Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on December 3, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 28 ክፋል

ኣብቲ ገፊሕ ሳሎን ንበይኖም ኮፍ ኢሎም ንዝሓለፈ ጥዑም ግዜ ህይወቶም ብምስትንታን ዘከሩ። ኣብ ቦጦሎኒ ዴቺሞ ናይ ጀነራል ትራክያ ተዓስኪሮም ከለዉ፡ ንወ/ሮ ገብርኤላ ማይ ክወርዳ ከለዋ ምስ ረኣዩወን ንምሸቱ ነቦኦም ጓል ረኺበ ኢሎም ከም ዝሓበሩዎም፡ ክምርዓዉ ከለዉ ዝነበረ ወራድ መርዓ፡ ናብ ኢትዮጵያ ንወራር እናተበገሱ ከለዉ ሓውቶም መርዓትካ ድቂ ሒዛ ምስ በለቶም ዝተሰምዖም ሓጐስ፡ ምስ ብጻዮም ባሻይ ተስፋልደት ኣብ ዕስክርና ዘሕለፉዎ ሽግር፡ ኣብ ውግእ እምባ ኣላጀ ምስ ተወግኡ ዓርኮም ንህይወቶም ከይሰግኡ ካብ ምምራኽን ባንዳ ተባሂሎም ካብ ምርሻንን ከም ዘድሓኑዎም። ኣብ መወዳእታ ጥልያን ምስ ተሳዕረ ድማ ብረቶምን ዕጥቆምን ድሕሪ ምሕባእ፡ ብጥምየትን ብጽምእን እናተጠቕዑ፡ በረኻ በረኻ ክኸዱ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መሬት ኢሮብ ክበጽሑ ከም ፊልም ተራእዮም።

ግራዝማች ደቆም ከመርዕዉ ከለዉ ብፍላይ ከኣ ኣብርሃም ኣብ ዝተመርዓወሉ ግዜ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ዓድን ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ዝተዓደሙሉ ክልተ ተስቶት ዝወደቑሉን፡ ኣብ ለምለም ዳስ፡ ድሩቕ ሜስ፡ እንጌራ ጻዕዳ ጣፍን ከስኪሶም ዓለም ዘዛረበ ውራይ ከም ዘየሕለፉ፡ እቲ ኣመና ዝፈትዉዎ ሕሳስልደ ወዶም፡ ፍቓዶም ጥሒሱ ጓል ማንም ክእክብ’የ ምባሉ መዓንጣ ከብዶም’ዩ ኣሕሪሩዎም። መብጽዓ ዓርኮም ምጥላም ከይኣክል ድማ ዝሓዙ ዘይብሎም ብርእሰተኣማንነት፡ “ኣምላኽ ይሓግዝ’ምበር ሎምዘበን መርዓ ወደይ ክገብር ሓሲበ’ለኹ፡” እናበሉ ምስ ዝቐረበን ዝረሓቐን ሰብ መውጽኢ ኣፎም ገይሮሞ ዝነበሩ ዘረባ መምለሲኡ ሓርበቶም። ብከቢድ ጓሂ ርእሶም ኣድኒኖም፡ “አረ ኣብ መወዳእታኡ እንታይ’የ ዝገብሮ? ኣነስ እንታይ መርገም ኮን’ዩ ነይሩኒ!” እናበሉ ንሓያለ ካልኢታት ብምረት ኣስቈርቈሩ።

ልዕሊ ዅሉ ግን ጕዳይ መብጽዓ ባሻይ ዓርኮም ሃው ዝበለ ገደል ኮይኑ ተሰምዖም። ዝኣኸለት ጓሎም ሎሚ ጽባሕ ከመርዕዉ ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ ገለ መውስቦኦም ዝበሃጉ ሰባት፡ “ኣቱም እንዳ ባሻይ ተስፋልደት ጓልኩም ንእከለ ወድና ደሊናያ ኔርና፡” ኢሎም ዘወር ክብሉዎም ከለዉ፡ “ኣቱም ሰባት ካባኻትኩም ዝረዝንን ዝኸብርን ሰብ መን ክንረክብ ኢልና፡ ደስ እናበለና ምሃብናኩም ኔርና። የግዳስ ይቕሬታ ግበሩልና መብጽዓ ስለ ዝጸንሓኒ ተቐዲምኩም ኣለኹም፡ ትሕዝቲ እያ፡” እናበሉ ኣፍልቦም ነፊሖም’ዮም ክምልሱ ሓግዮም። ግራዝማች ነዚ ዅሉ ደማሚሮም ብዓቕሊ ጽበት፡ “ዋይ ኣነ! እንታይ ሓጥያት ኮን ነይሩኒ እዩ! ኣብ ዘይወጽእ መንቀራቕሮ’ባ ኣተኹ፡ ሰለሙንሲ ኢድካ ደኣ ኣይትስኣን! ኢደሰባራ’ባ ገበርካኒ፡” እናበሉ ክራገሙን ጸጸኒሖም፡ “ኣሕ!” ብምባል ከስቈርቍሩን ጸኒሖም ካብ ኮፍ ዝበሉዎ ብምትሳእ ብመስኮት ተቐልቀሉ።

