Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on February 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

5ይ ምዕራፍ መበል 43 ክፋል

*        *        *

ቀዳም ናይ ኣጋምሸት’ዩ ነይሩ። ሃብቶም ሰለሙንን ኣብ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምቍጻር፡ ኣብ ፊት ሓደ ባር ኮፍ ኢሎም ሓዲኦም ቡን ሓዲኦም ሻሂ እናሰተዩ ከለዉ፡ ሃብቶም ክሰትያ ዝጸንሐ ሽጋራ ኣጥፊኡ፡ “ብዛዕባ’ቲ ናይ ብቐዳማይ ጕዳይ እንታይ ጌርካ?” ክብል ሓተቶ።

“እንታይ ይመስለካ ሃብቶም፡ ኵሉ’ቲ ኣብ ስራሕና ዝባዛሕ ጽሑፋት ቅድም ናብ ምትኩ’ዩ ዝቐርብ፡ ንሱ ምስ ኣጽደቖ ድማ ጸሓፊቱ ባዕላ ተባዝሖ። ኮታ እታ መባዝሒት ኣብ ቤትጽሕፈቱ እያ ዘላ። ብዘይካ ክልቲኦም ድማ ዝትንክፋ ሰብ የሎን። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ካብ ንዛረብ ንነጀው ግን ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ንዕወተሉ ዳርጋ ክሓስብ ዳርጋ ደቂሰ ኣይፈልጥን ክብለካ እኽእል። ሕጂ ግን ሓደ ጥበብ ምሂዘ ኣለኹ።

ሃብቶም ገጹ በርሀ። ዝሰሓቦ ትኪ በኾዅ ድሕሪ ምባል፡ ገጹ ኣዚሩ፡ “ከመይ ማለትካ’ዩ?” ክብል ተወከሶ።

“ነፍስወከፍ ኣብቲ ቤትማሕተም ዘሎ ቤትጽሕፈት ነናቱ ቅያር መፍትሕ ኣለዎ። እዚ ቅያር መፋትሕ’ዚ ድማ ናይ ጸሓፊቱ ወሲኽካ በብቍጽሩ ብሪጋ ኣብ ቤትጽሕፈታ እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ። ስለዚ፡ ምስታ ጸሓፊት ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘሎኒ ነዛ ተድልየኒ ዘላ መፍትሕ ሰሪቐ ቅዳሕ ክገብረላ እዩ መደበይ። ብድሕሪኡ እቲ ዝተርፍ ስራሕ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። በዚ እንተ ዘይሰሊጡ ቀስ ኢልና ንርእዮ።”

ቅዳሕ መፍትሕ ምሓዝ ጥራይ ብኸመይ ነቲ ጸገም ክፈትሖ ከም ዝሓሰበ ዘይተረድኦ ሃብቶም፡ “እሞ’ቲ ስራሕ ብኸመይን መዓስን ክትፍጽሞ ትሓስብ ኣለኻ ማለት’ዩ?” ክብል ዳግማይ ሕቶ ኣቕረበ።

“ንሱ ናባይ ግደፎ ጸገም ኣይኮነን። ነቲ ዝዓበየ ጕዳይ እንተ ፈቲሕና እቲ ዝተረፈ ስራሕ ቀሊል’ዩ። ምኽንያቱ እተን ማሺናት ጸጸኒሐን ሰርቪስ የድልየን’ዩ፡ እዚ ድማ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ’ዩ ዝፍጸም። ስለዚ፡ ብዛዕባዚ ብዙሕ ኣይትሸገር፡ ድሕሪ ሳልስቲ ኵሉ ድሉው ስለ ዝኸውን እቲ ዝባዛሕ ጽሑፋት ጥራይ ቀርቦ።

“ብኸምዚ ትብሎ ዘለኻ ክንሰርሕ እንተ ክኢልና ደኣ እንታይ ጸገም ኣሎ? ዓዲ ወረቐት ብወረቐት ክንገብራ ኢና’ምበር፡” በሎ ሃብቶም ሽጋራኡ ብነዊሕ ስሒቡ።

“ንስኻ ጽሑፋት ምቕራብ ኣይትሕመቕ’ምበርብወገነይ ሽግር የሎን። ክሳብ ሰሉስ ኵሉ ነገር ድሉው ገይረዮ ክጸንሕ’የ።”

