Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 27, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

3ይ ምዕራፍ መበል 19 ክፋል

ዘረባኣ ቍሩብ ሰገጥ ኣበሎ። ኣብ ውሽጢ’ተን በጻብዕ ዝቍጸራ ካልኢታት ኣልማዝ ሰላሌን ናይ ሰራተኛ ሰፈር መዅደዲትን ከም ቅልጡፍ ፊልም ብቅድሚ ዓይኑ ሽው ኢለን ሓለፋ። እንታይ ምስጢር ክተስምዓኒ እያ ብምባል ሃንደበት ነቲ ሰረት ዝሰደደ ፍቕሮም ዝዘርግ ነገር ከይትድርጕሓሉ እናተማህለለ፡ “ተዛረቢ ደሓን፡ መዕለሊ እዩ ዝኾነና፡” በላ ብፍኑው ቃና።

ታሪኽ ህይወታ ምስ ሰምዐ ሓሳቡ ከይቅየር’ሞ፡ እቲ ዕሸል ፍቕሮም ኣብ ማእከል እሾኽ ከም ዝበቘለ ተኽሊ ኣብ ዕምባባን ፍረን ከይበጽሐ ተሓኒቑ ከይተርፍ ሰግአት። ነየናይ ገዲፈ ነየናይ ክገልጸሉ ኢላ ምስ ሕልናኣ ድሕሪ ምክታዕ፡ ጭራም ከየጕደለት ክትገልጸሉ ወሰነት። ግዜ ድራር ክሳዕ ዝኣክል ኣብ መንጎ ንብዓት ክስዕራ እናደለየ ዝበዝሕ ክፋል ታሪኻ ገሊጻ ምስ ወድአት ዓቢ ጾር ዘራገፈት ኮይኑ ተሰምዓ። ኣዒንታ ብመሃረብ እናደረዘት ከኣ ካብ ዳኛ፡ ናጻ ወይ ገበነኛ ዝብል ብይን ከም ዝጽበ ናይ ሕጊ እሱር ኣዒንታ ተኺላ ጠመተቶ።

ነቲ ትራጀዲ ዝመልኦ ዛንታ ወላዲታን ኣተዓባብያኣን ናብ ሓወልቲ ዝተቐየረ ክመስል ብኣንክሮ’ዩ ሰሚዑዎ። ዘረባኣ ምስ ወድአት፡ “ኣቐዲምኪ ክትነግርኒ ነይሩኪ ሮዛ። ብሓቂ በዲልክኒ፡” ብምባል ርእሱ ኣብ ክልተ ኣእዳዉ ደጊፉ ደነነ።

ንዘረባኡ ምስ ሰምዐት መሬት ኣፋ ከፊታ ክትውሕጣ ዝቐረበት ኮይኑ ተሰምዓ። “ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን፡” በለት ብውሽጣ። “ከምኡ እንተኾይኑስ ይቕሬታ ግበርለይ፡ ፍቕርና ናብ መርዓ ክበጽሕ ኣይክእልን’ዩ፡” ክብላ’ሞ በተግ ኢላ ክትሃድም እናተጸበየት ከላ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ “ከይተረድኣኒ ዝበደልኩኺ ነገር እንተ’ሎ ይቕረ በልለይ ሮዚና፡” ኢሉ ብመንኵባ ስሒቡ ናብ ኣፍልቡ ኣጸግዓ። መንከሱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣደጊፉ፡ ብኢዱ ዝባና እናደረዛ ንገለ ካልኢታት ትም በለ። ብዛዕባ መንነታ ዝነበሮ ዝተጋነነ ስእሊ ዘኪሩ ኣብ ልዕለኣ ዓቢ በደል ዝፈጸመ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ ብሓዘን ተዋሒጡ ብሓሳብ ክዅብልል ጀመረ።

