Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

3
By Mekonnen T. on November 2, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

3ይ ምዕራፍ መበል 21 ክፋል

“ዓቕለይ ምስ ኣጽበበለይ ዝገበረ ይግበር ኢለ፡ ‘እሞ ኣነ ኣይፈትወካን’የ እንተ ኢለካ ኣይፈትወካን’የ ማለት’ዩ፡ ፊኒቶ!’ ኢለዮ ድምጸይ ኣትሪረ።

“ብዛዕባ’ዚ ናባይ ግደፍዮ ደሓን፡ ፈቲኺ ጸሊእኪ ሓንሳብ ምስ ተ. . . . (ወሲብ ምስ ፈጸምኪ) ከም እትፈትውኒ ርግጸኛ እየ፡’ ኢሉ ብተርጀጋ ሰሒቑ።

“ቍመቱ ዳርጋ ክንዳኻ ዝኸውን ጕልቡት ስለ ዝነበረ ሰብነተይ ፈጥፈጥ እናበለኒ ኣንቃዕሪረ ጠሚተዮ። ከምኡ ዓይነት ናይ ብዕልግና ቃላት ክሰምዕ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ ነይሩ። ጐረሮይ ቃዕቃዕ ኢሉኒ ምዝራብ’ኳ እንተ ሰኣንኩ፡ ‘ኣሳዱር ውጽኣለይ ወይ ኡይ! ክብል’የ፡’ ዝብላ ቃላት ግን ተጋዲለ ከውጽአን ክኢለ።

“ድምብርጽ ግን ኣይበሎን መሊሱ ሻዲኑ። በርጠጥ እናበለ፡ ‘ሮዛ፡ ትዕሽዊ ኣለኺ። ሓንሳብ ከም ዘምለጥክኒ ኣሚነስ ስዕረተይ ተቐቢለ እየ። ካልኣይ ግዜ ከም ዘይተምልጥኒ ግን ፍለጢ። ምኽንያቱ ኡይ! እንተ በልኪ’ውን ዝረድኣኪ ሰብ የሎን። ፈይሳ እንተኾይኑ ኪድ ኣረቂ ስተ ኢለ ናብ ጐጃም በረንዳ ሰዲደዮ ከም ዘለኹ ከበስረኪ እፈቱ። ስለዚ፡ ላዕሊ በሊ ታሕቲ ኣብ መጻወድያ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ኢኺ፡” ኢሉ ብብድዐ ካርካር ኢሉ ሰሒቑ። ብርእሰ ምትእምማን’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።

“መቸም ምስ ሓለፈ ክተዕለሉ ቀሊል ይመስል። ብደወይ ከለኹ ኣብራኸይ ራዕራዕ ኢሉ ክጠልመኒ ቀሪቡ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቲቪ ሓደ በጽሒ ንሓንቲ ጽብቕቲ መንእሰይ ብዓመጽ ክጋሰሳ ከሎ ዝረኣኹዎ ፊልም ስለ ዝዘከርኩ ግንባረይ ብረሃጽ ታህታህ ኢሉ። ካብ ክቱር ራዕዲ ዝተበገሰ ልበይ ካብ ቦታኣ ተበንቍሳ ትወጽእ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ፈይሳ የሎን ዝበለኒ ሓቁ ዶኾን ይኸውን?’ በልኩ ብውሽጠይ። ንሱ ድማ እንተስ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ሓሳባት ኣብ ገጸይ ኣንቢቡዎ፡ እንተስ ክቐብጽ’ሞ ተስፋ ቈሪጸ ድሌቱ ከማልኣሉ ሓሲቡ፡ ‘ክትኣምኒ እንተ ደሊኺ ሃየ ብመስኮት ተቐልቂልኪ ጸውዕዮ፡’ ኢሉኒ ብኢዱ ናብ መስኮት እናኣመልከተ።

