Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on April 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

6ይ ምዕራፍ መበል 53 ክፋል

እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ሰለሙን ጽሑፋቱ ሒዙ ድሮ ክዛንችስ በጺሑ ነይሩ። ሃብቶም ማርክሳዊ ፍልስፍና ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፍ ከንብብ ጸኒሑ፡ “ኣነ ደኣ ማይ ከይዕንቅፈካ’ንድየ ተሰኪፈ ኣምስየ፡” ኢሉ ካብ ኵርሱ ብምትሳእ ነተን ጽሑፋት ድሕሪ ምቕባል፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጐዲላ ዝነበረት ገጽ ከም ዝተመልአት ድሕሪ ምቍጽጻር ነተን ጽሑፋት በብሓደ ፈላለየን።

“ማይስ ብዙሕ ኣየሸገረንን። ፍሬታ እናበኸየት ገዲፈያ ስለ ዝመጻእኩ ግን ክሓድገካ እየ፡” ብምባል ንኣስታት ዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ ኣዕሊሉ ተፋነዎ። ናይ ስራሕ መኪና ኣብ ቦታኣ ኣቐሚጡ መኪናኡ መታን ክወስድ፡ ነቲ ሓሓሊፉ ማይ ዘዕቈረ ጽርግያ ብቐስታ እናሓለፈ ኣብ ኣፍደገ ስርሑ በጽሐ።

ሓላው ኣፍደገ ማዕጾ ኣብ ክንዲ ምኽፋት ዘይኣመሎም ብንእሽቶ ማዕጾ ወጺኦም ናብኡ ብምቕራብ፡ “ከመይ ኣምሲኻ ሰለሙን?” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ግናይ ምትኩ ረኺቡካዶ?” ክብሉ ሓተቱዎ። ጸጸኒሑ ሓሙሽተ ቅርሺ ሰው  የብለሎም ስለ ዝነበረ ኣመና’ዮም ዝፈትዉዎ። በቲ ሃንደበታዊ ሕቶኦም ሰንቢዱ ብኣሉታ ምስ መለሰሎም፡ “በል ደሓን፡ መኪና’ሞ ኣእትዋ ቀስ ኢልና ክንዘራረብ ኢና፡” ኢሎም ማዕጾ ምስ ከፈቱሉ፡ መኪና ካብ ኣፍደገ ኣሕሊፉ ኣብ ቅድሚ’ታ ጸባብ ናይ ሓለዋ ገዛ ደው ኣቢሉ ናብኦም ቀረበ።

“በል ዓንተቦ ኣብ ስራሕ ጸኒሕካ ክትወጽእ ከለኻ ናይ ሽማግለ ነገር ኮይኑ ማይ ከይሃርመኒ ፈሪሐ ክነግረካ ኣይከኣልኩን’ምበር፡ ምትኩ ኣብ ውሽጢ ከለኻ መጺኡ ነይሩ። ኣይሂ ማይ እናሃረመ ከሎ መኪናኡ ኣብ ኣፍደገ ገዲፉዋ ብእግሩ ክኣቱ ከሎ እርእዮ ኣለኹ። ‘እዚ ሰብኣይ ብጥዕናኡ ድዩ ተጸሊሉ?’ ኢለ። ሽዑ’ኳ ሓቂ ዘረባ ንርእሱ ገደዶ ኢለ ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ኣይደንጐየን ግን ብቕጽበት ብምውጻእ መኪናኡ ኣልዒሉ ተበቍጹ። ‘ሎምስ ገለ ረኺቡዎ ክኸውን ኣለዎ’ እናበልኩ ኣብዛ ቦታይ ኮፍ ኢለ ከለኹ ንስኻ’ውን ስራሕካ ወዲእካ ኬድካ። ድሕረኻ ኣይደንጐየን ፖሊስ ኣኸቲሉ ደበኽ ኢሉ፡” ምስ በሉዎ ክሳብ ኣንጕዑ ቀዝሒ ተሰሚዑዎ ክነሱ ብዝከኣሎ መጠን ክዛነ ፈተነ። ሓላዊ ኣፍደገ ዘረባኦም ብምቕጻል እቲ ሽዑ ምሸት ዘጋጠመ ኵነታት ብዝርዝር ገለጹሉ።

