Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 23, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

3ይ ሞዕራፍ መበል 25 ክፋል

*             *             *

ሃብቶም ካብ ሰለሙን ቍመቱ ቍሩብ ሕጽር ዝበለ፡ ቀጢን፡ ደርግ ስኑ ፈኻኽ ኮይኑ፡ ምስ ሰብ ህውኽ ኢሉ ዘይለግብ፡ ህዱእን ዓቃልን መንእሰይ‘ዩ። ኣቦኡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ፖሊስ ዝተኽትቡ ነይሮም። ንእሽቶ ከሎ ካብኡ ዕብይ ዝብሉ መማህርቱ፡ “ወዲኮምፓራቲቫ” እናበሉ ክጽውዑዎ ከለዉ ጸርፊ እናመሰሎ የስተማስልን ይሓርቕን ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ብትምህርቲ ክበልጾም ኣለኒ ዝብል ህልኽ ሒዙዎ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ብብልጫ’ዩ ሓሊፉ። ኣቦኡ ቀልጢፉ ስራሕ ክሕዘሎም ይደልዩ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ሻሙናይ ክፍሊ እናተማህረ ከሎ ሓላፊኦም ዝነበረ ሻምበል ካብ ቂም ተበጊሱ ኣብ ልዕለኦም በደል ስለ ዝፈጸመ፡ ንወዶም ወግሐ ጸብሐ፡ “እዞም ትርእዮም ዘለኻ ግፍዐኛታት ኣያታት ረኺቦም’ዮም ኣሕሉቕና ኮይኖም ድከትና ዘስትዩና ዘለዉ። ስለዚ ናተይ ከይኣክል ንስኻ’ውን መጻወቲ’ዞም ካባኻ ዘይሕሹ ደቆም ከይትኸውን ትምህርቲ ክትሰንፍ የብልካን። ደጊም ኣነ ካባኻ ዝደልዮ የብለይን። ኡኒብርሲታ ወዲእካ፡ ዲግሪ ሰቒልካ ኣዛዚ ደቆም ክትከውን’የ ዝደልየካ፡” ይብሉዎ ነይሮም። ዘረባ ኣቦኡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ስምብራት ስለ ዝፈጠረ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ ልቡ ንሰብ ተዛሪቡሉ ዘይፈልጥ ክቱር ጽልኣት ናይ ሰበስልጣንን ሃብታማት ሰብ ንብረትን ኣስሪጹ። ለበዋ ኣቦኡ ክፍጽም ድማ ምስ ሕልናኡ ተመባጺዑ።

ሰለሙን ዓርኩ ካብ ፖይንትፎር ክምረቕ ከሎ ሃብቶም ብብሉጽ ነጥቢ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሓሊፉ። ኣቦኡ ወዶም ክመሃረሎም ክቱር ባህጊ ስለ ዝነበሮም ናይ ኢዶም ነጊፎም ናብ ኣዲስኣበባ ኣፋንዮሞ። ኣብ ዓመቱ ግን ነዊሕ ከይሓመሙ ካብዛ ዓለም ተሰናቢቶም። ከም ሳዕቤን ድማ ነሕዋቱ መታን ክናቢ ትምህርቱ ምሸታዊ እናቐጸለ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ስራሕ ክቝጸር ተገዲዱ።

ሃብቶም ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ብዙሕ ከይደንጐየ ንማርክሳዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ዝምልከት ጽሑፋት ክገናጽልን ዝበዝሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ናይቲ እዋን ህቡባት መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብን ከሕልፎ ጀመረ። ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ መርዓ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ብኡ መጠን ተጸልዩ። መርዓ ኣብ ሓንጐሉ ቦታ ኣይነበሮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህይወት ሓደ መንእሰይ ሓላኺ ተራ ዝጻወት ማሕበራዊ ወግዒ እዩ ዝብል እምነት ኣብ ኣእምሮኡ ኣስሪጹ። ካብዚ ብምብጋስ’ዩ ድማ ሰለሙን ዓርኩ ብጸቕጢ መብጽዓ ኣቦኡ ከይምርዖ ስለ ዝሰግአ፡ ኣብ ንግድ ማተምያቤት ስራሕ ምስ ረኸበሉ ኣብ ኣስመራ ዝነበሮ ስራሕ ራሕሪሑ ናብ ኣዲስኣበባ ከም ዝመጽእ ዝገበሮ።