“ክሳደይ ብመስኮት ኣቐልቂለ ክልተ ግዜ፡ ‘ፈ . ይ . ሳ! ኢለ ጸዊዐ ብዓውታ። እቲ ቦታ መቓልሕ ክገብር ዘይሕሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኣእዛነይ ግን ፈ . ይ . ሳ . . . ! ፈ . ይ . ሳ . . . ! ዝብል ድምጺ ዘቃልሕ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ብሓጺሩ እቲ ጕዳይ ሕልሚ’ምበር ጋህዲ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ዝዛረቦ ጠፊኡኒ ጠረጴዛ ተደጊፈ ደው ኢለ ከለኹ፡ ተወሊዓ ዝነበረት እቶን ጋዝ ኣጥፊኡ ዝባነይ ምስ ሓዘኒ ናብ ውነይ ስለ ዝተመለስኩ፡ ንሓንጐለይ ብቕልጡፍ ከስርሖ ፈቲነ። ጸበባ ፍታሕ ስለ ዘምጽእ ኣብታ ሓጻር ህሞት ብዙሕ ሓሳብ ተቐልቂሉኒ። ‘ብሓይሊ ስለ ዘይክእሎ ክቃለሶ እንተ ፈቲነ ኣብ ልዕለይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣውሪዱ ድሌቱ ክፍጽም ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ ነፍሰይ ካብ ዘሕስም ድላዪ ክገብርዶ ክሓድጐ ይሓይሽ፡’ ኢለ ሓሲበ።

“ዳግም ሕስብ ኣቢለ ግን፡ ‘ንሓደ እንስሳ’ምበር ሰብ ዘይብሃል በዓለገ ፍጥረት ስለምንታይ ኣሜን ኢለ ዝንብርከኸሉ? ቅንዕና’ኮ ንተንኰል ሰጊዳ ኣይትፈልጥን’ያ፡’ ብምባል ንዝቐደመ ሓሳበይ ኣፍረስኩዎ። ‘ንሬሳይ ክጋሰስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዓይነይ እናረኣየ እዝነይ እናሰምዐ ኣብ ሰብነተይ ከቕርቦ የብለይን፡’ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ። ከም ገለ ብሓይሊ ኣምላኽ እንተ ተዓወትኩ ዝብል ሕልና ሒዘ እየ’ምበር እንተስ ብጕልበቱ፡ እንተስ ብጥበቡ ኣብ ልዕለይ ድሌቱ ክፍጽም ከም ዝኽእል ምርዳእ ስኢነዮ ኣይኮንኩን። እንተኾነ፡ ተስፋ ዝቘረጸ ወይ ብፍርሒ ዝተዋሕጠ ሰብ ንሓንጐሉ ብግቡእ ከስርሖ ስለ ዘጸግሞ፡ ዝመጽአ ይምጻእ ኢሉ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ቅብጸት ወይ ኮን ዶኾን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ዓዲ ኣይውዕልን እዩ።”

ሰለሙን በቲ ናብ ዘይተጸበዮ ኣንፈት ከምርሕ ዝጀመረ ዛንታኣ ዝያዳ ተሓመሰ። “ሓቅኺ ኣለኺ። ዝኾነ ሰብ ዓቕሉ ክጽንቀቕ ከሎ ዘይፍትኖ ነገር የሎን። ንኣብነት ድሙ እንተ ኣጻቢብካሉ ጠኒኑ እዩ ዝኣትወካ ይብሃል እዩ’ኮ። ወላ እቲ ነገር ከምኡ ይኹን ግን ንስኺ ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን፡” በላ ርእሱ ብምስትንታን እናነቕነቐ።

“ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለኹ፡ ‘ሕጂ ሱቕ ኢልኪ ቃልዓለም ኣይትግበሪ። ይትረፍ ንስኺ ሓንቲ ኣበይ ኣለኺ ዘይትፍለጢ ከዳሚት መን ከማይ ዝብላ ኣንስቲ ሓዳር ከይተረፋ ኣብ ልዕሊ ሰብኡተን ይሰርቃ ኣለዋ፡’ ኢሉ ካብ ፍሪጐ ማይ ቀዲሑ።