ሰለሙን ነቲ ኵነታት ቀልጢፉ ብምግምጋም ዝፈርሓ ዝነበረ መዓልቲ ከም ዝኣኸለት ተረዲኡ ምስ ግዜ ክቀዳደም ወሰነ። ናይ ስራሕ መኪና ኣብ ቦታኣ ኣጽጊዑ ድማ ናብ ቤትጽሕፈት ምትኩ ኣተወ። ነታ መባዝሒት ኣልዒሉ ኣብ መኪናኡ ድሕሪ ምጽዓን ምትኩ ከየርክቦ ካብቲ ቀጽሪ ክወጽእ ተቐላጠፈ። ኣብ ኣፍደገ ምስ በጽሐ ነቶም ሓላዊ ኣፍደገ ዕስራ ቕርሺ ኣውጺኡ ሃቦም።

“እዝግሄር ይሃብካ ሰለሙን ወደይ፡” ኢሎም ድሕሪ ምምራቕ፡ ዘረባኦም ዘየሰከፎ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖም፡ “ሰለሙን፡ እዚ ዝበልኩኻ ዘረባ ከም ቀሊል ኣይትውሰዶ። እዞም ክፉኣት ብዝስራሕ ዝደለዩኻ መሲሉካ ከይትህመል። ከም ዘስተውዓልኩሎም ነገሮም ናይ ተንኰል’ምበር ናይ ጥዕና ኣይመስልን’ዩ፡” በሉዎ ኣባታዊ ሓልዮት ብዝመልኦ ኣዘራርባ።

“ደሓን ተረዲአኩም ኣለኹ። ምናልባሽ ኣቶ ምትኩ እንተ ተመልሰ፡ ‘ሰለሙን ሓደ ቤተሰቡ ኣብ መንገዲ ደብረዘይት ሓደጋ መኪና ስለ ዘጋጠሞ፡ ጽባሕ ስራሕ ኣይወፍርን’የ’ ኢሉካ በሉዎ፡” ኢሉዎም ናብ ካዛንችስ ተበገሰ።

ማዕጾ ከፊቶምሉ እናወጽአ ከሎ፡ “ሽሻይካ ይስርዓልካ ኣንታ ብሩኽ፡ ገብርኤል ይሓሉኻ። ደሓን ሕደር፡” ኢሎም መረቑዎ። እቶም ሰብኣይ ተወላዲ ብሄረ ከምባታ ኮይኖም መሬቶም ብመሳፍንቲ ሸዋ ምስ ተሓድጉ ዓዶም ገዲፎም ንኣዲስኣበባ ዝመጽኡ እዮም። በዓልቲቤቶም እንጌራን ስዋን እናሸቀጣ ቍሩብ ስለ ዝሕግዝኦም ከፊኡ ኣይከፍኦምን። ኣንጻር መሳፍንቲ ኣምሓራ ኵሉ ግዜ ሕኒን ምስ በሉ እዮም ነይሮም። ንምትኩ ድማ ብሰንክ’ቲ ጸቓጢ ባህሪኡን ትምክሕታዊ ኣረኣእያኡን ካብ ጸላእቶም ፈልዮም ይርእዩዎ ኣይነበሩን።

*        *        *

ሻምበልን ምትኩን ካብ እንዳ ሰለሙን ቍሩብ ርሕቕ ኢሎም ድሕሪ ምኻድ መኪና ኣብ ሓደ ወሰን ደው ኣቢሎም ሰለሙን ናብ ገዝኡ ክምለስ ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ማይ ግረሽየስ!” ኢሉ ጨደረ ምትኩ።