ወ/ሮ ገብርኤላ ክከታተልኦም ስለ ዝጸንሓ፡ ኵነታቶም ኣደንጊጹወን ልበን ኣብ ክልተ ተኸፍለት። ፍርቂ ሰብነተን ኣቐልቂለን እናተጠራጠራ፡ “እሞ ቡንዶ ክቐልወልኩም?” ምስ በልኦም፡ ውሒጡዎም ካብ ዝነበረ ብስጭትን ሓሳብን ተበራቢሮም ብስያፍ ጠመቱወን። ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው’ኳ እንተ ነበሩ፡ መንፈሶም ግን ብመጠኑ ዝተረጋግአ ኮይኑ ተራእየን። ርእሶም ንየማነ ጸጋም ብምንቕናቕ ናይ ኣሉታ መልሲ ምስ ሃቡወን፡ መወዳእታ ናይቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዝኸውን ሓርቢቱወን ብስክፍታ እናተዋሕጣ ኣብ ክሽነ ኣተዋ። ሰለሙን ወደን ኣብ ሓሳቡ እንተ ጸኒዑ፡ ኣብርሃም ወደን ከኣ ብዓቕሙ እንተ ሓጊዙወን መደበን ክዕወት ከም ዝኽእል ምሉእ ምትእምማን ነይሩወን።

 

*             *             *

 

መሬት ምስ መሰየ ስድራቤት ግራዝማች ብምልእታ ተኣከበት። ቡን ፈሊሑ ኣወል እናተሰትየት ከላ፡ “ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይየ ጸዊዐኩም ዘለኹ፡” ጀመሩ ግራዝማች ነቲ ብርቱዕ ጭሕምም እናደረዙ። ክልቲኦም ደቆም ነገሩ ደንጽዩዎም ዝብሃል ክሰምዑ ኣእዛኖም ኵር ኣበሉ። ወ/ሮ ገብርኤላ ክብሉዎ ዝደለዩ ነገር ምስጢረስላሴ ኮይኑወን ከብደን ሓቝፈን ነበራ። ግራዝማች ዘረባኦም ብምቕጻል፡ “ንሱ ኸኣ ብዛዕባ’ቲ ከይሲ ሓውኩም’ዩ። ካብ ኣዲስኣበባ መጺኡ ከም ዘሎ መቸም ሰሚዕኩም ትኾኑ።

ትምኒት ጓሎም፡ “እወ ኣደይ ሓቢራትኒ ነይራ፡” ክትብል ከላ ዶክተር ኣብርሃም ብእወታ ርእሱ ነቕነቐ።

“ብመብጽዓይ መሰረት ንጓልባሻይ ከሕጽዮ ወዲአዮ ከም ዝነበርኩ ኩልኻትኩም ትፈልጡዎ ጕዳይ’ዩ። ሕጂ ግን ትምህርታ ቅድም ትወድእ ይብል ከም ዘይነበረ ኣብቲ ሽዋ ገሊአን ሰሪየንኦ ግዲ ኮይነን፡ ‘ኣይፈትዋን እየ’ባ፡ ትኾነኒ ረኺበ ኣለኹ’ባ፡” ዝብል ሓድሽ ፋቲካ ኣምጺኡ ኣሎ። ጓል ፍሉጣት እንተ ትኸውንከ ጸሊእኩምዶ! ካብ ጽርግያ ዝኣከባ ባርያ ትኹን ጭዋ፡ ሓያም ትኹን ጓል ብዳማ ዘይትፍለጥ ሰብ እያ’ኮ። ሚኪኤል ሊቀመላእክቲ ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽኣና ይኸውን’ምበር ቈልዓ ኣይጠዓየን ዘሎ. . .“