“ናይ ዝቐደመ ከይኣኽሎ ዳሕራዩ ይገድድ’ባ እዚ ስዲ፡ ኢለ ክቐርበኒ’ሞ ዝመትረሉ ዝነበርኩ መላጸ ዝኾነ ካራ ኣልዒለ ከብዱ ክትርብዖ ተዳልየ። ብሕርቃን ደመይን’ድዩ ፈሊሑኒ። ዝባኑ ሂቡኒ ማይ እናሰተየ ከሎ ግን ከም ገለ ሓደ ሓሳብ ቅጅል ይብለኒ። ዝዕወተሉ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ድማ ክትግብሮ ወሲነ።

“ናባይ ጽግዕ ኢሉ፡ ‘ንኺድ ሕጂ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኴንና ቍሩብ ነዕልል፡’ ኢሉ ብቅልጽመይ ምስ ሓዘኒ ሓሳበይ ዝቐየርኩ ብምምሳል፡ ‘እንታይ ይመስለካ ኣሳዱር ሓወይ፡ ስድራኻ ‘ወድና ጸዪቓትልና እዛ ፈኳስ’ ኢሎም ከይቅየሙኒ ስለ ዝተሰከፍኩ እየ’ምበር ምሳኻ ከዕልል ወይ ክዘናጋዕ ጸሊአ’ኮ ኣይኮንኩን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣቶ ክሪስቶቭ እንታይ ክብለኒ! ደሓር ከኣ ማማኻ ካብ ስራሕ እንተ’ባረረትኒ እንታይ ትረክብ? ቍሩብ ዘይትድንግጸለይ! ኣነ ከምዛ ትርእየኒ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘመድ የብለይ፡ ፈላጢ የብለይ ሓንቲ ድኻ መደኽደኽ እየ . . .።

“ዘረባይ ከይወዳእኩ ክርትም ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ ‘ስድራይ ፈረንጂ ምዃኖም ረሲዕክዮ ዲኺ? ሓበሻ’ኳ ድሮ ሰልጢንኩም ቦይ ፍረንድ ገርል ፍረንድ ትብሉ ዘለኹም! ንኺድ ጥራይ’ ኢሉ ብጐድነይ ሒዙኒ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ክስጕም ጀሚሩ። ክብረ ንጽህናይ ክግህሰኒ ክሳብ ክንደይ ህርፋን ከም ዝነበሮ ግርም’ዩ ዝብለካ። ናይ መደቀሲ ክፍሉ ማዕጾ ከፊቱ ብምእታው፡ ‘ነየናይ ዓለም ኢኺ ክንድዚ ትጭነቕሉ ሮዛ? ንደሰት ጥራይ፡’ ኢሉ ስረኡ ኣውጺኡ ጥራይ ነፍሱ ኣብ ቅድመይ ደው ብምባል፡ ‘እሂ ሮዛ ንዒ’ባ፡ ፈሪሕኪ ዲኺ?’ ክብለኒ ግዜ ኣይወሰደን።

“ከመይ ደኣ ዘይፈርሕ፡ ቀደማይ ነገር ድንግል ከም ዘለኹ ፍለጥ። ደሓር ከኣ ሓንቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተመርዓወት መሓዛይ ‘ድንግል እንተጸኒሕካ እምብዛ እዩ ዘቐንዙ ክትብል ሰሚዐያ ነይረ፡’ ክብል ልቡ ዝመልእ ቃላት ኣዝኒበሉ። ተጣቢበ ተባሂሉ ኣብ ንቡር ኵነታት ክዛረቦ ዘይሕሰብ ብዘይ ልበይ ዘውጻእኩዎ ቃላት’ዩ ነይሩ። ብሓቂ እብለ’ለኹ ሰሌ፡ ወዲሰብ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ይፈርሕ’ዩ፡ ኣነ ድማ ከም ሰብ መጠን ኣደይ ካብ ትወልደኒ ከም ሽዑ መዓልቲ ርዒደ ኣይፈልጥን።