ሰለሙን ብዛዕባ ዓርኩ ዝነበሮ ገምጋም ከይወድአ ኣብ እንዳ ዓርኩ ክበጽሕ ክልተ ኵርናዕ ተረፎ። ነታ ዝተረፈቶ ሓጻር መንገዲ ክሳብ ዝውድእ ወሰን ወሰን ከይበለ ንሮዛ ክምርዓዋ ምዃኑ ኣግሂዱ ክገልጸሉ’ሞ ካብ ሳቕሎቱ ክገላገል ቍርጺ ሓሳብ ገበረ። ካብ መኪና ወሪዱ ናብቲ ገዛ ኣብ ዘምርሓሉ ግዜ ሃብቶም ዓርኩ ኣብ ዓራት ተጋዲሙ፡ Red star over China ዘርእስታ ናይ ኤድጋር ስኖው መጽሓፍ የንብብ ነይሩ። ኳሕኳሕ ምስ ሰምዐ ማዕጾ ከፊቱሉ ብናፍቖት ምስ ተሰዓዓሙ፡ “ሰዓት ትሽዓተ ሓሊፉስ ክሳብ ሕጂ ከይተሳእካ?” ሓተቶ ሰለሙን ኣብ ኵርሲ ኮፍ እናበለ።

“ሰዓት ሸውዓተ ምስ ተሳእኩ እየ። እዛ መጽሓፍ ስለ ዝሰሓበትኒ ግን ክሳብ ሕጂ ከንብብ ኣርፊደ። ወዲእካያዶ እታ ዝሃብኩኻ ናይ ካስትሮ ታሪኽ ህይወት?”

“ውሑዳት ገጻት ተሪፈናኒ ኣለዋ’ምበር ወዲአያ እየ።”

“ደንጕኻ ሰሌ፡ ናብ ዋናኣ’ባ ክንመልሳ፡”

“ጽባሕስ እውድኣ እኸውን’የ።”

“ሃብቶም ናብ ደገ ብምውጻእ ገጹ ተሓጺቡ ተመልሰ። ገጹ ዝወልወለሉ ሽጐማኖ ናብ ዓራቱ ደርብዩ ጸጕሩ እናሰንተረ፡ “ኣሎራ፡ ስራሕ ከመይ ቀንዩ?” ድሕሪ ምባል ሰለሙን መልሲ ከይሃቦ ከሎ፡ “ብቐዳማይ ምሸት ደኣ ክንጽበየካ’ንዲና ኣምሲና፡ምስ ጠፋእካ ግን ኦሮማይ ምስ ሮዛ ተራኺቦም ኣለዉ ማለትዩ ኢለ፡” ድሕሪ ምባል “ኣብ መወዳእታ ሓደ በዓል መኪና ምስ ተሓወሰና ናብ ንፋስ ስልክ ቀጺልና” በሎ።

“ቈጸራ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ኦመድላ’ንድየ ኣምስየ።”

“ምስ ጥላሁን ቈጸራ ከም ዝነበረካ ደኣ ፈሊጠ ነይረ።”

“ሽዑ ክመጽእ’ኳ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ቈጸራ ቍሩብ ደንጕየ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ሮዛ ኣብ ገዛኣ ትጽበየኒ ስለ ዝነበረት ክኸዳ ግድን ነይሩ።”

“ሮዛ’ኳ ሽኮር ጓል’ያ፡ ክሳብ ሎሚ ምስኣ ትጸንሕ ግን ኣይበልኩኻን። ክሳብ ለይቲ ኣብ ገዛኣ እንተ’ምሲኻ ግን ምስኣ ሓዲርካ ኣለኻ ማለት’ዩ።”

“ክገርመካ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስጋዊ ርክብ ኣይበጻሕናን።

“Impossible! ከመይ ኢለ እየ ክኣምነካ’ሞ? ሕማም ዲኻ ፈሪሕካ ወላ ካልእ ምኽንያት ኣሎካ?” ሓተቶ እናተገረመ።

“ኣይትኣምነንን ኢኻ፡ እቲ ሓቂ ግን ንሱ’ዩ። ሮዛ ከምተን ትፈልጠን ዓይነት ኣይኮነትን፡” መለሰሉ በየን ከም ዝጅምረሉ ሸጊሩዎ ምስ ኣእምሮኡ እናተኻትዐ።

“እንታይ ማለትካ እዩ? ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ! ተባሂሉ እዩ’ኮ። ክልተ ሰለስተ ወርሒ ምስኣ ኰለል ኢልካ፡ ኣብ ገዛኣ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ ተምሲ፡ ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ክትውስኽ ደሊኻ?”