“ደሓን ዲኻ?” ሓተቶ ሻምበል ብሓውሲ ምግራም።

“እንታይ ዝበለ ዕኑድ ምሸት’ዩ ወደይ! ንሓንጐለይ ብልክዕ ከሕስቦ እኽእል የለኹን ማለት ድዩ? ቀልጥፍ ጥራይ ሕጂ ናብ ቤትማሕተም ገጽካ ኣምርሕ። ሕጂ ግድነት ክንረኽቦ ክንክእል ኣለና።”

“ኣብኡዶ ኣይጸናሕናን፡ እንተ መጽአ’ባ ኣብዚ ክንጽበዮ!”

“ካልኣይ ግዜ ንጋገ ኣለና ኣየለ። ናይ ስራሕ መኪና ሒዙ ስለ ዘሎ ግድነት መኪናኡ ክወስድ ከም ዝመጽእ ክዝክር ነይሩኒ። ስለጥ ጥራይ ከየምልጠና።”

ሻምበል መኪና ኣተሲኡ እናተበገሰ፡ “መኪናኡ ኣብ ስራሕ ከም ዘላ ግን ኣረጋጊጽካ ዲኻ፡” ክብል ተወከሶ።

“ዓንተቦ ብማዕዶ ርእየያ ከለኹ እዚ ሓሳብ’ዚ ከመጽኣለይ ዘይምኽኣሉ እዩ’ኮ ዘዛርበኒ ዘሎ ኣየለ፡ ኣሕ! . . . .”

ላንድሮቨር ከም ንፋስ እናተሓምበበት ኣብ ኣፍደገ ቤትማሕተም ደው በለት። ሓላዊ ኣፍደገ ላንድሮቨር ምዃና ምስ ፈለጡ ምትኩ ተመሊሱ ከም ዝመጽአ ተጋህደሎም። ሰለሙን ንዋራ ምውጽኡ ንኣምላኽ እናመስገኑ፡ በትሮም ሒዞም ብድድ ብምባል መብራህቲ መኪና እናደጕሖም ማዕጾ ከፈቱ። ላንድሮቨር ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣትያ ደው ምስ በለት ምትኩ ካብ መኪና ወሪዱ፡ “ሰለሙን ብድሕረና መጺኡዶ ነይሩ?” ክብል ሓተቶም ብነድሪ።

“ቅድሚ ዓሰርተ ደቒቕ መጺኡ ነይሩ። ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣይገብርን ድማ መኪናኡ ሒዙ ከይዱ። ቅድሚ ምኻዱ ግን፡ ‘ሓደ ቤተሰበይ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ስለ ዘሎ ጽባሕ ስራሕ ከም ዘይወፍር ንኣቶ ምትኩ ንገሩለይ ኢኹም፡’ ኢሉ ተላብዩኒ፡” ክብሉ መልእኽቶም ኣብጽሑ።

“መጺእና ምንባርና ሓቢርኩሞ ዲኹም?” ክብል ህድእ ኢሉ ተወከሶም።

“ተውሳኺተይ! መን ምስ ጠወቐኒ’የ ኣብ ዘስይርሐይ ዝኣቱ! ዝናብ ኮይኑ ካብዛ ገዛይ’ኳ ዘይወጻእኩ፡ ‘ጽባሕ ስለ ዘይወፍር ግን መንቀሳቐሲ ከይስእኑ’ ኢሉ እዚኣ ሂቡኒ፡” ኢሎም መፍትሕ መኪና ኣቐበሉዎ።

ሓሪቑ ምዝራቡ እናጣዓሶ ሜላኡ ክቕይር ብምፍታን፡ “መፍትሕ መኪና ደሊና’ንዲና እዚ ዅሉ ኰለል ክንብል ኣምሲና። ከመይ ደሓን ይእቶ! መኪናይ ኣብ ጥቓ ሳልሳይ መደበር ተባላሽያትኒ እምብዛ እየ ተሸጊረ ኣምስየ። ደሓን ይእቶ ግን ሻምበል ተሓጋጊዙኒ፡” በሎም።