ብማዕዶ ተሓቛቝፎም ንዝረኣዮም ሰብ በቲ ልስሉስ ሙዚቃ ተሰንዮም ኣብ ናይ ፍቕሪ ማዕበል ጥሒሎም ንዓለም ዝረስዑዋ ይመስሉ ነበሩ። ብፍላይ ሮዛ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ዘላ ኮይኑ ተሰምዓ። ብሓቂ ድማ ናይ ክልቲኦም ልቢ ኣብ ፈላሚ ፍቕሪ ተቘሪነን ሓደ ረምታ ከስምዓላ ዝጀመራ ንዘልኣለም ዘይርስዑዋ ህሞት’ያ ነይራ።

ሮዛ ኣብ ኣፍልቡ ጎቦ ኮይና መልጐም ካምቻኡ ክትተናኽፍ ጸኒሓ፡ “ሰሌ ሓወይ፡” በለቶ ርእሳ ኣቕኒዓ ንመንከሱ እናሓዘት። ከበሮ ኣዒንቱ ከፊቱ ቍሊሕ ምስ በላ፡ “ብጀካኻ መን ኣሎኒ፡” ወሰኸት ከም ድንን እናበለት።

“ኣነ’ውን ብጀካኺ ህይወት የብለይን። ብኸመይ’ሞ ክገልጸልኪ፡ ሮዛ ንዓይ ኵሉ ኢኺ። ብዘይካኺ ካብ ማይ ከም ዝወጽአ ዓሳ እየ።”

ኣንቃዕሪራ ክትጥምቶ ጸኒሓ፡ “ኣነ’ውን ካባኻ ተፈልየ ክነብር ኣይክእልን’የ፡” በለቶ። ዘረባኣ ብምቕጻል፡ ካብታ ዝረኣየቶ ደቒቕ ኣትሒዛ ብፍቕሩ ከም ዝተለኽፈት፡ ክቱር ፍርሒ ደቂተባዕትዮ ስለ ዝነበራ ግን ተቢዓ ክትቀርቦ ከም ዘይከኣለት ገለጸትሉ።

ሰለሙን ቅድሚ ምስኣ ምርኻቡ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተላለየን ምስሉያት ደቂኣንስትዮ ዘኪሩ፡ “ከማኺ መን ኣላ ሮዚና? እናበለ ኣፍኵሱ ክስዕማ ጀመረ። ገይራቶ ዘይትፈልጥ ንጡፍ ግብረ መልሲ ብምርኣይ ካረሜላ ከም ዝመጺ ዘሎ ሕጻን ትሃና ክሳዕ ተውጽእ መጥመጠቶ። ምሉእ ህይወት ዝረኸበት ኮይኑ ድማ ተሰምዓ። ብውሽጣ፡ “እዚ ህይወት’ዚ ኣበይ ተሓቢኡኒ ነይሩ?” እናበለት ካብቲ ፈላሚ ፍቕራዊ ተሞክሮኣ ከይትዅለፍ ዝተሰከፈት ክትመስል ጠሚራ ሓቘፈቶ። ኣብ ፍቕሪ ክትነጥፍን ስምዒታ ኣግሂዳ ክትገልጽን ምስ ኣስተውዓለ፡ ብሰንኪ ምስኡ ዘለዋ ፍቕሪ ነቲ ዝሓልካ ዝነበረ ሓጹር ጥሒሳ ካብ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ናጻ ከም ዝወጽአት ገመተ።

ኣሳሳዪ ድራር ሒዙ መጽአ። ሰለሙን ጠምዩ ግዲ ነይሩ ብኡንብኡ ምብላዕ ክጅምር ከሎ፡ ንሳ ግን መታን ክትጽሊ ኣዒንታ ሰም ኣቢላ ርእሳ ኣድነነት። ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ከም ዘይግደስ ድሮ ዝተረድኣቶ ጕዳይ ስለ ዝነበረ ክንድቲ ኣይተጨነቐትን ፋርኬታ ኣልዒላ ስፓጌቲ ክትጥቕልል ጀመረት። ንውሱናት ደቓይቕ ብዘይካ’ቲ ጸጸኒሑ ብምግጫው ፋርኬታን ብያትን ዝስማዕ ዝነበረ ቀርማሕማሕ ዝብል ድምጺ ኣብታ ክፍሊ ህድኣት ሰፊኑ ነይሩ። ሰለሙን ምስ ኣቦኡ ዘሰሓሕቦ ጕዳይ መርዓ፡ “ሓንሳብን ንመወዳእታን ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሖ ኣለኒ፡” እናበለ ምስ ኣእምሮኡ ክካታዕ ከሎ፡ ንሳ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝገደደ መጻወዲያ ኣትያ ምስ ሓንጐላ ትዋጠጥ ከም ዝነበረት ኣብ ገጻ ይንበብ ነይሩ።