“ኣተዓባብያ ሮዛ ስለ ዘይፈለጥካ ኢኻ ከምኡ ትብል ዘለኻ። ከምኡ ክትብል ሓቅኻ ኢኻ። ምኽንያቱ ባህርያት ሮዛ ኣግሂደ ኣይገለጽኩልካን። ንሳ ኣብ ገዳም ዝዓበየት ኮይና፡ ቅድሚ መርዓ ንዝግበር ርክብ ዘይትቕበል ቁምነገረኛ ሰብ’ያ።”

ሃብቶም ዘረባ ዓርኩ ኣጠራጢሩዎ ዓይኑ ኣፍጢጡ ጠመቶ። “መርዓ ትደሊ እንተ’ልያ ጽልልቲ ክትከውን ኣለዋ። Forget her!” ኢሉ ቈላሕታኡ ኣብ ጠረጴዛ ናብ ዝነበረት መጽሓፍ ሰደደ። ገጹ ናብ ሰለሙን ኣዚሩ፡ “ደሃይ ግራዝማችከ እንታይ ኣሎ?” ክብል ተወከሶ ሓድሽ ነገር እንተ’ሎ ክሰምዕ።

“ሰብኣይ ደኣ መርዓ ክንቈጽር እናበለ ክህውኸኒ ከም ዘይሓገየ እዘን ክልተ ኣዋርሕ እንታይ ከም ዘርኣዮ ሰላም ሂቡኒ ኣሎ። ሕጂ ግን ድሕሪ ጽባሕ ብኣካል ከይደ ኣብ መወዳእታኡ ከብጽሖ ወሲነ ኣለኹ።”

“Finish it!” ምግልጋል ይሓይሽ በጃኻ፡” ኢሉ ርእሱ ንየማነ ጸጋም ድሕሪ ምንቕናቕ፡ “ኣነ’ኮ ናይ ወለድና ነገር ግርም’ዩ ዝብለኒ፡ ስለምንታይ እዮም ንደቆም ኣብ ሰዊት ዕደመኦም ኣብ ዘይደለዩዎ ሓዳር ቈሪኖም ከልምሱዎም ዝፍትኑ? ሕብረተሰብና ካብዚ ድሑር ልምድ’ዚ መዓስ ከም ዝናገፍ ክርድኣካ ኣይክእልን’ዩ፡” ኢሉ ሽጋራ ወልዐ። ካብ ዝወግሕ ካልኣይቲ እያ ነይራ። ሓንሳብ ስሒቡ ነታ ጽብብ ኢላ ገዛ ብትኪ ድሕሪ ምዕብላኽ፡ “እሞ ሰብኣይ ሕራይ ክትብለካ ድያ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓበሉ።

“ሕራይ ይበል ኣይበል ከም ዘይቅበሎ ክገልጸሉ እየ።”

“ንሱ ጥራይ እዩ’ቲ እንኮ ፍታሕ። መርዓ እንተ’ሎ ውላድ ኣሎ፡ ኣብ ውላድ እንተ በጺሕካ ድማ ኦሮማይ ብኢድካን ብእግርኻን ክትእሰር ኢኻ ማለት’ዩ።”

ሰለሙን ብዘረባ ዓርኩ ሰገጥ ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ክብለካ ከለኹ ግን መርዓ ክተርፍ’ዩ ማለት ኣይኮነን፡” ክብል ተደጕሉ ዝጸንሐ ሓሳቡ ኣንጕሓሉ።

ሃብቶም ዘረባ ዓርኩ ደንጽዩዎ ንገለ ካልኢታት ኣተኵሩ ክጥምቶ ጸኒሑ፡ “What do you mean?” በሎ ገጹ ኣሲሩ።

“ንሮዛ ክምርዓዋ ወዲአዮ’ለኹ፡ ክሳብ ሎሚ . . .”