“እሞ ከምኡ እንተኾይኑ ሰንጋተራ ኣብ ጽሓኒ ጕዳይ ይሳለጥ ስለ ዘሎ፡ ቅድሚኡ ክግበር ዝግብኦ ነገራት ከወዳድእ፡” እናበለ ክሰትያ ዝጸንሐ ሽጋራ ደቒሱ፡ “ንኺድ ንቐልጥፍ ሰሌ፡” ኢሉ ብድድ በለ።

ሰለሙን ደድሕሪኡ ተሲኡ ናብ ደገ ድሕሪ ምውጻእ፡ መኪና ኣተሲኡ ናብ ቀንዲ ጽርግያ እናተሓወሰ፡ “ኣነ ደኣ ክንውዕል’ንድየ ሓሲበ ነይረ፡” በሎ።

“ሎምስ ዝጥዕም ኣይመስለንን፡ ክድንጕየካ እየ።”

“እሞ ኣይንራኸብን ኢና ማለት ድዩ?”

“እንተ ተራኸብና ምሸት ሰዓት ሸሞንተ ኢና፡”

“ምሸት’ኳ ክንደየናይ፡ ጽባሕ ሰዓት ትሽዓተ ኣቢልካ ናብ ገዛ ምጻእሞ፡ ንሮዛ ናብ ቤተክርስትያን ምስ ኣብጻሕኩዋ ናብቲ ዝበልካዮ ቦታ ብሓደ ክንከይድ።”

በዚ ተረዳዲኦም ሰለሙን ንሃብቶም ኣብ ሰንጋተራ ኣብጺሑዎ ናብ ሰሜን ሆቴል ገጹ ብምምራሕ ናብ ገዛ ተመልሰ።

ኣብ ሰሙኑ፡ ሰለሙን ማሺናት ሰርቪስ ክገብረለን ብዝብል ምኽንያት ምሸት ናብ ስራሕ ተመልሰ። መኪና ኣብ ቦታኣ ዓሺጉ ናብታ ኣብ ከውሊ ቦታ እትርከብ ቤትጽሕፈት ኣቶ ምትኩ ብምእታው ኣብ ጸግዒ መንደቕ ዝነበረት መባዝሒት ከፊቱ ፈተሻ። ኵሉ ምቅርራባቱ ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ንዝተዋህቦ ጽሑፋት ብዘድሊ ዓቐን ኣባዚሑ ወድአ። ንመባዝሒት ከም ዝነበረቶ ሸፋፊኑ ጽሑፋቱ ኣብ ባኮ ጠርኒፉ ድማ ዝኾነ ምልክት ከይገደፈናብ መኪናኡ ቀጸለ።

ሃብቶም ተሳቒሉ ጸኒሑ ኳሕኳሕ ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ “መን?” በለ ኮፍ ኢሉዎ ካብ ዝነበረ እናተስአ።

“ክፈተኒ ኣነ እየ፡” ዝብል መልሲ ምስ ሰምዐ፡ ካብ ስክፍታኡ ተገላጊሉ፡ “መጺእካ?” እናበለ ማኦጾ ከፈተሉ። ነታ ሰለሙን ሓቝፉዋ ዝነበረ ቀትሪ ዝሃቦ ባኮ ምስ ረኣየ ከም ዝተኦኣወተ ተረድኦ።

“ደንጕየ ድየ?” እናበለ ነታ ባኮ ኣቐበሎ ሰለሙን።

“ኣይደንጐኻን። የግዳስ ኣብ ዝኾነ በዅሪ ምስጢራዊ ስራሕ ብውጥረት ስለ ትዕብለል ብዘይመጠን ተሰኪፈ ነይረ። ብሓቂ ጽፉፍ ስራሕ ፈጺምካ ሰሌ፡” እናበለ ነቲ ወረቃቕቲ በብሓደ ድሕሪ ምፍታሽ፡ “እዚ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት’ዩ፡” ኢሉ ነታ ባኮ ከም ዘላቶ ኣብ ሳንዱቕ ኣእትዩ ብሊኬቶ ዓጸዋ።

ሰለሙን ብዝፈጸሞ ዕማም ሓበን እናተሰምዖ፡ “ኵሉ ነገር ክሳብ ትጅምሮ እዩ ብርቱዕ ዝመስል። ሓንሳብ ምስ ኣተኻዮ ግን ኵሉ ቀሊል’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ድማ ሽግር ከጋጥም ኢለ ኣይሓስብን’የ። ዓለም ብስያሳ ኵዕሶ ብሞሳ ዲና ንብል ዝነበርና ቈልዑ ከለና፡” በሎ እናሰሓቐ።