ነቲ ዘይገለጸቶ ካልኣይ ክፋል ታሪኻ፡ “ክቕጽሎዶ ትም ክብል?” ኣብ ዝብል ወሳኒ ሕቶ ስለ ዝኣተወት ሓሳባታ ክዘራረጋ ጀመረ። ንዝቐደመ ታሪኻ ብንጹህ መንፈስ ምቕባሉ፡ መርኣያ ምስኣ ናይ ዘለዎ ጽኑዕ ፍቕርን እምነትን’ኳ እንተኾነ፡ ብኡ ተተባቢዓ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሕለፈቶ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ እታ ንወርቂ እትምልከት ተኣፋፊት ጕዳይ ምግላጽ ሃው ዝበለ ገደል ኮይኑ ተሰምዓ። እቲ ሱር ሰዲዱ ኣብ ኣፍደገ ቃልኪዳን ዝበጽሐ ርሱን ፍቕሮም በርዒኑ ከይተርፍ ኣብ ስክፍታ ኣተወት። በንጻሩ ምስጢራ ዓቚራ ትም ምባል፡ ድሕሪ መርዓኦም ሰለሙን በጋጣሚ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ እንተ ፈሊጡ ኣብ ፍረ ንዝበጽሐ ሓዳር ምቝጻይ ኮይኑ ተራእያ።

ምውሳን ግን ሰኣነት። “ከመይ ገይረ ከታልሎ፡” ክትብል ጸኒሓ፡ “ዝኽትምናን ድኽነትን ምስ ደቂሰብ ዝተፈጥረ ዘልኣለማዊ ትዕድልቲ ወይ ኣበር ኣይኮነን። ስርቂ፡ ሓሶት፡ ምንዝርና ግን ኣምላኽ ዘይፈትዎ፡ ብሕብረተሰብ ከኣ ዝተፈንፈነ ጽያፍ ተግባር’ዩ። ኦይ! ባዕለይ መዘዝ ክፈጥር? ትም ምባል ይሕሸኒ፡” በለት። ኣብኡ ግን ኣየብቅዐትን። ዳግም ሓሲባ፡ “ግን ከኣ ዕድመይ ምሉእ ሎሚዶ ይሰምዕ ጽባሕ፡ እናበልኩ ክሽቝረር ክነብር ማለት ድዩ?” ሓተተት ንነፍሳ። ርእሳ ኣቕኒዓ ኣተኵራ ናብ ሰለሙን እንተ ጠመተት ኣብ ገጹ ለውሃትን ቅንዕናን ተዓዘበት። “ሰለሙን ንጹህ ሰብ’ዩ፡ ዝጭክነለይ ኣይመስለንን። ንዅሉ ነገር ናብ ኣምላኽ ኣውዲቐ ሓቂ ተዛሪበ ምግልጋል ይሕሸኒ። ምሳይ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ ኣምላኽ ኣሎ ከይጠልመኒ . . .” ብምባል ነፍሳ ኣደዓዒሳ ነቲ ዝተረፈ ታሪኻ ክተንትጐሉ ቍርጺ ሓሳብ ገበረት።