ዘረባኦም ከይደምደሙ ከለዉ፡ “ካልእ እንተ ተረፈ ዓዳ ኣበይ ምዃኑ ኣይፈልጥን’ዩ?” ተወከሰቶም ትምኒት ገጻ ኣሲራ። ናይ ኣቦኣ ግዲ ወሲዳ ከም ባህሪ ሓያልን ህውኽ ኢላን’ያ።”

“ኣየ ትምኒት ጓለይ፡ እዚ ደኣ ናይ ወረጃታት’ንድዩ ነይሩ። እንቋዕ ሽዑ ኣይነበርኪ። ትዕግስትኺ ምወዳእኪ ኔርኪ። እቲ ጸጕረይ ከመይ’ሉ ከም ዝቐለሎ ግርም ኢሉኒ። ቍልቍል ዝኣፉ፡ “ዓዳ’ኳ ኣይፈልጦን’የ፡ ኣቦኣ ግን መዓሾዶ መንዶ መንዶዶ እዩ ዝብሃል፡ ኣነ ከኣ ኣፍቂረያ ኣለኹ፡” ክብል ብትዕቢት መሊሱለይ፡” ክብሉ ኣጋንኖ ወሲኾም መለሱላ።

“እዚ ዘረባ እዚ’ኳ ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን፡ ብዓንተቦ ሽዋ ክብሃል ከሎ ወረኡ ጥዑም መዓስ ኮይኑ፡ ኣምላኽ ጥራይ መወዳእታኡ የጸብቐልና፡” በለት ትምኒት ቈላሕታኣ ሓንሳብ ናብ ኣደኣ ሓንሳብ ናብ ኣቦኣ እናሰደደት።

ትም ትም ኮነ። ግራዝማች ኣብርሃም ወዶም ክዛረብ’ዮም ተጸቢዮም ነይሮም። ንሱ ግን ኢዱ ኣጣሚሩ ናብ ትምኒት ክጥምት ጥራይ ተዓዘቡዎ። ብየማነ ጸጋም ንዝነበሩ ደቆምን ኣብ ፊቶም ንዝነበራ በዓልቲቤቶምን ድሕሪ ምጥማት፡ “ሕጂ ግን ዘረባ እንተ ነውሐ ዋጋ የብሉን። መዋእልና ተኸቢርናን ተሓፊርናን ከም ዘይነበርና፡ በዚ ኣኼስ ውላድ’ዚ ክንዋረድ ከለና ንሰማዒኡ’ውን ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ፡ መስሓቒ ሰብ ከይኮንና ከለና ገለ እንተ ሰምዓኩም መዓዱዎ። ክሳብዛ ዝመጽእ ጽቡቕ ቃል ከስምዓኒ ጸኒሑ ሕጂ እንታይ ከም ዝዓሸሮ ክርድኣኒ ኣይከኣለን ዘሎ። ስለዚ፡ መን ይፈልጥ ኣምላኽ ናብ ልቡ እንተ መለሶ ይሰምዓኩም ይኸውን። ካብኡ ተረፈ ግን ከም ዝረግሞን ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ከኣ ይትረፍ ገጹ ክርእዮ ከም ውላደይ ከም ዘይቈጽሮ ንገሩዎ። ፍቓደይ ጥሒሱ እንተ ተመርዕዩ ክሳደይ ንኻራ!” ኢሎም ብናይ ምሕራድ ምልክት ኢዶም ናብ ክሳዶም ብምስዳድ የማነ ጽጋም ኣንቀሳቐሱዎ። ነተን ቃላት ሓይሊቃል ወሲኾም’ዮም ኣድሚጾመን።

