Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on February 8, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

5ይ ምዕራፍ መበል 40 ክፋል

ምስ ሃብቶም ኣብ ራስ እምሩ ሰፈር ቈጸራ ከም ዘለዎ ዘኪሩ፡ “የቐንየለይ ኣቶ ምትኩ፡ ዘይትተርፍ ቈጸራ ኣላትኒ፡ ምስ ይቕሬታ፡” ኢሉዎ ናብ ካዛንችስ ገጹ ቀጸለ። ሃብቶም ዓርኩ ደንጕዩዎ እናናሳዕ ሰዓቱ ክርኢ እዩ ጸኒሑ። ንተራ ዕላል ዘይኮነ ንዓቢ ስራሕ’ዩ ደልዩዎ። ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ኣቢሉ ድምጺ መኪና ሰሚዑ ናብ ኣፍደገ እንተ ተቐልቀለ ሰለሙን ማዕጾ መኪና ገም ኣቢሉ ክመጽእ ረኣዮ።

ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጦም፡ “እሂ’ታ ሰሌ እንታይ ደኣ ደንጕኻ?” በሎ።

“ኣጸብየካዶ? ማሺን ተባላሽያ ኢሎምኒ ኣብ ስራሕ’ንድየ ኣምስየ፡” ክብል መሊሱሉ ኣብ ፊቱ ኮፍ በለ። ንጕዕዞ ህይወቱ ንዘልኣለም ኣብ ዝቕይር መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ዛጊት ኣይፈለጠን።

ሃብቶም ብዛዕባ’ቲ ጸዊዑዎ ዘሎ ጕዳይ ከዛርቦ ካብ ዝሓስብ ሓጺር እዋን’ኳ እንተ ዘይሓለፈ፡ ሮዛ ኣብ መንጎ ስለ ዝኣተወት ነቲ መደብ ንግዜኡ ከወንዝፎ ተገዲዱ። ወዲሰብ ብምሉእ ሕልናኡ ንሃገሩ ክውፈ እንተኾይኑ ብሓዳርን ውላድን ክቍረን የብሉን ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ክውስን ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግን ክዓሞ ዝግብኦ ኣገዳሲ ስራሕ ስለ ዘጋጠሞ ንሰለሙን ተቐላጢፉ ክውድቦ ወሲኑ። ሃብቶም ብፖለቲካዊ ክልሰሃሳብ ኣዝዩ ዝበሰለ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራን ጸይቅታት ጀብሃን፡ ሓደ ኣብ ዘበነ ክፍልታት ናብ መንግስቲ ኢዱ ዝሃበ፡ ክልተ ዓመት ጸኒሑ ግን ናብ ህሓሓኤ ዝተጸነበረ ብቐረባ ዝፈልጦ ተጋዳላይ ብሰፊሑ ስለ ዘዕለሎ፡ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዓሚቝ ፍልጠት ዝነበሮ መንእሰይ’ዩ። ምስ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ ቅድሚ ሰለሙን ናብ ኣዲስኣበባ ምምጽኡ ምስቶም ኣብ ፈለማ ንጥሒሻ ዝመስረቱ ሃገራውያን ምስጢራዊ ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ።