ኣብ መንጎ እቲ ቈማት ኣሳሳዪ ትእዛዞም ክሰምዕ ተሓወሶም። ብዙሕ ኣይደንጐየን ዝኣዘዙዎ ኣሮስቶ ተሰኪሙ ደበኽ በለ። ሮዛ ናይ ኣዲስኣበባ ህይወታ ክትነግሮ’ሞ ክትገላገል እናተቐረበት ከላ ቀዲሙዋ ዘረባ ብምጅማር፡ “ክገርመኪ ኣብ ህይወተይ ከም ፓስታ ገይረ ዝፈትዎ ምግቢ የሎን፡ እቲ ጸገም ግን ዘዝቘጸርኩወን ከደምቲ ፓስታ ሰሪሐን ስለ ዘይክእላ ኣብ ገዛይ ዳርጋ ፓስታ በሊዐ ኣይፈልጥን። ፓስታ ከደሊ ከለኹ ናብ ሪስቶራንተ እየ ዝኸይድ ነይረ፡” በላ ርእሱ እናቕንዐ።

“ፓስታ ምስራሕ ክስእና! ንስኻኸ ኣሰራርሓ ምግቢ ዝፈልጣ ዘይትቘጽር ወደይ? ባዕልኻ ጥሜት ክትመውት. . .”

ዘረባኣ ከይወድአት ከላ፡ “ግደፍና በጃኺ፡ ናይ ከደምቲ ነገር ኵሉ ሓደ’ዩ። እተን ክኢላታት ዝብሃላ ኣብ ክንደይ’ታ ክእለተን ብስርቂ’የን ዘደንግላኻ። ንመዕለሊ ክኾነና ግን ካብ ኣስመራ ምጽእ ምስ በልኩ ናይ ዝቘጸርኩዋ ሰራሕተኛ ጕዳይ ከዘንትወልኪ። ኣብ ክእለት መጺእኪ ዘይትሰርሖ ዓይነት ምግቢ ኣይነበራን፡ ኣዝያ ወሓለ’ያ ነይራ። ውሕልነት ንበይኑ’ሞ እንታይ ክዓብስ’ዩ? ኣብ መበል ካልኣይ ወርሓ ኣብ ጁባይ ዝነበረ ሓምሳ ቅርሺ ኣዕውር ኣቢላትኒ ኣብዚኣ ኣተወት ከይተባህለት ሽርብ ኢላ፡” ድሕሪ ምባል ናብቲ ዓፍዓፍ ዝብል ዝነበረ ጠመተ።

ሮዛ ዘረባኡ ሃንደበት ኮይኑዋ ሰኸኽ በለት። ትዛረቦ ጠፊኡዋ፡ “ከመይ ዝበለት ፈሪሃ’ዝግሄር ዘይብላ ሰብ’ያ?” ዝብል ልኡም መልሲ ጥራይ ሃበቶ።

“ኣብ ዓለም፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ሓሳዊ ድሕሪኡ ድማ ሰራቒ ክጠፍኡ ኣለዎም። ሕራይ ወዲሰብ ጠምዩ እንተ ሰረቐስ ጸገም ኣይኮነን። ጽቡቕ ደሞዝ እናኸፈልኩዋ ከለኹ ምስራቓ ግን እንታይ ክብሃል’ዩ? ዶ ካባኻ ንዝህብትም ምስራቕ ሓላል ሓሲባቶ እያ?” ብምባል ካብኣ መልሲ ከም ዝደለየ ብሓውሲ ሕቶ ጠመታ።

ሮዛ ልባ ተሰቕለ። ኣእምሮኣ ከም ብሓድሽ ኣብ ሓድሽ ነውጺ ኣተወ። ብሓሳብ ኣርሒቓ ከም ዝገሸት ኣብ ኣዒንታ ካብ ዝርአ ዝነበረ ባዶነት ምርዳእ ኣይጸገሞን። ብዛዕባ ከደምቲ ኣልዒሉ እንተ ተዛረበ ከዳሚት ንዝነበረት ኣደኣ ወይ ድማ ትሰርሓሉ ንዝነበረት ቦታ ዝዘከረት መሲሉዎ፡ “ኣብ ሓሳብ ኣቲኺ’መስለኒ ሮዛ? ኵሉ ረስዕዮ። ሕጂ ዝሓለፈ ሽግር ረሲዕና ጠጥዑሙ ጥራይ እንተ’ዕለልና’ዩ ዝሓይሽ፡” በላ ካራን ፋርኬታን ኣልዒሉ ክበልዕ ወስ እናበለ።