ኣብርሃም ባህሪ ኣቦኡ ስለ ዝፈልጥ ተሃዊኹ ክዛረብ ኣይደለየን። ዕላማኦም ነታ ዓባይ ጓልባሻይ ከመርዕዉዎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝያ ትንእሶ ስለ ዝነበረት ኣይሰለጦምን። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተመርዓዋ ኤልሳ፡ ጓል ፍሉጣት ስድራቤት ኮይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣፍቀራ እዩ ቃልኪዳን ኣሲሩላ። ግራዝማች ሽዑ፡ “ኣየ ቈልዓ! እንታይ ክወጽኣ፡ ጠባያን መልክዓን ማርያም ብህየታ’ንድያ!” ከም ዘይበሉ ውላድ ምስ ሰኣነ፡ “ሓንቲ ልኽፍቲ’ያ፡ ትሕትና የብላን። ብዓንተቦ ባዕለይ እንተ ዘምጽኣሉ ነይረ ከምዚ ኣይምኾነን ነይሩ። ናይ ኣብርሃምስ ዳሕራዩ ይገድድ። ነዚኣ ፈቲሑ ካልእ ዘይምርዖ እንታይ ይጽበ ኣሎ?” ብምባል ክልተ ሳዕ ተዛሪቦም። በዓልቲቤቱ ኤልሳ ናብ ሓኪም ማሕጸን ተመላሊሳ ከም ዝነበረት ምስ ሰምዑ ድማ፡ “ኣየ ኣብርሃም ወደይ፡ ብልሂ ትመስለኒ ኔርካ። በቕሊ ክትወልደልካ ምሕሳብ እንታይ ይብሃል? ካልእ ነገር ደኣ ተጣበብ፡” እናበሉ ክፋታሕ ወይ ብወሰን ክወልድ ይደፋፍኡዎ ስለ ዝነበሩ ዘረባኦም ዝኾነ ቅጭ’ዩ ኣምጺኡሉ ነይሩ።

ትምኒት ግን ምስቲ ኵሉ ዋዒኣ ናብ ተብሎ ጠፊኡዋ ኣብ መንጎ እያ ተቐርቂራ። ነቦኣ ኣዝያ ተኽብሮምን ትፈርሖምን’ኳ እንተ ነበረት፡ ንሰለሙን ኣመና ትፈትዎ ስለ ዝነበረት ኣሕሊፋ ክትህቦ ጸገም ኮይኑዋ። ዝሓስቦ ዘሎ መውስቦ ቅቡል ከም ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ንበይኑ ረኺባ ክትምዕዶ ብምሕሳብ፡ “ወይጉድ! እንታይ ዝበለ መዓት’ዩ ደቀይ!” ኢላ ክንፈራ ድሕሪ ምርምጣጥ፡ “ሕጂኸ ኣበይ ኣሎ?” ሓተተት ገጻ ናብ ኣብርሃም ሓዋ ጠውያ።

“ድሕሪቐትሪ ናብ ስራሕ ደዊሉ ምሸት ኣብ ገዛ ክጽበየካ’የ ኢሉኒ ነይሩ።”

ወ/ሮ ገብርኤላ ክዛረብኦ ዝደለያ ነገር’ኳ እንተ ነበረን ንበዓልቤተን ፈሪሐን ቃል ኣየምለቛን። ሰለሙን ወደን መንነታ ዘይተፈልጠት ክእክብ ደልዩ ተባሂሉ ክጥቀን እናሰምዓ ትም ምባል ግን ክድዓት ኮይኑ ተሰምዐን። ኣሎ ዝብሃል ትብዓተን ተጠቒመን ድማ፡ “ኣቱም ደቀይ ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር እዛ ክምርዓዋ ደልየ ዝብላ ዘሎ ጓል፡ ነዛ ባሻይ ወሊዶምላ ዘለዉ ማሪያ ጓል ዓዳ እያ ዝበለ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ፡” በላ ናብ ደቀን እናጠመታ።

ካብ ዝፈርሖኦ ኣይወጽኣን ግራዝማች ከም ቅጽበት ናብ ነብሪ ተቐየሩ። ውሕጥ ዘብሉወን ኮይኑ ተሰሚዑወን ዝሕዞኦን ዘረምስሶኦን ጠፍአን። “ካበይ ኣምጺእክዮ’ዚ ዘረባ’ዚ? ኣነኸ ሕፍስ ኣቢለ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ዶ ካልእ ምስጢር ኣለኪ! እንተኾነ ነቲ ከይሲ ወድኺ እንተ ትምዕዲ ጽቡቕ ነይሩ፡ ካብኡ ተረፈ . . .” ብምባል ክጥሕሩወን ደለዩ።