“እሞ ሰሌ ሎሚ ብዛዕባ ሃደ ኦኣቢ ጕዳይ ኢና ክንዘራረብ፡” ብምባል ዘረባኡ ጀመረ፡ ሓንሳብ ናብ ሰለሙን ሓንሳብ ናብታ ሒዙዋ ዝነበረ መጽሓፍ እናጠመተ። ሰለሙን ሓድሽ ነገር ክሰምዕ ተሃንጥዩ ፍሕትሕት በለ። “ክሳብ ሕጂ ስለምንታይ ሓቢኡለይ ነይሩ ኢልካ ክትቅየመኒ የብልካን። ተጠራጢረካ ዘይኮንኩ ግቡእ ስለ ዝኾነ እየ ከምኡ ገይረ። ሕጂ ግን ካብ ሎሚ ጀሚርካ ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ምኳንካ ፍለጥ። ቅድሚ ሕጂ መጽሔት ተንብብ’ኳ እንተ ነበርካ ንጡፍ ኣባል ኣይነበርካን። ሓንሳብ ንጡፍ ኣባል ውድብ እንተዄንኳ ድማ ዝተኣዘዝካዮ ስራሕ ነግፈረግ ከይበልካ ክትፍጽሞ ግቡእካ እዩ። ካብታ ዝነኣሰት ስርሒት ክሳብ መስዋእቲ ዝበጽሕ ክከውን ይኽእል። ስለዚ፡ ልዑል ተወፋይነትን ቈራጽነትን ይሓተካ ማለት’ዩ። ኣብኡ በጺሕካ ድማ በዓልቲቤተይከ ወይ ደቀይከ ክትብል ዝሕሰብ ኣይኮነን። ጕዳይ ሃገር ልዕሊ ኵሉ ስለ ዝኾነ ክቡር ህይወትካ ክትውፍየሉ’ውን ቅሩብ ክትከውን ኣለካ። ሰለሙን ከኣ ኵሉ’ቲ ተቓላሳይ ከማልኦ ዝግብኦ ረቛሒታት ኣማሊእካ ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ፡ ካብዛ ደቒቕ’ዚኣ ጀሚርካ ኣባል ሕዝባዊ ሓይልታት ኴብካ ከም ዘለኻ ፍለጥ። ንቐጽልዶ?” በሎ ኣተኵሩ እናተመቶ።

ሰለሙን ብዓቢ ሃንቀውታ ክሰምዕ ጸኒሑ፡ “ቀጽል ጥራይ። ብዛዕባይ ኣይትጠራጠር፡ ይትረፍ ኣብ ከተማ ኮፍ ኢለ ዝተኣዘዝኩዎ ምፍጻም፡ ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ነገር እንተሎ’ውን ድሉው’የ። ኣብ በረኻ ዘለዉ ኣሕዋትና’ኳ ዘለዉዎ፡” በሎ ስምዒቱ ገንፊሉ ብውዑዉዕ መንፈስ።

ሃብቶም ብገርሃዊ ዘረባ ዓርኩ ቍሩብ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ናይ ከተማ ስሩዕ ኴንካ ምቅላስ ኣብ ውሽጡ ከይእተኻ ቀሊል ክመስለካ ይኽእል’ዩ፡ ብግብሪ ግን ኣዝዩ ጽንኵርን ረቂቕን ስራሕ ከም ዝኾነ ብሕጂ ክትፈልጦ ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ማህጸን ጸላኢ ሰፊርካ ሓደገና ተልእኾ ምፍጻም፡ ጸላኢ ክግምግሞን ክሓስቦን ካብ ዝክእል ንላዕሊ ተባላሓትነትን መሃዝነትን ይሓትት። ምስጢራዊ ስራሓት እናካየድካ ንቡር ህይወት ክተካይድ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ምዃኑ ዘይምስሓት። ስለዚ፡ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክትጐዓዝ ድሉው እንተዄንካ ብኣጋኡ ስራሕና ክንጅምር ዝሓሸ ኮይኑ ይስምዓኒ ኢሉ ሽጋራ ወልዐ።

ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ከም ዝብሃል፡ ሰለሙን ሃብቶም ብዛዕባ ምስጢራዊ ስራሓት ኣካቢዱ ምዝራቡ ዕጅብ ኣይበሎን። ኣብ ኣስመራ ከሎ ብዕላል ዝጸገበሉ ብፈዳኢን ናይ ጀብሃ ዝፍጸም ዝነበረ ስርሒታት ዘኪሩ ነቲ ካብኡ ዝድለ ዘሎ ነገር ክሰምዕ ተረበጸ። ማኒፈስት ደርቢ፡ ኣብ ለጋሃር፡ (መዓርፎ ባቡር ኣዲስኣበባ) ቦምባ ክትድርቢ ኢኻ፡ ኣብ ደብረዘይት ወይ ዲጋ ኣብ ቆቃ ነታጕ ክትተክል ኢኻ ዝብል ተልእኾ ክወሃቦ እናተጸበየ ድማ፡ “ዝበልካዮ ኵሉ ተረዲኡኒ ኣለኦ፡ እቲ ካባይ ዝድለ ዕማም ጥራይ ሃብረኒ፡ ኣነ ድማ ካብ ምፍጻሙ ድሕር ኣይክብልንየ፡” በሎ።