“ኣሳዱር ሓበን ተሰሚዑዎ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ ‘ጽቡቕ ኣለኺ ሮዛ። እዚ ትብልዮ ዘለኺ ግን ኣምር ስጋዊ ርክብ ንዘይፈልጡ ወይ ድማ ጀመርቲ ንዝኾኑ ጓሶት ወይ ፋራታት’ምበር ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን። ብዛዕባ ወሲብ እንተኾይኑ በዓል ዲግሪ ምዃነይ ድሕሪ ርክብና ክበርሃልኪ’ዩ። እመኒ ኣይትእመኒ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ንሓንቲ ብዙሓት ጠመትቲ ዝነበሩዋ ጓል ድሕሪ ክንደይ ወጠጥ ናብ ሓደ ቦታ ሒዘያ ከይደ። በጋጣሚ ከማኺ ድንግል’ያ ነይራ። ክገርመኪ ልክዕ ከምዚ ናትኪ ቃልዓለም ክትገብር ከም ዘይጸንሐት ኣብ ዓራት ደዪብና ምስ ተራኸብና ፈጺማ ካባይ ምፍላይ ኣብያ። ከይተረድኣና ድማ ኣብቲ ሆቴል ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ጸኒሕና። ሕጂ ድማ ንስኺ፡ ‘ኣሳዱር ሓወይ በጃኻ ከይትፍንወኒ፡ ካባኻ ክፍለ ኣይደልን’የ፡’ ኢልኪ ምሳይ ከም ኮላ ከም ትጣበቒ ርግጸኛ’የ። ኣቦይ ይሙት እብለኪ’ለኹ፡ እዚ ንጥፈት’ዚ ብልጫ ዝወሃቦ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እዚ ትርእዮ ዘለኺ መንደቕ ብመዳልያን ዲፕሎማን መርኣዪ ኣይምተረኽቦን ነይሩ፡’ ብምባል ብኢዱ ናብቲ መንደቕ ድሕሪ ምምልካት፡ ‘ሕጂ ንዓኢ ጥራይ ግዜ ኣይንቕተል፡’ ኢሉ በተን ፈኻኻት ደርጊ ስኑ እናሰሓቕ ቅርብ ምስ በለኒ ከምዛ ጕብጥ ዘብለኒ ጥራይ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ ‘በል ቅድም ሽንቲ ማየይ ደፊአ ክመጽእ፡’ ኢለዮ። ኣየተጠራጠረን፡ ‘ኦከይ ቀልጥፍኒ ጥራይ’ ኢሉኒ።

“ክምለሰካ’የ ኣንታ ኣኒማለ፡’ እናበልኩ ብልበይ ካብ ክቱር ፍርሒ ክስዕረኒ ዝቐረበ ሽንቲ ማይ ድሕሪ ምኽዓው፡ ሰላሕ ኢለ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ኣትየ።”

ህርመት ልቡ ናህሪ ወሲኹ፡ ተባዕታዊ ስምዒቱ ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ዝነበረ ሰለሙን መንፈሱ ብመጠኑ ተረጋግአ። በቲ ዝተጠቕመትሉ ሜላ ተገሪሙ፡ “ዘደንቕ ፈጻሜ’ዩ! እቲ ሓሳብ ግን ብኸመይ መጺኡልኪ?” ክብል ተወከሳ።

“ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ’ዩ። ‘ኣንስቲ ሓዳር’ኳ ዝሰርቃ ዘለዋ’ ምስ በለኒ፡ እታ ኣብ ካቴድራለ ዝተላለኹዋ መሓዛይ ሓደ ንስርቂ ዝምልከት ጕዳይ ዘዕለለትኒ ትዝ ኢሉኒ። ንሱ ድማ እንታይ ይመስለካ፡ ሓደ ለይቲ ኣብ ሓደ እንዳ ሃብታም እናሰርሐት ከላ ሰረቕቲ ይኣትዉ። ምስ ረኣየቶም ብኣፋ ሒዞም፡ ‘ዝኾነ ድምጺ እንተ ጌርኪ ክንቀትለኪ ኢና፡’ ኢሎም በቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ካራ የፈራርሑዋ። ጓል ኣይሓመቐትን፡ ‘ድላይኩም ውሰዱ። ኣነ ሓንቲ ርሂጸ ባላዕ’የ ኣይግደስንን’ዩ። ሽንቲ ክስዕረኒ ስለ ዝደለየ ግን ናብ ሽቃቕ ክኸይድ፡’ ኢላ ምስ ኣእመነቶም ውራይ ስርቆም ክገብሩ እናሓሰቡ ናይ ሽቓቕ ማዕጾ ገም! ገም! እናበለት ኡ. . .ይ! ክትብል ጀሚራ። ብኸምዚ ድማ ነቲ ክዝመት ዝተሓስበ ገዛ ካብ ስርቂ ኣድሒናቶ። መቸም ኣምላኽ ኣለኺ ስለ ዝበለኒ’ምበር ካብ ናይ ኣሳዱር ሓደገኛ መጻወድያ ክወጽእ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ፡