“ርግእ በል ኣቦ፡” ኢሉ ከዕግሶም ፈተነ ኣብርሃም።

ወ/ሮ ገብርኤላ ሒዘንኦ ዝነበራ መሽረፈት ኣብ ምድሪቤት ብምትካል ርእሰን ኣስኒነን ክሰምዓ ጸኒሐን፡ “ከምኡ ዝብል ቃል’ኳ ዘይወጽኣኒ። የግዳስ ቅድሚቐትሪ ካብ ገዛ ክወጽእ ከሎ፡ ብደዉ ካብ ኣዲስኣበባ ዘምጽኦ ናብ ማሪያ ዝበጽሕ ናይ ሓንቲ ሰብ ደብዳቤ ተማሊኡ ከም ዘሎ ወስ ምስ ኣበለለይ፡ ብገርሀይ ‘ኣብ ኣዲስኣበባ ትነብር ንማሪያ ትፈልጥ ደኣ ጓል መን ኮይና?’ ምስ በልኩዎ፡ ‘እዛ ክምርዓዋ ዝሓስብ ዘለኹ እያ፡” ኢሉኒ። ኣነ ድማ ‘እንታይ ረኺቡካ ኣንታ ሰለሙን ወደይ? ብሓደ ኣፊቱ!’ ኢለዮ ከም ስምብድ ኢለ። ንሱ ድማ፡ ‘ደሓን ደፋእ ኢለ ከዕልለኪ’የ፡’ ኢሉ ተፋንዩኒ፡” ብምባል ንወደን ክከላኸላን ነፍሰን ከውጽኣን ፈተና።

ሻራ ወደን ከም ዝኾና ስለ ዝፈልጡወን፡ “ደሓን ንሱስ፡ ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን፡ ምስ ወድኺ ክትመሻጠሪ ከም ዝወዓልኪ መዓስ ጠፊኡኒ፡ ኣነ’የ ግጉይ ሰብ ረኺበ ምሳኺ ዝመክር፡” ኢሎም ብምስትምሳል ተዛረቡ።

“ከሎ ገና ሸገርገር ኣይንበል። ጓል መንገዲ ሒዝና ኣብ ክንዲ ንዛረብ፡ እንታይ እንተ ገበርና ከም ዝሓይሽ ንምከር።” ኣብርሃም ዘውጽኦ ቃላት’ዩ ነይሩ።

“ጽቡቕ ኣለኻ፡ ግን ከኣ ናብ ኣዲስኣበባ ከይተመልሰ ከሎ ዝገበርኩም ጌርኩም ሕራይ ክተብሉዎ ኣለኩም። ቍሩብ ሕስብ እንተ’በልካዮኸ ንዓይ ኣሚኑ ጓሉ ዕቝር ዝሓገየ ዓርከይ እንታይ ክብለኒ’ዩ? ሃየ’ዞም ደቀይ ወላ ኣብ ብርኩ ወዲቕኩም ካብዛ ጸበባ’ዚኣ ኣውጽኡኒ፡” በሉዎም ብዝተጨነቐ መንፈስ። ንባሻይ ተስፋልደት ዓርኮም ኣብ ዝዝክሩሉ እዋን መሬት ከም ስርዓት’ያ እኩት ትብሎም።

“እሞ ከምኡ እንተኾይኑ ቈልዑ ገዲፈ ስለ ዝመጻእኩ መሬት ከይመሰየ ቀልጢፍና ንገዛኻ ኬድና ንርከቦ፡” በለት ትምኒት፡ ኣብ ክሳዳ ወሪዱ ዝነበረ ጉልባባ ንላዕሊ እናሰሓበትን ክትትስእ ከም ሓፍ እናበለትን።

ግራዝማች ሰለሙን ናብ ኣዲስኣበባ ከይምለስ ስክፍታ ስለ ዝሓደሮም፡ “ግርም ሓሳብ’ዛ ጓለይ! ካብ ሎሚ እንተ ዘይሓለፈ ይሓይሽ። ውዓል ሕደር እንተ በልና ዋጋ የብሉን፡” ክብሉ ንርእይቶ ትምኒት ብምድጋፍ።

“ንበገስ ጥራይ!” ኢላ ብድድ በለት ትምኒት።

ኣብርሃም፡ ንሰለሙን ቅድም ንበይኑ ክረኽቦ ስለ ዝደለየ፡ “ህድእ’ንዶ በሊ ትምኒት፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ነገር ታህዋኽ ኣየድልን’ዩ። ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምና ከምኡ ንገብር ኣነ ቅድም ከዘራርቦ፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝሓይሽ ምሳኺ ንማኸር፡” ክብል ብሕማማ ኣተዋ።