“እምበኣርከስ ድሕሪ ሳልስቲ ክልተና ከካብ ስራሕና ዓመታዊ ዕረፍቲ ድሕሪ ምሕታት ንዕስራ መዓልታት ኣቢልና ኣብ ሜዳ ታዕሊም ወሲድና ክንምለስ ተኣዚዝና ኣለና። ብድሕሪኡ ናብዚ ተመሊስና ሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ጨዊና ናብ ዓደን ክንኣቱ እዩ’ቲ ዕላማ። ስለዚ፡ ጽባሕ ዕረፍቲ ትሓትት፡ ኣብ ሳልስቱ ድማ ብቐጥታ ክንብገስ ኢና። ብወገነይ ወዲአ ኣለኹ።”

ሰለሙን ኣብ ውሑዳት ካልኢታት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝተናጠረ ኮይኑ ተሰምዖ። ኵሉ ነገር ቅጽበታዊ ኮይኑዎ ዝምልሶ ተፍኦ። ከም ዝዓንዘዘ ሰብ ንሃብቶም ኣፍጢጡ ድሕሪ ምጥማት፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ብምሉእ ልቢ እቕበሎ’የ፡ ግን ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ጥራይዮም ክህቡኒ ዝኽእሉ፡”በሎ ስክፍታ ብዝመልኦ ቃና።

“እሞኸ!”

“ማለተይ ዕረፍቲ ዝውስኹኒ ኣይመስለንን። ከመይ እንተ ገበርና ከም ዝሃይሽ ኣስፍሕ ኣቢልና እንተ ተላዝበና ይሃይሽ ምበልኩ።”

“ዕረፍቲ ዘይውስኹኻ እንተኾይኖም ወላ ስራሕ ክትገድፊ ኣለካ፡” ዝብል ሓጺርን ዘየላቡን መልሲ ሃቦ ገጹ ኣሲሩ።

ሰለሙን ነቲቅ አሊል መሲሉ ዝተራእዮ ምስጢራዊ ስራሕ ገና ከይጀመሮ ኣብ ፈታኒ መድረኽ ምእታዉ እናገረሞ፡ “ሕራይ ሮዛኸ እንታይ ክትከውን’ያ? ማለተይ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ከፋንዋ ስለ ዘይክእል ቍሩብ ግዜ እንተ ዝወሃበኒ ሓዳረይ ምወጋገንኩ ነይረ። ካብ ኵሉ ጥንስቲ ስለ ዘላ ሃንደበት ሓዲገያ ክጠፍእ ከለኹ ክስምዓ ዝኽእል ጓሂ ክግምቶ’ውን . . .”

ሃብቶም ንዘረባ ዓርኩ ኵልፍ ኣቢሉ፡ “ሰሌ፡ ሃንሳብ ነጊረካ ኣለኹ። ቅድሚ ገድላዊ ጕዳይ ዝስራዕ ጕዳይ የሎን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሮዛ ዘካትዕ የብልናን። ድሕሪ ጽባሕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ክልተ ቅያር ክዳን፡ ነጸላን ኮንጎን ሳእንን ሒዝካ ኣብዛ ገዛ ትመጽእ። ኣነስ ኣይከኣለንን’ዩ ትብል እንተዄንካ ግን ሓጺር መልሲ’የ ዝደሊ፡” ክብል መለሰሉ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ብዝመስል ኣዘራርባ።