በዅሪ ስርሒቶም ብዓወት ምዝዛሙ ንሃብቶም ቀሊል ስራሕ ኣይነበረን። ሃብቶም ተረፍ ታሕጓሱ ምሉእ ለይቲ ክሰቲ ክሃድር ኣይምጸልአን ነይሩ። ሰለሙን ከም ዘይቅበሎ ስለ ዝፈለጠ ግን ከጽቅጥ መሪጹ። ሰለሙን ዓርኩ ሓዳር ካብ ዝምስርት ኣትሒዙ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተቐየረ ክሓስብ ከሎ መመሊሱ’ዩ ዝገርሞ። ከም ሓቂ ሮዛ ምስኡ ክትነብር ካብ እትጅምር ካብኣ ተፈልዩ ከምሲ ደስ ይብሎ ስለ ዘይነበረ፡ ምስ ሃብቶም ሓቢሮም ዘምሰዩለን ምሸታት ዳርጋ በጻብዕ ዝቝጸራ ነይረን። ንሳተን’ውን ብክንደይ ሰሓቦ ጕተቶ።

ሰለሙን ምስ ሮዛ ካብ ዝላለ ጀሚሩ ኵሉቲ ዕግርግር ናይ ባራትን ኣባይቲ ትልሂትን ፈንፊኑዎ እዩ። ነቶም ፈቐዶ ቤትመስተን እንዳ ፋይቶትን ኰለል ክብሉ ዘምስዩ ናይ ቀደም መዛውርቱ ተፋንዩዎም ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ከምርሕ ከሎ መንፈሳዊ ዕግበት ይስምዖ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ፍቕርቲ በዓልቲቤቱ ፍሱህ ህይወት የሕልፍ ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ መሳርሕቱ፡ “ኣየ ሰለሙን፡ በዓል ሓድሽ መተርኣስ ዝብሃል ምስላ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ክሳብ ዝበልየልካ እዩ ደሓን፡ ኩላትና ከምኡ ኢና ኔርና፡” እናበሉ ይጨርቁሉ ነይሮም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ‘መልክዐኛ ኣበረኛ ስለ ዝኾነ ሰበይቱ ከይትሰርቆ ስለ ዝፈርሕ’ዩ፡ ተፍርሖ ስለ ዝኾነት’ዩ፡’ ይሓምዩዎ ከም ዝነበሩ ኣዕርዩ ይፈልጥ’ዩ። ናይ ሰብ ሕሜትን ጭርቃንን ከይገደሶ ግን ናብ ገዝኡ ብእዋኑ ናይ ምእታው ልምዱ ከየቋረጸ ስሩዕ ህይወቱ ቀጺሉ። ምስ ግዜ ድማ እቶም ዝወራዘዩሉ ዝነበሩ ሰባት ንሓዳሩ ዘለዎ ኣኽብሮት ተዓዚቦም ብኣድናቖት ክጥምቱዎ ጀሚሮም። ሃብቶም ከይተረፈ ብዛዕባ መርዓ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣብ ዳግመ ግምት ከእቱ ተገዲዱ። ነቲ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ተቐቢሉዎ ዝነበረ መርዓ ዓርኩ ድማ ብምሉእ ልቢ ኣሚኑሉ። ስለዝኾነ፡ ብዘይካ ብኣገዳሲ ስራሕ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ካብ በዓልቲቤቱ ክፈልዮ ሕልናኡ ይፈቕደሉ ኣይነበረን። ብኸምዚ ድማ ናይ ክልቲኦም ኣዕሩL ዝምድና ሓላፍነታዊ እናኾነን መትከላዊ ሓድነት እናሓወሰን ኣዝዩ ተሪሩ። እቶ ምስ ምጥናስ ሮዛ ዝጀመሩዎ ኣዝዩ ረቂቕን ሓደገኛን ምስጢራዊ ስራሓት ከኣ ብዘይ ገለ ጸገም ንኣዋርሕ ክቕጽል ክኢሉ።

ይቕጽል

5ይ ምዕራፍ መበል 44 ክፋል ሰንበት 22 ለካቲት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ?”
Next Article ሓገዝ ን ሓው ክብሮም ፍቕረዝጊ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?