ዘረባኡ ከይወድአ ከሎ ሃብቶም ክርትም ኢሉ ሰሓቐ። “ሰለሙን ብሓቂ ክትምርዖ! ሓቅኻ ዲኻ ትጻወት ኢኻ ዘለኻ?”

“ክገርመካ ይኽእል’ዩ፡ ኣነ’ውን በብቝሩብ እናለመድኩዎ ከይደ’ምበር ኣብቲ መጀመርያ ክኣምኖ የጸግመኒ ነይሩ። ንሮዛ ርእይ ምስ ኣበልኩዋ’የ ኣፍቂረያ። ኣብ ህይወተይ ከኣ ከምኣ ገይራ ዝማረኸትኒ ጓልኣንስተይቲ የላን። ፈለማ ከዕልላ እንተ ደለኹ ገጽ ከሊኣትኒ። እቲ ነገር ስለ ዘይተዋሕጠለይ፡ ገይረዮ ዘይፈልጥ ሰሙን ምሉእ ከይተሓለልኩ ካብ ስራሓ ናብ ገዛኣ ኣሰንየያ። መቸም ሽዑ ዘስተውዓሉለይ ሰባት፡ ‘እዚ ወዲ ብፍቕራ ተጸሊሉ ኣሎ ኢሎም፡’ ኣዕሊሎም ይኾኑ። ፍቕሪ ከም ዝሓዘኒ ከኣ ሽዑ’ዩ ተረዲኡኒ። ክገልጸልካ ስለ ዘሕፈረኒ እየ’ምበር ክልተ ወርሒ ምሉእ ናብ ስራሕ ብሓደ ንወፍር ብሓደ ንኣቱ ኔርና። ምናልባሽ ኣየስተውዓልካለይን ትኸውን፡ ሓሳበይን ቀልበይን ግን ኵሉ ግዜ ምስኣ እዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ግን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቐ ምስ ሓሰብኩሉ፡ ምስኣ ቃልኪዳን ክኣስር ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጕዳይ ሕጸ ክንውድእ ተረዳዲእና።”

ሃብቶም ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ብኡነት እብለካ’ለኹ ሰሌ፡ ነዚ ዘረባ’ዚ ካብ ካልእ ሰብ እንተ ዝሰምዖ ነይረ ፍጹም ኣይምኣመንኩን ነይረ። ክሳብ ሎሚ ኣፍቂረ ስለ ዘይፈልጥ ንፍቕሪ ብዙሕ ግምት ከም ዘይህቦ ትፈልጥ ኢኻ። እዚ ሕጂ ትብሎ ዘሎኻ ግን . . .” ኢሉ ዝን ድሕሪ ምባል፡ ሰለሙን ብሮዛ ዝተላዕለ ምስ ኣቦኡ ባእሲ ክፈጥር፡ ዕሰልየ ዕስለየ ተባሂሉሉ ሓዳሩ ክወጽእ፡ ንመሬት ናጻ ኮይኑ ይረግጻ ከም ዘይነበረ፡ ብጥንስቲ በዓልቲቤቱ ክሻቐልን፡ ‘ሰበይተይ ሓሪሳ’ ኢሉ በጊዕ ክገዝእ ክጓየ፡ ‘ወደይ ተጸሊኡዎ’ ኢሉ ናብ ሓኪም ክብገስ፡ ‘ሰበይተይ’ንድያ ጣፍ ሸምተለይ’ ኢላትኒ፡ ‘ንሮዛ ናብ ማርካቶ ከብጽሓ፡’ እናበለ ብሓዳር ክውጠጥ ተራእዩዎ፡ “ኣይተሃወኽካን ግን ሰሌ? ርግጽ’ዩ እቲ ውሳኔ ናትካ እዩ። ብወገነይ ግን ተሓጻጺኹም ቍሩብ እንተ ትጸንሑ ይሓይሽ ምበልኩ፡” በሎ ነታ ሳሕቲ ቍሩብ ጽቕጥ ዘብላ ጸጋመይቲ ዓይኑ ኣጨምቲሉ። ከግህደሉ ኣይደለየን’ምበር እቲ ዘሻቕሎ ጕዳይ፡ መርዓ ዓርኩ ምስቲ ዘካይዶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስራሓት ስለ ዝተጋጨወ እዩ ነይሩ።