ሰለሙን ብዅሉ ኵርናዕ ምዕይ መበሊ ሰኣነ። መላኺ ኣቀራርባ ናይ ሃብቶም ዓርኩ ምግንዛብ ስለ ዝሰኣኖ፡ “ዋእ! እምበርዶ እቲ ናይ ቀደም ሃብቶም’ዩ?” ክብል ክጀሎ፡ በንጻሩ ጕዳይ ሮዛ ዘይድየብ ጸድፊ ኮይኑዎ እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእል ዓቕሉ ኣጽበበ። እቲ ዝነበሮ ኣብ ሰውራ ናይ ምጽንባር ክቱር ባህጊ ግን ከም ሓደ ካብ ዝፈረሰ ዲጋ ዝወረደ ብርቱዕ ውሕጅ ንዅሉ እንተታቱ በታተኖ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ “ሰውራ ናይ ድራር እንግዶት ኣይኮነን፡” ትብል ናይ ማኦ ጥቕሲ ዘኪሩ፡ “ንሮዛ ሎሚ ቲኬት ቈሪጸ ጽባሕ ከፋንዋ’የ፡ ድሕሪ ጽባሕ ንግሆ ክብገስ ድማ ድሉው ኣለኹ፡” በሎ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ብዝተሓወሶ ድምጺ።

“ስለምንታይ ተፋንዋ? ክንምለስ ኢናኮ፡” በሎ ሃብቶም ከም ስንብድ ኢሉ።

“ስምዓኒ ሃብቶም፡ ሓንሳብ ናብ ሜዳ እንተ ኸይደ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ ዝፈልጦ የብለይን። ክምለስ ከይምለስ እንታይ እፈልጥመን ይፈልጥ። እንተ ተመለስኩ ኸኣ ተልእኾይ ንኽፍጽም ደኣ’ምበር ሰበይተይ ክሓቍፍ ኣይጽበን’የ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ሮዛ ናባይ ግደፎ ብዙሕ ኣይትሸገር፡ ስራሕና ጥራይ ንወድእ፡” ክብል መለሰሉ።

“ሰላም በለኒ ሰሌ! ኣብ ዕላማኻ እትስዋእ ቈራጽ ብጻይ ምዃንካ ኣረጋጊጸ ኣለኹ። ብዓንተቦ’ውን ነፍስወከፍ ኣብ ምስጢራዊ ስራሕ ዝሳተፍ ኣባል ብደቂቕ መንፊት ተመምዩ ክሓልፍ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ህዝባዊ ሓይልታት ስለ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ ተጠራጢረካ ኣይኮንኩን። ሕጂ ድማ ጽባሕ ይኹን ድሕሪ ጽባሕ ናብ ሜዳ ከም ዘይንብገስ ፍለጥ፡” እናበለ ኢዱ ንሰላምታ ዘርግሓሉ።

ሰለሙን እዚ ዅሉ ንሕልናኡ ዝፈታተን ወጥሪ ሰጊሩ ኣብ ሓዲሽ ምዕራፍ ምእታዉ ብዘረባ ዓርኩ ጋን ተሰሪሑ ኣይሓጐስ ኣይድንጋጸ ኮነ። ኢደኡ እናጨበጠ ድማ፡ “እንታይ ማለትካ እዩ?” ክብል ሓተቶ።

“ስሞኣኒ ሰሌ፡ ልክዕ ከምቲ ጽሩይ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን፡ ቅኑዕ ብጻይ ከኣ ኣብ ሽግር’ዩ ዝፍተን፡ ስለዚ ቅር ክብለካ የብሉን፡” ኢሉ ገበታ ትኪ በዀኽ ኣበለ።

ሰለሙን ከም ሓድሽ መጠን ኵሉ’ቲ ኣብ ቃልሲ ከጋጥም ዝኽእል ሕልኽላኽ ገሪሙዎ ትም ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እሞ ሕጂ መርመራ ሓሊፈ ማለት ድዩ?” በሎ።