ትምኒት፡ ዓቢ ሓዋ መማኽርታ ሓሲቡዋ ከምኡ ምባሉ ሓበን እናተሰምዓ፡ “ከምኡ እንተኾይኑ ኸኣ ዝበለጸ። እሞ ኣነ መሬት ከይጸልመተ ሰላም ኢለዮ ጥራይ ናብ ደቀይ ክኸይድ፡” ዝብል ርእይቶ ኣቕረበት።

ግራዝማች ብትዕግስቲ ክሰምዑ ጸኒሖም ካብ ኵርሶም ሓፍ ድሕሪ ምባል፡ “ቀትሪ ዝተጋደፍና የብልናን። ድሒረስ ተጣዒሰ’ኳ። ስለዚ፡ ህድእ ኢልካ ክተረድኦ ፈትን ኢኻ። ኣይትሕመቕ!” በሉዎ ኢዶም ኣብ ዝባኑ እናንበሩ።

ኣብርሃም፡ “ግዲ የብልካን ደሓን፡” ኢሉ ተፋንዩዎም ምስ ትምኒት ድሕሪ ምብጋስ ገዛ ኣትዩ ንሓዉ ክረኽቦ ኣዝዩ ተረበጸ። ምስ በዓልቲቤቱ ኤልሳ ኣብ ሳሎን ከዕልል ምስ ጸንሖ ድማ ብናፍቖት ተሰዓዓሙ። ትምኒት ብወገና፡ “ስሉም ሓወይ!” እናበለት ሓቝፋ ሰዓመቶ። ንገለ ርብዒ ሰዓት ምስ ኣዕለሉ፡ ኣብርሃም ንትምኒት ናብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኣብጺሑዋ ተመለሰ።

ኤልሳ ድራር ክተወዓዒ ኣብ ሳሎን ሓዲጋቶም ምስ ከደት ኣብርሃም ኣብ ጕዳዩ ብምእታው፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ምስ ኣቦይ ደኣ ከመይ ዝበለ ህውከት ድዩ ውዒሉኩም?” ክብል ተወከሶ ብሓውሲ ምግራም።

መዓስ ከም ዝተራኸቡ ምርዳእ ስኢኑዎ፡ “ኣበይ ዲኻ ኣምሲኻ?” ሓተቶ።

“ድሕሪ ቐትሪ ናብ ስራሕ ስልኪ ደዊሉ፡ ‘ስራሕ ምስ ወዳእካ ቀልጢፍካ ናብ ገዛ ምጽኣኒ፡’ ይብለኒ። ኣነ ድማ እንታይ ተረኺቡ ደኣ እናበልኩ ትኽ ኢለ ናብ ገዛና እንተ ኸድኩ፡ ኣቦይን ኣደይን ትምኒት ሳልሰይቶም ቡን ሒዞም ይጸንሑኒ። ኣቦይ ገጹ ናይ ቍጽሪ ተሰሪሑ ምስ ረኣኹዎ ገለ ነገር ዘጋጠመ መሲሉኒ ከም ስርዓት ሰንቢደ፡” ብምባል ብዛዕባ’ቲ ክብሃል ዘምሰየ ብምሉኡ ዘርዘረሉ።

እቲ ጕዳይ ክሳብ ክንድኡ ክጋፋሕ ዘይተጸበዮ ሰለሙን፡ ኣቦኡ ንግዜኡ’ኳ እንተ ሓረቑ ንጽባሒቱ ክረዳድኡዎ’ዩ ነይሩ ትጽቢቱ። “እዚ ሰብኣይ እንታይ ድዩ ኮይኑ? እርጋን ድዩ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ በጃኻ?” በሎ ርእሱ ኣብ ኢዱ ኣደጊፉ።

“ኤእ! ካብ በዓል ኣቦይ እንታይ ትጽበ? ሕማምን እርጋንን ኣሎ” መዛኑየይ እናሰርሑ ኣነ ተደርብየ ዝብል ጓሂ ኣሎ። ነዚ መብጽዓ ጠሊመ ዝብል ነገር ክድረቦ ከሎ ጸርጸር ክብል ግድነት’ዩ። ደሓር ከኣ ባህርያቱዶ ጠፊኡካ!”

