መራሕ መስርዖም ገለ ክሰምዑዎ ዘይከኣሉ ቃላት ድሕሪ ምዝርራብ ዝባኑ ሃቦም።

ወዲዓስቡ ምስ ናይ መራሕ ጋንታኦም ትመሳሰል ንእሽቶ መደረ ኣስሚዑ፡ “በሉ ሕጂ ጐዳጕድኹም ክትርእዩ ሰዓቡኒ፡” ኢሉ ናብቲ ፋሕ ዝበለ ዓዳያት ሰጐመ። ነቶም ሓደስቲ ምስቶም ነባራት ሓዊሱ፡ ከከም ግፍሒ ጽላል ናይቲ ዓዳያት በብኽልተ በብሰለስተ ምስ ከፋፈሎም፡ “ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ጥቓ ጽላሉ ጕድጓድ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ፡ ነፋሪት ዝብል ቃል ክትሰምዑ ከለኹም ድማ ኣብ ጕድጓድኩም ትኣትዉ፡” እናበለ ነቶም መመጽለሊኦም ንምጥጣሕ ቈጽለ መጽሊ ክብንቍሱን መሬት ክምድምዱን ዝጀመሩ ሓደስቲ ክዕዘብ ንገለ ካልኢታት ዘዘው ድሕሪ ምባል፡ ናብታ ኣብ ምእኩል ቦታ ዝተደኰነት ከም ቤትጽሕፈቱ ዝጥቀመላ ክሻ ዝተነጽፋ ጽላሉ ኣምርሐ።

ወዲዓስቡ ብዙሕ ከይደንጐየ ኣስማት ኣባላቱ ክምዝግብ ጀመረ። ሰለሙን ተርኡ በጺሑ ናብ ወዲዓስቡ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ስሙ፡ ደረጃ ትምህርቱ፡ ዝነበሮ ስራሕ፡ ዓዱ ወዘተ ድሕሪ ምሕታት፡ ንሓደ ንእስ ኢሉ ዕባይ ገጠር ዝመስል መንእሰይ ጸውዐ። ንሰለሙን እናጠመተን ናብቲ መንእሰይ እናኣመልከተን፡ “እዚ ትርእዮ ዘለኻ ብጻይ መሃይምነት ኣየጥፍአን። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ ዝኾነ ተጋዳላይ መሃይምነት ከጥፍእ ስለ ዘለዎ ከም መምህሩ ተመዲብካ ኣለኻ፡” ኢሉ ገጹ ናብቲ መንእሰይ ብምዛር፡ “ክፍልዝጊ፡ ታዕሊም ክሳዕ ዝውዳእ ምንባብን ምጽሓፍን፡ ኣርባዕተ ተግባራት ቍጽርን ክትመሃር ኢኻ። ነዚ እንተ ዘየጽኒዕካ ተውዚዕ የሎን። ታዕሊም ክትደግም ምዃንካ ፍለጥ። ተረዲኡካዶ?” በሎ።

እቲ መንእሰይ ርእሱ ብእወታ ነቕኒቑ ድንን ድሕሪ ምባል፡ “ላቢስን ጥራዝን ግን የብለይን፡” በሎ ርእሱ ሓኸፍ ሓኸፍ እናበለ።

“ርሳን ጥራዝን ንመምህርካ ክወሃቦ እዩ። ሕጂ ወዲእና ኣለና ነናብ ጽላልኩም ተመለሱ፡” ብምባል በስማቶም እናጸውዐ ንካልኦት ምምዝጋብ ቀጸለ።

መበል 64 ክፋል ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሽላን ምስ ክራሩ
Next Article ከም ድላየይ ከም ድላያ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?