በትሮም ተኺሎም ክሰምዑዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ንሶም እግዚኣብሄር ይሓግዞም፡ ንስኹም ከኣ ንሻምበል ምርካብኩም ጸሎት ወለዲ ስለ ዘለኩም ኢኹም፡” ኢሎም ጥዑም ዘረባ ኣስምዑዎ።

ምትኩ ውሽጡ ሕሩር ክነሱ ዐረ እናጠዓሞ፡ “እወ ሓቅኹም። ደሓን ሕደሩ ጥራይ፡” ኢሉዎም ኣብ ላንድሮቨር ደየበ። መኪና እናተበገሰት ከላ፡ “ኦሮማይ! ካብ ኢድና ከም ዘምለጠ ፍለጥ። እዚ ሰብኣይ መጺእና ከም ዝነበርና እንተ ሓቢሩዎ ከም ዝስወር ፍለጥ፡” በሎ ንሻምበል ብስያፍ እናጠመቶ።

“ዓንተቦ’ንዲኻ ተጋጊኻ። ኣብ ክንዲ ናብ ገዝኡ ምኻድ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ተኸዊልና ኣብዚ ክንከታተሎ እዩ ነይሩና።”

“ጽቡቕ ኣለኻ። ሽዑ ተዓኒደ ስለ ዝነበርኩ ኣንፈተይ ኣጥፊአ’ምበር እቲ ቅኑዕ ስጕምቲ ንሱ እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ምሸት ፍሽለት ኣብ ኢድካ ዝሓዝካያ ዑፍ ከም ምፍናው’ዩ ዝቝጸር። ኣሕ! ፈጺሙ ከምልጠና ኣይነበሮን። ተዓዊቱልና እዚ ወዲኸልቢ!” ኢሉ ብምስትምሳል ተዛረበ።

“ክሳዕ ክንድኡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ካብ ኣዲስኣበባ ከይወጽእ ደቂቕ ክንከታተሎ ኢና። ጽባሕ ናብ ኩላተን መደበራት ፖሊስ ስእሉ ኣሰኒና ክንሕብረን እንተ ኽኢልና፡ ሰኑየ ሰሉስ፡ እንተ ደንጐና ድማ ሓሙስ ወይ ዓርቢ ክንሕዞ ኢና። ኣብ ርእስ’ዚ ተሓቢኡ ንገዝኡ ከይምለስ ድማ ኣፍደገ ገዝኡ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ክነእትዎ ኢና። ንጽባሕ ንግሆ ጥራይ ስእሉን ሓበሬታኡን ኣዳልወለይ። ምኽንያቱ ካብ ጽባሕ ንግሆ ጀሚርና ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡሳት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መዓርፎ ባቡር ሓያል ምክትታል ክንጅምር ኢና።” ኣዘራርባ ሻምበል ርእሰምትእምማን ዝመልኦ ስለ ዝነበረ ምትኩ ብመጠኑ ቀሰነ። ኣቐዲሞም ናብ ሳልሳይ መደበር’ዮም ኣምሪሖም። ሻምበል ኵነታት ስራሕ ክሳብ ዝርኢ ምትኩ ኣብ መኪና ጸንሖ። ብድሕሪኡ ፍሽለቶም ካብ ዘስዓቦ ብስጭት ንኽናገፉ ናብ ኣማኒት ሻምበል ኣምርሑ። ተዓዊቶም ምስ ተመልሱ ክብላዕ ዝተሓስበ ድራር ኣራማሲሶም ድማ ተረፍ ሕርቃኖም ዊስኪ ክሕንፍፉዎ ሓደሩ።

ይቕጽል

መበል 54 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዓጽሚ ከይነቅዕ
Next Article ኣሕደገ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?