“እሞ ሕጂ እንታይ ምግባር ይሓይሽ ትብል?”

“ከሎ ገና’ሞ እንታይ’የ ክብል’የ? መጀመርያ ብወገንካ ዘሎ ኵነታት’ስኪ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸለይ። ብድሕሪኡ እንታይ ክንገብር ከም ንኽእል ክንመያየጥ።”

ድራር ክሳብ ዝበልዑ ኤልሳ ስለ ዝተሓወሰቶም ንሃጺር ህሞት ኣብ ናይ ሓባር ዕላል ሰጊሮም’ምበር፡ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሕለፎ ናብራ፡ ምስ ሮዛ ብኸመይ ከም ዝተራኸበ፡ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ታሪኽ ህይወት ሮዛ፡ ምስኣ ዘለዎ ፍቕርን ክገልጸሉ፡ ኣብርሃም ድማ “ህ!” ክብል ሰዓት ትሽዓተ ኮይኑ።

ኣብርሃም ዘረባ ሓዉ ምስ ሰምዐ፡ ድሌት ኣቦኡ ክፍጸም ከም ዘይክእል ንምግንዛብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ሰለሙን ኣብ ፍቕሪ ዝተመረኰሰ ሓዳር ምምራጹ ድማ ብምሉእ ልቡ ደገፎ። ነቦኡ መደዓዓሲ ዝኸውን ኣተዓራቒ ሓሳብ ክድህስስ ግን ግድነት ስለ ዝነበረ ግን ቍሩብ ክሓስብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ “እሞ ከምዚ ዘይንገብር?” በሎ ርእሱ ኣቕኒዑ።

መፍትሒ ሓሳብ ተረኺቡ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ፡ “ከመይ?” ሓተተ ሰለሙን ህንጡይነት ብዝተሓወሶ መንፈስ።

“ጽን ኢልካ ስምዓኒ ሰሌ። ነቦይ ጽቡቕ ከም ዝተረዳዳእናን እንተ ደንጐኻ ድሕሪ ሰሙን መልሲ ናይቲ ጕዳይ ክትልእከሉ ምዃንካን ክሕብሮ እየ።”

“ዋእ! ድሕሪ ሰሙንከ እንታይ ክብሎ?”

“ሓንሳብ ኣወድኣኒ ሰሌ። ነቦይ ባሻይ’ውን ከረድኦም ክጽዕር’የ። ከም ዝርድኡኒ ከኣ ምሉእ ምትእምማን ኣሎኒ። እቶም ሰብኣይ ናይ ሕጊ ሰብ ስለ ዝኾኑ ኵሉ ዝፈልጡ እዮም። ኣቦይ ብዝኾነ መንገዲ ክርድኣና ስለ ዘይክእል እቲ ጕዳይ ንሶም ጥራይ’ዮም ዝፍታሑዎ። ነዛ ማሪያ’ውን ወላ’ኳ ሓሚማ ትሃሉ ብዓቕማ መታን ክተረድኦም ድሕሪ ሳልስቲ ረኺበ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ክገልጸላ ክፍትን’የ።

“ንሳ’ኳ ክንደየናይ፡ ከምዚ ዝበልኩካ ናይ ሮዛ ደብዳቤ ክህባ ኢለ ናብ ገዛኣ ምስ ከድኩ ኣዝያ ተወጺዓ ከም ዘላ ኣስተውዒለላ እየ።”

“እፈልጥ። ግን ካልእ እንተ ተረፈ ነቦይ ባሻይ ሓበሬታ ምሃብ ክጽግማ ዝኽእል ኣይመስለንን። ብወገን ኣደይ ጸገም የሎን፡ ናይ ትምኒት ነገር ድማ ናባይ ግደፎ። ከምዚ ዝበልኩኻ እንተ ጌርካ፡ እቲ ነገር ብቐሊል ክፍታሕ እዩ።”

“ሰለሙን ጎቦ ልቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብቕንዕና ኣብርሃም ስለ ዝተኣማመን ነቲ ሓሳብ ብእወታ ተቐበሎ። ብምርድድኦም መሰረት ከኣ ንጽባሒቱ ንማንም ሰብ ከይተሰናበተ ናብ ኣዲስኣበባ ተበቈጸ።

ይቕጽል . . . . . . .

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 29 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 7 ታሕሳስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?