“ብዝኾነ ኣሳዱር ሆየ ምስ ደንጐኹዎ ሸፋሕ ሸፋሕ እናበለ ናብ ዓይኒ ምድሪ ገጹ ክኸይድ እሰምዖ ነይረ። ኣብኡ ምስ ሰኣነኒ፡ ኣብ ማዕጾ መደቀስየይ ተጸጊዑ ብዓውታ፡ ‘ሮዛ! ክፈትዮ። ኣነግረኪ’ለኹ ማዕጾ ሰይረ ምስ ኣተኹ ከም ዘይምሕረኪ ፍለጢ፡’ እናበለ ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ተጠቒሙ ገው! ገው! ከብሎን ክጕንጾን ጀሚሩ። ብግሬደር ዘይፍንቀል ድልዱል ማዕጾ ስለ ዝነበረ፡ ንዑኡ ሰይሩ ክኣቱ ከም ዘይክእል ፈሊጠ መልሲ ኣይሃብኩዎን ኣብ ዓራተይ በጥ ኢለ።

“ብምዅሕኳሕ ምስ ኣጽመመኒ፡ ‘ኣሳዱር ትም ኢልካ ኢኻ ትደክም ዘለኻ ኣይከፍተካን’የ፡’ ኢለዮ እንተ ቐበጸ ኢለ። ሽዑ ግደፎ ዝዛረቦ ኣይፈልጥን፡ ናብ ኣራዊት ተቐዪሩ። ብዙሕ ቅለት’ውን ተዛሪቡ። ኣብ መወዳእታ ቀቢጹ ናብ ሳሎን ተመሊሱ።

“ዓይኒ ምስ ሓዘ ፈይሳ ይመጽእ’ሞ፡ እንታይ ኢሉ ከም ዘረድኦ ኣይፈልጥን፡ ‘ሮዛ፡ ክፈትዮ በጃኺ ዝብለኪ ስምዕኒ። እዚ ነገር’ዚ ንዓኺ ዘርብሕ’ዩ። ጐይታይ ዝብሉኺ ዘለዉ እንተ ሰማዕኪ ይሕሸኪ። ምስኦም ኣብ ዓራት ምድቃስ መን ትረኽቦ? ሎምስ ገለ ክንሰምዕ ኢና!’ ይብለኒ ብዝተዓጽፈ ጸያፍ መልሓሱ።

“ኣይከፍትን’የ ትም ኢልካ ኣይትድከም፡’ ኢለ ምስ ኣቕበጽኩዎ፡ ‘ብቐደሙ ለባም ሰበይትን ቀራን ኣድግን የላን ተባሂሉ’ንድዩ፡’ እናበለ ከጕረምርም ሰሚዐዮ።

ይቕጽል 3ይ ምዕራፍ መበል 22 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 5 ሕዳር

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”
Next Article ሰብ ኣሎ!
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

3 Comments

  1. Anonymous on November 12, 2014 1:56 pm

    ትጽቢት ነዊሑና ናይቲ ዝቅጽል ክፋል……

  2. habtit on November 12, 2014 2:00 pm

    ትጽቢት ነዊሑና ናይቲ ዝቅጽል ክፋል……

  3. stefenaos Temolso on December 28, 2014 1:31 pm

    ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ስለ ዝቐርብ ካብኡ ንንየው ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መጽሓፍ ስለ ዝነበረ ከም ብሓድሽ እናተጻሕፈ እዩ ነንበብቲ ዝቐርብ ዘሎ።

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?