“ብዅሉ ጸገም’ዩ ሃብቶም። ምኽንያቱ ንሮዛ ተመርዕየ ነቦይ ከቕብጾ እንተ ዘይክኢለ ንሕርይቲ እንተ ዘይተምርዓኻ ኢሉ ተኸኽ ከም ዘብለኒ ርዱእ’ዩ። ኣደይ’ውን ተመርዖ እያ ትብል ዘላ። ስለዚ፡ በዚ ኢልካ በቲ ግድን ክምርዖ ኣለኒ። ብተወሳኺ ንሮዛ ከይተመርዓና ንጽናሕ ክብላ ኣይክእልን’የ፡ ምኽንያቱ ተሓጻጺና ነዊሕ ክንጸንሕ ፈጺማ ኣይትቕበሎን’ያ። ደሓር ከኣ ሰብ ክኸውን እንተኾይነ ሓዳር ክገብር ኣለኒ። ነቲ ጕዳይ ድማ ቅድሚ ምውሳነይ ኣጽቢቐ ሓሲበሉ እየ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሮዛ ብርቱዕ ፍቕሪ ስለ ዘሎኒ ንዓኣ ተመርዕየ ከዕርፍ ወሲነ ኣለኹ።”

“ኣብ ውዱእ ነገር ኣይዝረብን’ዩ። ስለዚ ድሕሪ ጽባሕ ከምዚ እዋን ምስ ግራዝማች ክርፍስ ኣለካ ማለት’ዩ፡” በሎ ብሓውሲ ጭርቃን።

“ምስ ሰብኣይ ደኣ ሓነግ ክንብሃል ኢና’ምበር። ብዝኾነ ይቀበሎ ኣይቀበሎ ብዘየገድስ፡ ንሮዛ ክምርዖ ምዃነይ ከእምኖ ክፍትን’የ።”

“ዌል የሳልጦ ጥራይ ሰሌ። ካብኡ ንላዕሊ ዝብሃል ነገር የሎን፡” ኢሉ ክስሕባ ዝጸንሐ ሽጋራ ድሕሪ ምጥፋእ፡ “ሓዳር ክብሃል ከሎ ግን ዋዛ ከም ዘይኮነ ፍለጥ! ዓቢ ሓላፍነት ኢኻ ትስከም ዘለኻ። ፍርቂ ናጽነትካ ኣወፊኻ ምንባር ክትጻወሮ ካብ ሕጂ ድሉው ክትከውን ኣለካ። ኣብ ፍቕሪ ዘይተመርኰሰ ሓዳር ስኒት ከም ዘይህልዎን ስቓይ ምዃኑን ተረዲእካ ንእተፍቅራ ጓል ክትምርዖ ምውሳንካ ሕጕስ’የ። ስለዚ፡ ንስኻ ትሕጐሰሉ ጥራይ ይኹን’ምበር ብወገነይ ተቐቢለዮ ኣለኹ፡” ብምባል ሕውነታዊ ምዕዶኡ ለገሰሉ። ከምዚ ክብል ከሎ ግን ክገልጾ ዘይደለየ ዕቃበታት ነይሩዎ።

ሰለሙን ብመጠኑ ፍዅስ ኢሉዎ ኣበርቲዑ ድሕሪ ምትንፋስ፡ “ኣንዲያሞ ጥራይ ሕጂ፡” ኢሉ ካብ መቓምጦኡ ብድድ በለ።

“ናበይ ገጽና ኢና?” ሓተተ ሃብቶም።

“ካብ ዝወግሕ እኽሊ ዝብሃል ኣይለኸፍኩን። ኣብ ገለ ቦታ ቍርሲ ንብላዕ።” ተተሓሒዞም ናብ ኣራት ኪሎ ገጾም ኣምርሑ።

 

*             *             *

ይቕጽል . . . . . . .

4ይ ምዕራፍ መበል 26 ክፋል ዝመጽእ 26 ሕዳር

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሓጺር ሌላ ምስ ሓጺር ዛንታ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?