“እ! እንታይ ሓሲበ ድየ?” ክትብል ብሕቶ መለሰትሉ። ኣተኵራ ክትጥምቶ ትብዓት ኣይረኸበትን። ኵነታታ ከም ሓደ ከቋላምጽ ጸኒሑ ሃንደበት ኢድ ብኢድ ዝተታሕዘ ቈልዓ ይመስል ነይሩ።

“ሓንጐልኪ ናጻ ግበርዮ ሮዛ፡ ነዛ ጨናዊት ዓለም ክንድዚ ኣይትጨነቕላ። ሕርኽርኽ ዝብለኪ ነገር እንተ’ሎ ኸኣ ብዘይ ስክፍታ ግለጽለይ። ዝኾነ ነገር ወላ ቀሊል እንተ መሰለ ንበይንኻ ክትፈትሖ ካብ ትጋደል ንሰብ ክተካፍሎ ከለኻ ብመጠኑ ፍዅስ’ዩ ዝብለካ፡” በላ ኰሊሱዎ ዝጸንሐ ምግቢ ውሒጡ።

ኣሳዱር፡ እታ ወርቂ ሰንሰለት፡ እቲ ጀልጋፍ ፖሊስ ከም ስእሊ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታ ተገተሩ። ንሰለሙን ፊት ንፊት ክትርእዮ ኣሕፊሩዋ ድንን ብምባል፡ ንኣምላኻን ነቲ ኣመና እተፍቅሮን እንኮ ሰብ ካብ ምትላል፡ ምስጢራ ነጊፋ ሕልናኣ ክተዕርፍ መረጸት። ርእሳ ብምቕናዕ ትውንኖ ዝበለ ሓቦ ተዓጢቓ፡ “ኣብ ኣዲስኣበባ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ክነብር ከለኹ ዘሕለፍኩዎ ህይወት’ኮ ብምሉኡ ኣየዕለልኩኻን ዘለኹ ሰሌ፡” በለቶ ኣመና ብዝተወጠረ ድምጺ።

ኣብ መካኒሳ ንሓደ ዓመት ምስ ሓደ ኣርመናዊ ስድራቤት ሰሪሓ ምንባራ ኣዕሊላቶ ከም ዝነበረት ዘኪሩ፡ “እዝክሮ እየ። ዘሕጕስ ጥራይ ይኹን’ምበር ብጽሞና ክሰምዓኪ’የ ሮዚና። እናበላዕኪ ግን ከይዝሕለኪ፡” በላ ፍሽኽታ ወሲኹ።

“ንስቓይ ዝተፈጠርኩ መከረኛ ሰብ ስለ ዝኾንኩ’ምበር ድሕር’ቲ ኵሉ ጸበባ፡ ጽቡቕ ኣለኻ ብሓጐስ ክድበስ ነይሩኒ። ወዲሰብ ግን ጸጽሕፍቶኡ ዘልዕል ፍጡር’ዩ።”

“ደሓን ሮዛ ከምኡ ኣይትበሊ። ካብ ኣዳም ጀሚርካ ንስቓይ ዝተፈጠርና ኢና’ኮ። ደሓር ከኣ ሓጐስን ሓዘንን፡ መከራን ራህዋን፡ ቅንዕናን ተንኰልን፡ ጸበባን ምቾትን፡ ሓቅን ሓሶትን መኻይድቲ ምዃነን ዘይምርሳዕ። ተመያዪጥና ዘይንፈትሖ ሽግር ዘሎ ከኣ ኣይመስለንን። ቀጽሊ ጥራይ ግዜ ከየጥፋእኪ ኣብ ቁምነገርኪ እተዊ።”