“ብጌጋ ኣይትረድኣኒ ሰሌ። ሃንሳብ ኣባል ውድብ እንተዄንካ ወላ ኣብ ከተማ ሃሉ ኵሉ ግዜ ሓደጋ ምስ ኣንጸላላአወካ እዩ። ሎሚ ድዩ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ኦኣመት ትፈልጦ ነገር የሎን። ብተወሳኺ ኣብ ዝኾነ እዋን ዝወሃበካ ትእዛዝ ክህሉ ስለ ዝኽእል ኵሉ ግዜ ቅሩብ ኴንካ ክትጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። ብዝተረፈ ኣብ ስራሕና ክንእቱ፡” ኢሉ ሓደ ሓድሽ ኣባል ክፈልጦ ብዛዕባ ዝግብኦ መምርሒን ሓበሬታን፡ ናይ ኣወዳድባ ሜላ፡ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ፡ መባእታዊ ኣምር ስለያ ወዘተ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ካብዚ ዝበልኩዎ ዘይተረድኣካ ነገር እንታይ ኣሎ፡” ክብል ተወከሶ።

ሰለሙን ብጽሞና ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ኣባላት ተሃኤ ከጋጥሙና ከለዉ ብኸመይ ኣገባብ ኢና ክንሓዞም?” ክብል ሓተቶ።

“እቲ ናይ ምውዳብ ስራሓት ብርቱዕ ጥንቃቐ ዘድልዮ ኣዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፍካዮ ኵርናዓት ስሩዓት ተሓኤ ኢና ዝብሉ ሰባት ኣንጻር ህዝባዊ ሓይልታት ፕሮፓጋንዳ ነዚሖም’ዮም ዝጸንሑኻ። ብተወሳኺ ቅያዳ ኦኣማ ኣብ ኣአካየድቶ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ኢላ ዝሰመየቶ ውድባዊ ጉባኤኣ፡ “ህዝባዊ ሓይልታት ጸረ ገድሊ ስለ ዝኾነት፡ ሜዳ ኤርትራ ከኣ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጻወር ስለ ዘይክእል ክትጸንት ኣለዋ ዝብል ኣዋጅ ከም ዘሕለፈት ትፈልጥ ኢኻ። በንጻር’ዚ ኣብ ጥሒሻ ከም ዘንበብካዮ ህሓሓኤ ኵሉ ብረት ኣንጻር ወዳማይ ጸላኢ ክቐንዕ፡ ካልኣዊ ግርጭታት ድማ ብደሞክራስያዊ ልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መትከል ሒዛ፡ ንመጥቃዕቲ ቅያዳ ኦኣማ እንተኸላኸለት ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ትቃለስ ኣላ። እቲ ጕዳይ እዚ ካብ ኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ንህዝቢ ትርጕም መግዛእቲ እናረዳእና ክንጕስጕስ ከለና፡ በቲ ካልእ ከኣ ሽጣራታት ዓማ እናቃላዕና ውዳቤና ነስፍሕ። ስለዚ፡ ድርብ ቃልሲ ይጽበየና ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ውዱባት ተሓኤ ዝመጽአ ግን ነቶም ነቃጻትን ተረርቲ ልብን ካብቶም ተጐተትቲ ፈላሊና ክንርእዮም ክንክእል ኣለና። እዚ ክብል ከለኹ ግን ጸላኢ ንፍልልይና መዝሚዙ ኣብ ነንሓድሕድና ከየጋጭወናን ነቲ ቃልሲ ዘይመልክዑ ከየትሕዞን ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ።

ብኸምዚ ንክልተ ዓመት ምስ ተዘራረቡ፡ መራኸቢ ቦታ ኣብ እንዳ ሃብቶም ክኸውን ተሰማሚዖም ተፈላለዩ።

ይቕጽል

5ይ ምዕራፍ መበል 41 ክፋል ረቡዕ 11 ለካቲት

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓመድ ድበ ኣርዓዶም
Next Article ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?