ክትኵልሶ ዝቐረበቶ ኣብ ኣፋ ከየእተወት፡ “ነዚ ሕጂ ዝነግረካ ጕዳይ ግን ሓቅነቱ ክተረጋግጽ ምዃንካ ኣቐዲምካ ቃል ክትኣትወለይ ኣለካ። እንተ ዘይኮይኑ ኣፈይ ሒዘ ትም ምባል ይሕሸኒ። ብዛዕባይ ክንዲ ጽፍሪ ክትጠራጠር ኣይደልን’የ፡” ገጻ ኣሲራ ዝተዛረበተን ተረርቲ ቃላት’የን ነይረን።

ዘረባኣ ጋን ኮኖ። “ኣየ ሮዛ፡ ቈልዓ ኮይነስ ሓቅን ሓሶትን ክጠፍኣኒ ኢልኪ ትሓስቢ! ደሓር ከኣ ንዝቐደመ ዛንታኺ ንሓቅነቱ መረጋገጺ ሓቲተ ድየ? ተዛረቢ ጥራይ፡ ብዛዕባይ ፈጺምኪ ኣይትጠራጠሪ። ኣባኺ ዘሎኒ እምነት ከም ዘይቅየር ከሎ ገና እገልጸልኪ ኣለኹ። ሕጂ ብዙሕ እንተ ተዛረብኩ ትርጕም የብሉን። ቀስ ኢልኪ ክትፈልጥኒ ኢኺ፡” ክብል ከተኣማምና ጸዓረ።

“ሓቅኻ፡ ነቲ ዛንታ ስለ ዘይሰማዕካዮ ከምኡ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ዛንታይ ዘርዚረ ምስ ወዳእኩ ግን ሓቃ’ያ ክትብል ኢኻ። ስለዚ ብንጽህና ከም ትቕበለኒ ቃል ክትኣትወለይ ኣለካ፡” ክትብል ነቲ ነገር ኣካበደቶ።

ዘረባኣ ነቲ ዛንታ ክሰምዕ ዝያዳ ከም ዝርበጽ ስለ ዝገበሮ፡ “በሊ ደሓን፡ ማዕረ ክንድኡ ካብ ተጠራጠርኪ፡ ዝሓተትክኒ ዘበለ ከም ዝፍጽመልኪ ቃል እኣትወልኪ ኣለኹ፡” በላ ገጹ ኣሲሩ።

“ሚለ ግራሴ! ንሳ እየ ዝደሊ ነይረ፡” ኢላ ዘረባ ክትጅምር እናተቐረበት ከላ፡ ኣሳሳዪ ዝለ ዝተቐልቀሎም ትም ዘረባ ኣቋረጸት። ብያትታት ኣልዒሉ ምስ ተኣልየሎም፡ ተዓዃሊሉ ኣብ ምዕጕርታ ወሪዱ ዝነበረ ጸጕራ ብክልተ ኣእዳዋ ንድሕሪት ኣርኒባ፡ “ከምቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ፡ ኣብ መካኒሳ ምስ ኣቶ ክሪስቶቭ ንዓመት ዝኣክል ክሰርሕ ከለኹ ኣምላኽ ይመስገን እበልዕ፡ እሰቲ ብሓቂ ጽቡቕ ነይረ። እቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ኮይኑ ኢድካ ኣብ ኣፉ ኣእቲኻሉ ዘይናኸስ ሕያዋይ’ዩ ነይሩ። ሰበይቱ’ውን ካብ ልክዕ ዝሓለፈት ነፋግ እያ’ምበር ፈሪሃ’ዝግሄር ዝነበራ ሰብያ’። ካብ ክቱር ብቂ ዝተላዕለ ግን ከም ከሻኒት ምግቢ ቈጺራትኒ ክተብቅዕ፡ ዝያዳ ደሞዝ ክትከፍለኒ ጽሬት ገዛ ሓዊሰ ክሰርሕ እደሊ እንተኾይነ ምስ ሓተተትኒ፡ ‘ደሓን እፍትኖ’ ኢለ ነቲ ስራሕ ጀሚረዮ፡” ክትብል ነቲ ነዊሕ ዛንታ ጀመረቶ።

ይቕጽል  . . . . . .

3ይ ምዕራፍ መበል 20 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 29 ጥቅምቲ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?